መግለጺ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2025-08-24 10:33:28 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 325 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ16ን 21ን ነሓሰ 2025 ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ  ዓንቀጽ 6.1.11፡ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጭቆና ህግደፍ ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋትን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጸሉ ዘሎ ህሞት  ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢና ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።

ኣብዚ ኣኼባ ቀዳማይ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣብ ዝተሰርዐን ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ዝተዘርግሐን ናይ 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብ (ኦዲት)ን ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በብሓደ ተዘትይሉ። ባይቶ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥን ገምጋምን ፍሉይ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም፡ ስርርዓዊ ኣካላት ምስፋሕን ምድልዳልን፡ መንእሰያት ተካኢ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ምትብባዕ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብመንጽርቲ ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ከባብያውን ኣህጉራውን ምቅይያራት ፍሉይ ግምት ምግባር፡ ዜናዊ ልሳናት ሰልፊ ምስፋሕ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ብመጽናዕቲ ብዝተሰነየ ምክትታልን ምስናድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘተባብዕ ኩነታት ምጥጣሕ ዝብሉ ይርከብዎም።

በቲ ድሕሪ ዘተ ንክስነድ ዝጸደቐ ጸብጻባት መሰረት፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰልፎም ንምሕያል ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩለ-መዳያዊ ኣበርክተኦም ከም ዘሕይሉ ዘለዎ እምንቶ ኣሕዲሱን ኣተባቢዑን።

 ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዛዕባ እውን ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ከባቢናን ዝጸሉ  ምዕባለታት ብኹሉ መልክዑ ብምድህሳስ ድማ እዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

1) ኤርትራን ህዝባን ሎሚ’ውን ብሰንኪ ወጽዓ ህግደፍ ካብ ሓሳረ-መከራን ብኩራት ኩሉ መሰረታዊ  መሰላትን ኣይደሓኑን። ኤርትራ ቁጠባኣ ዝዓነወ፡ ህንጻታታ ዝኣረገ፡ ህዝባዊ ትካላታ፡ ዝፈረሰ መጉዓዝያታታን መራኸቢ መስኖታታን ዝተዳህከ ቁሸት ኮይና ከም ዘላ ባዕሉ እቲ ርእሰ ሃገር ዝበሃል መላኺ ዝተኣመነሉ  ኮይኑ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ህልዊ ኣሰካፊ ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ  ምጥንጣን ሓሊፉ፡ ተወሰኽቲ ግህሰታት ካብ ምፍጻም እውን ኣየቋረጸን። እቲ ሓቂ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ዘይብሉ ኣውንታዊ ምስሊ ንምሓዝ፡  ምስ ኣሜሪካን ካለኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ መሲሉ ንምቕራብ ዝገብሮ ፍሹል ፈተነ ከም ዘሎ ኣኼባ መዚኑ። በዚ መሰረት ኣኼባ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዘይሕለል ቃልሶም ንክቕጽሉ ዕዙዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2)  ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ ቤት ትምህርቲ ቁርኣን፡ ጊንዳዕ ኣማሓዳሪ ሸኽ ኣደም ጃብር ሻዕባንን መሳርሕቱ ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘላደየ ስብኣዊ ግህሰት ኣጋጢሙዎምስ፡ ክልቲኦም ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለዉ። ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ብምውጋዝ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ፥  ንሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባንን ኣቶ ሽኔቲ ሓሰንን ካልኦት ናይ ሕልና እሱራትን ይፈትሑ ኢሉ ክልዓል ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ!!

ጐድኒ ንጐድኒ እዚ ግፍዓዊ ፍጻሜ፥ ነታ መሬታ ኣሕዲጉ፡ ኣገልገልታ ብግዲ ናብ ሳዋ እንዳውረደ ብሕጽረት ኣገልገልቲ ዘሳቐያ፡ ብዓቢኡ ከኣ ንብጹእ ፓትርያርካ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ን16 ዓመታት ዝኣሰረላ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ሕጂ ተሓላቒኣ ብምምሳል፡ ኣብ ከባቢ ተኽረሬት፡ መሬት ህዝቢ ኣሕዲጉ፡ ቤተ ክርስትያን ከተስርሕን ሕርሻዊ ወፍሪ ከተካይድን ኣፍቂዱላ እናተባህለ፡ ብዙሕ የዛርብ ንዘሎ ጉዳይ ማእከላይ ባይቶ ብዕቱብ ርእይዎ። እዚ ተሃዋሲ ተግባር፡ ማሕበራዊ ነውጺ ንምስዋር እምበር ቤተ ክርስትያን ናይ ምስራሕ ሓልዮት ሓዲርዎ ከም ዘይኰነ’ውን ማእከላይ ባይቶ ተገንዚቡ።  ህዝብና ቤተ ክርስትያን ኰነ መስጊድ ናይ ምስራሕ ተቓውሞ ከም ዘይብሉ ብኣንጻሩ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ይትረፍዶ ኣብ ሃገሩ ኣብ ሃገር ስደቱ ከይተረፈ ተሓጋጊዙ ኣብያተ-ጸሎት ናይ ምህናጽ ባህሊ ዘለዎ ተሓላላይን ለባምን ህዝቢ ምዃኑ ብምዝካር፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ እምነታት ጐንጺ ፈጢሩ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምዃኑ፡ ማእከላይ ባይቶ መዚኑ። ሕጋውነት ዘይብሉ ስርዓት መሬት ህዝቢ ክዕድል መሰል ከም ዘይብሉ ድማ ኣስሚሩሉ። ብዛዕብ’ዚ ኩነታት፡ ገለ ወገናት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ዝኽሰት ዘሎ ኣምሲሎም ክብለጽሉ ምፍታኖም ዘይሓላፍነታዊ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጻወዲያ ናይቲ ስርዓት ምውዳቕ ብምዃኑ ተቐባልነት ከምዘየብሉ ብምርዳእ ማእካለይ ባይቶ ካብዚ ሓደገኛ ወስታ ንክቑጠቡ ጸዊዑ።

3) መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክንውንን ኢና ብዝብል ኣንጻር ልዑላውነት ኤርትራ የለዓዕል ከም ዘሎ ብወግዒ ዝገለጾ’ዩ። እዚ ሕቶ ብታሪኻዊ ይኹን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዐቀኒ ቅቡል ስለ ዘይኮነ፡ ኣኼባ ባይቶ ከም ዝቃወሞ ኣረጋጊጹ። ብምትሕሓዝ ከኣ ልዑላውነት ሃገራት ዝዕቅቡን ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከቱን ኣህጉራዊ ሕግታትን ቻርተራትን ንክልቲኡ ህዝብታት ከርብሕ ብዝኽእል መልክዑ ንክኽበሩ ጸዊዑ።

4) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣገዳስነት ሰላማውን ልምዓታውን ዝምድና ህዝብታት ብምርዳእ፡ ነቲ ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፣ ኣብ ሕድሕድ ጣልቃ ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቁጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ። ዝብል ኣብ 4ይ ጉባአ ዝጸደቐ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከላዊ ተረድኦ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመትከል “ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝምድና ክህሉ ከም ዘተባብዕ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እዚ ዝምድና ኣድማዕን ቀጻልን ንክኸውን፡ ብተሳትፎን ኣፍልጦን ህዝብታት ዝደልደለ፡ ትካላዊ መሰረት ዝሓዘን ውሱናት ጉጅለታት ንጸቢብ ናይ ውግእ ድሌቶም ዘይጨውይዎን ንክኸውን ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ዝቆጻጸሮ ንክኸውን ክቃለስ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሩ። እንተቲ ንዕዘቦ ዘለና “ጽምዶ” እቲ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ክልቲኡ ኣብ ዶባት ዝነብር ህዝቢ ናይ ምቕጻል ውሕስነት ዘየብሉ ርክባት ግዝያዊ እፎይታ ዘለዎ’ኳ እንተመሰለ፡ እቲ መስርሕ ምስጢራዊ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተሰረተ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ምዃኑ ግሁድ ምልክታት ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ጽምዶ ኣብ ሎሚ በጺሑ ካብ ሕቡእ  ናይ ሸርሒ ተዋስኦ ህግደፍ ነጻ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት የብልናን።

5) ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ጐረባብትና፡ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ምግልባጥን በዓል ዋኒን ምዃኑ ክዝንግዕ ከምዘይብሉ መዚኑ። በጃ ህዝቡ ኮይኑ ኣድማዒ እጃሙ ናይ ምብርካት ሓላፍነት ከም ዘለዎ’ውን ተገንዚቡ። ነዚ ንክበቅዕ ግና ዝተበተነ   ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሙ ምእካብ ዘይስገር ምዃኑ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ኣስሚርሉ ። በዚ መሰረት ሰዲህኤ ነቲ፡ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምዕቃብ ልዑላውነት፡ ምሕላው ሓድነት ህዝብን ምትካል ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን  ኣብ ዝብሉ 4ተ መሰረታዊ ኣዕኑድ ኣትኪሉ ዝተጠርነፈ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምሕያል ዘለዎ ድልዉነት እናረጋገጸ፡ ዝሰፍሐ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ንክምስረት ከኣ ከም ወትሩ ዕዙዝ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ።

6) ኣብ ዝኾነ ኩርነዓት ዓለም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራትን ከም ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ሰብኣዊ ትካላትን ብሓፈሻ ንድሕነት ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላበቱ ዘለዉ ብዝምልከት ኩሉ ዝከኣለን ሰብኣዊ ሓለዋ ንክገብራ ባይቶ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

7) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ጐረቤትና ሱዳን ዘሎ ንዝያዳ 2ተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዘኸትሎ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ብምድህሳስን፡ ነቲ ሱዳን ከይትከፋፈል ዘሎ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ሱዳናውያን ጀነራላት ካብዚ ኣብራሲ ውግእ ወጺኦም፡ ጉዳዮም ንናይ ግዳም ሓይሊ ኣሕሊፎም ብዘይምሃብ ብሰላምን ልዝብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 6.1.17. ኣቦ መንበር ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ  ንመጻኢ ሓደ ዓመት ክቕጽል ድሕሪ ምምራጹ፡ ንሱ ብዝሓጸያ መሰረት ከኣ ከትመርሕ ዝጸንሐት ትሽዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ንመጻኢ ሓደ ዓመት ኣብ ምምራሕ ክትቅጽል ብምሉእ ድምጺ ተሳተፍቲ  ኣጽዲቑ። ድሕሪ’ዚ ንመድረኻዊ ተርእዮታትን ብድሆታትን ዝምጥኑ፡  ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክራሲን ምዕባለን ንቃለስ!

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

22 ነሓሰ 2025

Last modified on Sunday, 24 August 2025 12:41