መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ቲኬት ብዶላር እምበር፡ ብናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይቆርጽን ምባሉ ወጥሪ ፈጢሩ ከምዘሎ ጋዜጣ “ዜና ኤዲተር ኣፍሪቃ” ሓቢራ። ናይቲ መንገዲ ኣየር ውሳነ ናይ ሱዳን ገንዘብ ሚዛን ዘውርድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ሱዳናውያን ናይ ጉዕዞ ዕድል ዘጽብብ ከም ዝኸውን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፖርት ሱዳን ዘሎ ላዕለዋይ ኦፊሰር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ጉዕዞ ቲኬት ክቖርጹ ንዝመጹ ሱዳናውያን “ናይ ሱዳን ፓውንድ ኣይንቕበልን ኢና” ኢሉ ዶላር ከምጽኡ ከም ዘገደዶም ኣብቲ ተሓቢሩ። እቲ ውሳነ ምንቁልቋል ፓውንድ በመንጽር ሸርፊ ወጻኢ ተኸቲሉ ዝመጸ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ። ምኽንያቱ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ሓንቲ ዶላር ኣሜሪካ ናብ 4 ሺሕ ፓውንድ ወሪዳ ከምዘላ እዩ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ሓደ ሱዳናዊ ገያሺ፡ ብወገኑ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሱዳናዊ ገንዘብን ባንክን ክኽፈል ቅሩብ ከምዘይኮነ ምስ ኣገደዶ ምስንባዱ ሓቢሩ፡ ዶላር ንምድላይ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ክኸይድ ከም ዝተገደደ ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ንሱዳናውያን ገያሾ ከቢድ ብደሆ ኮይኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሙርታዳ ሓሰን ጁማ፡ ዳይረክተር ክፍሊ ጽዕነት መንገዲ ኣየር ሱዳን፡ ንውሳነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቒፉ፡ ናይ ወጻኢ መንገዲ ኣየራት ናይ ሱዳን ሃገራዊ ሕግታት ብምጥሓስን ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሰብ መዚ ብዘይምውካስን ኣብ መዳያት፡ ሲቪል ኣቬሽን፡ ሸርፍን መሰል ተጠቀምት ገያሾን ምእዙዛት ክኾኑ ይግበኦም ኢሉ። ዝኾነ ኣካል ሃገራዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ሱዳናዊ ገንዘባዊ ፖሊሲ ጥሕሰት ክፍጽም ኣይክእልን እዩ ዝብል’ውን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
ኢብራሂም ኣድላ ናይ ቅድም ዳይረክተር ሲቪል ኣቬሽን ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይ ውግእ ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ ኢልዎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዚ ዝገብር ዘሎ እውን ነቲ ኣብ ባንክታት ሱዳን ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ዝመዝመዘ እዩ ኢልዎ።
እዚ ኣብ መንገዲ ኣየር ዝረአ ኩነታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ውግኣትን ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ዝተጸልወ ስለ ዝኾውን፡ ናብ ምሉእ ብምሉእ ምቁራጽ ክድይብ ከም ዝኽእል ዝግምቱ ዘለዉ ወገናት ብዙሓት እዮም።
ባህግና Eri-Bahgna Media 07.06.2026 ዜና፡ ሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዘውሕስ ርክብ፥ ንሓድሽ ብድሆ ብሓዱሽ ኣገባብ
Written by Eri-Bahgna MediaMedia
ዓለምለኸ ማሕበር ስፖርት ፕረስ (AIPS)፡ ኣሜሪካ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2026 ክከታተሉ ንዝደልዩ ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃን ኢራንን መእተዊ ቪዛ ምኽልካላ ከም ዘተሓሳሰቦ ምግላጹ፡ ዘብሩሰልስ ታይምስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ነቲ ተግባር ዘይቅቡል ምዃኑ ብምርዳእ፡ ብዙሓት ብናይ ኩዕሶ ዓለም ኣብ ስፖርት ጋዜጠኝነት ዝለዓለ ክብርን ኣፍልጦን ዘለዎም ባእታታት ብዘይቪዛ ስረሖም ከካይዱ ከምዘይክእሉ ብምሕባር፡ ነቲ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ምክልኻል ቪዛ ቅቡል ከምዘይኮነ ንክፈልጥ ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጥርዓን ምቕራቡ ሓቢሩ።።
