EPDP Editorial

From Nharnet Archives

 

(Today, 15th of March 2016 is the 52nd anniversary of the Battle of Togoruba. For those who have not read the article below when it was published 11 years ago, we are posting it also at this 52nd commemoration of Togoruba. By the way, the other historic and decisive Battle of Afabet of 1988 was also fought in the month of March - and maybe Eritrea can one day combine the two and celebrate the heroisms of ELA and EPLA in one day!! Happy 52nd Anniversary of Togoruba, and good reading).

 

Eritrea’s combined forces of liberation constituted a formidable army that scored great achievements and paid dearly for the independence of the country and the liberation of  its people. The memorable battles fought at the historic Togoruba, at Tessenei, in Agordat, Keren, Nacfa, Massawa, Dekemhare and Mereb, to mention only a few, do tell the great story of our liberation struggle days. And it was to honour the great deeds of the liberation fighters that the Revolutionary Council of the ELF designated the Battle of Togoruba of 15 March 1964 as an event annually marked under the name of Liberation Army Day.

 

Togoruba is situated near Adal in western Eritrea where the first shots of the liberation struggle were fired three years before the battle at Togoruba.  At Togoruba, the pioneer fighters of the liberation army confronted for the first time a relatively well equipped Ethiopian regular army and defeated it. The regular occupation army, that was deployed after the police and special forces failed to crush the liberation struggle, suffered 87 killed against 17 martyrs on the Eritrean side. Units of the Eritrean Liberation Army (ELA) were poorly equipped. Yet, they  possessed a just cause and unflinching  commitment to it.

 

Units of Eritrea’s liberation army between 1961 and 1991 were made up of fighters absolutely committed to the cause and the well-being of their people. Selflessness characterized the Revolution and its members. Self-sacrifice prevailed in every aspect of life in the liberation struggle. That high spirit of camaraderie and love of the other more than oneself was the secret of its final victory.  But, today, all those great qualities have become  things of the past about which we may, occasionally,  hear a talk on the Radio/TV and read in the media. Selfishness has overcome the great altruistic qualities of the pre-1991 period. The  interest of the entire people has been  replaced by unbridled   individualism and insatiable personal interests. All the promises to the people were forgotten. Defending the truth and promoting justice and equality were thus buried deep in the ground when the new motto has become: “why should I care about others”.  This new situation  suited  the one-man dictatorship that could easily impose itself  through a divide and rule mechanism and the control of selfish individuals through material benefits.

 

Yet, the day will come when those who betrayed the cause of the martyrs of the ELA and the EPLA will have to answer for their wrongdoings and  crimes against their own people. They will not be able to feign ignorance of all what has been going on in front of their eyes. They will have to answer to the gross mistakes that caused endless suffering, death and destruction in our land and people like:

  • The hardship and impoverishment that has befallen the entire people
  • The violation of human, civil and political rights and the denial of the rule of law
  • The ongoing rape, and displacement of families
  • The exile and death on the desert and the high seas of our youth forced to flee the situation created at home
  • The corruption that has turned the conscripted youth into a slave-labour working for the benefit of the generals and seniour army officers
  • The total collapse of the economic and social system that has led to a dangerously high  level of malnutrition and starvation.

It is incomprehensible to see some veteran fighters of the liberation struggle continuing to watch idly by the sad state of affairs in Eritrea today. It is difficult to explain how on earth they fail to react to the death of a cause for which they sacrificed so much.

At this 41st anniversary of the Battle of Togoruba, which is known as Eritrean Liberation Army Day, we call on the Eritrean Defense Forces (EDF) to stop serving the wrong force and instead support and promote the aspirations of our people for peace, justice, equality and prosperity. We also find it opportune moment to say this : If the EDF fails to join hands on time with the democratic forces of the opposition and help remove the dictatorship, Eritrea will be exposed to grave dangers.

 

The wrong policies and actions of the dictatorial regime in Asmara has caused Eritrea’s isolation from our neighbourhoods and the world at large.  All Eritrean patriots within and outside the regime  are called upon now to coordinate their actions in order to remove the evil regime and avert all possible dangers to our hard won nationhood.

We are aware that many compatriots within the EDF and other organs of the regime, who are opposed to the policies and deeds of the one-man dictatorship, are putting some  struggle against PFDJ. However, much more is expected of them today. The great spirit of selflessness and love of the people that prevailed in the liberation struggle days must revisit the hearts of many Eritreans who are not contributing enough to deliver the promises of our Revolution to the still suffering people. Altruism and the best service to one’s people was  one of the great values cultivated in our years of struggle and we need to keep it up until the great promises to the people are fulfilled..

 

All Eritreans, and in particular the members of the EDF, are called upon today to heed to the call of their brothers and sisters in the opposition to help in removing the destructive regime and in its place establish democratic governance in which Eritreans live in peace, security, social justice, equality and prosperity. 

The 41st anniversary of the Battle of Togoruba is an excellent occasion to renew our resolve to succeed by once again committing ourselves to repeat the heroic deeds that led to our final victory at the end of the end liberation struggle.

 

Glory and eternal memory to our martyrs!

ሳላ’ቲ ነዊሕን ተኸታትልን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነትን መሰልን፡ ብዙሓት ከባብታት ሃገርና ነናተን ዝናን ቅያን ኣለወን። ካብዚኣተን ሓንቲ ተጎሩባ እያ። ተጎሩባ በቲ ዘለዋ እስትራተጂካዊ ናይ ኣቀማምጣ ጸጋ ብዙሕ ቅያ ዝተሰርሓላ ኮይና እቲ ዝያዳ ዝነኣ ዝገነሉ ግና በቲ ናይ 15 መጋቢት 1964 ቅያኣ እያ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቅድሚ 42 ዓመታት ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣንጻር ናይ ጸላኢ ምሩጽ ሓይሊ ፊትንፊት ገጢሞም ንደንበ ሰውራ ዝኾለዐ፡ ንደንበ መግዛእቲ ድማ ዘርዓደ ጅግንነት ዘመዝገቡላ ዕድለኛ ቦታ እያ። ኣብዚ ውግእ እዚ ወተሃደራዊ ጅግንነት ጥራይ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ቀንዲ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ዘይተንበርካኽነት ረዚን መልእኽቲ እዩ ናብ ፈታውን ጸላእን ተመሓላልፉ። ኣብዚ ውግእ’ዚ ጸላኢ ሓይልሰብን ኣጽዋርን ጥራይ ኣይኮነ ከሲሩ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንዊሑ ዝጠመተን ዘይሰዓርን ምዃኑ እዩ ተነጊርዎ።

ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ሎሚ ክንዝክሮ እንከለና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምጥማት ንድሕሪት ንምምላስ ኣይኮነን። እንታይደኣ ኣብቲ ንቕድሚት እንገብሮ ስጉምቲ ካብዚ ቅያዚ ዝርከብ፡ እሞ ሎሚ እውን ዘይበለየ ንያትን ፍናንን ንምውራስ እዩ። ናይ ሎሚ ኮነ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኩሉ ማእከሉ ረብሓ ህዝቢ ኮይኑ ዋሕስ ዓወቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ንክልቲኡ የመሳስሎ። ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ ከባቢያዊ ምዕባለ፡ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን እቲ ክረጋገጽ ዝድለ ማእከላይ ዕላማን መሰረት ጌርና ክንመዝኖ እንከለና ግና ፍልልይ ኣለዎ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ነቲ ናይ ሽዑ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ክንወስዶ ዘይንኽእል። እቲ “ክዕወት እየ” በሃልነት፡ እቲ በጃ ህዝቢ ቅሩብነት፡ ህዝቢ ዝዋንኡ ቃልሲ ናይ ምዕዋት ግድነት ግና ሕጂ እውን ምስ ግዜ ዘይኣርግ ርዝነት ስለ ዝኾነ ሎሚ’ውን ክንወስዶ ዝግበኣና ኣብነት እዩ።

ብስርሒት ተጎርባን፡ ድሕሪኡ ዝተፈጸመ ቅያታትን ዘይሕበን ኤርትራዊ የለን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ቅያን ኣስማትን ነቲ ስርሒታት ዝፈጸሙ ጀጋኑ ወርትግ ተጻሓፍናሉን ተተዛረብናሉን ኣይምኖን። እዚ ድማ ነቶም ጀጋኑ ናይ ዘለና ክብሪ መግለጺ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ግና ንዓኣቶም እኹል ካሕሳ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ካሕሰኦም ንሳቶም ክቡር ዋጋ ከፊሎም ዝኣመምዎ ዕላማ ኣብ መፈጸምታኡ ብምብጻሕ እዩ ዝግለጽን ዝዕቀንን። ሎሚ ነዚ ጉዳይዚ መልዓሊና ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ቅያዚ ተመስሪትና ኣብ መጻኢ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ግዜ ሂብና ንክንሓስብ ንምዝኽኻር እዩ።

ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ንብዙሓት ተኣምራታዊ ስርሒታት ኣፍደገ ዝኸፈተ ፍጻመ ዝወዓሉ ጀጋኑ ሎሚ ብኣካል ኩሎም ሓሊፎም እዮም ዝብል ግምት ኣለና። ተግባሮም ግና እነሆ ሕጂ’ውን ከም ኣገዳሲ ኣብነት ንዛረበሉ ኣለና። ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሎሚ እውን ዝሕግዘና ሸነኹ፡ ማለት ነቲ ትብዓትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ክንወርሶ ኢና። እዚ እዩ ከኣ ብእትሓልፍ ህይወት ዘይሓልፍ ታሪኽ ምስራሕ ማለት። ታሪኽ ኣብ ሓደ ቦታ “ደጊም ኣኺልዎ እዩ” ኢልካ ዓጺፍካ እተቐምጦ ዘይኮነስ ወለዶታት እንዳሕደስዎ ዝነብሩ ቀጻሊ ዋሕዚ እዩ። ናይቶም ተተኻኻእቲ ኣካላት ንባብ ኣብቲ ታሪኽ ግና ክፈላለ ይኽእል።

ታሪኽ ተጎርባን ካልኦት ታሪኻዊ ፍጻመታትን እውን ምስ ምሕላፍ ፈጸምቱ “ደጊም ኣኺልዎ” ተባሂሉ ዝስገር ዘይኮነስ፡ እቶም ተካእቲ ኣብ ጀግንነት ቀዳሞት ተሓቢእካ ንምንባር ዘይኮነ፡ ነቲ ሕጂ ንዋሰኣሉ ዘለና መድረኽ ብዘሰውድ መልክዑ ከነሕድሶ ዝግበኣና እዩ። ሎሚ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቲ ዕለቱ ናይ መዘከሪና ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ናይ ሎምን ናይቲ ቅድሚ 42 ዓመት ዝነበረን ብደሆ ብዙሕ ዝፈላለየሉ ኣሎ። ግና ድማ ዝመሳሰለሉ እውን ብዙሕ እዩ። ብቐንዱ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ መሊኡ ኣብቲ ክበጽሖ ዝሓለኖ ቦታ ስለ ዘይበጸሐ ኢና ንቃለስ ዘለና። እዚ ቃልስና ናቱ መቐጸልታ’ምበር ምስኡ ርክብ ዘየብሉ ሓድሽ ምዕራፍ ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ፍሉይ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ዝካየድ ብምዃኑ ከኣ ፍልልይ ኣለዎ። በዚ ይኹን በቲ ግና እቲ ናይ ሽዑ ንያትን ሓቦን ሕጂ’ውን የድልየና’ዩ እሞ ንዓቅቦ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣባላት ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ኣባላት ፓርላማን ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ንኤርትራ ዝምልከት ኣካል ከም ዝመስረቱ ብ9 መጋቢት 2016 እቶም ኣብ ዝዘርግሕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም። እዞም ኣባላት ፓርላማ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብሓፈሻ እዚ ይጐድሎ ዘይበሃል በደል፡ ብፍላይ ድማ ብኩራት ደሞክራስን ግህሰት ሰብእዊ መሰል ስለ ዘሻቐሎ ምዃኖም ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ኣካል ኣብቲ መግለጺኡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ስግኣትን ግዱድ ምእዙዝነትን ባህሊ ክነብር ተገዲዱ’ሎ” ምስ በለ፡ ካብቲ ነዚ ንኤርትራ ዝምልከት ኣካል ክምስረት ዘገደደ ምኽንያታት ክገልጹ ከለዉ ድማ “ቀንዲ መመስረቲና ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እቲ ጉዳይ ኣብ ዝምልከቶም ኣካላት ግንዛበ ንምፍጣር፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ንምምሕያሽ መጽናዕትን ልዝባትን ምክያድን መንግስታት ኣብዚ ጉዳይ ተገዳስነት ከም ዝሓድሮም ንምግባርን’ዩ” ይብል።

እዚ ኤርትራውያን ብዘይኮኑ፡ ግና ድማ ንሓልዮት ኤርትራውያን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ። እዚ ስጉምቲ ንጉጅለ ህግደፍ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ  መንግስታት ናይ ሓሶት ምስሊ ሒዙ ንምቕራብ ዝገብሮ ዘሎ ምትላል ዘቃልዕ እዩ። ነዓና ነቶም ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ክብሪ ሰብኣዊ መሰልን ንቃለስ ዘለና ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መተባብዒ ስጉምቲ እዩ። ናይ ብሓቂ መተባብዒ ስጉምቲ ዝኸውን ግና በዚ ተተባቢዕና ዝያዳ ክንስጉም ተኽኢልና ጥራይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ጉዳይና ካልኦት ክሻቐሉን ስጉምትታት ክወስዱን እንከለዉ ዘይግዳድና ተዓዘብቲ እንተኾይና ግና ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ምኽንያቱ ናይዞም ዘይኤርትራውያን ወገናት ጻዕርን ተገዳስነትን ብናትና ቃልሲ እንተዘይተመሪሑን ተደጊፉን ውጽኢት ስለ ዘይህልዎ። ናትና ጻዕርን ናታቶም ኣብርክቶን ነናቱ ቦታ ዘለዎ ዝደጋገፍ እምበር እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝትከኦ ስለ ዘይኮነ።

እዚ እዞም እንግሊዛውያን ኣባላት ፓርላማ ወሲደምዎ ዘለዉ ግዱስ ስጉምቲ መልእኽቱ ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ብዘይፍርዲ ትኣስርን ብግዲ ተስርሕን ተዕስክርን ኣለኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ምርጫ ኣየካየድካን፡ ዝጸደቐ ቅዋም ጠሊምካ፡ መሰል ምሕሳብ፡ ምግላጽ ሓሳብ፡ ምውዳብን ምጽሓፍን ነፊግካ …. ወዘተ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳያት ዘይተዕሪ እንተኾንካ ክትእለ ይግበኣካ። ንሕና ድማ ኣብ ምእላይካ እጃምና ከነብርክት ኢና ዝብል እዩ። እቲ መልእኽቲ ናብ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ንህግደፍ ኣወጊድና ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንትክኦ እንሕልን ዘለና እውን እዩ። ንሕና እዚ ክንገብር ኢና ንስኻትኩምከ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተነፊዕኩም ኢደኢደይ ኢልና ለውጢ ነምጽእ ዝብል መልእኽቲ። መልሲ ህግደፍ እንታይ ይኸውን ንዓኡ ይምልከት። መልስና ነዚ ጻውዒትከ እንታይ እዩ ክኸውን። እዚ ክንብል እከለና ንመጀመርያ እዩ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ዝውሰድን ናባና መልእኽቲ ዝመሓላለፍ ዘሎን ማለትና ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሎሚ መልስና ንከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ከኣ ዝነኣድ ኣይጸንሐን። ሕጂኸ ገለዶ ተጣዒና ንኸውን እሞ “ ካልኦት’ኳ ካብ ሰብእውነት ነቒሎም እዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘለዉስ፡ ንሕና ሰብ ጉዳይ’ሞ ነራጥጠሉ ኣይኮነን” ደኾን ንብል ንኸውን? ክብል ከኣ ይግበኣና።

እቶም ኣዒንቶም ብጨው ተሓጺቦም ኣብ ኢርትራ፡ ተገዲዱ ዝዕስከር፡ ጉልበቱ ዝምዝመዝ፡ ብዘይፍርዲ ዝእሰር፡ መሰል ምዝራብ፡ ምጽሓፍን ምውዳብን ዝተኸልከለ፡ ብሰንኪ ወጽዓ ዝስደድ … ወዘተ የለን ዝብሉ ወገናትና፡ ምሕረት ይኣዝዘሎም ኢልና፡ ክሳብ እቲ ሓቂ ካብ ውሽጦም ገንፊሉ ዝወጽእ ንግደፎም። እዚ ዝኾነሉ ግዜ ከኣ ርሑቕ  ኣይክኸውንን’ዩ። ናይቶም እዚ ዝተዘርዘረ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ይፍጸም ከም ዘሎ እንኣምን፡ እሞ ብኣኡ  እንሓዝን ናይ ለውጢ ሓይልታት ግብረመልሲ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከኣ ክንሓስበሉ ይግበኣና። ቀዳሞት ተሰልፈቲ ኣብ ምምጻእ መፍትሒ ከኣ ንኹን። ክንድዚ ዝኣክል ህዝባውን ሃገራውን ሕድርን ዕዳን ኣቐሚጥና ኣብ ሕድሕድና ምምንጫት ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። ነቲ “ዝገበረኒያ ክገብር ዓዲ ነየጋብር” ዝብል ለባም ኣበሃህላ ወለድና ዘንጊዕና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ንድሕሪት ምርኣይ እንዳሰለጠና ክሳብ መዓስ። ስለዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን እምብዛ መሪሩ ሕብረተሰብ ዓለም እተእውየሉ ዘላ ግዜ፡ መፍትሒ ኣብ ምርካብ፡ ንሕና ሰብ ጉዳይ ቅድሚት ክንስራዕ እምበር ብድሕሪት ተዓዘብቲ ክንከውን ክም ዘየብልና ይኣምን። ከም ወትሩ እጃሙ ከበርክት ድማ ቅርቡነቱ የረጋገጽ።

