ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ኣባልነታ ኣብ ትካል ሳይነስ፡ ትምህርትን ባህልን/UNESCO ክምለሰላ ብ30 ሰነ 2023 ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝለዓለ ድምጺ ተሳተፍቲ ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝሓለፈ ቻይና ዕለታዊ/ CHINADAILY ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
ኣብቲ ኣመሪካ ኩሉ ቅድመ-ተደላይነት ዘረጋገጽትሉ ኣጀንዳ ዘድመጻ 193 ሃገራት ኮይነን፡ 168 ደጊፈን 10 ተቓዊመን 15 ድማ ድምጸን ዓቂበን። እተን ኣንጻር ኣባልነት ኣመሪካ ኣብ ዩኒስኮ ዘድመጻ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ሩሲያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፍልስጥኤም፡ በላሩስ፡ ቻይና፡ ኢንዶንዚያ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋን ሶርያን እየን። በዚ መሰረት ኣባልነት ኣሚሪካ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ክታሞም ምስ ኣንበርሉ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2023 ጀሚሩ ህያው ክኸውን እዩ።
ኣመሪካ ኣባልነታ ምስ ተመልሰ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት ዩኒስኮ 22% ክትሽፍን እያ። ኣብ ርእሲዚ 619 ሚልዮን ዶላር ስሩዕ ክፍሊት በጀት፡ እቲ ትካል ኣብ 2023 ሒዝዎም ካብ ዘሎ መደባት፡ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንምሕጋዝ 534 ሚሊዮን ዶላር ዓመታዊ ወለንታዊ ክፍሊት ከም እተበርክት ድሕሪቲ ምድማጽ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ንቻይና ኣብ ዩኒስኮ ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ያንግ ጂን፡ ኣመሪካ ናብዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ካብ ተመልሰት፡ ምሕዝነት ዘደልድል ኣስተዋጸኦ ከተበርክትን ልኡላውነት ሃገራት ከተኽብር እምበር፡ ኣብቲ ትካል ምክፍፋል ክትፈጥር ከም ዘይግበኣ ምትሕስሳቦም ተፈሊጡ።
ኣመሪካ ኣብ 1984ን 2017ን ካብቲ ማሕበር ስሒባ ነይራ። ብ2011 ድማ ዩኒስኮ ኣባልነት ፍልስጤም ተቐቢሉ ምስ ኣጽደቐ፡ ፕረሲደንት ኦባማ ነቲ ትካል ዝኽፍሎ ዝነበረት ገንዘብ ኣቋሪጸምዎ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ውርሻታተን ናብ ዩኒስኮ ኣመዝጊበን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኮይነን፡ ኣብ ኤርትራ ግና ከተማ ኣስመራ ብዓባያ በቲ ዘለዋ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብ ዩኒስኮ ምዝግብቲ ክነሳ፡ ብሰንኪ ናይቲ መንግስቲ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ኣብ ምስሕሓብ ምእታውን ዝተገብረላ ጽገና የለን።
ስርዓት ህግደፍ “ፈስቲቫል” ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፕሮፖጋንዳ ንምንዛሕን ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን ክካየድ መዲብዎ ዝነበረ መደብ፡ ብምምሕዳር ናይታ ከተማ ከም ዝተሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ደለይቲ ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብቲ መስርሕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ባእታታትን ነዚ ጉዳይ ዘቃልሓ ጋዜጣታት ጀርመን ብምጥቃስ ሓቢሮም።
እዚ 8ን 9ን ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ብሓፈሻ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከምኡ ድማ ድሕርቲ ናይ 2022 ምርጻም ዝተሓዎሶ ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን ዝቆመ ናይ ርክብን ሕጋዊ መስርሕን ሓይሊ ዕማም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ሕጋዊ መስርሕ ምዃኑ ነቲ ኰነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት’ውን ሓቢሮም። ህግደፍ መዲብዎ ዝነበረ ፈስቲቫል ብወግዒ ምስተገልጸ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ብምምኽኻርን ጻዕርታት ብሪገድ ንሓመዱን ኣብ ግምት ብምእታውን እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ካብ ጀርመን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢውሮጳ ኤርትራውያን መንእሰያት መደባት ህግደፍ ንምፍሻል ናብታ ከተማን ከም ዝመጹ ተረዲኡን ጸጥታዊ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ተገንዚቡን ነዚ ዝከላኸል ሓይሊ ፖሊስ ክምድብ ከምዘይክእል ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝሰረዞ ተፈሊጡ።