ናይቲ ማሕበር ፕረስ ስፖርት ፕረሲደንት ጂያኒ ሜርሎ ናብ ትካል ናብ ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝሰደዶ ስምዕታ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ስፖርት ኣፍሪቃን ኢራንን ትወስዶ ዘላ ምኽልካል መእተዊ ቪዛ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስቦ ኣገንዚቡ።
እቲ ፕረስደንት ገለ ጋዜጠኛታት ንጽል ቪዛ ከም ዝረኸቡ ጠቒሱ፡ እንተኾነ ነቶም ጋዜጠኛታት ዘድልዮም ቪዛ ኣብ መንጎ እተን ነቲ ዓለምለኻዊ ውድድር ዘዳልዋ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ብተደጋጋሚ ምምልላስ ዘኽእል ንክኸውን ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንተግባር ኣሜሪካ ዘይቅቡል እዩ ብምባል፡ ነቲ ስፖርት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘተሓቛቑፍ መድረኽዩ ዝብል ዝጻረር እዩ እውን ኢሉ።
ኣብቲ መልእኽቱ ተሳትፎ ጋዜጠኛታት ኣብቲ ዓብይ መድረኽ፡ ምስሊ ናይቲ ስፖርታዊ ውድድር ኣብ ምጽባቕን ክብደት ኣብ ምሃብን ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ። ዓለምለኸ ፈደረሽን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ንወሳኒ ግደ ጋዜጠኛታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብፍላይ ነቶም ናይ ነፋሪት ትኬት ገዚኦም ኣብ ክሳራ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሕቶኦም ዝፍተሓሉ ኣብ ምቅልጣፍ እጃሙ ክገብር ጸዊዑ።
እዚ ካብ 11 ሰነ ክሳብ ክሳብ 19 ሓምለ 2026 ዝካየድ ኣሜሪካን ካናዳን ብሓባር ዘዳልወኦ ዓብይ ስፖርታዊ መደብ፡ ሕሩያት ጋንታታት 48 ሃገራት ዝሳተፈኦ እዩ። ካብዘን 48 ሃገራት እተን 10 ካብ ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ንሳተን ከኣ፡ ሰነጋል፡ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ፡ ቱኒዝያ፡ ኣልጀርያ፡ ኮትዲቭዋር፡ ጋና፡ ኬፕቨርደን ኮንጎን እየን። ካብ መጀመርታ ክሳብ መዕጸዊ 104 ግጥማት ከም ዝካየድን ብገምጋም ክኢላታት ስፖርት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት 73 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ከም ዝከታተሎ ትጽቢት ይግበር።
ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ኣባል ምምሕዳር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤን፡ ብ6 ሰነ 2026 ንኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣስተምህሮ ኣቕሪባ። እቲ ኣስተምሕሮ “ ሕቶ መሰልን ውደባን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዋህበ፡ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት መንእሰያት፡ ደቂ ኣንስትዮን ውደባን ፖሓኤ ዝሰርዖ፥ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ኣብ ዝተኣልየ መድረኽ እዩ ቀሪቡ።
ኣስገደት እቲ መድረኽ ንዘዳለዉ ኣካላት ኣመስጊና፡ መሰረታዊ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ንማዕርነት ኣብ ኩሉ መዳያት ኮይኑ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ናይ ኩሎም ፍትሓውያን ተሳትፎ ዘድልዮ እዩ ኢላ። ከምቲ ዘይተወደበ ህዝቢ ዘይዕወት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንክዕወታ እውን ክውደባ መሰረታዊ ኣድላይነት ዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ፡ ኣብ መብርሂኣ ኣስሚራትሉ። ኣብ ዓለምና ሓንቲ ካብ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ከም ዘጋጥማ ጠቒሳ ከኣ፡ እቲ ጥሕሰትን ወጽዓን ኣብተን ዝደኸያን ዘይተማህራን ሃገራት ከም ዝገድድ ብኣብነት ኣሰንያ ኣቕሪባ።
ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ ኣብተን ብሰንኪቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይቅሱን ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓደ ኣብ ዘይነብራ ስድራቤታት እቲ ተጽዕኖን ጭንቅን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ስደት እቲ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምህላዉ ምሳለታት ብምስናይ ኣገንዚባ። ኣተሓሒዛ ከኣ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ መግለጺ ወጽዓ ሕብረተሰብ እምበር፡ ኣብኣተን ጥራይ ዝድረት ከምዘይኮነ ኣረዲኣ።
ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖሓኤ ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ዝተገበረ ቃልሲ ብምጥቃስ ድማ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ 3ቲኡ ኣባል ውድባት ፖሓኤ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክቃለሳ ስለ ዝበቐዓ፡ ዓቕሚ ከም ዘጥረያ ኣብሪሃ። ከም ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ምሕጋዝ ዘለወን ግደን ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካል ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት ብጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘቃነዖ ኮንፈረንስ ተሳቲፈን ብሓፈሻ ቃልስን ወጽዓን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ከኣ ፖሓኤ ንምፍላጥ ዝገበረኦ ኣበርክቶ ከም ኣብነት ዘርዚራ።
ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያር ዘተኩር ዘይጐነጻዊ ኣገባብ’ዩ ድሕሪ ምባል ደማ፡ ብደረጃ ዓለም ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተገብረ ቃልሲ ብዙሕ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ጢቒሳ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ንክብጻሕ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ምህላዉ ብምብራህ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ተገዲሱ ዘይቃለስ ኣካል ፍትሓዊ ክኸውን ከምዘይክእል ኣስፊሓ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውዳበታት ደቂ ኣንስትዮ ዝምድናታት ምግባር ከምዘድሊ ብምጥቃስ፡ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከይዝንጋዕ ኣገንዚባ።
ድሕሪቲ ብኣስገደት ዝቐረበ መገለጺ፡ ተሳተፍቲ ከካብ ዘለዎም ተመኩሮታት እናተበገሱ ነቲ ዛዕባ ኣገዳሲ መህብተሚ ሰፊሕ ርኢቶታት ኣቕሪቦም። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖሓኤ ከኣ ኣብ መወዳእታ መጠቓለሊ ቃል ኣስሚዑ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወጽዓን ግህሰታትን ሳዕሪሩ ከም ዝጸንሐን ዘሎን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ካብ ዝፍለጥ ክንዲ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኮይኑ’ሎ። ሕብረተ ሰብ ዓለም ንኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ብዝብል ከም ናይ ወጽዓ ኣብነት ካብ ዝጠቕሳ’ውን ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ተረድኦ ምስራጹ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝኸውን ግና ብተግባር ክስነ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።
“ህግደፍ ጸረ መሰረታዊ ረብሓታትን መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ዝብል ግንዛበ ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ዝነቅል፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ምህዞ ዘይኮነ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ኣሳፊሑ ዘሎ ርኡይ ሓቂ እዩ። ናይ ህግደፍ ብዘይቅዋም ምምራሕ፡ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ዓጺኻ ንመንእሰይ ናብ ግዱድ ውትህድርና ምውሳድ፡ ብሓፈሻ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ምግሃስ ካብቶም ህግደፍ ኣንጻር ባህጊ ህዝቢ ምዃኑ ዘገንዝቡ መርኣያታት እዮም። እቲ ናይ ወጽዓ ስንብራት ካብ ህይወት ኤርትራዊ ሓሊፉ፡ ንውቅብቲ ኣስመራ ወሲኽካ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዘሎ ምልክት ጉዕዞ ናብ ምፍራስ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ምስሊ እዩ።
