ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ኤርትራውያን እውን፡ ሽወደናውያን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣዕሩኽ ኤርትራ ተሳቲፈምዎ። እዞም ነባራት ኣዕሩኽ ኤርትራ፡ ሽወደናውያን፡ ወዲ 94 ዓመት ነባር ጋዜጠኛ ኣብ 1960ታት ናብ ሓራ መሬት ኤርትራ ዝበጽሑ ቦ ብጀልፍቨንስታንን፡ ነቲ ጉዕዞ ኣብ 1970ታት ዝተጸንበረኦን ብተደጋጋሚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝበጸሓ ክርስቲና ብጆርክን እዮም። እዞም ሽወደናውያን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክመላለሱ እንከለዉ ኣብ ገጠራት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝውዕል ብዙሕ ሃገዛት የቕርቡ ነይሮም። 

ክርስቲና ኣብቲ ናይ 3 ነሃሰ 2019 ዓውደ-ዘተ ፈስቲቫል፡ ብስመንን ብስም ቦን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝኽርን ትዝታን ዘንጸባርቐ መደረ ኣስሚዐን። ኣብቲ ዘረባአን “ሎሚ ኤርትራ ናጻ ሃገር እያ፡ እንተኾነ እታ ክትከውን ዝግበኣ ዝነበረት ኤርትራ ኣይኮነትን” ኢለን። ኣተሓሒዘን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምእንቲ መሰሉ ተላዒሉ፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ከወግዶ እሞ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ኣግሂዱ፡ ነቶም ኣንጻሩ ውዲት ዝኣልሙን ጠቕሞም ዘቐድሙን ከሕፍሮም ምዃኑ ዝለዓለ ትምኒተን ገሊጸን።

christina 2

 ክርስቲና ብዛዕባ እቶም ዕድመ-ጸገብ ግና ድማ ሓያል ዘለዉ ቦ ኣብ ዝሃበኦ ቃል ህዝቢ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘይቅኑዕ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝተረደአ ሳላ ቦ ምዃኑ ጠቒሰን። ቦ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ጸብጻባት ጽሒፎም እዮም። ከምኡ እውን ፊልም ኣወሃሂዶም መደባት ተለቪዥንን ድራማታትን እውን ሰሪሖም። ምናልባት እቶም ቀዳማይ ምስ ንጉሰ ሃይለስላሴ ቃለ-መሓታት ኣካይዶም ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝሓተዎም ቀዳማይ ስዊድናዊ ጋዜጠኛ ንሶም እዮም።

christina 3

ቦ ካብቶም ኣብ 1970 “Eritrea Gruppen” ብዝብል፡ ምስ ኤርትርውያን ምሕዝነት ክፍጠር ዝነጠፉ እሞ ንክርስቲና ኣብዚ ምሕዝነት ክኣትዋ ሓቲተምወን ዝተቐበለኦ ነይሮም።  ክርስቲና ብወገነን ብ1980 “The Land by the Sea” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ፊልም ኣዳልየን እየን። ናይታ ዳሕረወቲ መጽሓፈን ናይ እንግሊ ቅዳሕ ኣብ ፈስቲቫል  ኤርትራ 2019 ቀሪባስ  ዓብይ ናእዳ ረኺባ።

ክርስቲና ነቲ መጽሓፈን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ ርኢቶ፡ ነቲ ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣደኒቐን፡ “እቲ ሰዓራይ ነቲ ታሪኽ ይጽሕፎ” ንዝብ ኣበሃህላ ዘኪረን፡ እንተኾነ ነቲ ታሪኽ በቲ ካልእ ኣካል ዝቐርብ ክሰምዕኦ ከም ዝደልያ ገሊጸን። እንተኾነ መጽሓፈን እቲ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ሓያሎ ኣባላት ህግሓኤ ዝተገብረ ቃለ-መሓትት እውን ዝሓዘ እዩ።

ኣተሓሒዘን እቶም ዝሓተታኦም፡ ስለምንታይ ናብ ቃልሲ ከም ዝተሳተፉ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብቲ ሓራ መሬት ብኸመይ ይነብሩ ከም ዝነበሩን ስለምንታ ኤርትራ ዲክታተር ከም ዘማዕበለትን ከም ዝገለጹለን ጠቒሰን።

ካብቶም ዘዘራረበኦም፡ ስዉኣት ኣሕመድ መሓመድ ናስርን ዶ/ር ሃብተ ተስፋማአያምን፡ ከምኡ እውን ካብ ህሉዋት ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ፡ መስፍን ሓጐስ፡ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣርሀ ሓመድናካ፡ ረዘነ ተስፋጼንን ካለኦት ብዙሓትን ይርከብዎም። እቲ ዝሃብዎ ታሪኽ ኣካል እቲ ኣንበብቲ ግቡእ ቆላሕታ ክህብዎ ዝግባእ ታሪኽ ኤርትራ  እዩ ኢለን።

This year’s Eritrea Festival in Frankfurt was once more honoured by the presence of long-time friends of Eritrea from Sweden: 94-year old Journalist Bo Bjelfvenstam, who visited Eritrea in the 1960s, and Christina Bjork who joined his team in the 1970s for repeated visits to liberated areas carrying lots of support to needy Eritreans in the countryside.

In her nostalgia-filled inspiring address to the main Festival Panel on Saturday, 3 August, Christina spoke on behalf of herself and Bo. She lamented that Eritrea today “is an independent country, but not the country it could have been,” and hoped that the people will rise up and become masters of their long deferred dreams by dislodging the dictatorship and foiling those “who conspire in the background and prioritize their own power and wealth.”

Swedish Old Friends of Eritrea at Festival 2019 2

Speaking about nonagenarian and still strong Bo, she said it was because of him that the Swedish people “understood that an unjust war was going on against the Eritrean people.” Bo wrote reports on Eritrea, produced films and TV programmes and a drama about the Eritrean struggle. He was probably the first Swedish journalist to interview Emperor Haile Selassie and ask him of what was going on in Eritrea!

Swedish Old Friends of Eritrea at Festival 2019 3

Bo was among the Swedish citizens in 1970 that became part of a solidarity outfit called Eritrea Gruppen and asked young Christina to join it, which she did.

Christina Bjork herself produced in the early 1980s a film on Eritrea called The Land by the Sea. The English version of her resent book, Eritrea: A Classic African Dictator Took Over, was launched at Eritrea Festival 2019 and attracted many buyers. 

Speaking about the book, Christina Bjork, who was appreciative of the dedicated struggle for democracy within the ELF, remarked: “the winner writes the history, but I wanted to hear the stories of those who belonged to the other side.” Hur ser deras historia ut ? However, her book contained not all what former ELF fighters had to tell but also included extensive interviews with former EPLF members.

She says: “They told me why they participated in the liberation struggle, how they were living in the liberated Eritrean areas during the war... aOch varför utvecklades Eritrea till en diktatur?nd why did Eritrea develop into a dictatorship?”

Över femtio år har gått sedan den väpnade kampen för ett fritt Eritrea inleddes och Eritrea har nu varit ett självständigt land i tjugo fem år.Her interviewees included Martyrs Ahmed Nasser,  and Dr. Habte Tesfamariam; and Dr. Yusuf  Berhanu; Mesfin Hagos; Gherezghiher Tewelde; Menghesteab Asmerom; Adiam Teferra, Arhe Hamednaka, Rezene Tesfazion and many others. Their story is part of the Eritrean history that deserves interested readers’ attention.

