ብሓይልታት ኤርትራ ዝተወቕዐ የመናዊ ገፋፊ ዓሳ፡

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝወስድዎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ተሓተቲ ዝገብረሉ መንገዲ ንክሕዝ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና የመን ብ17 ሰነ 2023 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ የመናዊ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ፡ ኣብ መግለጺኦም የመን መሰል ህዝባን ማያዊ ግዝኣታን ክትከላኸል ከም እትግደድ ምጥቃሶም ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ማያት የመን ንዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒኑ። .

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ማሊክ ማሕሙድ ዓብደላ ጀድ፡ ሓደ ካብቶም ገፈፍቲ ዓሳ ነባሪ ኣውራጃ ኣልከሃዋዲ ከባቢ ሖደይዳ ብጥይት ዓይኑ ከም ዝተወቕዐን ካልኦት 6 ብጾቱ ድማ ብሓይልታት ኤርትራ ተኣሲሮም ከም ዝተወስዱ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቅሉዕ ተግባር ሓይልታት ኤርትራ፡ ርኡይ ጥሕሰት ዓለምለኻው ሰብኣውን ሒግታት ከም ዘርኢ ኣስፊሮም።

ስእሊ ኣንበሳደር ሪታ ፍረንች፡ ካብ መርበብ ሕቡራት ሃገራት

ሪታ ፍረንች፡ ዝተባህላ ኣንበሳደር ብኣዊ መሰል ዓብይ ብሪታንያ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ መግለጺ ሂበን። ንሰን ኣብ መግለጺአን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዝሓደረን ገሊጸን።

ኣብ ኤርትራ ዝትግር ዘሎ መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህጹጽ ለውጢ ዘድልዮ እዩ ኢለን። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሓፈሻ ንኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ መንእሰይ ወለዶ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝትንክፍን ካብ ሃገሩ ንክስደድ ዘገድድን ዘሎ እዚ ግጉይ ፖሊሲ  ምዃኑን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝሃበኦ ርኢቶ ጠቒሰን። ብዘይካዚ ብሓፈሻ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቀጻሊ ጃማላዊ መእሰርቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃይማኖታዊ እምነቶም ስለ ዘዘውተሩ ጥራይ  ብዝውሰድ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ሃገረን ዝሓደራ ሻቕሎት ቀጻሊ ምዃኑ ኣይሓበኣን።.

ኣንበሳደር ሪታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ንክወጽእ፡ ሃገረን ድፍኢት ክትገብር ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺረን፡ ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝፈጸሞ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ምግሃስ መሰላትን ኣብ ዝምልከት፡ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኮነ ዓለምለኸ  መስርሕ ንክተሓባበር ጸዊዐን። 

እተን ብሪታኒያዊት ኣንበሳደር ሰብኣዊ መሰል ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ብምኽባር ኣባልነቱ  ከተርኢ ይግበኦ ኢለን። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት እናኣጽነዐ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መስል ጸብጻባት ከቕርብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ፍሉይ ኣካል፡ በብግዜኡ ዘቕርቦም ለበዋታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብምትግባር ናይቲ ባይቶ ኣባልነቱ ከርኢ ይግበኦ ክብላ ኣዘኻኺረን።

ዝተፈላለያ ሃገራት ወኪሎም በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝሃብዎ ርኢቶታት እውን ካብዚ ዝተፈልዩ ኣይኮኑን።

ኣብ 2023 ብዝተገብረ መጽናዕቲ ናይ 179 ሃገራት መሰረት፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደገኛ ዘይርጉእ ኩነታት ዝርከባ ቀዳሞት 20 ሃገራት ምዃና፡ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ዓለም ለኻዊ ትካል ልግሲ ገንዘብ ንሰላምን መጺሐት ወጻኢ ፖሊሲን፡ ኣብ ትሕቲ ውድብ  ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ኣካይዶም  ብዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጢም።

እቲ ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ናይ ዘይርግይእነት ምህላወን ዝሕብር ነጥቢ 120 ኮይኑ፡ ኤርትራ 94.5 ነጥቢ ተዋሂብዋ ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ኣብ መበል 19  ሰፊራ ኣላ። ሶማሊያ፡ የመንን ደቡ ኣፍሪቃን ቀዳሞት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን፡ ብቕደም ሰዓብ ካብ 120፡ 111.9፡ 108.9ን 108.5ን ሒዘን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ዝኸፈአት ተባሂላ 100.4 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል 11 ደርጃ ሰፊርላ።

