EPDP Editorial

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ውግእ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና፡ ኩለ-መዳያዊ ዕንወትን ህልቂትን  ስለ ዝኾነ፡ ዝምረጽ ፖለቲካዊ  መፍትሒ ኣይኮነን። እንተኾነ መሰረታዊ ናጽነትካን መሰልካን ምስ ተገፈፈ፡ ነዚ ንምምላስን መንነትካ ንምውሓስን ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ እተኣትዎ ውግእ ኣሎ። እዚ ከኣ ቅኑዕ ውግእ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዕድላት ምስተዓጽዎን ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝኣተዎ እሞ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ዘዐወቶ ውግእ ናይዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብነት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እናተዘከረ ዝነብር ዓብይ  ቦታ ዘለዎ ፍጻመ እዩ።

ብኣንጻርዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ዶብ ሰጊርካ ዝግበር፡ ህዝባዊ ረብሓ ዘየውሕስ ውግእ ዘይቅኑዕ እዩ። ዘይቅኑዕ ውግእ ኣብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ዘይተሰረተ ስለዝኾነ ተሰዓርነቱ ዘይተርፍ እዩ። ተኸታተልቲ ገዛእቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምካን ብዘይፍትሓዊ፡ ተደጋጋሚ ወራራትን  ውግኣትን ኣካይዶም መወዳእትኦም ከኣ ስዕረትን ፍሽለትን ኮይኑ። እዚ ቅኑዕ ውግእ ኣብ ልዕሊ ዘይቅኑዕ ውግእ ምዕዋቱ ከምዘይተርፍ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘረጋገጾ ተመኮሮ ኢዩ።  ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብ ዕሸል ክሳብ ብዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ብዘይብቑዕ ወተሃደራዊ ትምህርትን ነብስኻ ናይ ምክልኻል ዓቕምን ጉልበትን ተገዲዶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ኢድ ኣእታውነት፡ ንህዝቢ ኢርትራ፡ ክሳራ፡ ሞትን ሕፍረትን’ምበር፡ ካልእ   ዘምጽኣሉ ክብሪ፡ መኽሰብን ዓወትን የብሉን 

ጉድኣት ውግእ፡ እቲ ውግእ ከቋርጽ እንከሎ ሽዑ ዝሓዊ ኣይኮነን። ስንብራት ገዲፉ ስለ ዝሓልፍ፡ ንዘኸተሎ ሞት፡ ስንክልና፡ ምምዝባል፡ ዝዓነወን ዝተዘምተን ንብረትን ዝፈረሰ ትሕተ-ቅርጻን፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቁስልን ጽልእን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ንምምላሱ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ሓላፍነታዊ ሕድገትን ኣዝዩ ዓሚቕ ኣስተብህሎን ዘድልዮ እዩ። እዚ ናይ ሕውየት መደብ ህግደፍን ኣሳሰይቱ ሓይልታትን እናሃለዉ ክትግበር ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ክሳብ ዘለዉ ውግእን ዕንወትን ውሁብ እዩ።

ሎሚ ኤርትራውያን ንውግእ ብዝምልከት ክልተሻብ ኢና ንረአ ዘለና። ኣብ ሓደ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ናጽነትናን መሰልናን፡ ንምዕቃብ መተካእታ ምስ ሰኣና ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእና ተዓዊትና። በቲ  ንካልእ ሓይሊ ዘይኮነ ንሓቅን ርትዕን ተኣማሚና ዘመዝገብናዮ ዓወት ናይ ጽንዓትን ዘይምርብራብን ኣብነት ኮይና ተገሊጽናን ተሓቢንናን። ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ብምእታዉ ንኤርትራ መዛረቢ ገይርዋ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነቱ ዝወሃቦ ዘሎ መግለጽን ሚዛንን ድማ  ብኣንጻርቲ ናይ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት፡ “ኣብዘይጉዳዩ ዝኣተወ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ” ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ዘሕፍርን ርእስኻ ዘድንን እዩ።

ሎሚ እቲ ቅድም  ምእንቲ መሰልናን ናጽነትናን ሳላ ዝተቓለስና ዘተባብዓናን “ኣጀኹም” ዝብለናን ዝነበረ ሕብረተሰብ ዓለም፡ “ካብቲ ዝወረርኩምዎ ሃገር ውጹ” ብዝብል እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ዘጠንቅቖ ዘሎ። እቲ ናብ ትግራይ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ኢና ኣቲና ዝበሃል ንህዝቢ ኤርትራ  በታ የዋህነቱን ፍቕሪ ሃገሩን  ኣቲኻ ከተዕሽዎ ንምፍታን እንተዘይኮይኑ ሓቅነት የብሉን። ንልኡላውነትና ኣስጋኢ ዝኸውንስ እዚ ድሕሪ ዘሊልካ ናብቲ ውግእ ምእታው ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘራኽብ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተዛዘመ፡ ኣብ መሬት ቀዋሚ ምልክት ምንባር ጥራይ ዝተረፎ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡  ኣይኮነንዶ ከዋግእስ ከቋይቕ ዘይግበኦ ጉዳይ እዩ ዘለና።

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ደገፍቲ ብልጽግና ኣብ ትግራይ የካይድዎ ኣብ ዘለዉ መሬት ናይ ምሽማው ውግእ ኤርትራውያን ተዋጋእቲ ስለ ዘድለይዎም፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ቅኑዕ ኣምሲሎም ንምቕራብ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ኤርትራ ንጉዳያ እምበር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኢላ ኣይኮነትን ናብ ትግራይ ኣትያ ዝብሉ ወገናት ከኣ “ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ምስ ተተኮሰ እያ ኣትያ”   እዮም ዝብሉ። እዚኣቶም ናብ ኣስመራ ሚሳይል ዝተተኮሰሉ ዕለትን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ  ዝወረረሉ ግዜን ዘይተረድኡ ወይ እናተረድኡ ክሓብኡ ዝደልዩ እዮም። ሎሚ ኣብ ትግራይ ብሰንክ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝሳተፎ ዘሎ ውግኣት ካብ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓድታትን ትካላት ሲቪላዊ ኣገልግሎታትን ምፍራስ ጀሚርካ፡ ክሳብ ሰባት ሰሪዕካ ምርሻን ኣብ ልዕሊ ሲቭል ሰባት፡ ዘይተነግረ እንተዘይኮይኑ ዘይተፈጸመ ግፍዒ የለን። ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ታሪኽ ደማውን ኣጽናትን ውግኣት፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት፡ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ ዝብልዎን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘየገድስ ብሰብኣውነት ደጋጊሞም ዝኹንንዎን ዘለዉ።

ደረጃታቱ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሖ ወጽዓ ኣብ ዝለዓለ ሕሰምን ሓደጋን እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዘሎ ናይ “ደቅኹም ንውግእ ኣቕርቡ-ኣይነቕርብን” ግብግብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ሕጊ ዘይኮነ፡ ሓይልን ዓመጽን ስለ ዝኾነ፡  ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግዝያዊ ዓወት የመዝግብን ህዝብና የንብዕን ኣሎ። እዞም ሎሚ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕቶም ደቂ-ደቂ እቶም ናይ ነጻነት ስዉኣት ምዃኖም ድማ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ  ኣብ ግጉይ መንገዲ ተኹድድ ከምዘላ  ዘረድእ እዩ። ወያ ኣብቲ ናታ ውግእ ዘዕጠቐትን ዘስነቐትን ሓቦኛ ኤርትራዊት ኣደ፡ ሎሚ በዓል ቤታ፡ ወዳ ወይ ወዲ-ወዳ፡ ጓላ ወይ ጓል-ጓላ፡ ብሓይሊ ናብ ዘይልከቶም ውግእ ስለ ዝተወስዱ ንብዓት ተነጺፋ ትሓድር ኣላ። ከምቲ “ዓሻ ሰበይቲሲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝበሃል፡ ነዚ እናሰመዓ፡ “ኩራዕ መንደላይ” እናተደርፈለን ብባንዴራ ኢትዮጵያ ተሰንየን ክስዕስዓን ክዕልላን ዝሓድራ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣደታት ምህላወን: ክሳብ ክንደይ ገለ ኤርትራውያን ካብ ንቡር  ሰብኣውነት ወጺአን ምህላወን ዘርኢ እዩ። ንሳተን ጥራይ ኣይኮናን፡ ዲኖ ለቢሶም  ዋልታን ሴፍን ገቲሮም ኣብ ጎደናታት ዝፍክሩ ዝገደዱ’ውን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓንሳብ ስለ ዝተጸለሉ ዘኽፍኣሎምን ዘጸብቐሎም ኣይፈልጡን እዮም። ንዓና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ግና የሕፍረና።

ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝተሰምዐ ጭንቂ ኤርትራውያን ኣደታት ዘርኢ ተረኽቦ ንጥቀስ፡ “ኤርትራዊት ጓል ክልተ ስዉኣት እያ። ክንድሰብ ምስኮነት ተመርዕያ ወሊዳን። ሰብኣያ ኣብቲ ናይ ቅድም ውግእ ተሰዊኡ። ካልኣይ ሰብኣይ ምስ ተመርዓወት  ከኣ: ኣብዚ ናይ ሎሚ ናብ ትግራይ ክኸትት ተድልዩ ኣይተረኽበን። ድሕሪዚ ንሳ ሰብኣያ ከተረክብ ስለ ዘይከኣለት፡ መንበሪ ገዝኣ ተዓጽዩ ምስ ውላዳ ኣብ ማእከል ጐልጐል ተደርብያ።” እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራዊ’ውን ከም ዘረኻኸበሉ ዘርኢ ኣብነት’ዩ። እሞ ነዚ ዝዕዘብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራሲ  “እዚ ኩሉ ግፍዒሲ ኣብ ምንቲ ምንታይ” ክብልዶ ኣይግበኦን?

