EPDP Editorial

“ብህግደፍ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ዘይተገብረ ግፍዒ የለን”:: እዚ ኣበሃህላ በቲ ሐደ ወገን ንስፍሓትን ዕምቆትን በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲካልእ ወገንድማንሓባኢባህሪናይቲጉጅለዘመልክትእዩ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸነሐን ዘሎን በደላት ክሳብ ክንደይ ንምስሉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ደዊንዎ ከም ዘሎ ይርደኦ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል ካብዚ ናይ በደልን ትምክሕትን  ታኸይላ ወጺኡ ኣብ ናይ ፍትሒ ዓለም ክነብር ኣይከኣለን። ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾኖ ግና ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ ክቐርብ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን።

ሓደ ምምሕዳር ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ተቐባልነት ክረክብን ዘይክረክብን ካብ ዝውስኑ ረቛሒታት እቲ ቀንድን መሰረታውን ህዝቡ ዘመሓድረሉ ኣገባብን ዝኽተሎ ስርዓትን እዩ። ድምጺ ህዝቡ ሰሚዑ ዘስተማቕርን ፍትሓዊ መስመር ዝኽተልን ምምሕዳር፡ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ሓሚቑ ኣይሓምቕን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጸሊምን ጨካንን በሰላ ዝፈጠረ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጽቡቕ ምስሊ ክህልዎን ካብ ተነጽሎ ክድሕንን ግና ዘበት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ሓደሓደ፡ ካብቲ ጉጅለ ረብሓ ዝደልዩ፡ ህዝባውነት ዘየብሉ ዝምድና ንምፍጣር ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸሞ ገበናት ጓስዮም ግዚያዊ ዝምድና ክገብሩ ኣይረኣዩን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ዝኾነ መንግስቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝምድና ዝፈጠረ  እንተተዓዚብና በዚ ኣቐዲሙ ዝተቓነየ ዘይርትዓዊ ኣገባብ ንጉዳይ ህዝቢ ግዳይ ዝገብር ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝመርሖ ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኒውዮርክ ሰላሕ ክብል ንዕዘብ ኣለና። ምስ ገለ መንግስታት ኣብ ዝገብሮ ርክብ ካብ ዘልዕሎም ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዩ። እተን ሃገራት ነዚ ናይ ስደተኛታት ዛዕባ ዘልዕላኦ ምስቲ ብጻዕቂ ስደተኛታት ዝገጥመን ዘሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ጾር ኮንደኾን መስተርሆ ንረኽበሉ ካብ ዝብል እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ነዚ ዛዕባዚ ዘልዕሎ “ምምሕዳረይ  ጠንቂ ስደት ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍን ካብ ክውንነት ክሃድምን ስለ ዝደለየ እዩ። ንእግረ መንገዱ ገለ ዓቐን ገንዘብ ብጉልባብ ምጥያስ ምሽማት’ውን ዝጽበዮ እዩ። እዚ ዛዕባ ናይተን ሃገራት ድኹም ጐኒ ተናኺፉ ዝምዝምዘሉ ልስሉስ ቦታ ምዃኑ ከኣ ይርዳእ እዩ። እተን ሃገራት ኣብ ቀረባ ስለ ዘለዋ ውሽጠን ብምሕደራ ህግደፍ ሕሩር እንዳሃለወ፡ ክሰምዓኒ ይኽእላ እየን ካብ ዝብል፡ ብዙሕ ግና ዘይትግበር መብጸዓ ከም ዝኣትወለን ከኣ ተኸታቲልና ኣለና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠላምን ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድርን ምዃኑ ኣይኮነንዶ ብደረጃ መንግስቲ ብውልቀሰብ’ውን ዝብጻሕ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ብሓቂ ድዩ ናይ ሓሶት ካልእ ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ምጽራይ ገበነኛታት  ብዝምልከቶም ኣካላት ከም ገበነኛ ዝፍለጥን ንዲክታቶር ኢሳያስን ግፍዑን ክትክእ ውጥም ቅልቅል ዝብል ዘሎ ዝመስል፡ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዋሽንግቶን ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ክገብርዩ ዝብል ምልክታ ቀሪቡ ነይሩ። ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃል ከኣ “ኣቐዲምኩም ሕቶታት ኣቕርቡ” ዝብሉ ኣሰለፍቲ ተዋፊሮም ነይሮም። እቲ ተቐላቒሉ ዝነበረ ሕቶታት ገሊኡ ምስ ግላዊ ረብሓ ዝተሓሓዝ ክሳብ “መሬት መስርሒ ገዛ መዓስ ኢኹም ትህቡና?” ዝብል ፈኲስ ሕቶ ዝርከቦ ነይሩ። እቲ ካልእ ሕቶታት እውን ከከም ሓታቲኡ ዝተፈላለየ ነይሩ። ብመሰረቱ ግና ኣብ ኤርትራ እቲ ጸገም ሕቶታት ናይ ምቕራብ ዘይኮነ፡ ሕቶታት ናይ ዘይምምላስ እዩ። ጉዳይ ሕቶ ተተላዒሉ ደኣ እታ ሃገር ንገዛእ ርእሳ ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶን ቀራና መንገድን  እንድያ ዘላ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብስ ኣእላፍ መላሲ ዝሰኣኑ ሕቶታት እንድዩ ዘለዎ። ብመሰረቱኽ ካብቲ ከበድቲ ገበናትን መርኣያ ሕማቕ ምምሕዳርን ህግደፍ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብግብሪ ዘይምምላስዶ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምድህላል ተዘይኮይኑ ብኹሉ መምዘኒ፡ ብዓቕሚ ይኹን ብባህሪ ሕቶታት ክምልስ ኣይክእልን እዩ። ቅድም ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ሕቶታት ኣቕሪብካ እቲ ጉጅለ ክምልሰልካ ምጽባይ ንቡር ነይሩ ክኸውን ይኽል። ሎሚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ሕቶ ኣቕሪብካሉ መልሲ ክህበካ ምጽባይ፡ ምድህላልን ነብስኻ ምዕሻውን ጥራይ እዩ። ምናልባት ግና ዝሕተቶ ሕቶታት ምስ ሰምዐ ደሓር እንታይ ዓይነት መጠበሪ ወይ መህደሚ መልስታት ክስንዕ  ዝመሃዞ ተንኮል ይኸውን።

ሓደ ዘገርም ጉዳይ ናይ ዋሽንግቶን ኣኼባ የማነ ገብረኣብ ምስራዙ ምስ ተገልጸ፡ “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” ኢሎም ዘጉባዕብዑ ኤርትራውያን ምጉቡዕበዖም እዩ። እዞም ኤርትራውያን እቲ ኣብ ኣሜሪካ መጺኡ ዘይምልሶ ሕቶታት ንምስማዕን ኣመሳሚሱ ገንዘቦም ንምዝማትን ዝወጠነ ግና ዘይሰለጦ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብቲ ቀዳምነት ክህቦ ዝግባእ ኣጀንዳ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዝራብን ምሕታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓው ኢልካ ናይ ምስዓልን ተኣሲርካ ኣብ መደቀሲኻ ናይ ምግልባጥን መሰል ከምዘየፍቅድከ ይፈልጡዶ። እቲ “ኣነ ርትዓዊ እየ” ዝብል ኤርትራዊ እምበኣር፡ ክሓቶ ዝግበኦ ሕቶ “ስለምንታይ ኣኼባ የማነ ገብረኣብ ኣብ ኣሚርሪካ ተኽልኪሉ?” ዘይኮነ “ስለምንታይ ህዝብና ኣብ ገዛእ ብቓልሱ ዘውሓሳ ሃገር ናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሉ ዘይተኽብረሉ?” ዝብል ተዝኸውን ክንደይኮን መምሓረሉ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ሰፊሕ ዝርዝራዊ ትርጉም ስለ ዘለዎ፡ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምሕጻሩ ቀሊል ኣይኮነን።  ንዝተበገስካሉ ወይ ብካለኦት ዝተዋህበካ ዕማም ክትፍጽም ብቑዕ ምዃን ምባሉ ዝከኣል ይመስለና። ነዚ ዓቕሚ ንምጥራይ ኣብ መስርሕ ብናትካ ጻዕሪ ዝጥረ እዩ። እዚ ዓቕሚ ዝተዋህበካ ዕማም ትፍጽመሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ መግለጺ ህይወትካ ዝኾነ ውድድር  ክትስዕር ወይ ድማ ክትሰዓር ዝውስን መሳርሒ እዩ።