እዚ ፈስቲቫል ናይ ምስራዝ ስጉምቲ፡ ንህግደፍ ሰፍ ዘይብል ስዕረት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ድማ ፍናን ዝህብ እዩ። እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ህግደፍ ኣንጻርቲ ውሳነ “ይግባይ” ክብል ስለ ዝኽእል፡ ቀጻሊ ምክትታል ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
ቅድሚ ሎሚ፡ ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገር ሆላንድ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA መዲበምዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘይደልያ፡ ከንቲባ ከተማ ራይስዊክ ሃገረ ሆላንድ ሁሪ ሳሂን ምግላጸን ዝዝከር እዩ።
ጉጅለ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዘመልከተ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታን ናብ ኣንበሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኮና ላና ኑሰይበህን ጥርዓን ኣቕሪባ። እታ ጉጅለ ኣብ ጥርዓና እቶም ኣንበሳደራት ብዘለዎም ድርብ ሓላፍነት፡ ብስም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ብስም ሃገሮምን ብሓፈሻ ኩሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ በደል ንምዕጋት ዘኽእል ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዓ።
ናይታ ጉጅለ መጸዋዕታ ብዛዕባ ምስዚ ሓላፍነትዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ምቕሉልነት ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ኣብ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይልን ዝተኸስተ ውግእ ብዝተተሓሓዘ ስጉምቲ ንክወስድ ንመንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
እቲ መልእኽቲ ኢምሬትስ ናይቲ ንጽንተት ደቂ ሰባት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ፈራሚት ምዃና ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምረትስ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽሞ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ በደላትን ብምኹናን ግቡኣ ንክትፍጽም ጸዊዑ።
ኣብቲ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ሱዳን እውን በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ንክናዋሕ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ መንገዲ ከቋርጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ካርቱም ይኹን ዳርፉር መሰል ሲቪላውያን ኣብ ምሕላው ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣተሓሳሲቡ። ኣካላት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዝተፈጸመ በደል ዝምልከት መርተዖታት ንምጥፋእ የካይድዎ ንዘለዉ ተግባራት ተቓውመኡ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ።
እቲ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ንዝተፈላለያ ዓበይቲ ትካላት ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸተማሉ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።
ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ግደ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ዕዙዝ ነይሩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እቲ ወሳኒ ባእታ ባዕሉ እዩ ነይሩ። እዚ ግን፡ እተን ብሳላ’ቲ ህዝቢ ሰዊደን ኣብ መስርዕ እቲ ቃልሲ ዝተዋሰኣ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ግደ ኣይነበረንን ዘስምዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘይተወደበ ከምዘይዕወት፡ ካብቲ ቅድሚ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሮ ተመኩሮ ተገንዚቡ ውድባቱ ንምሕያል ዘይከፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከኣ ንውድባት “ዘይጥለም” ዝበሎ ሕድሪ ብምስካም እዩ። ካብተን ህዝቢ እምነት ኣንቢሩ ሕድረይ የተግባራ እየን ኢሉ እምነት ዘንበረለን ውድባት ሓንቲ እታ ብናይ ሎሚ ህግደፍ ዝተተክአት ምንባራ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስና ዝምስክሮ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንውድባት ኤርትራ ዝሃበን ሕድሪ ዓሚቕን ሰፊሕን ምስጢር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ተናጊፉ ናጽነቱ ንምጉንጻፍን ኣክሊል ሓርነት ንምድፋእን ዘኽእል መሰረታዊ ሕቶይ ይምልሳለይ እየን ካብ ዝብል ዝነቅል እዩ ነይሩ። ህግደፍ ምስ ኩሉቲ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ጉርሕን ተንኮልን ኣብቲ ቅድም ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝፍጽም መሲሉ ቃል ክኣቱ ዓይኑ ኣይሓሰየን። ናጽነት ተረጋጊጹ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ምምላስን ዝዓነወት ሃገር ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝባ ምህናጽ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ ግን፡ ቃል ህግደፍ ብተግባር ዝፍተነሉ ኩነታት ዓይኑ ኣፍጢጡ ተጋህደ። ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዝኣተዎ ሕድሪ ሓርነታዊ መልሲ ክህብ፡ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ኩሉ መሰላት ክጉዕጽጽን ክዓጽፍን ድሕር ኣይበለን። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ነዚ ዘጋጠመ ጥልመት ምእማኑ ዝተጸገሙ ብዙሓት ነይሮም። ደሓር ግና ብህዝቢ ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ክሳብ ምስራዝን ክምረሓሉ እየ ኢሉ ዘጽደቖ ቻርተር ክሳብ ምቕዳድ ምስ በጸሐን፡ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ነይትሓብእ” ከም ዝበሃል፡ ርኡይ ጥልመት ዝያዳ ተቓለዐ።
ህግደፍ መንገዲ ክሕደትን ጥልመትን ዝመረጸ፡ ድሕሪ ናጽነት ብዘማዕበሎ ስሱዕ ባህርይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቅድም ብረቂቕ ተንኮላት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ነባራት ፈለጥቱን ናይ ሽዑ ግዳያትን ሎሚ ምስክርነቶም ዝህብሉ ዘለዉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ህግደፍ ከምቲ ኮይንዎ ዘሎ ጨካንን ሓድገኛን ምዃን ምእማኑ ዘጸገሞም ብናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታቱ ዝተዳህለሉ፡ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ግዜ ምሃቡ ዝመረጹውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ህግደፍ ግና ነቲ ቃሉ ከኽብር ዝተዋህቦ ዕድል ብኣንጻሩ ናይ ጭቆና መሓውሩ ንምድልዳልን ምትራርን እዩ ተጠቒምሉ። መሰረታውን ርትዓውን ሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ናብ ሕቶ ንዘቕረቡ ዜጋታት ከም ገበነኛ ቆጺርካ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ምሕቃቕን ክሰግር እውን ግዜ ኣይወሰደሉን።
እቲ ዘገርም ህግደፍ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ድሕሪ ናጽነት ምሉእ ዘይጉዱል ሰላም፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ዝተጸበየን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ርኡይ ገበናቱ ዝተወሰኑ ዘጣቕዕሉ ግሩሃት ምርካቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣገራሚ ተርእዮ ኮይኑ ቀጺሉ ዘሎ እዩ። በዚ ኩነታት ናይ ዝተገረሙ እሞ “ኤርትራውያንሲ ስለምንታይ እዮም ኣብ ጓይላታት ናይቲ መወዳደሪ ዘይብሉ በዳሊኦም ጉጅለ ከይዶም ዝስስዑ?” ኢሎም ንዝሓቱ ናይ ፖለቲካዊ ሳይነስ ተመራመርቲ ምላሽ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። ነዚ ተዓዚቦም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ ተቓሊሱኳ ክስዕሮ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰለምንታይከ “ንበረልና ይብሎ” ዝብሉ ተዓዘብቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ቁምነገር ግና መግለጽን መርኣያን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓሚቕ ግንዛበ ናይቶም ውሑዳት ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝበዝሐ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፉ ዘሎ ሕራነ እዩ።
ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ጠላም መንገዲ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣልሞም ተንኮላት ብዙሓት እዮም። እቲ መሰረታዊ መርሆኡ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምድኻም ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝጻረሮ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝተፋነን ምግባሩ እዩ። ነዚ ንምትግባር በብግዜኡ ዝፍሕሶም ተንኮላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከኣ ተቓዋምን ደጋፍን ተበሃሂሉ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ከይተረፈ ከም ዝጋጮ’ሞ፡ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል፡ ሓድነት ህዝቢ ከይዓጠጦን እምነትን ፖለቲካዊ ምሕደራን ደባሊቑ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕድል እዩ። እዚ ህግደፍ ዝዕንገለሉ ምርሕሓቕ ህዝቢ፡ ኣጋጣምታት ዝኽሪ ናጽነትን ሰማእታትን መዝሚዝካ ብዝካየድ ዳንኬራታት ዝንጸባረቕ እዩ። ወዮም ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኣይተሰወጦምን እምበር፡ ህግደፍ ዝምረሓሉ ፖሊሲ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ” ስለ ዝኾነ ግዜ እናጽነዐ ከም ዘረኻኽበሎም ኣይረስዑ። ሰለዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ህግደፍ ነናብ ዝዀዓቶ ህጉም ካብ ምእታው ክዕቀብ ይግበኦ።
ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ በደላት ምዝርዛር ስለ ዘጸግም “ኩሉ መሰላት ዝተነፈጎ ህዝቢ እዩ” ምባሉ ገላጺ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ምዕቡል ዘመን፡ ካልእ ይጽናሕሞ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ኢንተርኔት፡ ኣገልግሎት ባንክን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ቀረባት ምርካብ ንህዝቢ ኤርትራ “ብርቂ” ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ወዮ ካብዚ ኩሉ ሕጽረታትን ጸገማት መዋጽኦ ንምርካብ ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክቱር መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀቱ ንምርኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ተበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኣበይ ኣላ?፡ ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ፋብሪካ ጥርሙዝ ነይሩ፡ ሎሚ ኣበይ ኣሎ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ መወዳድርቲ ኣይነበሮን፡ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ቆርበት መዘና ኣይነበሮን፡ ሎሚኸ ኣብይ ኣሎ?፡ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሺሕ ቶን ዓሳ ምግፋፍ ዘኽእል ሃብቲ ኣለና፡ እንተኾነ 10% እውን ኣይተጠቐምናሉን፡ ካብቲ እነምህሮ መንእሰይ 85% ኣበይ ከም ዝኣቱ ኣይንፈልጥን፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ካብ ዓቢ ፋብሪካ ዝውንን ጤለበጊዕ ዝጓሲ ዝሕሸላ ሃገር እያ …….ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ኣካይድኡ ክሳብ ክንደይ ግምጥልሽን ኣሽካዕላልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እቲ ካልእ ዘስደምም ከኣ ነዚ ኣሽካዕላል ሰሚዖም ኣብ ክንዲ ዘስተንትኑ ዘጣቕዑ ምህላዎም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተግባራቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንህግደፍ ምእማን ካብ ማይ ምሕቋን ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ እቲ መዋጸኦ ኣብ ክንዲ ትንፋስ ትዘርኣሉ ብሓባር ተቓሊስካ ምውጋዱ ጥራይ እዩ።
ብፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዝተመዘት ኣዋሃሃዲት ኮሚተን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ፍራንክፎት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023ን: ብ26 ሰነ 2023 ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይደን። ኣብዚ ብሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ጠርናፊ ኣዋሃሃዲት ኮሚተ ዝተመርሐ ኣኼባ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣብቲ መስርሕ ምድላው በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ዝሕብር ጸብጻብ ቀሪቡ ተመዚኑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንናይ ምዝንጋዕ መደባትን ካልእ ኣድለይቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ናይ ስራሕ ብጽሒት ወሲዶም ዝጸንሑ ኣባላት ዝዓመምዎን ጌና ዘይወድእዎን ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ብዝርዝር ተሰሚዑ፡
ኣብዚ ኣኼባ ነቲ ፈስቲቫል ዘድሊ በብዓይነቱ ቀረባትን ካልእ ምድላዋትን፡ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምስንዳእ ደርጃ ተገምጊሙ፡ ዘይተወደአ ስረሓት ዝማለኣሉ መንገድታት እውን ተሓንጺጹ። ካብዚ ሓሊፉ መጠን ዝተፈላለዩ ክፍለ ስራሓት ንምውሳን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ተኻይድሉ ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ተነጺሮም። ዝተረፉ ዕማማት ዝጻፈፍሉ ኣገባባት ተተሊሙ።
