ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምዕቋብ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ 3ይ ደርጃ

2025-08-17 08:49:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 124 times

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መጽናዕታዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣጽሊለን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም እትርከብ ሓቢሩ። እቲ ሓበረታ ኢትዮጵያ ኣዕቊባቶም ዘላ ስደተኛታት ኣስታት 1,094,838 ምዃኖም ክጠቅስ እንከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ኡጋንዳ ከኣ 1.8 ሚልዮን ኣዒቊባ ከም ዘላ ተጠቒሱ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ተመዛበልቲ ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ናይታ ሃገር ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩሎም ውጽኢት ኣብ ሃገራቶም ናይ ዘሎ ጐንጽታት፡ ውግኣትን ግህሰት መሰረታዊ መሰላትን እዮም። እቲ ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተኸፍተ ውግእ ሕድሕድ  ብዝተፈላለየ ኣቕጣጫታት ተመዛበልቲ ናብ ኢትዮጵያ ንክኣትዉ ከም ዘገደደ ከኣ  ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 6 መጋቢት 2024 ጀሚሩ፡ ምስ ናይታ ሃገር ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን፡ ትካል ውሽጣዊ ምምዝባልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብምትሕብባር ዲጅታላዊ ምምዝጋብ ብምክያድ፡ ናይ ስደተኛታት ብዝሕን ዓይነትን የጻፍፍ ከም ዘሎ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘለዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ብደረጃ ሃገር ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዙ፡ ደቡብ ሱዳናውያን 445, 245 (41%)፡ ሶማላውያን 361.053 (31%)፡ ኤርትራውያን 180, 361 (17%)፡ ሱዳናውያን ድማ 96, 817 (9%) ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። በቲ መጽናዕቲ መሰረት፡ ካብ ጠቕላላ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት 52% ደቂ ኣንስትዮ 48% ድማ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብኣቶም ዝበዝሑ ካብ 25 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድመኦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ክሳብ ደቂ ልዕሊ 60 ዓመት እውን ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት 20 መደበራት ስደተኛታት ክርከቡ እንከለዉ፡ እተን ብብዝሒ ተዓቚበሙለን ዘለዉ፡ ኣዲስ ኣበባ 79,612፡ ዓፋር፡ 62, 630፡ ኣለምዋጭ፡ 19,748፡ ጋምቤላ 409, 540፡ ጂጂጋ፡ 47, 655 ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ካብዘን መደበራት ኤርትራውያን ዘለዉወን፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓፋርን ኣለምዋጭን እየን።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ 11.6 ሚልዮን ተመዛበልቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 2.8 ሚልዮን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ተዓቚቦም ዘለዉ እዮም።

Last modified on Sunday, 17 August 2025 10:57