ህግደፍ ብተግባር ሰሪሑን መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ መሊሱን ብምእማን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዘይክእል ካብ ዝርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብኣንጻሩ ብምፍርራሕ፡ ኣንፈት ብምቕያርን ዝተፈልየ ርኢቶ ዘለዎም ወገናት ብምጭዋይን እዩ ከረጋግጾ ክጽዕር ጸኒሑን ዘሎን። ካብኡ ሓሊፉ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ተሃወስቲ ስምዒታት እናመዝመዘ ክትዘርግ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይውዕልን። እዚ ካብቲ ውሁድ ዓቕምን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ከይጉሕፎ ዘለዎ ስግኣት ዝነቅል ምዃኑ፡ ካብ ህዝብና እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።
እዚ ሓደገኛ ተንኮል ህግደፍ ክንድቲ ዝተጸበዮ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ ውልቃውን ግዝያውን ረብሓን ስምዒትን ዝሰኸሩ እምበር፡ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ብዘየማእክል ተሰሊቦም፡ “ናብ ድላይካ ውሰደና ንኺድ ጥራይ” ዝጭርሑ ውሑዳት ኣየጥረየን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝበዘሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ልቡ ኣውጺእዎ ክነሱ፡ ስቕታ መሪጹ ምህላዉ ከኣ ካብቲ ጉጅለ እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ከም ዝረገአ ማይ ኣጽቂጡ ዘሎ፡ ማዕበል ፈጢሩ እንተተገለባቢጡ ዕድመ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝሓጽር ዘማትእ ኣይኮነን።
እቲ ካብ ቅድሙ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ “ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ክትርዳእ ምኽኣል” ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓደ ኩበዖ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ተረድኦኻ ብተግባር ኣሰኒኻ ግዳይ ካብ ምዃን ምድሓን ድማ እቲ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ነዚ እውን ይርደኦ እዩ። እቲ ብቐጻሊ ዝወስዶ ክቱር ምቁጽጻርን ጨካን ተግባራትን ከኣ፡ ተዓብዒቡ ዘሎ ዘይዕግበት ህዝቢ ነዲሩ ገንፊሉ፡ ከይጉሕፎ ካብ ዘለዎ ስግኣት እዩ ዝነቅል። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ህግደፍ “ከም ቁርን ኣስሓይታን” ዝፈርሖ ወሳኒ ክስተት ኣብ መዓልቱ ከም ዝገሃድ ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ግዜኡ ክሳብ ዝነወሐ ዘውርዶ ማህሰይቲ ከም ዝገድድ ተረዲእካ ምቅልጣፍ ምምጻእ ናይቲ ማዕበል መሰረታዊ ምዃኑ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውዳበታቱ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ሎሚ’ውን ምስጢሩ ከምዘይወጽእ የማነ-ጸጋሙ ጠሚጡ ዘረጋገጸ ኤርትራዊ፡ ብዛዕባ ህግደፍን እቲ ብሰንኩ ዝወርዶ ዘሎ ድሕረትን ድኽነትን ዝምልክተ ክዛረብ እንከሎ፡ “እንታይ ኢና’ሞ ክንገብር?” እትብል ሓረግ ዝጠቅስ ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራውያን ብደረጃ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ዝዝርግሖ መርበብ ስለያ ይምህምን ከም ዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ክሳብ ዝብተኽ ቃልሲ ይሓትት። በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ናይታ ዝሓታ ሕቶ መልሲ ካብኡ እምበር ካብ ካልእ ዝጽበያ ከምዘይኮነት ከቶ ክዝንግዕ ኣይግበኦን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ምስምስ ህግደፍ፡ ሓደ እዋን