ካብዚ ሓሊፉ እዚ ፈስቲቫል ውጽኢት 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝብሰረሉ መድረኽ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፈስቲቫል ብዛዓብ ዝዕመሙ መደባት ዝሕብር ዝርዝር ተዳልዩ ናብ ዝምልከቶ ቀሪቡ ክጸድቕ ኣብዚ ኣኼባ ሓሳብ ቀሪቡ። ንተሰላሲሉ ዘሎ ዕድመ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ኣጋይሽ ዝምልከትን ኣቀባብላኦምን ዝምልከት ኣቐዲሙ መደብ ክስራዕውን እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሉ ካልእ ዛዕባ ነይሩ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮያ፡ ንዝተሰጉ ኤርትራውያን ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ናይቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ብወገን ዓሰብ ዝተሰጉ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተኸታተለ ኣፍሊጡ። እቶም ብ24 ሰነ 2023 ብኣውቶቡሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወስዱ፡ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ 200 ክሳብ 360 ዘብጽሐኦም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ብ25 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሰክፎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ ዘበለ ሓለዋ ንምግባር ንዘካይድዎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ከም ዝህብ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ መንእሰያት ብሕጊ ዝተመዝገበ ኣካል ዘይምህላዉ ከም ዘረጋገጸ ጠቒሱ፡ ብጌጋ ክውሰዱ ተዳልዮም ዝነበሩ 4 ብወግዒ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ ምጽራይ ከም ዝተረፉ እውን ኣብሪሁ።
ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሕቱ ኮይኑ መሰል ስደተኛታት ንምክልኻል ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ምህላዉ ከም ዘረጋገጸ እውን እቲ ኮሚሽን በቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ናብ ስድራቤቶም ከም ዝደወሉ፡ ድሕሪኡ ግና ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ብዘይዕላዊ መስኖታት ግና እቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዘኽእሎም ሰነድ ዘይነበሮም ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ብዘይ ኣገባብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡ ሰሚናር መሰረታት ኣወስትራሊያ ተቓኑዑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ24 ሰነ 2023 ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ናይ መጠረስታ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ብኻልእ ወገን ድማ ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያ ብ25 ሰነ 2023 ተቓኒዑ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ትሻዓቲአን ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ናይ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ጉዕዞ ጥርኑፍ ጸብጻብ በብሓደ ሰሚዑ። በዚ መሰረት ድማ ናይዘን ኣብያተ ጽሕፈት ጸብጻብ ኣወሃሂዱ ናብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐርብ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣዳልዩ። እቲ ኣብዚ ኣኼባ ዝተዳለወ ጸብጻብ ናብ ማእከላይ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ፡ ናብ ራብዓይ ጉባአ ዝቐርብን ምስ ክግበረሉ ዝኽእል ምምሕያሻት ብጉባኤኛታት ዝጸድቕ ሰነድ ሰዲህኤ ዝኸውን እዩ።
ኣቦመንበር ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ክድምድም እንከሎ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላትን ትካላትን ሰልፊ ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ፖሊሲን መደባትን ሰልፊ ኣብ ምዕዋት፡ ሓድነት ሰልፊ ኣብ ምዕቃብን ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣርን ዘካየዶ ውሁድ ጻዕሪ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ድማ ሰልፍና ዝያዳ ሓይሉ ዝወጸሉ መድረኽ ክኸውን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ኣወስትራሊያ እውን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ንኡድ ኣበርክቶ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያን ቃል ኣስሚዑ። ድሕሪ ቃል ኣቦመንበር፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣወስትራሊያ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ተልእኮ ሓጻይት ሽማግለን ዝምልከቱ ጸብጻባት ሰሚዖም፡ ናብ ጉባአ ቀሪቦም ክጸድቁ ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ ንድፍታት ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ድማ ተመያይጦም። ኣብዚ መድረኽ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ንጉባአ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተዓሙን ጌና ምጽፋፍ ዘድልዮም ጉዳያትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተዓሙ መደባትን ሕጹያት ምስ ኣባላት ሰልፊ ንምልላይ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነዳት ዘለዎም ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣባላት ንኡስ ሽማግለ ምድላው ሰነዳት ድማ መብርህታት እናተዋህበ እቲ ሰነድ ተዳህሲሱ። ጉባአ ዝያዳ ክርእዮም ይግባእ ዝበልዎም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከኣ ኣቕሪቦም። ካብዚ ሓሊፉ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዘሕይሉን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ዘእትዉን ውሳነታት ክውስን ለበዋታት ኣቕሪቦም።
ብሓይልታት ኤርትራ ዝተወቕዐ የመናዊ ገፋፊ ዓሳ፡
ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝወስድዎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ተሓተቲ ዝገብረሉ መንገዲ ንክሕዝ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና የመን ብ17 ሰነ 2023 ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።
እቲ ዜና ኣተሓሒዙ የመናዊ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ፡ ኣብ መግለጺኦም የመን መሰል ህዝባን ማያዊ ግዝኣታን ክትከላኸል ከም እትግደድ ምጥቃሶም ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ማያት የመን ንዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብትሪ ኮኒኑ። .
ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ የመን፡ ማሊክ ማሕሙድ ዓብደላ ጀድ፡ ሓደ ካብቶም ገፈፍቲ ዓሳ ነባሪ ኣውራጃ ኣልከሃዋዲ ከባቢ ሖደይዳ ብጥይት ዓይኑ ከም ዝተወቕዐን ካልኦት 6 ብጾቱ ድማ ብሓይልታት ኤርትራ ተኣሲሮም ከም ዝተወስዱ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ቅሉዕ ተግባር ሓይልታት ኤርትራ፡ ርኡይ ጥሕሰት ዓለምለኻው ሰብኣውን ሒግታት ከም ዘርኢ ኣስፊሮም።
ስእሊ ኣንበሳደር ሪታ ፍረንች፡ ካብ መርበብ ሕቡራት ሃገራት
ሪታ ፍረንች፡ ዝተባህላ ኣንበሳደር ሰብኣዊ መሰል ዓብይ ብሪታንያ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ መግለጺ ሂበን። ንሰን ኣብ መግለጺአን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዓሚቕ ሻቕሎት ከም ዝሓደረን ገሊጸን።
ኣብ ኤርትራ ዝትበግር ዘሎ መጀመርታኡ እምበር መወዳእትኡ ዘይፍለጥ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህጹጽ ለውጢ ዘድልዮ እዩ ኢለን። እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብሓፈሻ ንኣሸሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ንመነባብሮ መንእሰይ ወለዶ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝትንክፍን ካብ ሃገሩ ንክስደድ ዘገድድን ዘሎ እዚ ግጉይ ፖሊሲ ምዃኑን ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዝሃበኦ ርኢቶ ጠቒሰን። ብዘይካዚ ብሓፈሻ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ቀጻሊ ጃማላዊ መእሰርቲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሃይማኖታዊ እምነቶም ስለ ዘዘውተሩ ጥራይ ብዝውሰድ ናይ ዓመጽ ስጉምቲ ሃገረን ዝሓደራ ሻቕሎት ቀጻሊ ምዃኑ ኣይሓበኣን።.
ኣንበሳደር ሪታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ንክወጽእ፡ ሃገረን ድፍኢት ክትገብር ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺረን፡ ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዝፈጸሞ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ምግሃስ መሰላትን ኣብ ዝምልከት፡ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኮነ ዓለምለኸ መስርሕ ንክተሓባበር ጸዊዐን።
እተን ብሪታኒያዊት ኣንበሳደር ሰብኣዊ መሰል ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ብምኽባር ኣባልነቱ ከተርኢ ይግበኦ ኢለን። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት እናኣጽነዐ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መስል ጸብጻባት ከቕርብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ፍሉይ ኣካል፡ በብግዜኡ ዘቕርቦም ለበዋታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብምትግባር ናይቲ ባይቶ ኣባልነቱ ከርኢ ይግበኦ ክብላ ኣዘኻኺረን።
ዝተፈላለያ ሃገራት ወኪሎም በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝሃብዎ ርኢቶታት እውን ካብዚ ዝተፈልዩ ኣይኮኑን።
More...