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምምሕዳር ህግደፍ ንምድንጋር ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ፡ ምሕባእ ሓቂ  እዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕርብ ርትዓዊ ምኽንያት ስለ ዘየብሉ ምርጫኡ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታት ኣተሓሳስባኡ ምሕባእ እዩ። ብመሰረቱ ካብ ህዝቢ ዘሳትፍ ግሉጽ ሕገመንግስታውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ዝሃድመሉ ምኽንያት እውን ምሕባእ ስለ ዝለመደ እዩ። ብመንጽር’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ከም ዶባት ሰጊርካ ኣብ እንዳማትካ ሃገር ውግኣት ምእታው ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ሚኒስተራት ኮነ ኣንበሳድራት  ሃገሩ ክሽየሙን ክወርዱን እውን ሓበሬታ ኣይረክብን እዩ። እዚ ዘመልክቶ ድማ እታ ሃገር ናይ ህዝባ ክነሳ፣ ናይ ውሱን ብሕቡእ ዝውስን ኣካል ንብረት ኮይና ምህላዋ  እዩ።  ህግደፍ ነዚ ዘይግሉጽ ተንኮላቱ ክቕጽል ዝገብርዎ ድማ፡ እቶም   ነዚ ንህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘለዎ ናይ ምፍላጥን ምውሳንን መሰል ዝግህስ ኣካይዳ ከም ናይ ብልሑ መግለጺ ገይሮም ዝርድእሉ፡ ዕዉራት ደገፍቲ ወገናት ስለ ዘጣቕዕሉ እዩ።

ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ዘለዎ ዝምድና ናይዚ እዋንዚ ሓባኢ ባህሪኡ ዘርኢ ኣብነት እዩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ የዳኽር ከም ዘሎን ሰራዊት ህግደፍ ከኣ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣብ ትግራይ  መዝሓሊ ጥይት ይኸውን ምህላዉን ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ነቲ ጉጅለ ከጸባብቕሉ ክብሉ ነቲ ርኡይ፡ ከምዘይርአ ንምግባሩ ዝጽዕቱ ሕልናኦም ዝተደፈነ ውሑዳት ኤርትራውያን ጌና ኣለዉ። ነቲ ኣብ ማእከል ትግራይ ኮይኖም ብዛዕባ ውግእን ዝምታን ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕዶም ክዘራረቡ እንከለዉ ዝተሰምዐ ድምጺ ዋናታቱ ዘይሓፈርሉስ፡ ኣብ ክንድኦም ክሓፍርሎምን ክኽውልሎምን “ሰራዊት ኤርትራ  ኣብ ዶባት ኮይኑ እዩ መሬቱ ኣምሊሱ ዝሕልው ዘሎ” ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ግና ነዞም ዘየብሉ ኣውንታዊ ምስሊ እናሃቡ ከጸባብቕዎ ዝፍትኑ ወገናት ዘውርይዎ ከይተገደሰሉ  ክሳብ ጎንደርን ሑመራን በጺሑ እዩ።

ዘለናዮ ዘመን ስልጡን ስለ ዝኾነ፡ እቶም ዘመኻንይሉን ዝሓብእሉን ድኸሙ ኢልዎም እምበር፡ ዓለም እውን ካበይ ናበይ ምንቅስቓስ ሰራዊት ህግደፍ ብቐጻሊ ትከታተሎ ዘላ እዩ። ድሮኳ ብዙሓት መንግስታት ሰራዊት ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ምርድአን  ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ኣዕናውን ደማውን ውግእ ቀላሳይ ግደ ከም ዘለዎ ተረዲአን “ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊልኩም ውጹ” ክብላ ደጋጊመን የጠንቅቐኦ ኣለዋ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ዘይኮነ፡ ናብ ከተማ መቐለ ንምእታው ብወገን ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን እናተዋግኡ ዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናይ“ንዓና ርኢኹም ተቐጽዑ” መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። እቶም ኤርትራውያን ምሩኻት ኣብ ግዜ ምምራኾም ዘጋጠሞም ጸገማት፡ ናብ ውትህድርና ዝተመልስሉ ኣጨናቒ መስርሕ፡ እቲ ናብ ውግእ ክኣትዉ እንከለዉ ዝተነግሮምን ኣብቲ ውግእ ዝጸንሖም ኩነታትን ፍልልዩ፡ ናይ ሰማይን ምድርን ምዃኑ ይዛረቡ ኣለዉ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ኣብተን ዝነበርወን ኣሃዱታት ዕሸላትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ኤርትራውያን ከም ቆጽሊ ከም ዝረገፉ ምሕባሮም እዩ።

ስድራቤት ናይዞም ግዳያት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሻቕሎት ከም ዝህልዉ ርዱእ እዩ። እቲ  ስርዓት ኣገዲዱ  ናብ ውግእ ምስ ኣእተዎም፣ ዝማረኹን ዝሞቱን ዘለዉ ኤርትራውያን ብዘይኣላይን ዓንጋልን ዝተረፋ ስድራቤታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰል ቅልውላው ከም ዝህልዋ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እቶም ምሩኻት ዝገልጽዎ ዘለዉ ሻቕሎት እውን ንሱ እዩ። ናይቶም ክተቱ ምስ ተባህሉ ዘይተረኽቡ  ስድራቤታት ከኣ፡ ብዝገደደ ኣባይቶም ተዓጽዩ፡ ንብረቶም ተወሪሱ ገሊኦም ኣብ በዓትታት ክሰፍሩ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ክዳጐኑ ተገዲዶም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም እውን ዘእውያሉ ዘለዋ ናይ ሕማቕ ዘበን መርኣያ እዩ።

እቶም ሓባእቲ ግና ሕጂ እውን ነዚ ዝድህሰስ ሓቂ ምቕባል ስለ ዝተጸገሙ፡ ነቶም ድምጾም እናተሰምዐ፡ ምስሎም እናተራእየ፡ ካብ ቁሸቶም ጀሚሮም ክሳብ ኣውርጃኦምን ዝነበርወን ኣሃዱታትን እናጠቐሱ ዘጋጠሞም ዝገልጹ ዘለዉ ምሩኻት ይኽሕድዎም ኣለዉ። “ወያነ ብናታ ተጋደልቲ እያ ድራማ ትሰርሕ ዘላ፡” ኢሎም ንከእምኑ ደቂ ዓድዋ፡ ኣኽሱም፡ ሽረን ዓዲ ግራትን ኣምሲሎም ከቕርብዎም  ህርድግ ይብሉ ኣለዉ። ሓንቲ በዚ ርኡይ ናይ ምሕባእ ሃቐነ ዝተገረመት ኤርትራዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መድያ፡ “ሕራይ ነቶም ትግርኛ ዝዛረቡስ ናብተን ትግርኛ ዝዝረበለን ኣውራጃታታት ትግራይ ከጸጋግዕዎም ፈተኑ፡ ነቶም ትግረ ዝዛረቡኸ ናበይኮን ከእትዉዎም ይኾኑ?” ዝበለቶ ዘገርም ኣብነታዊ ኣበሃህላ እዩ።

ብዙሓት ወገናት ኣብ ትግራይ ዝእጐድ ውግእ ሳዕቤኑ መሊኡ ናብ ኤርትራ ከም ዝፈስስ ከጠንቕቑ ጸኒሖም እዮም። ብኣንጻሩ ህግደፍ ብግጉይ ሓበሬታ  ዘስከሮም፡ እቲ ውግእ ናብ ኤርትራ ከምዘይልሕም ክገልጹ ስለ ዝጸንሑ ምምራኽ ሰራዊት ህግደፍ ጸላዕላዕ ክብሎም ናይ ግድን እዩ። ገለ እውን ከምቲ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝበሃል፡ “ኤርትራዊ ኣይማረኽን እዩ” እናበሉ ክምክሑ ስለ ዝጸንሑ፡ ነቶም ምሩኻት ዓዲ ክቕይርሎም ዘይዕወት ፈተነ የካይዱ ዘለዉ። “ቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ”  ከም ዝበሃል፡ እቶም ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ውግእ ነጋሪት ክወቅዕ እንከሎ ”ምሳኻ ኣለና” ዝበልዎ፡ ካብቲ ስኽራን ወጺኦም ከም ሳዕቤን ውግእ፡ ሞት፡ ኣካል ምጉዳልን ምምራኽን ከም ዘጋጥም ክርድኡ ቅሩባት ክኾኑ ምተገበኦም። ጉጅለ ህግደፍ ግና በቲ ኣቐዲሙ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ እዩ ዝሰግሮ።

ኣብ ሃገሩ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ዝኸውን ብዓይኑ ዝርኢ ዘሎን ናይቲ ብሰንኪ ሓባኢ ፖሊሲ ህግደፍ ዝወርድ መከራ ቀጥታዊ ተሰካምን ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሳዕቤን ብስግኣትን ሽቁርርታን ክጽበዮ ዝጸንሐ  እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ንሃላሊ ኣካይዳ ህግደፍ ክመልሶ ከምዘይክእል ምስተረደአ፡ ንገዛእ ርእሱን ደቁን ካብዚ ውግእ ንምግላል ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ግና ነብሶምን ደቆምን ኣብ ውሑስ ሃገራት እንዳነበሩ ነቲ ኣብ ዓዲ ካብ ዘለዉ ስድራቤቶም ዝሰምዕዎ ጨንቂ ጸማም እዝኒ ሂቦም፡ “ቀጽል ጥራይ” ኣብ ክንዲ ዝብሉ፡ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ወገኖም ክናበቡ መምሓረሎም። ስለዚ ሎሚ እውን “ካብ ተሪፉስ ደንጉዩ ይሓሽ” እዩ ዝበሃል እሞ፡ ኣንጻር ሓቂ ካብ ምስላፍ ክወጹ ንጽውዖም። ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ሓዊ ሒዙ ክኸዶም እንከሎ ማይ ዝዓመኹ ከም ዘይጽበይዎ ኣስተብሂሉ “ወራር ምምካት ሓላል’ዩ፡ ወራሪ ምዃን ግና ሓራም’ዩ” ክብል ነዘኻኽሮ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