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ንምርግጋጽ ብሓር ክንሰርሕ እንዳተማሕጸነ

ናይ ዝሰመረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓድሽ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ነቶም ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ነቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዓብይ ብጽሒት ዘለዎ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክመርሕ ኣቦመንበር ብምዃኑ ብቴለፎን ኢመይልን ካልእ መራኸቢ ኣገባባትን ሰናይ ትምኒቶም ዝገለጽሉ ኣመስጊኑ።

ኣብ ርእሲ እቲ በቶም ኣብ ወይስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአን ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርትን ዝተሳተፉ ወከልቲ ኣሓት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ዝቐረበ፡ ናይ ምሕዝነትን ሰናይ መጻኢ ትምኒትን መልእኽታት፡ ብዙሓት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይነበሩ ኣዕሩኽን መሓዙትን ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ሰዲዶም።

New EPDP2 1ሓድሽ ኣቦመንበር ዝሰመረ ሰዲህኤ ምስቶም ናይ ቅድም ኣቦመንበራት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን

 ካብቶም ተስፋይ ወልደሞካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ብምምራጹ ብዓብይኡ ከኣ በቲ ዝተረጋገጸ ሓድነት ሰዲህኤ ሓጐሶም ዝገለጹ ፍሉጣት ኤርትራውያን ባእታታት፡ ኣቶ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ነባር ኣባል ሰዲህኤ(ፖርቱሱዳን)፡ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድ ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርኪ (ኣወስትራልያ)፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ (ህላንድ)፡ ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽበሃ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ኣሰይድ ኣቡሃሽም፡ ( ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ (ሆላንድ)፡ ኣቶ እስማዒል ዓሊ (ሆላንድ)፡ ወ/ሮ ገነት ተወልደ (ስዊዘርላንድ)፡ ኣቶ ነጋሽ ዑስማን (ስወደን)፡ ኣቶ ሰመረ ሃብተማርያም (ሕመኣ)፡ ኣቶ ስዩም ተስፋይ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ብርሃነ ውልደገብርኤል (ዓባይ ብሪጣንያ)፡ ኣቶ ሰለሞን ኣሰፋው፡ ሓንቲ ሃገር፡ (ሕመኣ)፡ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ (ሕመኣ)ን ካለኦት ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣቦመንበር ተስፋይ ደጊጋን ይርከብዎም።

ነባርን ሓርበኛን መራሒ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ፡ ናብቲ ሓድሽ ኣቦመንበር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ነቲ ሰንደቕ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራሲ ክብ ኣቢልካ ኣንበልብሎ፡ ከም እትዕወት ከኣ ርግጸኛ እየ” ኢሉ።

ካብቲ ካልእ መልእኽታት ንኣብነት ዝኣክል ከኣ እዚ ዝስዕብ ክንጠቅስ1!

እስማዒል ዓሊ ኣሕመድ፡ ነቲ ዝግበኦ  ኣቦመንበርነት ሰዲህኤ ዝተረከበ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ልባዊ ናይ ሓጐስ ቃላተይ እልግሰሉ። እዚ ሰብዚ ነዚ ኣብ ከም ኤርትራ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት ተሰኪምዎ ዘሎ ውድብ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከተግብር ዘኽእል፡ ስብእና፡ ተመኩሮን ባህርን ዝውንን እዩ።

New EPDP3 1ኣብዚ ስእሊ፡ ኣድያም ተፈራ፡ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣማኑኤል በራኺ፡ ወልደየሱስ ዓማርን ፍሰሃየ ሓጐስን ይረኣዩ፡                                                                    

ዓብዱራሕማን ኣሰይድ (ኣቡሃሽም)፡ ተስፋይ ደጊጋ ሓደ ካብቶም ናይ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓርበኛታትን መራሕቲ ናይዚ ኣብ ወጻኢ ምእንቲ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልስን እዩ። ንሱ ኣብ 5 ዓሰርተታት ዓመት ዝተዋህለለ ሃብታም ተመኩሮን፡ ኣብዚ ን3 ዓሰርተታት ዓመታት ውረድ ደይብ ቃልሲ ዝተመስከረሉ ናይ ምጽውዋር ጥበብን ዘለዎ እዩ። ኣነ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ረኺበዮ። ኣብቲ ርክባትና ከምቲ ምስ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝርእዮ ምቕሉልን ምስታ ከምኡ ዓይነት ባህሪ ዘለዋ በዓልቲ ቤቱ ንናይ ሃገር ምድሓን ቃልሲ ውፉያት ኮይኖም ረኺበዮም። ስለዚ ብጻይ ተስፋይ ደጊጋ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኮይኑ ስለ ዝተመርጸ ዝለዓለ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰካ መልእኽተይ የመሓላልፈሉ። ንዕኡን ንብጾቱን ከኣ ኣብቲ ኣብዛ ፍትውቲ ሃገርና ስቪላዊ ዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዓወት እምነየሎም።

ስዩም ተስፋይ፡ ነቲ ሓድሽ መዝነትካ እንኳዕ ደስ በለካ። ጽቡቕ መጻኢ ክኾነልካ ንክምነ ከኣ ፍቐደለይ። ናትካ ውህሉል ተመኩሮን ንህልዊ ኰነታት ሃገርና ዘለካ ተረደኦን ኣብዚ ንህዝብና ካብ ዲክታቶርያዊ ወጽዓ ንምንጋፉን ሓድሽ መድረኽ ንምምጻእን ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ክሕግዘና እዩ። እንኳዕ ደስ በለካ።.

ሚርያም ሰፕተምበር፡ ንሰዲህኤን ኣቶ ተስፋይ ደጊጋን ስለቲ ዘይዕጸፍ መርገጽኩም ኣብ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ለውጢ ካብ ምሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ ዝብል ራኢኦምን ክብሪ ኣለኒ። ተስፋይ ደጊጋ ናይቲ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ሃብታም ዓቕምን ሓይልን ከም ዝፈልጥ ኣብ ሓደ መድረኽ ንዓኡ ብዝምልከት ኣስተምህሮ ከቕርብ እንከሎ ተረዲኣ ኣለኹ። ሰዲህኤ እዚ መርገጹ ካለኦት ኣካላት ንክርድእሉ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብኣጸጋሚ ኩነታት እዩ ሓሊፉ። እንተኾነ ኣብኡ ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ፡ ሎሚ  በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ለውጥን፡ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰውራን እዚ ፖለቲካዊ ስትራተጅኡ ቀንዲ መንገዲ ክኸውን በቒዑ

ብርሃነ ወልደገብርኤል፡ ዘሕጉስ ምዕባለ ዘግሃደ መልኽቲ! ደሞክራሲያዊ ጠባያት (ብሰላም፡በቢእዋኑ ምርጫታት መሪሕነት) ብዘትኣማምን ኣገባብ ክቕጽል ከም ዘለዎ ብተግባር ንካልኦት ኣርኣያ ስለ ዝኾንኩም፡ዮሃና! ሓውና ተስፋይወ ሚካኤል እንኳዕ ኣመጎሰካ።  ንዕማም  'ሓቢርካ ምስራሕ' ፍሉይ ቆላሕታ ሂብኩም፤ ከተዔውትዎ ምሉእተስፋ ኣለኒ።

ሰለሞን ገ/እየሱስ ኣስፋው፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰድህኤ) ኣብዘንዝሓለፋ መዓልታት ክልተ ዋሃዘብሉ ፍጻሜታት ሰኒዱ ይርከብ። እዞም ቀንዲ ፍጻሜታት ሰድህኤ ምስ ሃድኤ-ሕድሪ ስምረት ክገብር እንከሎ፤ንተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ንብጻዩ ተጋዳላይ መንግስተአብ ስመሮም ተኪኡ ከም ኣቦመንበር ሰልፊ ኮይኑ ክመርሕ መሪጽዎ ኣሎ።

ኩሎም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብህዝቢ ምንም ዝግብኦም ክብረት ከይረኸቡ በንጻሩ ክንደይ ዘለፋን ውርደትን ተጻዊሮም ነዚ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ምሕላፎም ክምስገኑ ይግባእ።ሓደ ኣብነት ናይዚ ተጋዳላይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ ተስፋይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ሕቑፎ ስድርኡ ናጽነት ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወፈረ ስጋብ እዛ እዋን ዳግማይ ሓመድ ዓዱን ኽስዕም ደምበ ዓዱ ክርእይ ዝተሓረሞ ሓርበኛ እዩ።ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት ደጊጋን ብጾቱን ንዕርቅን ሰላምን ዳግመ-ህንጻ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት እኳ እንተነብሩ ዓማጺ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግና ማዕጾ ሰላም ረጊጡ ናብታ ንእስነቶም ዝመጠውላ ሃገሮም ከይምለሱ እዩ ዝገበረ።እንሆ ድማ ድሕሪ ናጽነትን 28 ዓመታት ደጊጋን ብጾቱን ንስለፍትሕን ደሞክራስን ይቃለሱ።

