ሱዳናይውያን ስደተኛታት ካብ ዝተዓቖብዎ መደበር ሃዲሞም

2024-05-04 20:43:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 169 times

ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዝያዳ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ፡ ካብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓደሽ መደበር ብ3 ማዝያ 2024 ከም ዝሃደሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ከባቢ መተማ ኮመር ኣብ ዝበሃል ከባቢ 8 ሺሕ ዝኾኑ ሱዳናያውያን ኣብ ዝሰፈርዎ መደበር ተዓቚቦም ዝነበሩ ሱዳናውያን ዝሃደሙ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም ስደተኛታት ንወገን ጐንደር ብእግሮም ጉዕዞ ጀሚሮም፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 43 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተዓገቱ ድማ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ ነቲ ተበግሰኦም ዝለዕለ ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምዃኑ ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተረኽቦ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ከም ዘሎ  ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣስታት 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱን ካብኣቶም እቶም 33 ሺሕ ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበር ኮመር ዝሃደሙ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተደጋጋሚ መጥቃዕት መጭወይትን ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ፡ እቶም ግዳያት ንሮይተርስ ሓቢሮም።  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት “ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝሃደሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ናይ ምድሓን ተግባሩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 ገለ ማዕከናት ዜና ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኤርትራውያን እውን ከም ዝርከብዎም’ኳ እንተ ጠቐሳ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።

Last modified on Saturday, 04 May 2024 22:51