ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፡ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
2025-12-12 10:33:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 75 timesፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ሁቻንግቹን፡ ብ8 ታሕሳስ 2025 ናብ ኤርትራ ንጽባሒቱ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝበጸሓ፡ ኣፍሮ ኢንሳይት (AFRO insight) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ናይቲ ኣንበሳደር ምብጻሕ ናብ ክልቲኡ ሃገራት ሃናጺ ምንባሩ ጠቒሳ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ዘይርጉእን ናይ ብዙሓት ቀልቢ ዝስሕብን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝተፈጸመ ምዃኑ እውን ሓቢራን
ኣብ ኣስመራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ልኡኽ ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከተሕይልን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሎ ግርጭታትን ዘይምርግጋእን ኣብ ምህዳእ ምስቲ ብህጉራዊ ሓይልታት ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣወሃሂዳ ግደኣ ከተዕቢ ይግበኣ ከም ዝበሎ ንምንጭታት ኤርትራ ብምጥቃስ ኣብቲ ጸብጻብ ኣስፊራ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ምስቲ ቻይናዊ ኣንበሳደር ብዛዕባ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣዘራሪብዎ። ኣብቲ ዘረብኡ ኢትዮጵያ ናብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምውህሃድ ገጻ ትጐዓዝ ከም ዘላ ክም ዝገለጸሉ ተሓቢሩ
ዝምድና ክልቴን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕማቕ ደረጃ እንከሎ፡ ናይቲ ፍሉይ ልእኽ ድሕሪ ኣስመራ ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ፡ ቻይና ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ክትርዳእ ከም ዝወሰነት ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ቻይና ኣብቲ ተሃዋሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ንምሽምጋል ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝህልዋ ዝምድና ሚዛናዊ ክኸውን ከም እትደሊ እውን ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።
ቻይና ካብተን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣራኺበን ከዛትያ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክጥቀስ ዝጸንሐ እዩ።