ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከ ብ4 ጥሪ 2024 ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዘርጊሖም። ንሶም ከም ዝገለጽዎ ባይቶ ሃገሮም ብ1998 ዓለምለኸ ናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ቀዋሚ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንምሕያሉ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ከም ኣካል ኣይቲ ምእንቲ ናጽነት ሃይማኖት ዘለዎም ተገዳስነት፡ ንኤርትራ፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ስዑዲያ፡ ታጂክስታንን ቱርከሚስታንን  ከም ኣብነት ሕሱም ሃይማኖታዊ ጥሕሰት ናይ ዝፈጸማ ሃገራት ከም ዝፈልጥወን ሓቢሮም። ብዘይካዚ ንኣልጀርያ፡ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ከም ብፍሉይ ምክትታል ዝግበረለን ሃገራት ከም ዝመዝገብወን ሓቢሮም። ጉዳይ ኣልሸባብ፡ ቦኮ ሃራም፡ ኣይሲስን ከምኣቶም ንዝኣመሰሉ ጉጅለታትን እውን ምክትታል ከም ዝገብሩ ጠቒሶም።

ኣብዚ ዝርዝር ብዘይተጠቕሳ ሃገራት እውን ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝፈጸም ዝጠቐሱ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መግስታት፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ዝፍጸም፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘለዎም ማሕበረ-ኮማትን ኣብያተ-እምነቶምን ዝፍጸም ጥሕሰታት ንኽከላኸሉ ጸዊዖም። ከምኡ እውን ብሰንኪ ብሰላማዊ ኣገባብ ምግላጽ ሓሳብካ ንዝፍጸም ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ተኸተልቲ ሓደ እምነት ኣንጻር ካልኦት ኣመንቲ ንዝግበር ምልዕዓል ክቆጻጸርዎ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣንጻር ናጽነት ሃይማኖት ዝፍጸም ጥሕሰታት፡ ትካላዊ፡ ሜላውን ኣዕሚቑ ዝሰረጸን እዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስቶም ዝጸዋወሩን ጽልኢ ዘይድግፉን ወገናት ኮይና፡ ሓደ እዋን ህዝብታት ኩሉ ክብሮም ዝሕለዉላ ዓለም ክንሃንጽ ኢና ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ 4 ክሳብ 11 ጥሪ 2024፡ ኣብ ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ግሪክ፡ ኣማን፡ ጆርዳን፡ ኳታር፡ ዱባይ፡ ኢማራት፡ ሱዕዲያ፡ እስራኤልን ዌት ባንክን ዑደት የካይዱ  ኣለዉ።

ሰላማዊት ዳዊት፡ ዳይረክተር ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ

ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡  ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጽእተኛታን ብዛዕባ ሕጋውነት ክሕዝዎ ዝግበኦም ናይ መንነት ሰነድን መንበሪ ፈቓድን ዝምልከት ተሪር መግለጺ ብ4 ጥሪ 2024   ኣውጺኡ። እቲ ትካል ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ዝተገደደ ኣብታ ሃገር ብዘይሰነድ ከምኡውን ሕጋዊ ብዘይኮነ ሰነድ ዝነብሩ  ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዘረጋገጸ ምዃኡ ኣፍሊጡ።

ሰላማዊት ዳዊት ዳይረክተር ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሓት ወጻእተኛታት፡ ብዘይሕጋዊ ግዝያዊ ይኹን ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ፡ ፓስፖርት፡ ቪዛን ካልእ ሰነዳትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ናይታ ሃገር ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢራ። ካብቶም ዘይሕጋውያን ዝበለቶም፡ 18 ሺሕ ዘይሕጋዊ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ፡ ዝያዳ 1,500 ዘይሕጋዊ ቪዛን 1,800 ብዘይሕጋዊ ንትውልደ-ኢትዮጵያ ዝወሃብ ፍሉይ ሰነድን ሒዞም ይነብሩ ከም ዘለዉ ጠቒሳ።

ምስዚ ብተተሓሓዘ ኩሎም ዘይሕጋዊ ሰነድ ሒዞም ዘለዉ ወገናት፡ ካብ 10 ጥሪ ክሳብ 8 ለካቲ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ሕጋዊ ከልብስዎ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋውያን ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ፡ እቲ ስጉምቲ እንታይ ከም ዝኸውን ግና ኣይጠቐሰትን።

