EPDP News

ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ  ኤርትራዊ ስደተኛ ብ25 መጋቢት 2022 ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ መደበር ባቡር ቨለንሲነስ፡  ዘሊሉ ናብ ናይ ጽዕነት ባቡር ክድይብ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ብዝተፈጥረ ናይ ኤልክትሪክ ባርዕ ተታሒዙ ከም ዝሞተ ረይልፍረይት ዝተባህለት  መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክልተ ምስቲ መዋቲ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ናይታ ናይ ጽዕነት ባቡርን ክልተ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓውን በቲ ሓደጋ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እታ ናይ ጽዕነት ባቡር ካብቲ ኣብ ሰሜን ፓሪስ ዝርከብ መደበር  ነቒላ ናብቲ ኤውሮጳን ዓባይ ብሪታንያን ዘራኽብ ካላይስ ናይ ትሕተ-ባሕሪ ገለርያ መንቀሊ ተምርሕ ዝነበረት እያ። ካላይስ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪታንያ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምስጋር ስደተኛታት ከም መንጠሪ ዝጥቀሙላ  ቦታ እያ።

ድሕርቲ ኣብዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሰባት ሓደጋ ምግጣሙ፡ ንጽባሒቱ 50 ዝኾኑ ካብ ማሕበራትን ስደተኛታትን ዝተወከሉ ሰባት ኣብ ካላይስ እቲ ሓደጋ ንከይድገም ንምጥቃቕን  ንግዳያት ቫለንሲነስ ንምዝካርን ናይ ጽሞና ስነ ስርዓት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብዙሓት ኣካላት ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ዘይውሑስ ስጉምቲ ከይወስዱ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፎም መንገዲ ባቡራት ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ከይኮኑ ቀዋሚ  ሓለዋ ንምግበር ዘኽእል ናይ ተመኩሮ ምልውዋጥ ሓሳብ ዘቕረቡ ወገናት ከም ዝነበሩ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፣ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝፈተኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ተደፋፊኦም ናብ መንገዲ ባቡር ብምእታው፣ ሓደ ኤርትራዊ ብባቡር ተረጊጹ ክመውት እንከሎ፣ ሰለስተ ከምዝቖሰሉ  ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

ኣምኒስተ ኢንተርናሽናል ሰብ መዚ ግብጺ፡ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም እንተተመሊሰሞም ምስቓይን ካልእ ኩሉ ዓይነት ግህሰትን ስለ ዘጋጥሞም  ካብ ምስጓጎም ከቋርጹ ጸዊዑ።

ኣምኒስቲ ግብጻውያን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዓለምለኻዊ  ሕጊ ብምጥሓስ 31 ኤርትራውያን ኣገዲዶም ናብ ኤርትራ ከም ዝመለሱ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ እውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣስዋን ህጻናትን ቆልዑን ዝርከብዎም 50 ኤርትራውያን ኣብ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ግዳያት ናይ ስደተኛ መስልን ጉዳዮም ከረድእሉ ዝኽእሉ ዕድልን ከም ዘየብሎም ድማ ኣምኒስቲ ገሊጹ።

እዚ ተግባር ንግብጺ ብጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ሕማቕ ምስሊ ስለ ዝኾነ፡ ብቕልጡፍ ክቋረጽ ይግበኦ ዝበለ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተመልሱ ግዳያት፡  ተገዲዶም ከም ዝተመርመሩ፡ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩን ዝተሳቐዩን ከም ዝተፈልጠ  ኣዘኻኺሩ። ፍሊፕ ሉተር ተመራመርን ተማጓትን ሰብኣዊ መሰል ዲረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣምኒስት ኢንተርናሽና፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግብጺ ንኤርትራውያን መሰል ሓታቲ ዑቕባ ከኽብርሎምን ኣገዲድካ  ምምላሶም ከቋርጹን ይግበኦም ኢሎም።

