ብዙነትና ዓቕምና ምእንቲ  ክኸውን!

2025-05-13 16:11:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 164 times

ኤርትራ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶም  ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣለዉዋ። ብመንጽር ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጠኣ እትውንኖም ጐላጉል፡ ጐቦታት፡ ኣፍላጋትን እምባታትን ንብዙሕነታ ካብ ዘማዕርጉ እዮም። ብሳላዚ  ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን  ውህብቶታትን ድማ ብዜጋታታ ከም ኣደ እትፍቶ፡ ብዝተፈላለየ ብወጻእተኛታት ከኣ ኣዝያ እትበሃግ፡ ነዊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓጥቀት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት  ሃገር እያ።

ካብ ሓፈሻዊ መግለጺ ኣደዃኹና ኤርትራ፡ ደጋ፡ ወይነደጋንን ቆላን ዝጥቀሱ እዮም።  ከም ውጽኢት ናይዚ በብዓይነቱ ኣቀማምጠኣ ድማኣ ዝተፈላለዩ፡ ኣግራብ ዝበቑሉላ፡ እንስሳ ዝራብሑላ፡ ልዕሊ ምድርን ትሕተ ምድርን  ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እትውንን እያ። ሳላዚ መሳጥን ሃብታምን ተውህቡኣ፡ ብዘይካቲ ንምንባሩ ዘብህግ ኩነታት ኣየራ፡ ንሕርሻዊ፡ ንግዳዊ፡ ቱሪዝምን ካልእ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳትን ትሃራፊት  እያ። ኣቀማምጣኣ ምስ ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸገኣ ተደሚሩ ብዝፈጥሮ ምቅይያራት፡ ከምቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ዝረአ ኣብ ዓመት፡  ክረምቲ፡ ቀውዒ፡ ሓጋይን ጽድያን ዝበሃሉ ነናቶም ክሊማዊ መግለጺ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ባህልላውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ዝንጸባረቐሎም ክፍልታት ዓመት  ኣለዉዋ። 

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታታ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዛረቡላ፡ በበዓይነቱ ባህላዊ፡ ስነጥበባውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዝዝውተሩላ፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝንጸባረቑላ፡ ብዙሕነት ዝማዕረገት  እያ። ብዛዕባ ብዙሕነት ኤርትራ ክለዓል እንከሎ፡ “ከበሳን መታሕትን” ኢልካ ምግላጻ ልሙድ እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ጀኦግራፍያዊ ክፋላት ሃገርና ነፍሲ ወከፎም ነቶም መግለጺ ብዙሕነት ህዝባ ዝኾኑ ዛዕባታት ኣብ ምንጽብራቕ ነናቶም ብጽሒት  ኣለዎም። ውህደት ናይዞም ክልተ ክፋላት ክሳብ ክንደይ ሓድነታ ከም ዘደልድል ንምቅላሕ ከኣ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይንሃቦ ዋጋ” እናተባህለ ተደሪፉላ እዩ።

 መብዛሕትኡ ነባሪ መታሕት ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኮይኑ፡  መጓሰ ዘዘውትርን ክኸውን እንከሎ፡  ብኣንጻሩ  ኣብ ከበሳ ዝነብር መብዛሕትኡ ኣብ ክርስትና  ዝኣምን ናይ ቀዋሚ ሕርሻ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ቋንቋ፡ ባህልን ካለኦት ብዙሕነትን ድማ ከምኡ ከከም ከባብኡ ዝዝውትውርሉ   ላዛን ኣገባብን ኣለዎም። እዚ መርኣያ ብዙሕነት፡ ህዝቢ ዝፈላሊ ዘይኮነ፡ ናይ ሓባር ጽንዓትን  ዓቕምን  ፈጢሩ ዘቀራርብን ዘሳንን እዩ። እዚ ንይምሰል ዝጸሓፍን ዝዝረብን ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኮሮ ቃልስና ምስጢር ዓውትና ምዃኑ ዘመስከረ  እዩ።

 ምስጢር ዓወት ኤርትራውያን ምክእኣሉን ምጽውዋሩን ምዃኑ ዝተረድኡ ጸላእትና ካብ ቀደም ጀሚሮም ቃልስና ንምድኻም፡ ካብቶም መግለጺ ብዙሕነና ዝኾኑ ዛዕባታት እናመዘዙ ክፈላልዩና ፈቲኖም፡ እንተኾነ ኣይተዓወቱን። ኣብዚ እዋንዚ’ውን ህግደፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺሙ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ  ስምዒታት እናጻሕተረ ካብ  ምክፍፋልና ዓዲ ከምዘይውዕል ንከታተሎን ንቃለሶን ዘለና  እዩ።

