ምርጫ ዝሕሰም ናብ ዝተመርጹ ዝሰግድ

2024-11-09 13:49:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 590 times

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ቀዳሞት ናብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መበል 47 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  ንክኸውን ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ናይ “እንኳዕ ኣሓጐሰካ” መልእኽቲ ዘመሓላለፉ  መራሕቲ ሃገራት ምዃኑ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀን’ሎ። እቲ ኣዛራቢ ዝገበሮ ንዝተመርጸ መራሒ ሃገር ሰናይ ትምኒት ምግላጽ ብኣኡ ዝተጀመረ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ በቲ ዕድመ ልክዑ ካብ ምርጫ ክሃድም ዝጸንሐን ዘሎን ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ስለ ዝኾነ እዩ። ኢሳያስ ነዚ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ፡ እቲ ብምርጫ ናብ ሓላፍነት ምምጻእ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ፡ ንዕኡ ