ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን መንግስቲ ሱዳን፡ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕን ምስሕሓብ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንምርእይ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣኼባ ዘይሳተፉ ብሰንኪቲ ኢጋድ ኣብ ውሽጣዊ ኩንነታት ሱዳን ዘርኣዮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሲዳን፡ ብ16 ጥሪ 2024 ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ እዋናዊ ፕረሰደንትነት ኢጋድ ሒዛ ዘላ ጅቡቲ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባቲ ሱዳን፡ ካብ ኣኼባ ኢጋድ ንምግላል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝገለጸሉ ተፈሊጡ። ሱዳን ነዚ ሱጉምቲ ዝወሰደት ጅቡቲ ከም እዋናዊ ፕረሲደንት ኢጋድ፡ ቅድሚ ምስቲ ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ልኡላዊ መንግስቲ ሱዳን ምምይያጥ፡ ንኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ካምፓላ ክሳተፍ ምዕዳማ እዩ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብቲ መግለጺኦም፡ ሃገሮም ትወስዶ ዘላ ናይ ዘይምስታፍ ስጉምቲ፡ ቻርተር ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝሰርሕሉ ዘለዉ ልሙድ ኣገባብን ዝጥሕስ ብምዃኑ ኣትሪሮም ጠቒሶም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ብኸምዚ ኣገባብ ኣፍልጦ ረኺቡ ናብቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሱዳን ምዕዳሙ ከም ዘጸቖጠዖም ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ወጻኢ ጉዳይ ሚስተር ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መበል 42 ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ካምፓላ ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢጋድ ናብዚ ውድቀት ዝበጸሐ ነቲ መራሕቲ ኢጋድ ኣብ መበል 41 ኣኼባኦም ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃንን ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ደጋሎ ብኣካል ንምርኻብ ዝኣተውዎ ቃል ከዕውት ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ጠቒሱ።
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተበሃጊ እስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ከም ዘለዎ፡ ተደጋጊሙ ዝንገር እዩ። ብማዕሪኡ ድማ ብቐጻሊ ዘይምርግጋእ ክሕቆን ዝጸንሐን ዘሎን ዞባ እዩ። እቲ ዘይምርግጋእ በብግዜኡ ክብ ለጠቕ ይብልን ብዝተፈላለዩ ኣሰላልፋታት ይስነን። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ጥርዚ ምስሕሐብን ደርጓዕጓዕን ኣትዩ’ሎ። እዚ ዝገላበጥ ዘሎ ማዕበል ሓያሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታትን ድሌታቶምን ዘንጸባርቐ እዩ።
ኢትዮጵያ ናይ ንነዊሕ ግዜ ዘይምርግጋእ ዝጸንሓ ሃገር ኮይና፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ነቲ ዘቤታዊ ጸገማ ብዞባዊ ኣጀንዳ ንምሽፋን ብዝመስል ሓድሽ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፋይል ከፊታ። ብመንጽር ዞባዊ ኮነ ኣህጉራዊ ደረጃ ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ ንዝተዓጽወ ጉዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ዝትንክፍ ዛዕባ ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣልዒላ። ብዓብይኡ ምስ ኤርትራውያን ከምኡ ከኣ ምስ ኣህጉራዊ ሕግታት ዝጓነጽ ኣጀንዳ ክትከፍት ፈቲና። ብሰንክ’ዚ ከኣ ካብ ጐረባብታ ኮነ ምዕራብ ዝነጸላ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራ ኣጋጢምዋ ጸኢሑ።
ድሕሪኡ ቃናኣ ቀይራ ብዙሓት ብዘይተጸበይዎ ኣንፈት ምስ ሶማሊላንድ፡ ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን መሬት ምክራይን ከም ሃገር ኣፍልጦ ንምሃብን ዘተኮረ፡ ናብ ምልውዋጥ መረዳድኢ ሰነድ ከቲማ። ብመንጽርቲ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበረ ደገፍ ኢትዮጵያውያን ክርአ ኣንከሎ፡ ኣብ ምኽታም ምስ ሶማሊላንድ፡ ክንዲ’ቲ መንግስቲ ብልጽግና “ወነንት ባሕሪ ኮና” ዝበሎ ዝኾነ ኣይመስልን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ብመሪሕነት ክልል ሶማሊያ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መረዳድኢ ሰነድ ብቕሉዕ ዝቃወም ድምጺ ተሰሚዑ። መንግስቲ ብልጽግና፡ እዚ ንመኽሰብ ዝተሓሰበ ሓድሽ ቅዲ ዝምድና ምስ ሃግርጌሳ፡ ናብ ካልእ ክሳራ ከይወስዶን ነቲ ሃዲኡ ዝጸንሐ ዛዕባ ኦጋደን ንድሕሪት ከይመልሶን ከኣ የስግእ ኣሎ።
ሃገረ ሶማሊያ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ተበግሶ ብኢድ ኣእታውነት ከሲሳ ኣትሪራ ኮኒናቶ። ሶማልያውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኣንጻር ተግባራት ኢትዮጵያ ድምጾም ኣስሚዖም። ወተሃደራዊ ሓይላ ኣብ ተዳሎ ክጸንሕ ኣዚዛ። ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት በበቲ ዝምርሕሉ ቻርተራት ኣብ ጐኒ ልኡላውነት ሶማልያ ንክስለፉ ጸዊዓ። ኣንበሳድራ ካብ ኢትዮጵያ ስሒባ። ኣንበሳድር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ኣውጺኣ። ክሳብ “ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ብሓይሊ ዝተፈጥረ እዩ” ምባል በጺሓ።
ሶማሊላድ ካብ 1991 ጀሚራ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ተኸታታሊ መጸዋዕታ ኣቕሪባ ሰማዒ ስኢና ዝጸንሐት እያ። ኣብ ውሻጣዊ ምምሕዳራ ግና ቁጣባዊ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ኮነ፡ ስሩዕ ምርጫታት ኣብ ምክያድ ካብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዕቤት ጸኒሓ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ በቲ ሓደ ወገን፡ መሬት ክትካረየላ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ ቅርብቲ ብምዃና ተጠቃሚት ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ብእትኸፍቶ ዕድል፣ ምናልባት ናይ ካለኦት ኣፍልጦ ከስዕብ ይኽእል ተባሂሉ ስለ ዝግመት።
