EPDP Editorial

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ዘለናዮ ዘመን ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ስልጣነ መራኸቢ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝተቐየረትሉ ደረጃ በጺሓ ኣላ። እዚ ምዕባለ’ዚ ውጽኢት ብዙሕ ጥበባት፡ ውህሉል ተመኩሮታትን ምርምራትን ስለ ዝኾነ፡ ኣተሓሕዛ ተጸቢቕካሉ ግደኡ ኣውንታን ዕቤትን እዩ። ማዕሪኡ ክትስጉም ተዘይክኢልካ ግና፡ ናብ ዕንወትን ውድቀት ክወስደካ እቲ ዕድል ሰፊሕ  እዩ። ነዚ ክውንነታዊ ምጽልላው ክሒዶም፡ ብጉልባብ “ነብሰ ምርኮሳ” ገዝኦም ዓጽዮም ብብሕትውና ክዓብዩ ዝሕልኑ ወገናት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘለዉ ናይ ህግደፍ ንጹል ኣተሃላልዋ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ነዚ ንዓለምና ናብ ቁሸትነት ዝቐየረ ምዕባለ ተኸቲሉ ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ቀጻሊ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ምጽልላው ኣሎ። እቲ ነቲ ኣሉታ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ተጸላላዊ ኮይኑ ኣሎ። ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ኣብ ሓደ ሃገር ጥራይ ተደሪቱ ኣብ ዘይተርፈሉ ደረጃ ምዕባለ ኢና ዘለና። እቲ ቀደም ወለድና “እንተ ክትድቅስ’ሞ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ዝነበሩ ምስላ፡ ሎሚ ብዘመናዊ ስልጣነን ዲፕሎማሲያዊ ምድግጋፍን ተረጋጊጹ እዩ። ስለዚ ደለይቲ ሰላም፡ እታ ዝብህግዋ ሰላም ንምዕቃብ ኣብ ሃሃገሮም ጥራይ ተደሪቶም ማዕጾ ዓጽዮም ዝገብርዎ ቃልሲ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ሃገርካ ክትቀስን፡ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ተላባዒ ህውከት ኣባኻ ከይበጸሐ ክትገትኦ ናይ ግድን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ብፍላይ ከም ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ዓለም ለኻዊ ኣካላት ኣብ ሓደ ከባቢ ጸገም ከጋጥም እንከሎ በቲ የድምዕ’ዩ ዝበልኦ ኣገባብ ዓገብ ናይ ምባል፡ ሓደሓደ ግዜ’ውን ጣልቃ ናይ ምእታው ሓላፍነት ኣለወን። ኣብ ፈቐድኡ ሃገራት ዓቀብቲ ሰላም፡ ፖለቲካዊ ተዓዘብትን መርመርቲ ኮምሽናትን ዘቑማ’ውን ካብዚ ሓላፍነት’ዚ ብምብጋስ እዩ። ከምቲ “ኢድ ሸናሒት ጸናሒት” ዝበሃል እዘን ኣካላት ኣብቲ ጸገምካ ክሳተፋ፡ ንመትክላተን ከተኽብር ግድን እዩ። ከምዚ ናይ በዓል ህግደፍ ዘይዘራእካዮ ክትዓጽድ ምግዓር ግና ቦታ የብሉን።

ናይ ሓደ ሃገር ዜጋታት ከምዚ ንዓና ንኤርትራውያን ወሪዱና ዘሎ ጸገም ከጋጥሞም እንከሎ፡ ዓብዒበምዎ ስቕ ዝብሉ ዘይኮነስ ሕብረተሰብ ዓለም ክፈልጠሎምን ክሕግዞምን ከእውዩ ናይ ግድን እዩ። እዚ ስምዕታ ካብ ሕመቕ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ናይ ዓለምና ተጸላላውነትን ምትሕግጋዝን ዝነቅል እዩ። ዜጋታት ሓንቲ ሃገር እዚ መልእኽቲ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘመሓላልፍዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓባር ሰልፊ ሓደ ካብኡ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ሰልፊ ኤርትራውያን ቀንዲ ዕላምኡ ንሱ እዩ። እንተኾነ ሰልፍታት ሰለ ተሰለፍካ ጥራይ ኣብ ፍረ ዝበጽሑ ኣይኮኑን። እቲ ንምስላፍ ዘምርሕዎ ጭረሖን መሰረታዊ ሓሳብን ርትዓዊ ክኸውን ብቐጻሊ ግብራዊ ስጉምታት ክስነን ናይ ግድን’ዩ። ንኣብነት ኣብ ጀነቫ እንተኬድና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድዎ ሰልፊ ኣንጻር ውጽዓ፡ በደል፡ ብኩራት ፍትሕን ሰናይ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዘተኮረ ስለ ዝነበረ ቅኑዕ እዩ። ብኣንጻሩ ደገፍቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ሰልፊ ግፍዒ፡ ዓመጽ፡ በደል ዘይፍትሓውነትን ጸረ ህዝብነትን ሱር ሰዲዶም ክቕጽሉ ዝጠልብ ስለ ዝነበረ ቅቡል ኣይኮነን።

ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ንኣብነት ኤርትራውያን፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣብ ዓለምለኻዊ ኣደባባያት ክስለፉ እንከለዉ ወይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መዘክራት ከቕርቡ እንከለዉ፡ “ ንጉዳይና ንሕና ስለ ዘይከኣልናዮ ንስኻትኩም ፈጽሙልና” ካብ ዝብል ተጸባዪ መንፈስ ዘይኮነስ፡ “እቶም ወሰንቲ ሰብ ጉዳይ ንሕና ኢና። እዚ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ግና ተሓጋጊዝና ተዘየቕሂምናዮ ጽባሕውን ካባና ፈሲሱ ካልእ ከባቢ’ውን ክልክም ይኽእል እዩ እሞ፡ እቲ ንሕና ዘይከኣልናዮ ኣብ ምምላእ ተሓጋገዙና” ካብ ዝብል ናይ ምትሕብባር መንፈስ ዝነቅል እዩ። እቲ ብኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ዝኸውን ዘሎ’ውን ከምኡ እዩ። ብእምንቶን መደብ ዕዮን ሰደህኤ ብሰልፊ ሓሳብካ ምግላጽ ሓደ ካብ መርኣያታት ደሞክራሲ ስለ ዝኾነ ኣብ መጻኢት ደሞክራስያዊ ኤርትራ’ውን ክቕጽል’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ውሱናት ድገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ከም መመላእታ’ቲ ናትና ወሳኒ ጸዓትና ዘካየድናዮ ዓለምለኻዊ  ሰልፊ ዘይመልክዑ ክትሕዝዎ ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ጉዳይና ናብ ዓለማዊ መድረኽ ይቕረብ እንተበልናስ ያኢ ሃገራዊ ክድዓት ይብልዎ። መራሕቲ ህግደፍ ክንድቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸምዎ ገበን ይቀጽዑ እንተበልና ከኣ ልኡላውነትካ ኣሕሊፍካ ምስ ምሃብ የዛምድዎ። ናይዚ ኩሉ ድምር ኣበሃህላኦም ትርጉም ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ድላዩ እንተገበረ ስቕ ኢልኩም ርኣይዎ ዝብል ሸፋጢ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዩ።  ንዓና ደለይቲ ለውጢ ከኣ፡ ንምውጋዱ እንዳተቓለስናስ “ንመን ፈቲኹም ንመን ክትጸልኡ ከም ዝግበኣኩም ህግደፍ ይምረጸልኩም” ዝመንፈሱ መልእኽቲ እዩ ዝንገረና ዘሎ። ምእንቲ ሓቂ ንዛረብ እንተ ኢልና እምበኣር እቲ ክድዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራናስ ኢደ-በይዛ ጉጅለ ህግደፍ ምዃን እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ንኽልቲኡ ወገናት ንደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምትን ዝነቕፉን ዝግስጡን ናጻ መሲሎም ዝቀላቐሉ ጉሒላታት ንዕዘብ ኣለና። ንዝተወሰነ ርሕቀት ደድሕሪኦም ተሲዕብካዮም ግና መወድቐኦም ኣብ  እንዳ ህገደፍ እዩ። ብቐሊሉ ነቲ ንህግደፍ ካብቲ ተሓቢእዎ ዝነበረ ዓማጺ በዓቲ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ኣደባባይ ዓለም ጠጠው ዘበለ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘይመልክዑ ይህቡ። ንመራሕቲ ህግደፍ ኣብቲ ተመጣጣኒ መቕጻዕቲ ዝቕጽዕሉ መገባእያ ይቕረቡ ንዝብል መጸዋዕታ ድማ ጉዳይካ ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ከም ምሃብ ይገልጽዎ። ንሰልፊ ጀነቫ ድማ ንሉኡላዊት ኤርትራ ከም ዝህድድ ገይሮም ይቐርጽዎ። እዚ ግና ኩሉ ብጉጅለ ህግደፍ ብውሕሉል ኣገባብ ዝተዋህበ ሕቡእ ዕዮ ገዛ ምዃኑ ከይንዝንግዕ ሓደራ። እቲ ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣብ ጉዳይና ዘበርክትዎ ግደ ኣለዎ፡ ግና ንግደ ኤርትራውያን ዝትክእ ከምዘይኮነ ብዓንተቦ እንግንዘቦ እዩ። 

حداةُ التغيير والديمقراطية والعدل قد يتأطرون علي مختلف الأشكال التنظيمية. هذا وتنبع أهمية التأطـُّــر والتنظيم من كونهما ضروريان جداً لعملية إحداث التغيير الحقيقي، لكن ما يجب إدراكه هنا هو أن أي تجمع أو تنظيم سياسي أو اجتماعي لا ينوب عن كافة أفراد الشعب، هذا لا يعني تجاهل أن الشعب وتلك الأشكال التنظيمية النابعة منه لا يتبادلان التأثر والتأثير.

