ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተአሲረናሉ ዘለዋ ቤት  ማእሰርቲ እምዱርማን

ኣዛዚ ሰራዊትን ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምዱርማን ተኣሲረን ካብ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 400 ንክፍተሓ ከም ዝኣዘዘ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ምስዚ  ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝምድና ከይህልወን ምጽራይ ክግበር ኣምእዛዙ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ጀነራል ነዚ ትእዛዝ ዝሃበ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ እተን እሱራት ብዛዕባ ምስ ፖሊስ ዘለወን ርክብን ካልእ ሰብኣዊ ኩነታተንን ምስተዓዘበ እዩ። ንምብጻሕ እቲ ጀነራል ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝምልከት ኣብ ናይ ትዊተር (x) ገጸ ዝወጸ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ እተን ብቀዳምነት ንክፍተሓ ዝተወሰነለን 400 ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ቆልዑ ዝኾናን ብዝፈጸመኦ ጌጋ  ዝተጠዓሳን  ኩሉ መሰላተን ዝሕለወለን  እየን።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኩለን እተን  እሱራት ንቀጻሊ መስርሕ ፍርዲ ንክጥዕም ብመንጽር ዝፈጸመኦ ገበናት ተፈላልየን ክተሓዛ መምርሒ ሂቡ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ምጽራይ ክቀላጠፍ እሞ ኣብቲ ቀጻሊ ዘሎ ምስሕሓባት መሰል እሱራት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለወሉ ኩነታት ክፍጠር መርሒ ከም ዝሃበ  ተገሊጹ።

 ፖሊስ ካርቱምን ኣባላት ሰራዊትን ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ውግእ ምስቲ ዑጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ርክብ ነይርወን ብዝብል፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሲሮም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ካብኣተን ውሱናት ብይን ክረኽባ እንከለዋ፡ እተን ዝበዝሓ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዘን ፍርዲ ዝጽበያ ዘለዋ እየን። ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ዝወሃበን ኣደ ቆልዑ ዝኾና ኣደታት እየን። ሌተናል ጀነራል ኣሚር ዓብደል ሞነይም ዳይረክተር ፖሊስን ያሲን ዑመር ኣቡ ዛይድ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ማእሰርትን ነቲ መስርሕ ንክመርሑ ተመዚዞም ዘለዉ ምዃኖም ድማ እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጡ።

      في ظل تسارع الأحداث في منطقتنا، التي تتداخل فيها الأزمات، يبرز بوضوح دور نظام أفورقي في تأجيج الصراع بين دوله. فبلادنا التي غابت عنها الديمقراطية، منذ الاستقلال وحتى يومنا هذا، لا تعيش فقط أزمة داخلية داخل حدودها، بل تمتد تداعيات هذا الغياب إلى القرن الأفريقي بأكمله.

      يُعرف النظام السياسي الحاكم في إرتريا، بأنه أكثر الأنظمة انغلاقاً في العالم، فالحكم مركزي، تتركز جميع الصلاحيات بيد الرئيس، مما أدى إلى غياب كامل للمؤسسات التشريعية والقضائية المستقلة، وهذا بدوره أدى إلى غياب أي دور للمساءلة والشفافية، مما أسفر في النهاية إلى ما نشهده اليوم من فقدان الثقة بين الدولة والشعب، وأضعف قدرة النظام الحاكم على التكيف مع المتغيرات الداخلية والإقليمية.

       نظام منغلق على تلك الشاكلة من البديهي سوف لن يعير اهتماماً بالحوار حول قضايا مصيرية تمس الداخل أو الخارج، فبنفس ذهنية القمع التي يستخدمها في الداخل لإسكات منتقدي سياساته الخاطئة، كما رأينا في اختطاف وتغييب مجموعة ال15، والصحفيين المستقلين، وغيرهم كثير، نجده يعتمد القوة وسيلة حوار مع دول الجوار، عبر تدخلات مباشرة، كما هو مشهود وموثق في إثيوبيا، في الحرب الأهلية التي دارت هناك، وثّقت لنا القنوات الإخبارية تورط النظام الحاكم في إرتريا، في حرب لا ناقة لنا فيها ولا جمل. قيامه كذلك بتدريب عناصر صومالية، وإثيوبية، وسودانية على الأراضي الإرترية، ولاحقاً دعمه المستمر لأحد طرفي النزاع في السودان. نظام أفورقي الذي افتقد إلى آليات داخلية للحوار والمشاركة السياسية الفعالة، يقوم بين الحين والآخر بتصدير أزماته إلى دول الجوار، في محاولة مستميتة منه للبقاء على سدة الحكم لأطول فترة، من ناحية، ولأنه فشل باعترافات الرئيس نفسه في أكثر من مناسبة وطنية، في مشاريع التنمية المستدامة، وتوفير أدنى مقومات الحياة للمواطن المغلوب على أمره.