እንተኾነ ምስቲ ብተበግሶ ጅቡቲ ምስ መቃድሾ ዝጀመረቶ ናይ ምቅርራብ መስርሕ ጠሊማ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምሽራዋ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጸኣላ ከም ዝኽእል ምልክታት ተራእዩ። ብገለ ካብ ህዝባ’ውን “ኣፍደገ ባሕርና ንኢትዮጵያ ኣይንህብን” ዝብል ተቓውሞ ተንጸባሪቑ። ናይ ምክልኻል ሚኒስተራ፡ ዓብደልቀኒ መሓመድ ኣተየ ከኣ፡ ብሰንክ’ቲ፡ ምኽታም መረደዳድኢ ሰነድ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሱዕድ ዓረብያ፡ ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ዓባይ ብሪታንያን ዝኣመሰሉን ዝሃብዎ ግበረ መልሲ ብውሕዱ “ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ይተዓቀብ” ዝብል ምዃኑ ንኢትዮጵያ ኮነ ሶማሊላንድ ዘየቕሰኖም ኮይኑ’ሎ። መራሕቲ ኤርትራ ከምቲ ልማዶም ዘጽቀጡኳ እንተመሰሉ፡ ኣብቲ “ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝኾነ ኣካል ኢዱ ከእቱ የብሉን ዝብል ናይ ቀደም መርገጽና ኣለና” ዝቓንኡን ንተበግሶ ኢትዮጵያ ዝቃወምን መርገጺ ሒዞም ኣለዉ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ “ኣፍልጦ ምሃብዶ መሬት ምርካብ” ኣየንኡ ይቐድም” ዝብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ከተምቲ ናይ ጉርሒ ምውጣጥ ዘሎ ይመስል።
ሱዳን ኣብ ኣፍደገ ምብትታን እያ ዘላ። ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ተደፊኡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይታ ሃገር ተሸምቂቑ ኣብ ፖርትሱዳን ክሰፍር እንከሎ፡ እቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ብኣንጻሩ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ካርቱም ምቁጽጻሩ ናብ ማእከላይን ምብራቓውን ከባቢ ናይታ ሃገር ይዝርጋሕ ኣሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ደሃዩ ዘይስማዕ ዝነበረ ኣሕመድ ደጋሎ ናብ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩዋንዳ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ኣብ ከባብያዊ ዲፕሎማሲ እውን ይሰልጦ ምህላዉ የርኢ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ናይ ሱዳን ሲቪላዊ ሓይልታት ለውጢ ስምምዕ ከቲሙ። ኣዲስ ኣበባ ድማ ከም መራኸቢ ማእከል ምስ መራሕቲ ኢማራት ዝመረጻን ዝተፈቕደሉን ይመስል።
ጀነራል ኣልቡርሃን “ኣነ እየ ሕጋዊ መራሒ ሱዳን” ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ብዝመስል ንደጋሎ ኣፍልጦ ሂበን ንዝበለን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስታትን ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ኣብ ርእሲ ምትሕልላፍ፡ ምስ ኢማራት፡ ቻድን ኬንያን ድሮ ኣብ ምስሓብን ምስጓጉን ኣንበሳድራት በጺሑ ኣሎ። ኢሳያስ ብወገኑ ኣልቡርሃን ንምድጋፍ ሱዳናውያን ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወስድሉ ዕድል ከፊቱ ከም ዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ዘረጋገጽዎ’ዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝርአ ዘሎ ምውጣጥ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሱዳን እቶም ተዋሳእቲ እቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ጥራይ ዘይኮኑ ብድሕሪት ዝተሰለፉ ወገናት እውን ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኢማራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ብመሐመድ ኣሕመድ ደጋሎ ዝምራሕ ወገን ሱዳን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሱዕዲያ፡ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ቀጠር፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ሒዘምዎ ዘለዉ መስርዕ ናይዚ ኣብነት እዩ። ብድሕሪ’ዚ ዝመጽእ ናይ ሓያላት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣሰላልፋ ከም ዝህሉ ከኣ ርዱእ እዩ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተካይዶ ዘላ ወፈራ ሓድሽ ተአግሶ ጉጅለ ሑቲ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ስግኣትን’ውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ።
ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ኣካል’ዚ ዝሕቆን ዘሎ ዞባ እዩ። ኣብዚ ዞባ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሰላልፋኡ “ከመይን ምስ መንን” ከም ዝኸውን ብሓባር ክሓስብን ክወፍርን ናይ ግድን የድልዮ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቀዳማይ ኣድህቦኡ “ኣብ ኤርትራ ስርዓት ናይ ምቕያር ተልእኮኡ” እምበር፡ ካልኦት ብዘንቀልዎ ኣጀንዳ ምክፍፋል ከይከውን ከስተውዕል ይግበኦ።
State and Constitution building in Eritrea Minority Rights in state building
Written by Fesseha NairHow can the oppression of ethnic minorities in post-dictatorship transitions be best addressed through constitution building and state structure? Where constitution building takes place in the aftermath of conflict or after the fall of dictatorship the relationship between different ethnic minorities and dominant ethnic groups within the state are often difficult and headache for the dominant ethnic like that of our tiny Eritrea.