ኤርትራ ኣብ ዘይርጉእ ኩነታት ካብ ዝርከባ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ተገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ 2023 ብዝተገብረ መጽናዕቲ ናይ 179 ሃገራት መሰረት፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደገኛ ዘይርጉእ ኩነታት ዝርከባ ቀዳሞት 20 ሃገራት ምዃና፡ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ዓለም ለኻዊ ትካል ልግሲ ገንዘብ ንሰላምን መጺሐት ወጻኢ ፖሊሲን፡ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ኣካይዶም ብዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጢም።
እቲ ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ናይ ዘይርግይእነት ምህላወን ዝሕብር ነጥቢ 120 ኮይኑ፡ ኤርትራ 94.5 ነጥቢ ተዋሂብዋ ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ኣብ መበል 19 ሰፊራ ኣላ። ሶማሊያ፡ የመንን ደቡ ኣፍሪቃን ቀዳሞት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ ሰፊረን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን፡ ብቕደም ሰዓብ ካብ 120፡ 111.9፡ 108.9ን 108.5ን ሒዘን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ ዝኸፈአት ተባሂላ 100.4 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል 11 ደርጃ ሰፊርላ።
ካብቶም ከም መምዘንን መውሃቢ ነጥብን ዝሰፈሩ ነጥብታት፡ ውህደትን ጸጥታን፡ ቁጠባዊ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ ርግኣትን ተኣማንነትን፡ ናሕበራዊ ምርግጋእን ካብ ሃገር ወጻኢ ኢድ ምትእትታውን ይርከብዎም።
ኣብ ዝለዓለ ዘተኣማምን ደረጃ ህድኣትን ርግኣትን ኣለዋ ተባሂለን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ፊንላንድን ኮይነን ብቕደም ሰዓብ 14.5፡ 15.7ን 16.0ን መዕቀኒ ነጥቢ ዝተዋህባ እየን።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ዶላር ከንቀሳቕስ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ሽያጥ ቲከት ዝኣከቦ 2.5 ሚልዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ከየእቱ መንግስቲ ኤርትራ የዕንቅፎ ከምዘሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብእንግሊዘኛ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣብ ናይ 17 ሰነ 2023 ሕታማ ኣስፊራ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምዃኖም ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከከም ኩነታቱ ናብን ካብን ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ በረራታት ኣብጺሕዎ ኣሎ።
ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ኤርትራ ገንዘብ ናቕፋ ክጥቀሙ ስለ ዘይክእሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ዶላር ቀይሩ ክህቦም ሓቲተሞ፡ “ናይ ወጻኢ ሸርፊ የብለይን” ብዝብል ክተሓባበሮም ከምዘይከኣለ ምግላጾም ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም ዋና ኣካያዲ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ናይ ዓለምለኸ ትካል መጐዓዝያ ኣየር ምትሕብባር ከም ዝሓቱ’ውን ኣፍሊጦም።
ትካል ዓለምለኸ መጐዓዝያ ኣየር፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰለ ምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ዶላር ይውስኽ ከም ዘሎን ናይዚ ሳዕቤን ንካልኦት ኣካላት እውን ብኣሉታ ከም ዝጸልው ጠቒሱ። ናይቲ ትካል ዳይረክተር ዊልየ ዋልሽ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ መንግስታት ነዚ ንምፍታሕ ምስ ትካላት መንገዲ ኣየር ተሓባቢረን ክሰርሓ ከም ዝግበአን ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ርክብ መንገዲ ኣየርን መንግስታትን ቁጠባ ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምስ ናጀሪያ እውን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ጋዜጣ ዘ-ሪፖርተር ኣፍሊጣ።
ስእሊ፡ ትካል መግቢ ዓለም