እዚ መግለጺ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዝምዕብል ዘሎ ሕማቕ ዝምድና፡ እቲ መጠንቀቕታ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዘቕነዐ ከይከውን ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።  ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይተን ሃገራት ሕማቕ ዝምድና፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወጽእተኛታት ኤርትራውያንን ሶማሊውያንን ዝበዝሐ ኣሃዝ ዝሕዙ እዮም። ብፍላይ ሶማላውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንእሽቶ መቃድሽ” ክሳብ ምባል ዝበጸሐ ከባብታት ኣለዎም።

ክልተ ምንቅስቓሳት ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ ውተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከፊተን የሰልጥና ከም ዘለዋ፡ “ዳርፎር-24” ዝተባህለ ትካል ዜና  እሙናት ዝበሎም ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡

እቲ ትካል ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እቶም ናይ ሱዳን ምንቅስቓሳት፡ ብሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ናጽነት ሱዳንን ብኣል ኣሚን ዳውድ ዝምራሕ ህዝባዊ ግንባር ንሓርነትን ፍትሕን ምብራቕ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ። እዞም ኣካላት ምስልጣን ዝጀመሩ ብናይ ቅድም ወተሃደራት ዝነበሩ ካብ ኩሉ ከባብታት ሱዳን ዝተጸውዑ ክኾኑ እንከለዉ፡ ቀንዲ ቆላሕታኦም ግና ናብ ምዕራብ ዳርፎርን ምብራቕ ሱዳንን ዘተኮረ ምዃኑ “ዳርፎር-24” ገሊጹ።

እዚ ምስልጣን ዝተጀመረ ማዕረማዕረ እቲ ብጀነራል ሕሚቲ ዝምራሕ፡ ፍሉይ ተወርዋሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ካብቲ ዝነበሮ ውሱን ከባብታት ወጺኡ ብመንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ተታሒዙ ካብ ዝነበረ ከባብታት ማእከላይ ሱዳን ብዘይውግእ ሰፊሕ ከባቢ ክቆጻጸር ምስ ከኣለ እዩ።

በቲ ዜና መሰረት፡ እዞም ክልተ ዝተጠቑሱ ምንቅስቓሳት፡ ኣቐዲሞምኳ ምስቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ከም ዝወገኑ እንተኣወጁ  እንተኾነ ከምቲ ዝድለ ቆላሕታ ስለ ዘይተዋህቦ ናታቶም ሰራዊ ናይ ምስልጣን ተበግሶ  ክወስዱ ዝወሰኑ እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢትዮጵያን ኢመራትን ምስኡ ከም ዝወገና ዝንገረሉ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ብዙሓት ምንቅስቓሳት ሱዳንን ቀጻሊ ኣኼባታት ከካይድ ከም ዝቐነየ ተፈሊጡ።

ትካል ንግዳዊ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ዓባይ ብሪታንያ፡ ብ3 ጥሪ 2024 ኣብ ጥቓ ኤርትራዊት ውደብ ዓሰብ ኣንጻር ናይ ንግዲ መርከብ ሰለስተ ሚሳይላት ከም ዝተተኮሰ ሓቢሩ። እቲ ተኹሲ ካብቲ እታ መርከብ ጠጠው ኢላትሉ ዝነበረ ካብ 1 ክሳብ 5 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ እዩ ተፈጺሙ። እቲ ነታጒ ዝተፈጸመሉ ቦታ ካብ ወደብ ዓሰብ 33 ኪለሜተር ርሒቑ ንወገን ምብራቕ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ፍጻመ ጋና ዝጽናዕ ዘሎ’ኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝቐረበ ኣፈናዊ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብን ሰራሕተኛታታን ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ኣይተሓበረን። እንተኾነ ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ስግኣት ከም ዝፈጠረ  ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ናይ የመን ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ ምዃኑን መንቀሊኡ ድማ እቲ ኣብ እስራኤል ኣንጻር ፍልስጥኤም ተካይዶ ዘላ ውግእ ኮይኑ፡ ኣካል እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓፈሻዊ ስግኣት እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት መራክብ ብቀይሕ ባሕሪ ምትሕልላፍ ኣቋሪጸን፡ ነቲ ነዊሕ መንገዲ ብህንዳዊ ውቅያኖስ ክመርጻ ተገዲደን ከም ዘለዋ እቲ ብዓባይ ብሪታንታ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቢሩ። ጉጅለ የመናውያን ዕጡቓት መጥቃዕቶም ከም ዝቕጽል ክገልጹ እከለዉ፡ ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ ብወገና ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓይሊ ዕማም ኣቚማ ክትቆጻጸሮም ትጽዕር ከም ዘላ ገሊጻ። በዚ ኩነታት ብቐጥታ ካብ ዝህሰያ ወደባት ናይ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጽን ከም ዝኾና ዝፍለጥ እዩ።