ሰባት ወይ ኣካላት ነዚ ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ብናቶም ውሽጣዊ ጻዕሪ ከረጋግጽዎ ኣብ ዘይከኣልሉ ግዜ፡ ኣቋራጭ ብምፍጣር ናይ ካለኦት ድኹም ጐድኒ ብምምዝማዝ ወይ ብምጽላም ከረጋግጽዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ኣብ ሕድሕድ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ትካላት’ውን ዝረአ ምጥልላፍ እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና እውን ሳዕሪሮም ካብ ዘለዉ ዓንቀፍቲ ጸገማት ሓደ ምናልባት’ውን ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ ዘሎ ሕዱር ሕማም እዩ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከምቲ ግቡእ ኣብ ክንዲ ናይ ካልኦት ወገናት ድኽመት ኣጋኒንካ ወይ ዘየለ ምሂዝካ ምቕራብ፡ ዋላ ንኡስ ይኹን ኣውንታኦም ኣግዚፍካ ምንኣድ ንገዛእ ርእሱ ብቕዓት እዩ። እዚ ማለት ግና ክእረም ወይ ክውገድ ዝግበኦ ናይ ዝኾነ ኣካል ሕጽረት ምሕባእ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ድኽመት ከተቕርቦ እንከለኻ ግና ብኸመይ ጌጋ ተብዝሕ ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ድኽመት ተወግድ እንዳማዕደኻ ክኸውን ይግባእ።

ክትዓሞን ክትሰግሮን ዝግበኣካ ምትግባር ምስ ጸገመካ፡ ቅድሚ ኩሉ እቲ ጸገም ካባኻ ከይከውን ምስ ገዛእ ርእስኻ ምዝታይ ናይ ብቕዓት መምዘኒ እዩ። እቲ ጸገም ኣባኻ እንተረኺብካዮ ናብ ርሑቕ ከየመዓደኻ ከተእርሞ ምጽዓር። ንስኻ ተዘይክኢልካዮ ከኣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ወገናትን ኣገባባትን ምንዳይ። እዚ ኩሉ ኣብ ዘይተኽእለሉ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተዋህበካ ዕማም ጅሆ ሒዝካ ትሕምሶ ብዝኽእልዎ ከም ዝስራሕ ምግባር እውን ናይ ብቕዓትን ምስትውዓልን መርኣያ እዩ። ካብዚ ሓሊፍካ ናትካ ሕዱር ድኽመት ንምሕባእ፡ ንኻልኦት ኣብ ዘይወዓልዎ ሓጥያት ግዳይ ምግባር ግጉይ እዩ። ንዓኻ እውን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጻዕሪ ካብ ድኽመትካ ከይትወጽእ ዝዓግት ስለ ዝኾነ፡ ዕዳኡ ናባኻ ዝምለስ እዩ። እቲ ንካለኦት ብምክፋእን ዘይምልከቶም ድኽመት ብምልጣፍን ዘድሕነካ መሲሉካ ግዳይ ዝገበርካዮ ኣካል ንግዜኡ ደኣ ይሻቐል እምበር ብግብሪ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እቲ ናቱ ሕጽረት ናብ ካለኦት ብምልጣፍ ግዳይ ብምግባር ዓቕሚ ዘጥሪ ዝመስሎ ዝነበረ ኣካል ዝኸፍሎ ናይ ጣዕሳ ዕዳ ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ክንስና ኣብ መንጎና ፍልልያት ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ፍልልይ ድማ ኣብ ውሱን መድረኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስሕሓባት ከጋጥም ይኽእል። ኣብዚ ነናትካ ሓቂ ጐሊሑ ከም ዝወጽእ ኣብ ምግባር ክትወዳደር ግድን እዩ። እቲ ውድድር ከኣ ናትካ መርተዖታት ኣብ ምጉላሕ እምበር ናይ መወዳድርትኻ ሕጽረት ምምዝማዝ ቅድሚት ክስራዕ ኣይግባእን። እዚ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ግቡእ መልክዑ ሒዙ እንተኸይዱ ካብ ፍልልይ ሓሊፉ ጽልኢ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ኣብ መሰረታዊ ዕማም ዘለካ መሰረታዊ መራኸቢ ድንድል ከኣ ኣየፍርሶን እዩ። እዚ ድንድል ክሳብ ዘይፈረሰ ድማ ናይ ግዜ ጉዳይ ደኣ ይኸውን እምበር ነቲ ክፈላልየካ ዝጸንሐ ዛዕባ እንተ ግዜ ወሲድካ ፈቲሕካዮ ወይ ድማ ይጽነሓልና ኢልካ ወጊንካዮ ምርኻብካ ዘይተርፍ እዩ። ምርሕሓቕን ምቅርራብን እውን ከምቲ ካልእ መስርሕ ኣብ ክብን ለጠቕን ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ።

ናይ ሓባር ዕማም ስለ ዘለካ ርሒቕካ ምስ ዘይትርሕቆ ኣካል፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ጉዳያት ዝተፈጥረ ፍልልይ ሰማይ ኣዕሪግካ፡ ከም ናይ ድኽመትካ መሸፈኒ ንምጥቃም፡ ደሓር ንምእራሙ ብዘጸግም ደረጃ ምጽራፍን ምጽልላምን ግና ኣብ ርእሲ ዘይብቕዓትካ ዘይብቕዓት ምድራብ ስለ ዝኾነ ዝምረጽ ኣይኮነን። ነቲ ሓቀኛ ክውንነት ናይቲ ንግዜኡ ዝጸላእካዮ ኣካል በቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ጥራይ ክትቀርጾ ኣይከኣልን እዩ። ንስኻ ክትቅይሮ ዘይትኽእል ናቱ ተረድኦ ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ዝስዕር ከኣ እቲ ካብ ውሽጡ ዝምንጩ ኣረዳድእኡ’ምበር እቲ ብዘይዓቐኑ ኣስፊኻ ከተልብሶ እትደልዮ ናይ ሓሶት መግለጺ ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝግለጽ ከምቲ ውልቀሰባት ይኹኑ ውድባት “ከምዚ ክኾኑለይ ይግበኦም” ዝብልዎ ንሳቶም እውን ብውልቅኻ ድዩ ከም ውድብ “ከምዚ ክኾነለይ ይግበኦ” ዝብልዎ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎም ምስትውዓል የድሊ። እዚ ክልተ ጫፋት ከካብቲ ዝሓዞ ከይለቐቐ ምውጣጥ እንተቐጺሉ እቲ ኣቐዲምና ክፈርስ ዘይግበኦ ዝበልናዮ ድንድል ክፈርስ ይኽእል እዩ። ነዚ ዝፈረሰ ድንድል ደሓር ዳግማይ ክትሃንጾ ከኣ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ ክንድ’ቲ ናይ ጫፋት ምውጣጥ ኣብ “ቁሩብ ክቐርበካ’ሞ ንስኻ’ውን ቁሩብ ቅርበኒ ደሓር ኣብ ማእከላይ ቦታ ንራኸብ” ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሒዝካ ግና መፍትሒ ክርከብን ናይ ሓባር ዓቕሚ ክጥረን ናይ ግድን እዩ። ምእንቲ እዚ ከኣ “ብርታዐኻ ካብ ጻዕርኻ’ምበር ካብ ድኸመት ካለኦት ዝርከብ ኣይኮነን።” ንብል ኣለና።

ርእሰ-ዓንቀጽህኤ

ኣብ ሕብረተሰብና ሓደ ሰብ “ዝባን ሕጊ” ኢልካ ኣንተ ገዚዝካዮ ካብታ ዘለዋ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን እዩ። እዚ ናይ ሕጊ ሓያልነትን ቀያድነትን ካብ ዘርእዩ ብዙሓት ኣብነታት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ” ንሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ፡ ዳኛ ዘየብሉ ጉዳይ ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ ..” ዝብሉ ኣብነታዊ ኣዘራርባታት እውን መልእኽቶም ልዕልና ሕጊ ምንጽብራቕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ግዚ ተተጣሒሱ፡ ዳኛ ተበዂሩን ማሕለኻ ተተፈቲሑን ዝስዕብ ጉድኣት ከኣ ሃሳዪ እዩ።

ሕጊ ንሓንሳብ የርውየካ ንሓንሳብ ድማ የገድደካ። ስለዚ ሕጊ ተመቀረካ ትልሕፎ ተመረረካ ከኣ ትተፍኦ ዘይኮነስ፡ እንተመረካ’ውን ጥዒምካ ትገድፎ ዘይኮነስ ተገዲድካ እትውሕጦ እዩ። ኩሉ ግዜ ሕጊ እንዳረገጸ ብዝጠዓሞን ዝኣምኖን ጥራይ ዝኸይድ ከኣ በይኑ ዝነብር እዩ። ምኽንያቱ ቀንዲ ተልእኮ ሕጊ በበይኑ ናይ ብዝሑነትን ሓሳብን ፍልልይ ዘለዎም ወገናት ንናይ ሓባር ህልውነኦም ጠሚሩ ዘኽይድ ናይ ምግዳድ ባህሪ ዘለዎ መሳርሒ ስለ ዝኾነ። ሕጊ ካብ ተፈጥሮኣዊ ጀሚርካ ክሳብ ሰብ ሰርሖ ብዙሕ ባህርያት ዘለዎ እዩ። ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ ድሌትካ ዝግድብ ስለ ዝኾነ ምትግባሩ ቀሊል ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ናይ ሕጊ ግዙእን ቅዩድን ክትከውን ዋጋ ከም ዘኽፍል ዝግለጽ።