11 መጋቢት 2016

መላእ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ን8 መጋቢት ምእንቲ ክብረንን ንሰብኣዊ መሰለንን ተቓሊሰን ዝዕወታላ መዘከሪት ዕለት እያ። እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ነተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ትምልከት ዘይኮነትስ ንመሰል ወዲ ተባዕታይ እውን ዝሓወሰት እያ። ምኽንያቱ ወዲ ተባዕታይ ሓዳር ገይሩ ጓል ስለ ዝወልድ’ሞ ጓሉ ክትውጻዕ ወይ ክትጭኰን ስለ ዘይደሊ ክኸላኸለላ ናይ ግድን እዩ።

በዛ ዕለት እዚኣ ቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ5 መጋቢት 2016 ንቃለ መሓትት ቀሪበን ንዝሃብኦ ጽማቚ መልስታት ንኣንባቢ እነሆ ንብል ኣለና።

እቲ ቃለ መሓትት በቲ ወናም ደራፋይ ኣልኣሚን ዓብደል ለጥፍ ብቋንቋ ተግረ ‘’ይማ’’ ኣደይ ትብል ዝደረፋ ደርፊ እዩ ተኸፊቱ።

**************

ብዛዕባ 8 መጋቢት ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር ዝምልከት ሕቶ ማለት እዛ ዕለት ኣዚኣ ንዝኽሪ እተን ኩለን ኣደታትን ኣሓትን ኣንጊሀን ንመሰለንን ንክብረንን ክብላ ዝተዋደቓላን ዝተቓለሳን ብኡ መሰረት ከኣ ንምዕዋቱ ዝተሰወኣን ዝሰንከላን ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ተጠሊመን ኣብ ፈቀዶ በረኻን ባሕርን ህይወተን ዝጠፍአት ክብርን መጎስን፡ ነተን ህልዋት ከኣ ዮሃና ምባል እዛ ዕለት እዚኣ ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘለዋ ምትእስሳር እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ርህራሀ ዝጎደሎ ግፍዒ ንምውጋድ ጌና ተሪር ቃልሲ ይጽበየን ከምዘሎ እትእምት ምዃና ገሊጸን።

እቲ ንድርብ ወጽዓ ካብ ሱሩ ክመሓው ዝተቓለሳሉ ጌና ከምዘይተዓወተን ክቃለሳ ከምዝግበአንን ብሩህ እዩ። መሰል ጓል ኣንስትይቲ ንበይና ክተረጋግጾ ስለዘይትኽእል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደገፍ ከም ዘድልየን ውን ሓቢረን።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ካብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ዕዙዝ ዝነበረ ኮይኑ፥ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፋ ከም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ የሕዋታ ተስዊኣን ሰንኪላን ንናጽነት ሃገርና እውን ዘውሓሰት እያ። ብፍላይ እተን ኣብ ገጠራት ዝቕመጣ ዝነበራ ኣደታት ውጉእ ብምዕንጋልን፥ ኣብ ግዜ ውግእ እውን ማይን ዝብላዕን ሒዘን እናዓለላ የቕርባ ነይረን። ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝነበራ እውን እነተኾና ኣብ ናይ ስለያ ጉዳይ ካብ ውሽጢ ጸላኢ ሓበረታ ረኺበን ንገድሊ ኤርትራ የስንቓ ነይረን። ኣብ ስደት ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ እውን ሸቂላ ስልማታን ገንዘባን ንገድሊ ተወፊ ነይራ እያ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ካብ ቦዂሪ ሰውራ ጀሚራ ተቓሊሳ ንሰውራ ክሳብ ዓወት ጸብሐት እያ።

ሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ድርብ ወጽዓ ከም ምዃኑ መጠን ነዚ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ምዕዋት ቃልሳ ዓቢ እጃም ዝነበራ ኮይኑ ሕጂ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ዘለዋ ናብራ ከቢድወን ዘስቀጣ ብዙሓት እየን። ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ቃልሲ ምስቲ ድርብ ወጽዓ ተደማሚሩ ኣብ ገዛ እውን ይጽገማ እዩ። ብዂረት ምትሕብባር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስለዘሎ ከኣ ኣብ ኣኼባ ንኽትሳተፋ እኳ ደቀን ገዲፈ ክሳተፋ ኣይከኣላን። ስለዚ ነዚ ድርብ ወጽዓ ተቓሊስና ክነዕወት ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ወድባትን ክሳተፋን ኣብ ደረጃ ናይ ውሳኔ ቦታ ክበጽሓን ክንሕግዘን ኣተሓሳስባና ክንቅይር ይግባእ። እቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ክቕይርን ንሕቶ ጓል ኣንስተይቲ ክኣምንን ክቃለስን ኣለዎ።

ብተወሳኺ ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ግና ኣይተፈልጠን ዘሎ። ስለዚ ጓል ኣንስተይቲ ክትነቕሓሉን ነቲ ወዲ ተባዕታይ እውን ክተዕግብን ክተንቅሕን ንመሰለይ ከኣ “ባዕለይ ኣለኹሉ” ክትብል ኣለዋ። ውጽዓና ከኣ ኣብ ዲክታቶር ዘይኮነስ ኣብ ውድባትን ውን ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ክትዕወት እንተኾይና እምበኣር ቅድም ቀዳድም ጉዳይና ባዕልና ክንሕዞ ይግባእ። ካልኦት ክገብሩልና ክንጽበ የብልናን። ክወሃበና እንተኾይኑ ክንዕደግ ምዃና ውን ክንፈልጥ ይግባኣና። በዚ ኣቢልና ከኣ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምትካል ግደና ክነበርክትን፡ ሓደ ድልዱል ናጻ ማሕበር ክንምስርትን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክንወዳደርን ኣሎና።

ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል እውን ስለዝኾነ፥ መሰል ከኣ ተመጽዊቱ ስለዘይወሃብ ምልኪ ለጊሱ ዲሞክራሲያዊ ኣብ ምትካል ዝግበር ቃልሲ ምስቲ ናብራ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስርሕ ውዒልና ናይ ገዛ ስራሓት ይጽበየና። ምስኡ እውን እቲ ባህላዊ ድሕረት ወጺዑናን ጨኲኑንናን ኣሎ። ቃልስና እምበኣር እንተላይ ኣንጻር ባህላዊ ድሕረት ስለዝኾነ ነፍስና ክንልውጥን ብንቕሓት ክንገጥሞ እንተኾይና ብተሳትፎ እዩ ዝመጽእ። ሎሚ ሎሚ እኳ ይሓይሽ እምበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክበዓል ተባሂሉስ ደቂ ተባዕትዮ በይኖም ከብዕልዎ ትርኢ። ጓል ኣንስተይቲ ምስ ናእሽቱ ህጻናት ኣብ ገዛ ክትጸንሕ። ይኹን እምበር ኣብ መርዓን፥ ጥምቀትን፥ ሓዘንን ከኣ ሰብኣይን ሰበይትን ተተሓሒዞም ይሳተፉ።