ወደብ በርበራ (ሶማሊላንድ)

ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ፈደራላዊ ረፓብሊክ ሶማሊያ፡ ብ2 ጥሪ 2024 ኣብ መቃድሾ ህጹጽ ኣኼባ  ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ነቲ ብ1 ታሕሳስ  2023 ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ “ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገርና እዩ” ብዝብል ብትሪ ዝቃወም፡ 9 ነጥብታት ዝሓዘ  መግለጺ ኣውጺኡ። እቲ መግለጺ ሶማላውያን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገሮም ከውሕሱ ቅሩባት ንክኾኑ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ሶማሊያ  ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንበሳድራ ናብ መቃድሾ ጸዊዓ’ላ። ኣብ ሞቃድሾ ንዘሎ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ክትሰጉግ እያ ዝብል ግምት እውን ኣሎ። ሶማላውያን ኣልሸባብ ከይተረፈ፡ ናይ ቅድም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ተቓውመኦም የስምዑን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕሉን ኣለዉ።

እቲ መግለጺ ብምንጽር ሕገ-መንግስቲ ሶማልያን ኣህጉራዊ ሕግታትን  ልኡላውነት ሶማሊያ ዝግህስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዓረብ ሊግን ካለኦት ዞባውን ኣህጉራውን ትካላትን ህጹጽ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ጐኒ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ክስለፉ  ጸዊዑ። መራሒ ሶማሊያ ብዛዕብዚ ተረኽቦ  ብቐዳምነት ምስ መራሕቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኤርትራን ግብጽን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምፍርራም ሓሓሊፎም ሓጐሶም ዝገለጹ ከባቢታት ኣለዉ። እንተኾነ  ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ምድንጋራት ይረአ ኣሎ። ገለ ወገናት ሃገሮም ብናጻ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝረኸበት ገይሮም ይርድእዎ። መንግስቲ እውን እቲ ተበጺሑ ዘሎ  ምርድዳእ ብሓፈሻ እምበር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይኮነ ከነጽሮ ዝደለየ ኣይመስልን። ብሰንኪዚ ከምቲ “ባድመ ብፍርዲ ንዓና ተዋሂባ” ኢሎም ዘዕሸዉና ከይከውን ኢሎም ዝሰግኡ ኣካላት ይስምዑ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ክራይ (lease) ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ በቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ናይ ሶማሊላንድ ሃገርነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ግድነት ከም ዝጽበዮ  ክገልጽ ዝደሊ ኣይመስልን። እቲ ዝካረዮ ቦታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይኮነስ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ምዃኑ’ውን ክፍለጥ  ኣይደለየን።

ምስቲ ኢትዮጵያ ዘላቶ ወጥሪ፡ ክራይ ብኽራዩ ደኣ በቲ ዘለናዮ ምስ ጅቡቲ ዘይንቕጽል።  እዚ ተሃዋስን ሓደገኛን ኣጀንዳ ኣብዚ  ግዜዚ ንቕድሚት ምምጽኡ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን  ይስምዑ ኣለዉ። ብዙሓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዋሚ ዋንነት  ኣፍደገ ዝጽበዩ ዝነበሩ እውን ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ምስ ኤርትራ ውግእ ከይጅመር ዝሰግኡ ዝነበሩ ከኣ፡ “ኤርትራስ ትንፋስ ረኺባ” ይብሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያ እቲ ናይ ምኽታም ዕለት ሓደ ጥሪ 2024 ዝመረጸትሉ፡ ኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ዝጸደቐሉ ብምዃኑ ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይግምቱ።

