እሊሴጎ ኦባሳንጆ መቐለ በጺሑ

2026-06-12 08:16:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 63 times

ኣማኻሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያን ኤሊሴጎ ኦባሳንጆ ምስ ተሓጋገዝቱን ወከልቲ ኤምባሲታት ኣወስትርያን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ኢትዮጵያን ብ11 ሰነ 2026 መቐለ ከም ዝበጸሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ ምስቲ ናይ ህወሓት ኣቦመንበርነቱን ናይ ክልል ትግራይ ፕረሲደንትነቱን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ተራኺቡ ከም እተዘራረበ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ዓብይ ግደ ዝነበሮ ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ዝተጓዕዘሉ ምኽንያት ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ብምህዳእ ናብ ዝርርብ ዝእተወሉ ኩነታት ምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህወሓት ዶር ኣዲስ ኣለም ባለማ ብወገኑ፡ ኣብቲ ርክብ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ጸገማትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ የካይዶ ብዛዕባ ዘሎ ጥሕሰታትን ንኦባሳንጆ ከም ዝገለጽሉ ጠቒሱ፡ ውጽኢቱ ኣብ መጻኢ ዝረአ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈረምቲ ውዕል ፕሪቶርያ ዝነበሩ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴንን ብወገኖም ብ11 ሰነ 2026 ኣብ መርበብ ኣልጀዚራ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ሰፊሕ ሓተታ፡ ንህወሓት ብጥሕሰት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምኽሳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓድሽ ውግእ ናይ ምኽፋቱ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ ገሊጾም።

Last modified on Friday, 12 June 2026 10:19