ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ፡ መበል 40 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ናይ ለውጢ ምልክት ከምዘየለ ተዓዚቡ።

ብ11 መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ሓጋዚ ምይይጥ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕተኦም ናይቲ ምይይጥ ልኡኻትን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰል ፖለቲካዊ ኩነታትን ከመሓይሽ ክቐርበሉ ንዝጸንሓ ኣማኢት ምሕጽንታታትን መጸዋዕታታትን ክትግብር ከምዘይበቕዐ ጠቒሶም።

ምክትል ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኬት ጊልሞረ መንግስቲ ኤርትራ ዓለልም ለኻዊ ምሕጽንታ ብምስትብሃል፡ ሓላይ ህዝቡ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ጌጋኡ ብምእራም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ካብ ክቱር ጸጥታዊ ምቁጽጻር ናብ ልምዓት ሃገር ከድህቡ ተስፋ ከም ዘለወን ብምጥቃስ፡ ሓያልን ዘስደምምን ምሕጽንታ ኣቕሪበን

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓጋዚ ምምይይጥ እናካየደ

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ዝተመዘዛ ሓዳስ ተኸታታሊት፡ ዳኒየላ ክራቨዝ ብወገነን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፡ ናይ መጀመርያ ናይ ቃል ጸብጻበን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል እውን ክጥቀምሉ ሓቲተን። ኣተሓሒዘን ከኣ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ምብኳሩ ከም ዝሻቕለን ጠቒሰን። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ለውጢ ብምትእትታው ግዝኣተ-ሕጊ ክጅምር ከም ዝግበኦ ኣብሪሀን። ልኡኽ ኤርትራ ግና ከምቲ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝበሎ፡ ንኹሉቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ክስን ኣውያትን “ኣብ ኤርትራ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰል የለን” ብዝብል ነጺግዎ።

UN 2ብኻልእ ወገን ከኣ ብ12 መጋቢት 2019 ብዶ/ር ዳንኤል መኮነን ዳይረክተር  ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ዝተወደበ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝዘተየ ጠቓሚ ርክብ ተኻይዱ። ኣብዚ ርክብ ኣብ ኤርትራ ዳኛ ዝነበሩ ኣቶ ሃብተኣብ ዑቕባዝግን ወ/ሮ ጀለና ኣፓራክ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ቃል ኣስሚዖም። እቶም ቀዳማይ ተዛራቢ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፍርዲ መስርሕ ክገልጹ እንከለዉ፡ እተን ቀጺለን ቃል ዘስመዓ ወይዘሮ ከኣ፡  ብዛዕባ መስርሕ ፍርዲ ጉዳይ ኤርትራውያን ግዳያትን ካናዳዊ ኩባንያ ነቭሱንን ንተሳተፍቲ ኣብሪሀን።

ብዘይካዚ፡ ካልእ ኣገዳሲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝቲ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ፡ ኣብ ዊልሰን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሓደ ናይ ክኢላታት ኮሚተ፡ ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ጉዳያት ወጠርቲ ሕቶታት ኣቕሪብሉ።

ብዕለት 10 መጋቢት 2019 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ሰዓት 14፡00 ብኣቦ-መንበር ጨንፈር  መኽፈቲ እዩ ኣኼባ ተጀሚሩ። ኣኼባ ኣብቲ እዋናዊ ዛዕባ መጻኢ ሳልሳይን ምጽንባራውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃድሕን ዘትኮረ ዝርርብ እዩ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካይዱ። ቀንዲ ካብኡ እቲ ንሳልሳይ ወርሑ ኣብ መሰረታት ሰልፍን ውድብን ወሪዱ ኣብዝርርብ ዘሎ ንድፊ ቅዋም መጻኢ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃድሕን ምንባሩ ይዝከር።