ሎሚ ኣሽንኳይዶ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዋላ እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከይተረፈ “ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ኣብ ቅዋም ዘይሓንጸጸ የለን። ግን ከኣ ኣብ ቅዋም ይሰፍር ማለት ይትግበር ማለት ኣይኮነን። እቲ ድሕረት ኣብ ኩልና ስለዘሎ ግዳ ኣብ ተግባር ኣይውዕን። ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ እቲ ድሕረት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብታ ጓል ኣንስተይቲ እውን ኣሎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ብደገ ምንጪ ወጽዓና ሓንቲ እያ ንሳ ከኣ ድሕረት እያ። ጉዳይና ባዕልና ክንልዓዓለሉ ኣሎና። ሕጂ ከኣ ክነረጋግጾ እንተዘይ ክኢልና፡ ጽባሕ ውን ክንጥለም ኢና። ኣብ ዘዘለናዮ ሰልፍታት እቲ ንምረሓሉ ቅዋም ንመሰልና ክንቃለስ ከምዘሎናን ኣብቲ ናይ ውሳኔ ቦታ ክንበጽሕ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ መሰልና ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ኣድላዪ እዩ።ደቂ ኣንስትዮ ሓደሓደ ግዜ ኣንጻር ጠቕምና ንቃለስ ኢና። እዚ ከኣ ብዘይ ኣፍልጦ ዝግበር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ጉዳይና ባዕልና ኣብቲ ዘሎ ውድባት ክንሳተፍን ንመሰልና ዝከላኸል ወይ ዝጣበቕ ናጻ ማሕበር ክህልወና ይግባእ። ሃማደአ ዝበሃል ማሕበር እውን’ኮ ኣሎ። ግና ኩሉ ማሕበር እየ ስለ ዝበለ ወይ ስለ ዘቆመ ንኹሉ ይውክል ማለት ወይ ይከላኸል ማለት ኣይኮነን። ወጽዓና ሓደ ክንሱ በበይንና ማሕበራት ምምስራት ነመሰል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምጥባቕ ዘዳኽም እምበር ዘተባብዕ ኣይክውንን።

እታ ፍርቂ ህብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ሎሚ እውን ተጠሊማ እያ። ኣብ መጻኢት ኤርትራ ጥልመት ንኸይድገም ከኣ መሰልና ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ክንከተታተል የድሊ። ንመሰልናን ንማዕርነትናን ዝምልከት ከመይ ገርና ኣብ ቅዋም ክሰፍር ከምዘለዎ ክንቃለስ ኣሎና። ኣብ ወጻኢ ኰይንና ኣብ ቅዋም ይስፈር ይኸውን፡ እምበር ቃልስና መሰልን ግቡኣትን ከም ጓል ኣንስተይቲ ማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ፡ ዕረፍቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ፡ .... ወዘተ ዝኣመሰሉን ነቲ ጸቓጢ ባህሊ ዝውግድ ኣብ ቅዋም ኣስፊርና ኣብ ተግባሬኡ ክንጽዕር ኣሎና። ብተወሳኺ ጉዳይና ክዕወት ዲሞክራሲያዊ ቃልስና ክነዕውት ይግባኣና። እዚ ክነዕውት ምቅላስ ንመሰላት ደቂ ሰባት ክሕሉ ዝኽእል ሕጊ ስለ ዝፍጠር እዩ። ነዚ ክንገብር እተዘይበቒዕና መሰል ክንረክብ ኣይክንክእልን እና። ስለዚ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ እጃምና ልዑል ክኸውን እቲ ምትእስሳር ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፍና ክዕንብብ ኣለዎ። ሃገራዊ ቃልሲ ይተዓወት ጥራሕ እምበር ደርባዊ ቃልሲ ደሓር ክንገጥሞ ምባልና እኮ እዩ መስልና ተጠሊሙ ዘሎ ኣብ ኤርትራ። ኣብ ዝተፈላለየ ፋሕ ኢልና ኣብ ዝተፈላለየ ኩርሲ ኮፍ ንበል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ንሃሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ረብሓና። ሓድነትና እዩ እምበኣር እንደልዮ ዕላማ ክዕወት ዝኽእል። ነቲ ድሑር ሕብረተሰብኣዊ ሕማማት እውን ክንቃለሶ ኣሎና። ኣብ ፖለትካዊ ቃልሲ ተሳቲፎና ክዓዝዝ ኣለዎ። ነዚ ክልተ ወጽዓ ኣለና ኢልና ንዕኡ ንምዕማም 8 መጋቢት ንዝሓለፈ እንመዝነሉ ንመጻኢ ከኣ ገምጊምና እንሕንጽጸሉ፡ ክግበር ኣለዎ ዝበሃል እንተልዩ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባኡ ክመሃራን ብዛዕባ ጉዳየን ክፈልጣን ኣለወን። ክነቕሓ ውን ይግባእ። ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳቲፈን ክቃለሳ ኣለወን። ርኽክብ ዓቢ ተራ ኣለዎ፥ ብኡ መሰረት ድምጽና ዓው ክነበልን ክንስማዕን ንኽእል። ኣብዚ እዋንዚ ድምጺና ይስማዕ’ኳ እንተሎ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ክንሳተፍ ክንክእል ኣሎና። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሃማደኣ እያ ድምጻ ትስማዕ ዘላ። ስለዚ ንሕናባ ኣሎና ክንብል ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ዘይተጠርነፈ ስለዘይዕወት ኩሉ ደላይ ፍትሒ ተጠርኒፉ ክቃለስ ይግባእ። ነቲ ንጽባሕ ንኤርትራ የርብሕ እንብሎ ክነዕብዮ፡ ነቲ ሃሳዪ ዝኾነ ከኣ ከነወግዶ፡ “ጥርናፈ ዋጋ የብሉን” ዝበሃል ገዲፍና ሹሙ ዝጠፍኦ ንሕቢ ከይንኸውን ነዚ ዝሓለፈ ቃልስና ክንመሃረሉ እምበር ክነነኣእሶ ኣይግባእን። ካብቶም ዝሓለፉ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ተማሂርና ኢና ንቕድሚት ክንሓስብ ንኽእል። ስለዚ ነቲ ጀጋኑ ዝወደቓሉ ቃልሲ ክነኽብሮ ይግባኣና። ምጽልላምን ምንእኣስን ንረብሓና ኣይኮነን። እሞ ድኽመታትና እንዳኣረምና ቃልስና ክዕወት ብሓባር ተጠርኒፍና ንቃልስ ።

ጉጅለ ህግደፍ ዛዕባታት እንዳቀያየርካ፡ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ምቕያር ካብቲ ዝፍለጠሉ ተንኮለኛ ጥበባት ሓደ እዩ። እንሆ ከኣ ግዜ ሓልዩ ህዝብና ንዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ናጻነት ብምምዝማዝ ሓድሽ ቅዲ ፈጢሩ፡ ብዛዕባ ዑደት “ሽግ ናጻነት” ካብ ዝዛረብ ወርሓት ሓሊፉ። ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት ሽግ ወሊዕካ ብናይ ገዛገዛ ዓኾዃይ ዘይኮነስ ኩሉ ክቡር ዋጋ ህይወትን ንብረትን ከፊሉ ዘምጸኣ ብሌን ዓይኑ ስለ ዝኾነት እምብዛ ሽግ ሒዝካሉ ምዛር ኣይመድለዮን። ግን ድማ ደሓን ይኹን። እቲ ቀዳማይ ሕቶኡ ብዛዕባታ ባዕሉ ዘምጸኣ ግና ድማ ዘየሰተማቐራ ሽግ ናጻነት ኣይኮነን። ቀንድን መሰረታውን ሕቶኡን ምቁማቱንሲ ብዛዕባ’ታ ብሂግዋን ዋጋ ከፊሉላን ክነሱ ደሃያ ዝጠፈኣቶ “ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን” እዩ።

ኩልና ከም ዘይንዝግዖ ህግደፍ ካብ ህልውን እዋናዊ ተባራዕን ሕቶ ህዝቢ ንምህዳም ዝጥቀመሉ ቀንዲ ብልሓት ኣብ ናይ ቀደም ኩነታት ምንባር እዩ። ካብቲ ህዝብና ሎሚ ዝሓቶ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶታት ንምህዳም፡ ነቲ ህዝቢ ባዕሉ ዝወዓለሉ፡ ስርሒታት፡ ናደው፡ ፈንቅል … ወዘተ ንቕድሚት የምጽእ። ንኣገዳስነት ኣብ ነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ነቲ ዋና ከፋሊ ይደጋገመሉ። ነዚኣቶም እሞ ድማ ብምጡን ዓቐን ምዝካሩ ኣይመጸገመን። ግና ድማ ነቶም ሎሚ ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ደፊኖም ክቐርቡ እንከለዉ ብኹሉ መለክዒ ንምድንጋር ዝተማህዘ ተንኮል ምዃኑ እዩ ዘነጽር። እቲ ጉጅለ ከምኡ ዝገብረሉ ምኽንያት ንጹር እዩ። እዋናውን መሰረታውን ሕቶ ህዝቢ ከመልስ ዝኽእል ባህሪ ስለ ዘየብሉ ካብኡ ንምህዳምን፡ ንህዝቢ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቃልሲ ምእንቲ ደሞክራስን ኩሉ መሰላትን ኣላጊሱ ንምህውታት’ዩ።