መራሒ ሶማሊላንድ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ እቲ ስምምዕ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ክራይ ምዃኑን ብወገኖም ንኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ገምገም ባሕሮም ንወተሃደራዊ መደበርን ወደባዊ ኣገልግሎትን ዝኸውን 20 ብ90 ኪ/ሜ ዝዓቐኑ መሬት ከዳልዉላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር እትፈልጥ ቀዳመይቲ ሃገር ክትከውንን ካብ መንገዲ ኣየራ ኢትዮጵያ ዝተወሰነ ብርኪ ክትረክብን ዘጠቓልል ስምምዕ ከም ዝኾነ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ሶማሊላንድ፡ “መሬትና ንኢትዮጵያ ካብ ምሃብ ናብ ሶማሊያ ምምላስ ይሕሸ”  ዝብል ስምዒት ዘለዎም ወገናት ኣለዉ ይበሃል።

ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ ነቲ  ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ፡ “መፈጸምታ ቅልውላውዶ ወይስ መጀመርታ ሓድሽ ቅልውላው” ዝብል ኣርእስቲ ሂቡ፡  ዝሓደሮ ስግኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ክህነጸሉ ተሓሲቡ ዘሎ ፍሉይ ቦታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሶማሊላንድ ሉግሃያ ኣዋድ ኣብ ዝበሃል  ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ድሕሪ መግለጺ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘውጽእዎ መርሂ፡ “ነቲ ኩነታት ብጽሞና እከታተሎ ኣለኹ። ኣብ ህድኣት ዞባና ዓብይ ጽልዋን ተጽዕኖን ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ግና ቀጥታዊ ርኢቶ ኣይሃቡን። ኣስዒቦም ድማ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፡ ናብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት፡ እቲ ኩነታት ብሰላማውን ሕውነታውን መንገዲ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ንክምሕጸኑ ጸዊዖም።

ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምኽታም እቲ መረዳድኢ ሰነድ፡ “ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ፈደራላዊ ረፑብሊክ ሶማሊያ፡ ብመንጽር ሕገ-መንግስታ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን  ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምዕቃብ ንሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ እዩ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ብቕሉዕ ዝበለቶ የለን። ናብቲ መንግስቲ ዝቐርባ ማሕበራዊ መድያታት ግና ንሲማሊያ ደጊፈን ኣንጻር ኢትዮጵያ የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ “ግብጽን ኤርትራን ቀዳሞት ኣብ ጐኒ ሶማሊያ ዝስለፋ እየን”፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ተኸቲላ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፈልጣ እያ” ዝብሉ ብብዙሓት ዝቐርቡ  ግምታት ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሙሰ ቢሂ ኣብዲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን  ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መረዳድኢ ሓሳብ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸተሙ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን። እቲ ን50 ዓመታት ከም ዝጸንሕን ድሕሪ 2ተ ኣዋርሕ ቀዋሚ ስምምዕ ኮይኑ ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉን ሰነድ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ቢሂ ኣብዲን ከም ዝተኸተመ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ሰነድ ትሕዝቶ ንናይ ኢትዮጵያ ድሌት ኣፍደገ ባሕርን ናይ ወደብ መማረጽን ዘውሕስ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኢስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋ ሑሴን፡ ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መርሂ፡ ኢትዮጵያ ብኽራይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘኽእላ እዩ ኢሎም። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ፈስቡክ ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ርኢቶ፡ “እቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዝተኸተመ መሰማምዒ ሓሳብ፡ ናይ ምሕዝነትን ምትሕብባርን መርበብ ዝኸፍት እዩ”  ኢለምዎ።

ኣቲ ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሓሳብ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዝምድናታት ኣፍደገ ክኸፍት እዩ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ስምምዕ  ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ክም እትኣምን ከም መዕቀኒ ክትወዶ ከም ትኽእል ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ስጉምቲ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋቱን ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሰላም ከም እትግደስ ከም ዘረጋግጽን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ወደብ በርበራ ንምጥቃም፡ ምስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጸሓ፡ ምስ ሶማሊ-ሞቃድሾ፡ ጅቡትን ካለኦት ኣካላት ከረሓሕቓ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

ኣዛዚ ህጹጽ ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፡ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሐመቲ ብ31 ታሕሳስ 2023  ምስ ፕረሲደትን ጅቡትን እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድን ኢስማዒል ዑመር  ከም ዝተራኸበ ማዕከናት ዜና ጅቡቲ ሓቢረን። ኣብዚ ርክቦም፡ ጸገም ሱዳን ኣብ ትሕቲ ጽላል ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝፍተሓሉ ኩነታት ተመያይጦም።

