ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ምይይጥን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ብሓብር ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ  ክቃለስ  ምስተሰማምዐ፡ ሓባራዊ  ግዝያዊ መሪሕነት ከምዘቖመ ብ2 መስከረም 2023 ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዘቃንዖ ጽንብል ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ መስርሕ ዘተ ክዋስኡ ዝጸንሑ ጽላላትን ውድባትን  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን እዮም። እንተኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘይወገኖ ጉዳያት ስለ ዘጋጠሞ ንዕኡ  ክሳብ ዘጻፍፍ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ጥራሕ ክታሙ ከምዘየንበረን እቶም ሰለስተ ኣካላት ነቲ መስርሕ ከም ዝቕጽልዎን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተመልኪቱ።

ኣብቲ መድረኽ ናይቲ ነቲ ጽንብል ዘሰናደአ ኣካል ቃል ብቋንቋታት ዓረብኛን ትግርኛን ቀሪቡ። ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ዝተፈላለዩ ዕዱማት ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃሎም ኣስሚዖም። እቶም ናይ ደገፍ ቃል ዘስምዑ፡ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሶም፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ ብምምልካት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ኣሓት ኣድያም ተፈራን ሓናን መሓመድ ሳልሕን ዝመረሐኦ ዝያዳ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ መድረኽ፡ ኣብ መንጎ መንጎ እቲ መደባት ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ዘንጸባርቑ ግጥምታትን መዛሙርን እውን ቀሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ነሃሰ 2023 ካብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን 140 ኪሎሜትር ንውሽጢ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ናይ ኡጋንዳ ከተማ ጂንጃ 20 ኤርትራውያን ብናይ ኡጋንዳ  ኣባላት ፖሊሲን ጸጥታን ከም ዝተኣስሩ ሞኒተር ግሩፕ/MONITOR GROUP፡ ዝተባህለት መዲያ ሓቢራ። እታ መዲያ ከም ዝሓበረቶ ካብቶም እሱራት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ 6 ህጽናት ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ናይቶም ኤርትራውያን ናይ መወዳእታ ጉዕዞ ኣብ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝርከብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብብዝሒ ዝርከብዋ ክፍለ-ከተማ ካባላጋ ከም ዝነበረ ሞኒተር ግሩፕ ሓቢራ።

ናይቲ ዝተታሕዝሉ ዞባ ኣዛዚ ፖሊስ ወሃብ ቃል ጀምስ ሙቢ፡ እቶም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝርከብዎም ዓበይቲ፡ ኣብ ማእከላይ መደበር ፖሊስ ጂንጃ ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቶም ህጽናት ግና ኣብታ ከተማ ኣብ ሆቴል ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣስዒቦም፡ እቶም ኤርትራውያን “ዝኾነ ሕጋዊ ናይ መገሻ ሰነድ ኣይነበሮም” ኢሎም፡ ብድሕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ መን ከም ዘሎ ንምጽራይ ጻዕሪ ከም ዝግበር ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ዘይሕጋውያን ተጐዓዝቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ-ኡጋንዳ፡ ጥሒሶም  ከም ዝኣተዉ  ንጋዜጣ ቪዥን ኡጋንዳ  ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምጥቃሶም ሞኒተር ግሩፕ ኣፍሊጣ።  

መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ ወተሃደራቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ የካይድ ከም ዘሎ፡ በሺር ሓሰን የሱፍ ዝተባህለ፡ ጉዳይ ሶማሊያ ዝከታተል ጸሓፊ ብ31 ነሃሰ 2023 ኣብ ትዊተር ብዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ። ንሱ ከም ዝጸሓፎ ኣቐዲሞም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022፡ ሰለስተ ሺሕ (3000) ዝኾኑ ሶማላውያን ወተሃደራት ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ጠቒሱ፡ እዞም ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2023 ክምለሱ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ካብ 1800 ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ካብዞም ዝምለሱ ናይ ጸጥታን ባሕረኛን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኤርትራ ገይሾም ዝነበሩ ወተሃደራዊ መኮነናት ሶማሊያ፡ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ወተሃደራቶም ከም ዝተራኸቡን ብዛዕባቲ ንምምላሶም ወጺኡ ዘሎ መደብ ከም ዝሓበርዎምን እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቅድሚ ሕጂ ንወተሃደራዊ ትምህርቲ ተባሂሎም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ መእሰያት ሶማሊያ፡ ህግደፍ ምስምሳት ፈጢሩ ኣይለቆምን እየ ስለ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሶማሊያን ወለዲ ናይ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙን  ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ጋቦን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስልጣን ከም ዝመንዝዑ ብናይታ ሃገር ተልቪዚዮን ጋቦን-24 ምግላጾም ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቶም ወተሃደራት ነቲ ብ26 ነሃሰ 2023 ዝተኻየደ እሞ ፕረሲደንት ዓሊ በንጎ ከም ዝተዓወተ ተነጊርሉ ዝነበረ ምርጫ ውጽኢት ከም ዝሰረዝዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ፕረሲደንት በንጎ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎን ሓደ ካብ ደቁ ድማ ብኽድዓት ሃገር ከም ዝተኣስረን ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም። በቲ መግለጺ መሰረት ናይ 53 ዓመታት ስልጣን ቤተሰብ ዓሊ ቦንጎ በዚ ዝተወስደ ናይ ዕልዋ  ስጉምቲ ከብቅዕ እዩ።