እዞም ኣብ ግብጺ ዝእሰሩን ዝስጐጉን ዘለዉ ህጽናት ዝርከብዎም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዘይክሰሱ፡ ብጨካን ኣገባብ ከም ዝተሓዙ፡ ንወዲ ሰብ ዝተፈቕደ መሰረታዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ጽሬትን ክዳንን ከም ዘይረኽቡ እዚ ናይ ኣምኒስት ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ሰብ መዚ ግብጺ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንዝቐርቦም ምሕጽንታ ክነጽግዎ ከም ዝጸንሑ እውን ተፈሊጡ።

ኣምኒስት ተኸታቲለዮ ኣለኹ ከም ዝበሎ፡ ኤርትራውያን ቅድሚ ምስጓጎም ናይ ጉዕዙ ሰነዳት ክወስዱ ተግዲዶም ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ይውሰዱ፡ ሕክምናዊ መርመራ ይገብሩ፡ እዚ ኩሉ  መስርሕ ክካየድ እንከሎ ምስ ዝኾነ ኣካል ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም ነቲ መደብ ምሱጓግ ኣቐዲምካ ምፍላጡ ከም ዘጸግም ሓቢሩ።

ኤርትራውያን ሃገሮም ገዲፎም ክሃድሙ ካብ ዝግደድሉ ምኽንያታት፡ ገደቡ ዘይፍለጥ ግድዱ ውትድርና ሓደ  ምዃኑ እዚ ካብ ኣምኒስት ዝተረኽበ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ተገዲዶም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ብስንኪ ዘጋጥሞም ስቓይን ካልእ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣብ ዝለዓለ ስግኣትን ቅልውላውን ከም ዝወድቁ ብደረጃ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ከም ዝፍለጥ ኣረዲኡ።

ኣምኒስት ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ኣብ  ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ግብጺ 20, 778 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምንባሮም ጠቒሱ፡ ሽዑ ዘይተመዝገቡ ኤርትራውያን ስለ ዝነበሩ እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝነብር ኣዘኻኺሩ። ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብደቡባዊ ወሰናስን ናይታ ሃገር እዮም ዝኣትዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ዝበጽሓሉ ኩነታት ንምፍጣር ግጭት ጠጠው ከምዘበለ ናይቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ብ24 መጋቢት 2022 ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ሰብኣዊ ረዲአት ምእንቲ ክቀላጠፍ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከም ዘሎ እውን ሓቢሩ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዝገብሮ ናይ ነፈርቲ በረራታት ክውስኽ፡ ረዲአት ንዘቕርቡ ለገስቲ ኣካላት ዝኸውን ናይ ነዳድን ገንዘብን ቀረብ ብስሩዕ ዝቕጽለሉ መንገዲ ከም ዝፍጠር ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኮሚተ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስልቀል፡ ትካል ጥዕና ዓለምን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ረዲአት ትካላትን ናብ ትግራይ ሓገዝ ምቕራብ ንክኽእሉ ናይ ነፈርቲ በረራታት ተሰሪዑ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ብመሬት ብመስመር ኣብዓላ-መቐለ ረዲአት ዝቐርበሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

እቲ መግለጺ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ሰብኣዊ ረዲአት ንምርካብ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ይፈልሱ ከም ዘለዉ ከኣ ጠቒሱ። በዚ መሰረት ጐራባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት ንህዝቢ ትግራይ ዝገብርሉ ዘለዉ ኣቀባብላ፡ ናይቲ ህዝብታት ሕውነትን ሓድነትን መንፈስ ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህዝቢ ትራይ ካብ መንበሪኡ ከይተመዛበለ ሓገዝ ክበጽሖ እንከሎ ካብ ምክልባት ከም ዘድሕን ተጠቒሱ።

ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዚ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ሽግር ምፍታሕ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ብምርዳእ፡ ናብ ትግራይ ዝቐርብ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲአት ብቕልጡፍን በቐጻልን ንምስላጥ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ክገብር ድልዊ ምዃኑ  በመንግስታዊ መግለጺ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ምእንቲ ሰብኣውነት ግጭት ናይ ምቛም ውሳነ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘመሓይሾ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ቀጻሊ ብዘይተወሳኺ ደም ምፍሳስ ቀዋሚ መፍትሒ ከምጽእ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይድግፍዎ ኣለዉ። እንተኾነ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ብምንቃል ኣብ ምትግባርን ዘይምትግባርን ናይዚ ውሳነ ስግኣት ኣለዎም። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን፡ ጉጅለ ህግደፍን ዓፋርን ዝንጸባረቑ ዘለዉ መርገጻት ከኣ ዝያዳ ሻቕሎት ዘሕድሩ እዮም።