The post liberation Eritrea under the unitary system and one-man rule was dominated by one ethnic group and this system was the main cause of today’s crisis in Eritrea. There are many different dimensions to this problem, and these can vary from one context to another. Often, demands by ethnic minorities for power dispersal mechanisms that ensure their participation in political, economic and social decision-making on an equal basis rejected while the interests of a dominant majority that wishes to safeguard supremacy/chauvinism and control over the minority are preserved and respected.
In Eritrea after the independence, the minorities who owned the resources rich areas like the east and west lowlands were expropriated by the dominant group yes-men of the dictatorship. At another level, what might at first appear to be a minority claim can become more complex when historical, demographic and cultural dimensions are taken in totality.
On the one hand is a majority group that conceptualizes the minority rights question in proprietary terms. This group sees itself as ‘the chosen ones’ with ownership rights over everything in the political community to the exclusion of all those who fall outside that group like that of the Agazian dreams- building Tigrai-Tigrni state.
At this time, the so called Agazian- Tigrai-Tigrni view that they are the only owners of the land called today Eritrea, the others are migrants will disintegrate Eritrea, therefore the forces democratic change must face this strongly based on the historical facts on the ground. The Eritreans for democratic change must be accommodative of all the Eritrean ethnic identities with certain claims. The demands of the Eritrean nationalities are that the nature and character of the state must preserve and guarantee their cultural and territorial land. The land must belong to its owners not the state. The state formation must be constitutionally decentralized or be cooperative federalism. Unitary state formation leads to centralism and dominance. The late studies of global institutions on democracy show that even the unitary state structures are to-day decentralized, for example Sweden which is monarchy is decentralized in power sharing, more on this I will write in the coming article on constitutional decentralization.
The Eritrean constitution of 1997 was not accommodative and has limitations in its provisions on fundamental rights it lacks in its framework on devolution of power- sharing and decision making.
Constitution building in post-conflict transitions is very much about state building. Sometimes this involves lumping together different nations to produce a new nation state, while at the same time ensuring that the different nations or ethnicities within the state, regardless of their size, stay within the resulting constitutional framework, which provides equal protection to all. Achieving such parity is a challenge, especially in the in reconstructing the state after the fall of the dictatorship where ethnic identity is strong in comparison to national identity.
Reconstructing the formation of state in Eritrea
Tackling the challenges of integrating the diversity into a larger national whole, in the context of constitutional processes, requires an analysis of multicultural Eritrea and its key demands—The Eritrean forces for democratic change must prepare themselves how to face these challenges. Democracy is not imposed but constructed. No country is fit for democracy but through the process of democratization as professor Amartya Sen and professor Gene Sharp noted in their studies. The Eritrean forces for democratic change will face challenges on the specific historical, geographic and demographic circumstances of Eritrea. For example, those who claim that Eritrea belongs only the tigrai- tigrni or agazian who wants to dismantle the internationally recognized Eritrean Sovereignty and territorial integrity must be faced urgently. We know all that the Eritrean people have all cross border cultural relations, having such relations are available in all countries of the world. Such relations must be respected and be promoted under two sovereign nations by all the bordering nations. ( Ethiopia, Sudan, Djibouti and with other overseas countries like SA and Jemen.)