ካብቶም ከም መምዘንን መውሃቢ ነጥብን ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ውህደትን ጸጥታን፡ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ርግኣትን ተኣማንነትን፡ ናሕበራዊ ምርግጋእን ካብ ሃገር ወጻኢ ኢድ ምትእትታውን ይርከብዎም።

ኣብ ዝለዓለ ዘተኣማምን ደረጃ ህድኣትን ርግኣትን ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ፊንላንድን ኮይነን ብቕደም ሰዓብ 14.5፡ 15.7ን 16.0ን መዕቀኒ ነጥቢ ዝተዋህባ እየን።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሽያጥ ቲከት ዝኣከቦ 2.5 ሚልዮን  ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ከየእቱ መንግስቲ ኤርትራ የዕንቅፎ ከምዘሎ፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብእንግሊዘኛ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣብ ናይ 17 ሰነ 2023 ሕታማ ኣስፊራ።  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምዃኖም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከከም ኩነታቱ ናብን ካብን ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ በረራታት ኣብጺሕዎ ኣሎ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ክጥቀሙ ስለ ዘይክእሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዶላር ቀይሩ ክህቦም ሓቲተሞ፡ “ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብለይን”  ብዝብል ክተሓባበሮም ከምዘይከኣለ ምግላጾም ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር  ኣፍሊጣ። እቶም ዋና ኣካያዲ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ናይ  ዓለምለኸ ትካል መጐዓዝያ ኣየር ምትሕብባር ከም ዝሓቱ’ውን ኣፍሊጦም።

ትካል ዓለምለኸ መጐዓዝያ ኣየር፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ዝኣመሰለ ምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ዶላር ይውስኽ ከም ዘሎን ናይዚ ሳዕቤን ንካልኦት ኣካላት እውን ብኣሉታ ከም ዝጸልው ጠቒሱ። ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዊልየ ዋልሽ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ መንግስታት ነዚ ንምፍታሕ ምስ ትካላት  መንገዲ ኣየር ተሓባቢረን ክሰርሓ ከም ዝግበአን ብምጥቃስ፡  ቀጻልነት ርክብ መንገዲ ኣየርን መንግስታትን  ቁጠባ ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ናጀሪያ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር  ኣፍሊጣ።

ስእሊ፡ ትካል መግቢ ዓለም

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ረዲአት መግቢ፡ ህግደፍ እውን ኢድ ከም ዝነበሮ፡ እቲ ብግዝያዊ ምምምሕዳር ትግራይ ተመዚዙ ከጻሪ ዝጸንሐ ሓይሊ ዕማም ኣረጋጊጹ። ብዘካይካ ህግደፍ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣካላት ናይ ረዲአት ማሕበራትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባትን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ከም ዝጸንሖም እቲ ዘጻረየ ኣካል ሓቢሩ።

ብመሰረት ናይቲ መጻረይ ሓይሊ ዕማም ኣተሓባባሪ ጀነራል ፍሰሃ ኪዳነ፡ ዝገለጽዎ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ፡ 2,900 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ ልዕሊ 43,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,440 ኩንታል ዓተርን ተወሲዱ። ከምኡ እውን 4,300 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 130,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 4,187 ኩንታል ዓተርን ብኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ እንከሎ፡ ብኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ፡ 1,500 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 42,759 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,424 ኩንታል ዓተርን ከም ዝተጠፋፍአ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

ከም ኣካል ናይቲ ምጽራይ፡ ኣብዚ ምጥፍፋእ 186 ሰባት ኢድ ከም ዝነበሮም ክንጸር እንከሎ፡ ካብኣቶም ድሮ 7 ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም መጻረይቲ ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ብደርጃ ትግራይ እተን ብቐጥታ ዝተሳተፋ ኣካላት ኣየነጸሩን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኮነ ብኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ከም ዘየለ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዚ ምጽራይ ንክካየደ ዘገደደ፡ ትካላት መግቢ ዓለምን ረዲአት ሕቡራይ መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 82 ሺሕ ኩንታል ረዲአት ብኣካላት መንግስቲ ብዝተወሃሃደ መንገዲ ተጠፋፊኡ ብዝብል  ቀረብ ረዲአት ምስ ኣቋረጹ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ምቁራጽ ቀረብ ረዲአት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ከባታት ኢትዮጵያ ተጸበይቲ ረዲአት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ።

