ኣብ ዝተፈላለያ ከባብታት ትግራይ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ
2026-03-25 11:18:16 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 21 timesኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ብ24 መጋቢት 2026 ብቢሮ ትምህርቲ ናይቲ ክልል ዝተወደበ ናይ ተመሃሮን መምሃራንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዱ። ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማ ብሓፈሻ ዝተኣገደ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ፡ ብፍላይ ድማ ናይ 16 ኣዋርሕ ዘይተኸፍለ ደሞስ መማሃራን ንክኽፈል ንምጽዋዕ ዝተወደበ እዩ። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተንጸባረቐ፡ መማሃራን ደሞዝ ብዘይምርካቦም ካብ ስረሖም ብምቁራጾም ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻው ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቶም እቶ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ስታድየም ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ካብ ዘቃልሕዎም ጭረሖታት፡ “ትምህርቲ መጻኢና እዩ (EUDUCATIN IS OUR FUTURE)” ዝብል መሪሕ ኮይኑ፡ መሰል ህጻናት ይከበር፡ መሰልን ክብርን መማሃራን ይተዓቀብ፡ ደሞዝ መማሃራን ዘይምኽፋል ምዕጻው ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ፡ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም፡ ተመሃሮ ከኣ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ይመለሱ፡ ዝብሉ ጭረሖታት እውን ተቓሊሖም።
በቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ዜና መሰረት፡ ናይቲ ክልል ክፍሊ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተቛረጸ ደሞዝ ንክኽፈል ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ፈድራል ተደጋጋሚ ስምዕታ ኣቕሪቡ መልሲ ምስ ሰኣነ ዝተሰርዐ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ ሚካኤል ኣስገዶም ወሃቢ ቃል ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ቀጻሊ ሰላም ንከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ፈርሱ እዩ ዝብል መብርሂ ምሃቡ ናይቲ ህዝቢ ናይ ውግእ ስግኣት ዝያዳ ይዓርግ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።