በብግዜኡ ብዛዕባ ሃገርና ዝዝረብን ዝጸሓፍን ብዙሕ እዩ። ብዙሕ ጥራይ ዘይኮነ ትሕዝተኡ እውን በብዓይነቱ እዩ። ዝሓቖፎ ኣውንታውን ኣሉታውን መልእኽትታት’ውን ኣለዉዎ። ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓን መግዛእትን” ኢሉ፡ ንቃልሲ ምስ ወሰነ፡ ብሓቅነት ሕቶኡ ዝበልጾም፡ ብሰብኣውን ነጋራዊ ዓቕምን ግና ዘይወዳደሮም ሓይልታት ስዒሩ ናጽነቱ ምውሓሱ ካብቲ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን በሪኹ ዝግለጽ፡ መመሊሱ ዝኹላዕ እምበር፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዘይሃስስ ኣወንታት እዩ። እዚ ኣውንታዊ  ታሪኻዊ ዓሚቕ  ነብሱ ዝኸኣለ መግለጺ ዝርዝራትን ምስጢራትን ድማ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ብዛዕባ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝዝረቡን ዝጸሓፉን ነቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ኣወንታዊ መልክዕን ትሕዝቶን መሊሶም ዝኹልዑን ዘሕድሱን ክኾኑ መተገበኦም፡ ግና ኣይኮኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ንዝሓለፈ ኣውንታ ዝድውኑን ንድሕሪት ዝመልሱን ምዃኖም ድማ የሕዝን። ስለዚ ድሕሪ ናጽነት ብዛዕባ  ኤርትራ ዝዝረብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሕበን ርእሱ ከድንን ብዘገድድ ኣሉታታት ዝተዓብለለ እዩ። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ በኹሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተረከበ ኤርትራዊ ጉጅለ፡ ዝኣተዎ ቃል ኪዳንን ሕድርን ሰማእታት ዘይምኽባሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ከብቅዕ ብዋጋ መስዋእቱ ክረኽቦ ዝተጸበዮ ጸጋታት ዘምርካቡ፡ በብግዜኡ ንዘቕረቦም ኩለ-መዳያዊ ሕቶታት መልሲ ዘይምርካቡን ናይ ግዜ ቃልሲ ቁጠባዊ ቁስሉ ዘሕውየሉ ኩነታት ዘይምፍጣሩን  ኤርትራ ብኣሉታ ንክትግለጽ ካብ ዝደረኹ መምዘንታት ንኣብነት ዝጥቀሱ ነይሮም ጌና’ውን ኣለዉ። እዚ ዘይተጸበዮ ዕንቅፋታት ዘጋጠሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገሩ ናይ ምህናጽ ዓቕምን ቅሩብነትን ሓጺርዎ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ዘየናሕሲ ጭቆና ናይቲ ሕሱም ኤርትራዊ ጉጅለ ምዃኑ ከኣ፡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣዛራቢ ገይርዎ። እዚ ተርእዮ ኣሉታዊ ኣንፈት ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነ፡ “ኤርትራዊ፡ እናበሉኻ ኣይትጋገ”  ዝሕመረቱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ’ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ካብ ቅድም ጀሚሩ ነቲ መልእኽቲ ግቡእ ኣቓልቦዶ ሂብዎ? ንዝብል ግና ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ሓደ ከይበልካ ክልተ ኣይባሃልንዩ” ኢሉ ዝምስሎ፡ ብናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታቱኳ ቅሱን እንተዘይነበረን ጌና ሎሚ’ውን እንተዘይኮነን፡ በቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብደሙ ደሓር ድማ ብረፈረንደም ብ99.83 ሚእታዊት ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጹ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝሰረቶ ልኡላውነቱስ ስኽፍታ ኣይነበሮን። በዚ ስለ ዝደዓዓስ ከኣ ነቲ ድሕሪኡ ክመጽእ ዝነበሮ ራህዋ፡ ሰላምን ዕቤትን እምብዛ ኣይተሃወኸሉን፡ ቀልጢፉ መጻኢኡ ኣየማዕደወን። ነዚ ናይ ህዝብና ሓላፍነታዊ ሓልዮትን ልቢ ምዕባይን  ብህግደፍን መራሕቱን ክብርን ክብደትን ኣይተዋህቦን። ሕሉፍሓሊፉ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ እናዕሸኻዕለለ፡ “ዘይትግበር ቃል እናኣተኻ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ይከኣል እዩ” ዝብል ሓደገኛ ስኽራንን ትዕቢትን ሓደሮ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ጉጅለ በዓል ደሓኑ ከም ዘይኮነ ክርዳእ በቒዑ እዩ። እነሆ ከኣ ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ክሸፋፍኖ ብዘይክእል ደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ዓወቱ ዘይተርፍ ቃልሲ ይርከብ።

ኩነታት ሃገርና  “ይሓይሽ እንተበልናዮስ ዝገደደ” ኮይኑ፡ ብ2018 ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዕርከነት ተፈጢሩ። እቲ እዋን “ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መጺኡ” ዝብል ዛዕባ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ከይተረፈ ኣዛራቢ ዝኾነሉ እዩ ነይሩ። ኣወንታዊ መልእኽቲ ናይቲ ለውጢ  ኣብ ኢትዮጵያ ከይተደረተ፡ ናብ ኤርትራ እውን ጽልዋ ከሕድር እዩ ዝብል ድማ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ኮይኑ ቀሪቡ። ብግብሪ ግና እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ለውጢ ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድር፡ ነብሱ ክኢሉ ናይ ምቕጻሉ ዕድል ጸልሚቱ፡ ካብ ዲክታተር ኢሳያስ ጀሚርካ፡ መፍቶ ጸረ ለውጥን ህዝብን ወገናት ኮይኑ ይሰሓግ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ነውጺ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘሕዝን ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ናይ ምምሕዳር ክፋእ ናብ ኢትዮጵያ እውን ምልሓሙ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ናይ ጸገማት መፍትሒ ጌርካ ብምውሳድ፡ ህልቂት ህይወት ብዙሓትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ምዕዳም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቀጻሊ ውግእ ብዘኸተሎ ኢትዮጵያውያን ተገፊፎም ናብ ውግእ ክኣትዉ ይግደዱ ምህላዎም እውን ካልእ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘመሳስላ ዘሎ እዩ። ስለዚ ኢሳያስ ህውከትን ምልክን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢና’ውን ክትግበር ዝተማህዘሉ  ፖሊሲኡ ዳርጋ ክንድቲ ዝደለዮ ክበሃል ብዝከኣል ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕዊትዎ እዩ።

ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት መርህ-ኣልቦ ሽርክነት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢድ ኣእታውነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይን ሃንዳሲ ብጽሒት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ውግእን ብቐዳምነት ዝጥቀስ እዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር፡  ገለ ወገናት ከም ዝግምትዎ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዕጥቁ ናብ ኤርትራ ኣትዩ’ሎ። ናይዚ ሰራዊትንዚ ብኽንድዚ ብዝሕን ኣጽዋርን ምእታው፡ ንትግራይ ብወገን ኤርትራ ንምውራር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘኸትሎ ዝተደጐለ ሓደጋ ከይህሉ’ውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ካብቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻትን ኣደባባያትን ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ዘስመዖ ዝነበረ፡ ናይ ሃገር መራሒ ክትብሎ ዘሕፍር መደረታቱ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንመራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንቃለዓለም ዘይኮነ ካብ ልበይ ሓሲበሉ እየ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘየፈልጡ እዮም” ዝበሎ፡ ምስዚ ሎሚ ንከታተሎ ዘለና ኣራግጽ ኣእላፍ  ወተሃደራት ኢትዮጵያ  ተደሚሩ፡ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ዝድርዕ እዩ። እዚ ስግኣትዚ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ከኣ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ምስቲ ኣብ ሓምሳታት ናብ ኤርትራ ብምስምስ ምስ ዝኣተወ፡ ክሳብ ብቅልጽም ኤርትራውያን ዝድምሰስ ዘይወጸ፡ 2ይ ክፍለ ሰራዊት (ሁለተኛ ክፍለ ጦር) ዝበሃል ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ የመሳስልዎ። እዚ እዩ  ከኣ  እቲ “ኤርትራዊ፡ “ገ እናበሉኻ ዶ፡ ትጋገ”  ዘብለና ዘሎ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣራግጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐሚጦም፡  “ትግራይ ኣብ ኤርትራ እንተ ኣትያ ኣይክትወጸልናን እያ?” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ኤርትራውያን፡ ቅድም “እቲ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ከም ዝወጽእከ እንታይ ውሕስነት ኣለና?” ዝብል ሕቶ ክምልሱ መተገበኦም።  

ምውጣጥ ጫፋት ንረብሓ መን?

Thursday, 22 September 2022 19:51 Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባና ቀጻሊ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ምዕባለታት ዘስዓቦ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ዝምድናታትን እውን ንዕዘብ ኣለና። ካብቶም ምዕባለታት ዘኸትሉ ዘለዉ  ኣሰላልፋታት፡ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ትግራይን ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝረኤ ዘሎ ምስሕሓብን ካለኦት ናብ ውግእ ዘይማዕበሉ ምትፍናናትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ተሰለፍቲ በበይኖም ዝቖሙ ዘይኮኑ፡ ብግሁድ ይኹን ብሕቡእ ዘዕጥቑን ዘስንቑን “ኣለናልካ” በሃልቲ ኣለዉዎም። በዚ መሰረት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብቶም ውሱናት ቅድሚት ዝስለፉ ተሰሓሓብትን ተዋጋእትን፡  ዝድረት ዘይኮነ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ እዩ።

ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ኣካል ሕብረትሰብ ዓለም፡ ካብዚ ጽልዋን ኣሰላልፋን ወጻኢ ኣይኮናን። ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይብዙሕነታውን ዘይደሞክራስያውን ፖሊሲኡምስቶም ኣንጻር፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ትግራይ ገለን ዘፈራርሑ ገለን ከኣ የራጉደለይ’ዩ ብዝብል ዝወሩ ዘለዉ ናይ ባህሪ መሓዝቱ ክለኣኾም ቅሩብ ኮይኑ ኣዳዕዲዑ ተሰሊፉ ኣሎ። ማእከላይ ስሕበት መምረጺ መዛምድቲ ህግደፍ፡ ህልዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ መፍትሒኡን ኣብ ግምት ዘእተወ  ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ቅድሚት ዝሰርዕ እዩ። እዚ ኣሰላልፋዚ ከቢድ ዝሳዕቤንን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ስንብራትን ዝገድፍ እዩ።  እቲ ጉጅለ ነዚ ስጉምትታት ክወስድ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምዃኑ ድማ ክሳብ ክንደይ መበገሲኡ  ካብ ባህጊ ህዝብና ዝረሓቐን ዝተመስጠረን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕልሚ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ዕድመ ልክዑ ኣብ ምድሃኾም ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናይ ዞባና ተሰማዕን ጐብለልን ናይ ምዃኑ ምህሙን ተስፋ እውን ዝቐበጾ ኣይመስልን።

