EPDP News

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ሓዳስ ኣፍሪቃ/NEW AFRICA፡ ዝተባህለት መጺሐት ብዘካየደቶ ዳህሳስ ኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብ 100 ናይ 2023፡ ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዝኾነ፡ ብፍሉይ ሕታማ ኣፍሊጣ። እዞም ሚእቲ ኣፍሪቃውያን ጸለውቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ልሉይ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ እዮም።

እዛ መጽሐት ከም ዘስፈረቶ፡ ብ2 ማዝያ 2000 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደ ስፖርታዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግጥማት ብቕዓቱ ዘርኣየን ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ብሽግለታ ኣንጸባራቒ ዓወታት ከመዝግብ ዝጸንሐን እዩ። ቢንያም ካብ መዳይቲ ዝወዳደረሉ ዓይነት ስፖርት ተመሪጹ ሓደ ካብቶም 100 ሰባት ክኸውን ዝበቐዐ፡ ከምቶም ካለኦት ስፖርተኛታት ልሉይ ኣበርክቶ ስለ ዘመዝገበ ምዃኑ  ተገሊጹ። ብመሰረት ትዕዝብቲ እታ መጽሐት ናይ ቢንያም ዓወት ንውልቁ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዕቤት ስፖርት ኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም’ው ዘተባብዕ ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዞም ብመጽሐት ሓዳስ ኣፍሪቃ፡ ናይ 2023 ጸለውቲ ኮይኖም በታ መጽሐት ዝተመርጹ 100 ኣፍሪቃውያን፡ ካብ ዓውድታት፡ ፖለቲካ፡ ንግዲ፡ ሳይነስ፡ ኣካዳሚ፡ ሓለዋ ኣካባቢ፡ መዲያ፡ ስነጥበባዊ ምህዞን ስፖርትን ምዃኖም ተሓቢሩ። ነዚ ሓበሬታ ሒዛ ዝወጸት ናይዛ መጺሐት ፍልይቲ ሕታም፡ ናይቲ እዞም ጸለውቲ ዝተመረጽሉ ዓውድታት ቀዋሚት መወከሲት ከም እትኸውን  ተፈሊጡ።

ጨንፈር ስያትል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ21 ጥሪ 2024  ወርሓዊ ኣኼባአ ከም ዘካየደት፡ ካብታ ጨንፈር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣኼባ ጨንፈር ብዛዕባቲ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ  ኣብ ናይ 13 ጥሪ 2024 ዘካየደቶ ኣኼኣን ዝተመያየጠትሎም  ነጥብታትን ብሰፊሑ መዚኑ።

እቶም ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ሚዝና ዘንበረትሎም፡ ኣብቲ ኣኼባ ዞባ ተላዒሎም ዝነበሩ ነጥብታት፡ ግዜን ኣገባብን መጻኢ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኣጻርያ እተቕርብ ሓጻይት ሽማግለ ምምዛዝ፡ ከምኡ እውን ጉባአ በየናይ ኣገባብ ከም ዝካየድ ምድህሳስ ከም ዝነበሩ ኣብቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ተጠቒሱ።

በዚ መሰረት ጉባአ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ማዝያ 2024 ክጋባእ ከም ዝወሰነን ነቲ ጉባአ እተዳሉ 5 ዝእባላታን 3  ዝኣባላታ ሓጻይትን ሽማግለታት ተመዚዘን ከም ዘለዋ  ምስተሓበረ ኣኼባ ጨንፈር ስያትል ብሰፊሑ ተመያይጥሉ። ኣባላት ጨንፈር ኣብዚ ኣኼበኦም ጉባአ ዞባ ንክዕወት እጃሞም ከም ዘበርክቱ ምርግጋጾም ድማ ተሓቢሩ።

