ብ12 ማዝያ 2024 ኣብ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሚልየንዩም ኣድራሽን ህንጻታት ሳንሻይንን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ክፍለ ከተማ ቦሌ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣባላት መሪሕነት ፋኖ ዝተባህሉን ኣብ ዝተኻየደ ተኹሲ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘጋጠመ መግለጺ ፖሊስ ኮሚሽን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ፖሊስ  ኣዲስ ኣበባ  ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፖሊስ ነቶም ኣባላት ፋኖ ንምሓዝ  ዘካየዶ ጻዕሪ ኢዶም ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ምዃን ስለ ዝኣበዩ  ብዝተኻየደ  ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ፡ ካብቶም ብመኪና ክሃድሙ ዝፈተኑ  ኣባላት ፋኖ ክልተ ሞይቶም ሓደ ብዘይጉድኣት ከም ዝተታሕዘን ክልተ ኣባላት ፖሊስ  ከም ዝቖሰሉን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ካብ ፋኖ ዝተቐትሉ፡ ናሁሰናይ እንዳርጌ ታሪኩን ኣቤነዘር ጋሻው ኣባተን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሃብታሙ አንዳርጌ ተሰማ ዝተባህለ  ድማ ብዘይጉድኣት ብፖሊስ ተታሒዙ። ናይቲ ጉጅለ መራሒ ናሁሰናይ ኣብ ናይ ጎንደር ፋኖ ሓደ ካብ መራሕቲ ከም ዝነበረ ድማ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝቖሰሉ ከኣ፡ ሳጅን አራርሳ ተሾመን  ኮንስታብል ማቲያስ ጴጥሮስን ዝተባህሉ ምዃኖም እቲ መገለጺ ጠቒሱ። እንዳርጋቸው ጌትነት ዝተባህለ ሰብ ድማ “ኣይተሓባበርካናን” ብዝብል በቶም ኣባላት ፋኖ ከም ዝተቐትለን ብዘይካቶም ኣባላት ፖሊስ ክልተ ካለኦት ከም ዝቖሰሉን እውን ኣብቲ ፖሊስ ዘውጸኦ መግለጺ ተጠቒሱ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኮነ ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ከጋጥም ንመጀምርያ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ከተማ ባረቱ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 48 ጋሩ ብ12 ማዝያ 2024 ተፈቲሖም ናብ ትግራይ ከም ዝተፋነዉ ማሕበራዊ መራኸብታት ትግራይ ኣፍሊጠን። እዞም ካብኣቶም ናይ 37 ዝርዝር ኣስማት ዝጠቕሰ ተጋሩ ኣብ ግንባር ዓዲ ጸጸር ናብ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ረከቡ ናብ ከተማ ሸራሮ ከም ዝተወስዱ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብይካዚ ምስቶም እሱራት ብሓይልታት ኤርትራ ተወሲደን ዝነበራ 29 ከብቲ ናብ ትግራይ ከም ዝተመለሳ እተን ምንጭታት ኣፍሊጠን።

እቶም ምንጭታት እዞም ዝተፈትሑ ግዳያት ምስ ስድራቤቶም ዝራኸብሉ መንገዲ ይስራዕ ከምዘሎ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ክፍትሑ ተስፋ ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም።

ኣብዛ ብብዙሓት ወገናት “ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር” እትበሃል ዘላ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታኳ ዘይፍለጥን ዝኾነ ኣካል ረኪቡ ደሃዮም ክፈልጥ ዘይክእልን ኣማኢት ኣሸሓት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ኬንያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ብዝምልከት ክሰማምዓ ይፍትና ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ህድእ  መፍትሒ ምቕራብ ዘኽእል  ርኢቶ ኣለኒ ምባላ ሮይተርስ/REUTERS ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ኮሪር ሲንጎይ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ርኢቶ  ከይጠቐሰ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዘትክል ኮይኑ፡ ጅቡትን ኢጋድን ብሓባር ክነድፈኦ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኬንያዊ በዓል መዚ፡ ኢጋድ ከም ዞባዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ንዞባና  ከቀራርብ ዘኽእል እማመ ከቕርብ ከም ዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ፕረሲደንት ኬንያ ዊልያም ሮቶ ዘካየድዎ ርክብ ነቲ ብኬንያ ዝቐርብን ነዚ ዞባ ከህድእ ትጽቢት ዝግበረሉን ርኢቶ ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ። እንተደኣ እዚ ናይ ኬንያ ርኢቶ ተዓዊቱ፡ በቲ ሓደ ወገን  ኢትዮጵያ ብዘተኣማምንን ብቐጻልን ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ክትረብ ክትእል እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ምዕቀብ ከም ዘኽእል ጠቒሱ።

