ሶማሊያ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ክትሰጉግ ወሲና
2024-10-31 12:07:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 334 timesሶማሊያ መቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣደም ኣብ 72 ሰዓታት ክወጽእ ከም ዝወሰነት ናይታ ሃገር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት፡ ብ28 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ዘይምልከቶ ምንቅስቓስ ክሳተፍ ከም ዝተረኽበ ከሲስዎ።
እቲ መግለጺ ኣንበሳደር ዓሊ ካብቲ ንዲፕሎማሲያዊ ዝምድናን መሰል ዲፕሎማትን ዝምልከት ናይ ቪየና ሕጊ ወጻኢ ተንቀሳቒሱ ኢሉ ከም ዝኸሰሶ እውን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብወገና ኣፍሊጣ። ቅድሚ ሕጂ ድማ ኣብ ሶማሊያ ዝነበረ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር መሓመድ ዋረ ከም ዝተሰጐገ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ነቢያት ጌታቸው፡ ብዛዓብቲ ፍጻመ ብሚድያታት ተሓቲቱ መልሲ ከም ዘይሃበ ድማ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ ኣፍሊጣ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ድሕሪቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ንሳ ከም ሃገር ኣፍልጦ ንክትህባ፡ ሶማሊላንድ ድማ መህነጺ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝከውን 20 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬትን ናይ ወደብ ኣገልግሎትን ንክትህባ መረዳድኢ ሓሳብ (Memorandum of Understanding (MOU) ምፍርራመን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ኣንጻር ልኡላውነተይ ዝተወስደ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብዝብል ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሲ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ነዚ ተኸቲሉ ሶማሊያ፡ ኤርትራን ግብጽን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኪዳን መስሪተን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።