ብዛዕባ ክብደትን ክቡርነትን ናጻነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝኾነ ኣካል ኣስተምህሮ ኣየድልዮን እዩ። ምኽንያቱ ዕምቆትን ምረትን ናይቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋ ስለ ዝፈልጥ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ክሳብ ክንደይ መሪርን ኣስቃቕን ምንባሩ’ውን ስለ ዘይርሰዖ። ምስዚ ኩሉ ከኣ ናጽነት ብሓርነት፡ ደሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ተዘይተሰንዩ ትርጉም ከምዘየብሉ ካልእ ህዝቢ ኤርትራ መምህር ዘይደልየለኡ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዝነብሮ ዘሎ ዘይእዉጅ ግዜ መግዛእቲ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ። ካብዚ ተረድኦ እዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር ግዜ መግዛእትን ናጽነት ኣብ ትሕቲ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍን ምፍልላዩ ጸጊምዎ ዘሎ።

ግዜኡ ድሮ ዝኽሪ ብሩራዊ ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጻነት ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ እታ ካብ ናቕፋ ነቒላ ዝተባህለት ሽግ ነጻነት ደሓን ትዙር። ናጻነት ግና ኣብ ሃልሃልታ ናይታ ሽግ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ስለ ዘላ ዙረታ ዘምጸኦ ሓድሽ ነገር የለን። ነዚ ብምስትውዓል ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ መሰረታዊ ሕቶኡ፡ ሕቶ ሓርነት፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ሕቶ ልዕልና ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን፡ በታ ካብ ቀደማ ኣብ ልቡ ዘላ ሽግ ናጽነት ኣቢሉ ሸፊንዎ ንክሓልፍ ዕድል ክህቦ ኣይግባእን። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ “እዛ ሽግ እዚኣስ ኣብ ልበይ ኣላ፡ እታ ክሳብ ሕጂ ሃንቀው ዝብላ ዘለኹ ሽግ ሓርነትን ደሞክራስን ደኣ ትዙር” ዝብል ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህጹጽ እዋናዊ ጉዳይ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብምድግጋም ክሕባእ ኣይግበኦን” ይበል።

ህዝቢ ኤርትራ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ከኽብር ዝዳሎ ዘሎ፡ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝተሓረመሉ እዩ። ነዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም መቐይሮ ካብ ወጽዓ ናብ ራህዋ ክጥቀመሉ ይግበኦ። ህዝብና ካብ ተመኩሮኡ ከም ዝተማህሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝወጸሉ ወጻዒ እዩ። ወጻዒ ከኣ ነቲ ዝውጸዖ ወገን ፈትዩ ዝልግሶ ራህዋ የለን። ወጻዒ ብስሙር ቅልጽም ናይቶም ዝውጸዖም ክሰዓር እንከሎ ጥራይ እዩ ራህዋ ዝመጽእ’ሞ ሃየ “ዝተጠልመት ሽገይ ደኣ” ንበል።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ጾታዊ ወጽዓ ደቂ ቅንስትዮ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ መሪርወን ነዚ ወጽዓ ንምውጋድ ብወግዒ ተወዲበን ድምጸን ኣስሚዐን ቃልሲ ዝጀመራ ቅድሚ 106 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣሜሪካ ብዝተላዕለ መሰረታዊ ናይ መሰል ሕቶ ምዃኑ ታሪኽ ተጋድሎ ደቀኣንስትዮ ዓለም ይሕብር። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናብዚ ሕጂ ዘለዎ  ደረጃ ዓለም ለኻዊ ዝኽሪ 8 መጋቢት ንምብጻሕ ኣብ ምውሳን ዝኽበረሉ ዕለት ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ “ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ?” ዝብል ንምውሳን እውን ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃታትን ዝተሓላለኸ መስርሕን ክሓልፍ ጸኒሑ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ እዩ ዘለወን። በቲ ሓደ ወገን ጾታዊ ወጽዓ በቲ ካልእ ወገን ደማ ከም ኩሉ ዜጋ ዘጋጥመን ኩለመዳያዊ ወጽዓ። ቃልሰን እውን ከምኡ ድርብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ዘጋጥመን ጾታዊ ወጽዓ ክህልወን እንከሎ፡ ከከም ናይቲ ዝነብራሉ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዝመሓደረሉ ስርዓትን ባህላዊ ተጽዕኖን ኣብ ገሊኡ ዝያዳ ዝመረረ ከም ዝኸውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቑጠባዊ ምዕባለን ብደሞክራሲያዊ ዕቤትን ኣብ ዝሓሸ ዝርከብ ዓለም፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብቑጠባ ኮነ ብስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ዝርከባ ሃገራት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ እዩ። 

ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዝተረፈ ሓፋሽ ህዝቢ ኩለመዳይዊ ወጽዓ ኣብ ዘይተፈትሓሉ በይኑ ፍታሕ ዝረክብ ኣይኮነን። ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቁጠባዊ ዕቤትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ በይኑ ተነጺሉ ክፍታሕ ዘይሕሰብ እዩ። ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ ስርዓት  ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውጋዱ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። እዚ ማለት ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን መሰረታዊ ፍታሕ ክረክብ ከም ዝግበኦ ዝተረደአ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይተፈጥረሉ መፍትሒ ዝረክብ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓአን ዝፍታሕ ነቲ ዝውጸዐን ተጻራሪ ጾታ ከም ጸላኢ ብምውሳድን ብምትህልላኽን  ዘይኮነስ ናይቲ ወጽዓ ክብደት ተረዲኡ ናይቲ ፍታሕ ኣካል ከም ዝኸውን ብምግባር ክኸውን ይግበኦ።

ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ህብረተሰብነተን ብተግባር ዘርኣያሉ ብዙሕ ተመኩሮታት ምግላጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ተመኩሮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚት ከም ዝስራዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ተመኩሮ እዚ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ኮይኑ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መሪር ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ንናጽነት በሪኹ ተራእዩ’ዩ። ኣብዚ መሪር ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጾታዊ ፍልዩነተን ተጽዕኖ ከይፈጠረለን፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብቲ ዝኸበደ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ወተሃድራዊ ግጥማት እውን ከይተረፈ መስተንክር ሰሪሐን እየን። ንናይ ካለኦት ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ግዜ ዘይስዕሮ ኣብነት ኣውሪሰን።

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ምእንቲ ነጻነት ዝኸፈለኦ ዋጋ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ውሽጡ ከም ቀንዲ ዕማም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ፡ ዝተሓላለኸ  ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ እውን እጃመን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ እንተዘይኮይኑ ንታሕቲ ከም ዘይኮነ ክርደኣ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ተረድኦ ዝምጥን ተሳተፎ ከም ዝጽበየን ኣብ ቦታኡ ዘሎ እዩ።  ተሳትፎአን ኣብ ዝበኾረሉ ወይ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣዝዩ ኣብ ዝዛሕተለሉ ወጽዓአን  ክፍታሕ ከምዘይክእል ከዓ ክርደኣ ይግበአን። ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ እውን ብኩራት ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ጸገም ናይቲ ቃልሲ ገይሮም ክርድእዎ’ሞ ናይ ግድን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽብሉ ይግበኦም።

ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ቃልሲ ዝርሕቃሉ ዘለዋ ምኽንያት፡ ምናልባት ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሰን ጻማ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዝረኣያ’ሞ ብኣኡ ስለ ዝሰከሓ ክኸውን ይኽእል ዝብል ግምት ኣሎ። ናይዚ መንቀሊኡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት እንድዩ፡ እዚ ጥልመት ኣብኣተን ዝተደረተ ዘይኮነስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረኻኺብሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ክርሰዓኦ ኣይግበአንን። እቲ ፍታሕ ከዓ ቃልሲ እምበር ስቕታን ካብ ቃልሲ ምርሓቕን ከም ዘይኮነ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ነዘኻኽረን። እንተ’ቲ ምረት ናይቲ ዘሕልፈኦ ዘለዋ መከራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ብድብድቡ “ኣስካሕካሒ” ኢልናዮ ክንሓልፍ ይሓይሽ።

ሰደህኤ ብመሰረቱ ውን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰልፊ ኮነ ከም ሃገር ኣዝዩ ፍሉይ ቆላሕታ ዘድልዮ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ ኣብ ፖለቲካዊ  መደብ ዕዮኡ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ ይርከብ። ካብዚ ሓሊፉ እውን እዚ ሰልፊ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ንምዕዛዝ ካብ ዘለዎ ድልውነት ብምንቃል ካብቲ 9 ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚኡ ሓደ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝከታተል እዩ። እዚ ሰልፋዊ ቅርቡነት ኣብ ፍረ ክበጽሕ ግና ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ክነሱ ክሳብ ሕጂ በቲ ዝተሓተ ደረጃኡ እውን ኣዕጋቢ ዘይምዃኑ ናብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዕዙዝ እዩ።

ስለዚ ከምቲ ወለድና “ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ” ዝብልዎ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዝከረሉ ዘለና፡ ብሓፈሻ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓርበኛታት ኣደታተን መስዋእቲ ዝኸፈላሉ፡ ግና ድማ ኣብቲ ዝድለ ምዕራፉ ዘይበጸሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላእ ክሳተፋ መጸዋዕታና ነቕርበለን።

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!