ብቅዋም  ሰልፊ ዓንቀጽ 5.13.2 መሰረት ንድፊ ፕሮግራምን ቅዋምን ቅድሚ  ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ መላእ ኣባላት ክወርድን ክዘራረብሉን ቅዋማዊ መሰሎም ብምዃኑ፡ ኣብቲ ናብ መሰረታት ሰልፊ ካብዝቐርብ ሳልሳይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ንድፊ ቅዋም፡  ኣባላት ሰልፊ ሓደስቲ ሕሳባት ከታኣታትዉ፡ ኣብ ስራሕ ጸገማት ዝፈጥር ዓንቀጻት እንተነይሩ ክትካእን ኮታስ ካብ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት  ከጽፍፍዎን ርእይቶታቶም ከንብሩሉን ስለ ዘለዎም፡ ኣብኡ ዘትከለ ሰፊሕን ዝርዝራውን ልዝብ ከምዝተኻየደ እዩ ይፍለጥ።

 ስለዚ ድማ። ጨንፈር ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩዎ ዝጸንሐ ንድፊ ቅዋም ናይ ምጽራይ ልዝብ፣  ኣብ ናይ ዕለት 10 መጋቢት 2019 ተሪፉ ዝነበረ ክፋሉ ኣጻርዩ ከምዝወዳኤ ተረጋጊጹ ኣሎ።  ንድፊ ቅዋም ኣብ መሰረታት ወሪዱ ክጻረ ካብዝድለየሉ ምኽንያታት ድማ፡ ንብረት መላእ ኣባላት ሰልፊ ብምዃኑ፡ ኣባላት ሓባራዊ ግንዛበ ክህልዎምን ናይ መጻኢ መሳርሒ ሕጊ ስለዝኮነን፣ ንተሳተፍቲ ኣባላት ጉባኤ ጥራሕ ዝግደፍ ዘይኮነስ፡ ንኹሉ ዝምልከት ብምዃኑ እዩ።

ብዘይካዚ፡ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምጽፋፍ ንድፊ ቅዋሞ ከም ዝሳተፉ ምግባር ማለት ድማ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ዝተጻረየን ዝሃብተመን ንድፊ ቅዋም ብተሳተፍቲ ጉባኤ ተወሃሂዱ ክጸድቕ ከሎ፡ መርኣያ ናይ ግሉጽነትን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ኣሳልጦ ናይ ስራሕ ከምዝኮነ እውን ዘብርህ‘ዩ። ስዒቡ ዝጻፈፍ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ሰልፊ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተጻርዩ ክቐርብ‘ዩ።

ስለዚ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ቅዋምን፡ መደብ-ዕዮን፡ ምሕጻይ መራሕቶምን ምሉእ ተሳታፍነት ክህልዎም ምግባር፡ ሓደ ካብቲ ሰልፍና ዝጥቐመሎም ኣሳታፍን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን መስርሕ ናይ ጉባኤ እዩ። በዚ መሰረት ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣብ ናይ ዕለት 10 መጋቢት 2019፡ ኣኼባኡ ንቅዋም ዝምልከት ርእይቶታቱ ኣጻርዩ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ልኢኹ ኣሎ።

    

ብሰንኪ’ታ ብዕለት 10 መጋቢት 2019 ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኸስከሰት ነፋሪት ኢትዮጵያ ቦይንግ ጀት 737 በረራ ቍጽሪ 302 ዘጋጠመ ናይ 157 ተሳፈርቲ ሞት ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን ናይ 35 ሃገራት ኣህዛብን መንግስታትን ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃና እናገለጽና፡ ንመወቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተ ሰቦም፡ ህዝቦምን መንግስታቶምን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ክህቦም ንምነ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