 

من أهم مقومات وأسس قيام التنظيمات تلبية طموحات ورغبات وآمال وتوقعات الشعب، ذلك أن الأحزاب السياسية في جوهرها هي أدوات للشعب يحقق من خلالها رغباته، ولا تنمو الأحزاب وتتقوى إلا بتحقيق تلك الرغبات، وكل تشكيل سياسي أو تنظيمي لا ينطلق من رغبة الشعب أو ينصب نفسه مندوباً سامياً عنه دعك من أن يكون قوة تغيير بل لا ضمان حتى لوجوده علي أرض الواقع. وحزبنا منطلقاً من هذه الحقيقة نصَّ في برنامجه السياسي علي: ( يأتي علي رأس مسئولياته أن يكون حريصاً علي مطالب الوطن والشعب )، إنه لا يفعل ذلك بطريقة شعاراتية بل بطريقة عملية وواقعية، إن تقوية العلائق بين الشعب والتشكيلات السياسية والاجتماعية ليس من مسئولية تلك التشكيلات فقط، بل من مسئولية الشعب أيضاً. ومن الطبيعي أن يتخير الشعب التشكيل الذي يؤمن رغباته السياسية والاجتماعية وأن يعمل علي تمتين وتعزيز ما يتخيره من التشكيلات، وأن يميز في ذات الوقت التشكيل الذي يسبح عكس تيار الشعب ويضغط عليه لتصحيح مساره. في عصرنا السياسي الراهن هناك بالتأكيد تشكيلات سياسية واجتماعية ذات ميول ومصادر متباينة، وقد تكون هناك أوجه شبه بين البعض منها. ومن عوامل تميز التنظيمات وأهليتها القدرة علي إدارة الخلافات والعمل وفق المتفق عليه من الأجندة المشتركة، التسامح بيننا هو الأداة الناجعة التي نستعين بها في إنجاز أعمالنا هذه. الاختلاف في الرأي قد يكون ذا خلفية دينية، عرقية، مناطقية، تجاربية وحتى سياسية. ونحن نهتم بهذه الاختلافات لأن لها علاقة بعلاقتنا جميعاً بالشعب الذي نزعم أننا نشأنا وتأسسنا لخدمته، حزبنا لما يدركه من أهمية إرساء أسس سليمة لحلحلة وإدارة تلك الخلافات نصَّ في برنامجه السياسي علي: (إن مبدأ استمراريته ونصره الأساسي هو أن يصنع من الفسيفساء السياسي المتناثر قوة تغيير ديمقراطية متينة تقضي علي أعداء الوطن والشعب الحاليين والمستقبليين فكراً وممارسة)، وهذه بالطبع ليست بالمهمة السهلة وإن بدت كذلك، إنها تتطلب صبراً عتيداً وإرادة صلبة وقراءة حكيمة لبوصلة رغبات الشعب.

 

كثيراً ما نردِّد أن تعددنا عامل غنى وتفرُّد، لكن هذا لا يتحقق علي أرض الواقع إلا باعتراف كل قطاع بهوية وشراكة الآخر. أي كما ينص حزبنا في برنامجه السياسي: (حزبنا يناضل مدركاً التنوع والتعدد الارتري ومشتملاً عليه). كما أن الحزب لا يقصر ذلك علي إثباته في وثائقه فقط، بل يجسده سنوياً بإقامة المهرجانات السياسية والثقافية التي يحضرها ويــُــدْعـَــى لها العديدون من شتى المشارب الفكرية والسياسية والاجتماعية.

 

الغاية القصوى من نضالاتنا ومجهوداتنا هي إسقاط دكتاتورية الهقدف وإبدالها بنظام ديمقراطي يؤمن الحرية والعدل والتسامح. وبرنامج حزبنا يؤكد علي هذا المحتوى بشتى المعاني والمفردات.

 

 

إن المسيرة النضالية نحو الديمقراطية والوضع السياسي الآمن ليست مسيرة شخص ولا تنظيم ولا تجمع بعينه، بل هي مهمة ومسئولية الجميع تستدعي تعاون وتكاتف كل من يعنيهم الأمر دون أن يتعالى أحدهم علي الآخر.

ርእሰ-ዓንቀጽ 

ሰውራ ኤርትራ ዝተበገሰሉ ዕላማ ቅኑዕን እዋናውን ምንባሩ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ቅኑዕ ካብ ዝገብርዎ ብዙሓት ምኽንያታት፡ እቲ ሰውራ ትርጉም ሓይሊ ቅድሚ ፍትሕን ሰላማዊ መስርሕን ሰሪዑ ዝመጸ ምኩሕ ዘይኮነስ፡ ኩሉቲ ካልእ መማረጽታት ምስ ተወደኦ ኤርትራዊ መሰል ንምውሓስ ካልእ መተካእታ ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ። ሰውራና ክብገስ እንከሎ ከም ኩሉ ተርእዮታት ቅድመ ምድላዋቱ 100% ኣጻፊፉ ዝነቐለ ዘይኮነስ ምስ ኣብ መስርሕ ክፍትሑ ዝነበሮም ውሱናት ሕጽረታት ዝወፈረ ምንባሩ ንጹር እዩ። ኣብቲ እዋን ነዚ ውሱን ሕጽረት መዝሚዞም ንድሕሪት ክመልስዎ ዝሕልኑ ብዙሓት ነይሮም ክነሶም፡ እንተኾነ ከደንጉይዎ እምበር ከበርዕንዎስ ኣይከኣሉን።

ናይዚ ሰውራ ጀመርቲ ምስ ኩሉ ዝነበሮም ሕጽረት፡ ትብዓትን ንኽእሎ ኢና በሃልነትን ተዓጢቖም ነቲ ጸልማት ከብርህዎ ሓሪኖም። ዓቕሞም ውሱን ንቕለኦም ግና ፍትሓዊ ብምንባሩ ከኣ እቲ ሰውራ ናይ ውሱናት ዘይኮነስ ናይ ብዙሓት ከም ክኸውን ኣብ ምኽኣል ግዜ ኣይወሰደሎምን። ፍትሕን ሓቅን እንተልዩ ውሑድን ድኹምን ጸኒሕካ ከም ዝብዛሕን ዝሕየልን፡ ሓቅን ፍትሓን ተዘየልዩ ግና ብዙሕን ሓያልን ነይርካ ክትውሕድን ክትደክምን ከም እትኽእል ከኣ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብተግባር ተጋሂዱ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዞም ሎሚ እውን ክንርሰዖም ዘይግበኣና ጀጋኑ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጌጋ ነጻ ዝኾኑ መላእኽቲ ኣይነበሩን። ካብ ኣሉታኦም ኣውንታኦምን ህዝባዊ ሞሳኦምን ይዓቢ ከም ዝነበረ ግና ዘይስገር ሓቂ እዩ። ምእንቲ እዚ ሰማእትነቶም ወርትግ ክቡር እዩ።