8 መጋቢት 2016

للناس، أفراداً كانوا أو جماعات سياسية مطامح ورغبات متفاوتة الأحجام، وهي مطامح ورغبات تختلف في وسائل التحقيق والطرق المؤدية اليه، لذلك لا يمكن إدماجها قسراً في بوتقة واحدة ولا النظر إليها علي أنها قائمة علي فراغ وناشئة من فراغ، الحل إذاً يكمن في ترتيب أولويات تحقيق تلك الرغبات حسب الأهمية أو أي معيار من المعايير، وكل محاولة للإدماج القسري والتنفيذ الفوري لن تمكننا من إنجاز أو تحقيق أيٍّ من رغباتنا، بل سنفقد مجهوداً وطاقة في غير ما طائل.

 

كذلك تواجهنا في جميع المستويات الفردية والجماعية إشكالات أو خلافات تتطلب الحل والحسم، ولابد طبعاً من الحل والحسم، وما قلناه آنفاً بضرورة ترتيب أولويات تحقيق الرغبات ينطبق أيضاً علي ضرورة ترتيب أولويات وضع الحلول وطرق الحسم لمشكلاتنا وخلافاتنا وفق معاييرنا المنطقية للأولوية، وبالطبع فإن حل أو حسم عقدة الخلاف الرئيسية لابد أن يعقبه حل بقية مواضيع ومشكلات الخلاف.

 

نحن كقوى تغيير ديمقراطي قد نختلف ونتعدَّد كثيراً في النوايا والرغبات، لكن الرغبة الأساسية التي لا يختلف عليها اثنان منا هي العمل علي تحويل ارتريا الدكتاتورية الي دولة ديمقراطية عادلة يسودها السلم والاستقرار وصون كافة الحقوق، فإن تحقق لنا ذلك، فكل مشكلة دونه مثل مشكلات المعتقد، المنطقة، القومية، الجنس (النوع)، اللغة سوف يسهل حلها، وفي بلاد يسودها العدل والأمن ويشعر فيها الكل أنها بلاده سوف تنحل العقد ويجد كل ذي حقٍّ حقه ورغبته. ولكي نحقق آمالنا السلمية هذه لابد لنا من محاربة العنف والخلافات غير المبررة، وأول أشكال العنف غير المبرر هذا هو ذلك القائم بين الشعب الارتري المسالم والأعزل من جهة وبين نظام الهقدف القمعي من جهة. لدينا أيضاً خلافات ومشكلات أقل حدةً تتمثل في المشكلات ذات الطابع الديني، العرقي، المناطقي ...الخ.

 

إن تقديمنا هذه القضايا والخلافات الفرعية علي قضيتنا الرئيسية المشتركة مع النظام يعطل مسيرتنا ويبدد ويصرف طاقاتنا في الاتجاه الخطأ. ويأتي ضمن ترتيب وإرجاء خلافاتنا أن نتبع تجاه قوى التغيير داخل النظام سياسة الباب والقلب المفتوح، لا المجاملة والنفاق. ليس ذلك فحسب بل أن نوحد قوانا معهم لتصب جهودنا المشتركة في مواجهة النظام، عدونا المشترك.

 

يجب أن نتحرر من تكرار خطأنا الدائم في ترتيب الأولويات حتى لا تتأخر أو تتعطل مسيرتنا النضالية ضد العدو المشترك. إن كل جهدٍ نصرفه في الخلافات بيننا لن يصب إلا في مصلحة النظام المجرم والمنتفعين من بقائه وطول عمره. إذاً فلنتعلم من أخطائنا ولتتحد جهودنا في مواجهة العدو المشترك.

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ዝምድና: ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዝፈጥርዎ ናይ መቃለሲ መድረኽ እዩ። ነዚ ዝምድና ንክፈጥሩ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት እቲ ቀንዲ በዚ ናይ ሓባር መድረኽ ኣቢሎም ከዕውትዎ ዝደልዩ ናይ ሓባር ሸቶ ምህላው እዩ። ተዛመድቲ ነዚ ዝምድና ዝደልይሉ ካልእ ምኽንያት ነቲ በበይኖም ከረጋግጽዎ ዘይከኣሉ ዕማም ንምዕዋት ዘኽእል ዓቕሚ ምድላብ እዩ። ዝምድና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዕዉት ንክኸውን ክማልእሉ ካብ ዘለዎም ነጥብታት ካብ ሕዝ ግድፍ ወጺእካ ቀጻሊ ከም ዝኸውን ምግባሩ እዩ።

ናይቲ ዝምድና ቀንዲ ቆላሕታ ብጐናዊ ምዕባለታት ከይተዳህለልካ፡ እቲ እተማዕድዎ ናይ ሓባር ሸቶ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ መስርሕ ክረአ ካብ ዘይብሉ ድማ፡ ምስ ሓደ ክትዛመድ እንከለኻ ምስ ካልእ ናይቲ ሎሚ ትፈጥሮ ዘለኻ ዝምድና ኣካል ዘይኮነ ጽባሕ ኣብ መስርሕ ግና ዘድልየካ ወገን ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣይ እዩ። እዚ ማለት ማእከልካ ስሒትካ ናይ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ብሂል ግዙእ ዘይምዃን። እዚ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ንምውዕዋት ትቃለስ፡ ናብ ምፍዳይ ሕነ ወሲዱ ስለ ዘህውትተካ። ብኻልእ ኣገላልጻ ክትዛመዶ ዝግበኣካ ነቲ ናይ ሓባር ሸቶ ኣብ ምዕዋት ዝሕግዘካ ኣምበር ነቲ ሕነ ከተፋድዮ ዝጽገዓካ ክኸውን ኣይግባእን።

እንገብሮ ዝምድና ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ዘትከለ ክኸውን ይግበኦ። ምስቲ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት እትዛመዶ ኣካል መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልይ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማ በቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስን ኣብ መስርሕ ክፍታሕ ዝኽእልን ፍልልያት ክሰዓርን ክኹለፍን ኣይግባእን። እዚ ንክዕወት ከኣ ተጸሚምካ ናይ ምጉዓዝ ትዕግስትን ጹረትን ምውናን የድሊ። ከምቲ ሰደህኤኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩሉ ክህልዎም ዝኽናይ ፖለቲካ ፍልልያት፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘቅንሓባራዊ ስርሓት ከካይዱ ከምዝኽሰልፍና ይኣምን። ብዝብል ኣብ መትከላቱ ዘስፈሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ዝምድናታት ክጅመሩ እንከለዉ ጸገማት የብሎምን። እቲ ጸገም ዝመጽእ መስርሕ ምስ ተጀመረ ንዘጋጥም ዕንቅፋታት እንዳጸረግካ ክትቅጽል ኣብ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ተመኩሮታትና ኣብ ምሕዝነት፡ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ድማ ነዚ እዩ ዘረደኣና። ቀንዲ መበቆል ናይዚ ጸገማት ድማ እቲ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ስሰዐ እዩ። ኣብቲ መስርሕ እቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ እንዳሰዓረ ናይ ካልኦት እንዳተነጽገ ክኸይድ ናይ ምድላይ ስሰዐ።

ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ እንከለኻ ጥራይ ኢድካ ኣይኮነን። ናትካ ርኢቶን ዓቕምን ወኒንካ ኢኻ ትኣቱ። እቲ ሒዝካዮ እትኣቱ ዓቕሚ ክወዳደር እምበር በይኑ ነቲ ናይ ሓባር ሜዳ ክዕንድረሉ ማለት ከም ዘይኮነ ምርዳእ ከኣ የድሊ። ካብዚ ሓሊፉ ክትዋሳእ ዘይኮነስ ነቲ ካልኦት ዝዋስእዎ ክትዕዘብ ጥራይ፡ ዝእቶ መድረኽ ንዓኻ ኣየርብሕን ንመዋስእትኻ’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ፡ ውድብካ ክትዓሞ ዝግበኣካ ዕዮ ከይዓመምካ ምስ ጸገማትካ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ምእታው እሞ ከኣ ናይ ጸገም ጸገም እዩ። ሓባራዊ መድረካኻት ክሰፍሕን ክጸብብን ከም ዝኽእል ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ናይ 3 ውድባት ናይ 7 ውድባት፡ ናይ 6 ውድባት ናይ 4+1 ውድባት፡ ናይ 4 ውድባት … ወዘተ ዝብሉ ንኹልና ልሙዳት ሓረጋት እዮም። ኣጀማምረኦምን ኣወዳድእኦምን ከመይ ነይሩ ካልእ ኮይኑ፡ እንተዝሕይሉን እንተዝቕጽሉን እውን፡ በበይኖም ነቲ ኩልና ብሓባር ክንፈጥሮ ዝግበናን ንጽዕተሉ ዘለናን ሰፊሕ ጽላል ወይ መድረኽ ዝትክኡ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ክሳብ ነዚ ንብሎ ዘለና ሰፊሕ ጽላል ዘይተጻብኡ ምህላወም ግና ዝንጸግ ኣይኮነን። ዕላምኦም ግና ብኸመይ ተኣኪብና ንመወዳድርትና ነጥቅዕን ንነጽግን ዘይኮነስ ብኸመይ ንእክብ ክኸውን ይግበኦ።

