ማርቲን፡ ንኣብይ ናብ “ከንቲባነት ወሪዱ” ይብል

2025-11-16 19:57:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 69 times

ጋዜጣኛን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ባዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ፖለቲካን ማርቲን ፕላውት፡ ብ16 ሕዳር 2025 ኣብ ናይ X ገጹ  ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ናብ ከንቲባነት ዝተቐየረ” ክብል ገሊጽዎ። ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ሓደ እዋን ንሓቛፊ ለውጥን ምትዕርራይን ዝተላዕለ ኣብይ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብብዙሓ ከባብታት ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዝሰኣነ ኮይኑ’ሎ ክብል ገሊጽዎ።

ማርቲን ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብይ ብፕረሲደንትነት ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ሃገራዊ ዝርጋሐ ኣለኒ ዝብል’ኳ   እንተኾነ፡ ብግብሪ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ጥራይ ተደሪቱ ኣሎ ሰልፊ እዩ ዝብል ገምጋሙ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብይ ኣብ ክንዲ ምምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደረጃ ከንቲባ ናብ ምምሕዳር  ወሪዱ ኣሎ ኢልዎ።

እቲ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኣብ መስርሕ በዂሩ  ዝጸንሐ ኣብ ልዕሊ ክቱር ምእኩል ምቁጽጻር፡ ወተሃደራዊ ዕብለላን ህዝባዊ ዘይቅቡልነትን ኣራሚ ስጉምቲ  ዘይምውሳድ ዝተዋህለለ ድኽመታት ዝፈጠሮ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ።

ብዘይካዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ፖለቲካዊ ጸገማትን ምስኣን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብቲ ውግኣት ዝካየደሉ ቦታታትን ፈደራላዊ መንግስታዊ ህልውና ስኢኑ፡ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ቅልውላው ከም ዝኣተወ  ኣስፊሩ። ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝግበሩ መደረታትን ናይ መመረቕታ ጽንብላትን ክሽፈን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሕ ብምጥቃስ ድማ፡ ናይቲ መንግስቲ ፖለቲካውን ጀኦግራፊያውን ህልዊ ኩነታት ክምዘን እንከሎ፡ ኣብ ዝጭበጥ ግብራዊ ስራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ምስላዊ ህልውና ወሪዱ ዘሎ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩለን ክልላዊ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ መልኽ ዘለዎም ውግኣትን ጐንጽታትን ይረኣዩ ኣለዉ።

Last modified on Sunday, 16 November 2025 21:06