ደጊጋ ኣብ እዋን መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ናስር ዝነበሮም ውድባዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ነቲ ታሪኻዊ ኣወንታዊ ብጻይነት ጸቒጡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መደረን እንታይነት ተስፋይ ደጊጋ ዝገልጽ እዩ።ተስፋይ ካብ ቂምታ ንዕርቂ ካብ ንኽመርሕ ንኽምራሕ ዘቐድም ገዲምን ምኩርን ተቓላሳይ እዩ።ተስፋይ ደጊጋ ካብቶም ብግድምና ዘይኮነስ ብንቕሓትን ርድኢትን ንነገራት ዘመዛዝኑ ተቓላሳይ ኢለ ክገልጾ ይኽእል።ተስፋይ ካብቶም ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣኽቲሙ ከም ኣሕዋት ደቂ ሃገር ክሰርሑ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ገስገስቲ መራሕቲ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።ተስፋይ ንብጾቱን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘርአይዎ ብልጫን ድኻምን ኣብ ግምት ኣእትዮም ናይ ስምረት ስጉምቲ ምውሳዶም ክምስገኑ ይግባእ።

ከምቲ ተስፋይ ኣብ ቦኽሪ ናይ ኣቦመንበር መደርኡ ዝአተዎ መብጽዓ ምስቶም ካልአይ ክፋል ሰድህኤ ክላዘቡን ሽግራቶም ክፈትሑን ልቦም ክኸፍቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።ነቲ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስተጸምበርኩ ካብ ዝጋጠሙኒ ኣዝዮም ውሑዳት ሸንኮለል ዘይፈትው ናይ ቃልሲ መምህራን ኣያና ተስፋይ ደጊጋ፤ነዚ ጉዳይ ስምረት ልዝብ ንምፍታሕ ግርጭትን ምስተመሳሰልቲ ራእይ ዝውንኑ ሃገራውያን ሰልፍታት ብትብዓትን ብርእሰ ተአማንነት ንክቕጽሎ ለበዋይ ከሕልፍ ይፈትው።ርግጸኛ እየ ሰድህኤ ንዝግብኦን ብቑዕን መራሒ እዩ መሪጹ ዘሎ እሞ ዓወትን ኣሳልጦን።ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንመጻኢ እውን ሓቢርና ምስ ደጊጋን ብጾቱክን ሰርሕ ወትሩ ሕጉሳትን ድሉዋትን ምዃንና ብስመይን ብስም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ናብ ኣቦመንበር ሰድህኤ መልእኽተይ ይሰድድ።

انعقد المؤتمر الثالث والوحدوي في مدينة " فيزبادن" الألمانية بتاريخ 29/يوليو حتي يوم واحد اغسطس من عام 2019م تحت شعار نناضل من أجل السلام والعدالة والتنمية والأزدهار وإقامة إدارة ديمقراطية دستورية وفي هذا المؤتمر شاركت جميع خلاية وفروع الحزب المتواجدة في جميع أنحاء العالم عبر ممثليها . اما الفروع والخلاية التي لم تستطع أن تشارك لأسباب موضوعية خاصة بها . بعد ان أوفوا جميع التوجيهات و المعايير لمتطلبات المؤتمر لقد أكدوا مشاركتهم في المؤتمر في اماكن تواجدهم مسبقاً .

لقد انعقد هذا المؤتمر في ظروف خاصة بالمعايير الداخلية منها والخارجية . اما من الناحية الداخلية لقد تمت الوحدة بين الأنقاذ الوطني الأرتري (حدري ) ، وحزب الشعب الديمقراطي الارتري  ( ج – ش – د –أ ) وبذلك كان المؤتمر مثالياً يحتذي به . أما من الناحية الخارجية وفي العام المنصرم ما حدث من متغيرات وتطورات متسارعة في أثيوبيا قد عرًت النظام من ستره الذي كان يختبئ به ستر لا حرب ولا سلام .

وهذا الأمر من جانب معسكر المعارضة خلق يقظة وجزب قلوب الكثيرين ومن جانب آخر الاتفاق الذي أبرم بين إثيوبيا وإرتريا وغير واضح المعالم خلق نوعاً من الريبة والشك بإلاضافة إلي ذلك أنعقد المؤتمر في وقت برزت فيه متغيرات وتحالفات إقليمية والدولية جديدة.

المؤتمر في أول أعماله لقد أستمع لتقرير اللجنة التحضرية لاستعدادات المؤتمر وأكد لهم المؤتمرون بشرعية وقانونية التقرير المقدم إليهم. و بعد ذلك قدم رؤساء  الحزبين تقرير عن تجارب تنظيماتهم و مسار وحده التنظيمين في شكل ملخص .

بعد ان أستمع المؤتمر لهذه التقارير المختلفة وضع معايير كبيرة واستراتيجية بهذا الشأن. في الوقت الحاضر الذي نناضل فيه من آجل غداً مشرق وإقامة إدارة ديمقراطية بالمقارنة مع الأوضاع المحلية والإقليمية والدولية المعقده في تحديات  وازمات كبيرة أكد المؤتمر بأننا قد دخلنا في مرحلة حرجة جديدة.

أيضاً نظر المؤتمر بما يقوم به نظام أسياس لإطالة سلطته من عمل غير مؤسسي والعلاقات غير مقدسة والذي تترك آثراً سيئاً للأجيال القادمة . وإنطلاقاً من هذا أكد المؤتمرون  ان ما يقوم به نظام أسياس من خطوات والتي لم تضع أي أعتبار للمصلحة الوطنية والتي تفتقر المعرفة الشعبية وليس لها أي شفافية ووضعت المصلحة الوطنية في أدني صورها .

المؤتمر الوحدوي الثالث:

قدم تعازيه لأهل الضحايا الذين غرقت سفينتهم في يوم 25 يونيو 2019م في البحر الأبيض المتوسط وقدم لهم الترحم لأرواح الضحايا وبعث رسالة الصبر و السلوان لذويهم.

قبل انعقاد المؤتمر الوحدوي انهي التنظيمين علي حدا شؤونه الداخليه و وبداء العمل بمفهوم موحد و لم تواجهه اي عقبات في اداره التحديات و استقلال الفرص كيفما اتت أثناء المؤتمر.

المؤتمر أجاز للأربعة أعوام القادمة برنامج السياسي والدستوري الذي يتقيد به . وكذلك المواضيع المذكورة أدناها :

1/ الأوضاع الراهنة للسيادة الارترية .

2/ أهمية العمل المشترك للمعارضة الارترية .

3/ الانتفاضة الشعبية ( كفاية ) .

4/ التدخلات الخارجية المختلفة في الشأن الوطني .

5/ اللاجئين الارتريين .

6/ قوات الدفاع الارترية .

7/ العلاقات الارترية الإثيوبية المفاجئة .

8/ العلاقات الأرترية السودانية

9/ التيارات السياسية المندفعة في أثيوبيا .

10/ حقوق الإنسان وبعض القضايا الاجتماعية .

أتخذ المؤتمر قرارات سياسية بهذه القضايا قدم المؤتمر نداء لترجمة هذه النقاط في ارض الواقع لحزب الشعب لكل من يطلب التغيير والعدل أن يعمل سوياً وكذلك التنظيمات الصديقة والأحزاب والاتحادات وأن نخرج من النمطية القديمة وننبذ التناحر ونعمل سوياً .

شعبنا الارتري نحن قواتك السياسية كان يجب علينا أن نكون لسانك الذي تتحدث به وأقدامك الذي تزحف به حتي الآن ولأسباب موضوعية وذاتية نعلم علم اليقين بأننا لم نكن قدر طموحاتك وانطلاقا من هذه الحقيقة نطلب منكم بكل التواضع والعفو وأننا نبشركم بهذه الوحدة ونعوضكم مستقبلاً باتفاقات وحدوية مماثلة .