“መድረኽ ስድተኛታት ኣብ ግብጺ / Refugees Platform in Egypt/” ዝተባህለ ትካል፡ ግብጻውያን ሓለፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 31 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣገዲድካ ናብ ኣስመራ ናይ  ምጥራዝ ገበን ከም ዝፈጸሙ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢሩ። ሓንቲ ካብቶም ግዳያት ክትርእን ክትሰምዕን ዘይትኽእል ኣካለ-ጐደሎ ኣደ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ እዛ ዘይትሰምዕን ዓይነስውርትን ኣደ፡ ኣብ ማእሰርቲ እንከላ ከም ዝወለደትን ውላዳ ኣብቲ ዝወለድትሉ ሆስፒታል ከም ዝሞተትን ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ከኣ ካብቶም ግዳያት 5 ደቂ ኣንስትዮ፡ 6 ህጻናትን 2 ትሕቲ 17 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝርከበኦም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

እቲ  ትካል ኣተሓሒዙ፡  ናይቶም ኣብ ኣብ መዳጐኒ ማእከል ግዝኣት ኣስዋን ዝነበሩ ግዳያት ኣብ ደቡብ ካይሮ ናብ ዝርከብ መበል 15 መደብር ሀልዋን ምምጻኦምን ናብ ኤርትራ ዝስጐጉሉ ኩነታት ንምድላው ምዃኑ ንዓኣቶምን ንቤተሰቦምን  ከም ዝተሓበሮም ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ዙርያ ምጥራዝ ብ16 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ኣደታትን ህጻናትን ናይ ሓደ ቤተሰብ ዝርከብዎም 24 ኤርትራውያን ግዳይ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ካብ እሙናት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ እዞም 24 ሰባት ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝተወስዱን  ቤተሰቦም ብዛዕባ ሃለዋቶም ከምዘይፈልጡን ተረጋጊጹ።

እዞም ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ግብጺ ኣቲኹም ተባሂሎም ንዝተፈላለዩ ግዝያት ዝተኣስሩ ኮይኖም፡ ደሓር ካብቲ ዝተኣስርዎ ቦታ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክወስዱ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ከም ዝተወስዱን እቲ ኤምባሲ ካብ ቤተሰቦም ንነፍሲ ወከፍ 30 ዶላር ከም ዝወሰደን ተፈሊጡ።

እቲ 2ይ ዙርያ ምጥራዝ ብ17 መጋቢት 2022 ከም ዝተፈጸመን ኣብዚ ዙርዚ ድማ 5 ደቂ ትበዕትዮን 2 ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝተጠረዙ ተፈሊጡ። እቲ ሓበሬታ ዝሃበ ትካል መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ብተመሳሳሊ ኣገባብ 53 ኤርትራውያን እሱራት ንተመሳስሊ ምድላው፡ ካብቲ ኣብ ግዝኣት ኣስዋን ዘሎ መዳጐኒ ማእከል ናብቲ ኣብ ደቡብ ካይሮ ዝርከብ መበል 15 መደበር ተወሲዶም ኣለዉ።

እዞም ግዳይ ምጥራዝ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተዉ ወይ ኣብታ ሃገር ሕጋውነት ዘይብሎም ክነሶም ኣብኡ ዝጸንሑ ታባሂሎም ዝተኣስሩ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ከረድኡ ኩሉ ሕጋዊ  መሰላት ዝተነፍጎም እዮም።

እቲ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ጸብጻብ ዘቕርበ መድረኽ ስደተኛታት ኣብ ግብጺ፡ ነቲ ተግባር ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ ሓለፍቲ ግብጺ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ህጉራዊ ሕግታት ከም ዝጠሓሱ ኣብ ግምት ብምእታው ኮኒንዎ።

