ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ሶፍያ ተስፋምርያም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ነቲ ንሳ እትውክሎ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ በደላት ሓቢኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳት ዘይሕጋዊ ከተምስሎ ተሰሚዓ።

ካብቶም ዕሉላት መሳርሒ ሕግደፍ ምዃና ዝንገረላ ሶፍያ፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባን ሰብኣውነትን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን መዳርግቲ ዘየብሉ ገበናት ሸፊና፡ እቲ ቅድም መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘንበሮ ደሓር ድማ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝደገፎ እገዳ ንናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ሕሳብ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ክትብሎ ፈቲና።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ወዮ እቲ ዝወከለቶ ኣካል በብግዜኡ ዝጥሕሶ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዘንጊዓ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ሕግታት ንግድን ፖሊሲ ዝምድናን ዝጠሓሰ እዩ ኢላቶ።

ሶፊያ ቀጺላ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን ቁጠባዊ ትካላትን ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ከም ዘሕደሶ ተኣሚና፡ ዕላምኡ ከኣ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ፡ ናይ ከባቢና ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ  ዝዓለመ እዩ ኢላ ገሊጻቶ። ኣብዚ እቲ ዘገርም እቲ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምዝራግ ዘይቅዱስ ዝምድናታት ክፈጥር ከይደቀሰ ዝሓድር ህግደፍ ምዃኑ ክትሓብእ ምፍታና እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ዝሃቦ ምስክርነት ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክውሰን ዝጸንሐ እገዳታት፡ ብመንጽር ድሌት ናይቶም ዝውስኑ ኣካላት እምበር፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላትን ገበናትን ህግደፍ ክንድቲ ዝድለ ኣብ ግምት ዘይምእታዉ ከዛርብ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ካብ ማሕበራዊ መድያ፡ ዝተወስደ፡  ሰማንታ ፖወር፡ ኣካያዲት፡ ዩ ኤስ ኣይድ/(USAID

ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ኣብታ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላው ወዲቓ ዘላ ሱዳን  ዘሎ ህዝቢ ንምሕጋዝ ተወሳኺ ልዕሊ 315 ሚልዮ ዶላር መዲባ ከም ዘላ ሓንቲ ኣሜሪካዊት ላዕለወይቲ በዓልቲ መዚ ኣፍሊጣ።

ኣመሓዳሪት  ትካል ዓለምለከ ልምዓት ኣሜሪካ፡ ሳማንታ ፖወር፡ ከም ዝገለጸቶ እቲ ረዲአት ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍደገ ሞት ናይ ዘለዉ ግዳያት ህይወት ምድሓን ዝዓለመ እዩ።

ሳንማታ ፖወር ከም ዝበለቶ’ እኹል ረዲአት መግቢ ዝኽዘነሉ  እኹል ማእከላት ዘይምህላው፡ ድሕሪቲ ታሪኻዊ ዓጸቦ ዘሎ ሓደገኛ ዕንቅፋት እዩ። እዚ ኰነታት ካብቲ ቅድሚ ኩሉ ክፍታሕ ዝግበኦ ምዃኡ’ውን ኣብቲ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ። ህዝቢ ሱዳን ከባቢ 25 ሚልዮን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብኡ ኣስታት 8 ሚልዮን ካብ ሃገር ምውጽኡ ተመዛቢሉ’ሎ። 

እዚ ብኣሜሪካ ዝልገስ ረዲአት፡ ህልቂት ህይወት ሱዳናውያን ኣብ ምድሓን ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ሕድሕድ  ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ምግሃድ ሰላማዊ መፍትሒ ትብዓትን ተወፋይነትን ከርእዩ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ሳማንታ ፖወር ጸዊዐን።