ኣብ ተመኩሮና ሓድነት  ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ዝኣመሰሉን ንምምዝማዝ ከብ ዝተራእዩ ፈተነታት፡ ኣብ ግዜ ደርጊ “ምንቅስቓስ መታሕት/ቆላማ” ዝበሃል ዝነበረ ፈተነን በዓል ሱልጣን ዓሊ ሚራሕ ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታትን ንኣብነት ዝጥቀስ’ዩ። ንከበሳነት መዝሚዝካ ዝህቀን ሸርሕታት’ውን ነይሩ እዩ ። ብመንጽር’ዚ ንናይ ጸላእቲ ውዲት ክትስዕር ምብቃዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ኣብቶም ምእንቲ ኣብ ኤርትራ ዘተኣማምን ቀጻሊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ናይ ለውጢ ወገናት እውን ኣብ ውሽጦም ነቲ ብዙሕነት ኣከኣኢልካን ተጸዋዊርካን ናይ ሓባር ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ብደሆ ክበቕዕዎ ይግበኦም።

እዚ ምርግጋጽ እንተዘይተኻኢሉ ግና እቲ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ዝተመዝገበ ነጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብ ልዕሊ ጸረ ዲሞክራስን መሰረታዊ መሰላትን ህግደፍ ምድጋሙ ኣጸጋሚ ከም ዝኸውን ምግንዛብ የድሊ። በዚ መስረት ኢና ከኣ “ሎሚኸ ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነትና ኣብ ከመይ ደረጃ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ክንበቅዕ ዝግበኣና። ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናብ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዘድህብ ፍልልያትን ዘይምክብባርን፡ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ  ዓቕምን መልክዕን ዝኸውን ኣብ  ሓደጋ ዘውድቐና ንከይከውን ቅድሚት ሰሪዕካ ክትቃለሰሉ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነትና ኮነ ሓባራዊ ወፍርና መሰረታዊ ናብ ዓወት ዘብጸሓና ስለ ዝኾነ።

ቅድም ሓይልታት መግዛእቲ፡ ሎሚ ድማ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸላእቲ እምበር ናይ ውሱን ኤርትራዊ ኣካል ፈተውቲ ናይቲ ካልእ ከኣ ጸላእቲ ኣይነበሩን ኣይኮኑን። ናይ ህግደፍ ጸላኢ፡ ሃይማኖቱ፡ ኣውራጃኡን ባህሉን ብዘየገድስ እቲ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ዝሕለቕ ህዝባውን ብዙሕነታውን ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ምግንዛብ መሰረታዊ እዩ። ህግደፍ ብዘይካ ጉጅላዊ ረብሓኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ንሃይማኖት፡ ኣውራጃን ንካልእ ብዙሕነትን ኣይሕለቕን እዩ። ብዓብይኡኮ ህግደፍ ከም መግለጺ ንጭካነኡ እዩ “ኣፍሪቃዊ ሰሜን ኮርያዊ” ዝተባህለ። ስለዚ ህግደፍ ንምስዓር፡ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ኣብ ብዝሑነት ኤርትራን ኣተሓሕዛኡን ወሓለን ሓላፍነታውን ክኸውን  ወሳኒ እዩ።

ናይ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዕዉታት ተመኩሮታት’ውን ከም ዘመስክርዎ፡ እቶም ኣብ ቃልሲ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ  ክብገሱን ቁጽሮም ክበዝሕን ልሙድ ኣይኮነን። ስለዚ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበገሱ ኣተሓሳስባ ሓቛፍን ክፉትን ክሳብ ዝኾነ፡ ካለኦት ሰብ ዋኒን ኣብቲ ዛዕባቲ ተረድኦ ክሓድሮም እንከሎ ዝስዕብዎ እዩ። እቶም ጀመርቲ ብዙሕነታዊ ኣተሓሳስባኦም ከፊቶም ዓደምቲ እምበር፡ ነጸግቲ  ክኾኑ ሃናጺ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ መስርሕ ኩሉ ብዙሕነት ዝሳተፈሉ ምሉእነትን ሓቛፍነትን ክህሉ መሰረታውን ኣገዳስን እዩ። እንተኾነ እዚ ብናይ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር፡ ኣብ ሓደ ጸሓይ ብኣዋጅ እንተዘይተረጋገጸ እትብሎ ኣይኮነን። ንሓደ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ተሳተፍቱ ካበይን ናይ መንን እዮም ዘይኮነ፡  ዝምረሓሉ ኣተሓሳስባ እዩ። 

ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ወሳንን ተሃዋስን ናይ ቃልሲ ዕቤት፡ ብዙሕነትና ስግኣትና ዘይኮነ፡ ዓቕምናን መልክዕና ምዃኑ ተቐቢልና  ኣብ መትከል ምጽውዋርን ምክእኣልን  ጸኒዕና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ የብልናን።  

Last modified on Tuesday, 13 May 2025 18:16