ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ8 ሓም 2023 ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ለበዳ ኮቪድ-19ን ካልእ ዕንቅፋታትን ብምብዳህ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ብሓፈሻ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንዘርኣይዎ ዕዙዝ አበርክቶን ተሳትፎን ኣመልኪቱ መርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ካብ ዝተዓሙ ኣገደስቲ ስረሓት ንኣብነት ዝኾኑ ጠቒሱ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብዚ ኣኼባኡ ብኣቦመንበር ንዝቐረበሉ ናይ 4ተ ዓመታት ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ንብረትን (ኦዲት) ሰዲህኤ  ብዝርዝር ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ምይይጥ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈትን ክፍሊ ኦዲትን ንዝመርሕዎ ቤት ጽሕፈት ዝምልከቱ ሕቶታት መሊሶም። ብምቕጻል እቲ ጸብጻባት ናብ 4ይ ጉባአ ዝቐርብ ውዱእ ሰነድ ባይቶ ኮይኑ ጸዲቑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው 4ይ ጉባአ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ተሳተፍቲ ናይቲ 23 ሓምለ 2023 ዝጅመር ጉባአ፡ ካብ ጉዕዘኦም ጀሚሮም ክሳብ ቦታን ግዜን ጉባአ ክኽተልዎ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣገባብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ መብርሂ ተዋሂቡ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይቲ ሽማግለ ብወገናውን ናይታ ዕማማታ ኣብ ምስልሳል ዘላ ሽማግለ ስረሓት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት ነቲ ኣኼባ መግለጺ ኣቕሪባ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሓደሓደ ኣገደስቲ ዝበሎም ጉዳያት ርእዩ፡ መደባት ሰልፎም ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ብትግሃት ክነጥፉ ንዝጸንሑ ኣባላትን ኣካላትን ሰልፊ ከምኡውን ጉባኤ ሰልፊ ንምዕዋት ተሓባበርቲ ሰልፊ ንዘበርከትዎ ግደ መጎሱ ገሊጹ ኣብ መጻኢ ንክቕጽልዎ ድማ ኣተባቢዑ።

ሲቪላዊ ልኡኽ ሱዳን ምስ ፕረሲደንት ዩወሪ ሞሶቪኒ

ሱዳናውያን መራሕቲ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC) ብ3 ሓምለ 2023 ኣብ ካምፓላ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ክብልን ሓደ ሰራዊት ጥራይ ክህሉን ዝብል ኣተሓሳስባኦም ከም ዘሕደሱ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ልኡኽ ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዩ ብዝለዓለ ምስጢር ካብ ሱዳን ወጺኡ።

እቲ ሃዲ እድሪስ፡ ጣህር ሓጃር፡ መሓመድ ኣልፋቒ፡ መሓመድ ሓሰን ናስር ኣል ዲኢን ዝተባህሉ ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኢንተበ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ድሕሪ ውግእ 15 ማዝያ 2023 ሰብኣዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ካርቱም ኣዝዩ የንቆልቁል ከም ዘሎ ገሊጾም።

ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ውግእ ተቛሪጹ፡ ኣብ ሱዳን ኩሉ ሓቛፍን ሞያውን ሰራዊት፡ ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ቀጻሊ ሰላምን ዝረጋገጸሉ ሃዋህው ክፍጠር ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ መስርሕ ግደ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሶም።

ነቲ መግለጺ ብጽሞና ዝተኸታተሉ ፕረሲደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሶቪኒ፡ ጸገም ሱዳን ንክፍታሕ ዝኽእልዎ ዘበለ ከበርክቱ ቅሩብ ምዃኖም ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ቀጻሊ ርክብ ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ሱዳናውያን ተዛትዮም ኣብ ፍታሕ ንክበጽሑ ንምዕጋቦም ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም። እቲ መፍትሒ፡ ኣብ ህጹጽ ምቁራጽ ውግእ፡ ምምስራት ሲቪላዊ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ስሙር ሰራዊትን ዘትከለ ክኸውን ከም ዝግበኦ ገሊጾም።

ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ኣባልነታ ኣብ ትካል ሳይነስ፡ ትምህርትን ባህልን/UNESCO  ክምለሰላ ብ30 ሰነ 2023 ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝለዓለ ድምጺ ተሳተፍቲ ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝሓለፈ ቻይና ዕለታዊ/ CHINADAILY ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣብቲ ኣመሪካ ኩሉ ቅድመ-ተደላይነት ዘረጋገጽትሉ  ኣጀንዳ ዘድመጻ 193 ሃገራት ኮይነን፡ 168 ደጊፈን 10 ተቓዊመን 15 ድማ ድምጸን ዓቂበን። እተን ኣንጻር ኣባልነት ኣመሪካ ኣብ ዩኒስኮ ዘድመጻ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ሩሲያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፍልስጥኤም፡ በላሩስ፡ ቻይና፡ ኢንዶንዚያ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋን ሶርያን እየን። በዚ መሰረት ኣባልነት ኣሚሪካ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ክታሞም ምስ ኣንበርሉ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ 2023 ጀሚሩ ህያው ክኸውን እዩ።

ኣመሪካ ኣባልነታ ምስ ተመልሰ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በጀት ዩኒስኮ 22% ክትሽፍን እያ። ኣብ ርእሲዚ 619 ሚልዮን ዶላር ስሩዕ ክፍሊት በጀት፡ እቲ ትካል ኣብ 2023 ሒዝዎም ካብ ዘሎ  መደባት፡ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡  ንምሕጋዝ  534 ሚሊዮን ዶላር ዓመታዊ ወለንታዊ ክፍሊት ከም እተበርክት ድሕሪቲ ምድማጽ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንቻይና ኣብ ዩኒስኮ ወኪሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ያንግ ጂን፡ ኣመሪካ  ናብዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ካብ ተመልሰት፡  ምሕዝነት ዘደልድል ኣስተዋጸኦ ከተበርክትን ልኡላውነት ሃገራት ከተኽብር እምበር፡ ኣብቲ ትካል ምክፍፋል ክትፈጥር ከም ዘይግበኣ ምትሕስሳቦም ተፈሊጡ።

ኣመሪካ ኣብ 1984ን 2017ን ካብቲ ማሕበር ስሒባ ነይራ። ብ2011 ድማ ዩኒስኮ ኣባልነት ፍልስጤም ተቐቢሉ ምስ ኣጽደቐ፡ ፕረሲደንት ኦባማ ነቲ ትካል ዝኽፍሎ ዝነበረት ገንዘብ ኣቋሪጸምዎ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ውርሻታተን ናብ ዩኒስኮ  ኣመዝጊበን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኮይነን፡ ኣብ ኤርትራ ግና ከተማ ኣስመራ  ብዓባያ በቲ ዘለዋ ጥንታዊ ህንጻታት ኣብ ዩኒስኮ ምዝግብቲ ክነሳ፡ ብሰንኪ ናይቲ መንግስቲ ግቡእ ምክትታል ዘይምግባር ኣብ ምስሕሓብ ምእታውን ዝተገብረላ ጽገና የለን።

ስርዓት ህግደፍ “ፈስቲቫል” ብዝብል ጉልባብ ተሓቢኡ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ፕሮፖጋንዳ ንምንዛሕን ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን ክካየድ መዲብዎ ዝነበረ መደብ፡ ብምምሕዳር ናይታ ከተማ ከም ዝተሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ደለይቲ ለውጢ ኤርትራ፡ ኣብቲ መስርሕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ባእታታትን ነዚ ጉዳይ ዘቃልሓ ጋዜጣታት ጀርመን ብምጥቃስ ሓቢሮም።