     ولأنّ التعامل مع التحديات الإقليمية يتطلّب قدراً عالياً من التعاون الإقليمي والقاري، لتعزيز الثقة المتبادلة بين دول الإقليم، وصولاً إلى حلول ناجعة للصراع وإدارة الأزمات، نجد نظام أفورقي قد سارع إلى قطع علاقته بمنظمة إيغاد، في خطوة تؤكد أنه لا يأبه تماماً للسلام، كما يردد ذلك في خطاباته السنوية من أستاد أسمرا، وكما تتلقفه عنه وسائل إعلامه المختلفة، والأخطر عدم انتباهه وهو يقود البلاد إلى الخراب، إلى عواقب ذلك في مستقبلها، ومستقبل الأجيال القادمة، وحقها في الشعور بالأمان، والعدل، والمساواة، ومشاركتها في بناء الوطن في واقع ديمقراطي معافى، داخل خارطة تمتد من راحيتا إلى أم أم حجر إلى رأس قصار، حافظ عليها الآباء، وبذلوا في سبيل بقائها متحدة، باذلين فيها الدماء والجراح والدموع.

      تكمن خطورة لا مبالاة حكومة أفورقي، بالواقع المتأزم، المتسارع في المنطقة، والتغيرات الجيوسياسية التي تشهدها المنطقة، خاصة بعد التهديدات المستمرة من الحكومة الإثيوبية بالاستيلاء على ميناء عصب الإرتري، في استهدافها المباشر للسيادة الوطنية، هذا التهديد الذي ما كان ليحدث، لو كان لدينا برلمان، يراقب أداء الحكومة، ويقيّد اتخاذها لقرارات مصيرية مطلقة من قبل الرئيس. هذا يعني أننا وصلنا إلى مرحلة تُحبس فيها الأنفاس، بسبب السياسات الخاطئة التي اتبعها النظام الحاكم داخلياً وخارجياً.

     كل يوم يمرّ وحكومة أفورقي ما تزال على سدة الحكم، هو يوم يُخصم من أمن وسلامة ورفاهية الشعب الإرتري، ويهدد سلامة الوطن بأجمعه، ولا حلّ إلاّ برحيل رأس النظام، وتغيير مجمل نظامه الذي صادر ثورته، واستولى على مقدرات الوطن وثرواته يديرها كيفما شاء، بعقلية انتهازية، إقصائية وسلطوية مستبدة.

     

  

                                         

     

عقد مكتب الشؤون التنظيمية للقوى السياسية الإرترية، في الثالث من يناير 2026، اجتماعًا تنظيميًا مهمًا مع القيادات الإقليمية في كلٍّ من إقليم شمال أمريكا وإقليم أوروبا، وذلك في إطار جهوده المتواصلة لتعزيز العمل التنظيمي وتوحيد الجهود للقوى السياسية الارترية.

وقد ترأس الاجتماع رئيس المكتب، السيد تسفاي ولدميكائيل، الذي استعرض في كلمته الافتتاحية جملة من القضايا التنظيمية والسياسية ذات الأهمية، مؤكدًا على العلاقة التكاملية بين العمل التنظيمي أو الحزبي الذي يقوم به العضو، وبين دوره ومسؤوليته في أنشطة وبرامج القوى السياسية الإرترية بشكل عام. وأوضح أن نجاح العمل السياسي مرهون بوضوح هذه العلاقة، وبقدرة الأعضاء على الموازنة بين الالتزام التنظيمي والمشاركة الفاعلة في العمل الوطني المشترك.

كما تطرق الاجتماع بشكل موسع إلى خطط العمل للسنة الحالية 2026، حيث جرى نقاش معمق حول الأهداف المرحلية والاستراتيجية، وسبل ترجمة هذه الخطط من مجرد تصورات نظرية إلى برامج عملية قابلة للتنفيذ على أرض الواقع، بما يواكب التحديات السياسية والتنظيمية الراهنة

وفي سياق متصل، ناقش المجتمعون آليات وسبل إقامة الفروع الموحدة للقوى السياسية الإرترية في كل من شمال أمريكا وأوروبا، باعتبارها خطوة أساسية نحو تعزيز وحدة الصف، وتنسيق الجهود، وتفعيل العمل المشترك.

واختُتم الاجتماع بجملة من التوصيات، أبرزها التأكيد على ضرورة اضطلاع كل عضو بالدور والمسؤولية المناطة به، والعمل بروح جماعية عالية، بما يسهم في تحقيق الأهداف المنشودة للقوى السياسية الإرترية.

Saturday, 10 January 2026 16:26

Dimtsi Harnnet Sweden 10.01.2026

Written by
Thursday, 08 January 2026 20:56

Dimtsi Harnnet Kassel 08.01.2026

Written by

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ካብ 7 ክሳብ 12 ጥሪ 2026  ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ። ናይዚ ሚኒስተር ዑደት ናብ ኣፍሪቃ፡ መበል 36 ዓመት፡ “ናይ ሓድሽ ዓመት፡ ቀዳማይ  መገሻ  ናብ ኣፍሪቃ” ናይ ዝብል ባህሊ መግለጺ ምዃኑ፡ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ብ7 ጥሪ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ  ኣፍሊጡ። እዚ ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ፖሊት ቢሮን ኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኣብቲ  “ቻይና-ኣፍሪቃ ህዝቢ ምስ ህዝቢ”  ብዝብል፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ዝካየድ  ስነ ስርዓት  ክሳተፍ ምዃኑ እውን እቲ ቻይናዊ  ወሃቢ ቃል  ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና መገሻ ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሚኒስትሪ  ንመበል 36 ዓመት ክኸውን፡ ነቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግና ናይ መጀመርታኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  እቲ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሃገሩ ካብ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ናይቲ በዓል መዚ መገሻ፡ ብዙሕ ከም እትጽበ ተጠቒሱ። እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደ ስነ-ስርዓት፡  ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣፍሪቃን ቻይናን፡ ናይቲ “ቀዳማይ መገሻ  ዓምት 2026 ናብ ኣፍሪቃ” መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ  ልምዲ ናይታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣብዚ መገሻኡ ዝበጽሐን 4 ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ታንዛንያን ለሰቶን እየን። ብፍላይ ሓደ ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናብ ሶማሊያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ድሕሪ 40 ምዃኑ ከኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ በዓል መዚ ቀንዲ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጽሐን ሃገራት ዝዛረበሉ ዛዕባታት፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝን ናይ ሓር ዕቤትን ከምኡ እውን ጉዳይ ልኡላውነት ሃገራት ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ  ቀጻሊ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዝኣትዋሉ መንገዲ ምድህሳስ ከም ዘጠቓልል እውን ተፈሊጡ።

 ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብቐጻሊ 282.1 ቢልዮን ዶላር ብዝበጽሕ ዓመታዊ ዓቐን ኣብ መዳይ ንግዲ መሓዛ  ኣፍሪቃ ኮይና ከም ዝጸንሐት’ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቑሱ።

ውግእ ብሓፈሻ ኩሉ ሰላማውን ፖለቲካውን መንገድታት ተዓጽዩካ፡  ምርጫ ምስ ሰኣንካ  ዝእቶ’በር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ኩለ-መደያ’ውን እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሳዕቤናቱ ናይ ዜጋታት ተገዲዶም ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ኣርሒቖም ናብ ስደት ከምርሑ ዝድርኽን ምዃኑ እዩ። ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ ዝእተው ቅኑዕ ውግእ ከም ዘሎ ከኣ፡ እቲ  ነዊሕን መሪርን ኤርትራውያን ኣንጻር መግዛእቲ  ተቓሊሶም ዘዕወትዎ  ናይዚ መርኣያን ተመኩሮን እዩ።