ጉዕዞ ሰውራና ነዊሕ ጥራይ ኣይነበረን። ኩርኳሕ እውን ነይርዎ። ጉዕዞ ሰውራና ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ሓይሊ መግዛእቲ ጥራይ ዝቋመት ኣይነበረን። በብግዜኡ ገንፊሎም ዝወጹን ልዕሊ’ቲ ምስ መግዛእቲ ዝነበረ ቀዳማይ ምፍጣጥ ፈንጢሶም ዝወጹ ውስጠ-ውድባውን ሕድሕድ ውድባውን ግርጭታትን ምፍንጫላትን እውን ነይረምዎ እዮም። እዞም ጐንጽታት ኣብ ደረጃ ውግእ ሕድሕድ በጺሖም ብዙሓት ጀጋኑ ዝወደቕሉ ተመኩሮ እውን ነይርዎ። እዚ ሕድሕዳዊ ውግኣት ጌና ሕጂ እውን ስንብራቱ ከም ዘይገደፈና ፍሉጥ እዩ። እዚ ኪኖ ምትፍናን ኣብ ምፍሳስ ደምን ናይ ግዳም ሓይሊ ምዕዳምን በጺሑ ዝነበረ ውድባት ኤርትራ ነናቱ ተመኩሮን ታሪኽን ክህልዎ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን ንዛራበሉ ዘለና ግና ነቲ ዝፈላሊ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ነቲ ሰውራ ብሓፈሻ  ዝምልከት ሓባራዊ እዩ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ እቲ ዝነበረ ሕጽረታት ገዲፍካ እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ንጹሃት ሰብ ዕላማ ሰማእታቱ ኩሎም ክቡራት እዮም እንብል። እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ፡ እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ስዉኣት ዘምጽእዎ መዓት ዘይኮነስ፡ እቶም ንቓሎም ዝዓጺፎም ኣብ ኣስመራ ዝዓረዱ ናይ ዘርኣይዎ ጥልመት ንሕድሮም ውጽኢት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ክቡር እዩ ዝበሃለሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንምዕዋቱ በመንጽር ዝተኸፈሎ ንዋት ጥራይ ኣይኮነን። ብመንጽር ዘወፈዮ ብዝሒ ምሩጻት ጀጋኑ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። እቲ ሰውራ ኮነ እቶም ስዉኣት ክቡራት ዝበሃልሉ ቀንዲ ምኽንያት እምበኣር፡ ዋጋኡ ብዝኾነ  ክብሪ ዘይትመን ናጻነትን ልኡላውነትን ስለ ዘውሓሰልና እዩ። ስለዚ ሰማእታትና ጥራይ ዘይኮኑ ክቡራትሲ እንተላይ’ቲ ብዋጋኦም ዝመጸ ጌና ብግቡእ ዘየስተማቐርናዮ ናጽነትን ልኡላውነትን እውን ክቡርን ቀጻሊ ሓለዋን ምሕብሓብን ዘድልዮ እዩ። እቲ ሓለዋ ዝጸንዕ ድማ ብውሱናት “መን ኣሎ ከማና ንናጽነት” ዝብሉ ህንጡያት ጥራይ ዘይኮነስ ብኹሉቲ ብጸጋታት ናጽነትን ልኡላውነትን ዝፍሳህን ዝሕበንን ኤርትራዊ እዩ።

እዚ ንሕና ኤርትራውያን ተመኩሮ ሰውራና ንምጽብባቕ እንብሎ ዘይኮነ፡ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ እውን ንሰውራ ኤርትራ ኮነ ጀጋንኡ ብተደጋጋሚ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ዝኸኣሉ” ብዝብል ምዕሩግ ኣበሃህላ ገሊጸምዎ እዮም። ብዙሓት ምእንቲ መሰልካ ምቅላስ ሓርቢትዎም ዝነበሩ ወገናት እውን ብኣውንታዊ ሃልሃልታ ሰውራና ተጸልዮም ኣብ ዓወት በጺሖም እዮም። ሓይልታት መግዛእቲ እውን ኣፎም መሊኦም’ኳ “ሰውራ ኤርትራ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ስዒሩና” ተዘይበሉ ነዚ ክዉንነትሲ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ተኣሚነምሉ እዮም።

ደሓር ግና ውሑዳት ነቲ ህዝብን ሃገርን ማእከሉ ገይሩ ክመጽእ ዝጸንሐ ሰውራ ኤርትራ ብግቡእ ጉዕዘኡ ወዲኡ ቀንዲ ሸቶኡ ከይወቐዐ፡ ናብ ኢዶም ክስሕብዎ ስለ ዝፈተኑ እነሆ ኣብቲ ሎሚ ዘለናዮ ኣዘራራቢ ሃለዋት ኣለና። ኣብዚ ዘለናዮ ሃለዋት ክንህሉ እቲ ጠንቂ እቲ ሰውራ ወይ ሰማእታቱ ስለ ዘይኮኑ፡ ንክቡርነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርድ ኣይኮነን። እቶም ቃሎም ከነተግብር ዝግበኣና ህልዋት ከኣ ሕድሮም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ናይ ሎሚ ሃለዋት ክንዛራብ እንከለና ኣብ ክንዲ ንሰውራናን ሰማእታቱን ንኸስስን ነራኽስን ነናይ ገዛእ ርእስና ወይ ትካላትና ግቡእ ፈሊጥና እንተንፍጽም ርትዓዊ መኾነ ንብል።

ሕሉፍ ሓሊፍካ ክንዲ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሖም ቃሎም ከይነዕብር ሕድሪ ሂቦም ዝሓለፉ፡ ንኽብሪ ሰውራን ሰማእታቱን ምንእኣስ፡ ብሓጺሩ ቅቡልን ርትዓውን ኣይኮነን’ሞ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግንዛበ ዘለዉ ወገናት “ሰይጣን ወሰደኒ መልኣኽ መለሰኒ” ኢሎም ናብ ልቦም ክምለሱ፡ ኣብ ርእሲ ልቦም ንመኽሮም። “ሕማቕ ናትካ እዩ ዎሆይ ዝብለካ” ዝብል ምስላ ከኣ ኣይንዘንግዕ። ውሕጅ እንዳሰሓሓቐ ከም ዝወስድ’ውን ነስተብህል።

ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጥር 

ظلت المعارضة الارترية منذ فترة ليست بالقريبة تـُــستغفـَــل وتنساق وراء ما يجرها اليه نظام الهقدف من أجندته، هذا لا يعني أن المعارضة لم تحاول العكس، أي إجبار الهقدف علي تلبية أجندتها، إنما نعني أن ذلك لم يكن بالقدر الكافي، فمثلاً مظلات جامعة أو شبه جامعة مثل المبادرة، التجمع، التحالف، المجلس الوطني للتغيير الديمقراطي هي أجندة من صنعنا نحن في المعارضة، لكنها لم تثبت بعد نجاعتها في جر الهقدف الي أجندتنا. 

الهقدف منطلقاً من طبعه المعادي للشعب أعلن برنامجه للخدمة العسكرية الالزامية الأبدية، اعتقل وأخفى قسراً مخالفيه الرأي، صادر كل الحقوق والحريات، زج بالشعب البريء في حروبٍ عبثية لا ناقة له فيها ولا جمل و...و...الخ. وانخرطنا نحن بدورنا في مقارعة وملاحقة أجندته هذه كشفاً وتعرية. ولو كان زمام المبادرة بأيدينا لما كان هذا حالنا، سيكون وقتها مضطراً الي الخضوع لأجندتنا نحن ويحسب لتأثيرنا ألف حساب.

 

لكن ما يزال لدينا الكثير من عوامل استرداد زمام الأمر. بيد أن الوقت يداهمنا ويلاحقنا ونحن لم نستغل بعد ما لدينا من عناصر المبادرة. ولكي نسترد زمام المبادرة لابد لنا من قوة وفاعلية علي مسرح الأحداث، علي أن معنى ومبنى القوة والفاعلية عندنا ليس بالضرورة ما في نفس النظام وعقليته المعروفة لدينا، فالقوة لدى الهقدف لا تعدو أن تكون أداةً لتخويف وإرهاب الشعب وابتزازه وسلبه ونهبه، لكن هذه قوة لا شك زائلة وزائفة معنىً ومبنى، أما معنى القوة عندنا علي العكس يستمد من قوة الشعب لا من ضعفه ولا يستمد من كونها أداة لقمع وقهر الشعب. إننا ما لم نمتلك تلك القوة التي تتخذ من الشعب سيداً للقرار والتأثير فلن يكون لدينا القدرة علي إخضاع الهقدف لأجندتنا وتأثيرها.

 

لقد ثبت لنا عملياً كم يصاب النظام بالفزع والهلع من أقل قدر من الوحدة والتفاهم بين من لهم مصالح مشتركة وعزيمة صادقة، إنه يخاف من وحدة الشعب خوفه من الأسد، لذلك تراه يعمل صباح مساء علي تفتيت تلك الوحدة بزرع شتى النعرات والتقوقعات بين بعض الشعب وبعضه الآخر. وكلما تجاوزنا متماسكين متاريس التمزق والتفرقة كلما انزعج النظام واضطر للتعامل معنا راغماً غير راغب. وكلما انشغلنا بخلافاتنا الثانوية وتركنا وراءنا ممارسات الهقدف الخطيرة علي وحدة الشعب والوطن لن نكون قادرين علي إخضاع الهقدف لأجندتنا. كلنا علي علم بالحكمة الخالدة: "اختلاف الرأي أمر شائع عالمياً، كما أن العمل وفق ما يتفق عليه الجميع وتأجيل ما يختلفون عليه هو الآخر أمر مألوف". إن الوحدة قوة، كلنا ندرك ذلك، ومن تمام الإدراك أن نعمل بما نقول، أما العمل عكس ما ندرك فلا يعدو أن يكون إخفاء العلاج والتستر عليه مع العلم بالمرض الذي يستوجب العلاج.

