ንሕናኸ ሰልፍና ምስ መን’ዩ?

2024-06-04 09:16:19 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 770 times

ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት  ግሎባላዊ ግዜ ዓለምና ክትሕቖን ጸኒሓ እያ።  ሕጂ እውን መልክዑ ደኣ ይቐያይር ኣሎ እምበር ካብኡ ኣይወጸትን። በዚ ዘይቅሱን ኩነታት ይጽለዉ ካብ ዘለዉ ከባብታት ሓደ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ኣፍሪቃ ክቐርብ እንከሎ ከኣ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝያዳ ክሕቆን ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብ ሕንብርቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ልዕሊ ሺሕ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ከኣ ካብ ኢውሮጳዊ መግዛእቲ ጀሚርካ ናይዚ ጽልዋ ግዳይ  ካብ እትኸውን ነዊሕ ግዜ እዩ።

ቅልውላው ዞባና ብክለሳ-ሓሳብ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ኳ ኣብ የመን ዝረኤ ዘሎ ናዕብታት፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝረአ ዘሎ ኣዕናውን ኣብራስን ውግእ ህያው ኣብነት እዩ። ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ውግእ መራክብ ዕልቕልቕ ናይቲ ወጥሪ ምስክር እዩ። ዝያዳ ናብ ኤርትራ ከነቕርቦ እንከለና ድማ፡ ኩነታት ሱዳን፡ የመን፡ ሶማሊያላንድ፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅልውላው ኣመልከቲ እዮም።  ግብጺ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን’ውን ህዝበን ደቂሱ ዝሓድር ኣይኮናን።  ኤርትራ ከኣ ህዝባ ብህግደፍ ጅሆ ተታሒዙ፡ ናብ ውሽጡ እናነብዐ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝተሓረሞ ኩነታት እያ እትርከብ። ምስዚ ኩሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ሓደ ካብቶም በቲ ቅልውላው ተጸለወትን ኣብቲ ቃልሲ ተሰላፍትን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ንሕናኸ ሰልፍና ምስ መን’ዩ?” ኢልና ሓቲትና መልሲ ክንረክብ እንግደድ። ምኽንያቱ ዘለናሉ ዓለማዊ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና፡ ሓያል ኮይንካ’ውን በይንኻ  እትቖመሉ ዘይኮነ፡ ክትመሓዞ እትግደደሉ ስለ ዝኾነ።

ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ ሃንደፍ ኢልካ “ብናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ” ሕሳብ  ዝውሰድ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ መኻይድኻ መዕቀኒ ምሓዝ ዘይስገር’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸላኢ ጸላኢኻ፡ ጸላኢኻ’’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል። ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ንኡስ ፍልልያት ክህልወና’ኳ እንጽበዮ እንተኾነ፡ ኣብ “ምዕቃብ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ፡ ምውጋድ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ብሕገምንግስታዊ ስርዓት ምትክኡን” ኣብ ዝብሉ ግና ክንሰማማዕ ይግበኣና። እንመርጾ ኣሰላልፋ ጸኒዑ ምእንቲ ክቕጽል ማእከሉ ናይቶም ሓቢሮም ዝስለፉ እምበር፡ ብናይ ሓደ ካብቶም ሓቢሮም ዝስለፉ ዝተዓብለለ ከይከውን ምስትብሃል የድሊ።

እቲ ኣሰላልፋ ቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ከም ዝኸውን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እቲ ቀጥታዊ እቲ ብጀኦግራፍን መሰል መዕቀንታትን ምስ ዝቐርቡኻ ዝረአ ኮይኑ፡ እቲ ዘይቀጥታዊ ከኣ ነዊሕ  ኣእዳው ዘለዎም ሓያላት ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ብምዕጣቕን ብምስናቕን ናይ ረብሓኦም ዓውዲ ውግእን ተለኣኽን ክገብሩኻ ዝዝርግሕዎ ኣሰላልፋ እዩ። ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን ዝርከበአን ሓያላት መንግስታት ናይዚ ቅዲ ሃንደስቲ ምዃነን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ኤርትራዊ ጉዳይና ክንመጽእ እንከለና፡ ሓይልታት ለውጥን ህግደፍን ብሓደ ክንስለፍ  ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ኣብቶም ክንዛመድ እንከለና መዕቀኒና ክኾኑ ይግበኣኦም ዝበልናዮም መሰረታዊ መበገሲታት ፍልልይ ስለ ዘለና። ንሕና ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ንምስባር እንቃለስ ክንከውን እንከለና፡ ህግደፍ ብኣንጻሩ ኣርዑት መግዛእቱ መመሊሱ ከትርርን ከቐጽልን ከይደቀሰ ዝሓድር ስለ ዝኾነ።