ብዘይካብዚ እቲ ኣኼባ ጭንፈር፡ ብዛዕቲ ብድሮ ኣኼባኦም ኣብ ስያትል ዝተኻየደ ኣኼባ ብርጌድ ንሓመዱ ብሰፊሑ ተመያይጦም ሚዛኖም ከምዘንበሩ እቲ ዜና ኣረዲኡ።

ሚካኤል ሮቢን ዝተባህሉ ጸሓፍን ተመራማርን ብ17 ጥሪ 2024  ዋሽንግተን ኤግዛማይነር/Washington examiner ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ብሊንከን ነቲ ዝለዓለ ዲክታተርያዊ ምምሕዳር ኣፍሪቃ ይዕገስ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ፡ ኤርትራ ንሰሜን ኮርያ ተኸቲላ  ካብዛ ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝኸፈአ ዲክታቶር  እትነብር ዘላ ሃገር እያ ኢሎም። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝባዊ ተቓውሞ ስለ ዝሰግእ ምክያድ ምርጫ ዘየፍቅድ፡ ብኣንጻሩ ንዜጋታቱ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ባርነትን ጭቆናን ዘንብር እዩ ኢለሞ።

ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ከም ናይ ሩሲያ ዝኣመሰል መዳጐኒ ቀይሩ፡ ጭካነኡ ክሳብ  ኣሚሪካ ዘርጊሑ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ሃገሮም ንዝርከቡ ቤተሰቦም ጅሆ ብምሓዝ ኣገዲዱ ገንዘብ የኽፍል፡ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃቦን ዝምውሎን ራዕድን ዓመጽን ምዃኑ ኣቃሊዖም።

ንነዊሕ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስትን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ኣሜሪካን፡ “ኤርትራ ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ ሓደገኛ ኮይና ክትቅጽል እያ” ዝብል ስምምዕ ከም ዝነበሮም ብምጥቃ፡ ውሱን ጸቒጢ’ውን ይግበር ነይሩ  ዝበሉ ሮቢን፡ ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ድኽነት ክጠቕሱ እንከለዉ ከኣ፡ ኣብ 2022 ካብ ኤርትራ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተወ ሰደድ ካብ ዋጋ ሓደ መንበሪ ገዛ ዘይበዝሕ 346 ሺሕ ዶላር ዘውጽእ ጥራይ ምንባሩ ኣስፊሮም።

ሚካኤል ሮቢን ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንኤርትራ ዝምልከት ሓድሽ ስትራተጂ ኣውጺኡ። እቲ ሓድሽ ስትራተጂ ነቲ ናይ ቅድም መርገጽ ኣሜሪካ ዝቐየረን ንብሊንከን ምስ ኤርትራ ዘስርሕ መሲሉ ዝተራእዮምን እዩ ኢሎም። ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ብሊንከን ኤርትራ ብገንዘብ ሓጊዝካን እገዳታት ኣልዒልካን ዲሞክራሲያዊ ኣሰራርሕን ምትዕርራይን ትቕበል ኮይኑ ከም ዝተራእዮም ጠቒሶም። እዚ ኣካይዳ ቅድሚ ሕጂ ንሓያሎ ጸሓፍቲ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ምስ ተመኩሮ ካለኦት ዲክታቶራት ተፈቲኑ ዘይተዓወተ እዩ ከኣ ኢለሞ። ሚካኤል ሮቢን ኣብ መወዳእታ ንሓድሽ ስትራተጂ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡  ዘስቕ ዘይዕወት ተስፋ እዩ ክብሉ ገሊጸምዎ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥሪ 2024፡  2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብጸሓኩም  ኣብጸሓና ” ኢሉ። ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ድማ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን እውናዊ  ሓበሬታ ሂቡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብኹለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ ኣድላይ ዝበሎ ምምሕያሻት ገይሩ ከም ናይ ሰልፊ ሰነድ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ  ዓመታዊ ትልሚ ብነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም መጻኢ መደባት ኣቕጣጫ ኣትሒዙ። ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት እኹል ሓበሬታ ዝረኽብሉን ተሳትፈኦም ዘበርኽሉን መድረኻት ምጥጣሕ ኣድላይ ምዃኑ ከኣ ኣሚቱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ገይሩ፡ እቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣተባቢዑ። ዝያዳ ዝሰፍሐ ናይ ሓባር መድረኽን ምቅርራብን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡  ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ እውን ብዘለዎ ዓቕሚ ክደፍኣሉ ከም ዝኾነ ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእሲዚ፡ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ምምሕዳራዊ ጉዳያት  ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎን እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ርኡይ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ፡ ብፍላይ ኣብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ዞናና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዕባለታትን ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን  ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ናህሪ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ እቲ ጭቆና ንምውጋድን ሕገመንግስታውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካልን ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።

ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እስጢፋኖስ ሃብተማርያም፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተኣዘዘ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ንኣስታት 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጸንሐን ኤርትራን ዓብይ ብሪንያን ብዛዕባዚ ቢቢሲ ዝሃብቶ ሓድሽ ምዕባለ ዝሃበኦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኤምባሲ ተግባሩ ከምዘየቋረጸ ብምጥቃስ፡ ንኣምበሳድር እጢፋኖስ ተኪኡ ቆንስላዊ ተልእኮ ዝፍጽም ዘሎ ሳልሕ ዓብደላ ዝተባህለ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ ኤርትራ ካብ ለንደን ናብ ኣስመራ ተመዚዙ ዝነበረ ኣምበሳደር ብሪጣንያ፡ ጉቡእ ምኽንያት ብዘይምሃብ  ናብ ኣስመራ ክጐዓዝ ብዘይምፍቃዳን መግስቲ ብሪጣንያ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ኣብያ ክፈልጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱን እዩ።

ካብ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉዳይ “መብርሂ ሓቲተ መልሲ ኣይረኸብኩን” ዝበለ ቢቢሲ፡ ኣምበሳድር እስጢፋኖስ ሃብተማርያም ኣብ ብሪጣንያ ብኣምበሳድርነት 8 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ  ደሪቡ ናይ ኣየርላንድ ኣምበሳድር እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ካብ ዝነቕፋ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ። ብዘይካዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣምበሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ” ዝብል፡ ተሪር መልእኽቲ ብምትሕልላፉ ኣምበሳደ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብሓለፍቲ ህግደፍ ተጸዊዑ ከም ዝተሓተ ዝፍለጥ እዩ።

ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብሊግን ብ17 ጥሪ 2024 ብጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣኼባ ኣካይዶም መግለጽታት ድማ ኣውጺኦም።

ኣኼባ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምኽታም መሰማምዒ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ኣባልቲ ሕብረት ዝኾና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካለኦት  ኣባል ሃገራትን ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን ንክዕቀብ ሕብረት ኣፍሪቃ  ንዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠባ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ ኩሎም ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጽር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ክሕዝዎን ብዓለም ለኻዊ ሕግታት ክቕየዱን ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ናይ ቅድም ፕረሲደንት ጀርያን ኤሊሶጉ ኦባሳንጆ   ንክልቲአን ሃገራት ከመያይጡን ናብቲ ሕብረት ቀጻሊ ጸብጻባት ከቕርቡን ንክመዝዎም ጸዊዑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ዝተዋህቦ መግለጺ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሶማሊያ ዘለዎ ዕዙዝ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ዝበሎ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ብትሪ ኮኒንዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ እዩ ኢሉ፡ ሶማሊላንድ ዓለም ብዝፈልጦ ኣካል ግዝኣት ሶማሊያ እያ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ሶማሊያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቻርተር ኣረብ ሊግን ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ ዓረብ ሊግ ድማ ኣብ ዝኾነ ሶማሊያ እትውስኖ ሱምቲ ኣብ ጐና ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ። ሓድነት መሬታ፡ ማያን ሰማያን ኣብ ምዕቃብ ኣብ ጐና ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ።