ከም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን “ኩሉ ክኢልካ ናይ ምጽማም” ሓልዮት ይውሰድ ነይሩ። ግዜ ምስ ነወሐ ግና ናይ ገዛእ ርእስኻ መሰረታዊ ዋኒን ዘንጊዕካ፡ “ህግደፍ ድላዩ ይግበር” ናይ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ሕማቕ ኣብነት ጌርካ ይውሰድ ከምዘሎ ህዝቢ ከስተውዕለሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ሓልዮት፡ ምጽማምን ትዕግስትን ናይ ህዝቢ ከም ሕመቕን ዘይምስትውዓል ወሲዱ ተጠቒምሉ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ኣሜሪካ ንራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብ ናታ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሕሳብ ነቒላ እገዳ ህግደፍ ከተልዕል “ድሌት ኣርእያ” ብዝብል ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ኣጀንዳ ኮይናላ። ህግደፍ እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሸንኮለል ኣጀንዳ ብምርካቡ ሕጉስ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣሜርካ ንምሕጓስ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ትማሊ ኣብ ብርኮም ዝድፋእ ዝነበረ ሩሲያ፡ ቻይናን ካለኦትን ብምጽራፍ “ናይ ምስልባጥ ባህርያቱ” የርኢ’ሎ። ጉዳዩ ምልዓል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህደፍ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ ኣጀንዳ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ወቕቲ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታቱን “ካብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ንታሕቲ” ምህላዉ ርኡይ እዩ።
ብኣንጻሩ ከም ኣሜሪካዊ ቲቦር ናጂ፡ ነርወጃዊ ክጀቲል ትሮንቮልን ዝኣመሰሉ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ነባራት ክኢላታት ዲፕሎማስን ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ጉዳይ እቲ እገዳ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ናይቲ ድምጾም ማእከል ከኣ፡ “ህግደፍ ብህዝቡ ዘይተኣምነ፡ ናይ ኣሜሪካ ተኣማኒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብዝብል ንመንግስቲ ኣሜሪካ ጻዕርኹም ኣብ መወዳእታ ብጥልመት ህግደፍ ዝዛዘም ክኸውንዩ ዝብል ስምዕታ እዩ። ናይዞም ክኢላታትን ትካላትን መንቀሊ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ሓቀኛ እንታይነት ህግደፍ ዘርኢ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ካብ ስቕታ ወጺእካ ድምጽኻ ኣስምዕ። ብመሰረቱ ካብቲ ዝጸናሕካዮ ናይ 35 ዓመታት ደረቱ ዝሓለፈ ዘቤታዊ መግዛእቲ ናጻ ንክትወጽእ፡ ድምጽኻ ብናይ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ዝትካእ ከምዘይኮነ ኣስትብህል። እቲ ድምጽኻ ከተስመዓሉ ዝግበኣካ ብዓብይኡ ካብቲ ተጻዒኑካ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ሓራ ንምዃን ኮይኑ፡ ከም ውግእን ኢድ ኣእታውነትን ዝኣመሰሉ ግዜን መልክዕን እናቐያየሩ ዝመጹ ኣጀንዳታት ህግደፍ እውን ደሃይካ ከተስምዕ፡ እውናዊ ሓላፍነትካ እዩ’ሞ ሃየ ብሓደ ድምጺ ተበራበር።
إرتريا- التوق -: رسالة التوق - فلنراجع أداءنا كمعارضة
Written by إرتريا- التوقሰፊሕ ፖለቲካውን ሲቪላውን ምትእኽኻብ ሱዳናውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ብምውህሃድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ፈተናታት ሰላም ሱዳን ፍሉይ ቆላሕታ ዝግበረሉ እዩ ኢለምዎ።
እቲ መግለጺ ዝወጸ ድሕሪ ጽዑቕ ምምኽኻር ኮይኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዘብጽሕ ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ፡ ኣፍልጦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን፡ ከምኡ ድማ ካብ ሱዳናውያን፡ ማሕበራዊ ሰልፊ ባዕስ፡ ሰልፊ ህዝባዊ ጉባአ፡ ብሄራዊ ሰልፊ ኡማ፡ ከምኡ እውን ምትእኽኻብ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ወሲኽካ፡ ብዙሓት ሲቪላዊ ማሕበራት ከም ዝተሳተፍዎ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪሩ።