እቲ ጉጅለ ነዚ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ኣሰላልፋ ክመርጽ እንከሎ ዝተኸተሎ ስልቲ፡ ሕሉፍ ተሓላቒ ሃገርን ልኡላውነታን መሲልካ ምቕራብ እዩ። “ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይካይ ዘውሕሶ የለን” ዝብል ዝኣረገ ኣዳህላልነቱ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ማዕረ ማዕረዚ ግዳ ቀዳማይ ገሃስን ኣሕሊፉ ወሃብን ልኡላውነት ኤርትራ ንሱ ምዃኑ ክሓብኦ ዘይከኣለ ንመጻኢ እውን ዘይክእል ባህሪኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ከም ዝሕረም ኣብ ርእሲ  ምግባሩ፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ደይ-መደይ ኢሉ ኢድ ምእታው፡ ምስቶም ጌና ኣብ ናጽነትና ሕቶ ምልዓል ዘየቋረጹ ኢትዮጵያዊ  ሓይልታት ናይ ቀረባ ዝምድና ምምስራቱን ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት መዕንደሪት ከም እትኸውን ምግባሩን ከኣ  ኤርትራዊ ሓልዮትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ባህርያቱ ዘርኢ እዩ። ኣእሚኑ ዘይኮነ፡ ኣሰናቢዱን ኣደናጊሩን ደጋፊ ንምርካብ ድማ፡ ሎሚ ምስኡ ንዘይተሰለፈ ኤርትራዊ ከመዮ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል፡ ከም ንልኡላውነት ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣምሲሉ ክቕርቦ ይፍትን ኣሎ። ንኤርትራ ኣደዳ ኣራግጽ ናይ ግዳም ሓይልታት ክትከውን ዘፍቐደ ኣካል፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ክኸውን ከኣ ብቕዓትን ሞራልን የብሉን።  በዚ ሽፈጡ ተዓሽዮም፡ ልኡላውነት ሃገር ዝሕልዉ ዘለዉ መሲልዎም፡ ምስዚ ብክብሪ ህዝቢ ዝጣላዕ  ጉጅለ ተሰሊፎም ዘጣቕዑ፡ ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ጐሓላሉ ምርኣይ  ከኣ ቃልስና ጌና ዝተሓላለኸን ግቡእ መስርዑ ዘይሓዘን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ክሳብዚ ቀረባ  ዓመታት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንሰማመዓሉ ካብ ዝነበርና ዛዕባታት ሓደ፡ ብሰንኪ ብሓባር ዘይምስራሕና ግዳይ ከፋፋሊ ህርፋን ህግደፍ ምዃና እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ዓቂብና፡ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእናን ኣርሒቕና ብምርኣይን ንህግደፍ ዘሕምሞ ኣድማዒ ዓቕሚ ምፍጣር ክንቃለሰሎም ካብ ዝጸንሕና  ዓበይትን ወሰንትን ዕማማትና ሓደ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ነዚ ሕልሙ ዘምክን ምቅርራብ ሓይልታት ለውጢ፡ እንተ ኽኢሉ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ፡ እንንተዘይክኢሉ ከኣ በታቲኑ ዘርሞዘርሞ ክገብሮ ክጽዕት ጸኒሑ። ብሓፈሻ ነቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ኣሰላልፋ፡ ብፍላይ ከኣ ንተረኽቦ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መርወዪ ህርፋኑ ክጥቀመሉ ስምዒታት ኣነሃሂሩ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ሓድሽ ኣሰላልፋን ክስተትን ተኸቲሉ ሒዝዎ ክጐዓዝ ዝጸንሐ ፍልልያት ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማሙ ንድሕሪት ብዘይመልስ ከመሓድሮ ይግበኦ ነይሩ። ብግብሪ ግና  ከም ዘይበቐዖን ኣብ ክንድኡ  ኣብ  ናይ ጫፋት ምውጣጥ ምእታዉን  መርኣያ ድኽመቱ እዩ።

እቲ ዝገርም፡ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣማእኪልካ ብሓባር ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ክጭርሑ ዝጸንሑ  ኣካላት ከይተረፉ፡ ከካብቲ ዝተጸግዕዎ ጫፋት ተመሊሶም ማእከላይ መፍትሒ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎምን ኣብ ተመዓዳዲኻ ምፍርራድን ምንእኣስን ምውዳቖም እዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብመትከል እካን ሃባን፡ ከክንድቲ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ኬድካ ኣብ ማእከል ምርኻብን ኣተሓሳስባ ምትዕራቕን ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ”  ምብህሃል ብዘይካ ንህግደፍ ንኻልእ ዘርብሕ ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ከኣ ካብቲ፡ “ህግደፍ ብየናይ ኣገባብ ይወገድ፡ ድሕሪ ህግደፍ ብኸመይ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንሰጋገር፡ ብኸመይከ ሕገመንግስቲ ነዲፍና ነጽድቕ” ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝጸንሓና፡ ብሓልዮትን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክመሓደር ዝኽእል ፍልልይ፡ ኣብ “ብኸመይ ምስ ቃልሲ ጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንዛመድ?”  ዝብል ዘረሓሕቕ ጫፋት ተጸሚድና ኣለና። ከምቲ ንቃወሞ ዘለና ናይ ኢሳያስ ኣገባብ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ናብ ደገ ምምዕዳው ይብርኽ ኣሎ። ያኢ እቲ “ምስ ሰራዊትና” ወይ “ምስ ሓይልታት ትግራይ” ዝብል ናይ ምቅርራብ ኣንፈት ዘየብሉ ዝመስል ጫፋት ቅኑዕ መርገጻት ተባሂሉስ፡ እቲ “ነዚ ሓደገኛ ጫፋት ኣወጊድና፡ ፍልልያትና ኣጻቢብና ኣብ ማእከላይ መፍትሒ ንራኸብ” ዝብል ሓላፍነታዊ ማእዝን ክሳብ “ናይ በለጽ ምርጫ” ዝብል “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ”  ዝዓይነቱ ስግንጢር ድምጽታት እውን ይስማዕ እዩ።

ካብዚ ክልተ ጫፋት “ወይከ ንቕንቕ” ምባል፡ ውሕሉል ኮነ ምቕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። ነቲ ዝጸንሓና ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ፡ውን መሊሱ ዘጋድዶ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዓቕሚ እዩ” ኢልካ ምጭራሕ ጥራይ ትርጉም የብሉን። እዚ ክሳብ ዘይተቐየረ ንህግደፍ ስዒርና ሕቶ ህዝብና  ንምምላስ ዝወስዶ ግዜ ሓጺር ኣይክኸውንን እዩ። ነዚ እንዳተረዳእካ  ጫፋት ምውጣጥን ምምጣጥን ድማ፡ መፍቶ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። መፍቶ ህደፍ ምዃን  ብኡ ንብኡ ንህዝብና ምብዳል’ዩ እሞ  ነናብ ልብና   ተመሊስና ብጽሞና ንሕሰብ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን” ዝብል ኣበሃህላ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብናን ሃገርናን ዝመስል እዩ። ምኽንያቱ  ብህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን  ዘይተፈጸመ በደል፡ ዘይተራእየ ጥልመትን ዘይተጋሀስ መሰልን ስለ ዘየለ። ኣብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍን ብዛዕባ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕግን ስርዓትን ኣየዛረብን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ውልቃዊ ገባሪ ሓዳግነት እምበር፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ህዝቢ ዝፈልጦን ናተይ ዝብሎን ሕጊ የለን። ኣብ ሃገርና ገዛኢ እምበር  ሕጊ ብዘይምህላዉ፡ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዘገርም ሕሱም ኩነታት ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ክኸውን ንዝደሊ እንተዘይ ኮይኑ፡  ዓለም ብዓለማ እትምስክሮ እዩ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዘርኣዮ ጥልመትን ንዕቀትን ንነዊሕ ዓመታት ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈሉን እዩ። መጻኢ ስንብራቱ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ዝተበደለ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ካለኦት እውን ዝተመዝገበ ጸሊም ምልከት ስለ ዝኾነ፡ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ፡ ኢልካ ዝዝርዘር ኣይኮነን። ብጥቕልሉ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍ “ዓይንን ሓመድን” ምዃኖምን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና እቲ ጉጅለ ምዃኑን ምጥቃሱ ግና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝነቕልሉ ኩርነዓት ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ጸላኢ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት እዮም። ህዝብታት ታይዋን፡ ዩከርይንን ትግራይን ብቐረባ ካብ ዝጥቀሱ ኣብነት እዮም። ምስዚ ኩሉ መሰረታዊ ዘይምቅዳዉ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ከም ናይ ህዝቢ ሱዳን ዝኣመሰለ ቀጻልን በሪኽን ናይ ተቓውሞ ድምጺ ከምዘየስምዕ ዝተዓዘቡ፡ ህዝብና  ነቲ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎን ዝተለማመዶን ዝመስሎም ወገናት ኣለዉ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዞ ዳኣ ሒዝዎ እምበር፡ ብርግጸኝነት ንመሪር ተግባራት ህግደፍ ናተይ ዝብለሉ ሕልና ፈጺሙ የብሉን።

ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ጠሊሙ ዝጭቁነሎ  ቅዲ ዘመናዊ ባርነት ከም ቅኑዕን ተወዳዳሪ ዘይብሉን  ገይሩ እዩ ዝንየተሉ። ባዕሉ ንባዕሉ ደኣ የፍርሶ እዩ እምበር፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቱ፡ ሰላማዊትን ብልጽግትን ኣምሲሉ ክስእላ ዘይሓፍረሉ ኣጋጣምታት ኣሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ኢሳያስ መሳርሒ ምእንቲ ክኾኖም ዘረሳስንዎን ዘጸባብቕዎን ሓሰውቲ መሰኻኽር ዘለዉዎ ምዃኖም እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ኤርትራ ሰላማዊትን ኣብ ቀጻሊ ዕቤት ዘላን ሃገር እያ፡ እዚ ንሕና ጥራይ ንብሎ ዘይኮነ፡ ዓለም እውን ዝመስከረቶ እዩ”  ዝበሎ፡  ንኣብነት ዝጥቀስ ናይ ዘመና ግጉይ ሚዛን  እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ብዙሕ ዘየቕለብናሉ ግን ከኣ ክሳብ ክንዳይ ሃገርና ብሕታዊት ርስቲ ሓደ ሰብ ኮይና ከምዘላ ዘርኢ “ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ  ካብ ዝእከብ ኣርባዕተ ዓመት ገይሩ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ ዝፈርስ ከኣ ዕስራ ዓመቱ ኣሓሊፉ” ዝብል ጸብጻብ ካብ ማሕበራዊ መድያ ሰሚዕና። እዞም ካብ ምእካብ በዂሮም ዝተባህሉ መንግስታዊ ትካላት፡ ንዓና’ኳ ካብ ቀደሞም ስማውያን ምንባሮም ርዱእ እንተነበረ፡  እቲ ተረኽቦ ግና “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ውልቀ ሰ?” ዘብልን ንዕቀትን ብደዐን እቲ ዲክታተር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ደረቱ ከም ዝሓለፈ ዘርእን እዩ።