12 መጋቢት 2019

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብቐዳም ዕለት 2 መጋቢት 2019 ኣብ  ከተማ ብቦን፡ ጀርመን፡ ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኺባ ኣካይዱ።  ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ቦን-ክለንን ከባቢኣን፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋ|ዕ ደሓን መጻእክኩም መልእኽቱ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም  ብምምጻኦም ዝተሰምዖ ሓጐስን ክብርን ብምግላጽ  መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣረኪብዎ።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ንኣዳለውቲ ኣኼባን ድሕሪ ምምስጋን ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ዓለምና፡ ዞናናን ሃገርናን ኣዝዩ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝካየድ ዘሎ ናይ ረብሓታት ቅድድማትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብሪሁ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብውሽጣውን ግዳማውን ወጥርታት ይሕመስ ምህላዉ ድማ ኣረዲኡ። ኣስዒቡ፡ ኤርትራ፡ ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ትጕዓዝ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ተሳትፎ ህዝቢ ክዓብን ኣብ መንጐ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብ ዕቱብ ጻዕርታት ክግበር ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

Combine 1

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እውን ልክዕ ከም’ዚ ሕጂ ተገይሩ ተባሂሉ  ዝዝረበሉ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን …ወዘተ ስምምዓት  ኣብ መንገ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሙ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እቲ ስምምዓት ግን ህዝቢ ዘይፈልጦ ስለዝነበረ፡ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ መን ጐብለል ናይ ዞና ኰነ፡ መን ዝያዳ ቍጠባዊ ረብሓታት የረጋግጽ፡ ዝብል ውድድራትን ወጥርታትን ስለዝተሸሙ፡ ንህዝቢ ብዶብ ኣመሳሚሶም ኣብ ደማዊ ኵናት ነቚቶሞ ኢሉ።

ሕጂ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ መጀመርያ ክፍላ ናይ ተስዓታት ዝብልዎ ዝነበሩ ጕዳይ ዶብ ካልኣዊ ኢዩ፡ እቲ ኣብ ኣእሙሮና ወይ ኣተሓሳስባና ዘሎ ዶብ ኢና ክንፈትሖ ዘለና እምበር፡ ዶባት ኣብ መሬት ምጥራር ኣገዳሲ ኣይኰነን ክብሉና ይስምዑ ኣለዉ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እተገብረ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ከምዘይገበረ ገሊጹ። ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣይተፈትሑን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ቀደሙ ብዘይ ደረት ይቕጽል ኣሎ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝዋስእሉ ናይ ውድድር ባይታ የለን፡ መሰላት ዜጋታት ኣይተሓለወን፡ ድሕሪ ዶባት ምኽፋቱ ስደት ብዝኸፍአ ደረጃ ቀጺሉ ኢሉ።

ዲክታቶርያዊ መራሒ ኤርትራ፡ ንህዝቡ ዘየርኣዮ ፍቕርን ስንእንእን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምርኣዩ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንቃልዓለም ኢለ ዘይኰንኩ ንስኻ ኢኻ  መራሒና ምባሉ፡ እዚ ህዝብታት’ዚ ክልተ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን እንተልዩ ዓሻ’ዩ ዝብል መግለጺ ምሃቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ብስም ክልቲኡ ሃገራት ምስ መንግስታት ኣውሮጳ ውዕል ክኽትም ምጅማሩ፡ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ መን ይፈልጥ ኣብ መጻኢ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ምባሉ…ወዘተ ዝብሉ መግለጺታት ደማሚርካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትና ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ዘሻቕል ምዃኑ ኣገንዚቡ። ብፍላይ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዝሓወሰ መንግስቲ ክመርሕ ይደሊ ምንባሩ ምቅልዑ ድማ ንስክፍታታትና ኣጐልቢትዎ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብዛዕባ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ከምኡ እውን፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ክኸይድ ዝጸንሐ ንምጽንባር ዝዓለመ ርክብ ኣብ ምዝዛሙ ገጹ በጺሑ ከምዘሎ ኣበሲሩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ንምጽንባር ዝዓለመ ልዝብ ይካየድ ምህላዉ እውን ኣረዲኡ። ቀጺሉ፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤ ኣርባዕተ ውድባት ዝሓቘፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባርን ድማ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ርክባት ይግበር ምህላዉ ሓቢሩ።