The difficult struggle is the transition from dictatorship to democracy, therefore our experts must give priority to prepare studies and identifying conflict issues by conducting national dialogues with the wide range of stakeholders. ( political organizations, Civil society organizations, Unions and professionals). The latest formed Eritrean Political Forces / EPF is a good example of unifying the forces for democratic change.
References
- Dialogue For Democratic Development/ IDEA
- Democracy , Not Military Coups/UNDP
.
ዝርጋሐ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ማለት ብቐጥታ ምስ ማያዊ ከባቢ ዘይራኸባ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋዚ ኣብ ዓለምና 44 ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ። ጠቕላላ ስፍሓት ናይዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት 46.44 ሚልዮን ትርብዒት ኪ/ሜ እዩ። እዚ 12% ካብ ጠቕላላ ስፍሓት ዓለምና ዝሕዝ እዩ። ድምር ብዝሒ ህዝበን 510.94 ሚልዮን ኮይኑ 7% ካብ ህዝቢ ዓለም እዩ። ካብዘን ሃገራት ብስፍሓታ 1ይ ደረጃ እትሕዝ ኣብ ማእከላይ ኤስያ እትርከብ ካዛኪስታ እያ። ካብኣተን ብብዝሒ ህዝቢ 1ይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ እያ። ቫቲካን ድማ ብስፍሓት ኮነ ብብዝሒ ህዝቢ እታ ዝተሓተት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር እያ።
ካብዘን 44 እተን 16 ኣብ ኣፍሪቃ፡ 14 ኣብ ኤውሮጳ፡ 12 ኣብ ኤስያን 2 ድማ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ይርከባ። ክፍለ-ዓለማት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣወስትራሊያን ኣንታርክቲክን ድማ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ዘይብለን እየን። 2 ካብዘን 44 ሃገራት ዕጽፊ ኣፍደገ ማሕሪ ዘየብለን እየን። እዘን ብዕጽፊ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ዝበሃላ ብኸምኣተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ጥራይ ዝተኸበባ ማለት እየን። ንሳተን ብኣወስትሪያን ስዊዘርላንድን ዝተኸበት ሌችተንስቴንን፡ ብኣፍጋኒስታን፡ ካዛኪስታን፡ ኪርጋዝስታንን ታጃኪስታንን እትዳወብ ኡዝበኪስታንን እየን። ስዊዘርላድ፡ ኣወስትሪያ፡ ቸክ ሩፓብሊክ፡ ካዛኪስታንን ሁንጋርያን ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ክነሰን ኣብ ዝለዓለ ቁጠባዊ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ይንገረለን።
ኤርትራ ዳርጋ 1720 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣለዋ። ካብዚ እቲ 1155 ካብ ራስ ዱሜራ ክሳብ ራስ ቄሳር ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ እቲ ኣስታት 565 ኪ/ሜ ድማ ናይእተን ካብ ወደብ ምጽዋዕ ካብ 20 ክሳብ 160 ኪ/ሜ ዝርሕቃ ናብ 360 ዝጽገዓ ደሴታት ዘሎ ገማግም ምዃኑ መጽናዕትታ የርእዩ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካብቀዳም 13 ጥሪ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ግዜን ኣገባብን ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ምዉሳንን ጉባኤ ንምድላው ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምምራጽን እዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ሰዲህኤ ብተደጋጋሚ ተሰሪሑሉ ናይ ሰልፍና ባህሊ ኮይኑ ዘሎ ሓጻዪት ሽማግለ ምምራጽ ኣገዳሲ ዕማም ኣኼባ ኮይኑ ዉዒሉ። ዝርዝሩ ስዒቡ እኖሆ፡
- ኣኼባ ጉባኤና በየናይ ኣገባብ እንተካየድናዮ የርብሓና ዝብል ኣርእስቲ እኹል ግዜ ሂቡ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓመት ብመራኸቢ ብዙሃን ክሰላሰል ተወሲኑ። ጉባኤ እተዳሉ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመሪጻ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ጉባኤ ዞባ ዕዉት ክኸውን ኩሉ ዘድሊ ጻዕርታትን ጎሽጓሽን ክተካይድ ስርሓ ብቕጽበት ክትጅምር እያ።
- ከም’ቲ ልሙድ ሓጻዪት ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ቆይማ። ብቕዓት ዘለዎም ዞባ ክመርሑ ዝኽእሉ ምእንቲ ኣብ ጉባኤ ክምርጹ ኩሉ ዘድሊ መምርሒታት ኣናዘርገሐት ክትጽዕር እያ።
ብድሕሪ’ዚ ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ኩሎም ኣባላት እጃሞም ክበርክቱ ከምዝግባእ ለበዋ ተዋሂቡ ኣኼባ ብጽቡቕ መንፈስ ተዛዚሙ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ዓሊ ኣል ሳዲቕ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎን ንዝተገብረ ናይ ቴለፎን ርክብ መንግስቶም ከም ዝነጽጎ ገሊጾም። እቲ ርክብ ወገን ጀነራል ዳጋሎ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ’ውን እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሮም።
እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ነዚ ተቓውመኦም ነቶም ንመጀመሪያ ግዜ ዝረኸብዎም ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ሱዳን ዝተመደቡ ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ራማታነ ላማምራ ከም ዝገለጽሎም እቲ ዜና ኣፍሊጦም። እዞም ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ሰዳን ናይ ቅድም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣልጀሪያ ዝነበሩ እዮም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ዓሊ ኣልሳዲቕ ኣብ መግለጺኦም፡ ድጋሎ ብሕቡራት ሃገራት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈልጠ ግህሰታት ዝፈጸሙ ምዃኖም ብሰፊሑ ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምሃቦም ንፕሮፖጋንዳ ዳጋሎ ዘሕይል ብምዃንኑ ክቋረጽ ጸዊዖም።
ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ምስ ውና ጸሓፊ ጉተረዝ ከም ዝተራኸኡ ተኣሚኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብደብዳብ ነፈርቲ ጀነራል ኣሉርሃን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉን ጠቒሶም፡ ንወገን ጀንነራል ኣል ቡርሃን ከሲሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ጉዳይ ሱዳን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዘለዎም ርኢቶ ነቶም ዋና ጸሓፊ ከም ዝገለጽሎም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኢጋድ ን18 ጥሪ 2024 መዲብዎ ዘሎ ፍሉይ ኣኼባ ክልቲኦም ሱዳናውያን ጀነራላት ክራኸኡኳ ትጽቢት እንተለዎ፡ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና ዘጠራጥር እዩ።
ባህግና Bahgna 188፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ርእሰ ዓንቀጽ ሰድህኤን፣ መመላእታም እምበር መተካእታ ኣይኮነን 14.01.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ኢጋድ ነቲ ድሕሪ ኣብ መንጎ ፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ረፑብሊክ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሰማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ውግእ ሱዳንን ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከም ዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ጅቡቲ ኣፍሊጡ።
ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ኢጋድ ጅቡቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣኼባ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሰቪኒ ብምርድዳእ እቲ ኣኼባ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ከተማ ካምፓላ እዩ ክካየድ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ርእሲ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ተሓባበርቲ ትካልትን እውን ንክሳተፉ ተጸዊዖም ኣለዉ።
ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብዛዓባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብሰንኪ ምፍራም መረዳድኢ ሰነድ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝፍተሓሉ መንገዲ ከናዲ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ደጋሎን ዝምርሑ ተቐናቐንቲ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ከም ዝጽዕር እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ እንታይ ከም እትብል ብዙሓት ክጽበይዋ ዝጸንሑ ቻይና፡ ብ11 ጥሪ 2024 ማኦ ኒንግ ብዝበሃል ወሃቢ ቃላ ኣቢላ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ’ላ።
ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ክዕቀብ ጸዊዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ስተፋነ ዱጃሪክ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ10 ጥሪ 2024 ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ዝድገስ ዘሎ ወጥሪ ምስ ፕረሲደንት ፈደራላዊ ረፐብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸይኽ ማሕሙድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃሎም ስተፋነ ዱጃሪክ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ክሊቲኦም ዝተገብረ ናይ ተለፎን ርክብ፡ በቲ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላድን ዝተኸተመ መሰማምዒ ሰነድ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቶም ዋና ጸሓፊ ጠቒሱ። ኣብቲ ዝርርብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ እውን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ረፐብሊክ ሶማሊያ ንክዕቀብ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጾም።
ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ መወዳእታ፡ ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ረፖብሊክ ሶማሊያን ኣብ መንጎኦም ዝባላሕ ዘሎ ፍልልይ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሃናጽን ሓላፍነታውን ዘተ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሳልስቲ፡ ፕረሲደንት ሶማሊያ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኤርትራን ግብጽን በጺሖም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ድሕሪ ሕጂ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ከምዘይትዛተ ዝወሰነት ግብጺ ድማ፡ ናብ ኤርትራ በጺሖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባቲ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ርኢቶ ዝሃቡ ሃገራትን ንሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ወሲኽካ ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ብምድጋፍ፡ “ጸገምኩም ብዘተ ፍትሕዎ” ዝበል እምበር፡ ንምኽታም እቲ ሰነድ ብቐጥታ ዝደገፈ የለን።
More...