ኣብ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምዝባል ኤርትራውያን ካብ መላእ ኢትዮጵያን እቲ ውግእ ካብ ዝተኻየደሉ ከባብን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ስንብራቱ  ክሳብ ሎሚ ከምዘይሓወየ ከኣ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ዝረአ ዘሎ እዩ። ምምዝባል ምስ ጠጠው ምባል ናይቲ ጠንቁ ዝኾነ ውግእ ዝቋረጽ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ከቢድ ጻዕሪ ዳግመ-ምጥያስን ሕውየትን ዝሓትት ከም ዝኾነ  ተመኩሮ ናብ መረበቶም ናይ ዘይተመልሱ ኤርትራውያን ግዳያት የርእየና። 

ኣብ ትግራይ ብ2020-2022 ብዝተኻየድ ንብዙሓት ዘሕዝነን ዘሰንበደን ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይ-ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ሳዕቤን ናይ ቀረባ ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ምዝንታው ኣየድልን። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ዓውዲ ተቐርቂሩ  ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ማህሰይቲ ከቢድ ምንባሩ ዘዛርብ ኣይኮነን።  ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ብዝምድናዊ ዓይኒ ንምርኣይ እንተዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብሰንክቲ ውግእ ኣይተሃስየን ማለት ኣይኮነን።

  እቲ ሳዕቤን፡ ዕንወት ንብረትን ሕልፈት ህይወትን ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ካብ መረበቶም ምምዝባል ከኣ እቲ ዝኸፈአ  ገጽ ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክሳብ ዝምለስ፡ ኣብቲ ዘለዎ ግዝያዊ መጽለልታት መሰረታዊ ነገራት ንምቕራብ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ክረባረቡ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ሓገዛት  እኹል ኣብ ርእሲ ዘይዃኑ፡  ኣብ  ምምሕዳሩ ካብ ምክሳስ ናጻ ኣይጸንሐን።

እቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ራያን ወልቃይትን ብብዝሒ ዝተመዛበለ ተግራዋይ፡ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ 146 ዘይምቹኣት መዕቆብታት ሰፊሩ ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ካብ’ቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሮተርያ፡  ዝለዓለ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ዓንቀጻት ሓደ፡ “ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለስሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ምጥጣሕ” ምንባሩ ይዝከር። እዚ ዘይምትግባሩ ከኣ እቲ ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ከውሕስ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውዕል ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘስግእ ደረጃ በጺሑ’ሎ። ብስንኪ እዚ ከኣ ነቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ሃንቀው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ተመዛበልቲ  ተስፋ ይቖርጹ’ለዉ።

እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ስድራቤታት፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረብን ብቑዕ መጽለልን ዘይምርካብ ኣደዳ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ማሕበራዊ ጸገማትን ንጥቃዕቲ ኣራዊት ምቅላዕን ኮይኖም፡ ሰማዒ ዘይረኸበ ኣውያቶም ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣብቲ ተዓቚበምሉ ዘለዉ መጽለሊ ማእከላት “ሰባት ብጥሜት ይሞቱ’ለዉ” ዝብል ዘሰንብድ ሓበሬታ ብመዲያታት ተቓሊሑ። ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ትግራት፡ ኣስታት 15,017 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበምሉ ዝነበሩ ሕጻጽ፡ ሎሚ ድማ ልዕሊ 14 ሺሕ ተመዛበልቲ ዘለዉዎ፡ እቲ ኩነታት ዝኽፈአ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ብዙሓት በቲ ክስተት ዝሰንበዱ ወገናት ከኣ ጥሙያት ንምዕንጋልን ዕሩቓት ንምኽዳንን ኣብ ዝነኣድ  ምንቅስቓስ ኣትዮም ኣለዉ።

 መሰረታዊ ሕቶ ናይቶም ተምመዛበልቲ፡ “ንሕና ንካለኦት ንሕግዝ እምበር ተጸበይቲ ረዲአት ኣይነበርናን እሞ፡ ሰሪሕና ንቡር መነባብሮና ክንመርሕ ናብ መረበትና ምለሱና” ዝብል እዩ። ኣብ ኣድላይነት ምምላስ ናይዞም  ግዳያት ፍልልይ የለን።  እንተኾነ  ብመንጽርቲ ኣብ ዓንቀጽ 10 ቁጽሪ 4 ውዕል  ፕሪቶርያ፡ “ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ምስ ሕገመንግስቲ ፈደራላዊ ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዝሰማማዕ ይፈትሕዎ” ዝብል ሓሳብ  ““ብኸመይን መዓስን ይምለሱ?”   ፍልልይ ይረአ’ሎ  ።