ድሕሪ መግለጺ ኣቦ መንበር ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ዕድል ተዋሂቡ። ኣኼበኛታት ድማ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዝግሃድ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ይሻቐሉ ክምዘለዉ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናተንስኡ ገሊጾም። ካብ’ዚ ጸገም’ዚ ንምውጻእ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ከከተማኡ ዝነብረሉ ሃገርን ክውደብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ድማ ንፍልልያቶም ከቀራርቡ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

ትማሊ ዕለት 2 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኡፕስላ- ሽወደን ዝተኻየደ ኣኼባ ቊጽሪ ሓደ ሽወደን፣ ነቲ ኤርትራ ሃገርናን ህዝባን ኣጓኒፍዎ ዘሎ ምፍትታን ሉዑላውነት ኤርትራ ብዓቢ ኣቓልቦ ዝትዩሉ። እዞም ን 27 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸልማት ስእነት ሰብኣዊ መሰላት ቆሪኖም፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ምዕባለ ሃገር ወሳኒ ተራ ዘለዎም መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ስደት ከም ዝብተኑ ገይሮም። ንዝተረፈ ህዝቢ ዶብና ከይተሓንጸጸ ብዝብል ምስምስ ጅሆ ሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ: ብመዝሙር ”ንደመር” ሓድሽ መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰዲዖም: ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝዓንደርሉ: ካብ ኣፍ`ቲ ዑሉል ውልቀ መራሒ ኣብ ኤርትራ: ዘስደምም ከም ክንቲት ዝፈኾሰ፣ ኣብ ታሪኽ ዝኾነ መራሒ ሓንቲ ሃገር ተሰሚዑ ዘይፈልጥ: ንናይ ሎሚ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ: ”ንስኻ ኢኻ ትመርሓና: ንቐለዓለም ዘይኮነ ናይ ብሓቂ መራሒና” ኢኻ ብምባል ንነብሱ ናይ ዘመንና ፖለቲካዊ ነውሪ ኣልቢሱ።

ኣኼባና! ነዚ ፈኲስ መራሒ: ”መሪሒነቱ” ንኻልኦት ዘረከበ ኮኒኑ: ብመስዋእቲ ኣሽሓት ደቃ ዝተረኽበት ኤርትራ ምስ ኲሎም ዜጋታት ንምሕላው ነጻ ኤርትራን ንሕጋዊ ፍትሓዊ ስርዓትን ዝተዓጥቁ ህዝባን: ንሕጋዊ መንነታ ምስ ዝድግፉ ኣህጉራውያን መሓዙትናን ኮንና: ክሳብ ምሉእ ሓርነት ከም እንራባረብ መብጸዓና ደጊምና ነራጋግጽ ዝበለ ኣኼባ ጨንፈርና፣ ውደባ መፍትሕ ዓወትና`´ዩ ኢሉ ዝኣምን ስለዝኾነ: ነዚ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘለው ኣባላት: መሪሒነት ሰልፍና ንመጽናዕቲ ዘርጊሕዎ ዘሎ ሰነድ ንድፊ ቁዋም ንምዝታይ እቲ ካልኣይ ናይዚ ዕለተ ኣኼባ ዛዕባ ነይሩ። ነቲ 43 ገጽ ዝሓዘ ቁዋም ክፋሉ ብምጽናዕ ዝተረፈ ድማ ንዕለት 23 መጋቢት 2019 ካልኣይ ርክብ ክገብር`ዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 2019 ሳልሳይን ሓድነታውን ንዝግበር ጒባኤ ንምዕዋቱ ካባና ዝጥለብ ኲሉ ንምግባር: ጨንፈር ሰደህኤ ቁጽሪ 1 ሽወደን ድልዊ ከምዘሎ ድማ ኣብዚ ኣኼባኡ ኣረጋጊጹ፣