ናይተን ብኤርትራዊ ምዕባለ ዝጽለዋ፡ ኣብኣተን ዝረአ ምዕባለ’ውን ንኤርትራ ዝጸልዋ ናይ ቀረባ  ሃገራት ኩነታት ምስ እንድህስስ ኣብ ከባቢና እቲ ኣሰላልፋ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሓላለኽ ንምግንዛብ ይሕግዘና። ናይቲ ምትሕልላኽ ቀንዲ ምኽንያት ብደገ ዝጽለው እምበር፡ ነብሱ ክኢሉ ዝቐውም ዘይምዃኑ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ፖለቲካ  ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብልጽግና፡ ህወሓትን ፋኖን ከምኡውን ኦነግ ቀዳሞት ተሰለፍቲ እዮም። ካብዚኦም መን ኮይንካ  ኣንጻርቲ ካልእ ናይ ምስላፍ ፈተነታት ንዕዘብ ኣለና። መንን መንን ኣንጻር መን ግና ጌና መልክዕ ኣይሓዘን። እቲ ዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ከኣ ስቕ ዝመረጸን ምስ ዝሓየለ ናይ ምስላፍን ዝንባለ ዘለዎን ይመስል።

ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም በዓል ጉዳይ ኮይኑ፡ ከዳኽር ከም ዝደሊ ብሓሳብን ብግብርን ኣርእዩና እዩ። ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ካብ ዘለዎም ግዝያዊ ሕሳብ ነቒሎም ህግደፍ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተሳታፊ ክኾነሎም ይደልዩ እዮም። ፋኖ ህግደፍ ከዕጥቖን ከስንቖን ስለ ዝደሊ ጉንብሕ ጥልዕ ክብለሉ እንከሎ፡ ህግደፍ ብትግራይ ብህልቂት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዝኸስስ ዘሎ ምዃኑ ናይቲ ዘይንጹር ኣሰላልፋ  ገላጺ እዩ። ዝምድና ህግደፍን ብልጽግናን  ከኣ ምግማቱ ኣብ ዘጸግም ጽልግልግ ዘሎ እዩ።

እዞም ንኤርትራዊ ጉዳይ ዝጸልውዎን ብኣኡ ዝጽለዉን ዝበልናዮም ሓይልታት፡ ኣብቶም ከም መዕቀኒ ኣሰላልፋ ኢልና ዘስፈርናዮም መምዘኒ ነጥብታት “ሚዛኖም ከመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ ዘይስገር እዩ። ብልጽግና ንሓንሳብ ብስዉር ንሓንሳብ ድማ ብጋህዲ ብኣፍደገ ባሕሪ ኣሳቢቡ ኣንጻር ኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ዝስለፍ ነጊሩና እዩ። ፋኖ ምእንቲ ብህግደፍ ክድገፍ ነቲ ብልጽግና ዘልዕሎ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይድግፎ መሲሉ’ኳ እንተቐረበ፡ ከምቲ “ዝብእሲ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል ንግዜኡ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልኡላውነትና ካብ ብልጽግና ዝሓይሽ ኣይኮነን።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ ግዜ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝተቐበለ ሓይሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጥራይ እዩ። ግን ድማ ናይ ሎምን ናይ ቅድሚ 20 ዓመታትን ህወሓትን ትግራይን ሓደ ከምዘይኮኑ ምግንዛብ የድሊ። ሎሚ ትግራይን ህዝባን ብዘይካ ብህወሓት፡ ብዝተፈላለዩ እሞ ድማ ነጽናት ኤርትራ ብዘይቅበሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ እውን ግጉይ  ግንዛበ ብዘለዎም ውድባታትን ማሕበራትን’ውን ኣብ ዝጽለውሉ ኩነታት ምህላዎም ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ኣብ ምምላስ ነዚታት ምግናዛቡ መሰረታዊ እዩ። ብመንጽርዚ ሕቶ “ሰልፍና ምስ መን እዩ?” ክንምልስ እንከለና፡ ዋላ ትቕጠን ነታ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝባን ዘይትወላወል ገመድ ምስ መን ከምዘላ ብዘየገድስ ከይለቐቕና፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣሰላልፋና ተመሊስና ብመጽርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምዕባለታት ክንድህስሶ ግድን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ  ዘለና።

Last modified on Tuesday, 04 June 2024 11:21