ኣብ ትግራይ 223 ሽሕ ተመሃሮ፡ ብሰንኪ ጥሜት ከየቋርጹ ኣስጊኡ’ሎ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤህንጻ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ መቐለ
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብሰንክቲ ድርቅን ውግእን ዘስዓቦ ጥሜት ኣብ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ ካብ ዘለዉ ተመሃሮ 223 ሽሕ ትምህርቶም ከየቋርጹ ኣስጊኡ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዐ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ንሓደ ተመሃራይ ብሕሳብ 12 ብር፡ መግቢ ናይ ምቕራብ መደብ ንምጅማር 365.1 ሚልዮን ብር ከም ዘድሊ ምግላጹ ቢቢሲ ሓቢራ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ትግራይ፡ ዶር ኪሮስ ጉዑሽ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ እዞም ኣብ ሓደጋ ምቁራጽ ወዲቖም ዘለዉ ካብተን ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዘለዋ 36 ወረዳታት ዝርከባ 213 ቀበለታት ዝመሃሩ ዘለዉን ብመጽናዕቲ ዝተለለዩን ምዃኖም ከም ዝተረጋገጸ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣብ ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ምስቲ ኣብ ትግራይ ብ1985 ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥሜት ከም ዝመሳሰልን ብምዝማድ፡ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ 50 ሚልዮን ብር ልቃሕ ሓቲቶም ከምዘለዉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብደረጃ ትግራይ ናይ ህጹጽ ቀረብ ኣካል ኣቚሞም ኣለዉ። ፈደራላዊ መንግስቲ ግና ኣብ ደርጃ እቲ ጥሜት ዝተፈልየ ሚዛን ከም ዘለዎን እቲ ዝተሓተ ዓቐን ገንዘብ ከምዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ኣብ ትግራይ ህይወት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።
ናይቲ ክልል መራኸቢ ብዙሓን ክሳብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል፡ ኣዴታትን ህጽናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ጸብጻባት የቕርባ ኣለዋ።
ሶማሊላንድ፡ ድሕር’ቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ፡ ምክራይ መሬት ካብ ገማግም ባሕራ ንኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ምውሳድ ዝምልከት መረዳድኢ ሰነድ ምኽታማ ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ኣላ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ “መን እያ ሶማሊላንድ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ሕቶ ኣብ ምምላስ እንተሓገዘ ብዝብል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መድያታን ኣብዚ ቅንያት ካብ ዝተዋህቡ ቃለ መጠይቓትን ዝነቕል ብውሱን ምስኣ ከነላልየኩም።
ሶማሊላንድ “ረፑብሊክ ሶማሊላንድ” እናተባህለት እትጽዋዕ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ባዕላ ናጽነት ዝኣወጀት፡ እንተኾነ ብኻለኦት ኣፍልጦ ዘይረኸበት ነብሳ ክኢላ እተመሓድርን ዝምድናታት እትፈጥርን ዘላ እያ። ሶማሊላንድ ኣብ ደቡባዊ ወሽመጥ ባሕሪ ዓደን እትርከብ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ጅቡቲ፡ ብደቡብን ምዕራብን ምስ ኢትዮጵያን ብምብራቕ ድማ ምስ ሃገረ ሶማሊያ ንባዕላ እትዳወብ እያ።
ስፍሓት መሬታ 177 ሺሕ ትርብዒት ኪ/ሜ ኮይኑ ብዝሒ ህዝባ ድማ 5 ሚልዮን ይግመት። ጻዕቂ ዝርጋሐ ህዝባ 28.27 ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪ/ሜት እዩ። ኣብ 6 ኣውራጃታትን 22 ወረዳዳትን ድማ ትኽፈል። ዋና ከተማኣ ሃርገሳ ክትከው እንከላ፡ በርበራ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ወደባዊትን ዋና ከተማ ኣብራጃ ሳሂልን እያ። ከምኡ እውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ዓባይ ብሪታንታ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ዝነበረት እያ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ከተማታት ዘሎ ርሕቀት 160 ኪ/ሜት እዩ። ርሕቀት ወደብ በርበራ ካብ መቃድሾ 1408.72 ኪ/ሜት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 705 ኪ/ሜት እዩ።
ሶማሊላንድ ካብ 1800ታት ጀሚራ ውሱን ቅርጺ ሒዛ ሓንቲ ካብ ኣውራጃታት ሶማልያ ዝነበረት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኤውሮጳ ከኣ እቲ ካልእ ልፍሊ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ኢጣልያ ክመሓደር እንከሎ ክሳብ 1960 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪታንያ ዝነበረት እያ። ኣብ 1960 ድማ ን5 መዓልታት ጥራይ ዝጸንሐ ናጽነት ዝኣወጅትን ድሕሪኡ ግና ክሳብ 1991 ኣካል ሶማሊያ ኮይና ዝቐጸለት እያ።