ሓቢርና ንቃለስ ከነድምዕ

ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ።

ሰደህኤ ጨንፈር ቁጽሪ 1 ሽወደን

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ 24ን 25ን ለካቲት 2019 ራብዓይ ዓመት፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብሓጺር ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣቦ-መንበሩ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝተኸፍተ ኣኼባኡ፡ ኣገዳሲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን ምዕባለታት ንዝእምት ሓበሬታታት እኹል ግዜ ሂቡ ተለዋዊጡ። ካብኡ ቀጺሉ ዝርዝር ጸብጻባ ስራሕ ናይ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ሰሚዑ። ብዘይካዚ ብመሰረት  ኣቐዲሙ ዝሓዞ ኣጀንዳታት ብዛዕባ ዝተፈላለዩ፡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገደስቲ ውሳነታ ከኣ ኣመሓላሊፉ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ብሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈቱ፡ ጸብጻባት ብዝርዝር ርእዩ ኣድላይ ምትዕርራይን መእረምታን ብምግባር ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቑን፡ ውሳኔታት ወሲዱን።  ካብዚ ብምቕጻል፡ መጻኢ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ንምዕዋት ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ዝርዝር መስርሕ ምድላው ብዓሚቕ መዚኑ። ፈጻሚት ሽማግለ ነቲ ብሓባራዊ ኣወሃሃድን ኣሰናዳኢትን ሽማግለታት ክሳብ ሕጂ ተዓሚሞም ዘለዉ ስረሓት ብምዝርዛር ንኢዱ። እቲ ተሪፉ ዘሎ መስርሕ ብዓወት ምእንቲ ክዛዘም ከኣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብደረጃ መሪሕነት ኮነ መሰረታት ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ሓንጺጹ። ኣብዚ ብዛዕባ ምድላው ጉባኤ ዝገበሮ ዳህሳስ ኣባላት ክልቲኡ ናብ ሓድነት ዘምርሕ ዘሎ ወገናት ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ቅሩብነት ንኢዱ፡ ክሳብ ዓወት ከም ዝቕጽልዎ እምነቱ ጽኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ብሰንኪ ጠላም ኣካይዳ ህግዲፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣተወሉ እዋን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሓባር ንኽቃለስ ዘለዎ ኣድላይነትን እዋናውነትን መዚኑ። በዚ መሰረት እቲ ናይ 2017 ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን እማመኡ ንምዕዋት ዝገበሮ ምንቅስቓስ፡ ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የርኢ ከም ዘሎ ገምጊሙ። ንመጻኢ እውን ነቲ ካብ ፍጹም ሓድነት ጀሚርካ ክሳብ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግዲፍ ዘትከለ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ዝዝርጋሕ ጻዕሩ ዝያዳ ከሕይሎ ምዃኑ ርእዩ። ምስ ሃድኤ-ሕድሪ ናብ ሓድነት ምብጻሕ ምኽኣሉን  ምስ ካለኦት ውድባትን ግንባራትን በብደረጃኡ፡ ናብ ምሉእ ሓድነት ወይ  ናብ ምምስራት ጽላል ንምብጻሕን የካይዶ ንዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ካብ ምሕያሉ ካልእ መዋጸኦ ከምዘየለ መዚኑ። እቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ኣድላይነት በዚ ምስ ውሱናት ውድባት ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዘተኣማምን ንህግዲፍ ዘወገድን ኣብ ቦታኡ ዝትክእን ሰፊሕ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምፍጣር  ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑ ብምጥቃስ ናይ “ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ” ጻዋዒቱ ኣሕዲሱ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክከታተሎ  ዝጸንሐን ኣብዚ ኣኼባኡ ዝዳህሰሶን ሓበሬታ ተመርኲሱ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ገምጊሙ። ኣኼባ ኣገዳስነት ሰላምን ጽቡቕ ዝምድናን ከይዘንገዐ፡ በቲ ስርዓት ህግዲፍ ሓቀኛ ምስሉ ንምሕባእ  ምስ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ዘይግሉጽን ሓደጋታት ዝሓቖፈን መሕብኢ ውዲታት ዝሓደሮ ስግኣት ኣስተብሂሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ኣካይዳ ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳያት ብዝምልከት ዝኾነ ለውጢ ከምዘየለ ብምስትውዓል፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ምድንጋራት ተዳህሊሉ፡ ካብ ቃልሱ ከይበኩር ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰላምን ራህዋን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ስለ ዝጸላሎ፡ ኢትዮጵያውያን ዘራጊ  ኣካይዳ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ናይ ሃገሮም ሰላም ውሑስ ከምዘይከውን ንክርድኡን ብመንጽርዚ ክሰርሑን ተማሕጺኑ። ኣካይዳ ናይቲ ልኡላውነት ህዝብን ኤርትራን ጠሊሙ ዘዕለብጥ ዘሎ ዲክታተር፡ ሓደገኛ ምዃኑ ብዕምቆት ዝተረደአ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ኤርትራዊ  ናይ ለውጢ ሓይልታትን ህዝብን ኮነ፡ ምስ  ልኡላውውነት ኤርትራ ዝኣምኑ ፈተውትን ኣዕርኽትን ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጊፉ ካብ ምቅላስ ሓሊፉ፡ ካልእ መተካእታ ከምዘየብሉ ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ተሳተፍቱ ኮነ ትሕዝቶኡ ፍሉይ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ፈስቲቫል ኤርትራ 2019  እተዳሉ ሽማግለ መዚዙ መበገሲ ስራሕ ዝኾና ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መጻኢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝዕመም ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዕማማት ኣነጺሩ። መላእ ደላይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓበራ፡ ኣብዚ ኤርትራ ናይ ምድሓን ዕማም ቀዳማይ ደረጃ ሒዝሉ ዘሎ እዋን ተሳትፍኡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ከዕዝዝ ጸዊዑ። መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕዋት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ በቲ ሒዘሞ ዘለዉ ናህሪ ንክቕጽሉ ጸዊዑ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!

ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር፡ ብዓርቢ 22 ለካቲት 2019 ንህዝቢ ሱዳንን ዓለምን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምህዳእ ናይ ሓደ ዓመት ህጹጽ ኵነት ኣዋጅ ኣዊጁ።

ብመሰረት’ዚ ፕረሲደንታዊ ኣዋጅ’ዚ፡ ንሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ ሃገራዊ ናይ ስምምዕ መንግስትን (ሕኩማ ኣልውፋቕ ኣልወጠኒ) ኵለን ናይ ኣውራጃታት መንግስታትን ፈሪሰን ብመንግስቲ ናይ ክኢልታት ክምርሓ ምዃነን ተገሊጹ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እቲ ንፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ኣብ 2020 ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ተባሂሉ ቅዋም ንምቕያር ኣብ ፓርላማ ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ክትዕ ክውንዘፍ ኣዚዙ። ንሱ እውን ካብ ሻርነት ናይ ሰልፍታት ሓራ ኰይኑ ብፍትሕን ወድዓውነትን ከመሓድር ምዃኑ ተማባጺዑ። ከምኡ’ውን፡ ንዝዓጠቑን ዘይዓጠቑን ተቓወምቲ ሓይልታት ንልዝብ ጸዊዑ።

እቲ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዓሰርተታት ዝሞትሉን በማእት ዝቝጸሩ ዝተኣስርሉን ሰላማዊ ሰልፍታት ግን ጌና ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ይቕጽል ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

يعلن حزب الشعب الديمقراطي الإرتري عن انعقاد ندوة بعنوان  اخر مستجدات الأوضاع السياسية الحالية للبلاد وذلك بحضور رئيس حزب الشعب الديمقراطي الإرتري المناضل منقستآب أسمروم . وسوف تقام الندوة في مدينة بون في يوم السبت الموافق ٢/٣/٢٠١٩ الساعة ١٤:٠٠ بتوقيت برلين .