እቲ ብ4 ሰነ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ናይቲ ስምምዕ ፈረምቲ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ብሱዳናውያን ዝምራሕ መጻኢ ሰላም ዘጣጥሕን መጻኢ ፖለቲካዊ መስርሕ ናይታ ሃገር ዘጣጥሕ ኣካል ከም ዝተመዘዘ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ዘውጸአ ኣካል፡ እቲ ምዕባለ ቅሩብነት ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት ሱዳን ንቐጻሊ መፍትሕታትን ምውጋድ ጸቢብ ዓሌታውነትን ተልእኮ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ፡ መስርሕ ዕርቅን ምፍጣር ሓድሽ ማሕበራዊ ርክብን ህዝቢ ዝማእከሉ መስርሕ ፍትሒ፡ ዜግነታዊ ማዕርነትን ምውጋድ ዓሌታዊን ኣግላልነትን ከም ዝካየድ ኣስፊሩ። በቲ ካልእ ወገን ግና ሰራዊት ሓርነት ሰዳን ዝተባህለ ብዓብደል ዋህድ ኣል ኑር ዝምራሕ ጉጅለ፡ እቲ ስምምዕ ንብሄራዊ ጉባአ ሱዳንን እስላማዊ ምንቅስቓስን ኣየሳተፈን ብዝብል ኣብቲ ስምምዕ ከምዘይፈረመ፡ እቲ ካባ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ ምሕባሩ ኣዲስ ስታንዳርድ ብተወሳኺ ኣፍሊጣ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብመንጽርቲ ናይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኣኼባን ስምምዕን ሱዳናውያን ኣብ ዝተኣማምን ሰላም ከብጽሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ እዩ።
ኣብ ደብረብርሃን “ቻይና ካምፕ” ኣብ ዝበሃል መጽለሊ ካብ ዘለዉ ግዳያት
ሰብኣዊ ትካል ምውህሃድ መዕቆቢ፡ ምምሕዳር ባይትን ንብረትን ((HLP)፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ዘስዓቦ ምምዝባልን ስእነት መጽለልን ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ብሰንኪ ነዚ ጸገማት ዘወግድ ዋሕዲ ገንዘብ ምግጣሙ ብዙሓት ዜጋታት ንሕሰም ይቃልዑ ከም ዘለዉ’ውን ኣፍሊጡ።
በቲ ኣብ 2026 ን2ይ ግዜ በቲ ትካል ዝወጸ ህጹጽ መዕቆብን ምምውህሃድ መደበራት ዝገልጽ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ሶማሊያን ቤንሻንጉልን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዝበሎም ንቑጣታት ተመዛበልቲ ፈልዩ ኣለሊዩ ከም ዘሎ እውን ተፈሊጡ።
ብጸብጻብ ናይቲ ትካል ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይ ክሊማ ለውጥን ዋሕዲ ቀረብን ተደሚሩ ብዙሓት ማሕበረሰብ ብፍላይ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዝናብ ግዜ ሳዕቤኑ ዝኸፈአ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሮ ግዜ ዝናብ ከይመጸ እንከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ቁጽሮም ኣብ ዘይመጣጠን ጻዕቂ ኣብ ጸበብቲ መጽለልታት እናነበሩ ይሳቐዩ ምህላዎም እውን ኣስፊሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲ፡ ብ1ይ ደረጃ 67 ብ2ይ ደረጃ ድማ 76 ወረዳታት መጽለሊ ክስረሓሎም ተለልዮም ኣለዉ። ትግራይን ዓፋርን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝበዘሐ ንቑጣታት ዝተለለየሎም ምዃኖም ብምጥቃ ከኣ፡ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ድማ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዝበልቲ ዘለወን እየን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ትካል እቶም ዘሰከፉ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ ስደት ተመለስቲ እውን ከም ዝርከብዎም ተሓቢሩ።
ክልል ትግራይ ካብተን ተመዛበልቲ ብብዝሒ፡ ብስእነት ብቑዕ መጽለሊ ዝሳቐዩለን ቅድሚት ትስራዕ ኮይና፡ እንዳባጉና፡ ዓብይ ዓዲ፡ ዛላንበሳ፡ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒስወን ኣሎ። ካብ ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉልን ኦሮሞ፡ ዓፋርን እቲ ትካል ንኣብነት ዝጠቐሰን ንቑጣታት እውን ኣለዋ።