وفي الختام المؤتمر بعد ان أختار تسعة أعضاء للجنة الترشيحات وبعد ان تفحص قائمة أسماء المرشحين التي كان يعمل بها مسبقاً أختار خمسة وثلاثون اعضاء دائمين وخمسة احتياطيين وبذل جهداً مقدراً أن يكون المرشحون يعكسون التنوع الارتري وبعد إكمال المذكور أعلاه نبشر شعبنا بأنان انتقلنا إلي مهرجان فرانك فورت السنوي .

فلنناضل من أجل السلام والعدالة والنماء والازدهار .

المجد والخلود لشهداء ارتريا

واحد اغسطس 2019م

المؤتمر الثالث و الوحدوي

 

New EPDP Chairman Tesfai Degiga pledges to work hard to promote unity of the opposition camp.

Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), the newly elected chairman of the unified Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), expresses his deep thankfulness to all compatriots and friends who, through phone calls and various other communication channels, wished him success in the challenging post of leading one of the mainstream Eritrean opposition organizations.

In addition to the solidarity messages and warm wishes expressed by numerous delegates of sister Eritrean organizations that attended the 3rd and unity party congress in Wiesbaden and the Eritrea Festival in Frankfurt, dozens of friends sent messages of good wishes.

New EPDP2The New Chairman of unified EPDP flanked by outgoing Chairmen, M. Asmerom and K. G/Medhin

Among the well wishers on the election of Tesfai Degiga to lead the party as well as for the success of the EPDP unity and third congress were prominent compatriots like Mr. Ibrahim Mohammed Ali, senior party member in Port Sudan; Mr. Mohammed Nur Ahmed, an old friend in Australia; Dr. Yusuf Berhanu (Holland); Dr. Angesom Atsbaha (USA); Mr. Abdurahman a-Said (Bohashem, UK); Mr. Kubrom Dafla (Holland); Ismael Ali (Holland); Ms Ghenet Tewelde (Switzerland); Mr. Negash Osman (Sweden); Mr. Semere Habtemariam (USA); Mr. Seyoum Tesfaye (USA); Mr. Solomon Assefaw (One Nation, USA); Mr. Hailemariam Tesfai (USA) and many, many other friends of the new chairman and his party.

Veteran and patriotic leader Ibrahim Mohammed Ali told the new chairman on the phone, “Keep high the banner of our struggle for democracy and I know you will succeed!”

Reproduced Below, find excerpts from a sample of the well-wishing messages, some in  English and some in Tigrigna:

Ismail Ali Ahmed, an email via Harnnet.org: My heartfelt words of congratulation to brother Tesfai Woldemichael for assuming the well-deserved chairmanship of the EPDP. This is a man who possesses stature, experience and character to shoulder such high level responsibility at the top of an organization that aspires to play functional role in the affairs of a nation passing through critical travail to survive decades of subjugation under ruthless tyranny.

New EPDP3In picture: Adiam Teferra; Asghedet Mehreteab; Tesfai Degiga; M. Asmerom; AmanuelBT, W. Ammar, F. Hagos.

Abdurahman Sayed (Bohashem – on FB): Tesfai Degiga is  a veteran of the liberation struggle and one of the leaders of the on-going pro-democracy movement in Eritrean diaspora. He has a wealth of experience accumulated over five decades, and resilience manifested in his steadfastness through thick and thin that the pro-democracy movement has been going through in the last three decades. I met him on several occasions in the last ten years and found him to be humble, as is the case with his predecessors and comrades, and dedicated to the struggle for Eritrean salvation alongside his wife, who equally enjoys the same qualities of patriotic resilience. Many congratulations to Comrade Tesfai Degiga on his election as Chairman of the EPDP. I wish him and his comrades every success in their endeavours to realize civic democracy in our most beloved and precious State of Eritrea.

Seyoum Tesfaye, USA, on FB: Congratulations on your new responsibility! Allow me to wish you a very productive term. Your extensive experience and grasp of the present Eritrean reality will help all of us struggling to help our people remove the tyrannical system and usher in a new era of justice and freedom. Congratulation.

Miriam September, on FB: …. I respect EPDP and Mr. Tesfai Degiga because of their undeterred vision of peaceful resistance and change from inside Eritrea. Mr. Tesfai Degiga has a brilliant understanding of the immense benefits and power of non-violent resistance, which I was able to witness during a great presentation he gave. EPDP had a difficult stand in the opposition for believing in this vision, but stayed loyal to it and today, with the U-turns in Ethiopian politics and the revolution in the Sudan, this hugely important political strategy has finally become mainstream.

Berhane Welde-Ghebriel, UK, an email: ዘሕጉስ ምዕባለ ዘግሃደ መልኽቲ! ደሞክራሲያዊ ጠባያት (ብሰላም፡ በቢእዋኑ ምርጫታት መሪሕነት) ብዘትኣማምን ኣገባብ ክቕጽል ከምዘለዎ ብተግባር ንካልኦት ኣርኣያ ስለዝኾንኩም፡ ዮሃና!  ሓውና ተስፋይ ወ/ሚካኤል እንኳዕ ኣመጎሰካ።   ንዕማም  'ሓቢርካ ምስራሕ'  ፍሉይ ቆላሕታ ሂብኩም፤  ከተዔውትዎ  ምሉእ ተስፋ ኣለኒ።

Solomon Ghebreyesus Assefaw (One Nation, on FB): … ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰድህኤ) ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ክልተ ዋሃ ዘብሉ ፍጻሜታት ሰኒዱ ይርከብ። እዞም ቀንዲ ፍጻሜታት ሰድህኤ ምስ ሃድኤ ሕድሪ ስምረት ክገብር እንከሎ፤ ንተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ድማ ንብጻዩ ተጋዳላይ መንግስተአብ ኣስመሮም ተኪኡ ከም ኣቦ መንበር ሰልፊ ኮይኑ ክመርሕ መሪጽዎ ኣሎ። ኩሎም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ብህዝቢ ምንም ዝግብኦም ክብረት ከይረኸቡ በንጻሩ ክንደይ ዘለፋን ውርደትን ተጻዊሮም ነዚ ቃልሲ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ምሕላፎም ክምስገኑ ይግባእ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ተጋዳላይ ተስፋይ ደጊጋ እዩ። ተስፋይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ሕቑፎ ስድርኡ ናጽነት ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ወፈረ ስጋብ እዛ እዋን ዳግማይ ሓመድ ዓዱ ንኽስዕም ደምበ ዓዱ ክርእይ ዝተሓረሞ ሓርበኛ እዩ። ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓራ ምስ ወጸት ደጊጋን ብጾቱን ንዕርቅን ሰላምን ዳግመ ህንጻ ሃገርን እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት እኳ እንተነብሩ ዓማጺ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግና ማዕጾ ሰላም ረጊጡ ናብታ ንእስነቶም ዝመጠውላ ሃገሮም ከይምለሱ እዩ ዝገበረ። እንሆ ድማ ድሕሪ ናጽነት ን 28 ዓመታት ደጊጋን ብጾቱን ንስለ ፍትሕን ደሞክራስን ይቃለሱ። ደጊጋ ኣብ እዋን መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ናስር ዝነበሮም ውድባዊ ፍልልይ ብዘየገድስ ነቲ ታሪኻዊ ኣወንታዊ ብጻይነት ጸቒጡ ዝገበሮ ታሪኻዊ መደረ ንእንታይነት ተስፋይ ደጊጋ ዝገልጽ እዩ። ተስፋይ ካብ ቂምታ ንዕርቂ ካብ ንኽመርሕ ንኽምራሕ ዘቐድም ገዲምን ምኩርን ተቓላሳይ እዩ። ተስፋይ ደጊጋ ካብቶም ብግድምና ዘይኮነስ ብንቕሓትን ርድኢትን ንነገራት ዘመዛዝኑ ተቓላሳይ ኢለ ክገልጾ ይኽእል። ተስፋይ ካብቶም ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ቅርሕንቲ ኣኽቲሙ ከም ኣሕዋት ደቂ ሃገር ክሰርሑ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈቱ ገስገስቲ መራሕቲ እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። ተስፋይን ብጾቱን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘርአይዎ ብልጫን ድኻምን ኣብ ግምት ኣእትዮም ናይ ስምረት ስጉምቲ ምውሳዶም ክምስገኑ ይግባእ። ከምቲ ተስፋይ ኣብ ቦኽሪ ናይ ኣቦ መንበር መደርኡ ዝአተዎ መብጽዓ ምስቶም ካልአይ ክፋል ሰድህኤ ክላዘቡን ሽግራቶም ክፈትሑን ልቦም ክኸፍቱ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ነቲ ኣብ እዋን ንእስነተይ ናብ ቃልሲ ንዲሞክራስን ፍትሕን ምስ ተጸምበርኩ ካብ ዝጋጠሙኒ ኣዝዮም ውሑዳት ሸንኮለል ዘይፈትው ናይ ቃልሲ መምህራን ኣያና ተስፋይ ደጊጋ፤ ነዚ ጉዳይ ስምረት ልዝብን ምፍታሕ ግርጭትን ምስ ተመሳሰልቲ ራእይ ዝውንኑ ሃገራውያን ሰልፍታት ብትብዓትን ብርእሰ ተአማንነትን ክቕጽሎ ለበዋይ ከሕልፍ ይፈትው። ርግጸኛ እየ ሰድህኤ ንዝግብኦን ብቑዕን መራሒ እዩ መሪጹ ዘሎ እሞ ዓወትን ኣሳልጦን። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ንመጻኢ እውን ሓቢርና ምስ ደጊጋን ብጾቱ ክንሰርሕ ወትሩ ሕጉሳትን ድሉዋትን ምዃንና ብስመይን ብስም ናይ ቃልሲ ብጾተይን ናብ ኣቦ መንበር ስድህኤ መልእኽተይ ይሰድድ።

