ለቨርኩዘን፡ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ ቃል ክብሮም ዓንዶም
Sunday, 24 May 2026 20:43 Written by ክብሮም ዓንዶምለቨርኩዘን፥ ብቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዝተዳለወ በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበ መግለጺ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣዳለውቲ ናይዚ በዓልን ዕዱማት ኣጋይሽን።
ኣብዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ዕለት በዓል ናጽነትዚ ምሳኹምን ኣብ መንጎኹም ኮይነ ብሓጎስ ክጽንብሎ ከሎኹ ዝስማዓኒ ፍስሓ እዝዩ ድሙቕዩ።
እንቋዕ ናብ በዓል ናጽነት ሃገርና ኣብቅዓናን፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን።
በዓል ነጻነት ኤርትራ ክዝከር ከሎ፡ እቲ ዘይሕለል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብማዕሪኡ ስለ ዝዝከረካ ፡ ስምዒታት ኩርዓትን ሓዘንን ዝተሓዛዘሉ ክኾኑ ዘይተርፎ ኢዩ`ሞ፡ ብቐዳምነት ክብርን ዝኽርን ነቶም ነዚ ሓቂዚ ዘግሃዱ ድመቓት ስዉኣትና። ክብሮምን ዝኽሮም ዘለዓለማዊዩ።
ክቡራት ዕዱማት!
ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንነጻነቱ ዝገበሮ ኩሉ መዳያዊ ምርብራብ ዳርጋ ልዕሊ 100 ዓመታት ዝገንበረ’ዩ። ብርግጽ ህዝቢ ኣኤርትራ ብሙሉሏኡ ነቲ ቃንዛ ብሓደ እዋን ኣስተማቒሩዎ ነይሩዩ ንምባል ዘሸግር እዃ እንተኾነ፡ እቲ ሓቂ ተቐቢሩ ስለ ዘይቅበር ግን፡ ስላ ተቓለስቲ ኤርትራውያን በበእዋኑ እንዳዓኾዀ፡ ዘይተኣደየ ህይወትን ንብረትን ህዝቢ ኤርትራ በሊዑ ብ24 ግንቦት 1991 ንሰራዊት መግዛኣቲ ስዒሩ ነጻነቱ ተጓናጺፉ።
እቲ ብማዕረ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ገዛኢ ስርዓት ካብ ምድሪ ኤርትራ ሓግሒግካ ናይ ምልጋስ ዝተገብረ ጥምጥም፡ ነቲ ዳርጋ ን40 ዓመታት ዝኣክል ንዝነበረ ካልኣዊ ግርጭታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መሰረታዊ በሪ ምዕባለ ብምርሓው ናብ ግቡኡእ መዓርፎታቱ ንምብጻሕ፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፍካ ብምስጓም ኣዝያ ምዕብልቲ ሃገር ናይ ምፍጣር ሕልሚ ንግዜኡ ተዓንቒፉ ምህላዉ ናይ ኣደባብይ ምስጢርዩ። እዛ ብዘይተኣደኒ ቃልስን ኒሕን ክዉንቲ ዝገበርናያ ሃገርና ኤርትራ፡ ደጊም ድሕሪ ነጻነታ ከምቲ እንድለዮ ዝነበርና ዘይኮነስ፡ ብምልክነት ተዋሒጣ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ፡ ንኸባቢኣ`ውን ዘይተብህግ ድውንቲ ሃገር ኮይና ክንርእያ ብርግጽ ንልቢ ዘሎዎ ዘሕዝንዩ። ዜጋታት ብዘይሕግን ፍትሕን ናብ መወዳኣታ ዘይብሎም ኣብያተ ማኣሰርትታ ዝወርዱላ፡ መንእሰያታ ብዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተስፋ ስኢኖም ግደ ስደትን ቅዝፈታትን ዝኾኑላ፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ዝጥወሮም ስኢኖምን ዝጽቐብሮም ተሳኣኢኑ ንቡር ኣብዘይረኽብላ፡ ቆልዑት ኤርትራ ፍቕሪ ወለዶም ጡብ ኣዴታቶም ዝቐበጹላ ሃገር ክትከውን፡ ክትዛረበሉስ ይተርፈ ክትዝክሮ`ውን ዘጽልእ እዩ።
ክቡራት ተሳተፍቲ!
