ምሕጽንታ! “ከም ውሕጅ፡ እናኣስሓቐ ከይወስደና”

2024-06-04 21:13:25 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 430 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ምምሕዳር ህግደፍ ካብ ዝተፋነኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።  ናይቲ ምትፍናን ምኽንያት  ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ።  እቲ ዝድግፍ ወገን በቲ ህግደፍ በብግዜኡ መልክዕ እናቐያየረ ዘቕርቦ መዳህለሊ ምኽንያታት ተዓሽዩ፡ ንስልታዊ መግዛእትን ምግሃስ ኩሉ መሰላትን ናይቲ ስርዓት ዝተቐበለን ዝከላኸለሉን እዩ። እቲ ዝቃወም ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ምውሓስ ናጻን ልኡላዊት ሃገር ዝድረት ኣይኮነን ይብል። ስለዚ ሓቀኛ ሓርነት ንምስትምቓር “ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን እዩ” ኢሉ ዝኣምንን ንምትግባሩ ይቃለስ ዘሎን እዩ።

ብፍላይ ቅድሚ ክልተ ዓመታት  ንምጅማር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ማዕበል “ብርጌድ ንሓመዱ” ተኸቲሉ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ሓያል ምስሕሓብ ማዕቢሉ፡ ናብ ኣካላዊ ጉነጽ ምስ ተሰጋገረ፡ ሎሚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ከም ዝሰፈሐ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ናይቲ ምጉናጽ ግዳይ ዝኾኑ ወገናት ኩሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ማዕበል ብቐጥታ ዝሕንብሱ ጥራይ ነይሮም ኢልካ ምድምዳም ከም ዘጸግም ፍሉጥ እዩ።  ጐነጽ ዘይምረጽን ሃሳይን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ክወርድ እንከሎ ድማ ዝያዳ ከም ዘቐንዙ ርዱእ እዩ። እቲ ክጅመር እንከሎ ቀሊል ዝመስል ዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ትዕግስቲ ምጽውዋርን ኣርሒቕካ ምምዕዳውን ጐዲልዎ፡ ናብ ሞት፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሳርትን መጻኢ ህይወት ምዝራግ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዕራጉን  ዘሕዝን ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ንቡርን መርኣያ ብዙሕነትን እምበር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝተጀመረ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ተርእዮ ክበሃል ዝከኣል ብሰንኪ ዘይምጽውዋርን ናይ ሓሳብ ምክብባርን ናብ ምቅትታል ምብጽሑ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ካብቲ ዝቐደመ ተማሂርና፡ ነቲ ኣዕናዊ ኮኒንና ነቲ ሃናጺ ድማ  እነማዕብል ነቲ ዘረሓሕቕ መንገዲ እናደገምና ብኣኡ ንቕጽል ምህላውና እዩ። እቲ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ሕድሕድ ምጥቕቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት፡ ማእሰርቲ፡ ዕንወት ንብረትን ምስቶም ሰላም ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ናይተን ንነብረለን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ምጉናጽን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ክልተ ሓላፍነት ስድራቤት  ዝነበሮም ኤርትራውያን ህይወት ምሕላፉ ከኣ፡ ኣይኮነንዶ ንኤርትራውያን ንዓለምና እውን ኣሻቓሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ዘሎ እዩ። ንዓና ከኣ ዝያዳ የሕዝነናን ሓላፍነት የሰክመናን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እያ። ፍልልይ እምነትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዓቂብና፡ ብሓባር ክንነብራ ስለ ዝግበኣና።