الموقع : ا  

Heimstatt e.V

Kolnstrasse 6

53111 Bonn

E-mail  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Tel 015758062573 -017672420212

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ መድረኽ 6ይ ጉባኤ ተሓኤ - ሰውራዊ ባይቶ 2008

ሎሚ ዕለት 14 ለካቲት 2019፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ድሃይ ካብ ዘጥፍእ 7 ዓመቱ ኢዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ኮይና፡ ካብተን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብጾት ዝጠፍኡለን እንዝክረላ ዕለታት እያ። ከምዛ ናቱ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደላይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን ካብ ምስራቓዊት ከተማ ሱዳን ካብ ዝጠፍኡ ከኣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕስ 27 ዓመቶም ክኸውን ኢዩ። ኣብ ማእሰርቲ ብህይወት ክህልዉ ትጽቢትናን ተስፋናን ኮይኑ፡ ንዓመታት ማእሰርቲ ናይ ነልሶን ማንደላ በጺሖምዎ ኣሎዉ።  

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም መቐረት ንእስነትን፡ ዕላልን ወግዕን፣ ወለድን መታዓብይትን ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽሓልፉ ንቃልሲ ካብ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ምሉእ ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፣ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንትዚ ድማ፡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዘበርከቱን ደቂ ሃገር ኢዩ። ዕድሚኡ ከባቢ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ፣ በቲ ሓደ ወገን፣ ሰራዊት መግዛእታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጽምዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነት ክርከብ ከምዘይካኣል ስለዝተገንዘበን፣ ምጉህሃር ሰውራ ኤርትራ ድማ በቲ ካልእ ወገን ስለዝደረኾን፣ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። ወታሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድ፣ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ከበድቲ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ሰጊሩ ኣብ ቃልሲ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ወሲዱ፣ ኣብ 1970 ናይ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ « ናይ ኢሳያስን ብጾቱን ፖለቲካውን ማሕበራውን ወተሃደራውን ትሕዞን ርእይቶን ንሃገራዊ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ዝትንክፍ ምዃኑ ብምዕዛብ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ መፍትሒ እንተዘይረኸበ ንሃገራዊ ስምረት ከይብትን ስለዘፍርሕ፡- 

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ ፕሮግራምን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቐቢሎም ናብ ተሓኤ  ክንጽንበሩ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ጥቕሚ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ ንኽፍታሕን ንኸይጋነን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ » ክብል ዘሕለፎ ሓደ ካብቶም ፍሉያት ፖለቲካዊ ውሳኔታት መሰረት ብምግባር፡ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንምርኻብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ እዩ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ ንሕናን ዕላማናን ዝመበገሲኡ  ኢሳያስን ዕቡጥ መደባቱን ካብ ቀደሙ እውን ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን፣ እቲ ዝገደደ ምብትታን ብርሰትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ በጺሕዎ ዘሎ እዩ። መሪሕነት ተሐኤ ግን፡ ምስቲ ኩሉ ክነብሮ ዝኽእል ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፣ ንኢሳያስን ብጾቱን ክሓቁፍ እውን ከቢድ ጻዕርታት ገይሩ እዩ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ስልጣኑ ንምክልኻልን ድማ ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ፍትሕን ሓርነታት ህዝብን ካልእ ዘይባሃጉ ተጋደልቲ ክጨውን ከጥፍን ምልካዊ መርህኡ እዩ።     

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ኣቐዲሙ መራሒ ሓይሊ፡ ጸኒሑ ድማ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ኮርስ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኮርስ ኣብ ሃገረ ስርያ-ደማስቖ ወሲዱ  ብናይ ሙላዝም/ተነንተ መዓርግ ተመሪቑ ንሜዳ ኤርትራ ተመሊሱ ቃልሱ ቀጸለ። ብዙሕ ከይጸንሐ : ነታ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ/ፍዳእይን ኣብ ከበሳ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳዕ 1978 መሪሑ። ቀጺሉውን ክሳዕ 1980 : ኣብ ትሕቲ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ነታ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብርጌድ 61 መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ  ናይ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ብምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ከይሰንበደን ተስፋ ከይቆረጸን ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብዝተካየደ ቃልሲ፣ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ተመሪጹ: ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ/ኣርካን ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን ብመንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ስለዝጀመረ፣ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብትሕቲ ቀይዱ ኣተወ። ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብዝተፈናጨለሉ እዋን፣ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዘለዎም ልዕሊ 73 ዝኣኽሉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራሕ፣ በብእዋኑ ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ ወታሃደራዊ ክንፊ  ጃስር ካብ ማዓልታትን ኣዋርሕን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን፣ ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበን እንደገና ምሩኽ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ካብ ጸልማትስ ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ እስራት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎ ሕሰምን ኣደራዕን እዝሲ ኣብምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፣ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ እተዘይኮይኑ ካልእ ንውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ክልተ ናይ ቃልሲ ብጾት ንሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝጽበያ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ናይ እስራትን ሱዳን ናይ ምእታው ምርጫ ዝረኸቡን፣ ከኣ ብጻይ ኣሰፋው በርሀን፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብጻይ ተስፋይ ርእሶም እውን ድሕሪ ነጽነት ስዒቡ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ናይ ቃልሲ ብጾት እዩ።  