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ረዲአት መግቢ፡ ህግደፍ እውን ኢድ ከም ዝነበሮ፡ እቲ ብግዝያዊ ምምምሕዳር ትግራይ ተመዚዙ ከጻሪ ዝጸንሐ ሓይሊ ዕማም ኣረጋጊጹ። ብዘካይካ ህግደፍ ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣካላት ናይ ረዲአት ማሕበራትን ኣብ ምምሕዳር እቲ ረዲአት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባትን ኣብቲ ምጥፍፋእ ኢድ ከም ዝጸንሖም እቲ ዘጻረየ ኣካል ሓቢሩ።
ብመሰረት ናይቲ መጻረይ ሓይሊ ዕማም ኣተሓባባሪ ጀነራል ፍሰሃ ኪዳነ፡ ዝገለጽዎ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ፡ 2,900 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ ልዕሊ 43,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,440 ኩንታል ዓተርን ተወሲዱ። ከምኡ እውን 4,300 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 130,000 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 4,187 ኩንታል ዓተርን ብኣካላት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውሰድ እንከሎ፡ ብኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ፡ 1,500 ሜትሪክ ቶን ስርናይ፡ 42,759 ሌትሮ ዘይቲ ብልዕን 1,424 ኩንታል ዓተርን ከም ዝተጠፋፍአ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ከም ኣካል ናይቲ ምጽራይ፡ ኣብዚ ምጥፍፋእ 186 ሰባት ኢድ ከም ዝነበሮም ክንጸር እንከሎ፡ ካብኣቶም ድሮ 7 ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም መጻረይቲ ብደረጃ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ብደርጃ ትግራይ እተን ብቐጥታ ዝተሳተፋ ኣካላት ኣየነጸሩን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኮነ ብኤርትራ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ከም ዘየለ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ምጽራይ ንክካየደ ዘገደደ፡ ትካላት መግቢ ዓለምን ረዲአት ሕቡራይ መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 82 ሺሕ ኩንታል ረዲአት ብኣካላት መንግስቲ ብዝተወሃሃደ መንገዲ ተጠፋፊኡ ብዝብል ቀረብ ረዲአት ምስ ኣቋረጹ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ምቁራጽ ቀረብ ረዲአት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተጸበይቲ ረዲአት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኣለዉ።
ሱሳን ኣርባዕተን ኤርትራውያን ዝርከብዎም 134 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ብ12 ሰነ 2023 ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝሰገሩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ሩዋንዳ ጋሾራ ኣብ ዝበሃልን ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊቢያ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዝዕቆብሉን መደበር ከም ዝኣትዉ ተፈሊጡ። በቲ ዜና መሰረት እዞም ስደተኛታት፡ 64 ኤርትራውያን፡ 17 ኢትዮጵያውያን፡ 15 ሶማላውያን፡ 35 ሱዳናውያን፡ 2 ካሜሩናውያንን 1 ማላውያንን እዮም።
ጸብጻብ ናይቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ውድብ ስደተኛታት/IOM ከም ዘረድኦ፡ ስደተኛታት ነቲ ናብ ሊቢያ ዝወስድ መስመር ዝመርጽሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ናብ ኤውሮጳ ንከስግሮም ኮም ዝኾነ ሓቢሩ። እንተኾነ ኣብዚ መስመር ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባት ሓደጋታት ዘጋጥመሉን ስድራቤታት ግዳያት ንምፍታሕ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደድሉ መስመር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሊቢያ፡ ገንዘብ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ዝሰኣኑ ናይቶም ዝሓየርዎም ዓመጸኛታት ባሮት ኮይኖም ብዘይክፍሊት ክሰርሑ ዝግደዱ ኩነታት ከም ዘሎ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ብመሰረት እቲ ብ2019 ኣብ መንጎ ሩዋንዳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሕቡራታ ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተኸተመ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ፡ እዚ ናይ ሎሚ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ዝተገብረ ምስጋር ስደተኛታት መበል 14 ዙርያ እዩ።