 

إن ما اجتاح العالم خلال الأيام الماضية من تظاهر الارتريين في أنحاء العالم دعماً وتأييداً لقرارات دولية في طريقها الي إدانة النظام أزعج الهقدف وزعزع فرائص توازنه. وكلما قوينا وحدتنا بالتنظيم والرأي السديد والمتماسك كلما اضطررنا النظام الي الهرولة وراء أجندتنا والانصياع لها. وحدتنا سوف تحطم كل دفاعات وأقنعة الهقدف.

 

نحن دعاة العدل والتغيير الديمقراطي لم نعد منعزلين عن شعبنا، إنه معنا علناً وأحياناً سراً، العالم أيضاً معنا، إنه – أي العالم – تقدَّمَــنا كثيراً وهو يعد العدة لتقديم أوراق إدانة النظام المجرم الي الجهات العدلية الدولية. طغمة النظام هي الأخرى خضعت للأمر الواقع فبدأت تهرول وراء لجنة التحقيق الدولية وتستجدي عطفها في سبيل السعي الي شطب إدانتها من سجلات تقريرها. ولا شك سيأتي اليوم الذي يجد فيه الهقدف نفسه يرسف في سلاسل إدانته التي نسجتها له أيدي الشعب الذي ظل يطعمه الذل والهوان طيلة ربع قرن من الزمان. ذلك أن كل شريك خارجي في صناعة التغيير القادم في ارتريا إنما ينطلق من مصلحته هو وليس بالضرورة مصلحة المواطنين الارتريين. ثم إن العامل الخارجي في هذا التغيير هو الذي يستغله النظام في تبرير عناده وتشبثه بسلطته ويرتعد خوفاً من العامل الوطني داخلياً كان أو خارجياً لأنه الوحيد الذي يشكل تهديداً جاداً لعرشه. وهذا بالطبع هو الذي يجعل الهقدف مضطراً الي ملاحقة أجندتنا بدلاً من جرنا الي أجندته.     

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደለይቲ ለውጢ፡ ፍትሕን ደሞክራስን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክውደቡ ንቡር እዩ። ምውዳብ ኣገዳሲ ዝኾነሉ  ምኽንያት ዘይተወደበ  ሓይሊ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ዓቕሚ ክኸውን ስለ ዘይክእል’ዩ። ኣብዚ ክንጸሩ ካብ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ዝኾነ ውዳበ፡ ማሕበር ይኹን ፖለቲካዊ ትካል ንህዝቢ ክትክእ ዘይክእል ምዃኑ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ህዝብን ናይቲ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ውዳበታትን ምምግጋብ ህያው ምዃኑ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

ውዳበታት ካብ ዝቖምሉ መሰረታዊ ነጥብታት ሓደ ናይ ህዝቢ ባህጊ፡ ድሌትን ትጽቢትን ኣብ ግምት ምእታው እዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ መሳርሒ ስለዝኾና። ውዳበታት ነዚ ከማልኡ እንከለዉ ጥራይ እዮም ክስስኑ ዝኽእሉ። ካብ ድሌት ህዝቢ ዘይነቅል ወይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ውክልና ወሲዱ፡ ኣብ ቦታ ህዝቢ ከቐምጥ ዝሕልን ውዳበ ግና ናይ ለውጢ ሓይሊ ክኸውንስ ይትረፍ ክህልው እውን ንጋዳ እዩ። ሰደህኤ ነዚ ብግቡእ ስለ ዝርዳእ ኣብቲ ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ሓላፍነት ሲዲህኤ ብመጀምርያ ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን እሙን ምዃን እዩ።”  ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እሙን ምዃን ብጭረሖታት ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ መንጎ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ማሕበራትን ዝፍጠር ዝምድና ንክድልድል ሓላፍነት ናይተን ውድባት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ምእንቲ ድሌቱ ውዳበታትን ማሕበራትን ዝፍጠራሉ ህዝቢ እውን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣየናይ ውዳበ እዩ ብግቡእ ንባህጉ፡ ክብሩ፡ ልኡላውነቱን ትጽቢቱን ዝተሰለፈ ከነጽር ናይ ግድን እዩ።  ምንጻር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐኒ እቲ ዝሓረዮ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ኮይኑ ከሕይሎን ክሕብሕቦን ናይ ግድን እዩ። ነቲ ኣንጻር ድሌታቱ ዝኸይድ ውዳበ ድማ ብኽንድኡ ደረጃ ክገንሖን ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ክመጽእ ተጽዕኖ ከንብረሉን ሓላፍነት ህዝቢ’ዩ።

ኣብ ከምዚ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ መንጎ ውድባት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ዝነቅል ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ዘመሳስለን ክህሉ’ውን ከምኡ። ዕዉት ፖለቲካዊ ትካላት ኮይና ክንበቅዕ ከኣ ክፍታሕ ዝግበኦ ፍልልይ እንዳፈታሕና፡ ክፍታሕ ንዘይከኣለ ድማ ግዜ ንምሃብ እንዳመሓድርና፡ ኣብቲ ዘሰማመዓና ነጥብታት ከነድምዕ ምኽኣልን ዘይምኽልን ቀንዲ ናይ ብቕዓትና መምዘኒ እዩ። ነዚ ክንበቅዕ፡ ምጽውዋር ቀንዲ መሳርሒና እዩ። ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ካብ እምነት፡ ብሄር፡ ተመኩሮን ከባብን፡ ኮታ ብሓፈሻ ካብ በበይኑ ፖለቲካዊ እምነት ክመጽእ ይኽእል። እዚ ፍልልይ ምስ ብዙሕነት ናይቲ ምእንታኻ እንብሎ  ህዝቢ ዝምድና ስለ ዝህልዎ ኢና ኣብ ኣተሓሕዛኡ እንግደስን እንጥንቀቕን። ሰደህኤ ነዚ ኩሉ ኣመሓዲርካ ብሓብር ምስራሕ ዘይስገር ምዃኑ ስለ ዝኣምን እዩ ቀንዲ መትከል ቀጻልነቱን ዓወቱን፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተበታቲኖም፡ ፍትሒ ዘናድዩ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ጸጋታቶምን ዓቕምታቶምን ዝጥርንፍ ድልዱል፡ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ሓይሊ ምህናጽ ኰይኑ፣ በዚ ኣቢልካ ንሃገር ዘብርስ ዘሎ ስርዓትን ከምኡ ዝኣመሰለ ኣታሓሳስባን ካብ ስሩ ንምብንቋስ፡”  ዝብል ሓሳብ ኣብ’ቲ መሰረታዊ ሰነዱ ኣስፊሩ ዘሎ። እዚ ቀሊል ዝመስል  ፍልልያታካ ዓቂብካ ብሓባር ናይ ምስራሕ ክእለት ግዜ፡ ትዕግስትን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ተወፋይነትን ዝሓትት መሰረታዊ ዕማም እዩ። ብህዱእ ናይ እንካን ሃባን መስርሕን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ብምስትብሃል ከኣ እዩ ዝረጋገጽ።

ተደጋጊሙ ከም ዝግለጽ ብዙሕነትና መልክዕናን ናይ ሓያልነትና ምንጭን እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ግና ኣቲ ሓደ ነቲ ካልእ ግቡእ ኣፍልጦ ክህቦ እንከሎ እምበር ክነጻጸግ እንከሎ ኣይኮነን። ከምቲ ሰልፍና “ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍን ኣለልዩ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ።” ኢሉ ዝኣምኖ። ነዚ ሓሳብ ከም እምነት ኣብ ሰነዳት ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰደህኤ ዝምድና ሰልፍታትን ህዝብን ምእንቲ ጎሊሁ ክረአ  ኣብ ዓመታዊ ፈስቲቫላቱን መሰል ኣጋጣምታት’ውን ንምንጽብራቑ ዝግበሮ ጻዕሪ ቀጻሊ እዩ።

ናይ ኩሉ ጻዕርናን ቃልስናን መዛዘሚ ንምልኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ ኣብ ክንዳኡ ናጽነትን ፍትሕን ዘንግስ ኣተኣማማኒ ባይታ ንምምድማድ እዩ። ከምቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰደህኤ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ከም ኣካል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ሓይልታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ንምልክን ሰረታቱን ካብስሩ ኣልጊሱ፡ ኣብ ቦታኡ፡ ንኹሉ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ፡ ንኤርትራዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ዝከላኸል፡ ስሙርን ብልጹግን ቅዋማውን ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ።” ኢልዎ ዘሎ።

ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶ እዚ መስርሕ ጉዕዞ ናብ ምትካል ዘተኣማምን ደሞክራሲ፡ ናይ ብዙሓት እምበር ናይ ውሱናት ኣይኮነን። እዚ ብግብሪ ክሰርሕ ከኣ ናይቶም ተዋሳእቲ፡ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ክህልው ናይ ግድን እዩ። ዋላ ኣብቲ ሓድሽ ዘይኮነ ኣጀንዳ ንስኻ ጀማሪ መሲልካ ናይ ምቕራብ ኒሕ ግና ኣብ ፍረ ዘብጽሕ ኣይኮነን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ምልስ ኢልና እንተረኣና፡ መብዛሕትኡ ምንቅስቓሳትና ደድሕሪ ህግደፍ ዝነደፎ ኣጀንዳታት ምስዓብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ምርዳእ ይከኣል። እዚ ማለት  ህግደፍ ደድሕሬና ንክስዕብ ከገድዱ ዘይምኽእሎም እምበር፡ ንሕና እውን ተዝዕወቱስ ህግደፍ ደድሕሬና ንክስዕብ ዘገድድዎ ዝኽእሉ ኣጀንዳታት ክንሕዝ ኣይጸናሕናን ማለት ኣይኮነን። ተበግሶ፡ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት ነዲፍና፡ ግና ንህግደፍ ከገድዱ ብዝኽእልሉ ደረጃ ዘየዕወትናዮም እዮም።

ህግደፍ ካብ ናቱ ጸረ ህዝቢ ባህርያት ነቒሉ፡ ግዱድ ዕስክርና ኣዊጁ፡ ዝተቓወምዎ ኣሲሩን ሰዊሩን፡ ኩሉ ዓይነት መሰላት ብእዉጅ ዓጽዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሉ ውግኣት ኣዊጁ … ወዘተ። ንሕና ድማ ነዚ ተግባራቱ ክንቃወምን ከነቃልዕን እነሆ ንነዊሕ ዓምታት ደድሕሪ ኣጀንዳታቱ ክንስዕብ ጸኒሕና። እቲ ተበግሶ ናትና ተዝኸውን ኣጀንዳታትና እዚኣቶም ኣይመኾኑን። ብመሰረቱ ኣንጻር ህግደፍን ባህርያቱን ተቓሊስና ክንዕወት፡ ንሱ ናትና ኣጀንዳ ግዙእ ኮይኑ ደድሕሬና ከም ዝኸይድ ምግዳዱን ዘይምግዳዱን ናይ ምጽላው ዓቕምና መለክዒ እዩ።

ነቲ ኩነታት ቀይርና፡ ህግደፍ ደድሕሪ ኣጀንዳና ክም ዝኸይድ ናይ ምግባሩ ዕድል ሕጂ እውን ጠቕሊሉ ካብ ኢድና ኣይወጸን። እቲ ዕድል ይጸብብ ከም ዘሎ ግና ክንርስዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዕጽዊ ዘይኮነ ዕድል ክንጥቀመሉ ግና ክንሕይል ይግበኣና። ክንሕይል ክንብል እንከለና ንትርጉም ሓይሊ በቲ ህግደፍ ዝርደኦ ምርዳእ ማለት ኣይኮነን። ሓይሊ ህግደፍ ንህዝቢ ካብ ምፍርራሕ፡ ምግዳድን ምዕማጽን እዩ ዝቕዳሕ። እዚ ሓይሊ እዚ ግዝያውን ዘይወሳንን እዩ። እቲ ንሕና ክንግለጸሉን ከነጥርዮን ዝግበኣና ሓያልነት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝሰርዕ ውዱብን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ይግበኦ። እዚ ሓይሊዚ ኣጥሪና ምስ ህዝብናን ባህግታቱን ማዕረ ተዘይሰጒምና እቲ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ክንምንጥሎ ዝግበኣና ልዕልና ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና።

ሓድነት ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ንጉጅለ ህግደፍ ሕማም ርእሱ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ እንተደልዲሉ ከምዘይጸዓደሉ ስለ ዝፈልጥ ኣንጻርዚ ሓድነት ከይሰልከየ እዩ ዝሰርሕ። ኣብ ዓዲ ዘሎን ወጻኢ ዘሎን፡ ኣብ ከተማ ዝነብርን ኣብ ገጠር ዝነብርን፡ ንዕኡ ዝቃወምን ንዕኡ ዝድግፍን፡ ዝተማህረን ዘይተማህረን፡ ሃብታምን ድኻን፡ ወዲ ሓደ ከባብን ወዲቲ ካልእ ከባብን፡ ኣማኒ እዚ ሃይማኖት ኣማኒ እቲ ካልእ ሃይማኖት .. ወዘተ እንዳበለ ኣብ ሕድሕድ ምትእምማን የጥፍእ። ዕላማ ናይዚ ምንቛት ስሙር ሓይሊ ህዝቢ ካብ ምድኻም ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ንሕና ኣንጻርዚ ዘራጊ ተግባራት ህግደፍ ብሓባር ኣብ ምውፋር እንተንዕወት ህግደፍ “ጠፋእኩ” ኢሉ ኣብ ኣጀንዳና ክጽመድ መተገደደ። ንሕና ክንዲ ህግደፍ ዝኣክል ህዝብና ዝብትን፡ ልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ምስልና ዝድውንን ጸላኢ ኣቐሚጥና፡ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ኣቲና ክንውግኖ ብንኽእል ፍልልያት እንዳተሃላለኽና፡ ንህግደፍ ናይ ኣጀንዳና ግዱድ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ፡ “ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ብርኢቶ ምፍልላይ ብኣና ኣይተጀመረን፡ ኣብቲ ዘሰማማዓካ ብሓባር ምስራሕ እውን ከምኡ። ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ብሓባር ተቓሊስና ናይ ዓወት ባይታ ኣብ ምምድማድ ንብቃዕ” ንብል ዘለና። ናይ ብሓባር ምስላፍ ኣድላይነት ንኹልና ይርደኣና እዩ። እንተኾነ ኣብ ምትግባሩ ነንዘልሕጥ። እዚ ከምዚ ፈውስኻ እንዳፈለጥካ ተፈዊስካ ክትድሕን ቅሩብ ዘይምዃን ዝውሰድ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ እስራኤልን ካልእ ከባብታትን ክረአ ዝቐነየ ማዕበላዊ ሰልፍታት ንህግደፍ ዘየቕስኖ ምዃኑ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ይምስክር ኣሎ። ነዚ ምልዕዓልዚ ኣሕይልና፡ ንቐጻልነቱ ዘውሕስ ውዳበ ፈጢርና ተነዕውቶ ንህግደፍ መሰንበዶ እሞ  ደድሕሪዚ ኣጀንዳና ክኸይድ መተገደደ። እዚ በብኹርናዑ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓሳትን “ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ንሰለፍ” ዝብል ጭረሖን ብግቡእ ሓብሒብና፡ ንጹር ፖለቲካዊ ራኢ ከነትሕዞ እንተበቒዕና ስዕረት ህግደፍ ዘጠራጥር ኣይመኾነን። ምኽንያቱ ንኹሉቲ ህግደፍ ዕድሜኡ ንምንዋሕ ዝሕበኣሉ በዓትታት ዘቃልዕ ስለ ዝኾነ።

ሎሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራሲያዊ ለውጥን በይንና ኣይኮናን። ህዝብና ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ ኩነታት ኣገዲድዎ ብውሽጡ ምሳና እዩ ዘሎ። ሕብረተሰብ ዓለም ከኣ ንጸረ ደሞክራስን ጸረ መሰረታዊ መሰላትን ጉጅለ ህግደፍ ንቕድሚት ኣምጺኡ ተገዲሱ ኣብ ዝዛረበሉ ደረጃ በጺሑ እነሆ። ጉጅለ ህግደፍ እውን ደድሕሪ ኣጀንዳ መርማሪት ኮሚሽን ዘብዘብ ክብል ተገዲዱ ወልደፍደፍ ይብል ኣሎ። እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ግና ህግደፍ ንሕና ኤርትራውያን ብዝፈጠርናዮ ባይታ ክግደድ እንከሎ እዩ። ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣንጻር ህግደፍ ክስለፉ እንከለዉ መንቀሊኦም እንተላይ ናታቶም ሃገራዊ ረብሓ እምበር ኤርትራዊ ሕሳብ ጥራይ ስለ ዘይኮነ። ስለዚ ንህግደፍ ቀንዲ ዘቐንዝዎ እቲ ንሕና ሰብ ጉዳይ እንፈጥሮ ንዕኡ ዘይቅበል ባይታ እምበር እቲ ናይ ግዳም ኣይኮነን። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር ህግደፍ ደድሕሪ ኣጀንዳና ከም ዝስዕብ ክንገብሮ ክንበቅዕ ይግበኣና።