እዚ ዝሓለፈ 4ተ ዓመታት፡ እቲ ዲክታተር ብዝኸፈቶ ሰልኲ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ብዙሕ ተርእዮታት ዝተቐልቀለሉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ውግእ  ጐረቤት ኣትዮም  ዝሃለቕሉን ንብረት ኤርትራ ዝባኸነሉን ግዜ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስንብራቱ ብቐሊሉ ዘይሓዊ፡  እንተቐጺሉ ዋጋ ከየኽፍል ዘስግእ ጽልኢ ዝተዘርኣሉ’ውን ነይሩ። እዚ ዘይውሕሉልን ዓመጸኛን ኣካይዳ ጌና ሎሚ’ውን ህያው ምህላዉ ድማ ዘሕዝን  እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብሰንኪ እዉጅ ናይ ህግደፍ ኣንጻር ውጹዓት ምስላፍ፡  ዝያዳ ብሻራነት ዝተለለየት’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ቀረባ ዓመታት እያ። ናብዚ ሓደገኛ ዝሳዕቤኑ ካብ ዝወደቐትሉ ጠንቅታት ሓደ፡  ናይ ሓደ ዘይጥዑይ ውልቀሰብ ብሕታዊት ርስቲ ምዃና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ኩነታት ጥልመት መራሒ ህግደፍ፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቶም፡ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፈጻሚ ኣካል ህግደፍን ካልእን ዝብል ትርጉም ዘየብሉ መዝነት እናሃበ ዘላገጸሎም ኣካላት  ብግብሪ ዘርኢ እዩ። ኣብ መጻኢ ከኣ እቲ ጥልመት፡ በቲ ዝጥለም ዘሎ ህዝቢ እምበር፡ በቲ ጠላሚ ጉጅለን ከም እንስሳ “እምባሕ” ዝብሉ ሳዓብቱን ዝቕየር ከምዘይኮነ ዕዙዝ ኣስተብሎ ዘድልዮ እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ እዚ ኣካይድኡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ዘየብሉ ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኩነታት እንተዘይጸጊምዎ ህዝቢ ኤርትራ ክጐሓፈሉ ከም ዝደሊ እውን ይርዳእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተቓሊሱ ንህግደፍ ናይ ምስዓሩ ሕልና፡ ድፍረትን ዓቕምን ንከይወነን ከምክኖ ወትሩ ዝፍትን። ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዘሎ ኤርትራዊ ወሳኒ ናይ ለውጢ ባእታ፡ መንእሰያቱ ብምብታንን ናይ ሕድሕድ ምእትእምማኑ ከም ዘየትርር  ንምግባሩ ንድሕሪት ከይበለ ዝሰርሕ። እዚ ሓደገኛ ሓይሊታት ለውጢ ናይ ምድኻም ተንኮሉ ተሰዓሪ’ምበር ነባሪ ከምዘይከውን  ርዱእ እዩ። ብሓፈሻ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ናይ ዓወት ረቛሒ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ንምድኻሙ ንሓንሳብ ናይ ሃይማኖት ንሓንሳብ ከኣ ናይ ኣውራጃ ወይ ካልእ የገልግለኒ’ዩ ንዝብሎ ጸቢብ ስምዒታት፡ ክኢላ ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን  ከነሃህር ንዕዘቦ ኣለና። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ በሃግቲ፡ ጸረ ሓድነትና ዝኾነ ጉጅለ ንክንስዕሮ፡ ናይቲ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?” ዝብል ሕቶ ርጡብ መልሲ ረኺብና፡ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና ዘውሕስ ሓድነት፡ ብቕዓትን ተበግሶን ክንውንን እውናዊ ግደታና ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ጉዳይ ህዝብን ሃገርን፡ እሞ ድማ ኣብ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ዝጻወተሎም ስማውያን ምዃኖም ዝዘንግዑ  "መንግስታዊ” ዝበሃሉ ትካላትን ብሓደ ምግንዛብ ዝረሐቖ ሰብ እናተወሰነ ስም ጥራይ ሒዞም ዝተረፉ ሚኒስተራትን ካለኦት ሰብ መዝን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኢሎም ዘይኮነ፡ ነንገዛእ ርእሶም ክብሉ፡ ምስ ሕልናኦም ክመኽሩ ኣብ ዝግደድሉ ወሳኒ መድረኽ ምህላዎም ሎሚ’ውን ደጋጊምና ነዘኻኽሮም።  ካብ ንህዝቦም ክሳብ ሎሚ ንውልቀ-መላኺ ኣዳልዮምን ብግዝያዊ ረብሓ ሰዲዖምን፡ መሳርሒ ሓደ ዘይርጉእ ኣእምሮን ንሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ኢሳያሳ ኣፈወርቂ ኮይኖም ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ካለኦት ኣካላት ጸጥታን ኤርትራ ካልእስ ይተረፍ፡ ነቲ ንዘይኤርትራዊ ረብሓ ዝፈስስ ዘሎ ደሞምን ዝገሃስ ዘሎ መሰሎም’ውን ከም ዘየድሓኑ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም። ሎሚ  “ተመን  ኣብ እግርኻ በትሪ ኣብ ኢድካ” እናተባህሉ ርእሶም እንተ ኣድኒኖም፡  ጽባሕ ዘጣዕሶምን ኣብ ታሪኽ ዘሕትቶምን ክኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ  ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ኩልና ኤርትራውያን ግዳይ ሓደ ሰብ ኮይና ብምህላውና፡ ሕራነ ሓዲሩና፡ “ኤርትራ፡ ክሳብ መዓስ ግዳይ ሓደ ሰብኣይ?”  ክንብል ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዘርዚርካ ስለ  ዘይውዳእል፡  “ሰፍ ዘይብል” ኢልካ ዝምዝገብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መስዋእትነት’ዚ ዝኸፈለ  ናይ ግድን ክበጽሖ ዝግበኦ፡ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ሸቶ ስለ ዝነበሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዘይሕሳብ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሱ ዝኸፈሎ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከምቲ ህግደፍ ቆንጢሩ ዘቕርቦ ዘይኮነ፡ ብዓቐን ኣዝዩ ገዚፍ ብዓይነት ከኣ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ዘገደዶ ምኽንያት  ምስጢር ዘይኮነ፡ ንገዛእቲ ስዒርካ ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጽ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። እቲ ብግቡእ ሓሲቡ  ዘንቀሎ ዕላማኡ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ እቲ ዝተኸፍለ  ዋጋ ኣውጺኡ  ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ኮይና።

ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነትን ልኡላውነትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር እምበር ብመንጽር’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ተሊሙ ዝነቐለሉ ናይ ቃልሲ ሕሳብ መዛዘሚ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት  ንጹር እዩ፡ ብህዝባዊ ሓርነት  ዝተሰነየ ብዘይምዃኑ እዩ። እቲ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ዕላማ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ናይ ሓርነት ቃልሲ ክቕጽል ግድን ነይሩ። እነሆ ከኣ ኣንጻር’ቲ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፈአ ወጽዓ ህግደፍ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ንሓርነት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ቃልሲ ንሓርነት፡ ከምቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝሓተቶ ዋጋ ስለ ዝተኸፍሎን ቅኑዕ ሕቶ ስለ ዝነበረን ዝተዓወተ፡   ዝያዳ ቃልስን ምሕሳብን  ይሓትት  እምበር ክዕወት ግድን  እዩ።

ቃልስና ንናጽነት ፡ ነቲ ዝያዳ ዕጥቂ፡ ሓይሊ ሰብን ናይ ግዳም መንግስታዊ ሓገዛትን ዝነበሮ ሓይሊ መግዛእቲ ስዒሩ እዩ ተዓዊቱ። እቲ ዝሰዓረ ቃልሲ ኤርትራ ውሱን ዓቕሚ ግና፡  ፍትሓዊ ሕቶ ዝነበሮ እዩ። እዚ ተመኩሮ’ዚ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ብግብሪ ዘግሃደ  ተመኩሮ ጽንዓት ኮይኑ ዝተመዝገበን እዩ። ኣብዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ነካይዶ ዘለና ዝተሓላለኸ ቃልሲ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝጠለመ  ንምክቶ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብዝን ካብትን እናላኸዐ ዝኣከቦ ናይ  ዕጥቂ፡ ገንዘብን ሻራነትን ብልጫ ኣለዎ። ንኹሉ ጸጋታት ኤርትራ ገቢቱ ንህዝቢ ደፊኑን ኣድክዩን መሕለዊ ስልጣኑ የውዕሎ ምህላዉ’ውን ተወሳኺ ግዝያዊ ብልጫ ዝኾኖ እዩ። ምስዚ ኩሉ ሸፈጡ ግና ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ፡ ዓመጸኛ፡ ሻረኛ፡ ሸፋጢ፡ ኣግላሊ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ውሑዳት ጸረ ህዝቢ ዝዝውርዎን ዝብለጽሉን ስለ ዝኾነ፡ ኣንጻር ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ጠጠው ዝብለሉ ዓቕሚ የብሉን። እነሆኳ ኣብ ኤውሮጳ ከጋጥሞ ዝቐነየ ብደሆ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ። ናብ ኤርትራ ናይ ምልሓሙ ዕድል ከኣ ውሁብ እዩ።  ክሳብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ  ህዝብን ሃገርን ከም ዘድሚ ግና ኤርትራዊ ሃለዋት መስካሪ እዩ።

ገዛእቲ ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር ፈትዮም ናጽነት ከም ዘይሃቡና እንርደኦ እዩ። ንሳቶም’ውን  ብዝተወደበን ብዘይተወደበን ኣገባብ ዘይዕግበቶም ክነግሩና ጸኒሖም እዮም። ዕድል እንተዝረኽቡ ከምዘይድቅሱልና’ውን ርዱእ’ዩ። ብርግጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዋላ እንተሃረፍዎ ከውርድዎ ኣብ ዘይክእልሉ ሰንደቕ ተሰቒሉ እዩ። ኣብ ቅድሜና ምስ ዘሎ ሓርነት ህዝቢ ናይ ምውሓስ ዕማምና፡ ጉዳይ’ዞም ኣንጻር ናጽነትና ርእሶም ካብ ምንቕናቕ ዓዲ ዘይወዓሉ ኢትዮጵያዊ ወገናት ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ካብዚ ሓሊፍና ስኽፍታና ኣውዲቕና ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ተሃዋሲ ሕርያ ፖለቲካዊ  ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃንደፍ ኢልና ምስኣቶም ክንዛመድ፡ ንሓዋሩ ኣይሕሰብንዩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ጥቡቕ ጥንቃቐን ምግንዛብን ዘድልዮ እዩ። ሓደ ነዚ ካብ እንቆጻጸረሉ መንገዲ ድማ ምስቶም ንናጽነትና ቅድም ዋጋ ዝኸፈሉ ክሳብ ሎሚ ድማ  መንገዶም ዘይቀየሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ጥቡቕ ዝምድና ምግባር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስቶም ናጽነትና ኣይተዋሕጠሎምን ዝበልናዮም ወገናት “ኣፍን ማንካን” ኮይኑ’ሎ። መሬትናን ባሕርናን ብዘይንጹርን ዘይግሉጽን ውዕላት ኣደዳ ወተሃደራዊ ኣራግጾም ገይርዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ህግደፍ ብዝኸፈተሎም ኣፍደገ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ክምድሩን ክኽትሙን ተኸታቲልና ኢና። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ብወገን ህግደፍ መእረምታ ንክግበር ስምዕታኳ ዘይምቕራቡ ድማ ክሳብ ክንደይ ናጽነትናን ልኡላውነትና  ከም ዝተደንደነ ዘርኢ እዩ።

ሎሚ’ውን እነሆ ህግደፍ ምስቶም “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ” ዘዝይሙ፡ ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብቲ “ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝብል ነበረያ ነበረ  ጭረሖ ዘይወጹ ኢትዮጵያውያን ተሻሪኹ ደም መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትግራይ የፍስስ ኣሎ። እቲ ንሕሳቡ  ኩኑን ዝገብሮ  እምበኣር ምስቶም ካብ ርእስና ዘይወረዱ ምትዕርራኹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻርቶም፡ ኣብ መትከል ምትሕግጋዝ ኣሚኖም፡ ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሮም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ደሞም ዘፍሰሱ፡ ኤርትራ ብረፈረንደም ልኡላዊት ክትከውን እጃሞም ዘበርከቱን ንውጽኢት ረፈንዶም ቅድሚ ሰቦም ተቐቢሎም ንልኡላውነትና ኣፍልጦ ዝሃቡን ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዝፈስስ ዘሎ ደም ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዝባኽን ዘሎ ንብረትን ዝዝራእ ዘሎ ጽልእን ክሳብ ክንደይ ሕሳብ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ዘርኢ እዩ።  መንግስቲ ክልል ትግራይ ግና ሕጂ እውን ምስ ህግደፍ ክታሃላለኽ  ክብል  መስመሩ ከይለቐቐን ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ዘለዎ መርገጽ ከይቀየረን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ ስምዕታኡ የቕርብ ኣሎ። 