ከም ሰባት ኮነ ከም ንፖለቲካዊ ዕላማ ዝተሰለፈ ውድብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘለውዎ ድሌታት ኣለዎም። እዚ ድሌታትን ባህግታትን”ዚ ብሓንሳብ ዓምጢርካ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ነናቱ ናይ ኣተሓሕዛ ባህርያት ዘለዎ፡ ብበበይኑ ኣገባባት ዝዕቆብ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ድሌታት ከከም ክብደቱን ወሳንነቱን ናይ ቀዳምነት መስርዕ ኣትሒዝካ ጥራይ እዮም ክትግበሩ ዝግበኦም። ድሌታት ቀዳምነታት ክሕዙ እንከለዉ ከምቲ ንህልውና ዘለዎም ጽልዋን ክብደትን ክስርዑ ይግበኦም። ካብዚ ወጻኢ ብሓደ ወስታ ንኹሉ ድሌታተይ ከዕወት ኢልካ ብሓንሳብ ኣብ ብዙሕ እቶን ምስኽታት፡ ሓይልኻ በቲኑ የድከመካ’ሞ፡ ሓዲኡ’ኳ ከየዕውትካ ትተርፍ።

ሰባት በቲ ዝተጠቕሰ ደረጃ ብውልቂ፡ ብጉጅለ፡ ብውድብ ወይ ብማሕበር ክፍታሕ ዝግበኦ ጸገም ወይ ፍልልይ ከጋጥሞም ባህርያዊ እዩ። ነዚ ጸገማት ክፈትሕዎ ወይ ከመሓድርዎ ከኣ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህልውና ጉዳይ’ውን ስለ ዝኾነ። ከምቲ ድሌታትና ከነዕወት መልክዕ ከነትሕዝ ይግበኣና ዝተባህለ፡ ነዚ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ’ውን ነቲ ጸገማት ከከም ክብደቱ ምስራዕን ናይ ቀዳምነታት መልክዕ ምትሓዝን ግድን እዩ። እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝግበኦ ጸገም፡ እቲ እንተተፈቲሑ ንብዙሓት ዘርህው ጸገም እዩ። እዚ ማለት ግና እቶም ካለኦት ጸገማት እውን ግዜን መድረኽን እንዳሓለዉ ኣይፍትሑን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዓብይ ንኹልኻ ዝጸሉ ጸገም ክፍታሕ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ጸገማት ንክፍትሑ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ ከኣ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ንሕና ከም ሓይልታት ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ፖለቲካዊ ድሌታትና ብዙሕ እዩ። እቲ ቀንድን ንኹላትና ዘረዳድእ ድሌትና ከኣ ኣብ ኤርትራ ራህዋ፡ ሰላምን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ዘውሕስ ኩነታት ምፍጣር እዩ። እዚ እንተተረጋጊጹ ኩሉቲ ካልእ፡ እምነት፡ ከባቢ፡ ብሄር፡ ጾታን ቋንቋን ዝመንቀሊኡ ድሌታትና ክመሓደር ቀሊል እዩ። ኣብ ህድእትን ቅስንትን ዓዲ ኩልና ዝኾነት ኤርትራ ኩሉ ድሌታት ናይ ምርግጋጹ ዕድል ክፉት እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ራህዋ ንክወሓስ ከነወግዶ ዝግበኣና ጐንጽታትን ፍልልያትን ኣሎ። ካብዚ ጐንጽታት እቲ ቀንዲ እቲ ኣብ መንጎ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍን ደላይ ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ እዩ። ካለኦት ንሃይማኖት፡ ብሄር፡ ከባቢ፡ … ወዘተ ዝምልከቱ ንኡሳን ፍልልያት እውን ኣለዉና። እንተኾነ እቲ ንኩልና ደለይቲ ለውጥን ራህዋን ኤርትራውያን ዓምጢሩ ሒዙና ዘሎ ሓይሊ ከየወገድና፡ ነዞም ቅሩብነት እንተልዩ ክመሓደሩ ዝኽእሉ ፍልልያት ንቕድሚት ምምጻእ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ሓቢሩ ኣንጻር ዲክታቶር ከድምዕ ዝግበኦ ዓቕምና ዘዳኽም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ሓይልና በታቲኑ ጎብለል ክኸውን ዝሓልም ወጻዒ ጉጅለ ዘህጥር ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግበኣና። ኣብ ኣሰራርዓ ፍልልያት ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ ካብቲ ወጻዒ ጉጅለ ከም ዝቐርበና ከኣ ንቓለዓለም ዘይኮነስ ብልቢ ክንኣምነሉ ይግበኣና። ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሓባር ዓቕምና ኣንጻርዚ ናይ ኩልና ናይ ሓባር ወጻዒ ክቐንዕ ግድን እዩ።

ካብዚ ወጻኢ ከምዚ ብተደጋጋሚ ክረአ ዝጸንሐ፡ ናይ ፍልልያት ኣሰራርዓ ጌጋ ፈጺምና፡ ነቲ ቀንዲ ማእከል ውቅዒትና ጌርና ክንወስዶ ዝግበኣና ጸላኢና ረሲዕና፡ ዓቕምና ኣብቲ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትና ኣተኲርና እንቆራቖሶ ጌጋ ምዃኑ ንረዳእ። ኣብዚታት ከነመዝግቦ እንሕልኖ ሰዓርነት፡ ነቲ መሰረታዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ እንገብሮ ቃልሲ፡ ኣይሕግዞንዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ንህልውና ጉጅለ ህግደፍን ወጽዓኡን እዩ ዘተባብዕ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ዝሓዝና መሲሉና፡ ነቲ ብምክፍፋልናን ዘይምትእምማንናን ዝዕንገል ስርዓት ነሕይል ምህላውና ተረዲእና ናብ ልብና ክንምለስ ናይ ጽባሕ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። “ ናይ ሓባር ዓቕምና፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና” ንብል ዘለና ድማ ምእንቲ’ዚ ኢና።

28 ለካቲት 016

"لكي يعرف الشعب الارتري ما يصلحه و ما لا يصلحه ومن ثم ليناضل، لابد له من التوعية والتنظيم" شعار قديم متجدد ظللنا نردده من أزمان سحيقة. نعني بالتنظيم أو التأطير خلق مؤسسة أو إطار أو جسم سياسي يضم في سلكه الأشخاص المحددين المناضلين من أجل قضية معروفة محددة الملامح، والتنظيم وسيلة لتحقيق هدفٍ ما وليس هدفاً في حد ذاته، كما أن من المعلوم سلفاً فإن ما تختطه التنظيمات من سياسات وما تتخذه من مواقف لا يعني في المقام الأول إلا عضوية التنظيم المعني ولا يلزم المواطنين الآخرين خارج إطاره، هذا لا يعني أن عامة الشعب خارج التنظيم لا يـُــعـْــنـَـى أو يتأثر بسياسات ومواقف التنظيم، لذا من العجز والتقصير السياسي أن لا يهتم التنظيم بشؤون الشعب الذي يناضل من أجله ولا يسعى الي ترسيخ مبادئه وبرامجه السياسية في أوساط الشعب. كما أن عملية تمتين وبناء التنظيم وتثقيف العضو عملية مستمرة ومواكبة لا تتوقف. كذلك علي أي تنظيم ألا يتجاهل أن تفويض الشعب لأي تنظيم يوهب من قبل الشعب ولا ينتزع عبر القوة الجبرية كما تفعل بعض القوى أو التنظيمات السياسية. أما سعي التنظيم الي إقناع الشعب بمبادئه فأمر مسموح به لا يعترض عليه أحد.

