ኤርትራ፡ 33 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ሓርነት

2024-05-23 21:52:30 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 685 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

24 ጉንበት ቅድሚ 33 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ  ግዝኣታዊ መሬታ ናጻ ዝወጸትላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡  ናይ ዮሃና መልእኽትና ነቐድም።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ትስፉው ነይሩ። ኣብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991ን ብ30 ዓመታት ዝረሓሓቓ ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ብምብሳር ሰውራ፡ እታ ካለኣይቲ ከኣ ዓወት ናጽነት ኤርትራ ብምብሳር። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ታሪኻውያን ዓመታት ፡ ዝሓለፈ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ህልቂት ህዝብን ጥሪትን ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ  ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትበጽሕ ልዑል ተስፋ ነይሩ።

እተኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ጌና ኣብ ተስፋ እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓቦ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንተጻብኦ ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብዝሓዝናዮ መንገዲ ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ  የብልናን።     

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና እዩ ነይሩ።  ካብቲ ተስፋ ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ነዓይ ጥራይ  ዝብል ግጉይ ኣሰላልፋ ክህሉ ብሓፈሻ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንናጽነት ዝተቓለሱ ደቁ፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ዝኾኖ ዘሎ ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  ምስዚ ግን፡ ካብ ቅድሙ እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ብኣንጻሩ ኮይኑ።  እቲ እምበርከ፡ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 33 ዓመቱ መሊኡ። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጐደ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ጉዕዞ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮዩ። ንናይ ህዝብና ናይ ንዕብየትን ሰላምን ትጽቢት ከኣ  ንቁልቑል ነቚትዎ ።   

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 33 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ናይ 63 ዓመታት በሊሕ ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ “ከመይ ሓሊፍናዮ? ኣብ ከመይ ኩነታትከ ኣለና? እንታይከ ይጽበየና ኣሎ? ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ግቡእ እዩ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ምስዚ ግና ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ለውጢ ድሌት ህዝብና ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊሙ ዘረጋግጸሉ ታሪኻዊ ናይ ዝኽሪ መዓልቲዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ካልእ ንመበል 33 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ኣህጉርና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ኩለ-መዳያዊ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና መሊሱ እናገደደ ዝከይድ ዘሎ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ሰላማዊ መስርሕኳ እንተሎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣይበጽሐን። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ዓመቱ ሓሊፉ እዩ፡ እንተኾነ ብዘይካ እቲ ዕንወትን ሞትን ምምዝባል ምግዳዱ ብሰላም ናይ ምድቃሱ ተስፋ የለን። ኣብ ጐረቤት ዘሎ ዘሻቕል ዝምድናታት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን  ናይቶም ብርሑቕ ዘሳውርዎ ዘለወ ሓይልታት ኢድ ኣእታውነት ወሲኽካ ኣዝዩ ዘሰክፍ ስለ ዝኽኾነ ኣቓልቦና ማዕሪኡ ክብርኽ ይግበኦ።

እዚ ዘይርጉእ ምዕባለታት ንህግደፍ መፍቶቱ ምዃኑ በቲ ዘርእዮ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ምርድኡ ኣየጸግምን። እንተ ንህዝብና፡ በቲ ህግደፍ ከምስል ዝጭረሖ “ምውሓስ ሰላም ብመኸተ” ኣብ ውግእን ወረ ውግእን ከንብሮ ከምዝደሊ ኣጸቢቑ ዝርደኦ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ  ኣንጻርቲ ናይ ኩሉ ሕማቕካ ጠንቂ ዝኾነ ህግደፍ ድምጽኻ ከተስምዕን ቃልሲ ከተበርኽን ከም ዝግበኣካ ምዝኽኻር መልእኽትና እዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

24 ጉንበት 2024

Last modified on Friday, 24 May 2024 00:06