ስዉኣትና ምእንቲ ራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ዝተበጀዉ ብምዃኖም ኩሉ ግዜ ክንዝክሮም ናይ ግድን እዩ። እቲ ኣፍና መሊእና ንዛረቦ፡ እቲ ዓው ኢልና እንምድሮ፡ እቲ ደረትና ነፊሕና “ኣነ ኤርትራዊ እየ” እንብሎ ኩሉ ብናይዞም ዘይሓልፍ ሰሪሖም ዝሓለፉ ሕድሪ ዝተቓመመ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ወርትግ ዘይንርሰዖም። ዝኽሮም ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ ጥራይ ወሲንካ ዝድረት ኣይኮነን። “ኣብዚ እዋን’ዚን ኣብዚ ቦታ’ዚን ጥራይ ኢና እንዝክሮም” እንተንብል እውን ዋጋ መስዋእቶም ኣብ ቅድሜና ስለ ዝጸንሓና ኩሉ ግዜ ክንዝክሮም ንግደድ።

ስዉኣት ምዝካር ኣስማቶም፡ ዝተሰውእሉ ግዜ ዓውዲ ውግእን ብምድግጋምን ንቤተሰቦም ቁንጣሮ ብምትኳብን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ንርዝነት ትብዓቶምን ጀግንነቶምን እናሻዕ ብምድናቕ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ከምስል ደጋጊሙ ዝጽወዖም ብግብሪ ግና ሕድሮም ዝጠልም ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል “ንስዉኣት ኣኽብር እየ” እንተበለ ኣበሃህላኡ ዘይቅቡልን ካብ ክሳድ ንላዕልን እዩ። ብሓጺሩ እቲ ንስዉኣት ዝዝክር ሓቀኛ፡ ቅድሚ ኩሉ ቃሎም ዘኽብር እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ዝገደፍዎ ሓደራ “ብዛዕባ ጅግንነትና ደጋጊምኩም መስክሩ” ዝብል ዘይኮነስ “ነቲ ምእንትኡ ዝተሰዋእናሉ ህዝባዊ ዕላማ ኣትግብሩ፡ ህዝብና ድማ ብዋጋ ደምና ኣብ ቀጻሊ ራህዋን ሰላምን ከም ዝነብር ግበሩ፡ ነቲ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝጀመርናዮ መስዋእትነት ኣብ ዓውዲ ልምዓትን ፍትሕን ቀጽልዎ” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ክቡር ቃሎም፡ መሰል ህዝቢ ዝገፍፍ፡ ፍትሒ ዝነፍግ፡ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዝነብር ኣካል ብዝኾነ መለክዒ ንደገ እምበር ንውሽጢ ዘየብርህ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህን ላዕሊላዕሊ ዝንሳፈፍ ግጥምታት ብምግጣምን ተተደጋገመ ዋጋ የብሉን።

ቃል ስዉእት ክጠሓስ እንከሎ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ካብ ህልዊ ክነታት ኤርትራ ወጻኢ ኣብነት ምጥቃስ ዘድሊ ኣይመስለናን። ቃሎም ስለ ዝተጣሕሰ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ዘይተፈልዮ ሃለዋት ይነብሩ ኣለዉ። እታ ደቃ ስማ ክገንን ክትምዕብልን ዝተሰውኡላ ኤርትራ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ኩሉ ናይ ሕማቕ ኣብነት ዝርዝር ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ። እቲ ብተግባር ሕድሪ ስዉኣኣት ዝጠለመ ጉጅለ፡ ከምስል ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዕ፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቡ ተመሊሱ ሕድሪ ስዉኣት ከኽብር ዝነበሮ ዕድል ሓሊፍዎ ኣብ ዓሚቝ ናይ ክሕደቶም ቀላይ ጥሒሉ እዩ። ስዉኣውት እውን መልእኽቲ ጥልመቱ ተረዲእዎምስ፡ ዝተጠልመ ሕድሮም ክንትግብር ድሮ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ፡ ራህዋን ደሞክራስን ንምውሓስ ንቃለስ ዘለና ህሉዋት የመዓድዉ ኣለዉ። ንሕናኸ ክሳብ ክንደይ ንምሕጽንታኦም ንበቖዖ ድልዋት ኣለና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ፈተና እዩ።

ሕድሪ ስዉኣትና ናይ ምኽባሩ ዕድል ምሉእብምሉእ ካብ ኢድና ኣይወጸን። ኣብዚ መዳይ ከድምዕ ዝግበኦ ዝነበረ ግና ከይተጠቐምናሉ ዝሓለፈና ግዜ ከም ዝነበረ ግና ክንመሃረሉ እምበር ከንርሰዖ ኣይግበኣናን። ንሕና ነቲ ሕድሮም በቒዕናዮ እንብል ካብቲ ሕድሮም ዝጠለመ ጉጅለ ዝተፈለና ምዃና ብተግባር ምስ እነመስክር እምበር ተመሳሳሊ ጭርሖታት ብምቅላሕ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ምእንታኡ ዝተሰውእሉ ዕድል ተጠቒምና ናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግለጽን ምውዳብን መሰል ብምጥቃም ብዙሓት ውድባት ምዃና ቃሎም ምጥላም ኣይመኾነን። ነዚ ዓቂብና ንዓበይቲ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ቀዳምነት ሂብና ክንጐዓዝ ተዘይክኢልና ግና ካብ ተሓታትነት ኣይከነምልጥን ኢና። ሕድሪ ስዉኣትና “ሕበሩ” እምበር ተፈላለዩ ስለ ዘይብል። ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ወገናት እቲ ኣብዚ ዘበንዚ ክፍጸም ኢልካ ዘይትጽበዮ ገበን ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጸም ተዓዚቦም፡ ካብዚ ከነናግፎ ክሕግዙና ኣብ ጐንና ክስለፉ ቅሩባት ኣብ ዝኾንሉ፡ ቅድሚት ተዘይተሰሪዕና ካልእ ቃል ስዉኣት ናይ ምኽሓድ መግለጺ ክኸውን እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ክሕደት ንምድሓን ወይ ኣብቲ ክሕደት መሊስካ ምጥሓልን ናይ ጽባሕ መድረኽ ጀነቫ መምዘኒ ክትከውን እያ። ምኽንያቱ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን “ህዝብና ኣብ ገሃነብ እዩ ዘሎ እሞ ይርሃዎ ደኣ” ክንብል እንከለና፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ነቲ ዘይጽቡቕ ከም ጽቡቕ ወሲዶም “ኣብቲ ዘለናዮ ጸልማት ንንበር” ክብሉ ስለ ዝኾኑ።

እዚ ወርሓት’ዚ ዓመት ዓመት ስም ስዉኣት ብብዝሒ ዝጽወዓሉ እዩ። ኩሉ ግዜ ከኣ ብፍሉይነት ዝተስነየ እዩ። ንኣብነት ሎሚ ዘበን ገለገለ ወገናት ኣብ ክብሪ ስዉኣትና ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም፡ ምእንቲ ሃገር ከምዘይተሰውኡን ዕላምኦም “ምልኪ ንምንጋስ ነይሩ” ዘስምዑ ድምጽታት ዝስምዕሉ ዘለዉ እዋን ስለ ዝኾነ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኤርትራውያን ስዉኣት፡ ዝነበርዎ ውድብ፡ ዝነበሮም ደረጃ ውዳበ፡ ዝተሰውእሉ ግዜን ቦታን ብዘይገድስ ኩሎም ሕድሮም ዘይጥለም ሰማእታትና ምዃኖም ፈጺሙ ክዝንጋዕ ኣይግበኦንን።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2016

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸነሐን ዘሎን ወጽዓ ብብዝሑ ኮነ ብክብደቱ ብዙሕን ዓሚቕን ምዃኑ ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይዚ ወጽዓ ምስ ግህሰት መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዝተሓሓዝ እዩ። እዚ በደላት ንምውጋድ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውድባቱን ኣብ ርእሲ እቲ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ናይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበራትን ሓገዝን ምትሕብባር ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ ገበናቱ ሓቢኡ በቲ ጻዕርን ቃልስን ክሕጭጭን ክወራዘን ጸኒሑ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ግህሰታት ገንፊሉ ምስ ወጸ ግና ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ገጹ ከመዓዱ ናይ ግድን ኮይኑ። ንጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኢዱ ከልዕል ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ኣቕሪብሉ። ናይቲ ጉጅለ ናይ “ዝገሃስኩዎ መሰል የለን” ክሕደት ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ከጻሪ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ብሰንኪ ኣብያ ናይቲ ጉጅለ ኣይተዓወተን። እንተኾነ እቲ ኮሚሽን በዚ ናይ ህግደፍ “ኣሉ ቀጣን” ከይተዓግተ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ንምጽራይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣቚሙ ክሰርሕ ጸኒሑስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይቲ መርማሪ ኮሚሽን ውጽኢት ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ። ነዚ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር ነቲ ጉጅለ ክንድቲ ግብሩ ኣብ ዝቐጽዕ ውሳነ ክብጻሕ ከኣ ትጽቢት ኣሎ።