ሐመቲ ናብ ጅቡቲ ዝኸደ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቻድ፡ ኡጋንዳ፡ ጋናን ኢትዮጵያን ከካይዶ ዝቐነየ ቀጻሊ ዑደት እዩ። ኣብቲ ጉዕዘኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ርእሲ  ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ  ምስ ኣካላት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብስቱር ከም ዝተራኸበ ዝሕብሩ ምንጭታት ኣለዉ።  ሐመቲ ድሕሪ ናይ ጅቡቲ ብጸሖቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጸሐን ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዝተተሓሓዘ መብርሂ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ርክቡ ምስ መራሒ ጅቡቲ፡ ጉዳይ ሱዳን በቲ ብኢጋድ ዝቐረበ ርኢቶ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ርኢቶ ከም ዘለዎን ብወገኑ በቲ መራሕቲ ኣኼባ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንቐጻሊ ንምፍታሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝምእዘዝሉ ኣረጋጊጹ።

ብ9 ታሕሳስ 2023 ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን ብኣካል ክራኸቡ ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ መን ብደረጃ ተዓዛባይ ይሳተፍ ኣብ ዝብል ግና ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሱዳን ምትእምማን የለን።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ዓሊ ዩሱፍ ብውገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርክብ ዑመር ገሌን ሐመትን ኣብ ክሊ ውሳነ መራሕቲ ኢጋድዝተኻየደ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ጅቡቲ ነቲ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2024 ክልቲኦም ተቐናቐቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ጅቡቲ ከካይድዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሱዕድ ዓረብያ፡ ኤርትራን ግብጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ አመረት፡ ኢትዮጵያን ቻድን ተጐጃጅሎም ከም ዘለዉ ብሰፊሕ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ።

ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሄኖክ ምሉብርሃን ኮኸብ ኣፍሪቃ 2023 ከም ዝኾነ ናይቲ መደብ ኣዳለውቲ ብምጥቃስ፡ ዓለም ለኻዊ ዜና ብስክሊት/world cycling news ኣፍሊጣ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ሞሮካዊ ኣሸሪፍን ድማ ንሄኖክ ተኸቲሎም 2ይን 3ይን ኮይኖም። በቲ ካልእ ወገን ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣማኑኤል ገረዝግሄርን ናትናኤል ተስፋጼንን ኣርባዕቲኦም ካብቶም ቀዳሞት 10 ምሩጻት ኣፍሪቅዋያን ዕዉታት ምዃኖም እቲ ዜና ስፖርት ፍሊጡ።

ሄኖክ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ካብቶም 5 ቀዳሞት ክኸውን ጸኒሐ፡ ነዛ ናይ ሎሚ ክረኽባ ከኣ ይብህግ ነይረ፡ ረኺበያ ድማ” ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ “ክለብ ኣስታና  ዙር ዓለም/Astana World Tour Club” ዝተጸንበረ ሄኖክ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፒዮን ጋና፡ ዙር ሩዋንዳን ዙር ቻይና ቀላይ ኩጋሂን ከም ዝተሳተፈ’ውን ተገሊጹ። 

ኣብ ቶም ዝሓለፉ12 ዓመታዊ ውድድራት ኣፍሪቃ፡ 8 ዓመት ኤርትራውያን ብደረጃ ኣዋርድ ምሩጻት ተወዳደርቲ ኮይኖም ከም ዝተዓወቱ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ብደረጃ ምሩጻት ኣፍሪቃይውያን ዝተኻየደ ውድድር ብትሮፒኣል ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ዓወታት ዝተዓወቱ ኤርትራውያን፡ ናትናኤል ብርሃነ ብ2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ብ2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብ2015፡ ተስፎም ዑቕባይ ብ2016፡ ቢኒያም ግርማይ ድማ ንሰለስተ ንተኸታተልቲ ዓመታት ዝተዓወቱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ መንግስቲ ህግደፍ  ተጻወታ ንውድዳር ናብ ወጻኢ ምስ ከዱ ኣብኡ ከይተርፉ ብዝብል ተንኮል ብዝፈጠሮ ምስምስ  ናብ  ሻፒዮን  ዓለም 2026  ዘብጽሕ ምጽራይ ከይጀመረት ከም ዝተኸልክለት ዝፍለጥ እዩ።

