ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘቕረበቶ ዜናዊ ጸብጻብ እታ ቀደም “ንእሽቶ ሮማ” ትባሃል ዝነበረት ምልክዕቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስላ ምድዋኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነበርታ ብክቱር ስእነት ዝስተ ማይ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ሓቢራ።
እቲ ዜና ቀደም ናይ ጽባቐኣ መርኣያ ዝነበረ ጐደናታታ፡ ሎሚ መካይን ሓሪምዎ፡ ብመስርዕ በብዓይነቱ ዝሕብሩ ማይ ዝጽበ ፊስቶታትን ጀሪካናትን ተሰሪዕዎ ይርከብ ክብል ይገልጾ። መኸዲ መኪና ዝነበረ ጐደናታት ማይ ብዘመላልሳ ዓረቢያታትን ካሮሳታትን ተታሒዙ እውን ይብሎ። እቲ ቀደም ኣብ ወርሒ ዝተወሰኑ መዓልታት ዘጋጥም ዝበሃል ዝነበረ ምቁራጽ መሰመራት ማይ (ቡንባ) ሎሚ መዓልታዊ ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ እቲ ዜና ኣስፊሩ።
ሎሚ እቲ ካብ ቡንባ ተስፋ ዝቖረጸ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ተስፋኡ ብመካይን ኣብ ዝዕደል ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ነይሩ። እንተኾነ እዚ’ውን ብስእነት ነዳዲ ክቕጽል ስለ ዘይካኣለ፡ ኣብ ትጽቢት ብዓረቢያ ዝዕደል ጥራይ ወዲቑ ኣሎ። ብሰንክ’ዚ ህጻናት ቆልዑ ከይተረፉ፡ ደድሕሪ ማይ ዝጸዓና ዓረቢያታት ምጉያይ ልሙድ ኮይኑ። ማዕከነ ዜና ቢቢሲ ብዛዕባዚ ኩነታት ንሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኮነ ኤምባሲ ናይታ ሃገር ኣብ ለንደን ተወኪሳ መልሲ ከምዘይረኸበት ከኣ ኣቃሊዑ።
ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ኣስመራ፡ “ኣብ ዕድመና ከምዚ ዝኣመሰለ ስእነት ማይ ርኢና ኣይንፈልጥን” ከም ዝበሎ ዝጠቐሰ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ “ዋላ ኣብ ግዜ ቃልሲ ከተማ ባጽዕ ብሰውራ ምስተተሕዘት ከምዚ ዝኣመሰለ ስእነት ማይ ኣይረኣናን” ከም ዝበሎ እውን እቲ ሪፖርተር ብምግራም ኣስፊሩ። ብሰንኪዚ እቲ ጽምኢ ናብ ብሰንኪ ብኩራት ጽሬት ዝመጽእ ሕማም ከይምዕብል እውን ስግኣት ኣሎ።
እቲ ገለ ካብ መራሕቲ ህግደፍ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ ኣብ 1991፡ 30% ዝነበረ ቀረብ ዝሰተ ማይ ናብ 92% ኣደይብናዮ ዝብልኳ እንተኾኑ፡ እቲ ሓቂ ግና ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ “ኣዝዩ ጽንኩር ስእነት ዝስተ ማይ” ኣብ ዝበሃል ደረጃ እዩ ዝርከብ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ ተፈጥሮኣዊ ምልውዋጥ ኣየር ግደ የብሉን’ኳ እንተዘይባህለ፡ እቲ ቀንዲ “መንግስታዊ ምምሕዳር” ዝፈጥሮ ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ ብህዝቡ ዝሓሊ ጥዑይ ምምሕዳር እንተዝህሉ ኣስታት 800 ናእሽቱን ማእከሎትን ሓጽብታት ኣለውዋ እናተባህለ ኣብ ዝዝረበላ ሃገር ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ብማይጽምኡ ኣይመተሳቐየን።


ኢትዮጵያ “ዘየድሊ ሰብ (persona non grata)” ብዝብል ኣንበሳደር ኢጣልያ ኣብ ሃገራ፡ ሰሳመ ፋብሪዚ ቅድሚ 10 መዓልታት ከም ዝሰጐጐት ዝተፈለላያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ኣንበሳደር ዝተሰጐ ኣብ ኢትዮጵያ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ድሕሪ ምጽንሑ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።