ድሕር’ዚ  ብ25 ነሃሰ 2022 ዳግማይ ዝተባረዐ’ሞ፡ ህግደፍ ኣብ ጐኒ ናይ ኣምሓራ ፋኖ ተሰሊፉ ብወግዒ ዝሕንብሰሉ ዘሎ  ውግእ፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክብሃል ብኹሉ መዐቀኒ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ናብ ዘይዛሪ ቂምን በቀልን ንክኣትዉ ህዝቢ ኤርትራ ክፈቅድ ኣይግባእን። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይን ፅቡቕ ካብ ምምናይን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር እውን ክምዘን ዘለዎ ውራይ እዩ።“ ዝበሎ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ግን  ምስ ገለ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘዳኽሩን ክምከቱ ዝግበኦምን ተጋሩ ባእታታት የለዉን ማለት ኣይኮነን።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ተመሓዝዩ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውግእ ትግራይ ከህልቖም እንከሎ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝወጠኖ ሕሳብ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራኸ ናቱ ናይ ድሕነት ሕሳብ ድዩ ክውጥን ወይስ በቲ ናይ  ህግደፍ ሕሳብ’ዩ ክጸድፍ? ብኣፍልጦን ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ ወሳኒ መድረኽ እዩ ዘሎ እሞ፡ “ዘይሓስብ ኣይንገድኳ ዝበሃል”  ክብል ንጽወዖ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሓደ ፍሽለት ፈስቲቫላትን ባዓላትን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለያ  ሃገራት ኤውሮጳ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ተረኽቦታት ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ነርወይን ዓዲ እንግሊዝን ምጥቃስ ይከኣል። ዕላማ ምድላዋት ህግደፍ ዝተፈላለዩ ኣስማትን መልከዓትን ክወሃቦም’ኳ እንተተፈተነ፡ ብዝተፈላለዩ  ኣገዳዲ ኣገባባት  ገንዘብ ካብ ምእካብ፡ ንሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዘይስሞም ሂብካ ካብ ህዝቢ ክተርሕቕ ካብ ምፍታን፡ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ናይ ጽልእን ቅርሕንትን እሾኽ ዝዘርኡ መደረታት ካብ ምቅላሕ ሓሊፉ ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ቁምነገር ኣይነበሮን። ነዚ  ዝተጠቕሰ ሓቀኛ መልእኽቲ ናይቲ ዝፈሸለ ፈስቲቫላትን በዓላትን ንምሽፋን ግና ሙዚቃዊዶ ባህላዊ ምርኢታት  ዝብሉ ምስምሳት ተዋሂብዎ ነይሩ።

ነዚ ንኤርትራዊ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃገሩ ኣልጊሱ፡ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ናይ ምግባሩ መደብ፡ እቲ ፍትሒ፡ ቅኑዕ ምምሕዳር፡ ሰላምን ልምዓት ብሂጉ ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይድግፎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ በቲ ዝያዳ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ግዳይ ወጽዓ ህግደፍ ዝኾነ መንእሰይ ዝለዓለ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞ እቲ ጉጅለ’ውን ዘይጽበዮ ኣይመስለናን። ብግብሪ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ኣብ ሃገሩ ደም ዘንበዖን ብዕድሉ ዝተጻወተን ህግደፍ ብዘይተጸበዮ ስልቲ ኣብ መድረኽ ሕጊ ኣብ ምስዓሩን ምስንባዱን ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ። እዚ ዘይግበኦ ስም ንዝተዋህቦ መታለሊ ፈስቲቫላት ህግደፍ፡ ኣብ መድረኽ ሕጊ ዘእገደ ኤርትራዊ ተቓውሞ፡ ተቓውሞኡ ካብዚ ፈስቲቫላት  ዝጀመረን ኣብኡ ተደሪቱ ጠጠው ዝብልን ኣይኮነን።  እቲ ዝተራእየ ሕራነ መንእሰያት ካብ ምጽራር  ፈስቲቫል ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ዲያስፖራ ዝፈስስ ዘሎ ወጽዓ ህግደፍ እዩ። እቲ ንናይዚ ቀረባ ግዜ ተሪር ተቓውሞ ፍሉይ ዝገብሮ ግና እተን ህግደፍ ብጉልባብ ፈስቲቫል ንዓመታት ከደናግረለንን ክዕንድረለንን ዝጸንሐ ሃገራት’ውን ጸረ ህዝብነቱን ዓመጹን  ተረዲአን ብወግዒ ክእግደኦ ምብቀዐን እዩ። እዘን ሃገራት ነቲ ዝቐረበለን ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምሕጽንታ ተገንዚበን ስጉምቲ ምውሳደን ኣብዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ሕግታተንን ስርዓተንን  እንተዘየኽቢሩ ክቐጽዕኦ ምዃነን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ  ቅድሚ ሕጂ እውን ተግባራቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተቐባልነት ከምዘይረክብ ይፈልጥ እዩ። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል። ነቶም ናይተን ሃገራት ሕግን ኣሰራርሓን ተመርኲሶም ዝበድህዎ  መንእሰያት፡  ናይ ንእስነት ናህሮምን ውዑይ ደሞምን  መዝሚዙ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከም  ገበነኛታት ከሲሱ ከቕጸዖምን ከንበርክኾምን ከም ዝፍትን ፍሉጥ እዩ።  በዚ ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝበደሎም፡  መጻኢ ህይወቶም ከጽልምትን  ከበላሹን ድሕር ከምዘይብል ርዱእ እዩ። ሰማዒ እንተረኺቡ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን መደባቱ ምስ ፈሸለ ዘወጣውጦ ዘሎ ወስታታት ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንህግደፍ ረቲዖም መደባቱ ዘፍሸልሉ ንናይተን ሃገራት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክሕልዉዎን ከኽብርዎን ከድልዮም እዩ። ንዓመጸኛ ኣሰራርሓን ጥሕሰትን ጉጅለ ህግደፍ ምድጋም ግና ተመሊሱ ግዳይ ክትከውን ኣፍደገ ስለ ዝኸፍት፡ ብልቦና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ከምቲ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡   መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ27 ነሃሰ 2022 ኣቃኒዑ  ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኤርትራውያን ኣመጒሱ፡ ቃልሶም  ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ዝወሰዳ  ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን  ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።” ዝበሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ መንእሰያት ኮኑ እተን ንዳንኬራ  ህግደፍ ዕድል ዝኸልአ ሃገራት ጻዕሮም ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ።

ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ነቲ ፈስቲቫላት ዘይመልክዑ ሂቦም ከም ናይ ልኡላውነት ምሕላው ድምጺ ዝቃለሓሉ መድረኽ ምውሳዶም ጌጋ ምዃኑ ክርድኡ ይግበኦም። ታራ ባህልኻን ልምድኻን ናይ ምዕቃብ ተልእኮ ዘለዎ ከምዘይኮነ’ውን ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። እቲ ከም ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ  ዝወስድዎ ዘለዉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ግሂሱ ኣብ ዓዲ ጓና ንኽነብሩ ዘገደዶም  ምዃኑ ክእመኑ ግድን እዩ። ባዕሉ ልኡላውነቶም ዝነፈጎም ክነሱ፡  ተጠውዩ “እገለ ናይ እትበሃል ሃገር መንግስቲ ወይ መራሒ  ልኡላውነትካ ክግህስ እዩ”  ክብሎም እንከሎ፡ “ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ፈዲኻና?”  ኢሎም ከዋጥርዎ ይግበኦም።

እቶም ኣብ ኣደባባያት ተቓዊሞም ኣብ መድረኽ ሕጊ ረቲዖም መደባት ህግደፍ ዘፍሸሉ ደለይቲ ለውጢ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፣ ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ግፍዕን ጭካነን ህግደፍ  ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱን ብሰንኪ ስደት ዝሓደሮም ቁስሊ ዘየሕወዩን እዮም። ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን ከኣ፡ ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ምዃኖም እናፈለጥኩም፡ ብኣተሓሳስባ ካባኹም ስለ ዝተፈልዩ ህግደፍ “ተጋሩ እዮም፡ ልኡኻት ወያነን ፈጠርቲ ራዕድን እዮም፡ ስርዓት ዝጐደሎም በጋሚዶ እዮም …….ወዘተ” እንተበለኩም፡ እሞ  እንተኣሚንኩሞ “ጡፍ እንተበልካዮስ ናብ ጭሕምኻ” ከም ዝባሃል፡ ደሓር ከጣዕሰኩም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕ ኮነ ጐረባብቱ ህዝብታት ኣብ ምስናይ እምበር፡ ኣብ ምጽላእ ረብሓ ስለ ዘየብሉ፡ ነቲ ህግደፍ ተጽዕኖ ንምፍጣር ወተሃደራዊ ክዳን ብዘልበሶም ናይ ጸይቂ ልሳናቱ ዝነዝሖ ናይ ጽልኢ መርዚ፡ ንገዛእ ርእስኹም ክትብሉ ንጸግዎ። ነቶም ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ንክትከል ከም ዝቃለሱ ትፈልጥዎም ተቓወምቲ መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓይሊ ብናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጽልእን ክድዓት ሃገርን ንክትርእይዎም ህግደፍ ክጉስጉሰኩም እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢልኩም ሕተቱ። እዞም ሎሚ ዘይስሞም ዝወሃቦም ዘሎ መንእሰያት፡ ንህግደፍ ምግልጋል ኣፍልጦን ክብርን ዘየውህብ ኮይኑ እምበር፡ ኣብ ወተሃደራዊ ድዩ ሲቪላዊ መዳያት ዘገልገልዎ ምዃኖም  ኣይትስሓቱ።

ምፍሻል ፈስቲቫላት ኣፍደገ ተወሳኺ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘተባብዕ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይኮነን። በዚ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድል ኣንጻር ኩሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ሃገርን ዲያስፖራን ዝካየድ ቃልሲ ብቐጻሊ ክሓንን ይግበኦ። ስለዚ ጉዕዞ ሓይልታት ለውጢ ድሕሪ ፍሽለት ፍርስቲቫላትን መደባትን ህግደፍ ናብ ቀጻሊ ቃልስን ዓወትን ክኸውን ይግበኦ። ከምቲ ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ እሞ ዝተሳዕረ መደባት ፈስቲቫል ከም ኣገዲድካ ካብ ኣታዊ ኤርትራውያን 2% ምምንዛዕ ዝኣመሰሉ ናይ ዓመጽ መደባት በብሓደ ክብድሁ ይግበኦም። እቶም “ካብ ዓድና ወጺእና ኣብ ስደት ዑቕባ ክንሓትት ዘገደደና ወጽዓ ህግደፍ እዩ”  ክትብሉ ዝጸናሕኩም፡ ሕጂ ኣመጐስቲ ህግደፍ ትኾኑ ዘለኹ፡ ኣካይዳኹም ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ብዙሓት ብዛዕባዚ ዓውዲ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም የጠንቅቕኹም ኣለዉ’ሞ ንድሕነትኩም ክትብሉ እዝኒ ሃብዎም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ                    