እቲ ኣሜሪካዊ ዓለምለኸ ትካል ረዲአት ከም ዝገለጾ፡ ካብቲ ተዋግእቲ ወገናት ዝሓዝዎ ቦታታት ካብ ናይቲ ሓደ ናብቲ ካልእ ዝቆጻጸሮ ከተሰጋግር ኣጸጋሚ እዩ። ብዘይካዚ ናብ ሱዳን ኣብ ዘእቱ ዓለምለኻዊ ዶባት እውን ጸገም ኣሎ። ብመንጽርዚ ብቻድ ኣቢልካ ናብ ሱዳን ዘእቱ ቦታ ህይወት ሚልዮናት ጽጉማት ሰለ ዘድሕን ምኽፋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ተቐናቐንቲ ዘካይድዎ ዕንቅፋት፡ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዓጸቦ ቀንዲ ጠንቂ እዩ። ብምትሕሓዝ ድማ ኣሜሪካ ናይተን ካለኦት ትካላት ረዲአት ቀጻልነት ከይቋረጽ ክትጽዕር እያ። በዚ ድማ ህይወት ንምድሓን ዝወሃብ ሓቀዝ ቀጻሊ ምግባር ከም ዝከኣል መልእኽቲ ኣሜሪካ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ካብ ዩ ኤስ ኣይድ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን፡ ብህጹጽ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ከኽብሩን ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ሓደኛ ኩነታት ንምፍታሕ ናብ መኣዲ ዘተ  ንክምለሱን ጸዊዑ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክ ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምትኒቱ እገልጽ።

እዚ ኣብ 2024 እንርከቦ ዘሎ በዓል፡ ካብ ምልካዊ ግፍዒ ኣገላጊሉ: ሰላም እነስተማቕረሉ፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝስፍነሉን ስደትን ምክልባትን ኤርትራውያን  ዝሓጽረሉ ክኸውን ንምነ።

ንኹሎም እቶም  ነዚ በዓል ዘኽብሩን ናይ ሓጅ ጉዕዞ ብምክያድ ሰብኣውን መንፈሳውን ዕማማት ከማልኡ ዝበቕዑን ኣመንቲ ምስልምና ከኣ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩም መልእኽቲ አመሓላልፈሎም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

በሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ፡ ኢጎር ሞዝጎ

ኤርትራ ናይ ምዕራብ ሓይሊ ንምምጥጣን፡ ሩሲያ ኣብ ኣፍሪቃ ክትሁ ከም እትደሊ ኣምበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ታስ/TASS፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ። ንሱ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ኤርትራ፡ ሩሲያ ጸጥታን ሰላምን ፍሪቃ ንክተመሓድር  ክትጽውዕን ከተዕግብን  ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኤርትራ 1,200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪን ክንድኡ ዝኸውን ገማግም ደሴታትን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ጠቒሱ።

እቲ ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ነቲ ምዕራባውያን በይኖም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር የመን ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከምዘይትድግፎ ብምጥቃስ፡ ብኣንጻሩ ንምምጻእ መራኽብ ውግእ ሩሲያ ናብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩሲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝተኸተመ ስምምዕን ብጽቡቕ ከም እትቕበሎ ኣስሚሩሉ። ኣብዚ ቃለ መጥይቑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ስምምዕ ክረኽቦ  ዝኽእል ጠቕሚ ኣየንጸባረቐን። 

ኢስያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብ መበል 33 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ ቃል ነዚ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ድሕሪ ካብ ደቡብ ኮርያ ምምላሱ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ግና፡ ሓቀኛ ግብሩ ሓቢኡ፡ ኣፍሪቃውያን ንካለኦት ናይ ርሑቕ ሓይልታት ከይተጸበና ጉዳና ንግበር ክብል’ዩ ፈቲኑ። ቃልብቓል ከኣ፡ “  ንሕና ንኻልኦት ክንሓሚን ክንራገምን ክንነብር ኣይኮንናን። ብኸምኡ ገይርካ ዝፍታሕ ሽግር የለን። ዕዮ ገዛና ንግበር። ኣረዳድኣና ነስምሮን ነቀራርቦን።” ብዝብል ነቲ ናብ ርሑቕ ዝጥምት ኣካይዳኡ ክሽፍኖ ፈቲኑ።

ኣምበሳደር ነበር ኣደም ዑስማን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ ክሳብ ሎሚኳ ኩነታቱ ከዘራርብ እንተጸንሐ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ብወግዒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝግደስ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ነዚ ብዝምልከት ብ9 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ንኣደም ዑስማን ተኪኡ ዝተመደበ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣደም  ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ ነቲ ተግባሩ “ሃገራዊ ክድዓት” ከም ዝበሎ ኣረጋጊጹ።

ኣደም ዑመር ብ2019 ናብ ኣምበሳደር ኮይኑ ክምደብ እንከሎ፡ ዝለዓለ ጽንዓትን ብቕዓት ካብ ዝነበሮም ኣንበሳደራት ተባሂሉ ዝተመርጸ ምንባሩ ዝጣቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብመጀመርያ ብ2016 ናብ ጀነቫ ከም ኣባል ናይቲ ኤምባሲ ክምደብ እንከሎ’ውን፡ “መንእሰይ ዲፕሎማት” ብዝብል ብዝነበሮ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብቕዓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ክስታት ኣንጻርቲ ህግደፍ ልዑል ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣደም ንህግደፍ ከም ኣንበሳደር ኣብ ፈደረሽን ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እውን ወኪል ዝነበረ እዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ዝፍለጣ ሃገራት ክነሳ፡ ኣምበሳደ ኣደም ኣንጻርቲ ሓቀኛ ጸብጻባት፡ ንኹሉ ክስታት ብምቅዋም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል የለን ብዝብል ሓቂ ብምሽፋን ዝፍለጥ ኣፈኛ ህግደፍ እዩ ነይሩ።

.እቲ ሓደሽ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ መንግስቲ ነጺጉ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ ኢሉ፡ ነቲ ተግባር ብቑጠዓ ክድዓት እዩ ብዝብል ምግላጹ፡ ኣብቲ ስርዓት ንዘሕደሮ ሕርቃን ከም ዘንጸባረቐ  ማርቲን ፕላውት ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ባንክ ዓለም ናይ 2023 ናይ ወደበት ኣፈጻጽማ ብቕዓት መስርዕ ከውጽእ እንከሎ 405 ወደባት ኣብ ዘወዳደረሉ፡ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣየእተወንን። “ኮንተይነር ፖርት ፐርፎርማንስ ኢንደክስ/CONTAINER PORT PERFORMANCE IDEX”: ኣብ ትሕቲ ዝብል መዕቀኒ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ መምዘንታት፡ ናይ ካርጎ መራኽብ ብቕዓት፡ ኮንተይነራት ንምጽዓንን ንምርጋፍን ዝወስዶ ግዜን ዝኣመሰሉን ከም ዝርከቦ ተፈሊጡ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ወደብ ሶማሊላንድ በርበራ ኣብ መበል 106 ሰሪዑ ካብ ወደባት ትሕቲ ሳራ ቀዳመይቲ ኣስፊሩዋ። ኬንያዊት ውደብ ሞምባሳ መበል 328 ክትስራዕ እንከላ፡ ወደብ ጅቡትን ፖርት ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 379ን 388ን ተሰሪዐን።

ኣብቲ ናይ ውደባት ኣሰራርዓ ወደባት ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ኤስያ፡ ካብተን ቀዳሞት ዕስራ ብቑዓት 13 ኢድ ወሲደን። ጅቡቲ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻብ ኣብ መበል 29 ጸኒሓ ከተብቅዕ  ኣብዚ ናይ 2023 ድማ ብ350 ደረጃ ነኪያ ናብ መበል 379 ብምውራዳ ኣንጻርቲ ጸብጻብ ሓያል ተቓውሞ ኣስሚዓ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ጅቡቲ ኣተሓሒዞም ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘየለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ጸብጻብ ምቕራቡ ቅቡል ኣይኮነን ኢለምዎ።

ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ፡ ዮሃንስ 4ይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም፡ ብምኽንያት ውግእ ዕንወት ኣጋጢምዎ ን4 ዓመታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ290 ሚልዮን ብር ተጸጊኑ 9 ሰነ 2024 ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ። ምኽፋት ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘነበረ ስነ ስርዓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ትግራይ ተረኺቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ጽገና ምድንጓዩ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ጻዕሪ ንክገብር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣክሱም ብዩኒስኮ ዝተመዝገበት ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይቲ መንገዲ ኣየር ምኽፋት ረብሓኡ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ብወገኑ ነቲ መዓርፎ ነፍርቲ ንምጽጋን ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ፡ ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ ዕስራ መስመራት ከም ዘለዉዎ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3 ግዜ በረራ ኣለዉዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ትዮጵያ፡ ካብቲ  በረራኡ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘቋርጽ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ መንዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከም ዝሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ሓቢረን።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተፋነኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።  ናይቲ ምትፍናን ምኽንያት  ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ።  እቲ ዝድግፍ ወገን በቲ ህግደፍ በብግዜኡ መልክዕ እናቐያየረ ዘቕርቦ መዳህለሊ ምኽንያታት ተዓሽዩ፡ ንስልታዊ መግዛእትን ምግሃስ ኩሉ መሰላትን ናይቲ ስርዓት ዝተቐበለን ዝከላኸለሉን እዩ። እቲ ዝቃወም ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊት ሃገር ዝድረት ኣይኮነን ይብል። ስለዚ ሓቀኛ ሓርነት ንምስትምቓር “ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን እዩ” ኢሉ ዝኣምንን ንምትግባሩ ይቃለስ ዘሎን እዩ።

ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት  ንምጅማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል “ብርጌድ ንሓመዱ” ተኸቲሉ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ሓያል ምስሕሓብ ማዕቢሉ፡ ናብ ኣካላዊ ጉነጽ ምስ ተሰጋገረ፡ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ከም ዝሰፈሐ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ናይቲ ምጉናጽ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ማዕበል ብቐጥታ ዝሕንብሱ ጥራይ ነይሮም ኢልካ ምድምዳም ከም ዘጸግም ፍሉጥ እዩ።  ጐነጽ ዘይምረጽን ሃሳይን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ክወርድ እንከሎ ድማ ዝያዳ ከም ዘቐንዙ ርዱእ እዩ። እቲ ክጅመር እንከሎ ቀሊል ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ትዕግስቲ ምጽውዋርን ኣርሒቕካ ምምዕዳውን ጐዲልዎ፡ ናብ ሞት፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሳርትን መጻኢ ህይወት ምዝራግ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕራጉን  ዘሕዝን ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንቡርን መርኣያ ብዙሕነትን እምበር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝተጀመረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ተርእዮ ክበሃል ዝከኣል ብሰንኪ ዘይምጽውዋርን ናይ ሓሳብ ምክብባርን ናብ ምቅትታል ምብጽሑ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝቐደመ ተማሂርና፡ ነቲ ኣዕናዊ ኮኒንና ነቲ ሃናጺ ድማ  እነማዕብል ነቲ ዘረሓሕቕ መንገዲ እናደገምና ብኣኡ ንቕጽል ምህላውና እዩ። እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሰርቲ፡ ዕንወት ንብረትን ምስቶም ሰላም ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ናይተን ንነብረለን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ምጉናጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ክልተ ሓላፍነት ስድራቤት  ዝነበሮም ኤርትራውያን ህይወት ምሕላፉ ከኣ፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዓለምና እውን ኣሻቓሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንዓና ከኣ ዝያዳ የሕዝነናን ሓላፍነት የሰክመናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ፍልልይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዓቂብና፡ ብሓባር ክንነብራ ስለ ዝግበኣና።