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣንበሳድራት ሃገራት ዓረብ ሊግ ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኩነታት ክከታተሉ ከም ዝወሰነ  ከኣ በቲ መግለጺኡ ኣረጋጊጹ።

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ብ17 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ እናበረረት ከባቢ ከተማ ጅጅጋ ምስ በጸሐት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተገደደት ፍላይት-24/FLIGHT-24፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዛ ነፋሪት ክትምለሰ ዘገደዳ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ክኸውን እንከሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ መቃድሾ ወሳኒ ፈቓድ ከይሓተተት ጉዕዞ ስለ ዝጀመረት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብርግጽ እታ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ትጐዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መንገዲ ተመሊሳ እያ፡ ናይ ምምላሳ ምኽንያት ድማ ካብ ሰብ መዚ መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ፈቓድ ስለ ዘይነበራ እያ” ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና ኣፍሊጣ።

ካብ ራዳር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብዘካታ ካብ ጉዕዞ ዝተመልሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልእ፡ ብሰብ መዚ መቃድሾ ኣፍልጦ ዝተሃብዋ ብስሩዕ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-372 ዝተመዝገበት ብቲ ዕለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ሃርጌሳ ዓሪፋ እያ። እታ ብዘይፈቓድ ናብ ሶማሊላንድ ክትኣቱ ክትብል ዝተኸልከለት ሃቪላንድ-400 ዝዓይነታ ነፋሪት ከኣ ብቒጽሪ በረራ ኢቲ- 8372 ዝተመዝገበት ምንባራ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብዛዕባ ዝርዝር ምኽንያትን ኣብታ ዝተመልሰት ኣብታ ፈቓድ ዘይነበራ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንነት ዝርዝር መብርሂ ክህብኳ ፈቓደኛ እንተዘይነበረ፡ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገብረ ምርድዳእ ግና ተመሊሳ ጉዕዞኣ ከም ዝቐጸለት ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ትራንስፖርት ሶማሊያ ግና እታ ነፋሪት ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣሳፊራ ዝነበረት ምዃና ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገ ድማ፡ ገለ ወገናት፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሶማሊያ ምስላፋ፡  መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ እትገብሮ በረራ ከይተቋርጽ ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።

ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን መንግስቲ ሱዳን፡ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕን ምስሕሓብ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንምርእይ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።  ኣብዚ ኣኼባ ዘይሳተፉ ብሰንኪቲ ኢጋድ ኣብ ውሽጣዊ  ኩንነታት ሱዳን ዘርኣዮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሲዳን፡ ብ16 ጥሪ 2024 ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ እዋናዊ ፕረሰደንትነት ኢጋድ ሒዛ ዘላ ጅቡቲ  ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡  ብዛዕባቲ ሱዳን፡ ካብ ኣኼባ ኢጋድ ንምግላል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝገለጸሉ ተፈሊጡ። ሱዳን ነዚ ሱጉምቲ ዝወሰደት ጅቡቲ ከም እዋናዊ ፕረሲደንት ኢጋድ፡ ቅድሚ ምስቲ ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ልኡላዊ መንግስቲ ሱዳን ምምይያጥ፡ ንኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ካምፓላ ክሳተፍ  ምዕዳማ እዩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብቲ መግለጺኦም፡ ሃገሮም ትወስዶ ዘላ ናይ ዘይምስታፍ ስጉምቲ፡ ቻርተር ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝሰርሕሉ ዘለዉ ልሙድ ኣገባብን ዝጥሕስ ብምዃኑ ኣትሪሮም ጠቒሶም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ብኸምዚ ኣገባብ ኣፍልጦ ረኺቡ ናብቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሱዳን ምዕዳሙ ከም ዘጸቖጠዖም ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ወጻኢ ጉዳይ ሚስተር ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መበል 42 ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ካምፓላ ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢጋድ ናብዚ ውድቀት ዝበጸሐ ነቲ መራሕቲ ኢጋድ ኣብ መበል 41 ኣኼባኦም ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃንን ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ደጋሎ ብኣካል ንምርኻብ ዝኣተውዎ ቃል ከዕውት ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ጠቒሱ።