ናይ ሕጊ ስፍሓትን ዕምቆትን ከከምቲ ዝግልገለሉ እኩብ ኣካል ዝፈላለ እዩ። ፖለቲካዊ ትካላት ዝመሓደርሉ ሕጊ ናቱ ስፍሓት ኣለዎ። በርገሳዊ ኮኑ ናይ ንግዲ ማሕበራት ዝምሓደርሉ ሕግታት’ውን ነናቶም ስፍሓትን ዕምቆትን ኣለዎም። ብባህሪ ደረጃ ግና ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ኣዕጊስካ ኣብ ሓደ ማእከላይ ነጥቢ ናይ ምርግኡ ኣገዳዲ ተልእኮ ኣለዎም። ናይ ሓንቲ ሃገር ሕገ-መንግስቲ ኣብ በሪኽ ዝስራዕ ናይ ሕግታት ጐብለል እዩ። ብሳላ ዳንነት ናይዚ ሕጊ እየን ድማ ብኹሉ መለክዕታት ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት ህዝበን ኣሳንየን ዘንብራ። ብፍላይ ኣብ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን መዳይ ክንመጽእ እንከለና ሕጊ ኣገዳሲ ናይ ኩሉ ምዕባለታት መቆጻጸሪ ቀጥዒ እዩ። ብመንጽር እዚ መዕቀኒ እዚ ኢኻ ድማ ንሰባት ምእዙዝ ወይ ብኣንጻሩ ፍኑው ክትብሎም እትኽእል። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ሕጊ ልዕሊ ሰባት እምበር ሰባት ብውልቂ ይኹን ብሓባር ልዕሊ ሕጊ ክስርዑ ኣይክእሉን እንብል። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሕጊ ዝግድቦም ጉዳያት ክሓስቡ ኣይክእሉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝትግብርዎ ግና እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ጥራይ እዩ።

ብኩራት ሕጊ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ዝያዳ ኩሉ ንዓና ንኤርትራውያን ብሩህ እዩ። ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዘየብሉ ብምንባሮም ዝወርዶም ዘሎ ጉድኣት ስለ እንርዳኣ። ኣብ ኤርትራ ልዕልና ውልቀሰብ እምበር ልዕልና ሕጊ የለን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ናይ ሕጊ ኣቀማምጣ ዘይኮነ ብመሰረቱ’ውን የለን። ኣብ ኤርትራ ዝቐትልን ዝምሕርን ባዕሉ ልዕሊ ሕጊ ገይሩ ዝሰኣለ ሰብ እምበር ሕጊ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ማእከላይ ነጥቢ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብግብሪ ኩሉ ትሕቲ ሕጊ ዝኾነሉ ስርዓት ንምምጻእ እዩ። ሕጊ ልዕሊ ሰባት ዝኾነሉ ስርዓት  ክትክል ግና ቅድሚ ኩሉ ብንጹርን ብቐጻልን ንነብስኻ ትሕቲ ሕጊ ምዃንካ ከተእምን ናይ ግድን እዩ። ነዚ ክትበቅዕ ከኣ ካብ ውልቅኻ ጀሚርካ ክሳብቲ ከም መቃለሲ ዝመረጽካዮ መድረኽ ውሽጣዊ ቃልሲ ኣካይድካ ድሌትካን ስምዒትካን ክትገንሕ ምብቃዕ የድሊ። ሕጊ እንታይ ከም ዝብል ምርዳእን በቲ ትረደኦኻ ቅዩድ ምዃንን ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ እዋንዚ ንዓለምና የናውጽዋ ካብ ዘለዉ ክስተታት ሓደ ሰባት ልዕሊ ሕጊ ክኾኑ ዝገብርዎ ፋሕተርተር እዩ።

ሕጊ ይንኣስ ይዕበ ብዙሓት ጉዳያት ስለ ዝድህስስ ከከም ባህሪ ናይቲ ዝትግበረሉ መድረኽ ዝርዝራት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ትካላት ክንመጽእ እንከለና፡ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ፡  ውሑዳት ብውሳነ ብዙሓት ይምእዘዙ፡ ታሕትዎት ብውሳነ ላዕለዎት ይቕየዱ .. ዝብሉ ዓንቀጻት ወሰንቲ ናይ ቅዋም ኣዕኑድ እዮም። ኣብዚ እቶም ክምእዘዙ ይግበኦም ንብሎም ዘለና ታሕተዎት ወይ ውሑዳት ኣብቲ ዝምእዘዝሉ ዕጉባት ዘይምዃን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ጽላል እዞም ወሰንቲ ኣዕኑድ ክትነብር ዘይዕግበትካ ምውሓጥ ግድን እዩ። ኣብ ንከምኡ ዘብቅዕ መድረኽ ዘይዕግበትካ ምስ ምኽንያቱ ክትገልጽን ደገፍ ረኺብካ ኣብዘሓ ክትከውን ምጽዓርን ብሕጊ ዝተሓለወ መሰል እዩ። ሎሚ ደገፍ ብዙሓት ዘይረኸበ ሓሳብ ጽባሕ ናይ ብዙሓት ናይ ምዃኑ ዕድሉ ክፉት ስለ ዝኾነ ከኣ ቀጻሊ ቃልሲ ይሓትት። ኣብዚ ሓደ ክንጸር ዝግበኦ እቲ ናይ ውሑዳት ወይ ታሕተዎት ሓሳብ ካብቲ ናይ ብዙሓት ወይ ላዕለዎት ሓሳብ ዝያዳ ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሕጊ ደገፍ ክሳብ ዘይረኸበ ግና ዝስማዕ’ምበር ዝትግበር ክኸውን ከቶ ኣይክእልን እዩ።

በብናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳነን ምርጫን ብሓባር ክትቃለስ እንከለኻ ኣቶም ተዋሳእቲ ብብዙሕ መዕቀንታት ዝተፈላለዩ ባህርያት ዝውክሉ እዮም። እቲ ብዙሕነት ኣብ እምነት፡ ጾታ፡ ዕድመ ተመኩሮ ወይ መጻኢ ራኢ ዘትከለ ክኸውን ይኽእል። ዝያዳ ድማ ኣብ ብቕዓት። ኣብዚ እቶም ዝያዳ ብቑዓት ዝጻወትዎ ግደ ጸብለል ዝብል ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ጉዳያት ብሕጋዊ ዓይኒ ክምመ እንከሎ ግና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ማዕረ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰባት ኣብ ህይወቶም ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ዕማማት እዮም ዘሰላስሉ። ኣብ ኩሉ’ቲ ዕማማቶም ዕዉታት ዝኾኑ ከኣ እቶም  ነቲ ዘለዎም ጸጋን ዓቕምን ናብቲ ዕማማቶም ብግቡእ ሰሊዖም ዝንቀሳቐሱ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ንሓደ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚኡ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ዕማማት እቶም ቀንዲ መነባብሮኻ ምምራሕን፡ ምእንቲ ራህዋን ፍትሕን ኤርትራን ህዝባን ምቅላስን እዮም። እዞም ክልተ ዕማማት ነናቶም ዝርዝር ትሕዝቶ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት መነባብሮ ምምራሕ ክበሃል እንከሎ ዝርዝሩን ምትእስሳሩን ሰፊሕ እዩ።

እዞም ዓበይቲ ማሕበራውን ሃገራውን ዕማማት ነቲ ሓደ ገዲፍካ ነቲ ሓደ ብምሓዝ ኣይኮኑን ዝሳለጡ። ሓዲኡ ሒዝካ ነቲ ሓደ ጥራይ ምሓዝ፡ ኣብቲ ዝሓዝካዮ’ኳ ተድማዕካ ኣብቲ ሓደ ዝፈጥሮ ብኩራትን ሃጓፍን ሃሳዪ እዩ። ስለዚ ክልቲኦም ኣሳንዮም ዝኸድሉ ኩነታት ምጥጣሕ ናይ ግድን ይኸውን። ኣብዚ ከኣ እዩ እቲ ውሕልነትን ሓላፍነትን ዘድሊ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓፈሻዊ ምምጥጣን ሓንሳብ ምስ ተሳእለ ከም ዘለዎ ዝነብር ዘይኮነ ምስ ባዕላዊ ኩነታት ኮነ ግዳማዊ ሓጐጽጐጽ ወይ እውን ከባብያዊ ኩነታት እንዳተኸለሰ ዝቕጽል እዩ። ንእብነት ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራ ዝነበረን ሎሚ ምእንቲ ደሞክራስን ፍትሕን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ነናቶም ኣሰራርዓን ኣተሓሕዛን ዘለዎም እዮም። ሎሚ በቲ ናይ ቀደም ናይ ተሳትፎ ኣብ ቃልሲ ኣተሓሕዛ ቀጥዒ ንኺድ እንተንብል ኣጸጋሚ መኾነ። ምስ እዚ ኩሉ ግና ቃልሲ ቀደም ይኹን ሎሚ፡ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት፡ ህዝባዊ ወገናውነት፡ ሓልዮትን ኣብ ዝሓዝካዮ ቀጻልነትን ዝሓትት እዩ።

ኣብ ቃልሲ ኮነ ኣብ ምምራሕ መነባብሮ ዓቕምና ኣካዊንና ክልቲኡ ከነዕውት ክንጽዕር ኣለና ክንብል እንከለና፡ እቲ ዓቕሚ፡  ፍልጠት ተመኩሮን፡ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ከምኡ’ውን ግዜ ዘጠቓልል ምዃኑ ግንዛበ የድሊ። እዚ ዓቕሚ’ዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዝፈላለ ፍሉጥ እዩ። ዕምቆት ትምህርቲ፡ ውህሉል ተመኩሮን ንዋታዊ ሃብትን ነቲ ፍልልይ ካብ ዘጉልሑ ረቛሕታት እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ብሓባር እነካይዶ ቃልሲ ከነድምዕ እንኽእል ብናይ ውሱናት ሰብ በሪኽ ጸጋን ዓቕምን ተሳትፎ ጥራይን ዘይኮነ፡ ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ናይ ኩሉ ኣብቲ ውጽኢት ረብሓ ዘለዎ ግዱስ ዓቕምታት ብሓባር ክዋሳእ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። ንናይ ካልኦት ዓቕሚ ኣነኣኢስካ ”በይነይ” ኢልካ ምንያት ግና በይንኻ እዩ ዘትርፍ። ብሓባር ማለት በበይኑ ኩለመዳያዊ ባህርያት ምስ ዘለዎም ብዙሓት ኮይንካ ምቅላስ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ በይንኻ ኮይንካ መነባብሮኻ ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ ዝኸበደ እዩ። ንብዙሕ ድሌታት፡ ትጽቢታትን ዓቕምታትን ከም ዘሳኒ ጌርካ ምውዳዱ ስለ ዘድሊ። እቲ ኣጀንዳ’ውን ቤተሰባዊ ዘይኮነስ ገዚፍን ሃገራውን ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ተገቲሩ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓንን ቀጻልነቶም ናይ ምዕቃብን ወሳኒ መድረኽ፡ ሓደን ናብ ቃልሲ ክስሕብ ሓደ ድማ ናቱ ምኽንያታት እንዳቕረበ ካብቲ ቃልሲ ክርሕቕ ምውጣጥ ዝውቱር እዩ። እቲ ናብዚ ቃልሲ ዝውጥጥ ዕላምኡን ድሌቱን ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ብዛዕባኡ ምዝርዛር ኣድላይ ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ናይ ኩልና፡ እቲ ዕማም ብኹልና፡ እቲ ውጽኢቱ ድማ ንረብሓ ኩልና፡ ኣብ ዝብል ዝጠቓለል እዩ። እቲ ናብቲ ካልእ ገጽ ዝሃድም ወገን ግና ምኽንያታቱ ብዙሕ እዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ትስፉው ዘይምዃን፡ ኣብቲ ውዱብ ቃልሲ ምስ ዘለዉ ወገናት ዘይምስናይ፡ ብዓብይኡ ድማ ንመነባብሮኻ ምቕዳም ካብቶም ዝረኣዩ ልሙዳት ምኽንያታት እዮም። እቲ ”ኤርትራ ጽቡቕ ስለ ዘላ ምእንቲ ለውጢ ቃልሲ ኣየድልን’ዩ” ዝብል ዕባራ ምኽንያት’ኳ ሎምስ ካብ ዕዳጋ ወጺኡ እዩ። እዞም ምኽንያታት ስለምንታይ ከም ምኽንያት መርሓቒ ካብ ቃልሲ ይቐርቡ’ኳ ተዘይተባህለ፡ ቅሩብነትን ሓልዮትን እንተሃልዩ ግና ክስገሩ ዘይክእሉ ኣይኮኑን። ምናዳ፡ ምናዳ  “ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ክኽእል እየ” ኢሉ ዘንቀደ ኒሕ እንተልዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ነቲ ዘለካ ካብ ጉልበትን ፍልጠትን ጀሚሩ ክሳብ ንዋትን ግዜን ዝምጠጥ ጸጋታትካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትስለዖ ምብቃዕ የድሊ። እዚ ክበሃል እንከሎ  ግና ካብቲ ትብህጎ፡ ኣዝዩ ጥጡሕ መነባብሮ፡ ካብቲ ዘገላብጥ ሰፊሕ ግዜ፡ ካብቲ “ከምዚ ጥራይ ክኸውን ነይርዎ” እትብሎ ውልቃዊ ስምዒት ቁሩብ ኣይውሰደካን’ዩ ማለት ኣይኮነን።

 

ሰባት፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ነፍሶም ዘለዎም ገምጋም ሚዛናዊ ክኸውን ይግባእ። ናይ ሰባት ብቕዓታት ካብ ሰብ ናብ ሰብን፡ ካብ መዳይ ናብ መዳይን ይፈላለ ኢዩ። ዝዀነ ሰብ፡ ኣብ’ቲ እፈልጦ ኢየ ወይ እበቕዖ ኢየ ዝብሎ መዳይ እውን፡ ካብኡ ንታሕቲ፡ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ክፈልጥን ክኣምንን ይግባእ። ሓደ ሓረስታይ፡ ሓደ መካኒክ፡ ሓደ ሓኪምን ሓደ ወተሃደርን እውን ኣብ ነናቶም መዳይ ካብ ሕድሕዶም ዝበላለጽሉ ኵነታት ከምዘሎ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይመስለንን። ሕርሻ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ መካኒክ ወይ እቲ ሓኪም ማዕረ’ቲ ሓረስታይ ብቕዓት ወይ ፍልጠት ክህልዎ ኣይንጽበን ኢና። ንጥዕና ብዝምልከት ድማ፡ እቲ ሓረስታይን መካኒክን ማዕረ’ቲ ዶክተር ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። መኪና ምዕራይ እንተዀይኑ ከኣ፡ እቲ ሓረስታይን ሓኪምን ነቲ መካኒክ ኣይዳረግዎን ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ኵሉ በብዝፈልጦ መዳይ ክዛረብን ብዛዕባ ዘይፈልጦም ነገራት ድማ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት ክሰምዕን ከሎ ኢዩ ነገራት ብምርድዳእን ብምድግጋፍን ክሰላሰሉ ዝኽእሉ።

 

ሰባት ንነብሶም ብግቡእ ክግምግሙ ዝኽእሉ ፍልጠት ምስ ዝቐስሙ ጥራሕ ኢዮም። ፍልጠት ግን ዘይነጽፍ ባሕሪ ስለዝዀነ፡ ፍልጠትካ ወይ ብቕዓትካ ደረት ዘለዎ ምዃኑ ወይ ድማ ሕጽረት ዘለካ ሰብ ምዃንካ ክትርዳእ ይግብኣካ። ስለዝዀነ ድማ፡ ዘይትፈልጦም ነገራት ንምፍላጥ ናይ ካልኦት ርእይቶ ምስማዕ/ምድማጽ ወይ መጽናዕቲ ምክያድ ወይ ከኣ ካልኦት ዘጽንዕዎ ነገራት ምንባብ የድልየካ። እዚ ምስ እትገብር ብቕዓትካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ኢዩ ዝኸይድ። ፍልጠትካን ብቕዓትካ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን ድማ ውሳኔኻ ካብ ቅኑዕ ንባብ ናይ ነገራት ዝተበገሰ ይኸውን። ክፈልጥን ክመሃርን ዝደሊ ሰብ ኵሉ ግዜ ሓታታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ኵሉ እፈልጥ’የ በሃላይ እንተዀይኑ ግን፡ ስለዘይሓትትን ዘየዳምጽን ካብ ካልኦት ክመሃር ኣይክእልን ኢዩ።

 

ሓድሽ እንተደኣኰንካ ወይ ሓድሽ ነገር ክትገብር እንተደኣ ደሊኻ፡ ምቕሉል ክትከውን ይግብኣካ። ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ነገራት ከምዘሎ ክትኣምንን ክትቕበልን የድልየካ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ካብ ካልኦት ሰባት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ንዘላካ ፍልጠት፡ ፍልጠት ትውስኸሉ ማለት ኢዩ።

 

ንኣብነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኤርትራ ናጻ ድሕሪ ምዃና ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተኻፊሉ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ እንታይ ኢዩ ጸገምኩም ኢሉ ከይሓተተ፤ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ይኹን ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብኣልማማ ዘዝነበሎም ነቐፌታ መዳርግቲ ኣይነበሮን። . . .ንብዙሕ ዓመታት መራሕቲ መንግስታት ኰይንኩም ዘፍረኽምዎ ዝዀነ ነገር የለን። . . .ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ዝፈትሖ ሽግር የለን . . .ወዘተ ክብል ኢዩ ኣቆናጺብዎም።

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሽዑ ሓድሽ ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ መንግስትን ምምሕዳርን እኹል ፍልጠትን ተመኵሮን ኣይነበሮን። ምናልባት እውን፡ ህዝብን ሃገርን ምምሕዳር፡ ካብ’ቲ ናይ በረኻ ምሕደርኡ ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስምዖን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ግብሪ ምስ መጸ ግን፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ካብ 6 ሚልዮን ዘይበዝሕ ህዝቡ ከምሓድር ኣይከኣለን። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ኣደዳ ድንቍርና፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ ስደት፡ ውግእን ወረ ውግእን ገይርዎ ይርከብ። ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ጕድኣት ካብ’ቶም ሽዑ ዘቆናጸቦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘውረድዎ ጕድኣታት ዝበኣሰ እንተዘይኰይኑ ዝሓሸ ከምዘይኰነ ብግብሪ ኣመስኪርዎ ኢዩ። ዋላ’ቲ ኣብ’ቲ ናይ 1998 ውግእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ዘጋጠሞ ስዕረትን ውርደትን ንነብሱን ንጸላእቱን ብግቡእ ክግምግም ካብ ዘይምኽኣሉ ዝነቅል ኢዩ ነይሩ። ናይ ምግምጋም ዓቕሙ ተመዛቢሉ ወይ ድማ ትዕቢቱ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል።

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር እኹል ኣፍልጦ ዘለዎ መራሒ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ስለ’ዚ ኢዩ’ውን፡ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መሓትት ይኹን ኣብ ዝገብሮም መደረታት፡ ከም መምህር ናይ ፖለቲካ፡ ቍጠባ፡ ፍልስፍና፡ ስነ-ልቦና፡ ሕክምና፡ ናይ ጠፈር ምርምር፡ ኢንጅኔር፡ . . .ወዘተ ኰይኑ ዝቐርብ። እቶም ኣብ’ዚ መዳያት’ዚ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎም ምሁራትን ሚኒስተራትን ድማ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ተምሃሮ ይዀኑ። ባህርያቱ ስለዝፈልጡ ከኣ፡ ክእርምዎ ይኹን ክሓትዎ ኣይፍትኑን ኢዮም። እዚ ድማ መሊሱ ነቲ ትዕቢቱ ከምዝዛይድ ይገብሮ። በዚ ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ዝብል ሕማም’ዚ ዝልከፍ ዘሎ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኰነን።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ክኢላታትን ፈላጣትን ክነሶም ብኽቱር ምቅሉልነት ይኹን ብሸለልትነት ወይ ካልእ ምኽንያታት ነታ ዘላቶም ኣፍልጦ እውን ከንጸባርቕዋ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። ፍልጠቶም ወይ ብቕዓቶም ድሩት ምዃኑ ስለዝኣምኑ፡ ነብሶም ኣትሒቶም ይርእዩ። ንነብስኻ ካብ’ቲ ዝግብኣ ንላዕሊ ኣትሒትካ እንተደኣ ገምጊምካያ ድማ፡ ፍርሒ ተሐድር እሞ ነቲ እትኽእሎ እውን ኣብ ግብሪ ክትርጕም ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ትወድቕ። ብኻልእ ኣገላልጻ ከም ክኢላ ክትጻወቶ ዘሎካ ተራ ይበኵር ማለት ኢዩ። ብኽእለትካን ፍልጠትካን ክጥቀሙ ዘለዎም ኣካላት ድማ ከይተረብሑ ይተርፉ። ንዘለዎም ፍልጠት ምስ ህዝቦም ከይተኻፈልዎ ሓቝፎሞ ዝሓልፉ ምሁራትን ክኢላታትን ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይኰኑን። ከም ኣብ ውሽጢ ዕትሮ እትበርህ ዘላ ሽምዓ ንኸባቢኦም ከየብርሁ ይሓልፉ ማለት ኢዩ።

 

ስለ’ዚ፡ መራሕቲ/ክኢላታት ሚዛናዊ ዝዀነ ገምጋም ብዛዕባ ነብሶም ክህልዎ፤ ኵሉ ክፈልጡ ከምዘይክእሉ ተረዲኦም፡ ናይ ካልኦት ርእይቶን ምኽርን ከድምጹን ብኣገዳስነት መጽናዕቲ ክኣምኑን ብሓደ ሸነኽ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ንዘላቶም ፍልጠት ወይ ብቕዓት ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣብ ረብሓ ህዝቦም ከውዕልዋ ክብገሱ ይግባእ። ናይ ህዝቡ ርእይቶ ዘይሰምዕ መንግስቲ፡ ንሽግራት ክፈትሕ ይኹን ንሃገሩ ንቕድሚት ከስጕም ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ሽግራት ምስ ህዝብኻ ብምምኽኻርን ምድምማጽን ጥራሕ ኢዮም ዘላቒ መፍትሒታት ክረኽቡ ዝኽእሉ።

 

ናይ ደምበ ተቓውሞ ጸገም እውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ነፍስወከፍ ውድብ ይኹን መራሒ፡ ንነብሱ ከም ኵሉ ዝፈልጥን ዝኽእልን ብምቕጻር፡ ካልእ ኵሉ ክሰምዖን ክስዕቦን ጥራሕ ይደሊ። ናይ ካልኦት ርእይቶን ድሌትን ከኽብርን ክሰምዕን ከምዘለዎ ኣብ ግምት ኣየእቱን። ገለ ድማ፡ ንተመኵሮታቶም ምግምጋምን መጽናዕቲ ምግባርን ከም ግዜ ምጥፋእ ገይሮም ይቖጽሮዎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ እቲ ሃዋህው ይጕድፍ እሞ ምድምማጽ ይኹን ምጽውዋር ይበኵር፤ ኣብ ህልኽ፡ ምጥምማትን ወጥርን ድማ ይእቶ። መፍትሒ ዘይርከቦ ዕንክሊል ኰይኑ ድማ ይቕጽል።

 

ፓልቶክ ሩማት፡ ከም ናይ ርእይቶታትን ሓሳባትን እንለዋወጠሎም መድረኻት ምዃን ተሪፎም፡ ናብ መታዀሲ ድፍዓት ወይ መዛግብቲ ኢዮም ተቐይሮም ዘለዉ። ገለገለ ሰባት ከኣ’ሞ ብዛዕባ ኤርትራ ኵሉ ዝፈልጡ፡ ናይ ዝዀነ ሽግር መፍትሒ ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ኰይኑ ዝስምዖም፡ ዘምጻእካ ኣርእስቲ እንተምጻእካ ከየስተንፈሱ ኣድራጋ ዝትኵሱ ኣለዉ። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ዝተላዕለ ኣርእስቲ 100% ርግጸኛታት ኰይኖም ይዛረቡ፡ ካብ ናቶም ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ዘለዎም ክሰምዑ ድማ ኣይደልዩን። ኣብ ክንዲ ዝፈልጥዎን ተመኵሮኦምን ጥራሕ ዝገልጹ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ይኹን ብዛዕባ ውድባት ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ታሪኻት ሓዋዊሶም ከዘንትዉ ይስምዑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እናበዝሑ ስለዝኸዱ ድማ፡ ሓቅን ሓሶትን ምፍልላይ ጸገም ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ምድምማጽን ምጽውዋርን ይበኵር፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ጸርፍን ቆይቍን ይሰፍን፡ ሃገርን ህዝብን ድማ ንሓደጋ ብርሰት ይቃልዑ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

“እንካብ 61 ሓደ መስከረም ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም”። እዚ ካብቲ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበስርን ዘመጉስን ወርትግ ዘይሃስስ ናይ እዋኑ ምዑዝ መዝሙርን ጭረሖን ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። ኤርትራውያን ናጽነቶምን ልኡላውልነቶምን ክረጋገጸሎም ቅድሚ ወተሃደራዊ ዓመጽ ኣብ መጋባእያ ሕግን ፍትሕን መጒቶም እዮም። እንተኾነ እቶም ዳይኑ፡ ነናቶም ሃገራዊ ረብሓን ፖለቲካዊ ሕሳብን ዘቐድሙ ስለ ዝነበሩ ነዚ ፍትሓዊ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰምዕ እዚኒ ሓያል ወሳኒ ኣካል ኣይረኽበን። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ፍትሓዊ ውሳነ ኣበርዒኑ፡ ኣብ ክንድኡ ዝተዋህበ ውሳነ ንኤርትራ ግዳይ ሓያላት ዝገብር ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ነይርዎ። ወይ ነቲ ዝተጠልመ መሰልካ በቲ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ምርግጋጽ ወይ ድማ ንትኳቦ ናይቶም ረብሓኦ ዘቐድሙ ወገናት ምቕባል እሞ ኣብ ገዛእ መሬትካ ደኒንካ ምኻድ።

ከምቲ ብዙሓት ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ፡ ምርጫ ህዝቢ ኢርትራ ምውጋይ ኣብ ናጽነት ክኸውን ብዘይካ ናይ ገዛእቱ ናይ ዝኾነ ወገን ትጽቢት ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ናጽነቱ ብሂጉ፡ ኩሉ መሰላትን ራህዋን እተውሕስ ሃገር ኤርትራ ብቓልሱ ከረጋግጽ ነቒሉ። ውሳነኡ ከግህድ ድማ ኣብቲ ሽዑ እዋን ይከኣል እዩ ኢልካ ዘይግመት ዝመስል ዝነበረ፡ ክኽእል ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣበሲሩ። እቲ ሓያሎ ጉዳያት ኣብ ዘይጣጠሓሉ ብረታዊ ቃልሲ ብመሪሕነት ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ  ዓዋተ ዝተጀመረሉ ግዜ ምስዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ክወዳደር እንከሎ ፍልልያቱ ናይ ብርሃንን ጸልማት እዩ ነይሩ ምባሉ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ናይ ሎሚ ብርሃን እቲ ናይ ሽዑ ድማ ጸልማት። እቶም ጸልማት ብቓልሲ ናብ ብርሃን ከም ዝቕየር ጽኑዕ እምነት ዝነበሮም ነቲ ጸልማት ደፊረምዎ። እነሆ ከኣ ናጻን ሉእላዊትን ኤርትራ ብዝብል ከፋል ብርሃን ተሳዒሩ ሳላ ጀጋኑ ፍትሕን ደሞክራስን ዝጐደሎ ልኡላዊ ክብሪ ረኺብና።  ነቲ ዝጐደለ ክንምልእ ከኣ ጌና ኣብ መስመር ቃልሲ ኣለና።

እዚ ጅግንነት፡ ትብዓት፡ ተወፋይነት፡ ኩሉ ከኣልነትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ዘብኩዖ ታሪኽ ዝኾነ ዘይፍሕቆ ታሪኻዊ ጅግንነት ኤርትራውያን እዩ። ኣብ ከም ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ከነበራብሮ ድማ ሓልፍነትና እዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ሎሚ ኮይናስ   ኣብ ናይ ትማሊ ሚኒን ክንብል ክንነብር ኣለና ማለት ኣይኮነን። ሕሉፍ ታሪኽ ናቱ ክቡር መወከሲ ቦታ ኣለዎ። ንሕና ከኣ ንቕድሚት ናብ ህልውን መጻእን ራኢታት ከነመዓዱ ይግበኣና።  ኣብቲ ናጻን ሉኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ 30 ዓመታት ዝወሰደ ምርብራብ ዝሓለፉ ኤርትራውያን ጀጋኑ ገዲፎምልና ዝሓለፉ ሕድሪ’ውን ንሱ እዩ።

እዞም ሎሚ ብናትና ድሌትን ቅሩብነትን  ኣብ መስመር ቃልሲ ምእንቲ ምህናጽ ናጻን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ከቢድ ሓላፍነት ኣለና። እዚ እዋንዚ ነቲ ጀመርቲ ሰውራ ዝነበሮ ድኽመትን ሕጽረትን መዝሚዝና ንተወፋይነቶም ምንእኣስ ዘይኮነስ ሕድሮም ናይ ምቕጻል ሓላፍነት እዩ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ። ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ ዕላማና እቶም ናይ ሽዑ ጀጋኑ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ደልሃመት ጋሊሆም ብርሃን ንምርኣይ ዝኸፈልዎ ዋጋ ምንኣድ ጥራይ ዘይኮነስ “ናትና ብጽሒትከ ብኸመይ ኢና ነረጋግጾ” ዝብል ሕቶ ምምላስ ክኽውን ምርጫ ዘይኮነስ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ ኩሉ ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነት ሰለ ዘለና። ንሕና ህልዋት ናይቶም ዝሓለፉ ጸጋታት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኣብ ምውሳን እምበር ናይ ቅድሚ  55 ዓመት ድኽመታት ኣጀማምራ ምምዝማዝ ክኸውን ኣየመልከዓልናን እዩ። እዚ ማለት ግና መስርሕ ቃልሲ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ልሙጽን ጌጋ ዘይነበሮን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ካልእ ኩሉ ይትረፍ እሞ ስንብራት ውግእ ሕድሕድ ጓሲኻኣዮ ክትሓልፍ ዘይከኣል ናቲ መስርሕ ግናይ ምልከት እዩ። ሎሚ ግና ካብኡ ዝዓቢ መጻኢ ዓብይ ጉዳይ እዩ ዝጽበየና ዘሎ።

ሓደ ተረኽቦ ክትዝክር እንከለኻ ብሕሳብ እዩ። ባሕቲ መስከረም መበል 55 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዝክር እውን ብሃውሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ዝሓለፈ ዘኪርካ ኣብ ናይ ቀደም ተዘክሮታት ንምንባር’ውን ኣይኮነን። የግዳስ ንመጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ ኢልካ ንምሕሳብ ከም ኣጋጣሚ ንምውሳዱ እዩ። እንታይ ክንገብር ከም ዝገባኣና ድማ እቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩነታት’ዩ ዝመርሓና። ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ብዙሕ ዘሕዝንን ዘገርምን ዝርዝር ዘለዎ ስለ ዝኾነ “ናይ ደልሃመት ግዜ” ኢልና ተሰመናዮ ንኹላትና ዘረዳድእና እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ተዘክሮ ባሕቲ መስከረም ኮይና ከኣ ብዛዕባቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ግድል መዋጸኦ ነስተንትን።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2016

ርእሰ-ዓንቀጽ ህኤ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሃሰ 2016 ክልተ ኣገደስትን ኣብ ሕድሕዱ ዝደጋገፍን ፍጻመታት ኣካይዱ። እዞም ኣብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ዝጸልዉ እዮም ነይሮም። እዚ ማለት ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ዝተሳተፎም ነይሮም ማለት ዘይኮነ እቶም ኣብኡ ዝተላዕሉ ጉዳያት ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዝምልከቱ  ዘይኮኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ሕጽረታት ዝዳህሰሱን ፍተሓት ዘቕረቡን ነይሮም ንምባል እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ  ዓውደ መጽናዕቲ ዝተላዕለ ዓብይ ኣርእስቲ  “ ምህናጽ ምትእምማን”፡ ኣብ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታን ማሕበራትን ዕዙዝ ተደላይነት ዘለዎ ዛዕባ ከም ዝኾነ ንነብረሉ ዘለና ናይ ምንጽጻግ ሃለዋት ዝምስክሮ እዩ።

ኣብዚ ብሰህኤ ብዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ጀሚሩ፡ ብኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰደህኤ ኣብ ኤውሮጳ ብዝተዳለወ ፈስቲቫል ዝተዛዘመ ፍጻመታት ብዙሓት ምሁራት ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት፡ ንኣገዳስነት ምህናጽ ምትእምማን ዘዕዝዙ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም። እዞም ምሁራት ዘቕረብዎም ጽሑፋት ዳህሳሶም ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝተደረተ ዘይኮነስ ንብዓብይኡ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራን ጸገማት ደንበ ተቓውሞን ዝመዘነ ስለ ዝነበረ ኩሉ ዝምልከቶ ክሰርሓሉ ዝግባእ እዩ ዝብል እምነት ኣለና።ምእንቶኡ እዩ ከኣ ተዘርጊሑ ዘሎ። እቶም ኣቕረብቲ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ምሁር ወይ ክኢላ ትጽቢት ዝግበረሉ ግቡእ ስለ ዝፈጸሙ፡ “ግቡኦም እዩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ምስጋናን ንክቕጽልዎ ምትብባዕን እውን ዘድልዮ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዓደሙ ፖለቲካዊ ውድባት ምስቲ ዓዳሚ ሰልፊ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝነበሮም ጥራይ ምስ ምንባሮም ርኢቶ ዝሃቡ ወገናት ነይሮም። “እንተደኣ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሃልይዎም ደኣ ምትእምማን ኣለዎም ማለትዶ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ካብቲ ዝቐረበ ርኢቶታት ነይሩ። ዘይምትእምማን ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለየ’ምበር ምስ ብርኢቶ ዝመሳሰሉኻ ኮነ ዘይመሳስሉኻ ክህሉ ዝኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ዘይምትእምማን ካብ ንእሽቶ ፍልልይ’ውን ዝብገስ ስለዝኾነ። ብርግጽ’ዚ ሓደ ዓይነት ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምውናን ምልክት ምቅርራብ ወይ ምምስሳል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓደ ዓይነት መደብ ዕዮ ስለ ዘለካ ከም ርዱእ ምሉእብምሉእ ትተኣማመን ኢኻ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ብዘይካዚ ምትእምማን ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ ስቕ ኢሉ ዝቕጽል ዘይኮነ መምስ ዘጋጥሙ ሓደስቲ ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታትን ብድሆታትን እንዳተሓደሰን እንዳተሃነጸን ዝቕጽል እዩ። ስለዚ ኣብቶም ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት እውን ኣብ ወረቐት ዝሰፍር  ዘይኮነስ ብተግባር ዝሰርሕ ምቅርራብ ንምፍጣር ዘኽእል ምትእምማን ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ወርትግ ኣድላይ እዩ።