እቲ ኬንያዊ ዲፕሎማት፡ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ዞባና ዝፍጠር  ዘሎ ቅልውላው፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጥቀመሉ ስለ ዝኽእል፡ መዋጸኦ ንምርካብ ግዜ ምውሳድ ከምዘየድሊ ኣጠንቂቑ። በዚ መሰረት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ብኣካል ተራኺቦም ኣብቲ ጉዳይ ክመያየጡ ብኬንያ ተዓዲሞም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዞባና እውን ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ጸገም ዝተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መሰማምዒ ሰነድ፡ ሶማሊያ ድማ ናጽነተይን ልኡላውነተይን ዝግህስ እዩ ብዝብል  ተሪር  ተቓውሞ ተስምዓሉ ዘላ  እዩ። እዚ ዘይምስማዕ ኣብ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተወሰነ ሓዲሽ ዞባዊ ኣሰላልፋ ናብ ምፍጣር ገጹ ዝምዕብል ዘሎ እዩ።

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ባእታታት ብኸፊል

ኤርትራ ምናልባት ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላል እንተ ሓገዘ ብዝብል፡ ሓንቲ ካብተን 42 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከምእትኸውን እኳ እንተተገብረ፡ ዝኾነ ይኹን ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ናይቲ ባይቶ ጸብጻብ 2024 ኣቃሊዑ።

እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል  ምምሕያሽ ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ እኳ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ኣብተን ኤርትራዊ ዝዕቊበለን ዝነበረ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ይፍጠር ብዘሎ ውግእን ዘይምርግጋእን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝገደደ ምክልባትን መጭወይትን ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ዕድመ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ብምልኡ ኤርትራዊ ኣብ ስቓይን መከራን ዝጸንሓሉ   ዘርኢ ምዃኑ እቲ ባይቶ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ።

ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ በብግዜኡ ንከተመሓይሾ ዝቐርባ ምሕጽታ ዘይትቕበል ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ ኮሚሽናት ሰብእዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከም ዘይኮነ እውን ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ ከም መዕቀኒ ናይ ሚዛኑ ካብ ዝወሰዶም ነጥብታት፡ ብዘይሕገመንግስታዊ መሰረት ዝተኣወጀ ግዱድ ውትህድርናን ኣተገባብራኡን፡ ናይ ዜጋታት ናይ እምነት ነጻነት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን ዜጋታትን ኣገዲድካ ምምላስ ስደተኛታት ካብቲ ዝተዓቖብዎ ሃገራትን ከም ዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2024 በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

ዒድ ኣልፈጥር፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒሩ ራህዋ ከምጽእ፡ ነቲ ኩሉ ውግኣትን ስደትን ዛዚሙ ሰላም ክፈጥር፡ ነቲ ጭቆና ዘስዓቦ ሕሰም ይኣክል ብምባል፡ ቅሳነት ዘውርደልና ክኸውን ንምነ።

ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ጽንዓትን ድሕሪ ምዝዛም፡ ናብ ምኽባር ዒድ ኣል-ፈጥር  ብምጻሕና ደጊምና እንቋዕ ኣብቅዓና ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  መልእኽቲ ዒድ ሙባረክ ነመሓላልፍ።

ገረዝግሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ

ኣባላት ጉይጅለ ምቑጽጻር ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ

ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ተልእኮ ምቁጽጻርን ምንጻርን ውዕል ፕሪቶርያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፡ ወረዳ ጉሎ-መኸዳን ከተማ ዛላንበሳ ከም ዝበጸሐ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዚ ምብጻሕ ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ን2ይ ግዜ ዝተኻየደ እዩ።