ብመኸሰብ ዘይብሉ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ኤውሮጳን ዝሰናዳእ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ፡ ኣብ 2 ክሳብ 4 ነሃሰ 2019 ኣብ ፍራንክፈርት ብዓወት ተጸንቢሉ። ኣብዚ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ካብ 9 ሃገራት ኤውሮጳን፡ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካብ ሕቡራተ መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ተሳቲፈምዎ። ናይ ሎምዘመን ፈስቲቫል፡ ነቲ “ድምጽና ኣብ ቃልሲ ድሕነት ህዝብና ምእንቲ ክስማዕ ሓቢርና ነድምጽ” ኣብ ትሕቲ ዝበል መሪሕ ጭረሖ ዝተኻየደ ሓድነታዊ ጉባአ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ተኸቲሉ ዝተጋበአ እዩ።

festival 2

እቲ ኣገዳሲ ዛዕባ ናይዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ እቲ  ብ3 ነሃሰ 2019 ብተሳትፎ፡ ኣሓት ጀርመናዊ ሰልፍታት፡ ወከልቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ መሪሕ ግደ ዝጻወቱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሚድያታት፡ ተለቪዥ ኣሰናን ተለቪዥን ኤሪ-ሳትን ዝተሳተፍዎ ናይ ዘተ መኣዲ ነይሩ።

Festival 31

       ኣቦ መንበር ኤዲማ፡ ኣወሃህዲ መደባት፡ ምስ ጀርመናውያን ወከልቲ፡ ክዲሕን ነዲሰን ኣብ መድረኽ ፈስቲቫል

ኣብቲ ኣጋጣሚ ብኣተሓባበርቲ መድረኽ፡ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ፕረሲደንት ዲማኤ ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብን ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ቀሪቡ። ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቶም ወጸዋዕታ ኣኽቢሮም ኣብቲ ኤርትራዊ ፖለቲካውን ባህላውን ፈስቲቫል ዝተሳተፉ፡ ብተሳትፎኦም ሕጉስ ምዃኑ ብምጥቃስ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

Festival 4

  ነቶም ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣብ መድረኽ ቃሎም ዘስምዑ ባእታታት ዘርኢስእሊ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ቃል ወ/ሮ ሉራ ክኒየሪዩ ወኪል ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረትን፡ ወ/ሮ ካተሪና ስቸረይነር ወኪል ነጻ ዲሞክራስያዊ ሕብረትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ምስቶም ወደብቲ እቲ መድረኽ ዘለዎም ምሕዝነትን ክሳብ ውድቀት ገበነኛ ስርዓት ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎም ድልውነትን ንምግላጽ ዝተፈላለዩ ተዛረብቲ ናብ መድረኽ ተዓዲሞም።

Fetival 5

  ኣቦመንበራት ናይተን ዝሰመራ ውድባት ዝነበሩን ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤን ኣብ መድረኽ

 ኣቦመንበራት ነበር፡ ናይተን ዝሰመራ ኣሓት ውድባት፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህንን ብዛዕባቲ መስርሕ ጉባአ ሰፊሕ መደረ ኣብ ልዕሊ ምቕራቦም፡ ነቲ ኣብ ወስባደን ጀርመን ኣብ ዝተኸየደ ጉባአ፡ ዝተወሰነ 12 ነጥብታት ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ ውሳነታት እውን ኣንቢበምዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ናብ መድረኽ ዓዲመምዎ።  ሓድሽ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ናይ ፈስቲቫል መድረኽ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓያል ውዱብ ቃልሲ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብዚ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ቃልሲ ንክሳተፉ ብትሪ ጸዊዑ።

ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ካብ ኤርትራዊ መድረኽ ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ኣብቲ መደረኡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ኤርትራውያን  ሓይልታት ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ቀዳምነታት ክኾኑ ዝግበኦም ጉዳያት ኣስፊሩ።  ኣቶ ኣቤል ሃይለ ካብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ) ብወገኑ፡ ምስዚ ሰሚሩ ዘሎ ሰዲህኤን ካለኦት ኣካላትን ኮይኖም ዕምሪ ወጽዓ ኣብ ኤርትራ ንምሕጽጻር ክቃለሱ ዘለዎም ድልዉነት ኣረጋጊጹ። ኣቶ ባህታ ሃይለማርያም ከኣ ብስም እቲ 18 ኤርትራዊ ውድባት ዝሓቒፈ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ኣንቢቡ። ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ድማ ብስም’ቲ 4ተ ውድባት ዝኣባላቱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ) ናይ ምሕዝነት መልእኽቱ ኣስሚዑ። ኣቶ የማነ ተስፋይን ብወገኖም ብቕደም ሰዓብ፡ ብስም ህዝባዊ ምጥርናፍ ሽቱትጋርት ቃሎም ኣስሚ

ደጋፊት ዲሞክራስን ኣብ ጉዳይ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝነጥፋን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረን ወ/ሮ ሳልዋ ኑርን ብወገነን፡ ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራውያን ንዲሞክራሲ ቃለን ኣስሚዐን። ኣቐድም ኣቢላ ከኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ እትነጥፍ መንእሰይ ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል ብወገና ብዛዕባ ህልዊ ኤርትራዊ ቃልስን ዘጋጥሞ ዘሎ ብደሆታትን መሳጢ ቃል ኣስሚዓ።

Fetival 6

ካልእ ካብ ናይ ቀዳም መድረኽ ፈስቲቫል፡ ብመስራቲ ሚድያ ኣሰና ኣማኑኤል እያሱ ዝተመርሐ፡ ትምህርታዊ ዘተን ምልውዋጥ ሓሳባትን ነይሩ። ተሰተፈቲ እዚ ዓውደ-ዘተ ምስ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡  (ካብ ጸጋም ናብ የማን) ብርሃነ ደበሱ፡ ክፍለዝጊ ገብረመድህን፡ ኣድያም ተፈራን  መንግስተኣብ ስመሮምን እዮም።

Fetival 7እቶ ቃሎም ዘስምዑ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝነጥፉ ዘለዉ፡ ኣማኑኤል እያሱ ካብ ኣሰናን ዮኤል ኪሮስን ሳምሶን ሰለሙንን ካብ ኤሪ-ሳትን ምስ ፈስቲቫል ኤርትራ ዘለዎም ምሕዝነትን ሰናይ ትምኒቶምን ብምጥቃስ ሓሳቦም ገሊጾም።  

Festival 8

 

ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ንእዋናዊ ጭረሒ “ይኣክል” እናቃልሑ 

festival 2019 4Eritrea Festival, an annual event organized by the non-profit Eritrean Democratic Association (EDA) and the Europe Zone of the now unified Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), was held in central Frankfurt between 2 and 4 August 2019 attended by Eritreans coming from nine European countries as well as from faraway Australia, the United States, and Canada. This year’s festival, which followed the 3rd and Unity Congress of the EPDP and the Eritrean National Salvation/Hidri, was held under the motto of:  “We unite in order to be heard and be effective in the struggle to save our nation.”