ሱሳን ኣርባዕተን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 134 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ብ12 ሰነ 2023 ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ጋሾራ ኣብ ዝበሃልን ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊቢያ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዝዕቆብሉን መደበር ከም ዝኣትዉ ተፈሊጡ። በቲ ዜና መሰረት እዞም ስደተኛታት፡ 64 ኤርትራውያን፡ 17 ኢትዮጵያውያን፡ 15 ሶማላውያን፡ 35 ሱዳናውያን፡ 2 ካሜሩናውያንን 1 ማላውያንን እዮም።

ጸብጻብ ናይቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት/IOM ከም ዘረድኦ፡ ስደተኛታት ነቲ ናብ ሊቢያ ዝወስድ መስመር ዝመርጽሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ናብ ኤውሮጳ ንከስግሮም ኮም ዝኾነ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብዚ መስመር ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት ሓደጋታት ዘጋጥመሉን ስድራቤታት  ግዳያት ንምፍታሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደድሉ  መስመር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሊቢያ፡ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዝሰኣኑ ናይቶም ዝሓየርዎም ዓመጸኛታት ባሮት ኮይኖም ብዘይክፍሊት ክሰርሑ ዝግደዱ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን  ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብመሰረት እቲ ብ2019 ኣብ መንጎ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሕቡራታ ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተኸተመ ናይ ምትሕብባር  ስምምዕ፡ እዚ ናይ ሎሚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተገብረ ምስጋር ስደተኛታት መበል 14 ዙርያ እዩ።

ጉጅለ ሃገራት ኣዕሩኽ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ጀርመናዊ ዲፕሎማት ቮልከር ፐርዘስ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ዘለወን ደገፍ ገሊጸን። እዚ ደገፍ ናይቲ ጉጅለ ዝተገልጸ፡ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን እቶም ዲፕሎማት ንክወጹን ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያን ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን   ከይተሓባበርዎምን ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተኸቲሉ እዩ።

ኣባላት ናይቲ ንሱዳን  ናብ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣብ ምስግጋር ክተሓጋገዝ፡  ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ ኔዘርላንድስ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ስፐይን፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን እዮም።

ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ዘውጽኡ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ሱዳን ንክቕጽሉ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣናወሓሎም እዮም። ድሕሪ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን  ናይ ጀርመን ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር  ደኒስ ኩመታት ብስም ሃገሮምን ብስም እቲ ጉጅለ ኣዕሩኽ ሱዳንን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ መግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ምሉእ ብምሉእ ክኹነን ዝግበኦ እዩ ኢለምዎ።

እቶም ጀርመናዊ ወሃቢ ቃል ከም ዝበልዎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ውግእ ክቋረጽ፡ ንምክልኻል ሲቪል ዜጋታትን ጽጉማት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረኽቡን ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ መስኪሮም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ጀርመናዊ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ኮይኖም ምስራሕ እንተጸጊምዎም፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝኸፈትዎ ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ተልእኮኦም ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።

ፈረንሳን ኣሜሪካን ብወገነን፡ ምስቲ ናይ ጀርመን ዝመሳሰል፡ ንቀጻልነት ናይቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኦም። ብፍላይ ኣሜሪካ ብ27 ጉንበት 2023 ኣብቶም ጀርመናዊ ፍሉይ ልኡኽ ዘለዋ ዕበት ገሊጻ ምንባራ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዚቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ10ን 11ን ሰነ 2023፡ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልታት ሰሚናር፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ንምዕዋት ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋግጾም። አብ መኽፈቲ እዚ ሰሚናር ቃል ዘስመዐ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረ ኣጸጋሚ ግዜ ኮቪድ-19ን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታትን ሰጊርና ኣብ ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ ምብጻሕና ዘሕብን እዩ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ  ቅድሚ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ባይቶ ተመዚዘን ክሰርሓ ንዝጸንሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤን ሓጻይት ሽማግለን  ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መደባቱ ኣብ ምዕዋትን ናይ ኤርትራዊ  ውዳበታት ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ኣብ ምፍጣር ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪን መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዘሕድሮ ተጾኖን ጠቒሱ።

ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገና ናይቲ ሰሚናር ኣጀንዳን መስርሕን ምስ ኣፋለጠት ናይታ ሽማግለ ናይ ሓደ ዓመት ጉዕዙ ከመይ ከም ዝነበረን ኣባላት ሰልፊ ንምዕዋት 4ይ ጉባኤ ዘርኣይዎ ምትሕብባርን ጻዕርታቶምን ድሕሪ ምድህሳስ፡ ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንመላእ ኣባላት ሰልፍን ተሓባበርትን ኣመስጊና። መራሕቲ ንኡሳን ክፍልታት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብወገኖም፡ ኣብተን ዝመርሕወን ክፍልታት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብዝምልከት ሓጸርቲ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

ናይዚ ሰሚናር ቀንዲ ኣጀንዳታት፡ ናብ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ናይ ዝጸድቕ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን  ከምኡውን ስረሓት ሓጻይት ሽማግለን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምድህሳስ ነይሩ። በዚ መሰረት ኣደ መንበር ሓጻይት ሽማግለ ሓውቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ፡ ሓጻይት ሽማግለ ዘካየደቶን ተካይዶ ዘላን ንጥፈታትን ኣብ ምንታይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉን ብዝርዝር ኣረዲኣ። ካብቶም ናብ ጉባአ ቀሪቦም ንክምረጹ ብኣባላት ተሓጽዮም ዘለዉ  ድማ፡ ክማልእዎ ዝድለ ዕማም ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብዚ ናይ ክልተ መዓልታት፡ ሰሚናር ብኣቦመንበርነት ሓላፊ ንኡስ ሽማግለ ምስንዳእ ንድፊ ሰነዳት ሓው ደስበለ ካሕሳይ እናተመርሑ፡ ካብቲ ንድፊ ክበርሃሎም ብዛዕባ ዝደልይዎም ሓሳባት በብዓንቀጹ ብዕምቆት ተመያይጦም። ኣድላይ ኣብ ዝበልዎ ድማ መተካእታ ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ጉባአ ብፍሉይ ክረኣዩ ዝበልዎም ነጥብታት እውን ኣነጺሮም። በዚ ድማ ክልቲኡ ሰነዳት ኣብቲ ጉባአ ቀሪቡ ንክጸድቕ ተጻፊፉ። ተሳተፍቲ ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር ናብቲ ጉባአ ክቐርቡ ዝበልዎም ተወሰኽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ፡ ኣብ ርእስቲ ብጨናፍር ክካየድ ዝጸንሐ ክትዓትን ምእካብ ኣገደስቲ ሓሳባትን፡ ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰሚናራት ክካየድ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኮመንዌልዝን ዕቤትን/ Commonwealth & Development፡ ብ8 ሰነ 2023 ኣብ ኤርትራ ናብ ዝነብሩ ዜጋታት ዓብይ ብሪታንያ ናይ መሬት ጉዕዞ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ኣብዚ መጠንቀቕታኡ፡ እንግሊዛውያን ኣብ ከባቢ 25 ኪሎሜተር ምስ ኤርትራ ካብ ዘራኽቡ ዶባት ኢትዮጵያን ጅቡትን ጥቡቕ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። ኣብዚ መጠንቀቕታኡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብምድሪ ዘራኽባ ዶባታ ከም ዝዓጸወትን ምስ ሱዳንን ግና ክፉት ከምዘሎ ሓቢሩ።  (ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ 1,050፡ ምስ ሱዳን 686፡ ምስ ጅቡቲ ድማ 110 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ናይ መሬት ዶባት ኣለዋ።)