እዚ ናብ ደረጃ ምቅትታል ክበጽሕ ዘይተጸበናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ሓድነትና ኣላሕሊሑ ነቲ ምእንቲ ሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ዘዳኽሞ ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ክስተት ካብዚ ንላዕሊ ሱር ከይሰደደ እንተዘይ ኣሊናዮ ንቀጻልነትና ከም ህዝቢ ከም ዘስግእ ተቐቢልና መዋጸኦ ክንረኽበሉ ዝግበኣና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ነዚ ክስተት ኣብ ክንዲ ከይሰፈሐ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ኩርናዕ  ምጥፍኡ፡ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ወለዶን ዓድን ናይቶም ቀተልትን ተቐተልትን  እናጸብጸብካ ከም ዝላባዕ ንምግባሩ ዝረአ ሃቐነታት ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክዕገት ይግበኦ።  እዚ ህዝብና ንምክፍፋል ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ጥፍኣት ብፍላይ ንደለይቲ ለውጥን ሓድነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ብምትፍናንን ፍልልያትን ህዝብና ዝረብሑን ዕድመ ስልጣኖም ዘንናውሑን ወገናት ግና ካብ ምግዳዱ ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕላዊ መድረኽ፡  ናብቶም ኣብ ዲያስፖራ ክቃተሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ፡ ኣብ ክንዲ ምትህድዳእን ምምዓድን “ኣገናዕ በቲ ዝሓዝኩምዎ ቀጽልሉ” ምባሉ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት መርኣያ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውራም መግለጺ፡ ካብ ዲታቶር ግና  ዘይንጽበዮ ኣይኮነን።

ሳዕቤን ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኣስጋኢ ኣንፈት፡ ኣብ ኩሉ  ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ዘረኻኽበሉ እምበር፡ ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናብ ንቡር ንምምላሱን ሰለማዊ ማእዝን ምትሓዙን ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሓድነትን ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ካብቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ብህውከት ዝዕንገሉ ወገናት መፍትሒ ክመጽእ ከምዘይክእል ግና ካብ ናይቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቀራርባ እንርደኦ እዩ።   

ኤርትራውያን ፖለትካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ህዝባዊ ማዕበላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መድያታትን ኣብኣተን ዝነጥፉ ክኢላታትን ምሁራትን፡ በብደረጃኡ ዝግለጽ ናይ ምእላይን ምትህድዳእን ሓላፍነት  ኣለዎም። እዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ጋንታ ፈልዮም ህውከት ዘጋድዱን ንሕነ ምፍዳይ  ዘተባብዑን፡ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ክሕዙ እንከለዉ ኣውንታዊ ግዲኦም ልዑል እዩ። ብኣንጻሩ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ሓላፍነቶም ክዝንግዑ እንከለዉ ዘውርድዎ ጉድኣት ብኽንድኡ ደረጃ ኣዕናዊ ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና’ዩ እሞ፡ ብጽሞና ይሕሰብሉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምቅትታል ማዕበል፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ብገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮፖጋንዳን ምግዳዱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ካልእ ዘነዓዕብ መልክዕ ምትሓዙ፡ ውጽኢቱ ደሓር ዘጣዕስ ስለ ዝኾነ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ኣብዚ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ከሎ ጌና ክሓስብሉን ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር ብግዝያዊ ጠቕሚ ከይርእይዎ ነዘኻኽሮም። ብስም’ቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምጉዳል ኣካላትን ምዝኽታም ህጻናትን ኣተሓሒዝካ ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፡ ካብ ሰብኣውነትን ወጺኡ  ህውከት ዘጋድድ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

ናይቲ ምቅትታል መሰረታዊ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝሳዕረረ ጭቆናን ባርነትን ምዃኑ ዘይከኣሓድ እዩ። ምስዚ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ “ጽንዓት፡ ተጸዋርነትን ክኽእሎ እየ በሃልነትን” ይድውን ከም ዘሎን ናይ ብዙሓት ኣሉታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ምህላዉን ጥራይ እኹል መረጋገጺ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኤርትራዊ ስሙ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ መርኣያ ኮይኑ ይግለጽ ምህላዉ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ፡ እዚ ኩነታት “ከም ውሕጅ እናኣስሓቐ ከይወስደና” ንምሕጸን ዘለና።

 

 

ሕብረት ኤውሮ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ እገዳ ክቕጽል ሰለ ዝወሰነ ኣብ ብሩስል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝሓደሮ ሕርቃን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ኤምባሲ  ንተግባር ሕብረት ኤውሮጳ “ዘይቅቡል ጸለመ” ብዝብል ሓረግ ብምግላጽ ዘይተደላዪ ምስሕሓብብን ጽልእን ዝፈጥር እዩ እውን ኢልዎ።