ነቲ እቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ምርመራዊ ጸብጻብ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ሚዛን ክህብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ናይ ኩሎም ወገናት ምላሽ ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ወዮ “ኣሉ” ክብልን፡ ነቲ ርኡይ ሓቂ ምስ ክተሓሓዙ ዘይግበኦም ጉዳያት እንዳተሓሓዘ ካብቲ ኮሚሽን ክሃድም ስለ ዝጸንሕ፡ ሕጂ ነቲ ጸብጻብ “ኣይቅበሎን እየ” እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። ከምኡ ከኣ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ሎሚ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝለመዶ ንክሃድም ገፊሕ መንገዲ ዝኸፍተሉ ኣይመስልን። ኩሉ ግዜ ብህዝቢ ክትሕጭጭ ምንባር ስለ ዘይከኣል። ብኣንጻሩ ዝተፈላለዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከቐንዝዎም ዝጸንሐ ወገናት፡ ነቲ ጸብጻብ ደጊፎም ኣብ ዝረአ ናይ መወዳእታ ፍረ ንክበጽሕ ዘለዎም ተስፋን ደገፍን ይገልጹ ኣለዉ።

ንሕና እቶም ካብ መጀመርታኡ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰት መሰረታዊ መሰላት፡ ከሎ ጌና እንተዘይተገቲኡ ሓደጋኡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ከቢድ ከም ዝኸውን ከነተንብህን፡ እቲ ኮሚሽን ምስ ቆመ’ውን ዓቕምና ዝፈቕዶ ክንተሓባበርን ዝጸናሕና፡ ንጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ከም እንድግፍ ርዱእ እዩ። ካባና ዝድለ ግና ነቲ ጸብጻብ ኣብ ምድጋፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ግቡእ መስርሑ ተኸቲሉ፡ በቲ ሓደ ወገን ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሃገርና ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ከም ዝስረት ብዝሕግዝ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቶም መሰል ህዝብና ክግህሱ ዝጸንሑ ወገናት ናይ ኢዶም ብዝህብ ኣገባብ ክዛዘም ቀጻሊ ጻዕሪ ክንገብር ናይ ግድን እዩ። እዚ ዕማም ከምቲ ዝተገልጸ ንብዙሓት ወገናት ዝምልከት’ኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ግና ናትና ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን እዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ  ዘይኤርትራውያን ወገናት ካብ ሰብእውነት ተበጊሶም ክሳብ ክንድዚ በጃ ህዝብና ክስለፉን፡ ኣብዚ ጉዳይና ላዕልን ታሕትን ክብሉን እንከለዉ፡ ንሕና ዛሕቲልና፡ “ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ከይንበሃል ሓደራ።

ኣብ ኣተሓሕዛ እዚ ጉዳይ ብግቡእ ክረአ ዝግበኦ ቁምነገር፡ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ገበኑ ክሓብእ ነቲ ኣብ ልዕሊ ግስሩጥ ምምሕዳሩ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸሊም ደበና ከም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር ዝዓለመ ኣምሲሉ ዘቕርቦ ዘሎ እኩይ ምህዞ እዩ። እዚ ጸብጻብ ብንጹር ነቲ ኣካላት ናይቲ ሓላፊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፈጸምዎ ገበናት እዩ ዘቃልዕ። እቲ መቕጻዕቲ እውን ኣብ ልዕሊኦም እምበር ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይከውን ክንርዳእ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ህልውና ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝፈጸሞ ገበን ክቕጻዕ እንከሎ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉጅለ በዚ ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ መንገዲ እንተቐጺሉ ምዃኑ ክንግንዘብ ከድልየና እዩ።

ንግብራውነት ናይዚ ጸብጻብ ክንድግፍን ክንሰርሕን ቅድሚ ኩሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዕላዊ ኣፍልጦን ደገፍን ክንህቦ ይግበኣና። ካብቲ ነዚ ከነንጸባርቐሉ እንኽእል ኣገባብ ሓደ ድማ እዚ ኣብ 23 ሰነ 2016 ክካየድ ተሰሪዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫን ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እዩ’ሞ ብግቡእ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ሓደ ኣካል ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ስለ ዝወስዶ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ክደፍኣሉ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ላግጺ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ምናልባት ውሱን ግዜ እምበር ቀጻሊ ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ከተዕሽዎ ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ፡ ሎሚ ህዝብና ነቲ ኣብ ግዜ በዅሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሽጡን ዕምቆቱን ከይፈለጠ ከም ዘለዎ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ዝነበረ “ለሚን ለሚነየ..” ብዘርእስቱ ሙዚቃዊ ድራማ ተመሲጡ ንምስሉይ ቃላት ናይ ሎሚ መራሕቲ ህግደፍ ሎሚ “ሽዑስ ሓቂ መሲሉና ተዓሺና ኣሻዲናዮም። ኩሉ መሰላትና ገፊፎም ምስ ዘይመባእስትና ከኣ ኣባኢሶሙና” ይብሎም ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቲ ሓደ ገጹ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብህግደፍ ከምዘይዕሾ ዘመልክት።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዘዝረገጾ ፖለቲካዊ መሬት ይሃምም ከም ዘሎ ስለ ዝተረደአ፡ ካብቲ ዝጽበዮ ጋህሲ ንምድሓን ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2 ጉንበት 2016 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ “ጋዜጣዊ መግለጺ” እታ ትማሊ ትማሊ ዝሕጭጨላ ዝነበረ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነቲ ንዓኡ ዘቃልዕ ጸብጻባ በቲ ዘውጸኣቶ መደብ መሰረት 8 ሰነ 2016 ከይትዝርግሖ ተማሕጺኑ። ምሕጽንታ ህዝቢ ዘይስቆሮ ህግደፍ ክምሕጸን እንከሎ ከኣ የገርም። እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን እዮም ኢሉ ነቲ መስርሕ ከነኣእሶ ፈቲኑ። እዚ ዝብል ዘሎ ነታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክትዕዘብ እንዳኸለአ ምዃኑ ንኣበሃህላኡ ጉዳም ይገብሮ። ነቲ “ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተንከ ይምከር” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ከኣ፡ እቶም ናይ ግህሰቱ ግዳይ ምስ ኮኑ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ መንእስያት ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመስከሩስ ያኢ ገሪምዎ። ንሱ ዝደሊ ዘሎ እታ ኮሚሽን ባዕሉ ጽሒፉ ዝሃባ “እዚ እዩ ጸብጻበይ” ኢላ ከተቃልሓሉን ከተጣቐዓሉን እዩ ዝመስል።

“መኒኻ ተበልዎስ መን እየ ይብል” እዚ ኣበሃህላ ሓደ ኣካል ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክኣቱ እንከሎ ዝበሃሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ቅድሚ ናብቲ ዝምልከቶ ዘቖማ ኣካል ምቕራባ እቲ ጸብጻባ “ሃየ መርቐለይ” ኢላ ክትህቦ ከም ዝሃርፍ’ውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ሕልና ንስርዒታዊ ኣሰራርሓ ዘይተገንዘበ፡ በቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ዘዘውትሮ ናይ “ገባርን ሓዳግን” መንፈስ ዝተጸልወ ሃርገፍገፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኣሰራርሓ እታ መርማሪት ኣካል መሰረታዊ፡ ፍትሓውነት፡ ርትዓውነት፡ ሞያዊ ክእለትን ውህደትን ዝጐደሎ እዩ ክብሎ ይደናደን። ዘገርም እዩ እዚ ጉጅለ ነቲ ገደብ ዘየብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኢደወነናውን ትምክሕታውን ኣሰራርሕኡ ኣቐሚጡስ ክወራዘ። ምስዚ ኣተሓሒዝካ ክረአ ዝግበኦ መስደመም ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ እታ መርማሪት ኮሚሽን ንርኢቶ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስለያ መርበቡ ተጸፍዮም “መርማሪት ኮሚሽን ርትዓዊት ኣይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ውሱናት ሓለፍቱን ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል … ወዘተ” ክብሉ ዝውዕሉ ዘይተቐበለት ኢሉ ይኸሳ። ኮታ ኩሉዚ ናይ ህግደፍ ዘርባዕባዕን ዓዘፍዘፍን ተደሚሩ “ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረተይ ክሸጦን ክልውጦን ግደፉፍኒ” ኣብ ዝብል ዙርያ ዝጠቓለል እዩ። እቲ ዘይዛመድ ኣዛሚዱ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዘይምርካቡ ከተሓሕዞ ምፍታኑ ከኣ ካልእ ናይ ዘርባዕብዑ ምልክቱ እዩ።