እቲ ትካል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጽረት መጽለልን ሳዕቤኑን ንምቅላል፡ ኣስታት 64 ሚሊዮን ዶላር ዘድልዮኳ እንተኾነ ካብዚ ዝረኸቦ 43% ጥራይ ምዃኑ ተጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ኣብ ዝተመርጻ 66 ቀዳምነት ዝወሃበን ወረዳታት ዝርከቡ 294, 126 ሰባት ብፍሉይ ንምሕጋዝ መደብ ተታሒዙ ይስረሓሉ ከምዘሎ እውን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ኣብ ኣለምዋጭ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣካልዞም ናይ መጽለሊ ሕጽረት ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ምዃኖም ዝዝከር እዩ።
ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ቪዛ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ዝነበሮም ኤምባሲታቱ ብዝለዓለ ደረጃ ክንኪ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ብላዕለዎት ሓለፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ተወሲኑ፡ ኣብ ኣሾሾይት ፕረስ ዝበጸሐ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2026 ዝትግበር ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበረ 50 መስርሕ ቪዛ ዘይካይድ ኤምባሲታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ቆንስላን ናብ 20 ዘውርድ እዩ።
Bottom of Form
እቲ መደብ ኣካልቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብመልክዕ ዝተፈላለዩ ቪዛታት ናብ ሃገሩ ከምዘይኣትዉን እንተ ኣትዮም እውን ኣብ ኣሜሪካ ነዊሕ ከምዘይጸንሑ ንምግባሮምን ዘለዎ ድሌት ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዲፕሎማትን ቆንስላትን ኣሜሪካ እዚ ዛዕባ ተላዒሉ ኣገልግሎት ቪዛ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከምዝንኪ ናይ ምግባሩ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዜና ጠቒሱ።
መስርሕ ቪዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣሚሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ገደብ ጉዕዞ ነኪዩ ጸኒሑ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ናብ ኣሚሪካ ቪዛ ዝሓትት ሰብ 15 ሺሕ ዶላር ከትሕዝ ምውሳኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኢቦላ ዝሰዓበ ገድብ ጉዕዞ፡ ካብቶም ሕቶ ቪዛ ናብ ኣሜሪካ ዘዳኽሙ ዘለዉ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። በዚ ሓድሽ ሕጊ ኣሜሪካ መሰረት ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ናብ ኣሚሪካ ዘእቱ ቪዛ ንምሕታት ናብ ሓንቲ ካብተን እቲ መሰል ዝተዋህባ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ብደሆ ከም ዘጋጥሞም ከሎ ጌና ይግለጽ ኣሎ።
ኣተን ቪዛ ከይህባ ዝእገዳ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ብሉእ ብምሉእ ዘይዕጸዋ ኮይኑነን እቶም ኣብኡ ዝተርፉ ሰራሕተኛታት ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ፓስፖርት ዘሕድሱ፡ ዝጠፈአ ዝትክኡን ንፍሉያት ዲፕሎማት ኣገልግሎት ቪዛ ዝህቡን ጥራይ ክኾኑ እዮም። መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዘገድዶ ካልእ ምኽንያት ጸጥታዊ ኩነታት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
እተን 20 መስርሕ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ ከካይዳ ኣፍልጦ ዝወሃበን ኣምባሲታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣቢጃን፡ ኣክራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኬፕታውን፡ ዳካር፡ ዳርኤሰላም፡ ጅቡቲ፡ ጆሃንስበርግ፡ ካምፓላ፡ ኪጋሊ፡ ኪንሻሳ፡ ሌጎስ፡ ሎሜ፡ ሉዋንዳ ፡ ማላቦ፡ ሞንሮቪያ፡ ናይሮቢ፡ ፖርትልዊስ፡ ፕራያን ያውንደን ክኾና እየን።