ዜናዊ ጸብጻብ፡ ተሳትፎ ኣቦመንበር ፖሓኤ ኣብ መኽፈቲ ጉባአ ኤሃባዲለ

2025-12-12 17:48:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 141 times

ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦመንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ መኽፈቲ 3ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ) ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብቲ ጉባአ ቃል ንምቅራብ ዕድል ብምርካቡ ብስም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ፖሓኤ ምስጋና ኣቕሪቡ። ሳልሳይ ጉባኤ ኤሃባዲለ ብዓወት ንኽዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ድማ ገሊጹ።

ኣቦ መንበር ገረዝጊሄር ኣተሓሒዙ፡ “ቅድም ቀዳድም  ኣብዚ 3ይ ጉባኤ ዓቢ ትጽቢት ከምዘሎና ክጠቅስ ባህ ይብለኒ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኤሃባዲለ  ኣብ ዝተሓተትናሉ ግዜ፥ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ክገብሩ ኢዮም ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ መዓርፎኡ ዘየብጻሕናዮ ግን ብዕቱብ ጀሚርናዮ ዝነበርና ምቛም ሰፊሕ ጽላል ሓቢርና ከነቑሞ ኢና እንዳበልና ንምልስ ምንባርና ካብ ኩሉኹም ስዉር ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ጉባኤዚ ናትኩምን ብኣኹም ዝካየድን’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ እወንታዊ ውጽኢቱ ጥቕሚ ስለዘሎና ብማዕሬኹም ብሃንቀውታ ንጽበዮ ኔርና እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን።” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

“ጉባኤኹም ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት ሃገርናን ዞባናን ከምኡ’ውን ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ሓይሊ ቅኑዕ እዩ ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እንኣትወሉ ዘሎና መድረኽ ስለዝዀነ፡ ምስዚ ተረኽቦታትዚ ዝመጣጠን ውሳኔታት ክውሰድ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ትስሕትዎ ኣይብልን” ድማ ኢሉ።።

ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እተወስዱ መርገጻት ንልዑላውነት ሃገርና ዝግህሱ ወይ ንክግሃስ ምኽንያት ዝዀኑ ምንባሮምን ምህላዎምን ብልቦና ንዝተዓዘበ ብሩህ እዩ፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ “ኤርትራ ብሰንኪ ምእጋድ ቅዋማዊ ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክቱር ጭቆናን ሰብ ክነብረላ ዘይትኽእል ሃገር ስለ ዝዀነት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።”  ድሕሪ ምባል፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንምውጻእ  እቲ መፍትሒ ሰፊሕ ጽላል ምምስራት ምዃኑ፡ ፖሓኤ ከም ዝኣምን ኣስሚርሉ።

ኣተሓሒዙ ድማ ኤሃባዲለ፡ ንኣድላይነት ሰፊሕ ጽላል ኣብ 2ይ ጉባአኡ እውን ኣድህቦ ሂብዎ ምንባሩ ብምጥቃስ፡  ንሰለስተ  ዓመታት ዝኣክል ምስ ፖሓኤ ብሓባር ክሳብ ምንዳፍ ቻርተርን ዓንዲ ሕግን ተበጺሑ ከም ዝነበረን ፖሓኤ ንዓኡ ኣጽዲቑ ንክልተ ዓመታት ከም ዝተጓዕዘ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እተኻየደ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ፡ ሕቶ ሓድነት ሃገራዊ ሓይልታት ብኣትኩሮ ተመልኪቱ ኣብቶም ሓያሎይ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እንተላይ ኤሃባዲለ ዝኣምነሎም 4 ሃገራውያን መቖምያታት ዘትከለ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት ተደላይነት ዕዙዝ ምዃኑን ዝግባእ መጽናዕቲ ንምክያድ ምውሳኑን ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ምርግጋጹ ኣብ መደረኡ ጠቒስዎ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ጉባአ ኤሃባዲለ ዕዉትን ንብዙሓት ዝበራብርን ክኸውን ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ፡ ፖሓኤ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድልዉነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

Last modified on Friday, 12 December 2025 19:14