ካልእ ዘስደምም ጉድይ ይቀላቐል ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እቶም ንናይ ስልጣን ቀጻልነቱ ደገፍ ከድልዮ እንከሎ “ተሰሊፍኩም ነዚ ደግፉ”፡ ምቅዋም ከድልዮ እንከሎ ድማ “ተሰሊፍኩም ነዚ ተቓወሙ” ክብሎም ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም እንዳነከየ ሚዛኖም ድማ እንዳፈኾሰ፡ ስለ ዝኸደ፡ እነሆ ኣብ ካልእ ሃንደፍደፍ ምእታው ጀሚሩ። ዘገርም እዩ። ናይቲ ጉጅለ ናይ ማሕበረኮም ሓለፍቲ፡ ኤርትራዊ ገጽ ምስ ከለኦም፡ መንግስቶም ንዝቃወሙ፡ እሞ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ኣኪቦም፡ “ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ንውሳነ ማዕቀብን ዝቃወም ድምጺ ፈሪሙልና” ይብሉ ኣለዉ ። እዚ ተግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ሕጂ’ውን ምምርማር ኣየድልዮን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ይቖርጽ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግዳም ኣካላት ኢድ ኣእታውነት ይዕድሙ ከም ዘለዉ’ውን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሕና እቶም ኣንጻሩ ተሰሊፍና ዘለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓወንወን ወጺኡ ዳግማይ ትንፋስ ከይሰኩዕ ቃልስና ከነሕይል ይግበኣና።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ላግጺ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ሕብረተሰብ ዓለምን፡ ምናልባት ውሱን ግዜ እምበር ቀጻሊ ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። ብፍላይ ንህዝቢ ንዝተወሰነ ግዜ እምበር ንሓዋሩ ከተዕሽዎ ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ፡ ሎሚ ህዝብና ነቲ ኣብ ግዜ በዅሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሽጡን ዕምቆቱን ከይፈለጠ ከም ዘለዎ ዝኣምኖን ዝቕበሎን ዝነበረ “ለሚንለሚነየ..” ብዘርእስቱ ሙዚቃዊ ድራማ ተመሲጡ ንምስሉይ ቃላት ናይ ሎሚ መራሕቲ ህግደፍ ሎሚ “ሽዑስ ሓቂ መሲሉና ተዓሺና ኣሻዲናዮም። ኩሉ መሰላትና ገፊፎም ምስ ዘይመባእስትና ከኣ ኣባኢሶሙና” ይብሎም ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቲ ሓደ ገጹ ናይ ጣዕሳ ምልክት እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ብህግደፍ ከምዘይዕሾ ዘመልክት።

ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ዘዝረገጾ ፖለቲካዊ መሬት ይሃምም ከም ዘሎ ስለ ዝተረደአ፡ ካብቲ ዝጽበዮ ጋህሲ  ንምድሓን ዘርባዕባዕ ይብል ኣሎ። እዚ ጉጅለ ኣብ 2 ጉንበት 2016 ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሩ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ “ጋዜጣዊ መግለጺ” እታ ትማሊ ትማሊ ዝሕጭጨላ ዝነበረ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነቲ ንዓኡ ዘቃልዕ ጸብጻባ በቲ ዘውጸኣቶ መደብ መሰረት 8 ሰነ 2016 ከይትዝርግሖ ተማሕጺኑ። ምሕጽንታ ህዝቢ ዘይስቆሮ ህግደፍ ክምሕጸን እንከሎ ከኣ የገርም። እቲ ናይ ህግደፍ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይታ መርማሪት ኮሚሽን ፍልፍል ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን እዮም ኢሉ ነቲ መስርሕ ከነኣእሶ ፈቲኑ። እዚ ዝብል ዘሎ ነታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክትዕዘብ እንዳኸለአ ምዃኑ ንኣበሃህላኡ ጉዳም ይገብሮ። ነቲ “ዝወዓለ ይንገር፡ ዝሰሓተንከ ይምከር” ዝብል ምስላ ዘንጊዑ ከኣ፡ እቶም ናይ ግህሰቱ ግዳይ ምስ ኮኑ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ መንእስያት ኤርትራ፡  ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመስከሩስ ያኢ ገሪምዎ። ንሱ ዝደሊ ዘሎ እታ ኮሚሽን ባዕሉ ጽሒፉ ዝሃባ “እዚ እዩ ጸብጻበይ” ኢላ ከተቃልሓሉን ከተጣቐዓሉን እዩ ዝመስል።

“መኒኻ ተበልዎስ መን እየ ይብል” እዚ ኣበሃህላ ሓደ ኣካል ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ክኣቱ እንከሎ ዝበሃሎ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ እታ ብሕቡራት መንግስታት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ቅድሚ ናብቲ ዝምልከቶ ዘቖማ ኣካል ምቕራባ እቲ ጸብጻባ “ሃየ መርቐለይ” ኢላ ክትህቦ ከም ዝሃርፍ’ውን ኣንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ሕልና ንስርዒታዊ ኣሰራርሓ ዘይተገንዘበ፡ በቲ ንሱ ኣብ ኤርትራ ዘዘውትሮ ናይ “ገባርን ሓዳግን” መንፈስ ዝተጸልወ ሃርገፍገፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኣሰራርሓ እታ መርማሪት ኣካል መሰረታዊ፡ ፍትሓውነት፡ ርትዓውነት፡ ሞያዊ ክእለትን ውህደትን ዝጐደሎ እዩ ክብሎ ይደናደን። ዘገርም እዩ እዚ ጉጅለ ነቲ ገደብ ዘየብሉ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝንጸባረቕ ኢደወነናውን ትምክሕታውን ኣሰራርሕኡ ኣቐሚጡስ ክወራዘ። ምስዚ ኣተሓሒዝካ ክረአ ዝግበኦ መስደመም ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ እታ መርማሪት ኮሚሽን ንርኢቶ ናይቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስለያ መርበቡ ተጸፍዮም “መርማሪት ኮሚሽን ርትዓዊት ኣይኮነትን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ውሱናት ሓለፍቱን ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል … ወዘተ” ክብሉ ዝውዕሉ ዘይተቐበለት ኢሉ ይኸሳ። ኮታ ኩሉዚ ናይ ህግደፍ ዘርባዕባዕን ዓዘፍዘፍን ተደሚሩ “ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ከም ውልቃዊ ንብረተይ ክሸጦን ክልውጦን ግደፉፍኒ” ኣብ ዝብል ዙርያ ዝጠቓለል እዩ። እቲ ዘይዛመድ ኣዛሚዱ፡ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ጉዳይ ዶብ መዕለቢ ዘይምርካቡ ከተሓሕዞ ምፍታኑ ከኣ ካልእ ናይ ዘርባዕብዑ ምልክቱ እዩ።

ካልእ ዘስደምም ጉድይ ይቀላቐል ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ እቶም ንናይ ስልጣን ቀጻልነቱ ደገፍ ከድልዮ እንከሎ “ተሰሊፍኩም ነዚ ደግፉ”፡ ምቅዋም ከድልዮ እንከሎ ድማ “ተሰሊፍኩም ነዚ ተቓወሙ” ክብሎም ዝጸንሐ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጽሮም እንዳነከየ  ሚዛኖም ድማ  እንዳፈኾሰ፡ ስለ ዝኸደ፡ እነሆ ኣብ ካልእ ሃንደፍደፍ ምእታው ጀሚሩ። ዘገርም እዩ። ናይቲ ጉጅለ ናይ ማሕበረኮም ሓለፍቲ፡ ኤርትራዊ ገጽ ምስ ከለኦም፡ መንግስቶም ንዝቃወሙ፡ እሞ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ብምሉእ ልቦም ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ኣኪቦም፡ “ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ንውሳነ ማዕቀብን ዝቃወም ድምጺ ፈሪሙልና” ይብሉ ኣለዉ ። እዚ ተግባር እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ሕጂ’ውን  ምምርማር ኣየድልዮን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ይቖርጽ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ግዳም ኣካላት ኢድ ኣእታውነት ይዕድሙ ከም ዘለዉ’ውን ብቑዕ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ንሕና እቶም ኣንጻሩ ተሰሊፍና ዘለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ዓወንወን ወጺኡ ዳግማይ ትንፋስ ከይሰኩዕ ቃልስና ከነሕይል ይግበኣና።