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዝወረዶ ማእሰርትን ስቅያቱን ኣይሰንበድን ዝያዳ እዃ ዳኣ፣ ሓሪኑ ክምህ ከይበለ ካብ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበር እዋን ኣብዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ተመሪጽ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብዝተኻየደ ቀዳማይን መስመሪ ጉባኤን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ እዩ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብዘይርከበሉ፡ ኣውያቱ ኣብዘይስማዓሉ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን እዩ፣ በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስኣተወ ስለዝተወልደ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ፡ ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብዝገበሮ በዓል ናይ 1986 ሓሊማ በዓልቲ ቤት እሱር ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራከብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ከምዝተዋህቦ ካብዝዝከር እዩ። መጅዲ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ እንከሎ፣ ስለዝይኰነሉ ዘኽቲሙ ይዓቢ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግደፍዶ ከምታ ናይ ጉጅለ ጃስር ዋላውን ፍርቂ ሰዓት ትኹን ስድራ ንምርኣይ ዕድል ክትርከበላስ ይትረፍ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እስሱራት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ መልኪ ዳሃዮም ጨና-ጽሩይ ማይ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፣ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ትኣትወሉ ግዜ ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብ ዳግማይ ታሪኻዊ ግዴና ከነበርክት ንሕተት ምህላውና ተገንዚብና ክንላዓል ይግባእ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ምልኪ ይፍረስ፣ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ

 

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክርሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብቲ “2019 ዓመተ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ መዘክር ልኢኹ። ኣብዚ ዝለኣኾ መዘክር ፡ ኣኼባ ነቲ ኤርትራውያን ብሰንኪ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ሃገሮምን ኣብቲ ተገዲዶም ዝተሰድዎን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ተሳተፍቲ ኣኼባ ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ።

ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዙሕ ጉዳያት ብምድህሳስ ብ11 ለካቲት 2019 እዩ ተዛዚሙ። እዚ መበል 32 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ  ካብ ዝተዘራርበሎም ጉዳያት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገም ዋሕዚ ስደት፡  ምምዝባልን ካብ ስደት ተመለስትን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ምድህሳስ ቀንዲ ነይሩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ካብ ዜጋታተን ዝስደዱ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ብዘይካዚ ኤርትራ ስደተኛታት ካብ ስደት ክምለሱ ዘይደፍርዋ ሃገር እያ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ መዘክሩ ናብ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ክቡር ኣቶ ሙሳ ፋቂ፡ ቅዳሑ ድማ ኣብቲ ኣኼባ  ናብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ ልኡኻቶምን እዩ ልኢኽዎ። ኣብዚ  ዝለኣኾ መዘክር ኣብ መጻኢት ኣፍሪቃ ሰላም፡ ዕቤትን ምውሃድን ንክህሉ ነቲ ኣኼባ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጽሉ። እቲ ኣኼባ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ኣዕናውን ኣቐንዛውን ኩነታት ብኹሉ መልክዑ ንክርእዮ ናብ ተሳተፍቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ መጸዋዓቱ ኣቕሪቡ።

Page 13 of 89