ኣብ ሃገር ግብጺ ሻርም ኢል-ሸኽ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ውድድር ሻምፒዮና ኣፍሪቃ  ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ መኽፈቲ ብ23 መጋቢት 2022 ኣንጸባራቒ ዓወት ከም ዘመዝገበት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪቃ ቢዝነስ (Africa Business) ሓቢራ። ኣብዚ ብደረጃ ጋንታ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ግጥም ጋንታ ኤርትራ 4ተ ወርቂ መዳልያታት እያ ተዓዊታ።

ኣብቲ ሓያል ህልኽ ዝተራእየሉ ውድድር ኤርትራ ብሄኖክ ምሉጌታ፡ ዳዊት የማነ፡ ሚካኤል ጎይተኦምን ኣክሊሉ ገብረህይወትን እያ ወርቂ መዳልያታት ወሲዳ። ኣብዚ ውድድር ደድሕሪ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 6 ክልኢት (ሰከንድ) ኣልጀርያን ድማ 10 ክልኢት (ሰከንድ) ድሒረን ብምእታው፡ ብቕደም ሰዓብ  ብሩርን ነሃስን መዳልያታት ወሲደን።

ኣብ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኤርትራ ወርቂ መዳልያ ክትዕወት እንከላ ጋንታታት ማውርታንያን ሩዋንዳን ከኣ ብሩርንን ነሃስን መዳልያታት ከም ዝተዓወታ ተፈሊጡ። እቲ ውድድር ኣብ 24 መጋቢት 2022 ድማ ብደረጃ ውልቐ ተወዳደርቲ ከም ዝቕጽል ተፈሊጡ’ሎ።

ጋንታ ብስክሊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ሩዋንዳ ተመዲቡ ካብ ዝነበረ ከባብያዊ ውድድር ብሰንኪ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዘይምውሳዳ ተሪፋ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።

ገለ ካብ ግዳያት

ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብከባብያዊ ሓይልታት ጸጥታ ገፊፍካ ናይ ምእሳርን ንብረቶም ናይ ምርሳይን ወፈራ ከም ዝካየድ መርበብ ኤርትራ ሁብ (Eritrea Hub) ምጭታታ ካብቲ ቦታ ብምጥቃስ ብ22 መጋቢት 2022 ሓቢራ። ካብ ሱዳን ብቐጻሊ ዝርከብ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣባላት ፖሊስን ወታደራትን ሱዳን ኣብ ጐዳናታት፡ ቦታ ስረሖምን መንበሪ ቦትኦምን ንዝረኸብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፎም ናይ ምእሳር ወፈራ ቀጺለምዎ ኣለዉ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ናይቶም ኤርትራውያን መንበሪ ፈቓድ ርእዮም ግዜኡ ዝሐለፈ እንተኮይኑ ካብ 200 ሺሕ ክሳብ 400 ሺሕ ናይ ሱዳን ፓውንድ የኽፍልዎም። ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ከኣ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይውሰድዎም ። ሓንሳብ ምስ ከፈልካ ካልእ ኣካል ተጠውዩ ከየኽፍለካ ውሕስነት የብሉን። እቲ ዝኽፈል ገንዘብ ናብ ናይ መንግስቲ ሱዳን ሳጹን ድዩ ዝኣቱ ወይ እቶም ኣብ ጐደናታት ዝርከብዎ ኣባላት ፖሊስ ንግሎም ይጥቀምሉ ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ወገናት ከም ዝብልዎ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ንኤርትራውያን ከም ሓደ ምንጪ ኣታዊ እዮም ዝጥቀምሎም። እዚ ዝኽፈል ዓቐን ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ተዋሒጦም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ። እቲ ዜና ከም ዘዘኸኸሮ እቲ መንበሪ ፈቓድ ዘሕድስ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ሱዳን ካብ ዝዕጾ ዝያዳ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ስለዚ ኤርትራውያን ናይ መንበሪ ፈቓዶም ግዜኡ ክሓልፍ እንከሎ ዘሕድስሉ መተካእታ የብሎም።