ኣብዚ ብ4 ማዝያ 2024 ዝተየደ ምብጻሕ፡ እቲ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኣመሓደርቲ እተን ዝሰፈሐ ክፋለን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ኤርትራ ከም ዝርከባ ዝግለጻ፡ ወረዳ ጉሎመኸዳን ከተማ ዛላንበሳን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። እቲ ምምይይጥ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያን ኩነታት ሃለዋት ህዝቢ እቲ ከባብን ዘድሃበ ከም ዝነበረ፡ ነቲ ጉጅለ መብርሂ ዝሃቡ ኣቶ በሪሁ በርሀ ከንቲባ ዛላንበሳ  ኣፍሊጦም።

እቲ ምይይጥ ናይቲ ከባቢ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ከም ዝተሳተፍዎን፡ ብዛዕባ ህላወ ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኣብ ከተማ ዘላንበሳን 6 ቀበለታት ወረዳ ጉሎመኸዳን ከምኡ እውን እስትራተጅካዊ ኣሰፋፍራ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ዘላንበሳ  ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ከም ዝተዋህበ እታ መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።

ካብተን ካብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ብወገን ሰሜን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ ከባብታት፡ ዛላንበሳ፡ ፋጽን ሰበያን ምዃነን ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ 75% ከተማ ዛላንበሳ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ 25% ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋንዚ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ንውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንቀራቕሮ ኣእትየምዎ ካብ ዘለዉ ዛዕባታት ምዃኖም ይፍለጥ።

ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀጻሊ ከም ዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ገሊጾም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝያዳ ዝእሰርሉ ሰዓታት ኣብ ምሸት ኮይኑ ዝያዳ፡ ሃያ ሁለት፡ መብራት ሃይልን 24ን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ብጻዕቂ ዝርከብሉ ከባብታት ከም ዝኽዕነ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ዝተሓዝሉ መብዛሕትኡ መዘናግዒ ቦታታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ከም ጠንቂ ዝጥቀስ “ሕጋዊ መንበሪ ወይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘየብሎም” ዝበሃል’ኳ እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም እውን ተለኪሞም ከም ዝእሰሩን ጉዳዮም ተጻርዩ  ካብ መደበራት ፖሊስን ቤት ማእሰርቲ ቃልቲን ንክወጹ ነቶም ዝሓዝዎም ኣባላት ፖሊስ ዘይሕጋዊ  ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ’ውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ምኽንያት፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘይምሓዝ ጥራይ ከምዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ብተግባራት ፖሊስ  ምምራር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጋዊ ንምዃን ከማልእዎ ዝግበኦም ሰነዳት ናይ ምምላእንን] ዝንቀሳቐሰሉ ግዜን ቦታን ናይ ምግንዛብን ግደታ ከም ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት የተሓሳስቡ ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብዘይካ ገዝኡ ዓጽዩ ወረ ምጭንጫንን ዘይሕጋዊ ንግዲ ምክያድን፡ ነቶም ግዳያት ንክሓተሎም ቅሩብ ከም ዘይኮነ፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያት በብግዜኡ ክገልጽዎ ዝጸንሑ  እዩ።

ኤርትራውያን ንከምዚ ዓይነት በደል ዝቃልዑ ዘለዉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምብጻሕ ካብ ዶብ ትግራይ ጀሚሮም ብዙሓት ዕንቅፋታት ሓሊፎምን ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ፡ እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብዘይ ድሌቶም ተገዲዶም፡ ናይ ስደተኛ መንነት ዘለዎም ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱን ብዛዕባ ሃለዋት ናይዞም ግዳያት ድሕሪ ምምላሶም፡ ብምምሕዳር ህግደፍ  ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለን ይፍለጥ።