ብቀዳም 13 ጥሪ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ግዜን ኣገባብን ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ምዉሳንን ጉባኤ ንምድላው ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምምራጽን እዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ሰዲህኤ ብተደጋጋሚ ተሰሪሑሉ ናይ ሰልፍና ባህሊ ኮይኑ ዘሎ ሓጻዪት ሽማግለ ምምራጽ ኣገዳሲ ዕማም ኣኼባ ኮይኑ ዉዒሉ። ዝርዝሩ ስዒቡ እኖሆ፡

  • ኣኼባ ጉባኤና በየናይ ኣገባብ እንተካየድናዮ የርብሓና ዝብል ኣርእስቲ እኹል ግዜ ሂቡ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓመት ብመራኸቢ ብዙሃን ክሰላሰል ተወሲኑ። ጉባኤ እተዳሉ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመሪጻ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ጉባኤ ዞባ ዕዉት ክኸውን ኩሉ ዘድሊ ጻዕርታትን ጎሽጓሽን ክተካይድ ስርሓ ብቕጽበት ክትጅምር እያ።
  • ከም’ቲ ልሙድ ሓጻዪት ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ቆይማ። ብቕዓት ዘለዎም ዞባ ክመርሑ ዝኽእሉ ምእንቲ ኣብ ጉባኤ ክምርጹ ኩሉ ዘድሊ መምርሒታት ኣናዘርገሐት ክትጽዕር እያ።

ብድሕሪ’ዚ ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ኩሎም ኣባላት እጃሞም ክበርክቱ ከምዝግባእ ለበዋ ተዋሂቡ ኣኼባ ብጽቡቕ መንፈስ ተዛዚሙ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።

የቐንየልና።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

 

                                                                 

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ዓሊ ኣል ሳዲቕ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎን ንዝተገብረ ናይ ቴለፎን ርክብ መንግስቶም ከም ዝነጽጎ ገሊጾም። እቲ ርክብ ወገን ጀነራል ዳጋሎ  ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ’ውን እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሮም።

እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ነዚ ተቓውመኦም ነቶም ንመጀመሪያ ግዜ ዝረኸብዎም ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ሱዳን ዝተመደቡ ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ራማታነ ላማምራ ከም ዝገለጽሎም እቲ ዜና ኣፍሊጦም። እዞም ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ሰዳን ናይ ቅድም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣልጀሪያ ዝነበሩ እዮም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ዓሊ ኣልሳዲቕ ኣብ መግለጺኦም፡ ድጋሎ ብሕቡራት ሃገራት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈልጠ ግህሰታት ዝፈጸሙ ምዃኖም ብሰፊሑ ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምሃቦም ንፕሮፖጋንዳ ዳጋሎ ዘሕይል ብምዃንኑ ክቋረጽ ጸዊዖም።

ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ምስ ውና ጸሓፊ ጉተረዝ ከም ዝተራኸኡ ተኣሚኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብደብዳብ ነፈርቲ ጀነራል ኣሉርሃን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉን ጠቒሶም፡ ንወገን ጀንነራል ኣል ቡርሃን ከሲሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ጉዳይ ሱዳን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዘለዎም ርኢቶ ነቶም ዋና ጸሓፊ ከም ዝገለጽሎም ተፈሊጡ።

 ኣብቲ ኢጋድ ን18 ጥሪ 2024 መዲብዎ ዘሎ ፍሉይ ኣኼባ ክልቲኦም ሱዳናውያን ጀነራላት ክራኸኡኳ ትጽቢት እንተለዎ፡ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና ዘጠራጥር እዩ።