እዚ 8ን 9ን ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ኣዕናዊ ፈስቲቫል ንክስረዝ፡ ብሓፈሻ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከምኡ ድማ ድሕርቲ ናይ 2022 ምርጻም ዝተሓዎሶ ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን ዝቆመ ናይ ርክብን ሕጋዊ መስርሕን ሓይሊ ዕማም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ሕጋዊ  መስርሕ ምዃኑ ነቲ ኰነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ወገናት’ውን ሓቢሮም። ህግደፍ መዲብዎ ዝነበረ ፈስቲቫል ብወግዒ ምስተገልጸ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ብምምኽኻርን ጻዕርታት ብሪገድ ንሓመዱን ኣብ ግምት ብምእታውን እዩ   ክሰርሕ ጸኒሑ።

ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ካብ ጀርመን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢውሮጳ ኤርትራውያን መንእሰያት መደባት ህግደፍ ንምፍሻል ናብታ ከተማን ከም ዝመጹ ተረዲኡን ጸጥታዊ ሳዕቤኑ  ሓደገኛ ከም ዝኸውን ተገንዚቡን ነዚ ዝከላኸል ሓይሊ ፖሊስ ክምድብ ከምዘይክእል ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝሰረዞ ተፈሊጡ።

እዚ ፈስቲቫል ናይ ምስራዝ ስጉምቲ፡ ንህግደፍ ሰፍ ዘይብል ስዕረት ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ድማ ፍናን ዝህብ እዩ። እቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ወገናት ህግደፍ ኣንጻርቲ ውሳነ “ይግባይ” ክብል ስለ ዝኽእል፡ ቀጻሊ ምክትታል  ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ቅድሚ ሎሚ፡ ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገር ሆላንድ  ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023፡ ኣብ ኣዳራሽ ኢቨንት ፕላዛ/EVENT PLAZA  መዲበምዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ክካየድ ከምዘይደልያ፡ ከንቲባ ከተማ ራይስዊክ  ሃገረ ሆላንድ ሁሪ ሳሂን ምግላጸን ዝዝከር እዩ።

 

ጉጅለ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ዘመልከተ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታን ናብ ኣንበሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኮና ላና ኑሰይበህን ጥርዓን ኣቕሪባ። እታ ጉጅለ ኣብ ጥርዓና እቶም ኣንበሳደራት ብዘለዎም ድርብ ሓላፍነት፡ ብስም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ብስም ሃገሮምን ብሓፈሻ ኩሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ሱዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ በደል ንምዕጋት ዘኽእል ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዓ።

ናይታ ጉጅለ መጸዋዕታ ብዛዕባ ምስዚ ሓላፍነትዚ ተተሓሒዙ ዝመጽእ  ምቕሉልነት ብምጥቃስ፡ ብሰንኪ ኣብ ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ፍሉይ ሓይልን ዝተኸስተ ውግእ ብዝተተሓሓዘ ስጉምቲ ንክወስድ ንመንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ መልእኽቲ ኢምሬትስ ናይቲ ንጽንተት ደቂ ሰባት ዝምልከት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ፈራሚት ምዃና ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምረትስ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጽሞ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ በደላትን ብምኹናን ግቡኣ ንክትፍጽም ጸዊዑ።

ኣብቲ መልእኽቲ፡ ሰራዊት ሱዳን እውን በቲ ሓደ ወገን እቲ ውግእ ንክናዋሕ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ መንገዲ ከቋርጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ካርቱም ይኹን ዳርፉር መሰል ሲቪላውያን ኣብ ምሕላው ሕገመንግስታዊ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣተሓሳሲቡ። ኣካላት ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዝተፈጸመ በደል ዝምልከት መርተዖታት ንምጥፋእ የካይድዎ ንዘለዉ ተግባራት ተቓውመኡ እቲ መልእኽቲ ጠቒሱ።