እዚ ማለት ግና ኣብቶም ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኦም ፍልልይ  ዘለዎም ወገናት እውን ኣብቲ ዝሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእል ምትእምማን ምህናጽ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ብመሰረቱ ኣብዚ መዳይዚ ፖሊሲ ሰልፊ ደምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምቅርራብ ጻዕሩ ምስ ውሱናት ወገናት ከይደረተ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝስለፍሉ መድረኽ ምፍጣር እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ዓውደ መጽናዕቲ ዝተወደበሉን እቲ ኣርእስቱ ዝተመርጸሉን መሰረታዊ ምኽንያት እውን ነቲ ኩልና እንብህጎ ግና ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይተግበርናዮ  ኣብቲ ንረዳደኣሉ እንዋሰኣሉ ናይ ሓባር  መድረኽ ንምርጓድን ባይታ ንምምድማድን እምበር፡ ንምትክኡ ከም ዘይኮነ ኣብቲ እዋኑ ተነጺሩ  እዩ። ሕጂ እውን ንሱ እዩ።

ብመንጽር እቲ ከም ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝጽበየና ዘሎ ዕማማት፡ እዚ ብሰደህኤ ዝተሳለሰለ ፍጻመታት ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ሰደህኤ ኩነታት እንተዘይደሪትዎ ክቕጽሎን ከስፍሖን እዩ። ካልኦት ወገናት እውን ከምዚ ዓይነት ሃናጺ ተበግሶ ክወስዱ ትስፉው እዩ። ብዓብይኡ ከኣ እቲ ኩነታት ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብምውዳብ ከይተደረተ ብትግባር ብሓባር ዘስርሕ እሞ ድማ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ኩነታት ንክፍጠር ናይ ኩልና መጻኢ ጻዕሪ ምዃኑ ሰደህኤ ይኣምን። ክልቲኦም ፈጻመታት ክምዕርጉን ክዕወቱን ዝጸዓቱ ምሁራትን ክኢላታትን ጻዕሮም ክቕጽሉ የተባብዕ። ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን እዚኣቶም ጥራይ ከምዘይኮኑ ስለ ዝኣምን ከኣ ካልኦት እውን ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣረዓሉ ዘሎ እዋን፡ መንፈስ ምትእምማን ኣብ ምስራጽ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይጽውዕ።

كارتريين عامة ومعارضة بصفة أخص أمامنا مسئولية ثقيلة الوزن تجاه سلامة وطننا وشعبنا، وهذه المسئولية علي الرغم من إدراجها في مقدمة أجندتنا النضالية منذ مدة طويلة، إلا أننا لم ننجز شيئاً في ذلك بالمقارنة بين طول المدة وما تم إنجازه، هذه المسئولية العظيمة والمعقدة في ذات الوقت مسئوليتنا جميعاً نحن المعنيين بالتغيير الديمقراطي في ارتريا، وهذا بدوره يلقي علي عاتقنا مسئولية بناء الثقة بيننا حتى نتصدى لهذه المهمة بفاعلية، الثقة بيننا سلاح ذو حدين بالنسبة لنا وسم ناقع في حلق عدونا المشترك نظام الهقدف الدكتاتوري.

 

منذ مدة طويلة كلنا نعلم أن ليس لدينا نحن مكونات معسكر المعارضة علاقات وثيقة بين تنظيماتنا أو مؤسساتنا السياسية، وفي ذات الوقت أمضينا زمناً طويلاً في معالجة عوامل انعدام الثقة بيننا، لكننا لم نسجل إنجازاً يذكر، إن معرفة تشخيص المشكلة نصف الحل وليست كل الحل. إحدى مشكلاتنا المعيقة هي عدم الثقة ببعضنا البعض، والثقة علي أهميتها وثقلها ليست بالشيء المستحيل تحقيقه إذا وجد الإرادة والعزم بين من يهمهم الأمر، إذاً يجب أن لا نتهيب أمراً هو من السهولة بمكان إذا خلصت النوايا.

 

الثقة لا تبنى بتبادل الوعظ والدروس بأهميتها إنما بتبادل الحوار والأفكار حولها، خلق الثقة لا يتم بمجرد إزالة الخلاف بصورة متعجلة ولكن بالدراسة الدقيقة لنقاط الاختلاف والعمل وفق ما اتفقت عليه الأطراف من نقاط اتفاق، وبالتالي تنفيذ ما بنيته بينك من خلال الثقة المتبادلة، هنا توجد مسألة في غاية الجدية، ألا وهو أن لا تنسى أنك كما تحب أن يثق بك الآخرون عليك بالاستعداد للتغيير بحيث تكون أنت أيضاً قابلاً للثقة بالآخرين.

من وسائل بناء الثقة الفعالة عقد المنتديات التفاكرية وغيرها من طرق العمل، حزب الشعب الديمقراطي الارتري بعقده ملتقىً خاصٍّ حول بناء الثقة ضرب مثالاً يحتذى في هذا الصدد، اختيار (بناء الثقة) كعنوان يعتبر في حد ذاته استشعاراً بأهمية التصدي لأزمة الثقة الحقيقية السائدة بين مكونات المعارضة الارترية، الثقة لا تتأتى بين يومٍ وليلة أو بمنتدى أو تعاليم حزبية بعينها، إنها تتطلب جهد الكثيرين وهي أيضاً ليست مسيرة يوم أو يومين. إن ما قاله السيد منقستئاب أسمروم رئيس الحزب في افتتاح منتدى بناء الثقة من (أن الثقة تبنى عبر مسيرة العمل ولا تتحقق بورشة عمل واحدة أو لقاء واحد أو قرار واحد) شاهد علي هذه الحقيقة عن الثقة وبنائها. حزب الشعب الديمقراطي الارتري سوف لن يدخر جهداً في السعي الي بناء الثقة بأي وسيلة ممكنة.

 

إن ما قدمه مثقفون وسياسيون وناشطون مدنيون وحقوقيون من أبناء شعبنا عن بناء الثقة من أوراق علمية يعطينا الكثير من الثمار المفيدة المستخلصة من تجارب عميقة وغنية من العمل السياسي والمدني والعسكري. إن هذه الأوراق فضلاً عن فوائدها الحالية تعتبر مراجع فائقة الأهمية لمن يزاولون البحث والدراسة في مثل هذه الحقول. وهو كذلك بادرة طيبة وفيتامين فاتح لشهية المهتمين بهذا الأمر من سياسيين ومثقفين.       