እቶም 12 ኮይኖም ብ30 ነሃሰ 2023 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ብተለቪዝዮን መግለጺ ዝሃቡ ወተሃደራት፡ ንውጽኢት ምርጫ ሰሪዞም ንትካላት ናይ ሪፐብሊክ ጋቦን ከም ዘፍረስዎ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ድማ ሓድሽ መግለጺ ክሳብ ዝወሃብ ናይታ ሃገር ዶባት ከም ዝተዓጽወ ሓቢሮም። ተቓወምቲ መንግስቲ ዓሊ በንጎ ብወገኖም፡ ናይታ ሃገር ኮሚሽን ምርጫ ዓሊ በንጎ ዳርጋ ብክልተ ሲሶ ናይቲ ዝተዋህበ ድምጺ ከም ዝሰዓረ ብምጥቃስ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢለምዎ።

ኣተሓሒዞም ድማ ዓሊ በንጎ ብኣዛዚ ሪፐብሊካዊ ሓለዋ፡  ጀነራል ብራይስ ኦሊጁ ኒዩማ ከም ዝትካእ ሓቢሮም። እዚ ናይ ጋቦን  ኣብ ልዕሊ ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዝተኻየዱ ዕልዋታት 8ይ እዩ።

ፈረንሳ ነቲ ትግባር “ውጽኢት ምርጫ ክኽበረ ኣለዎ” ብዝብል  ኮኒናቶ። ቻይናን ሩሲያን እቲ ዕልዋ ካብ ዘሻቐለን ሃገራት እየን። ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ እቲ ተረኽቦ ዓብይ ዛዕባ እዩ ኢሉ፡  ስልጣን ብሓይሊ ምምንዛዕ ዘይምርግጋእ ዘጋድድ እዩ ኢሉ።

እቶም ወተሃደራት ኣካል ናይቲ “ኮሚተ ምስግጋር፡ ምዕቃብ ትካላትን ምምላስ ኩነታት ጸጥታ ናብ ንቡር”ን”  ዝበልዎ  ምዃኖም ጠቒሶም፡ ተልእኮኦም ነቲ ዝነበረ ምምሕዳር ኣወጊድካ ጸጥታ ሃገር ምሕላው ምዃኑ ሓቢሮም።

ጋቦን ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፡  90 ሚእታዊ ካብ መሬታ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ሃገር ምዃና ይንገረላ።

ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ናይ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫን ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝተሰወረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዲፕሎማት ነዚ ስጉምቲ  ዝወሰደ፡ ጉዳያቱ ኣጻፊፉ ቀልጢፉ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስተነግሮ ብዝሓደሮ ስግኣት ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ናይ ስግኣቱ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ዝነበሩ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ካብ ስራሕ ምድስካልን ምዃኖም ስለ ዘረጋገጸ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ኣደም ዑስማን ካብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝወጸ ምስ ተጠርጠረ፡ ሽዑንሽዑ  ናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርቱ ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ቦታ ኣደም ዑስማን ብግዝያውነት ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋብኡ፡ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ህግደፍ ንዝቐረቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቅታት እንዳ ከሓደ  ብምቅዋም ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ መጋበርያታት ሓደ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ ካብ 28 ነሃሰ ክሳብ 8 መስከረም 2023 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑ ክፍሊ ርክብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መዘኻኸሪ ሓቢሩ። ማይክ ሃመር ኣብ ጉዕዘኦም ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ክበጽሑ እዮም።

እቲ መዘኻኸሪ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ መገሸኦም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ከኒያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ስምምዕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ዘሎ ጐንጽታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ከም ዘተሓሳስቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘይካዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብሰላም ዝፍተሓሉ፡ ድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝትከለሉ፡ ምዕሩይ ምምሕዳር ዝተኣታትወሉ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝረጋገጸሉን ተሓታትነት ዝፍጠረሉን ኩነታት ብዝምልከት ምስቶም ዝራኸብዎም ኣካላት ከም ዝመያየጡን ብዛዓብ ምፍታሕ ጉዳይ ሱዳን  ዝካየድ ዘሎ ዘባዊ ጻዕሪ ከምዘልዕሉን  ተፈሊጡ።

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ

ኣብ ዓመተ 2023 ክልተ ሺሕን ዓሰርተ ሰልስተን (2,013) ስደተኛታት ናብ ኤውሪጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፈአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ 2022 ምሉእ ዓመት ዝነበረ  ኣሃዝ 1,417 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 24ን 25ን ነሃሰ 2023፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ህይወት ኣድሕን/Ocean Viking፡ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ኣሽርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ። ብመስረት ጸብጻብ “ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ”፡ ብ24 ነሓሰ 2023 ናይ 23 ሃገራት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ  ከም ዝደሓኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ግዳያት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ፡ 9 ህጻናትን 5 ኣካለ ስንኩላንን ምዃኖም እቲ ህይወት ኣድሕን ትካል ከም ዝሓበረ እታ ማዕከን ዜና ኣስፊራ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ25 ነሓሰ፡ 166 ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ በታ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከብ ናይ 438 ስደተኛታት ህይወት ክድሕን ክኢሉ።  