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግራሃም ዓብደል ቃድር

ሰብ መዚ ሱዳን ምንቅስቓስ ሰለስተ ማዕከናት ዜና ዓረብ ከም ዘንጠልተሉ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ባህልን ዜናን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እተን ምቅስቓሰን ዝተንጠልጠለ ማዕከናት፡ ስካይ ኒውስ ዓረቢያ/ Sky News Arabia፡ ኣል ዓረቢያ/Al Arabiyaን ኣል ሓዳስ/Al Hadathን ምዃነን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግርሃም ዓብደል ቃደር፡ ነቲ መግለጺ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እታ ብኢማራት እትምወል ስካይ ነውስ ዓረቢያ ዝተንጠልጠለት፡ ጐዳእቲ ጸብጻባት ስለ እተውጽእ ምዃና ጠቒሱ። እተን ክልተ ብስዑድ ዓረቢያ ዝምወላ ዝተንጠልጠላሉ ምኽንያት ድማ ፈቓደን ብዘይምሕዳሰን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ነታ ናይ ኢማራት መድያ ስካይ ኒውስ  ብዝምልከት ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ሱዳን ዜናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ እንከላ፡ ኤሮ ኒወስ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣብ ሶማሊያ ንዘውጸኣቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምጥቃማ ከሲስዋ። ኣብ ርእሲዚ ምንጭታት ስካይ ነውስ ዓረቢያ፡ ኣብ ናይቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ጽልዋ ኣብ ዘለዋ ጋዜጣ ከም ዝምርኮስ ጠቒሱ። እዚ ክሲ ምስቲ መንግስቲ ሱዳን ብ26 መጋቢት 2024 ዘውጸኦ ንኤመራት ምስቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ብምትሕብባር ዝኸሰሰሉ መግለጺ ዝዛመድ እዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ኮኒኑ፡ “ ምጥሓስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ እዩ” ኢልዎ። ኣስዒቡ ከኣ ምዕጻው መድያታት፡ ሞያዊ ጋዜጠኝነት ኣዳኺሙ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ጽልኢ መደረታትን ዘነግስ እዩ ኢልዎ።

ኣህጉራዊ ፕሮጀክት ማእሰርትን ኮሚተ ንፍትሕን ዝተባህላ ሰብኣዊ ትካላት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ግብጺ ዝፍጸም ማእሰርቲ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ኣባላት ኮሚሽንን ፓርላማን ሕብረት ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብጃምላዊ ማእሰርቲ ስደተኛታት ዝግደስ ኣካል፡ ኣብቲ ሕብረት ስቓይን ግህሰትን ናይ ዝከላኸል ኮሚተ ኣባላት፡ ከምኡውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዝሕለቑ ኣካላት ህጹጽ ፍታሕ ንክረኽቡ መጸዋዕታ ኣቕሪበን።

እተን ሰብኣዊ ትካላት ከም ዝጠቐሰኦ፡ ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ዝኣተዉሉ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ግብጻውያን ኣብ ክንዲ ብኣህጉራዊ ሕግታት ስደተኛታትን ንሳቶም ብዝኣተዉዎ ውዕልን ዝቕየዱ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝቐበልዎምን ናብቲ ዝመጽዎ ዘይውሑስ ቦታ ንክምለሱ ከም ዘገድድዎምን ኣቃሊዐን።

ከምዚ ዝኣመሰል ኣንጻር መሰል ስደተኛታት ዝረአ ዘሎ ግህሰት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ንግብጺ ዝህቦ ደገፍ  ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ምዃኑ እተን ግዱሳት ትካላት ተጠቒሰን። እተን  ትካላት ናብ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዘቕረብኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ ክንዲ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ስደተኛታት ናብ ግብጺ ኣብ ዘእቱ ዶባት፡ መሰሎም ንምክልኻልን መንነቶም ናብ ዝምልከቶ ንምግላጽን ናብ ዝኽእልሉ ዘይሻራዊ ኣካል ዝቐርብሉ ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዖም። ነብሶም ንምድሓን ናብታ ሃገር ስለ ዝኣትዉ ቪዛ ንከይሕተቱ ድማ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ግብጺ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ሱዳናውያን ኮይኖም፡ እቲ ኣብ 2021 ኣስታት 20,778 ዝነበረ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ወሲኹ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ። እዚ ከምዚ እንከሎ ግብጺ ብተደጋጋሚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዳ ናብ ህግደፍ ከተረክብ ዝጸንሐት ሃገር እያ።

Page 5 of 140