እቲ ናብ ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ንዝተፈላለያ ዓበይቲ ትካላት ዝውክላ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸተማሉ ምዃኑ  ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ግደ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ዕዙዝ ነይሩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ እቲ  ወሳኒ ባእታ ባዕሉ እዩ ነይሩ። እዚ ግን፡ እተን ብሳላ’ቲ ህዝቢ ሰዊደን ኣብ መስርዕ እቲ ቃልሲ ዝተዋሰኣ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ግደ ኣይነበረንን ዘስምዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘይተወደበ ከምዘይዕወት፡ ካብቲ ቅድሚ ምብሳር ብረታዊ  ቃልሲ  ዝነበሮ ተመኩሮ ተገንዚቡ  ውድባቱ ንምሕያል ዘይከፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። እዚ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ከኣ ንውድባት “ዘይጥለም” ዝበሎ ሕድሪ ብምስካም እዩ። ካብተን ህዝቢ እምነት ኣንቢሩ ሕድረይ የተግባራ እየን ኢሉ  እምነት ዘንበረለን ውድባት ሓንቲ እታ ብናይ ሎሚ ህግደፍ ዝተተክአት ምንባራ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስና ዝምስክሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንውድባት ኤርትራ ዝሃበን ሕድሪ ዓሚቕን ሰፊሕን ምስጢር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ተናጊፉ ናጽነቱ ንምጉንጻፍን ኣክሊል ሓርነት ንምድፋእን ዘኽእል መሰረታዊ ሕቶይ ይምልሳለይ እየን ካብ ዝብል ዝነቅል እዩ ነይሩ። ህግደፍ ምስ ኩሉቲ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ጉርሕን ተንኮልን ኣብቲ ቅድም ሕድሪ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝፍጽም መሲሉ ቃል ክኣቱ ዓይኑ ኣይሓሰየን። ናጽነት ተረጋጊጹ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ ሕቶ ምምላስን ዝዓነወት ሃገር ብወሳኒ ተሳትፎ ህዝባ ምህናጽ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ ግን፡ ቃል ህግደፍ ብተግባር ዝፍተነሉ ኩነታት ዓይኑ ኣፍጢጡ ተጋህደ። ህግደፍ ግና ኣይኮነንዶ ብዝኣተዎ ሕድሪ ሓርነታዊ መልሲ ክህብ፡ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ኩሉ መሰላት ክጉዕጽጽን ክዓጽፍን ድሕር ኣይበለን። ኣብ ጽባሕ ናጽነት ነዚ ዘጋጠመ ጥልመት ምእማኑ ዝተጸገሙ ብዙሓት ነይሮም። ደሓር ግና ብህዝቢ ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ክሳብ ምስራዝን ክምረሓሉ እየ ኢሉ ዘጽደቖ ቻርተር ክሳብ ምቕዳድ ምስ በጸሐን፡ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይንስ ነይትሓብእ” ከም ዝበሃል፡ ርኡይ ጥልመት ዝያዳ ተቓለዐ።

ህግደፍ መንገዲ ክሕደትን ጥልመትን ዝመረጸ፡ ድሕሪ ናጽነት ብዘማዕበሎ ስሱዕ ባህርይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቅድም ብረቂቕ ተንኮላት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ ነባራት ፈለጥቱን ናይ ሽዑ ግዳያትን ሎሚ ምስክርነቶም ዝህብሉ ዘለዉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ ህግደፍ ከምቲ ኮይንዎ ዘሎ ጨካንን ሓድገኛን ምዃን ምእማኑ ዘጸገሞም ብናይ ቀደም ዘይትግበር መብጸዓታቱ ዝተዳህለሉ፡ ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ግዜ ምሃቡ ዝመረጹውን ውሑዳት ኣይነበሩን። ህግደፍ ግና ነቲ ቃሉ ከኽብር ዝተዋህቦ ዕድል ብኣንጻሩ ናይ ጭቆና መሓውሩ ንምድልዳልን ምትራርን እዩ ተጠቒምሉ። መሰረታውን ርትዓውን ሕቶ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ናብ ሕቶ ንዘቕረቡ ዜጋታት ከም ገበነኛ ቆጺርካ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ምሕቃቕን ክሰግር እውን ግዜ ኣይወሰደሉን።