በዚ ኣጋጣሚዚ ክጠቕሶ ዝደልዮ፡ ኤርትራ ትኽፋእ ትጸብቕ ናትና`ያ። እቲ እንደልዮ ጽባቐ ንኽትጎናጸፍ ከምቲ ናይ ቀደም ዘይሕለል ቃልሲ ይሓትት ኣሎ። ንሕና ሰዲህኤ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ካብ መሰረቱ ብምምውሓው ኣብ ኣኤርትራ ራህዋ ንኽነግስ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ተቓሊሱ ንመጀመርታ ንነብሱ ሓራ ብምውጻእ፡ ንኤርትራ`ውን ብሓርነት ክድብሳ መተካእታ ዘይብሉ ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምግባር ዝተወደበ ቃልሲ መሰረቱዩ ብምባል ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዝጸናሕናን፡ ንመጻኣኢት ኤርትራ ዝበቅዕ ዕላማታትን መትከላትን ኣስፊርና እንቃለስ ዘሎና ኢና። ነዚ ክዉን ንምግባር ግን ብኣባላት ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንበይኖም ዝዕወት ስለዘይኮነ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ ጽላል ተጠርኒፉ፡ ኣንጻር ምልኪ ንኽቃለስ ንጽባሕ ኣብዘይባሃሎ መድረኽ ምህላውና ተገንዚብና ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል።
ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኣኤርትራ
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
እወ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን
ስለዝሰማዕኩምኒ የመስግን
ክብረት ይሃበለ
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ዞባ ኤውሮጵ
ኣብ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብኣቦ መንበር ፖሓኤ ዘቐረበ ናይ ዮሃና መልእኽቲ
Sunday, 24 May 2026 11:30 Written by ገረዝጊሄት ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤመዓልቲ ናጽነት ውጽኢት ናይ ወሎዶታት ቃልስን ክቡርመስዋእትን ስለዝኾነ ንዘለዓለም ከቢሩ ክነብር እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር መላእ ህዝብና በብመንገዱ ነዚ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ዘብዕሎ ዘሎ።
ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽተይ አመሓላልፍ።
ብፍላይ፡ ብደገን ብውሽጥን ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ተረኽቦታት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ፣ ከምኡ’ውን ገለ ሓያላት ሃገራት ጸረ-ኣሀጉራዊ ሕጊ ድልየቶም ኣብ ዝፍጽምሉ ዘለዉ እዋን፣ ነፍሲወከፍ ዜጋ ንልዑላውነት ሃገርና ናይ ምክልኻል ግዴታ ኣለዎ።
እዚ ማለት፡ ብዙሓት ሰልፍታት ዝዋስኡሉ፡ ግዘኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉን ሰብኣዊ መሰላት ዝኸብረሉን ቅዋማዊ ምሕደራ ናይ ምትካል መብጽዓ ጠሊሙ፤ ምልካዊ ስርዓት ተኺሉ ንዘሎ ገባቲ ሓይሊ ምቕባል ኣይኰነን። እኳ ደኣ ከመይ ኢልና አብዚ ወዲቕና፡ ብከመይከ ካብዚ ማእለያ ዘይብሉ ጭቆና ተገላጊልና፣ ንቡር ናብራ ክንነብር ንኽእል ኢልና ነንሓድሕድና ክንላዘብ ከም ዘሎና እርኢ። ካብዚ ነቒለ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ድማ፡
1. ህዝብና፡ ተኾርሚኻ ሞት አሳፊሕካ ሞት ከም ዝብሃል፡ ተቓዊምካ ኣይተቓዊምካ ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ድኽነትን ሕማምን ኴንካ ምህላውካ ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕልኻ እትፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንዘይንቡር ናብራ ከም ንቡር ምቕባል ወጊድ ኢልካ፣ ንፍርህን ራዕድን ቀንጢጥካ ንሰብኣዊ መሰልካን ክብርኻን ክትላዓል እጽውዓካ።
2. ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልካዊ ስርዓት ካብ ምዃን ተቖጢቡ ኣብ ምክልኻል ሃገርን አብ ጎድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ደው ክብል እጽውዕ።
3. ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ አብ ዝተሓተ ሓባራዊ ነጥቢ ተጠርኒፍና ንህዝብና ተስፋ ክንህብን አድማዕቲ ኴና ክንርከብን ሎሚ እውን ከም ትማሊ መድረኽ ይጠልበና ከም ዘሎ ካብ ቅድሚ ኩላትና ስዉር ኣይኰነን እንዳበልኩ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ብዕቱብ ክንትሓሓዞ እጽውዕ።
4. ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኤርትራ ንእተጠልመ መብጽዓ መሊስኩም፣ ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኤርትራ ንክትሃንጹ፡ ኣብ ክሊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ክትጥርነፉን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ገዳይም ተቓለስቲ ሓቢርኩም ክትሰርሑን እጽውዓኩም። ናይ ኣርብዓታት ወለዶ፡ ነቲ ኤርትራ ትመቓቐል ዝብል መግዛእታዊ ሽርሒ ኣፍሲሎም፣ ሓድነት ኤርትራ ኣረጋጊጾም እዮም። ፖሊቲካዊ ሰልፍታት መስርኢቶም’ውን ንብዙሕነት ህዝብና ኣሚኖም ተቓሊሶም እዮም። ይኹን’ምበር ካብ’ቲ ንኤርትራ ብመልክዕ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ክትቁረን ዝገበረ ኣህጉራዊ ውዲት ከምልጡ ኣይከኣሉን። ናይ ስሳታት ወለዶ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም፡ ናጽነት ዓቂቦምን ናይ ሃገርና ልዑላውነት ኣረጋጊጾምን እዮም። ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ኣብ ምርግጋጽ ግን ፈሺሎም ጥራሕ ዘይኮኑ መብጽዓ ሃገራዊ ቃልሲ ጠሊሞምን፡ ምልኪ ተኺሎምን እዮም። ስለዚ ድማ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰሎ ናይ ህዝቢ ልዑላውነት ምርግጋጽ ዕጫ ናይ ሎሚ ወለዶ ኮይኑ ኣሎ። ማዕሬኡ ኴንኩም ክትርከቡን ክትዕወቱን ድማ እምነ።
5 ኤርትራ ብስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣን ባህርያዊ ጸጋታታን ቆላሕታ ናይ ሓያሎይ ሃገራት ስሒባ ኣላ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተረሲዑ፡ መደልደሊ ምልኪ ንከይከውን እተውሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከነካይድ እጽውዕ።
6 ደገፍቲ ስርዓት ከም ደገምቲ ኣዕዋፍ ዝተባሃልኩሞ ካብ ምድጋም፣ ፈጣሪ ዝዓደለኩም ልቦና ተጠቒምኩም ንቕኑዕ ቅኑዕ፣ ንጌጋ ጌጋ ክትብሉ፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ አብ ሃገራት ምዕራብ እትነብሩ፣ ህዝብና ተነፊጉዎ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ከብቅዕ ብፍላይ እኳ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"፣ ንሰብ ከም አቕሓ ፈቐዶኡ አቐምጠለይ ኢልካ ምሕዳግ፣ ንእሱር አብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራብ፣ ብዓቢኡ ድማ ን 35 ዓመታት ብዘይቅዋም ብግዝያውነት ምግዛእ የብቅዕ ዝብል ቃልኩም ከተስምዑ እጽውዓኩም።
7 መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍቶት ይኹን ብሓይሊ ዋና ኣፍ ደገ ባሕሪ ክኸውን እየ ዝብል መደቡ ጸረ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ስለዝዀነ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዘበልጽግ አብ አህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ እተመርኰሰ ስምምዓት መሰረት ጌሩ ጥራይ ተጠቃሚ ክኸውን እጽውዕ። ዞባና ሰላም ጸሚኡዎ ኣሎ እሞ ውግእ ይኣኽሎ።
ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ!!
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!
ጅቡታዊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፈሪቃ ኣስተዋጸኦ ንከበርክት ከም ዝመዘዞ ናይቲ ሕብረት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ምምዛዝ ኦባሳንጆ ከም ናይ ሰላም ባእታ ክሕብር እንከሎ፡ ኦባሳንጆ ዝተረሓሓቐ ተመኩሮታት ኣብ ምቅርራብ፡ ውሕልነትን ተኣማንነትን ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ኣገዳሲ ዕማም ከም ዝመዘዞ ጠቒሱ።
በቲ ተመዚዝሉ ዘሎ ሓላፍነት መሰረት፡ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ኩሎም ተዛመድቲ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተሳቲፉ፡ ኣብ ምህናጽ ቀጻሊ ምትእምማን፡ ዘተታትን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ብመንጽር’ዚ ኦባሳንጆ ኣብ ጉዳያት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ውሽጣዊ ውግኣት ኢትዮጵያ፡ ቅልውላው ሶማሊያን ዘይምርግጋእ ደቡብ ሱዳንን ከም ዝሳተፍ ይእመን።
ኮሚሽነር መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ናይቲ ፕረሲደንት ናጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ነቲ መዝነት ቅሩብ ኮይኑ ምቕባል ንኢዱ፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምእንቲ ቀጻሊ ሰላምን ምርግጋእን ምትሕብባር ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊጽሉ።
ኦባሳንጆ ኣብ መስርሕ እዚ ሎሚ ኣብ ሓደጋ ምፍራስ ወዲቑ ዘሎ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021 ተመዚዙ ነቲ ናይ ምቅርራብ ኣካል መሪሑ ዘፈራሪሙ ተኹሲ ክቋረጽ ዘኽኣለ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ግጥሚ ንኽብሪ መበል 35 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
ካበ 1557 ዘጀመረ ግዝኣት ቱርኪ
1890 ዝቐጸለ ግዝኣት ጣልያን ፋሺስቲ
1941-52 እንግሊዛዊ መግዛእቲ
1952-62 ኤርትራዊ ፈደራላዊ መንግስቲ
1962-1991 ብጎበጣ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ኣጽናቲ
ተሳዒሩ ተሓምሸሸ ዳኣ ህዝብና ብዝኸፈሎ መሰዋእቲ
1993 ሀዝብና ኣድመጸ ንናጽነት ኣብ ህላወ ኣህጉራዊ ተዓዘብቲ።
ብዘይ ዕረፍቲ ንመግዛእቲ ዝተቓወመ ህዝቢ ኤርትራ
ብመሪሕ ውድባቱ፣ ሰልፍታቱን ማሕበራቱን ብሓበራ
ንምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ - ሓራካ ክንዝክራ
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ጀማሪ ናይ ሰውራ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘርጊሓ መሓውራ
ብ1991 ሓራ ወጸ መሬታ ምስ ባሕራ
ብ1993 ህዝብና "እወ ንናጽነት" ኣድሚጹ ልዑላዊት ገበራ።
ባሕሪ ኤርትራን ዓሰብን
ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን
ብታሪኽ ዓለም ፍሉጥን ስኑድን
ሓሶት እንተተደጋገመ ናብ ሓቂ ኣይልወጥን
ልዑላውነትና ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይነእቱን
ተጠቃምነት ግን ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን
ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከገልግል ኣየማትእን።
ፍሉጥዩ ነይሩ ባህግን ትጽቢትን ህዝብና
ክነብር ብሰላም፣ ራህዋ ምዕብልና
ብተደጒሉ ዝኣተወ ጒጅለ ምልኪ ተኾሊፍና
ህዝቢ ቀይዱ ከይሰርሕ ከይሃንጽ ዓንያ ሃገርና
ነልግሶ ብሓድነት ከይተሓለልና ተቓሊስና።
ውልቀ-መላኺ ብዝልእኮም መሓውሩ
ንቅዋማዊ ስርዓት ዝጠልቡ ዝምድሩ
ንህዝብን ሃገርን ዝሓልዩ ተቓወምቱ ኣሲሩ
ንብዙሓት’ውን ንስደት ደፊኡ ኣባሪሩ
ሃገራዊ ቊጠባ ገቢቱ፣ ህዝቢ ጾሙ ሓዲሩ።
መንግስቲ ዝቐውም ብተሳትፎ ብዝሐ-ሰልፍታት
ንሓቅታት ዝምህሩ ዝሕብሩ ብዝሐ-ጋዜጣታት
ብሕግታት ዝካየድ ደሞክራስያዊ ምርጫታት
ሃገራዊ ባጀት ኣዊጁ ዘበርክት ህዝባዊ ኣገልግሎታት
ብቅዋማዊ ስርዓት ሃገራውን ህዝባውን ትካላት
ሃየ ንቃለስ ብሓባር ከነዐውት ነዘን ውሑዳት መደባት
ክንወጽእ ካብዚ ድሑር ኢሳያሳዊ ጸልማት።
ጭርሖኦም ዓወት ንሓፋሽ
ብግብሪ ግን ጸረ-ሓፋሽ
ታሪኽ ኣርእዩና ምልኪ ዓንዩ ክብል ፈርከሽከሽ
ጅሆ ዝተታሕዘ ህዝቢ ብሓርነት ክሕጎስ
ሽዑ እያ ሃገርና ትሕደስ ትግስግስ
ሓፋሽ ብዓወቱ ዝድበስ።
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!
ዓወት ንህዝቢ !!