 

التنظيم أو التأطـُّــر قوة. ولا يتحول التنظيم أو التأطير الي قوة إلا إذا كان يحمل مبادئ تراعي مشاعر الشعب وترعى مصالحه، أما السياسات والمبادئ الانطوائية الضيقة غير المنحازة للشعب فلن تزيد التنظيم إلا بعداً وعزلةً عن الشعب. لذلك فإن مبادئ تنظيم بعينه أو اتفاقات مشتركة بين أكثر من تنظيم لابد لها من النزول الي قواعد الشعب لتحظى عنده بالقبول أو تنال منه الرفض. وكل مبادئ أو اتفاقات تظل عالقة علي المستويات التنظيمية الأعلى ولا تنزل الي المستويات الشعبية الدنيا ستظل عالقةً في الهواء لا تجلب أية مصلحة للتنظيم. علي أن الإنزال للقواعد ليس مجرد عمل آلي، بل يجب أن يكون عملاً مركباً ومفيداً يتمثل في استلام رد الشعب وانطباعاته عن ما ينزل اليه من معلومات وتعاليم ومن ثم إدخال رد فعل الشعب في الاعتبار للتحسين والتعديل في السياسات والبرامج السياسية المقبلة حسب رؤية ورغبة الشعب. وحتى عندما يدَّعي التنظيم أو الحزب أن برنامجه يمثل حتى من هم خارجه من أفراد وقطاعات الشعب فالذي يحكم له بقبول ذلك أو رفضه هو الشعب.

 

إن ما يعطي تنظيماً أو حزباً القبول الشعبي هو ما يطرحه من رؤى وأهداف سياسية، إن التنظيم الذي يلتزم بالتطبيق الموضوعي لبرامجه وسط عضويته لكفيلٌ بأن يحظى بقبول الشعب ويحوز علي إعجاب كل من هو خارجه، وكل تنظيم أو حزب خرِبْ من الداخل لا يمكن أن يتوقع الحصول علي رضا الآخرين خارجه. في مسرح نضالنا من أجل الديمقراطية والعدالة قد يظهر اختلاف علي معايير منح لقب التنظيم أو الاعتراف بتنظيمية ذلك التنظيم. إن دور التنظيم في ذلك العمل أو المسرح النضالي هو الذي يحدد ما إذا كان التنظيم تنظيماً أم مجرد مجموعة عددية من البشر، أم تنظيماً سياسياً أم منظمة أو جمعية مدنية.

 

للتنظيمات بينها وبين بعضها البعض سياسات تتفق أو تختلف عليها، وهذا الاختلاف والتعدد ما ظلَّ معترفاً بحق التعدد السياسي يعتبر مظهراً من مظاهر الديمقراطية علينا مراعاته والاعتراف به وحسن إدارته. ذلك أن التنظيمات يمكنها العمل معاً فيما تتفق عليه وعرض ما تختلف عليه علي الفيصل بينها الشعب الذي هو المرجعية الأخيرة. وكل رؤية تجد أكبر عدد من المناصرين تكون هي صاحبة السيادة لأنها فازت برضا الشعب، وعلي المغلوب في المنافسة الحرة بين البرامج أن يعترف ويقبل بالنتيجة بكل ثقة وسرور، علي أن يكون حق الإدلاء بالرأي الموافق أو المخالف محفوظاً. هذا بالطبع من الناحية النظرية أمرٌ سهل، لكن أثبتت التجارب أنه ليس سهلاً من الناحية التطبيقية، إلا أنه مهما كان ذلك شاقاً فلا بديل سياسي أفضل منه، فسياسة تسليم المهزوم سياسياً بهزيمته والتمتع بحق إبداء الرأي مع الانصياع لرأي الأغلبية أفضل من خوض أي مغامرات عسكرية أو مدنية غير مأمونة النتائج ناهيك عن تكلفتها المادية والبشرية الثقيلة.

 

ماضينا كان ولا يزال يحمل مبدأ أن كل شيء للمنتصر ولا شيء ولا مكان للمهزوم. وهذا لم يقتصر علي ما نعيشه اليوم فحسب، بل يمتد الي حقبة الأربعينيات والثورة التحررية، إن التحدِّي المعيق الماثل أمامنا هو قدرتنا علي النجاح في إدارة اختلافنا وتنوعنا وتعددنا.، فبإصرارنا علي سياسة المنتصر والمهزوم والقاتل والمقتول خسرنا ولا زلنا الكثير. ولا يوجد حتى الآن ما يوحي بأننا قد تعافينا من هذا الداء القاتل، فكل مبادراتنا بدلاً من أن تكون إيجابية جامعة تكون علي العكس سلبية مفرِّقة، إننا في غمرة نشوة الانتصار المحدود ذي الطرف الواحد والمائل الذي نحققه منفردين مقصين زميلنا في الهم والعمل قد يغرينا بعض الشيء، لكن يجب أن نعلم أن ما نحققه منفردين كان سوف يصير أكبر وأجمل وأقوى إذا كنا حققناه بكتلة متحدة من المجهودات المتعددة الألوان. فالعمل والمجهود الفردي معروف بالمحدودية وقلة الكفاءة وقـِــصـَـــر النفـَـس.

 

عند تأسيس المجلس الوطني للتغيير الديمقراطي قال حزب الشعب الديمقراطي الارتري: "إننا نرى خللاً في التحضير للمؤتمر أو الملتقى الجامع، وما لم نعالج هذا الخلل، سوف نضيع الوقت في غير طائل، لذا فلنجلس لنعالج الخلل بهدوء ولا نبخل بوقتنا علي المعالجة"، لكن رفاقنا أصحاب الدعوة بحجة ضيق الوقت رفضوا دعوتنا، لذا ومنذ ذلك اليوم وحتى الوقت الراهن أُشـْــهـِــرَتْ في وجه حزبنا الكثير من السيوف. بل عرض علينا الانضمام غير المشروط للاستظلال بمظلة المجلس المقام دون مشاركتنا فيه، وأنه لا يحق لنا المطالبة بتكوين مظلة ائتلافية جديدة، لكننا لم نذهل من ذلك التصرف ونفقد البوصلة، ومن أقصونا وساروا متباهين بنصرهم المؤقت لم يصلوا الي مبتغاهم كما ينبغي، لكن تطرقنا اليوم الي ذلك ليس للشماتة والتشفي والتباهي بصحة تنبؤاتنا بل لاستخلاص العبر والدروس.

 

 

اليوم في لقاءاتنا الرسمية وغير الرسمية عندما نتناقش مع أصحاب الهم الارتري حول الوضع المقلق لمعسكر المعارضة الوطنية، غالباً ما نتفق علي أن الحاجة الي إقامة مظلة وطنية نضالية جامعة ما تزال ماسة، علي أن تكون مظلتنا هذه جديدة، متعظة بدروس سابقاتها، مبنية علي نقاط الاتفاق، الكل مشارك في تأسيسها لا اللحاق بها وهي مؤسسة قائمة، الكل يشعر بالانتماء اليها وأنها بعيدة عن الحسابات والفخاخ السياسية، واضعين في الاعتبار رغبات شعبنا ومحدودية إمكاناتنا والظروف المحيطة بنا وما تتطلبه من تغيير نحو الأفضل. قد نختلف في الرغبات، لكن الرغبات المختلفة إذا اتفقت علي ضرورة مراعاة المسئولية الوطنية والظروف السائدة لن يستحيل الجمع بينها علي أدنى أو أعلي ما يمكن الاتفاق عليه، أما التقوقع علي الرغبات الذاتية فقط دون الالتفات الي العوامل الموضوعية والظروف السائدة فلن يؤدِّي الي شيء سوى الرهق والخسارة.

 

نحن في معسكر المعارضة العاملة في المنفى لم نعد قادرين علي التفاهم وتبادل الرأي مع شعبنا الذي هو صاحب النصيب الأوفر من أسهم التغيير الديمقراطي الذي نسعى اليه ونتبنى قضيته. لكننا لا شك لا يزال يجمعنا بشعبنا الرغبة والمصلحة في النضال ضد الدكتاتورية القمعية الغاشمة. وإذا لم تجمعنا قاعة لقاء واحدة يجب أن نتابع ونتواصل معاً عبر مختلف الوسائل لنقرأ أفكار ورغبات بعضنا البعض. ومن وسائل ذلك أن كل اتفاقٍ وائتلافٍ بيننا يجب أن يضع في اعتباره لهفة شعبنا للوصول الي التلاقي بين مكونات المعارضة داخلاً وخارجاً، سياسياً ومدنياً، وحراكنا وإن كان ليس بالضرورة مباشراً وفي ملتقىً مكانيٍّ وزمانيٍّ واحد إلا أن خطواتنا في ذلك الحراك ليست بخافية علي شعبنا فهو مراقب حصيف. إن كل سبيل لا يقود الي الشعب وتلبية رغباته، يعتبر سبيلاً أخرق لا يؤدِّي الي النجاة ولا النجاح مهما ادَّعى ذلك نظرياً واستعرض عضلات البلاغة الخطابية والكتابية.