እዛ ሰፊሕ ካብ መሬታ ሓውሲ-ምድረበደ ዝኾነ ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ነቲ ናይ ምፍልላይ ቃልሲ ዘስዓበ ውድቀት ሰርዓት ዘይድ ባረ ተኸቲላ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ ናጽነት ኣውጃ። እንተኾነ “ርእሰ-ምምሕዳር” ተባሂላ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፋ ክሳብ ሎሚ ብዝኾነ ኣካል ከም ሃገር ኣፍልጦ ኣይረኸበት።
ሶማሊላንድ ብ2001 ብህዝባዊ ረፈረንዶም ብዘጽደቐቶ ሕገ-መንግስቲ እያ እትመሓደር። በዚ እናተመሓደረት ከኣ ካብ 2002 ጀሚራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት ምርጫ ተካይድ ኣላ። በዚ ምርጫታት ዝተመስረቱ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ሓጋጊ ኣካል)፡ ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ከምኡ’ውን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ኣለዉዋ። እቲ ዘሎ ምምሕዳራ ኣሃዳዊ ኮይኑ ኣብዘሓ ሰልፍታት ዘሳትፍ ክኸውን ግን ክፉት እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልትን ባይቶ ዓበይቲ ዓድን ነፍሲ ወከፎም 82 ወናብር ኣለዉዎም።
ቁጠባዊ ፖሊሲኣ ናጻ ወፍሪ እንተላይ ንወጻእተኛታት ስለ ዘፍቅድ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረጋግአ ቁጠባ ዘለዋ ምዃና ይንገረላ። እቲ ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይምርካባ ገዲፍካ፡ ነታ ብ1991 ናጻ ዝወጸት፡ ብ1993 ድማ ልኡላዊት ዝኾነ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ኣዝያ እትበልጻ ምዃና ብዙሓት ክኢላታት ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ። ኣብዛ ርእሰ-ምምሕዳር ቋንቋታት፡ ሶማልኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ይዝረብ።
ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወሙ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እቲ ቀዳማይ ቀዋሚ ተቓዋሚኡን ወርትግ ንምውጋዱ ዝቃለሶ ዘሎን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካለኦት በብግዜኡ ዝለዋወጡን ረብሓኦም ዘቐድሙን ናይ ቀረባን ርሑቕን ተቓወምቲ እውን ኣለዉዎ። ካብ እዞም ተቓወምቱ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ “ደሓን ይእቶ” ዝብሎ ከምዘይብሉ ከኣ ብተግባር ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ።
ንህግደፍ ዝቃውምዎ ወገናት ነናቶም ምኽንያታትን ፖለቲካዊ ሕሳባትን ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ዝቃወመሉን ንምውጋዱ ዝቃለሰሉን ምኽንያታት ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛሩ ኣድላይ ኣይኮነን። ብሓፈሻኡ ንምግላጹ ግና “ኣብዛ ህዝብና ብገዛእ ደሙን ድምጹን ዘረጋገጻ ልኡላዊት ሃገር፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን መሰላቱ ስለ ዝገፈፎ እዩ ዝቃለሶ ዘሎ” ኢልካ ናብ ካልእ ምሕላፍ ይከኣል።
ዝተፈላለያ ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራትን ነናተን ናይ ሓጺር ይኹን ናይ ነዊሕ ግዜ ንህግደፍ ዝኹንናሉን ኣንጻሩ ክስለፋ ዝግደዳሉን ምኽንያታት ኣለወን። ህዝቢ ትግራይ ንህግደፍ ኣትሪሩ ዝቃወመሉ ምኽንያት ጌና ናህሩ ዘይወደአን ኣብ መስርሕ ዘሎን ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና፡ ብዘይካ ጽልእን ቅርሕንትን ካልእ ምኽንያት ብዘይብሉ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኣትዩ፡ “ከምዝን ክንድዝን” ኢልካ ምጽብጻቡ ዘጸግም ጉድኣት ስለ ዘውረደሉ እዩ። ህዝቢ ሱዳን እውን ኣብ ውሻጣዊ ጉዳዩ ኣትዩ ከፋፋልን ዘራግን ታራ ይጻወት ስለ ዘሎ ንህግደፍ ምቅዋሙ ምኽንያታዊ እዩ። ህዝቢ ጅቡቲ እውን ህግደፍ ሓደ እዋን ዶቡ ጥሒሱ በደል ምስ ፈጸመ ዝሓደሮ ስግኣት ኣይተመልሰን።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ከኣ ንህግደፍ ንክጸልአኦን ክቃወማኦን መንቀሊ ኢለን ዝዝርዝረኦ ምኽንያታት፡ ህዝባውን ሰብኣውን ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ኣምሲለን’ኳ ዝገልጸኦ እንተኾና፡ እቲ ቀንዲ ዘይዕግበተንሲ፡ ብመንጽር ከባብያዊ ረሓታተን ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ዝውሰድ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፡ ትማሊ ብተደጋጋሚ “ኢሱ፡ ወዲ ኣፎም” እናበለ፡ ቃል ኪዳን ክኣኣስረሉ ከምዘይጸሐ፡ እነሆ “ንልኡላውነት ኤርትራ” ብዝፈታተንን “ናይ ህግደፍ ጉዳይ እዩ” ኢልና ክትሓልፎ ብዘጸግመናን ኣንጻር ኤርትራ ዝጠማመት ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ደንጊጹ ኣይኮነን። ወዮ ደኣ ኣይሰምረሉን እምበር፣ ካብ ሕዱር ዓመጸኛ ኢትዮጵያዊ ሒሳብ ነቒሉ ምዃኑ ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።