እቲ ዘገርም ህግደፍ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ድሕሪ ናጽነት ምሉእ ዘይጉዱል ሰላም፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ዝተጸበየን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኩሉ ርኡይ ገበናቱ ዝተወሰኑ ዘጣቕዕሉ ግሩሃት ምርካቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣገራሚ ተርእዮ ኮይኑ ቀጺሉ ዘሎ እዩ። በዚ ኩነታት ናይ ዝተገረሙ እሞ “ኤርትራውያንሲ ስለምንታይ እዮም ኣብ ጓይላታት ናይቲ መወዳደሪ ዘይብሉ በዳሊኦም ጉጅለ ከይዶም ዝስስዑ?” ኢሎም ንዝሓቱ ናይ ፖለቲካዊ ሳይነስ ተመራመርቲ ምላሽ ምሃብ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋሚ ኮይንዎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። ነዚ ተዓዚቦም ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ንህግደፍ ተቓሊሱኳ ክስዕሮ እንተ ዘይከኣለ፡ ሰለምንታይከ “ንበረልና ይብሎ” ዝብሉ  ተዓዘብቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ቁምነገር ግና መግለጽን መርኣያን ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓሚቕ ግንዛበ ናይቶም ውሑዳት  ዘይኮነ፡ ናይቲ ዝበዝሐ ኣብ መስርዕ ቃልሲ ንለውጢ ተሰሊፉ  ዘሎ ሕራነ እዩ።

ህግደፍ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ጠላም መንገዲ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣልሞም ተንኮላት ብዙሓት እዮም። እቲ መሰረታዊ መርሆኡ ከኣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምድኻም ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝጻረሮ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝተፋነን ምግባሩ እዩ። ነዚ ንምትግባር በብግዜኡ ዝፍሕሶም ተንኮላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ ኮነ ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከኣ ተቓዋምን ደጋፍን ተበሃሂሉ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ከይተረፈ ከም ዝጋጮ’ሞ፡ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል፡ ሓድነት ህዝቢ ከይዓጠጦን እምነትን ፖለቲካዊ ምሕደራን ደባሊቑ ዝፈጥሮ ዘሎ ዕድል እዩ።  እዚ ህግደፍ ዝዕንገለሉ ምርሕሓቕ ህዝቢ፡ ኣጋጣምታት ዝኽሪ ናጽነትን ሰማእታትን መዝሚዝካ ብዝካየድ ዳንኬራታት ዝንጸባረቕ እዩ። ወዮም ደገፍቲ ህግደፍ  ኢና በሃልቲ ኣይተሰወጦምን እምበር፡ ህግደፍ ዝምረሓሉ ፖሊሲ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኸሓደ ብሴፍ” ስለ ዝኾነ ግዜ እናጽነዐ ከም ዘረኻኽበሎም ኣይረስዑ። ሰለዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ህግደፍ ነናብ ዝዀዓቶ ህጉም ካብ ምእታው ክዕቀብ ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ በደላት ምዝርዛር ስለ ዘጸግም “ኩሉ መሰላት ዝተነፈጎ ህዝቢ እዩ” ምባሉ ገላጺ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኣዝዩ ምዕቡል ዘመን፡ ካልእ ይጽናሕሞ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሓይሊ መብራህቲ፡ ኢንተርኔት፡ ኣገልግሎት ባንክን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ቀረባት ምርካብ ንህዝቢ ኤርትራ “ብርቂ” ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ወዮ ካብዚ ኩሉ ሕጽረታትን ጸገማት መዋጽኦ ንምርካብ ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክቱር መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ደረቱ ዝሓለፈ ንዕቀቱ ንምርኣይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ “ምጽዋዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ተበሃል ነይራ፡ ሎሚ ኣበይ ኣላ?፡ ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ፋብሪካ ጥርሙዝ ነይሩ፡ ሎሚ ኣበይ ኣሎ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ መወዳድርቲ ኣይነበሮን፡ ሎሚ ደኣ ናበይ ከይዱ?፡ ኣብዛ ሃገር ዝነበረ ፋብሪካ ቆርበት መዘና ኣይነበሮን፡ ሎሚኸ ኣብይ ኣሎ?፡ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሺሕ ቶን ዓሳ ምግፋፍ ዘኽእል ሃብቲ ኣለና፡ እንተኾነ 10% እውን ኣይተጠቐምናሉን፡ ካብቲ እነምህሮ መንእሰይ 85% ኣበይ ከም ዝኣቱ ኣይንፈልጥን፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ካብ ዓቢ ፋብሪካ ዝውንን ጤለበጊዕ ዝጓሲ ዝሕሸላ ሃገር እያ …….ወዘተ” ክብል እንከሎ፡ ኣካይድኡ ክሳብ ክንደይ ግምጥልሽን ኣሽካዕላልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