እተን ግዳያት ሆያም ኣዶን ኣላ ሓመድ ዓብደላን

መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣላ መሓመድ ዓብደላን ሆያም ኣብዶን ዝተባህላ፡ ሱዳናውያ ነጠፍቲ/activists/ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተኣስራ ኣፍሊጣ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ግዝኣት ሰናር ብኣካላት ወተሓደራዊ ጸጥታ ከም ዝተኣስራ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እቲ ማእሰርቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገር ኡጋንዳ ክስልጥና ጸኒሐን ምስተመልሳ ብ25 ታሕሳስ 2023 እዩ ተኻይዱ። እቶም ዝኣሰርወን ወተሃደራዊ ኣካላት፡ ስለምንታይን ኣበይን ከምዝኣሰርወን ከምዘይገለጹ እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይታ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳይረክተር፡ ሃላ ካሪብ እቶም ኣሰርቲ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ወተሃደራት ዝቆጻጸርዎ ከባቢ ናይ ምግዳብን ምዕንቃፍን ዕላማ ከምዘለዎምን ብፍላይ ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዘካይዳ ተቓወምቲ ከም ዘተኩሩ ኣቃሊዐን።

እታ ዳይረክተር ኣተሓሒዛ፡ ምእሳር ደቂ ኣንስትዮን ምዕንቃፍ ምንቅስቓሰንን፡ ብክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣካላት ሱዳን ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢላ። ምኽንያቱ ከኣ ክልቲኦም  ናይቲ ዝወቐደ እስላማዊ መግስቲ ተረፍመረፍ ምዃኖም ገሊጻ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እታ ዳይረክተር ናይቲ መርበብ እተን ዝተኣስራ ኣባላተን ብህጹጽ ንክፍተሓ ተሪር ምሕጽታ ኣቕሪባ።

ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ናይታ መርበብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ትካል ሰብኣዊ መሰልን ካለኦት ሰብኣዊ ኣካላትን፡ ኣብ ምሕላቕ ነጠፍትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ኢዶም ከእትዉ ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡  ተቐናቐንቲ  ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳን፡ ብኣላይነት ኢጋድ 28 ታሕሳስ 2023 ኣብ ጅቡቲ ብኣካል ክራኸቡ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ፡ ዕለቱ ናብ ዘይተገልጸ ወርሒ ጥሪ 2024 ከም ዝተናወሐ ተሓቢሩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ንሰለስተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምምዝጋብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቕልጡፍ ንክቕጽል ከም ዝጸወዐ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 27 ታሕሳስ 2023 ሕታማ ሓቢራ። እቲ ኮሚሽ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ከም ዝተገደበን ቅድሚ ሕጂ 200 ዝኾኑ ናብታ እተስግኦም ኤርትራ ብግዲ ከም ዝተመልሱን ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጸ፡ ብ26 ታሕሳስ 2023፡ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ዝምልከት ናይ 2022-2023 ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ ምዃኑ ተፈሊጡ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ድሕሪ ናይ 2018 ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ኣብ ግዜኡ ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ይወድቁ ምህላዎም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

በቲ ናይቲ ኮሚሽን ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ “መረጋገጺ የብልኩምን፡” ብዝብል፡  ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ እውን ንስደተኛ ዝግበር ሓለዋ ብዘይምርካብን ካለኦት ሕጽረታትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰድሉ ምኽንያትን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ከይተጸንዐ ናብ ሃገሮም ምምላስ ኢትዮጵያ ምስ ዝፈረመቶም ኣህጉራዊ ውዕላት ከም ዝጋጮ ሓቢሩ ከም ዝነበረ እቲ ኮሚሽን  ኣብቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝከታተል ኢትዮጵያዊ ትካል፡ ንስደተኛታት፡ ሓድሽ መንነት ምሃብን ምሕዳስን ከም ዝጀመረኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ከምዘይተጀመረ  ኣፍሊጡ። ዝርጋሐ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምከት ድማ፡ ኣብ ጋንቤላ 383 ሺሕ፡ ሶማሊያ 301 ሺሕ፡ ቤንሻንጉል 79 ሺሕ፡ ኣዲስ ኣበባ 76 ሺሕ፡ ዓፋር 58 ሺሕ፡ ኣምሓራ 22 ሺሕ፡ ትግራይ 2 ሺሕ፡ ኦሮሚያ 4 ሺሕን  ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኢትዪጵያ፡ ኤርትራውያን 167, 391 ወይ 18 ሚእታዊት ምዃኖም ከኣ እቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

Page 4 of 133