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ  ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡

1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ  ክስዕቡ ወሲኑ።

2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።

3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር  ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ  ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

 

ሕብረት ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብ22 ነሃሰ 2023 ናብ ብሪክስ/BRICS ኣብ ዝጸሓፎ  ደብዳበ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 22 ክሳብ 24 ነሃሰ 2023 ዝቓናዕ ዘሎ መበል 15 ኣኼባኡ ንክሳተፍ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕዳሙ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ ተቓውመኡ ኣስሚዑ።

እቲ ሕብረት ኤርትራውያን ከም ዝጠቐሶ፡ ንዲክታተር ኢሳያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኮንፈረንስ ምዕዳም፡ ምስ መትከላት ብሪክስ ዝጻረር ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈን  ዘሎን  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምዕፋን መራኸቢ ብዙሃንን ፖለቲካዊ በደልን ዝምልከት ተግባራቱ ንኢሳያስ ናብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክሳተፍ ዘየብቅዖ ምዃኑ   ብምዝኽኻር  ተቓውሞኡ ብትሪ ኣስፊሩ። .

እቲ መልእኽቲ ተቓውሞ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ነጻነታ ጀሚሩ ብሓይሊ ብዘይሕገመንግስቲ ብምግዛእ፡ ሕጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘየብላ ሃገር ገይርዋ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ማእሰርቲ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ስደትን ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዘሰካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መለለይ ኤርትራ ኮይኖም ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ “ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብሪክስ ንክቡር ዋጋ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንክተሓባበር  ጸዊዑ።

ብሪክስ/ BRICS፡ ናይ ብራዚል፡ ሩሲያ፡ ህንንዲ፡ ቻይናን ደብቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሓባር መድረኽ ኮይኑ፡ ሎሚ  ብዙሓት ሃገራት ኣባላቱ ንክኾና  ሕቶ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዩ።

ስደተናታት ኣብ ጉዕዞ ናብ ሱዕዲያ

ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/Human Rights Watch፡ ሓለዋ ዶብ ሱዑድዓረቢያ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተናታትን ሓተቲ ዑቕባን ብጃምላ ከም ዝቐተለ ብ21 ነሃሰ 2023 ብዘውጸኦ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከሲሱ። እቲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካብ የመን ናብ ሱዕዲያ ዝኣትዉ ዝፈተኑ ኢትዮጵያውያን፡  ካብ መጋቢት 2023 ጀሚሩ  ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እዚ ተግባር ከም ኣካል ፖሊሲ ሱዕድያ ዝተፈጸመ እንተኮይኑ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዘሕትት እውን እቲ  ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ጠቒሱ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ዝተፈጸመ  ቅትለት፡ ዝተፈላለዩ ኣጻዋርን ተተኮስትን ብምጥቃም ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ተመራማሪ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ናዲያ ሃርድማን እቲ ቅትለት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎ፡ ኮነ ኢልካ ሕብረተሰብ ዓለም ክከታተሎ   ከይክእል ኣብ ዝተመርጸ  ቦታ ዝተፈጸመ ምዃኖ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦም። እቲ ትካል ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ዶብ የመንን ሳዑዲ ዓረብን ዝካየድ ቅትለት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክከታተል ከም ዝጸሐ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ግና ብገኣገባቡን  ብዝሒ ግዳያቱን እቲ ቅትለት ብደረጃ ዓለም ዝያዳ እናዓረገ ይኸይድ ከም ዘሎ የመልክት ኢለምዎ።

ነቲ “ወተሃደራት ሱዕዲያ ኣብ ልዕሌና ጠያይት ኣዝኒቦም” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ጸብጻብ ንምድላው 38 ኢትዮጵያውያን ምስ ዝርከብዎም 42 ካብ የመን ናብ ሱዑዲያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሰባት፡  ካብ መጋቢት 2022 ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡  ቃለ መጠይቕ ከም ዝተኻየደ ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።

ካብቲ ቅትለት ሃዲሞም ንትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ወተሃደራት ሱዕዲያ እቶም ስደተኛታት ኣብ መሬት ሱዕዲያ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅትለት ንምፍጻም ዝተፈላለዩ ኣጽዋር  ከም ዝተጠቕሙ መስኪሮም። ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ እተን ቅትለት ዝተፈጸመለን ነቑጣታት ብሳተላይት ተኸታቲሉ ከም ዘነጸረን እውን ኣቃሊዑ።

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብዚ ጸብጻቡ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ቅትለት ዝፈቅድ ፖሊሲኣ ብህጹጽ ክትስርዝ ጸዊዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዕዲያ ነዞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ነዚ ግፍዒ ዝፈጸሙ ከለልዮምን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንክሕተቱ ከቕርቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ጉዳይ ንምጽራይ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣካል ክምዘዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

 

Page 13 of 136