እቲ ዝኸበደ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ፡ እቶም ካለኦት ካብ ዝመዝንዎ ንላዕሊ፡ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ጾር ምዃኑ ኩሎም ወገናት ዝዝንግዕዎ ኣይኮነን። ነዚ ኣርዑት ጭቆና ንምስባር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከኣ ዝተወደበ እጃም ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዝዓበየ፡ ወሳንን መሰረታውን እዩ። እቲ ካልኦት ከካብ ናቶም ረብሐ ነቒሎም ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ዘሕድርዎ ተጽዕኖ ከኣ “መተካእታ ዘይኮነ መመላእታ”፡ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ሰይሩ፡ በዂርዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ረብሓታቱን መሰላቱን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ኣብ ኢዱ ንምእታው ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እዩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዘለዋ ሓያልነትን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝጸንሓ ታሪኻዊ ጽልዋን፡ ኣብዚ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ስማ ብቐጻሊ ክለዓል ልሙድ እዩ። ኣብቲ ዝግበር ቃልሲ፡ ማዕረ ወይ ልዕሊ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ብጽሒት ከም ዘለዋ ጌርካ ምውሳዳ ግጉይ ክነሱ፡ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። እቲ ሓቁ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዘሎ ክብደት ወጽዓ እዩ ዝነቅል። ብዘይካ ኣንጻር ህግደፍ ምዕዋት ከኣ ካልእ መተካእታ የብሉን። ኣሜሪካን ካለኦት ንህግደፍ ዝነቕፉ ሓይልታትን ግና ነናይ ሃገሮም ልዕልና ዓቂቦም፡ ኤርትራ ናይ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ተጠቒሞም ልዕልናኦም ንምርግጋጽን ዘይምርግጋጽን እዮም ንህግደፍ ዝቃወሙ። ናይ ዓወቶም መረጋገጺ ድማ ኣርዑት ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ምስባሩን ዘይምስባሩን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘገልግሎም “ብስም ኤርትራ ዝዋገ” ምስሌነ መራሒ ብምርካብን ዘይምርካብን ዝውሰን እዩ። ንኢሳያስ ንሓንሳብ ዝቃወምዎ ንሓንሳብ ከኣ ዝድግፍዎ ድማ በዚ መዕቀኒ እዮም።
ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንህግደፍ ብዝተፈላለዩ ዘየድምዑ እገዳታት ክትቀጽዖ ፈቲና እያ። ናይዚ ምኽንያታ ከኣ ምእንቲ ኣብ ዞባና እትኽተሎ ናይ ምምራሕን ምቁጽጻርን ፖሊሲኣን ክብራን እምበር፡ ብሰንክቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይዛሪ በደላት ኣይነበረን። በብግዜኡ ብጉዳይ እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ላዕለዎት ሓለፍቱን ክትውስኖ ዝጸንሐት እገዳታት ክለዓል እንከሎ፡ “ነቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ምኽንያታት ኣብ ግምት የእቱ የለን” ክንብሎ ዝጸናሕና እውን ብመንጽር እዚ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ወያ “ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክንሓስብ ኣለና፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ መሊኣ ከተውጽእ ይግበኣ፡ እሱራት ብናጻ ይፈትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዘጽንዑ ኣካላት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ይፈቐደሎም…….ወዘተ” ክትብል ዝጸንሐት ኣሜርካ ቃንኣ ቀይራ ምስ ኢስያስ ክትመሓዞ ድልየት ከም ዘለዋ ዘምስል ምልክታት ኣርእያ። እዚ ምግልባጥ ናይ ኣሜሪካ፡ ምእንቲ እስትራተጅያዊ ረብሓአ፡ ምስቲ “ተጨኒቑ ስለ ዘሎ ጠቢርካ ክለኣኽ ይኽእል እዩ” እትብሎ ኢሳያስ ክትቀራረብ ምድላያ ዘመልክት’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝያዳ ከስተብህለሉ ግና ይግበኦ። እቶም እቲ ምቅርራብ ብብቕዓትን መኸተን ኢሳያስ ዝመጸ ለውጢ ዝመስሎም ከኣ ከምኡ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኢሳያስ ፈቓድ ጐይተቱ መሊኡ ክኽድም ቅሩብነት ምርኣዩ ዝተኸስተ ምዕባለ ምዃኑ ክስሕትዎ ኣይግበኦምን።
እዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኣሜሪካ ናይ መርገጽ ለውጢ ምልክት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ክቱር ወጽዓ ከምቲ ዘለዎ፡ እኳ ደኣ ብዝገደደ ኣብ ዝቐጸለሉ ህሞት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብካልኦት ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ተጻብኦ “መተካእታ ዘይኮነ መመላእታ” ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ዝተመንዘዐ ሓርነቱን መሰሉን ንምምላስ ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ትብዓቱን ሓድነቱን ከብ ምድልዳል ካልእ መተካእታ የብሉን።