እቲ ንክቕጽል ዝተወሰን እገዳ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ብሕብረት ኤውሮጵ ዝተበየነ፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ሰባት ዝኣስሩን ኣገዲዶም ብሓይሊ ዝምርምሩን ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ጸጥታ ናይታ ሃገር ዝዓለመ እዩ ነይሩ። እዚ እገዳ ብመጀመርያ ዝተወሰነሉ ግዜ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝተፈላለዩ በደላት ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ኣብቲ እዋንቲ እውን ነቲ ርኡይ በደላቱ ክሒዱ ነቲ እገዳ ክቃወሞ ፈቲኑ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ናይ 3 ሰነ 2024 ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኩነታት ተጠቒሙ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀኦ-ፖለቲካዊ ሓይሉ ንምድልዳል ዝመሃዞ ከም ዝነበረ ኣስፊሩ። እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ከም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ብእተካይዶ ቃልሲ ከም እትፍለጥ ጠቒሱ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና  ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናይ ምዝራብ ሞራል የብሉን  ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ንክቕጽል ዝተሓደሰ እገዳ ሕብረት ኢውሮጳ፡ በቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ክከታተል ዝተመደበ ኣካል ዘቕርቦ ጸብጻብ ጥራይ ዝተደረኸ እዩ ክብሎ ፈቲኑ።

 ቀዳማይ ርክብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ኣብ 3ን 4ን ጉንበት 2024 ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ሰኦል ከም ዝካየድ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ልኡኻት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ኮርያ ዝምድና ዘለዎም ወከልቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ኮርያ ፍሉጣት ባእታትን ትካላትን ፕረሲደንት ጉጅለ ልምዓት ባንክ ኣፍሪቃን ክሳተፉ እዮም። ደቡብ ኮርያ ነዚ ኪንተክሽ ኣብ ዝበሃል ማእከል ምርኢት ኣብ ከተማታት ሴኦልን ኢልሰን ዝካየድ ርክብ ምስ ኣፍሪቃ ክትጽውዕ ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ።

ናይቲ ርክብ ዛዕባ፡ እቲ ሓቢርና እንፈጥሮ መጻኢ፡ ናይ ሓባር ዕቤት፡ ቀጻልነትን ምሕዝነትን እዩ ዝብል ኮይኑ፡ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ደቡብ ኮርያን ንምብራኽ ዝዓለመ እዩ። እቲ ርክብ መራሕቲ ኣፍሪቃን ካብ ፕረሲደንታ ጀሚርካ ክሳብ ክኢላታት ኮርያን ንምሕያል ዘተኮረ እዩ።

እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀጻሊ ርክባትን መጻኢ ምዕባለን ምምይያጥ፡ ኣብ ምምካት፡ ዓለምለኻዊ ብደሆትታ፡ ለውጢ ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምውሓስ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ጉዳያትን ጥዕናን ዝምልከት ክመያየጥ ምዃኑ ተመልኪቱ። እቲ ኣጋጣሚ ካብ ርክብ መራሕቲ ሃገራት ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ሕርሻ፡ ኢንተርኔት ተክኖሎጂ፡ ገረብን ምግራብን፡ ክታበትን ጥዕናን፡ ቱሪስም፡ ጸዓትን ዝኣመሰሉን ዛዕባታት ዝምልከት ጐናዊ ሰሚናራት ክካየዱ እዮም።  ኣብዚ ርክብ ክሳብ 25 መራሕቲ ዝርከዎም ወከልቲ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብኣቶም  ኢስያስ ኣፈወርቅ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ፕረሲደት ዊልያም ሮቶን ይርከብዎም።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ሩሲያ፡ ሱዕድያ፡ ኢጣልያን ህንድን ርክባት ምክያዶም ዝዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ኣፍሪቃ ዝያዳ ቆላሕታ ትረክብ ከም ዘላ ዘርኢ  እዩ።

Page 1 of 140