ውሽጥኻ ወጊንካ ምጅማር’ዩ ዘድምዕ፡

2025-07-16 10:05:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 112 times

ኣብ ዝኾነ መስርሕ ምንቅስቓስ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሕታት ኣለዉ። እቲ ውሽጣዊ ብበዓልቤታዊ ዓቕምኻ እትቆጻጸሮን እተማልኦን እዩ። እቲ ግዳማዊ ከኣ ኣብ መስርሕ ዝጸልወካ ኮይኑ፡ ብግዳማዊ  ኣካላትን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝግለጽ፡ ምስ  ካለኦት ወገናት ተዛሚድካ ንናይ ሓባር ተጠቃምነት  እተሰላስሎ እዩ። እዞም ውሽጣውን ግዳማውን ጽልዋታት፡ ነናቶም ህልውና ዘለዎም፡ ግና ድማ ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ እዮም።  ኣብቲ ምጽልላው እቲ ወሳኒ  ውሽጣዊ በዓል ቤታዊ ምዕባለን ዓቕምን ምዃኑ ከኣ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

መስርሕ  ፖለቲካዊ ቃልሲ ኮነ ምምሕዳር ከም ኣካል ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉዕዞ ካብ ዝዓሞም ሓደ፡ በብግዜኡ  ዝፍጠሩ  ሕቶታት እናመለስካ ምጉዓዝ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ መሪሕ ግደ ንዘለዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ይኹን ንሳቶም ዝምስርትዎም መንግስታት ካብ ዘጋጥምዎም ብደሆታት ነቲ ብትካላቶም ይኹን ብህዝቢ ዝቐርብ ኩለ-መዳያዊ  ሕቶታት ክምልሱ ምኽኣሎምን ዘይምኽኣሎምን ይኸውን። እቶም በዳህቲ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ክቐርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ “ውሽጣውን ግዳማውን” ኢልካ  ምጥቃሶም ድማ ካብቲ  ኣቀማምጣኦም ሓደ ኮይኑ ይጥቀስ።

ውሽጣዊ ዘዕባ ነቲ ሓላፍነት ተረኪቡ ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ  ዘሎ ኣካል፡  ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ዘራኽቦ እዩ። እቲ ነቲ ብቐጻሊ ብህዝቢ ዝለዓል ሕቶታት ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል፡ ግደታኡ ኣብ ምፍጻም ብቑዕ ኮይኑ ንኽርከብ፡ ከማልኦም ካብ ዝግበኦ መምዘንታት ሓደ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ዝቕበል ኣወዳድባ ከጣጥሕ ምብቃዕ እዩ። ንኣበነት መንግስቲ እንተኮይኑ፡ ኣብ ሕገመንግስቲ ዝተሰረቱ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላቱ ዘነጸረ፡ መራኸቢ ብዙሓን ዘይበሓተን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብርን ምዃን ካብቶም መዕቀንታት ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ነዚ ዲሞራሲያዊ ትካላዊ ኣገባብ ምስዘይክተል ግና፡ ህዝባዊ ሕቶታት ክምልስን ዘቤታዊ ዕማማቱ ብዝግባእ ክውግንን ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናቱ ህልውና እውን ብሓይሊ እንተዘይኮይኑ ብህዝባዊ ተቐባልነት ክወሓስ ኣይክእልን። ነቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘለዎ ተኣማንነትን ምእዙዝነትን ከየርኣየ፡ “ምስ  መን ብዘየገድስ”፡ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝገብሮ ዝምድና፡  ዕድመ ስልጣኑ ካብ ምንዋሕን ጉጅላዊ ረብሓኡ ካብ ምድላብን  ሓሊፉ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ምምላስ ብቕዓት ኣይህልዎን።

ንሓደ ምምሕዳር እቲ ዝያዳ በዳሂ ኣብ ኣተሓሕዛ ውሽጣዊ ዛዕባታት ብቑዕ ክትከውን ምኽኣልን ዘይምኽኣል ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ውሽጣዊ ሓላፍነትካ ምዕማም፡ ከምቲ ምስ ግዳም ንምዝማድ ኣንቂድካ፡ ዘየዋጸኣካ እንተኮይኑ ከተወንዝፎ  ዘይከኣል ዕለታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና  እቲ ውሽጣዊ ህዝባዊ ዕማም በቲ መሪሕ ፖለቲካዊ ትካል ጥራይ ዝዕመም ዘይኮነ፡ ህዝቢ እውን ካብ ተጸባይነት ዝወጸ ልሉይ ግደ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብቲ ሃገራውን ህዝባውን ዋኒኑ፡ ካብኡ ዝድለ እጃም ንኸበርክት ግና፡ በቲ ስልጣን ዝጨበጠ መሪሕ ኣካል፡ ኩነታት ክጣጠሓሉ ይግባእ። በቲ ይኹን በዚ ብጽሒት ህዝቢ ዘይስገር ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ብዝተጠናነገ ናይ ስለያ መርበብ ኣፉ ዝተለጉመን መሓውሩ ዝተኣስረን  ህዝቢ፡  ናይቲ ዋኒኑ ዋና ንክኸውን ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ።

ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባቲ በብግዜኡ ምስ ጐረባብቲ ከካይዶ  ዝጸንሐ ውግእትን ክጽሕትሮ ዝጸንሐ ጽልእን  ምዝርዛር ገዲፍና፡ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብ2018 ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክዛመድ እንከሎ፡ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታቱ ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ  ናብ ውሽጣዊ ኩነታቱ ዝነበሮ ኣድህቦ ገዲፉ  ናብ ግዳም ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ ነይሩ። ደሓር ግና  “እንኳዕ ዳሓን መጻእኻ ናብ ኣስመራ ኣቢዪ ወለላ” እናበልካ ከምዘይተደርፈ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሮተርያ ፍትሕ ክጅመር እንከሎ፡ ህዝቢ  ብዛዕባቲ ተገላባጢ ተግባራቱ ናይቲ ጉጅለ ከምዘይዛረብ ካብ  ምግባሩ ዓዲ ኣይወዓለን። ሎሚ ዘወጣውጦ ብዘሎ ናይ “ጽምዶ” ዛዕባ  ዘርእዮ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ቀልባዕባዕን እውን ካብዚ መዳህለሊ ተግብራቱ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ዳሕረዋይ ካብቲ ናይ ቅድም ዝፍለ፡ ካብቶም ምስኡ ክጻመዱ ዝጽበዮም ዘሎ ኣካላት ዝያዳ “ናይ ርድኡኒ” ዝመስል ሃታሃታን ታህዋኽን ይረአ ምህላዉ እዩ።  

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህግደፍ ኣሲርዎም ካብ ዝጸንሐ ተጋሩ፡ “ኣስታት 80  ፈቲሑ ናብ ዓዶም ኣፋንይዎም” ዝብል ዜና ተዘርጊሑ ሰሚዕናን ኣንቢብናን። እዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ፡ ብዛዕባቶም ኣብ መጻኢ ዕድል  ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሳብ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ካልእ ገበን ዘይፈጸሙ ክነሶም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ሃለዋቶም ኣጥፊእዎም ዘሎ ኤርትራውያን ብጩቕ ዘይምባሉ፡  ክሳብ ክንደይ ንውሽጣዊ ኤርትራዊ ዛዕባ ሓቢኡ “ጥዑይ መሲሉ” ደገ ገደ የማዕዱ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ብዙሓት ነቲ ኩነታት ብጽሞና ዝተዓዘቡዎ  ኤርትራውያን ከኣ “ናይ ተጋሩ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ምኻዶምሲ ጽቡቕ፡ ደሃይ ናይቶም ጠፊኦም ዘለዉ ደቅናኸ?”  እናበሉ ብታሕቲ ታሕቲ ይሓቱ ምህላዎም፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ካብ ቀዳምነቱ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዝጸንሐን ዘሎን የረድእ። እዚ ህድማ ኣብ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ሰልፍታትን ውድባትን እውን ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ፡ “ውሽጥኻ እናሓባእካ  ናብ ደገ ናይ ምምዕዳው ዘይቅርዑይ ኣካይዳ  እዩ።

እምበኣር ብሓፈሻ ንኹሎም ነታ ሓቀኛ ትርጉማ ዘይተፈልጠ መዝሙር “ጽምዶ” ዘዳምቑ ዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ፈቲኻ ጸሊእካ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንመደንዘዚ ጭርሖታትካ ዘይተቐበሎ” ሎሚ’ውን “ብጽምዶ ተደናጊሩ” ዘቤታዊ ዛዕባኡ ዝርስዕ የለንን’ሞ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ምድንጋር  ኣይክትቐስንን ኢኻ ንብሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዋጋ ክኸፍል ዝግበኦ ነታ፡ “ዝፈከረ እንተፈከረ” ንድሕሪት ዘይትምለስ ልኡላዊት ሃገሩ እምበር፡ ነቲ ብዘይእፍልጦኡን ተሳትፎኡን ክሳብ ሎሚ ዘታለሎን ሎሚ’ውን ካብ ርእሱ ዘይወረደ ህግደፍ ዕድል ንዘይምሃቡ  ከስተውዕል ነዘኻኽሮ። እቶም ንህግደፍ ከም መኻይዲ መሪጾም፡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ከኣ ካልእ ኩሉ ገዲፍና፡ ህግደፍ “ከተድልዮ እንከለኻ ኣይዞኻ፡ ጉዳዩ ምስ ወደኣ ግና  ወይለኻ” ብዝብል ተበላጺ ጉርሒ ዘተሞከረ፡ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር “መጻምድቲ” ምዃኑ  ከይድህለል ኣብ ርእስቲ ተመኩሮኡ ነተሓሳስቦም።

Last modified on Wednesday, 16 July 2025 12:09