እቲ መጠንቀቕታ ኣተሓሒዙ ናብ ኤርትራ ዝጐዓዙ ዜጋታት ዓባይ ብሪታንያ፡ ነቲ ናብ ኤርትራ ንምእታው ዘድሊ ቅድመ-ኩነታት ትኹረት ክገብርሉ፡ ኩነታት ብቕልጡፍ  ክቕየር ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከእትዉን ምስቲ ጉዕዞ ዝሰርዓሎም ኣካል ቀጻሊ ርክባት ንክህልዎምን ኣዘኻኺሩ። ናብ ኤርትራ ኣብ ዝግበር መገሻ ዝያዳ ካልእ ግዜ ናይ ኢንሹራንስ ውሕስነት ምሓዝ ከም ዘድሊ እውን ጠቒሱ።

እቲ ናይ ኮመንዌልዝ መግለጺ፡ ምስቲ መጠንቀቕታ ኣተሓሒዙ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዘካየዶ ውግእ ብምትሕሓዝ ብ14 መስከረም 2022፡ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ናብ ዘለዎም  ኤርትራውያን  ዘቕነዐ ሃገራዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እቲ ክተት ኣብዚ እዋንዚ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ብስምምዕ ጠጠው ምባሉ እውን ቀጻሊ ኣሎ ኢሉ። እዚ ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራን ካልእ ከባብታት ኤርትራን ክውሰድ ዝድለ ጸጥታዊ ስጉምቲ ከይህሉ ዘመልክት እዩ ኢሉ።

በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እንግሊዛውያን ናይ ጸጥታ ኣካላት ካብ ዝርከብሉ ከባቢ ክርሕቁ ከምዘየብሎም ኣገንዚቡ። ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወጻእተኛታት፡ እንተላይ ዲፕሎማት ካብ ኣስመራ ንምውጻእ ኣቐዲሞም ኣመልኪቶም ክጸንሑ ከኣ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መጥቃዕቲ፡ ሞትን ማእሰርትን ዝኣመሰሉ ዝተኣሳሰር ህጹጽ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ብሪታንያ ብህጹጽ ከፍልጡ ከም ዝግበኦም ኣድራሻ ብምጥቃስ ኣጠንቂቕዎም።

ኣባላት ምቁጽጻርን ምጽራይን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መቐለ ብወግዒ ሓላፍነት ኣብ ዝተረከብሉ።

 ሕብረት ኣፍሪቃ መስርሕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክቆጻጸርን ከጻርን ናይ ዝመዘዞ ወተሃደራዊ ኮሚተ ዕድመ፡ ክሳብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ከም ዘናወሒ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣድላይነት ናይዚ ምቁጽጻርን ምጽራይን ኮሚተ፡ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዪጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዝ እዩ። ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ዓንቀጽ 11 ዕድመ ናይቲ ወተሃደራዊ ተቖጻጻርን መጻረይን ኮሚተ 6 ኣዋርሕ ዝብልኳ እንተኾነ ከም ኣድላይነቱ ንክናዋሕ ዝፈቅድ እዩ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘ ወተሃደራዊ ኮሚተ፡ ብኬንያዊ መጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣባላቱ  ኮለኔል ሩፋይ ኡማር ማሪንጋ ካብ ናጀሪያን ኮሎኔል ተፎ ሰኮለ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን እዮም። እዚ ኮሚተ ብ29 ታሕሳስ 2022 እዩ ብወግዒ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ተመስሪቱ።

እዚ ናይ ምቁጽጽጻር ኮሚተ ካብ ዝምስረት ክልተ ግዜ ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ነቲ ዝመዘዞ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃን ተወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መግለጺ ሂቡ። ኣብቲ ዝሃቦ ካለኣይ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ምርካብ ከቢድ ብረትን ጉዳይ ማእከላይን ናእሽቱን ኣጽዋርን ኣብ መስርሕ ከም ዘሎን ጠቒሱ፡ ከም ጥዕና፡ ምኽፋት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ባንክን ህዝባዊ መጐዓዝያን ዝኣመሰሉን ኣገልግሎታት ድማ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብቲ ናይ 19 ጉንበት 2023 መግለጺ መጀር ጀነራል ስቴፈን ራዲና መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ካብ 85 ክሳብ 90 ካብ ሚእቲ ከም ዝተተግበረ ገሊጾም።

 ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ኮሚተ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሓ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕ ብዘይካ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ክወጹ ዝተባህለ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምብራቕን ትግራይ፡ ከምኡ እውን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከምዘይወጹ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

Page 16 of 136