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዘገድሶ ኣካል፡ ነዚ ብዝምልከት ናብ መንግስቲ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ድማ፡ 1ይ መንበሪ ፈቓድ ናይ ምሕዳስ ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ብቕልጡፍ ክኽፈት፡ 2) ኩሎም ብሰንኪ መንበሪ ፈቓድ ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ብህጽጹ ክሕደሰሎም። 3) ናይ ምሕዳስ ዕድል ኣብ ዘየብሉ ዝተኸፍለ ገንዘብ ክምለሰሎ ዝብሉ ምሕጽንታታት ይርከብዎ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት 30 ቶን ዝምዘን ሓገዝ መግቢ ብቐጥታ ብነፋሪት ናብ ትግራይ ከም ዝለኣኸት ዜና ወሽመጥ (gulf news)  ብ19 መጋቢት 2022 ሓቢራ። እዚ ሓገዝ መግቢ 5,600 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ንዝርከብዎም 7,000 ሰባት ከም ዝውሃብ እቲ ዜና ኣስፊሩ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ ኣምበሳደር ኢማራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ መሓመድ ሱሌማን ኣልራሽዲ “ኢማራት ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መግቢ ጸገም ንምፍታሕ  ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ምቕራብ ክትሕግዝ ድልውቲ እያ።”  ከም ዝበሉ ኣስፊሩ።

እዚ ዜና ወሽመጥ፡  ኢማራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ እውን ረዲአት ንምቕራብ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ፡ ንጽጉማት ናይ ሓገዝ ኢዳ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚት ከምትስራዕ ጠቒሱ፡ ረዲአት ዝደሊ ህዝቢ ናብ ዘለወን ሃገራት፡ ብህጹጽ  ካብ ምቕራብ ድሕር ከምዘይትብል ጸብጺቡ።

ኢማራት ደገፍ ንዘድልየን ሃገራት ምሕጋዝ ልዑል ግምት እትህብ፡ እዚ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ብዘይኣፈላላይ ንህዝቢ ክብሪ ካብ ምሃብ ዝነቅል ምዃኑ እቲ ዜና ተቒሱ፡  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብመንገዲ ትካል መግቢ ዓለም 337 ቶን መግቢ ናብ መቐለ ከም ዝለኣኸት ኣዘኻኺሩ። እዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 63.000 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 80, 000 ሰባት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተላእከ ምንባሩ ከኣ ተፈሊጡ።  እቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓገዝ 200 ቶን ዘይቲ ብልዕን 18.5 ቶን መድሃኒትን ይርከቦ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ በቲ ሓደ ወገን ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ድሮናት ኣዕጢቓ  ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ትግራይ ዕንወት ንክወርድ ጠንቂ ክነሳ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብኣዊ ተግባራት ምስታፋ ንብዙሓት የዛርብ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ኢማራት ምስ ህዝቢ ትግራይ ምድንጋጽ ንጉጅለ ህግደፍ ባህ ከምዘይብሎ ድማ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

 

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ 29 ሰዓብቲ ቤተ-ክርስትያን ወንገላውያን ከም ዝተኣስሩ ቢቢሲ (BBC) ናይ ኤርትራ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዞም ኣመንቲ ዝተኣስሩ ኣብ ብሕቲ ገዛኹም ጸሊኹም ብዝብል ክሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም 12 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 29 ግዳያት ኣብ ከባቢ ዓዲ ኣበይቶ ናብ ዝርከብን ዝለዓለ ግፍዕታት ዝፍጸመሉን ቤት ማእሰርቲ ማይሰርዋ ከም ዝተወስዱ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።  ህግደፍ ካብ 2002 ዝጀመሮ ማእሰርቲ መራሕትን ሰዓብትን  ወንገላውያን ክሳብ ሕጂ ከም ዘየቋረጾ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓመተ- 2021 ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ተፈቲሖም ዝብል ሓበሬታ ይዝርጋሕ ነይሩ እዩ። እንተኾነ እዚ ሓደሽ ማእሰርቲ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምፍታሕ እሱራት ነቶም ዘጋጥሙ ዝነበሩ ተቓውሞ ንግዜኡ ንምህዳእ እምበር መሰረታዊ ከምዘይነበረ ዘርኢ እዩ።

ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ኣተሓሕዛ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ። ፍሉይ ተኸታታሊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም ባበክር፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ "ኣብ' ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ኣይረኸብናን" ምባሎም ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከይተፈትሑ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ምዕራፎም ካልእ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ መሰል እምነት ከምዘይክበር ዘመልክት እዩ።

ፕረሲደንት  ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ናይ ስፓኛ  ፓውላ ጊል፡ ብ17 መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኤኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ብ24 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ኣባላቶም ብዝምልከት ናይ ዝገበረቶ ምጽራይ ውጽኢት ዝምልከት ዝርዝር ክትህቦም ከም ዝሓተታ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ስፐይናዊት ጓል 35 ዓመት ማሪያ ሄርናንደዝ፡ ተጋሩ ደቂ 31 ዓመት፡ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካኤልን ሬሳ ብ24 ሰነ 2021 እዩ  ደተርብዩ ተረኺቡ። ዝጥቀሙላ ዝነበሩ መኪና ከኣ ንጽባሒቱ 25 ሰነ 2021 ካብቲ ሬሳታት ዝወደቐሉ ቦታ 100-400 ሜትሮ  ርሒቓ  ከም ዝተረኽበት እዘን ፕርሲደት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ መግለጺኤን  ሓቢረን።

እቲ መግለጺ ናይቲ  ትካል ድሕሪ 6 ኣዋር ኣቀታትለኦም ንምፍላጥ፡ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ጻዕሪ ንክግበር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸዋዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባዚ ቅትለት ምስ ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ  ዲሞክራስያዊ ረፐብሊክ  መንግስቲ (ኢፈዲ ሪመ)  ሚኒስተራትን ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ( ህወሓት) ኣካላትን ተራኺቦም ናይ  ዝተገብረ መርመራ ውጽኢት ክወሃቦም ከም ዝሓተቱ እውን ጠቒሶም።

ኒውዮርክ ታይምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ብወገና፡  ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ውጽኢት  መርመራ ናይቲ ቅትለት ተሓታትነት ንኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝምልከት ብ17 መጋቢት 2022 ኣመልኪታ። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ እቲ ትካል ኣቀታትላ ሰራሕተኛታቱ ንምፍላጥ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝተፈጸመን ብድሕሪቲ ተግባር መን ከም ዝነበረን ምሉእ ግንዛበ ንምርካብ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ኣመልኪቱ። እተን ፕረሲደንት ናይቲ ትካል ባዕላቶም ብዝገበርዎ ጻዕሪ  ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከም ዘሎን ነቲ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘካፈልዎ ጠቒሰን፡ እንተኾነ ዝያዳ ምርግጋጽን ምንጻርን ከም ዘድልዮም ድማ ኣስፊረን።

ፕረሲደንት ፓውላ ኣብቲ ዝገበረዎ ናይ ምጽራይ ጻዕሪ፡ ብምሉእ ዓቕሞም ምእንቲ ብዛዓብቲ ቅትለት ከጻርዩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ንሓይልታት ትግራይ ከም ዘሳተፍዎም ሓቢርን። እቲ ዝረኸብዎ ሓባሬታ ነቲ ትካል ኮነ ንቤተሰብ እቶም ግዳያት ንከካፍሉ ከም ዝሓተትዎም እውን ገሊጸን። ምስዚ ኩሉ ግና ስለምንታይ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዘዕግብ ሓበሬታ ኣይተረኽበ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ቀጻሊ መርመራ ስለ ዘሎ፡  ውጽኢት ናይቲ  ግዜ ዘይህብ ምጽራይ ክረኽባ  ይጽበያ ምህላወን ኣብ መግለጺኤን ኣስፊረን ።

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልስን  1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 58 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማን፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ሰውራና  እውን  ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 58 ዓመታት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ ዓመት መጸት እንዝክራ።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዩ ዝሰጋገር። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን መሰረት ገይሩ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእልን ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።