ኣብ መፋርቕ ናይ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ክማቐልዋ እንከለዉ፡  ኢጣልያ ንኤርትራ ወሪራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእተወታ። ብጽሒት ግዝኣት ጣልያን ኮይና። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበርን ምርዋፍርን ከተምኡ ክትከውን መስረታ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሕርሻ መሬቶም መንዚዑ ጉልበቶም መዝሚዙ ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉ ግዙኣቱ ብምግባር ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሮ  ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ኣይረዓሞን።

ድሕሪ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ምሕዝነት ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡  ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝጸንሓ ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ምስ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣየረጋገጻን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተመስረተ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ብወግዒ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ንናጽነቱ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይካ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል” ካልእ ምርጫታት ኣይነበሮን። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ዝበልሐን ዝለዓለን ኣገባብ ቃልሲ ተኸቲሉ ክቕጽል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ባሕቲ መስከረም 1961ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዝዓተራ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብኣፍልጦ እምበር ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉራዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝኾነ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20  ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን  ቀጺሉ።

እቲ ብኸምዚ ዝሰፍሐ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓወትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ ናይ ቀጻሊ ምዕራፍ ከኣ መኽፈቲ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ መን ይምረሓያ ብዘየገድስ እቲ መግዛእታዊ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ክቕጽል ግድን ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን61 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ንዝጀመሩ ሓርበኛታትና ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ምምላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘይብሎም ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ ድማ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ዝዓመምና ክንከውን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ  ይግበኣና። ከምዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና እቲ ዝትከኣና ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኽ እውን ክተሓሳሰበና እዩ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2022

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መግዛእቲ ዘበናት ብዝተፈላለዩ ወገናት ክጥለም ዝጸንሐ ህዝቢ እዩ።   ካብ ገዛእቱ ዝሓሸ ከጋጥሞ ስለ ዘይተጸበየ፡  እቲ ኣብ መዋእል መግዛእቲ በብመድረኹ ዘጓንፎ ዝነበረ  ጥልመታትን ክሕደታትን ኣይተሓደሶን። ብኣንጻሩ ኣብ ክንዲ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎን ተለማሚድዎን ተንበርኪኹ ዝነብር ከከም መድረኹ በብዝጥዕሞ ኣገባብ ክቃለሶ ከም ዝጸንሐ ታሪኹ ይምስክረሉ። እቲ ዘገርም ከኣ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ  መግዛእቲ ምስዓሩ እውን ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ካብ ግዜ መንግዛእቲ ብዘይፍለ፡ ካብ መቑሕ ጠላማት ዘይምውጽኡ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ኣንጻር ህግደፍ ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝተደረተ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ሎሚ ዓለም ብዓለማ ኣጀንደኣ ገይራቶ ዘላ ናይቲ ተቓውሞ ምኽንያት እውን ክንድቲ ዝድለ ኣብቲ ናይቲ ተቓውሞ ቀንዲ በዓል ቤት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ግንዛበን ተረድኦን ኣይነበሮን ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ጥልመቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስለ ዝፈልጥ፡ ብዛዕባቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ተቓውሞ፡ መን ከም ዝቃወሞን ስለምንታይ ከም ዝቃወሞን ይፈልጥ ነይሩ። እቲ ተቓውሞ ከይሳዕረረን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ብራኸ ንከይበጽሕን  ሓቢኡ ከምክኖ ዘይዕዉት ፈተነታት’ውን ኣካይዱ። ብዛዕባቲ ተቓውሞ ኣፍልጦን ግደን  ኣለዎም ንዝበሎም ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብሰላሕታ፡ ናይ ምቕንጻሉ፡ ፡ ምጭዋዩን ምእሳሩን ምስጢር ከኣ ነዚ ተቓውሞ ንሓዋሩ ናይ ምጥፋእ መደቡ መርኣያ  ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። ብግብሪ ግና ኣይተዓወተን። እዚ ሎሚ ምስ ኩሉ ድኽመታቱ  ዝሓቑኖ ዘሎ ስፍሓትን ምኽንያታትን ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንተቓውሞ ብዕሸሉ ሓቢእካ ናይ ምሕቃቕ መደቡ ከምዘይተዓወተ መስካሪ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ብዝተፈላለዩ ስቱር ኣገባባት፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ዝቃወሙ ዝተወደቡ ኤርትራዊ ኣካላት  ኣለዉ ክሰምዕ እንከሎ፡ “ሎሚ ድሕሪ ናጽነትከ ደኣ እንታይ ደልዮም እዮም ዝቃወሙ? እታ ንደልያ ዝነበርና ናጽነት ረኺብናያ ኢና”  ዝብለሉ ኩነታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ነቲ ህግደፍ ንኹሉቲ ደሓር ግዜኡ ሓልዩ ዝተጋህደ  ሓጥያቱን ጥልመቱን ንምሕባእ፡ ንዝተሳዕረ ስርዓት ደርግ እንዳላገበ “ዕሸል ሃገር እንዲና ንመርሕ ዘለና፡ ባዶ ሳጹን ገንዘብ እንዲና ተረኪብና፡ ህዝቢ ካብቲ ዝነበሮ ኣይነወሐን እሞ ይተዓገሰና” ክብሎ እንከሎ ምስ ኩሉ ጥርጠራኡ፡  ሓቂ መሲልዎ ዝኣመኖ  ውሑድ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ እምነት ከሕድር እንከሎ፡ ንህግደፍ ብዛዓብቲ ዝስዕርር ዝነበረ ጥልመቱ ከምዘይተረደኦ ይመስሎ ይነብር። ህዝቢ ኤርትራ ግና “ኤርትራዊ ኮይኑስ ኣብ ልዕሊ ብመስዋእቱ ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ቃሉ ዓጺፉ ዝጠልም ኣይህሉን ግዲ” ካብ ዝብል ሓቦ እንተዘይኮይኑ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ክጐናጸፎ ዝነበሮ ሓርነት ዘንጊዕዎ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ክዕገሶ ዝግበኦ ግዜ  ተዓጊሱ ውጽኢት ምስ ሰኣነሉ ግና ንሕገመንግስታዊ ስርዓት ፡ ንዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን መሪሕነትን፡ ንብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን፡ ንሰላማውን ልምዓታውን ሃዋህው፡  ተወዲቡ ክቃለስ ወሲኑ ግብራዊ ምንቅስቓስ ከኣ ኣርእዩ።

ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን  ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ መንእሰይ ወለዶ ዘርኣዮ ጥልመት፡  ኣብ ዝምድና መንግስትን  ዜጋታቱን  ብፍሉይ ዝርአ  ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ካብዚ ኩነታት ብምንቃል ንኤርትራ “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝበልዋ ወገናት ምንባሮም ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ካብ ኮርያ’ውን ዝገደደ  እዩ።  ምኽንያቱ ኤርትራ ንቕድሚት ዘይምስጓማ  ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበራ ደረጃ ኣብ ዘይትዕቅበሉ ደረጃ ወዲቓ ዘላ  ሃገር ብምዃና። ተመኩሮ ግዱድን መጀመርታኡ እንተዘይኮይኑ መወዳእታኡ ዘይፍለጥን ውትህድርና ናይቲ ጉጅለ ጥልመት ካብ ዝተገልጸሎም ተግባራት እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብታ ብገዛእ  መስዋእቱ ዘውሓሳ ሃገሩ ኩሉ ሓርነታቱን መሰላቱን ዝነፈጎ ህዝብን፡ ንስልጣኑ ክብል ብዕድሉ ዝተጻወተሉ መንእሰይ ኤርትራን ይቕረታ ሓቲቱ፡ መጻኢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዘመሓደሩዋን  ብናጻ ድሌቶም ዓቕሞምን ዝሃንጹዋን ሃገር መንገዲ ክኸፍተሎም መተገበኦ። ብኣንጻሩ ግና ስለምንታይ ንመግዛእታዊ ኣርዑተይ ነቐፍኩምን ተቓወምኩምን ብዝብል ብደዐን ምጉብዕባዕን፡ ከምቲ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዝበሃል፡  ይቕረታ ሕተቱኒ በሃላይ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ነቶም ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮኑ፡ ብሰንኪ ወጽዓኡ ዝተሰዱ መንእሰያት፡ ደድሕሪኦም እናኸደን ንሕግታት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት እናጠሓሰን፡ “ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ እናመላእኩም፡ እሞ ድማ ብዶላራት ኣሰኒኹም፡  ይቕረታ ሕተቱኒ”  ይብሎም ኣሎ።  እዚ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕዱር ንዕቀት ካብ ህግደፍ ክትሰምዖ ዘገርም እምበር፡  ሎሚ ከም ዝጀመረ ዝውሰድ ኣይኮነን። ናይቶም ንዓመጸኛ ንዕቀቱ ተቐቢሎምን ቃሉ ኣሚኖምን ቀጥዕታቱ ክመልኡን ናይ ፈስቲቫል ዳሳቱ ኣማዕረግትን ዝኾኑ ዘለዉ መንእሰያት ተግባር  ዘሕፍር እዩ። ንስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ምስ ጥልመት ናይቲ ጉጅለ ተመሳሲልካ፡ ኣብ ኤምባሲታቱ ተንበርኪኽካ ናይ ጣዕሳ ቀጥዒ ብምምላእ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል፡ ትማሊ “ተቓወምቲ  ህግደፍ ኢና” ክብሉ ጸኒሖም፡ ሎሚ ግና “ምስ መንግስትና” ንዝብሉ ወገናት “ትማልን እንታይ ወሰደኩም ሎሚኸ እንታይ መለሰኩም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ኮን ይኸውን? ሓደ ስጉምቲ ናብቲ ጉጅለ ምጽጋዕ ብክንድኡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምርሓቕ ምዃኑኸ ይርደኦምዶ ይኸውን?