 ነዚ ዓንቀጽ  ምትርጓም ከኣ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ተሪር ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምምላሶም እቲ ዝተመልስዎ ቦታ፡ “ብመንን ብኸመይን ይመሓደር?” ምስ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ።

እምበኣር እዚ ምምዝባል ውጽኢት ውግእ ስለ ዝኾነ፡ ዓሚቕን ተደራራብን ፖለቲካውን ምምሕዳራ’ውን ትርጉም ኣለዎ። መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ከኣ እቲ ናብቲ ውግእን ሳዕቤኑን ዘብጸሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክፍታሕ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ነቲ ንዝተመዛበሉ  ዘጋጥሞም ዘሎ ክሳብ ሞት ዘብጽሐ ማሕበራዊ ጸገም ንምክልኻል ግና ከምቲ “ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ዝኾነ ገባር ሰናይ ህጹጽ ምርብራብ እዩ ዝሓትት። ብመንጽር’ዚ እቲ ዘሰንብድ ሓበሬታ “ሞት ብሰንኪ ጥሜት” ምስተቃለሐ፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ወገናትን ብውልቂ ኮነ ብሓባር ዘርእይዎ ዘለዉ “ህይወት ናይ ኣድሕን” ሰናይ ተግባር  ክምስገንን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።

ነቲ ዝሓለፈን ጋና ሳዕቤኑ ሰባት ዘሳቒ ዘሎን  ውግእ ንድሕሪት መሊስካ ምእራሙ ከምዘይከኣል ርዱእ እዩ። ኣብ መጻኢ ከምዘይድጋም ንምግባሩ ግና፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ብደሆ ኣሎ  እሞ፡ ኩሉ ኣድላይን ዝከኣልን ዘበለ ዋጋ ክኸፍሉ ቅሩባት ክኾኑ ነዘኻኽሮም። 

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸሚድዎ ዘሎ ዘቤታዊ ውግኣት፡  ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ፡ ዘይታሪኻዊ፡ ዘይፖለቲካውን ዘይሓላፍነታዊ ወስታ “ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይኮነን” እንብሎ እውን ብመጽር’ዚ ኢና።

ሶማሊላንድ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣብ ሰሙን 4 ግዜ ናብ ሃገርጌሳ ዝካይዶ ዝነበረ በረራ ኣጊዳ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ኣየራ ከይንቀሳቐስ እውን ወሲና። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ጅቡቲ ኣቐዲማ ኣብ ሃገራ ካብ 2012 ጀሚሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምዕጻዋ እዩ። እዚ ናይ ጅቡቲ ስጉምቲ ብተጽዕኖ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተኻየደ እዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት እዩ።

ናይዚ ኩሉ ወጥሪ መንቀሊ ከኣ ናይ እስራኤል ንሶማሊልላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ። ጅቡቲ ብመንጽር ከም ኬንያን ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኣንጻር ዝምድና እስራኤልን ሶማሊላንድን ብዝለዓለ ደረጃ ትንቀሳቐስ ዘላ እያ።

ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ካብ 7 ጥሪ 2026 ግብራዊ ዝኸውን እገዳ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣቐዲማ ንመንግስቲ ጅቡቲ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ናብቲ መንገዲ ኣየር ግና ብጽሑፍ ምሕባራ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ መንገዲ ኣየር ብዛዕባቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ጅቡቲ ብወገና ንኣፍልጦ ኢስራኤል ንሶማሊላንድ ብምቅዋምን   ምስ ሶማሊላንድ ዝነበራ  ዲፕሎማሲያዊ ብምቁራጽን ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ሰብ መዚ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ እገዳ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ እምበር፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ኢለምዎ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ መግለጺ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፣ መግለጽታቶም ንዞባዊ ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን መጐዓዝያን ብኣሉታ ከም ዝጸሉ፡ ባኣውርኡ ከኣ ቁጠባዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባ  ዘጋድድ ከም ዝኸውን ግምት ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ እዘን ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ዝነበረን ሶማሊላንድን ጅቡትን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ምስቲ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ዓረብ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝረአ ዘሎ ምፍጣጥ ምጽልላው ከም ዝህልውዎ ይግመት። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብ6 ጥሪ 2026 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ሶማሊላንድ ከቕንዕ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ከኣ ናብ ሶማሊያ መቃድሾ ገይሹ።

Page 1 of 629