The major highlight of the three-day events was the Festival Panel on Saturday, 3 August,  which was addressed by sister German parties, representatives of Eritrean political and civic organizations, leading Eritrean mass media persons from Assena TV and Erisat, and old media experts and friends of Eritrea from Sweden.

        festival 2019 5EDA President, Festival Moderators, with Germany’s Green Prty and FDP Reps at Festival Podium

Welcoming addresses to Festival participants were made in Arabic and Tigrigna by stage moderators, Ms Adiam Teferra and Mr. Ghirmai Zemichael, the president of the EDA, Mr. Tesfamariam Kibreab, who expressed his satisfaction with the positive response of all participants and guest speakers to come to this important annual Eritrean politico-cultural event.

festival 2019 6Picture shows all speakers who took the podium on different subjects

Following solidarity and support speeches by Ms Laura Knieriu, representative of the Green  Party and Ms Katherina Schreiner of FDP (the Free Democratic Party), different speakers were invited to the podium to express both their solidarity with the organizers and their resolve to work in unison in order to hasten the fall of the criminal regime in Eritrea.

Fetival 2019 7Outgoing Chairmen of unified organizations and the new EPDP Chairman on Festival Stage

The outgoing chairmen of the now unified sister organizations, Messrs Menghesteab Asmerom and Kiflezghi Ghebremedhin, spoke in great length about the ENS/Hidri-EPDP unity process and read the 12 political resolutions of their congress in Wiesbaden, Germany. They also invited to the stage Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), the newly elected chairman of the EPDP who spoke on the urgency of strengthening organized struggle and made a strong appeal to all compatriots to join the struggle for democratic change.

Ambassador Andebrhan Weldegiorghis of Eri-Platforum talked on the present situation in Eritrea and the Horn of Africa region and listed priority tasks that Eritrean justice seekers at home and abroad should undertake. Mr. Abel Haile of Unity of Eritreans for Justice (UEJ) stressed the commitment to work closely with unified EPDP and others to end repression in Eritrea. Mr. Bahta Hailemariam read the solidarity message on behalf of the 18 organizations in ENCDC (Eritrean National Council for Democratic Change), and Mr. Kibreab Mesghina presented the message from four sister organizations in the Eritrean National Front (ENF).  Mr. Yemane Tesfai spoke representing popular assemblies in Stuttgart, respectively. Pro-democracy and women’s rights activists, Ms Alganesh Ghebre and Ms Salwa Nur, made important interventions on the ongoing Eritrean struggle for democracy. Earlier, young pro-democracy mass media activist and EPDP, Adiam Haile Rufael from USA presented a lively speech on the current struggle and the challenges facing it. (Detailed reports on many of these presentations will follow soon).

Fetival 2019 8One of the events on Saturday was an enlightening panel and exchange with the public moderated by Assena Foundation’s Amanuel Eyasu. Panelists were (from left to right) Messrs Berhane Debessu, Kiflezghi G/Medhin, Ms Adiam Teferra, and Menghesteab Asmerom.

Fetival 2019 9Earlier, mass media activists  Amanuel Eyasu of Assenna,  Yoel Kiros and Samson Solomon of Erisat spoke expressing their solidarity and good wishes to the Festival organizers.  

Festival 1 10Festival participants chanting the timely Yiakil/Enough is Enough slogans.

Convened under the slogan: “We Struggle for Constitutional Governance, Peace, Justice and Prosperity,” the 3rd and Unity Congress of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) and the Eritrean National Salvation/Hidri was held between 29 and 1 August 2019 in Wiesbaden, Germany. It was attended by democratically mandated delegates representing total memberships of the sister organizations residing in different parts of the world. Those delegates who could not make it to Germany were given in advance the opportunity of contributing to the outcomes of the congress.

The congress was convening at a time when the converging organizations had experienced exceptional internal and external situations. The event came at the culmination of a year-long dialogue between the sister organizations, thus making it a historic undertaking. Externally, the preceding one-year period was influenced by dramatic changes in the Ethio-Eritrean relations ending the no-war-no-peace stance and further exposing the ugly face of the Eritrean regime. These developments, which also caused wider relationships of regional forces, added heat to the momentum of the struggle for change thus making the congress another special Eritrean event.

The congress scrutinized at the outset the process undertaken in drafting documents submitted by the preparatory committee, and heard detailed explanations by  both the outgoing chairmen about the long background of the sister organizations. On the basis of these presentations, the congress focused on strategic issues that required top priority and reached necessary conclusions.

At this crucial juncture of the Eritrean struggle for a brighter future in democratic governance, it was deemed inescapable to take stock of regional and international factors affecting our situation both in the short- and long-terms. The congress examined and deeply deplored the unholy and illegitimate alliances forged by the Eritrean dictator with the sole aim of prolonging his and his narrow clique’s stay in power. Among other worrisome actions of the one-man dictatorship that lacked transparency and went contrary to the best interests of the Eritrean people included the intervention in Yemen and the apparent lease of Eritrean territory to alien forces.

The congress also remembered with deep sorrow the tragic death in the Mediterranean Sea earlier on 25 July of so many children and mothers, many of the Eritrean refugees, and expressed its deep sadness and sent sympathies and condolence to families and friends of the victims.   

The congress found it easy to overcome seemingly difficult issues due  earnest work  done by each side to resolve all outstanding issues prior to the start of this successful event.

Following the adoption of both the political programme and constitution that will guide the unified party for the next four years, the congress also discussed and approved political resolutions that touched upon:

  1. The current situation in Eritrea;
  2. The urgency of joint work in the opposition camp;
  3. The new popular movement of Yiakil/Kafa/Enough!
  4. The ongoing interferences in the internal Eritrean affairs;
  5. The Eritrean refugees;
  6. The Eritrean defense forces;
  7. The hastily concluded Ethio-Eritrean peace deal;
  8. Eritrea’s Relations with the Sudan;
  9. Ramifications of the changes in Ethiopia;
  10. Human rights and other social issues affecting Eritreans.

The congress made a strong call on all concerned Eritrean formations to work in unison towards realizing the lofty aims presented in unified EPDP’s political resolutions. Likewise, the congress urged each and every Eritrean political organization and civic movement to come out of futile bickering and related weaknesses of the past and start to complement each other in the struggle for creating a better common future.

The congress fully recognized the failure in the past of the Eritrean political formations to measure up to the expectations of the people by creating a common voice in the struggle. As such, the congress boldly asked apologies to the Eritrean people and confirmed its commitment to repay this debt of the opposition camp by transforming our  unified EPDP to an instrument of unity and common platform for effective struggle.  

In concluding its four-day proceedings, the congress elected in a democratic manner a 35-person Central Council with five reserve members based on the selection process of leadership candidates conducted by a 9-person Nominating Committee which was on assignment during the past year. The election outcome relatively reflects the diversity in Eritrea. 

The unification congress is being following by a public event, the annual Eritrea Festival in Frankfurt.

“We Struggle for Constitutional Governance, Peace, Justice and Prosperity”

 Eternal Memory to Eritrean Martyrs!