ጋዜጣዊ መግለጺ እዋና ብምኽንያት 2026 ማዓልቲ ነጻነት ኤርትራ
Friday, 22 May 2026 21:23 Written by ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካመግለጺ 6ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
Monday, 04 May 2026 08:57 Written by ዞባ ሰሜን ኣሜሪካካብ ምዝራብ፡ “እንታይ‘ዩ መትረፊኦም በል“ ብዝብል ኣርእስቲ ከም ሰብ ኣብ ሓቂ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክህብ እንከለኹ፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ዝኸበርካ ተዛራባይ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ንሕና ከም ደቂ ሰባት 5 ሕዋሳት ዘሎና ክንስና፡ ወዲሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣንታይ ይብልን ይዛረብን ክፈልጥ ኣለዎ እብል። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ከም ሰብ ነቲ ዝበሃል ዘረባታት ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ እዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ወዲ-ሰብ ክቡር እዩ። ካብ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ሽግሮም ወይ ኩነታቶም ባዕሎም ከም ዝፈልጡዎ ምስትውዓል የድሊ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዝገርም፡ ዝኾነ ነገራት ናይ ሃገርና እንተብኣዎንታዊ እንተብኣሉታዊ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ እንዛረበሎምን እንገልጾምን፡ ንኩሉ ነገራት ብዕበጦ- ዕበጦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ‘ዩ። እንታይሞ ረኺብና። እንሆ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ - ኤኮኖሚያዊ - ማሕበራዊ ናብራና፡ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታትና “ስለምንታይ“ ኢልና ስለ ዘይሓተትና፡ እንሆ ዘዝተወልደ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ መጻኢ ራኢ ክሳብ ዘይሃለዎ ቀጻሊ‘ዩ።
ሕሰብ ኤርትራዊ/ት፡ ኩሉ ስደት ከብቅዕ “ስለምንታይ“ በል። ክቡራትን ክቡራንን፡ ከም ደቂ ሰባት ካብ ስነምግባር ወጻኢ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ ዘገርም ናይዞም ኣፎም ዝሃቦም ተዛረብቲ ነቶም “ሃገራዊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ“ ተመሪጾም ዝመጹን 2 ግዜ ዓወት ዘመዝገቡን ክንሶም፡ ብሰንኪ ኣብ ዝገሹዎ ምትራፎም ከይሓፈሩ “ደይሪዘርቫ እዮም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ኣይኮኑን“ እናበሉ ከነኣእሱዎም ከለዉስ ከም ሰብ መጠን ኣይገርመኩምንዶ? ኣንታ ተዛራባይ ጠንቂ መትረፊኦም እንታይ‘ዩ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእሙራዊ ብስለት ዝተሓወሶ ብክልተ መገዲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣዮም። ኣነ ድማ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም።
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ኣገዳሲ ሓበረታን ጸዊዒትን ንኩሉ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት 2026
Tuesday, 21 April 2026 21:09 Written by ኣሳናዳኢት ሽማገለእቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ማሕበር መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኣብ ጀርመንን፡ ምትሕብባር ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይ-ልታት ኤርትራን፥ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ፥ እንሆ እዚ ዓመት እዚ እውን ንማሕበራውን ፖሊቲካውን ኲነታት ሃገርና ኤርትራ ዘንጸባርቅ መድረኻዊ መደባት ዝሓዘ ምድላዋት ሰሪዑ ይርከብ። ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዕለት 07 ክሳብ 09.08.2026 ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ንኽሳተፎ ብኽብሪ ጸዊዒትና ነቕርብ ።
ኣብዚ ኣገዳሲ፥ ተነፋፊቑ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ዝራኸበሉ ፈስቲቫል‘ዚ፥ ብመሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝቐርብ መግለጺታትን ንተሳተፍቲ ዕድል ዝህብ ሰሚናርን ይዳሎ ምህላዉ እንዳሓበርና፥ ቆጸራና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2026 ክኸውን ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ንኽሳተፎ ንጽውዕ።
ቦታ ፈስቲቫልን ስሩዕ መደባትን በዓል ንዝምልከት፥ ብቀጻሊ ሓበረታ ከነስዕብ ኢና።
ብሓድነት ንሓርነት !!!
ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል 2026
መልእኽቲ ፖሓኤ ናብ መላእ ህዝብና ብምኽንያት በዓል ፋሲካ 2026
Saturday, 11 April 2026 16:20 Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖሓኤንመላእ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኳዕ ጾመ-ልጋም ፈትሓልኩም። ጸሎትኩምን ጾምኩምን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ ምሕደራን: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ ።
ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ ።
ሓጎስን ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር ፖሓኤ
11 ሚያዝያ 2026