 

እቲ መላእ ኣባልን መሪሕነትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጹ ይኹን ሃገራዊ ራኢኡ ነቕ ዘይብል ምዑትን ተባዕን ተቓላሳይ ከም ወትሩ ከይተሓለለ ንእወንታዊ ለውጢ ድግድጊት ተዓጢቑ ይቃለስ ኣሎ።

መላእ ኣባል ሰልፊ ነቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እግሩ ተኺሉ ንቕድሚት ክስጉም ከይተሓለለ ብገንዘቡን ንዋቱን ጉልበቱን ደኺመ ስኢነ ከይበለ ንፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገርና ኤርትራ ንምህናጽ ምስ ኩሎም ዝሰማምዕዎ ሓቢሩ ክቃለስን ንቃልሲ ድልው እዩ። እዚ ኣባል እዚ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብዝርዝር እኳ ንምግላጹ ክነውሕ ስለዝኽእል ኣሕጸር ኣቢልና ግን ኣብቲ ዓመት መጸ ዝግበር ፈስቲቫል ዘበርክቶ ግደን ኣስተዋጽኦን ጥራሕ ክንውሰን ኢና።

ኣብ ናይ ሎምዘበን ዝተኻየደ ናይ ‘ምህናጽ ምትእምማን’ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ ኣኼባ ከም ኣመሓደርቲ ኮይኖም ዝመርሕዎ ወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፍት ቤት ጽሕፈት ድቂ ኣንስትዮ፥ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፊ ፥ ኣቶ መድሃኔ ህዝብትዝጊ ናይ መንእሰያት ምትእስሳር ቤት ጽሕፈት ሓላፊ።Alemertramedhanie

 

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአ ዘበርከተት ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ከኣ ብዛዕባ ‘’ስለምንታይ ዘይምትእምማን ይፍጥር’’ ብዝብል ኣርእስቲ ትምህርቲ ሓዝል ወረቐት ኣቒባ።

Adiam and Ghirmai Kokenብተወሳኺ ኣብ ፈስቲቫል ናይ ዕለት 13-08-2016 ነቲ መድረኽ ዝመርሑ ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ብትግርኛ፥ ኣቶ ግርማይ ዘምኪኤል ከኣ ብዓረብኛ ብዘደንቕ ኣገባብ ከሳስዩ ኣምስዮም። ብዘይካ እዚ ነቲ ብሓው ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ዝቐረበ ‘መገዲ ዓድና ከመይን መኣስን ንኸዶ’’ ዝብል መደረ ብወይዘሮ ኣድያም እናተመርሐ ኣብ ሕቶን መልስን ተኣትወ።

Ghirmai Negashእቲ ናይቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ከኣ ብወ/ት ኤርትራ ኣልኣዛርን ኣቶ ኣለም ዮውሃንስን እናተመርሐ ተሰላሲሉ። ምስእዚ ተተሓሒዙ ከኣ እቲ መደብ ናይ መንእሰያት ዝነበረ ክትዕን ምይይጥን ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን ተመሪሑ ንተሳተፍቲ ብግቡእ ዘስተናገደ እዩ ነይሩ።

Feven Ghediwonናይ 2016 ፈስቲቫል ኩሉ ምድልዋቱ ብገንዘብ ይኹን ብጉልበት ከምኡ እውን ነቲ ናይ ምስሳይ ስራሓት ከይተረፈ እቶም ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ኣባላት ሰልፊ ብነቕ ዘይብል ሓቦን ንሕን ጽኑዕ መንፈስን ንተሳተፍቲ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣኣንጊዶም። ንዝመጽእ ዓመት ፈስቲቫል እንተኾነ ኣብታ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ፥ እንተዘይኮነ ከኣ ንኹልና ሰላም ጥዕናን ሂቡ የራኽበና ብምባል ኣብ ዕለት ሰንበት ዕለት 15-08-2016 ነናብ ዝመጽዎ ተሰናቢቶም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ከም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ከም ተቓወምቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቀዳማይ ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ናትና ኢልና ካብ እንርከቦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ዘመዝገብናዮ ውጽኢት ግና ምስ ንውሓት ዝወሰዶ ግዜን ክብደት ህጹጽነት ኩነታት ሃገርናን ዝመጣጠን ኣይኮነን። እቲ ዕማም ከቢድ ጥራይ ዘይኮነ ዝተሓላለኸን ናይ ኩልና እቶም ይምልከተና እዩ ኢልና ተተሓሒዝናዮ ዘለና ሓላፍነታዊ ዘይሕለል ኣበርክቶ ዝሓትት’ውን እዩ። ምእንቲ ኣብቲ ናይ ሓባር ሓላፍነት ናይ ሓባር ዓወት ከነምዝግብ ከኣ ተራኺብና ናብዚ ናይ ዓወት መንገዲ ዝመርሓና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ከነጥርን ክንተኣማመንን ናይ ግድን እዩ። ናትና ምትእምማን ከምቲ ንዓና ፍቱን መፍትሒ ምዃኑ ንጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ግና ዘይምሕር መርዚ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ኩልና ከም ዘይንርሰዖ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ትካላትና ኮነ ኣብ መንጎ ትካላት ኣብ ዝግበር ዝምድና ዘለና ጸገማት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተዳህሲሱ እዩ። ነቲ ጸገማት ምድህሳስ ጥራይ ዘይኮነ ንምውጋዱ እውን ሓያሎ ግዜ ቃል ተኣትዩ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ እውን ኣይሰለጠን። እዚ ድማ ጸገምካ ምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እምበር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ። ናይቲ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ዘይምስላጥ ጠንቅታት ተባሂሎም ካብ ዝተነጸሩ ሓደ፡ ሕድሕድ ምትእምማን ክንሃንጽ ዘይምኽኣልና እዩ። ምትእምማን ምፍጣር ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ኮይኑ፡ ናይቶም ክተኣማመኑ ዝግበኦም ኣካላት ቅሩብነት እንተልዩ ከምቲ ከቢድ ኮይኑ ዝረኣየና ከቢድ ኣይኮነን። ስለዚ ከቢድ ዘይኮነ ጉዳይ ንምስጋር እዩ ጸጊሙና ዘሎ።

ምትእምማን ተመዓዳዲኻ ዘይኮነስ ነናትካ ሓሳብ ሒዝካ ተቐራሪብካ ብዝግበር ሓላፍነታዊ ዘተን እሂንምሂንን እዩ ዝህነጽ። ምትእምማን ምፍጣር ማለት ፍልልያት ብቕጽበት ኣወጊድካ ሓደ ኣካል ምዃን ማለት ዘይኮነ፡ ኣበይ ከም እተፋላለ ኣነጺርካን ወጊንካን፡ ኣብቲ እትሰማመዓሉ ብሓባር እትዋሰኣሉ ኣገባብ ምትላም እዩ። ኣብቲ ዝተለምካዮ ጸኒዕካ ብግሉጽነት ምጉዓዝ ከኣ ይሓትት። ኣብዚ ሓደ ቀንዲ ቁምነገር ኣሎ። ከምቲ ክትእመን እትደሊ ንካለኦት ክትኣምን ቅሩብ ምዃን።

ነዚ ወሳንነቱ ዝገለጽናዮ ምትእምማን ንምውሓስ ዘኽእል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ንምጥራይ ዝተፈላለዩ መዋስኢ መድረኻት ምውዳብ የድሊ። ዋዕላ ሓደ ካብኡ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 10-12 ነሃሰ 2016 ኣብ ሃገር ጀርመን ፍራንክፈርት ዝወደቦ ዋዕላ ከኣ ከም ሓደ ካለኦት ውድባት’ውን ክስዕብዎ ዝግባእ ኣብነት ዝውሰድ እዩ። “ምህናጽ ምትእምማን” ዝብል ኣርእስቲ ምምራጹ ድማ ምስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት “ምትእምማን ጠፊኡ” ዝብል መረረ  ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ፡ ናይቲ ዋዕላን ዝሓዞ ዛዕባን እዋናውነት ብንጹር የርኢ። ምትእምማን ኣብ ውሱን ግዜ እሞ ድማ ካብቶም ኣብ ምህናጹ  ግደ ዘለዎም ወገናት ዉስናት ጥራይ ብዝሳተፍዎ ዋዕላ ዝኽምታእ ኣይኮነን። ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትትን ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን እምበር ውሱን ርሕቀት ኬድካሉ ኣኺልዎ ዝበሃል ዕማም ኣይኮነን። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣቶ መንግስተኣብ  ኣስመሮም ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ “ምትእምማን ብመስርሕ ዝረጋገጽ ኣምር እምበር፡ ብሓደ ወርክሾፕ ወይ ብሓደ ርክብ፡ ወይ ብሓደ ውሳኔ ዝረጋገጽ ኣይኰነን።” ዝበለ እውን ካብዚ ሓቂ እዚ ነቒሉ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ምትእምማን ናይ ምህናጽ ዓብይ ጉዳይ ዋዕላ ብምድላው ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ክጽዕተሉ እዩ።

ነዚ መሰረታዊ ዕማም ምህናጽ ምትእምማን ንምርጓድን ምዕማቝን ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ነናቶም ብጽሒት ብዘለዎም ኤርትራውያን ምሁራት፡ ፖለቲከኛታትን ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ናይ መሰል ዛዕባታት ዝነጥፉን ዘቕረብዎም መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዝዮም ጠቐምቲ ነይሮም። ካብዚ ሓሊፎም እዞም ጽሑፋት ንካለኦት ኣብ ቀጻሊ ኣብዚ ጉዳይዚ ክመራመሩን ከጽንዑን ዝደልዩ መንቀሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ምንባሮም ከኣ ካልእ ንኣገዳስነት ናይዚ ዋዕላ ዘጉልሕ ጐኑ እዩ። እዚ ዋዕላ እዚ ንበይኑ ዝንጥልጠል ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓለፈ ምትእምማን ናይ ምፍጣር ጻዕርታት መቐጸልታን  ንመጻኢ ሰፋሕቲ ተመሳሰልቲ መድረኻት መንግዲ ዝጸርግን ተመላላእን እዩ።