 1st of August, 2019

 

1. ህልዊ ኩነታት ኤርትራ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ከኹድደሉ ዝጸንሐ ጸቢብ ህግዲፋዊ ዓንኬሉ እውን ጠሊሙ ናብ ህልም ዝበለ ከሕደት ስለዝተሸመመ ምስ ህዝብና ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታቱ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ደረጃ ከምዝበጽሐ ጉባኤና ገምጊሙ። መራሒ ህግዲፍ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ ግዜ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይንፈቅድን ብማለት ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ መላኺ መንግስቲ ጥራይ ክህልዋ ምዃኑ ኣንጊሁ ኢዩ ኣሚቱ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ገለ ፖለቲካዊ ለውጥታት ተጐዝጒዙ ንስዉር ዕላማታቱ በጨቕ ከብል ተራእዩ ኢዩ። “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኣዩ፣ ኣይከሰርናን ኩሉ ዝኸሰርናዮ መሊስናዮ ኣለና” …ወዘተ ኢሉ ብምድንጋር ነዛ ብመስዋእቲ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተረኽበት ሃገር ህልውና ክኸልኣ ይጓየ ከምዘሎ ጉባኤ ገምጊሙ። ብኣንጻሩ ህዝብና ነዚ ኩነታት እዚ ተረዲኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ መሰሉን ህልውና ሃገሩን ከኽብር ብሓደ ድምጺ ክልዓዓል ዝስትውዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ።

ጉባኤ፡ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ምሓውሩን ንምውጋድ ብዘለዎ ዓቕሚ ብውሽጥን ብደገን ንዘሎ ቃልሱ ኣሐይሉ ክነጣጠፍ ተበጊሱ ከምዘሎ እናረጋገጸ፤ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ከም ዓይኒ ብሌኑ ክሕልዋ ጻውዒቱ የቕርብ።

 2. ልኡላውነት ኤርትራ

ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ’ቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለምለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።

3. ኣድላይነት ሓባራዊ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ

ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሰዲህኤ፡-

3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድኤ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤

3.3 ብሓሳብን ብግብርን ምስ ዝሰማምዑውድባት ኣብ ናይ ምጽንባር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡  መሪሕነት ውድብ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ወሲኑ።

4.  ብዛዕባ  ህዝባዊ ምንቅስቓስይኣክል

ምንቅስቓስ “ይኣክል” መግለጺ ናይ’ቲ ኩሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ቃልሲ እናሓየለን እናደንፍዐን ናብ ሓድሽ መደረኽ ይኣቱ ምህላዉ ዘመልክት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ምዃኑ ጉባኤ መዚኑ። ምንቅስቓስ “ይኣክል” ምስ’ቲ ቅድሚኡ ክካየድ ዝጸንሐ ንቕሎታት ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ደገፍቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ይሳተፉዎ ምህላዎም ደምበ ተቓውሞ እናዓዀዀ ይኸይድ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና መዚኑ። ንዘላቒ ቀጻልነቱ ዘውሕስ ኣብ ህዱእ፡ ጸዋርን ምውህሃድን ዝተደኰነ ዝምድናታትን ውዳበን ከምዘድልዮ ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ነዚ ክበቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ናይ ሕድሕድ ምምልላእ፡ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ዝምድናታት ንምምዕባል ሰዲህኤ ዘለዎ ድልወነት የረጋግጽ።

5፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ሃገርና

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት፡ ከካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህግን ዞባዊ ረብሓን ብምንቃል ናብ ኤርትራ ከባቢና ይቀላቐሉ ኣለዉ። ንኤርትራ ዞባዊ መሳርሒ ክገብርዋ ዝመርጹ ሓይልታት ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዘይንጹር ስምምዓትን ዝምድናታትን ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ደኲኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ይሳተፍ ምህላዉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራውያን በዞም ናይ ግዳም ሓይልታት ይቕተሉ፡ ይንከላበቱን ይፈናቐሉን ምህላዎም ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘኑን ጓሂኡን እናገለጸ ብቕጽበት ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንዝተደኰኑ ይኹን ብሕጂ ንኽድኰኑ ዝሕሰቡ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ናይ ግዳም ሓይልታት መደበራት፡ ካብኦም ዝርከብ ጕድኣት ደኣ’ምበር ረብሓ ስለዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ክብድሆም ይጽውዕ። 

6: ኤርትራውያን ስደተኛታት

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወርዶ ዝነበረ ጭቆና፡ ቅንጸላን ናይ ንብረት ብርሰትንድሒሩ`ውን ብምልካዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን፤ ብተወሳኺ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝካየድ ደረት-ኣልቦ ባርነትን ዘኸተሎ ዋሕዚ ኣማእት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኑ ይርከብ። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ዘጋጥሞም ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝዀነ ቆጺርካ ዘይውዳእ በደላት ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ንመንነትናን ክብርናን ዝደወነ ተርእዮ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡-

6.1 ጉባኤህዝብና ካብ’ዚ ኣሰቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ንምልጋስ ክቃለስ ይጽውዕ። ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን።

6.2  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ሰላማዊ ናብርኦም ክመርሑ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እግሮም ንምትካል ዘኽእሎም ኵሉ መዳያዊ ደገፍን ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክረኽቡ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።

6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።

7፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ጕባኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።  

8፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝበን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድሌት ውልቀ-መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ጉዳይ ኢድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ዝምድና ንኽህሉ ጕባኤ ደገፉ ገሊጹ።  እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ዘይንጹር ውዕል፡ ንልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንዕድመ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ጭቆናኡን ዘናውሕን ስለዝዀነ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን።

9፡ ኤርትራን ሱዳንን

ህዝቢ ሱዳን ቃልስና ንክዕወት ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ህዝብና ኣብ ምዕቛብ ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ሓልዮትን ልግስን ወትሩ እናተዘከረ ዝነብር ኣብነት እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ምስ ሱዳን ዝህሉ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ጕዳይ ጣልቃ ዘይምእታውን ኣብ ንሓባራዊ ረብሓ ተሓባቢርካን ተመላሊካን ምስራሕ ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ክኸውን ጕባኤ ኣስሚርሉ።   

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጌና ግቡእ መልክዕ ዘይሓዘ ግና ድማ ተስፋ ዝህብ መስርሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዝርከብ ጕባኤ መዚኑ። ህዝቢ ሱዳን መሰሉ ንምርግጋጽ ዝወሰዶ ስጕምትን ዘርኣዮ ጽንዓትን ድማ ንኢዱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ጕባኤ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምዝብል እናረጋገጸ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ማዕረ እቲ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ሱዳን ክብ ክብል ተማሒጺኑ።

10፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ 3 ዓመታት ጀሚሩ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ዘምጽኦ ለውጢ ሓደ ዓመት ሓሊፉዎ ኣሎ። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣብ ምብጋሱ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን፡ ናብ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ምፍንቃልን ስደተን ዝሰፈኖ ዘይርጉእ ኵነታት ከምዝሰገረ ጕባኤ መዚኑ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ለውጢ ንኤርትራ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ለውጢ ንኢትዮጵያ ስለዝጸሉ፡ ጕባኤና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ብልጽግናን ክሰፍን ዘለዎ ትምኒት ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ጕባኤ ኰኒኑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ጕባኤ መዚኑ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምወትሩ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ሃገሩ ደው ክብል 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ልኡላውነት ኤርትራ ደው ዝብሉ ኢትዮጵያውያን እናመጐሰ፤ ነቶም ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸመልስዋ ዝሕልኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ጣልቃ ዝኣትውን ኢዶም ከልዕሉን ንኵናት ጻሕታሪ ዝዀነ መግዛእታዊ ፖሊሲታቶምን መርገጻቶምን ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉን ጕባኤ ይጽውዕን  የጠንቅቕን።

11፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ኤርትራ

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ንኤርትራ ብ“ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ስም ወይ ሳጓ ከምዝጽውዓ ወይ ከምዝፈልጣ ዝዝከር ኢዩ። በዚ ከይተወሰነ ዝበዝሓ መንግስታት ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣሰኪፍዎ ፍሉይ ኮሚሽነር መረማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሰይሙ ክከታተሎ ካብ ዝጸንሕ ድሮ 6ይ ዓመት ሒዙ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ግብሩ ፈሊጡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝከታተሉ ኣካላት ናብ ሃገርና ኣትዮም ከይምርምሩ ክኽልክል ምጽንሑን ምህላውን ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኢዩ። ጕባኤ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምክትታልን ምምርማርን ውሳኔታት እናደገፈ፡ ነቲ ንምጥባሩ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝግበረሉ ዘሎ ሓለፋታት ቅቡል ከምዘይኰነ ብትሪ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዝፈጸሙ መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ጕባኤ ይምሕጸን። ኣብ ርእሲ እዚ፡-

11.1 ንውዕል ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ዝፈረማ ሃገራት በቲ ባዕለን ዝፈረማሉ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ተማእዚዘን ክኸዳ ጕባኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን። እዚ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ድማ ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉ ምዃኑ የረጋግጽ።

11.2 እተን ምስ’ዚ ኩሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ኣሉታዊ ምስሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ዝፈቐዳ፡ ዝገደደ ከኣ ነቲ ዓይነን እናረኣያ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገዚፍ ግህሰት ሸለል ኢለን፡ ነናብ ርእሰን ከይመጸን፡ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ኣየድልን ዝበላ ሃገራት ንዝወሰድኦ መርገጽ ጕባኤ   ይቃወመንን ናብ ንቡር ክምለሳ ይጽውዐንን።

11.3 ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣረሜናዊ ባህርዩ ምስ ኣስከሬን ከይተረፈ ዝባኣስ ስርዓት ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ነገር ኣይኮነን። ፈሪሃ እግዚኣብሀር ዘይብሉ ጸረ ሃይማኖት ዝኾነ ፍንፉን ስርዓት ስለዝኾነ ሉእ መዋእሉ ንኹለን ሃይማኖታት ኤርትራ ቅሳነት ክኸልኤንን ንመራሕተን ድማ ክኣስርን ክፈትሕን ይነብር ኣሎ። ነቶም ፍሉጣት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን በብግኡ ኣሲሩገለ ክሞቱ ገለ ብሕማም ክማስኑ ህዝቢ ኤርትራ ዕረ እናጠዓሞ ጸይሩዎ ዝነብር ዘሎ ሕሰምን ሕብረተሰብ ዓለም ዝርድኦ ግፍዕን እዩ። ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ዘለኣለም ኣብ ሕልናና ዝነብሩ እዮም። ብሂወቶም ኣብ ምድራዊ ሲኦል ክነብሩ ዝተፈርዶም ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣቦና ኣባ እንጦንዮስ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሂወት  ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት መሰኻኽር የሀዋን ጴንጤ ቆስጤንከምኡውንመራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ኣቦታትና ዘውርዶ ግፍዒ ከይኣክል ሎሚ ድማ ንህዝቢ ዘገልግላ ዝነበራ ብካተሊካዊት ቤተክርስትያን ዝማሓደራ ኣብያተ ሕክምናክሊኒካትይህግረን ኣሎ። ቅድሚኡ ውን ንንብረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሃጊሩን ካልእ ግፍዕታት ፈጺሙን እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓንጸጾ ፖሊሲ እዩ። እዚ ስርዓትዚ እብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖትን ንብረተንን ዝፍጽሞ ግፍዒ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ስራሕ ምዃኑ ጉባኤ ኣጥቢቑ ይገልጽን ይዅንንን። ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኣባ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዘቕረቦ ጻውዒት ጉባኤ የሞጉስ።

12. ሰዲህኤ ንኹሎም ብረት ዓጢቖም ድዮም ከይዓጠቑ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ከም ሓርበኛታት ሃገራውያን ይፈልጦም። ካብዚ እምነትዚ ተበጊሱ ንሰማዕታትና ዝገልጽ ሓወልቲ ክህሉ ይኣምን።

ብዛዕባ መቓብር ሓርበኛታት ብዝምልክት ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ሌላን ጉሌላን ዘወገደ መቓብር ሓርበኛታት ክህሉ እናደገፈ፡ ሓርበኛታትና ኣበይ ከምዝቕበሩ ዝውስኑ ድማ ወለዶምን ቤተሰቦምን ክኾኑ ከምዝግባይኣምን።

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ!

“ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ”

1 ነሓሰ 2019

3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።

ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።

ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ  ናይ ደገፍ መልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።

ፈስቲቫልኩም ምስ  ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪን  ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ  ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።

ኣዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ህዝብና ተወዲቡ፡ ቃልሱ ኣስሚሩ ነዚ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገርክትከውንን፡ ብሕግን፡ ብልጽግቲን ብፍትሕንትመሓደርን ሃገርክትከውን፣ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። 

ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ምሁራት ውዳቤታትን፡ ቃልሶም   ከወሃህዱ  ተግባራዊ ተበጉሶታት ተጀሚሩ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሖጉስ ኢዩ።

ንኣብነት፡ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ማሕበረ ኮማትን ግዱሳት ደቂ ሃገርን ዝጠርነፈ፡ ብኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስዊ ለውጢ ዝፍለጥ ሰፊሕ ጽላል፡ ቅድሚ  4 ወርሒ ዕዉት ካልኣይ ጉባኤ ምክያዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።

ዕላማን ጻዕርን ናይ ኤሃብደል ቡዙሑነት ህዝቢ ኤርትራ ማኣከሉ ዝገበረ፡ ውሑስ ሓድነት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብና ንምፍጣር ኢዩ። ውዳባኡ ካኣ ንዕኡ የንጸባርቕ። ኣብዚ ሓጽር ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ምስ ናይ ህዝቢ ውዳቤታትን ርኽኽባት የካይድ ኣሎ።ንሰልፊ ዲሞክራኢ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንሃገራዊ ግንባር ኤሪትራ ( 4 ውድባት ዝሓቖፈ ግንባር) ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ክካይድ መልእኽቲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ንሓበሬታ ዝኣክለ  ብዕለት 22-6-2019  ብመኣዲ ዘተ ሚንሶታ ብምትሕብባር ምስ ቲቪ ተምፖ ኣፍሪክ (tempo afric tv eritrea) ኣብ ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ሚኒሶታ፤ ኤሃባደለ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ተረኺቡ 9 ነጥብታት  ዝሓዘለ ስምምዕ ሰነድ ፈርሞም። ቀጻሊ ርኽክባት ከካይዱ ካኣ ተሰማሚዖም ምህላዎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።

እዚ ሎሚ ነጸምብሎ ዘሎና ሓድነት ናይዘን ክልተ መሓዙት ውድባት፡   ናይ ምውህሃድን፡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ፍረ ውጻኢት ኢዩ ክበኣል ይኽእል። ስለዚ እዚ ብፖሊቲካዊ ውድባት ዝግበር  ዘሎ ምቅርራባትን፡ እዚ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ውዳቤታት ዝወሃደሉ መስርሕ ክግበር ኣሎዎ። ነንሕድሕዱ ተማላላኢ ብሽርክነት ክቃለስ ህጹጽ መድራኻዊ ዕማም ምዃኑ ንሕና ከም ኤሃባዲለ ጽኑዕ እምነትና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ።  ከምኡ እንተገርና ኢዩ፡ ዓወትና ክቃላጠፍ ዝኽእል። ኤሃባደል ደምበ ተቓውሞ ቃልሱ ከወሃህድ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ተበጊሶ፡ ኣብ ፈጻሚት ቤትጽሕፈቱ ነዚ ዝከታተልን፡ ዘተግብርን ፍሉይ ቤትጽሕፈት እቂሙይርከብ። ሓድነታዊ ጉባኤኹም ብምዕዋቱ፣ ሰልፍኹም ክሕይልን፡ ክድልድልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ልሉይ ተራ ክህልዎን፣ ካብ ዘለና ምንዮትን ብምብጋስ፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ እንቛዕ ናብዚ ኣብቃዓኩም ክብል ደስ ይብለኒ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና።

ፍራንክፎርት ፈስቲቫል  3-08-2019

Page 2 of 84