ህግደፍ ቀልቢ ናይቶም ኣብ ቀረባ ዝጸንሑ ዝበሎም  ንምስላብ፡   ነቲ ብዘይተጸበዮ ብራኸ ተቓውሞታት ዝሕቆን ዘሎ ፈስቲቫላቱ፡ መእከቢ ዘይሕጋዊ ኣታዊ፡ መስበኺ ልኡላውነትን መንዝሒ ናይ ጽልኢ መርዝን ክጥቀመሉ ተዓዚብና። ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራ ዝበሎም ኣካላት እውን ዘርዚሩ። ካልእ ናይዚ ፈስቲቫላቱ ዕላማ ካብ ዘቤታዊ ተሓታተነት ንምህዳም ናብ ደገ ምምዕዳው’ዩ። ግደ ሓቂ ግና ዝያዳኡ ብጉዳይ ልኡላውነት ዘሽካዕለለ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ሓይሊ የለን። እንተልዩ’ውን ንሱ ብዝኸፈቶ ኣፍደገ ዝኣቱ እዩ። ስለዚ ኣብ ጐኒ’ዚ ጉጅለ ምስላፍ  መሳርሒኡ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ብዙሓት ብሰንኪ ህግደፍ ውልቃዊ ክብሮምን ልኡላውነት ሃገሮምን ንድሕሪት ተመሊሱ ኣጀንዳ ከም ዝኾነ ዝርድኡ ክንሶም፡ ምስኡ ኮይና  “ልኡላውነት ከነኽብር ኢና ቀሪብናዮ” ክብሉ ምስማዕ ዘየገርም ኣይኮነን። ልኡላውነት ህዝቢ ምስ ዝግህስ ወገን ተሰሊፍካ ልኡላውነት ሃገር ናይ ምዕቃብ ሓሸውየ ከኣ እዚ እዩ። ነቲ ይቕረታ ክሓተካ ዝነበሮ፡  “ይቕረ በለለይ” ክትብሎ ጉንብሕ ጥልዕ ምባል ከኣ “ዘበንያ ግርቢጥስ ማይ ንዓቐብ” ዘብል እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ምቅዋምን ምድጋፍን መኻይዲ እዮም። ስለዚ ሓደ ኣካል፡ ንሓደ ተርእዮ ክቃወም እንከሎ፡ ነቶም ደገፍቲ ክሕድሶም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ምርኣዮም መግለጺ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት እምበር፡ ከም ነውርን ካብዘየሎ፡ ብሰማይ ዝነጠበን ጌርካ ኣይውሰድን። እቶም ዝቃወሙ ኮነ እቶም ዝድግፉ ብዓይኒ ጽልኢ ክረኣኣዩን እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ህላወኡ ክሒዱ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፈኦ ዝሕንሕነሉ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ካልእ ኩሉ ገዲፍካ ኤርትራ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ስለ ዝኾነት።

ምቅዋም ኮነ ምድጋፍ መሰል ዝኸውን ምኽንያታውን ርትዓውን ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ብመሰል ተጐልቢብካ ብናይ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ”  ዝብል ዕዉር ድርቅና፡ ምድጋፍን ንህላወ እቲ ካልእ ወገን ምኽሓድን ግና፡ ቅኑዕ ናይ ምቅዋም መሰል ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ናብ ጥፍኣት እምበር ናብ ፍታሕ ዝወስድ ኣይኮነን። ንኣብነት ነቲ ቀትሪ ለይቲ ወይ ነቲ ለይቲ ቀትሪ እንተዘይበልኩሞ ምባል፡ ብመሰል ኣመኽኒኻ እተኸዶ መንገዲ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት፡ ኣብዘሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕዳር ህግደፍ ዝቃወም እዩ። እቲ ምቅዋሙ ብደረጃታት ክፈላለ ይኽእል። ዘግሃደን ዘየግሃደን፡ ብቃልዕን ብምስጢርን፡ ዝተወደበን ዘይተወደበን፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻእን፡ ዝፈርሕን ዝደፍርን፡ ……..ወዘተ ኢልካ ምጽብጻቡ ይከኣል። ብዙሕ ናይ ተቓዉሞ ድምጺ ዘስምዕ ይሃሉ’ምበር እቲ ዝያዳ ኣድማዒ እቲ ዝተወደበ ምዃኑ ንጹር እዩ። ብኣተሓሳስባ ንህግደፍ ካብ ልቡ ዘውጸአ ግና ክውደብ ኩነታት ዘየፍቀደሉ ኣካል ኣበርክቶ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።

ንህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራውያን ናይ ምቅዋሞም ምኽንያት ብመሰሎም ምጥቃሞም ጥራይ ኣይኮነን። ናይቲ ጉጅለ ወጻዒ፡ ጠላም፡ ብናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ዝጣላዕን ገሃሲ ኩሉ መሰላትን ምዃን ንናይ ምቅዋሞም ርትዓውነትን ምኽንያታውነትን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ነፍሲ ወከፍ እዞም  ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ዝቃወመሎም ናይ ወጽዓ ኣዕኑድ፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ኣስካሕካሕን ዝርዝር ኣለዎም። ስንብራቶም ድማ ኣብ ውሱን ክፋል ኤርትራዊ  ዝረአ ዘይኮነ፡ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ማዕጾ ዝኳሕኩሑ ምዃኖም ዝያዳ ምኽንያታዊ ይኾኑ። ንከምዚ ዓይነት ጸረ ህዝብን ጸረ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ዝኾነ ጉጅለ ምቅዋምን ተቓሊስካ ክትስዕሮ ምስላፍን እምበኣር፡  ናይቲ ብመሰልካ ምጥቃም ቅኑዕ መግለጺ እዩ።

ሰዓብቱ ይውሓዱ  እምበር፡ ንህግደፍ ዝድግፍ ኣተሓሳስባ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣተሓሕዛና ከምቲ “ኣሚንካ ምምጓት” ዝበሃል፡ ህላወ ናይቶም ነቲ ጉጅለ ዝድግፍዎን ዘመጉስዎን ብምኽሓድ ኣይኮነን። እዞም ደገፍቲ ህግደፍ ናይ ምድጋፍ መሰሎም ኣብ ባዶ ምኽንያት ዝምርኮስ እዩ። ህግደፍ ወጻዒ፡ ጠላምን ገሃሲ ኩሉ መሰላትን ምዃኑ፡ ሎሚ ኣይኮነንዶ  ንኤርትራውያን ንዘይኤርትራውያን እውን ብሩህ እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ዝድግፍዎ ብሓለንጊ ወጽዓኡ ዝተገርፉ ምዃኖም ከኣ ንደገፎም ዝያዳ ትርጉም የስእኖ።

ንኣብነት ሓደ ብሰንኪ ግዱድን መወዳእትኡ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወቱ ምምራሕ ስኢኑ፡ ክሃድም ዝተፈነ ኤርትራዊ፡ ኣብ ዶብ ተታሒዙ ንዓመታት ተኣሲሩ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ፡ እንዳጋና ሃዲሙ ኣብ ሓንቲ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትምራሕ ሃገር ኣትዩ ዝተጣየሰ ኤርትራ ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣብታ ሃገር  ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ በደላት ከም ምኽንያት ኣቕሪቡ ዑቕባ ናይ ምርካብ ሕቶኡ ተቐባልነት ረኺቡ። ተገልቢጡ ንህግደፍ ዝድግፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ካብ ተኸልቲ ዳስ ፈስቲቫል ህግደፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ካብ ምኽንያታውነት ርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኣካይዳ ጥልመት እውን እዩ። ከምቲ “ዒራ ዘይስንኻስ ሑጻ ትቑርጥመሉ” ዝበሃል፡ “እንኳዕ ደኣ ኣነ ነብሰይ ኣድሓንኩ እምበር እቲ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝደሃኽ ዘሎ ህዝብስ ባዕሉ ይፈልጥ” በሃልነቱ ዘንጸባርቕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ህግድፍ ምስላፍ ታራ ምርጫ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ምፍጻም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቶም ኣብ ፈስቲቫል ህግደፍ ዝኹነኑ፡ እቶም ህግደፍ ባዕሉ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣምሲሉ ዝሰኣሎም፡ ወያነ፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ዝተወሰኑ ምዕራባውያን መንግስታትን ምዃኖም ተዓዚብና። እዚ ኣቀማምጣ ምስ ህልኽን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ህግደፍን እምበር፡ ምስ ህልዊ ክውንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። እቲ ምድጋፍን ምቅዋምን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ቀዳምነት ዝሰርዐ እንተዝነብር፡ እቲ ቅድሚ ኩሉ ክኹነን ዝነበሮ ጨካን ተግባራት ህግደፍ እዩ። እቶም ደድሕሪ ህግደፍ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ከውግዙ ዝሰማዕናዮም ደገፍቱ  ከኣ “ከምቲ ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡  ቅድሚ ናብ ኣስመራን ዓዲ ሃሎን፡ ናብ መቐለ፡ ኪየቭ፡ ታይፐይ፡ ዋሽንገተንን ካለኦትን ኣይመተመጣጠሩን። ምናልባት ነዞም ክረግምዎም ዝሰማዕናዮም መንግስታት ናይ ምቅዋም ወልፊ እንተልይዎም እውን፡ እቲ ቀዳምነት ክሰርዕዎ ዝነበሮም እቲ ንኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም መርገጽ እግሪ ነፊጉ ደም ዘንበዖም ዘሎ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጉጅለ ክኸውን ምተገበኦ። ንምዃኑ እቲ ህበይሲ “ቅድም እቲ ኣብ ኮፍ መበልያይ ዘሎ እሾኽ ኣውጽኡለይ’ሞ፡ እቲ ዝተረፈ ኮፍ ምስ በልኩ ባዕለይ የርክበሉ” በለት ዝበሃል ምስላስ ኣየስተብሃልሉን ማለት ድዩ።

ብሓፈሻ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ፈስቲቫላቱ “እምባሕ በል”፡ ኣብቲ ዘሕፍር ተግባሮም ከኣ፡“ኩራዕ ኤርትራዊ”  ክብሉ ዝሰማዕናዮም፡ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት  ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክጐድሎም እንከሎ “ሸንዳሕዳሕ” ከም ዝብሉ ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣብ ሃገርከ፡ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝመጸ መሰል ብኣጻብዕ ንዝቑጸሩ ኣሕሊፍካ ምስ ሃብካ ምዃኑ፡ ዘሕፍርን ዘተክዝን እምበር ዘሳዕስዕ ክኸውን ኣይምተገብኦን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ይገዝእ ንዘሎ ጉጅለ፡ እትቃለሶ እምበር እትከላኽለሉን እንትድግፎን ከም ዘይኮነ ዝተገንዘቡ ብዙሓት፡ ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ሰባት ዝተሰለፉ ዘይኤርትራውያን  ወገናት ከይተረፉ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። ጸረ ህዝብነት መልእኽቲ ፈስቲቫላት ህግደፍ ብምግንዛብ፡ ኣብ ሽወደን፡ ዳላስን ሆላንድን ዝተሰምዑ ድምጽታት ኣተባባዕቲ እዮም። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ከምዚ ዓይነት ተስፋን ደገፍን ዝህቡ ተበግሶታት ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ክንድ ከምቲ “ጠሓኒትሲ ሓጋዚታ እንተረኣየት መዲዳ ትሓብእ” ዝብሃል ኣብ ክንዲ እግርና እነድሕር፡ ነቲ ጻሕታሪ ጽልእን ኣጸላምን ፖለቲካ ህግድፍ ብትብዓት ንመክቶዮ።