እዚ ናብ ደረጃ ምቅትታል ክበጽሕ ዘይተጸበናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ ሓድነትና ኣላሕሊሑ ነቲ ምእንቲ ሓርነት ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከም ዘዳኽሞ ዘማትእ ኣይኮነን። እዚ ክስተት ካብዚ ንላዕሊ ሱር ከይሰደደ እንተዘይ ኣሊናዮ ንቀጻልነትና ከም ህዝቢ ከም ዘስግእ ተቐቢልና መዋጸኦ ክንረኽበሉ ዝግበኣና ህጹጽ ጉዳይ እዩ። ነዚ ክስተት ኣብ ክንዲ ከይሰፈሐ ኣብቲ ዘጋጠመሉ ኩርናዕ  ምጥፍኡ፡ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ወለዶን ዓድን ናይቶም ቀተልትን ተቐተልትን  እናጸብጸብካ ከም ዝላባዕ ንምግባሩ ዝረአ ሃቐነታት ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብዓንተብኡ ክዕገት ይግበኦ።  እዚ ህዝብና ንምክፍፋል ዘንጠልጥል ዘሎ ደበና ጥፍኣት ብፍላይ ንደለይቲ ለውጥን ሓድነትን ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ብምትፍናንን ፍልልያትን ህዝብና ዝረብሑን ዕድመ ስልጣኖም ዘንናውሑን ወገናት ግና ካብ ምግዳዱ ንድሕሪት ኣይክብሉን እዮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጽንብል መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዕላዊ መድረኽ፡  ናብቶም ኣብ ዲያስፖራ ክቃተሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ፡ ኣብ ክንዲ ምትህድዳእን ምምዓድን “ኣገናዕ በቲ ዝሓዝኩምዎ ቀጽልሉ” ምባሉ፡ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ናይ ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት መርኣያ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነውራም መግለጺ፡ ካብ ዲታቶር ግና  ዘይንጽበዮ ኣይኮነን።

ሳዕቤን ናይዚ ዝረአ ዘሎ ኣስጋኢ ኣንፈት፡ ኣብ ኩሉ  ዓለም ንዘሎ ኤርትራዊ ዘረኻኽበሉ እምበር፡ ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ናብ ንቡር ንምምላሱን ሰለማዊ ማእዝን ምትሓዙን ድማ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ሓላፍነት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጢ፡ ሰላምን ሓድነትን ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ካብቶም ህግደፍ ዘዋፍሮም ብህውከት ዝዕንገሉ ወገናት መፍትሒ ክመጽእ ከምዘይክእል ግና ካብ ናይቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቀራርባ እንርደኦ እዩ።   

ኤርትራውያን ፖለትካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ህዝባዊ ማዕበላት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መድያታትን ኣብኣተን ዝነጥፉ ክኢላታትን ምሁራትን፡ በብደረጃኡ ዝግለጽ ናይ ምእላይን ምትህድዳእን ሓላፍነት  ኣለዎም። እዞም ዝተጠቐሱ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ጋንታ ፈልዮም ህውከት ዘጋድዱን ንሕነ ምፍዳይ  ዘተባብዑን፡ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ክሕዙ እንከለዉ ኣውንታዊ ግዲኦም ልዑል እዩ። ብኣንጻሩ ከምዚ ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ሓላፍነቶም ክዝንግዑ እንከለዉ ዘውርድዎ ጉድኣት ብኽንድኡ ደረጃ ኣዕናዊ ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና’ዩ እሞ፡ ብጽሞና ይሕሰብሉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ናይ ምቅትታል ማዕበል፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ብገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮፖጋንዳን ምግዳዱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ካልእ ዘነዓዕብ መልክዕ ምትሓዙ፡ ውጽኢቱ ደሓር ዘጣዕስ ስለ ዝኾነ ጠጠው ክብል ይግበኦ። ኣብዚ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ከሎ ጌና ክሓስብሉን ብመንጽር ድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር ብግዝያዊ ጠቕሚ ከይርእይዎ ነዘኻኽሮም። ብስም’ቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ምጉዳል ኣካላትን ምዝኽታም ህጻናትን ኣተሓሒዝካ ዝግበር ምውጻእ ገንዘብ፡ ካብ ሰብኣውነትን ወጺኡ  ህውከት ዘጋድድ ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ።

ናይቲ ምቅትታል መሰረታዊ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝሳዕረረ ጭቆናን ባርነትን ምዃኑ ዘይከኣሓድ እዩ። ምስዚ ድማ ንምስሊ ኤርትራዊ “ጽንዓት፡ ተጸዋርነትን ክኽእሎ እየ በሃልነትን” ይድውን ከም ዘሎን ናይ ብዙሓት ኣሉታዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ምህላዉን ጥራይ እኹል መረጋገጺ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኤርትራዊ ስሙ ክለዓል እንከሎ፡ ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት፡ መርኣያ ኮይኑ ይግለጽ ምህላዉ ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ፡ እዚ ኩነታት “ከም ውሕጅ እናኣስሓቐ ከይወስደና” ንምሕጸን ዘለና።

 

 

Last modified on Tuesday, 04 June 2024 23:25