እቲ ካልእ ዘስደምም ከኣ ነዚ ኣሽካዕላል ሰሚዖም ኣብ ክንዲ ዘስተንትኑ ዘጣቕዑ ምህላዎም እዩ። ስለዚ ኩሉ ተግባራቱ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንህግደፍ ምእማን ካብ ማይ ምሕቋን ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡  እቲ መዋጸኦ ኣብ ክንዲ ትንፋስ ትዘርኣሉ ብሓባር ተቓሊስካ ምውጋዱ ጥራይ እዩ።

ብፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዝተመዘት  ኣዋሃሃዲት ኮሚተን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ፍራንክፎት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023:  ብ26 ሰነ 2023 ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይደን። ኣብዚ ብሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ጠርናፊ ኣዋሃሃዲት ኮሚተ ዝተመርሐ ኣኼባ፡  ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣብቲ መስርሕ ምድላው በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ዝሕብር ጸብጻብ ቀሪቡ ተመዚኑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንናይ ምዝንጋዕ መደባትን ካልእ  ኣድለይቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ናይ ስራሕ ብጽሒት ወሲዶም ዝጸንሑ ኣባላት ዝዓመምዎን ጌና ዘይወድእዎን ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ብዝርዝር ተሰሚዑ፡  

ኣብዚ  ኣኼባ ነቲ ፈስቲቫል ዘድሊ በብዓይነቱ ቀረባትን ካልእ  ምድላዋትን፡ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምስንዳእ ደርጃ ተገምጊሙ፡ ዘይተወደአ ስረሓት ዝማለኣሉ መንገድታት እውን ተሓንጺጹ። ካብዚ ሓሊፉ መጠን ዝተፈላለዩ ክፍለ ስራሓት ንምውሳን  ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ተኻይድሉ ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ተነጺሮም። ዝተረፉ ዕማማት ዝጻፈፍሉ ኣገባባት ተተሊሙ።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ፈስቲቫል ውጽኢት 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝብሰረሉ መድረኽ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ፈስቲቫል ብዛዓብ ዝዕመሙ መደባት ዝሕብር ዝርዝር ተዳልዩ ናብ ዝምልከቶ ቀሪቡ ክጸድቕ ኣብዚ ኣኼባ ሓሳብ ቀሪቡ። ንተሰላሲሉ ዘሎ ዕድመ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ኣጋይሽ ዝምልከትን ኣቀባብላኦምን ዝምልከት ኣቐዲሙ መደብ ክስራዕውን እቲ ኣኼባ ዝተመያየጠሉ ካልእ ዛዕባ ነይሩ።

ስእሊ፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ናይቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኤርትራ ብወገን ዓሰብ ዝተሰጉ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተኸታተለ ኣፍሊጡ። እቶም ብ24 ሰነ 2023 ብኣውቶቡሳት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወስዱ፡ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈልጠ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ 200 ክሳብ 360 ዘብጽሐኦም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ- ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብ25 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከም ዘሰክፎ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላይ ዘበለ ሓለዋ ንምግባር ንዘካይድዎ ጻዕሪ ኣፍልጦ ከም ዝህብ  ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

 መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ካብቶም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ መንእሰያት ብሕጊ ዝተመዝገበ ኣካል ዘይምህላዉ ከም ዘረጋገጸ ጠቒሱ፡ ብጌጋ ክውሰዱ ተዳልዮም ዝነበሩ 4 ብወግዒ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ከም ዝነበሩን ድሕሪ ምጽራይ ከም ዝተረፉ እውን ኣብሪሁ።

ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሕቱ ኮይኑ መሰል ስደተኛታት ንምክልኻል ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ምህላዉ ከም ዘረጋገጸ እውን እቲ ኮሚሽን በቲ ዘውጸኦ መግለጺ  ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ናብ ስድራቤቶም ከም ዝደወሉ፡ ድሕሪኡ ግና ደሃዮም ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስጉምቲ ዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ዘየለ ኮይኑ፡ ብዘይዕላዊ መስኖታት ግና እቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ዝኾነ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዘኽእሎም ሰነድ ዘይነበሮም ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሞም ብዘይ ኣገባብ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ24 ሰነ 2023 ድሮ 4ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ናይ መጠረስታ  ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ብኻልእ ወገን ድማ ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያ ብ25 ሰነ 2023 ተቓኒዑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ትሻዓቲአን ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ናይ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ጉዕዞ ጥርኑፍ ጸብጻብ በብሓደ ሰሚዑ። በዚ መሰረት ድማ ናይዘን ኣብያተ ጽሕፈት ጸብጻብ ኣወሃሂዱ ናብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐርብ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣዳልዩ። እቲ ኣብዚ ኣኼባ ዝተዳለወ ጸብጻብ ናብ ማእከላይ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ፡ ናብ ራብዓይ ጉባአ ዝቐርብን ምስ ክግበረሉ ዝኽእል ምምሕያሻት ብጉባኤኛታት  ዝጸድቕ ሰነድ ሰዲህኤ ዝኸውን እዩ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ነቲ ኣኼባ ክድምድም እንከሎ ኣብ ዘቕረቦ ቃል፡ ብሓፈሻ ኩሎም ኣባላትን ትካላትን ሰልፊ ብፍላይ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ፖሊሲን መደባትን ሰልፊ ኣብ ምዕዋት፡ ሓድነት ሰልፊ ኣብ ምዕቃብን ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣርን ዘካየዶ ውሁድ ጻዕሪ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ድማ ሰልፍና ዝያዳ ሓይሉ ዝወጸሉ መድረኽ ክኸውን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ኣወስትራሊያ እውን፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ንኡድ ኣበርክቶ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኣወስትራሊያን ቃል ኣስሚዑ።  ድሕሪ ቃል ኣቦመንበር፡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣወስትራሊያ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአን ተልእኮ ሓጻይት ሽማግለን ዝምልከቱ ጸብጻባት ሰሚዖም፡ ናብ ጉባአ ቀሪቦም ክጸድቁ ተዳልዮም ኣብ ዘለዉ ንድፍታት ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ድማ ተመያይጦም። ኣብዚ መድረኽ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ብጻይቲ ኣድያም ተፈራ ንጉባአ ብዝምልከት ክሳብ ሎሚ ዝተዓሙን ጌና ምጽፋፍ ዘድልዮም ጉዳያትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ ንዝቐረቡ ሕቶታት ድማ መሊሳ። ብጸይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣደመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብወገና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተዓሙ መደባትን ሕጹያት ምስ ኣባላት ሰልፊ ንምልላይ ተታሒዙ ዘሎ መደባትን ዝምልከት መብርሂ ሂባ።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ዝቐረበ ንድፊ ሰነዳት ዘለዎም ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣባላት ንኡስ ሽማግለ ምድላው ሰነዳት ድማ መብርህታት እናተዋህበ እቲ ሰነድ ተዳህሲሱ። ጉባአ ዝያዳ ክርእዮም ይግባእ ዝበልዎም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከኣ ኣቕሪቦም። ካብዚ ሓሊፉ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዘሕይሉን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ዘእትዉን ውሳነታት ክውስን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Page 15 of 136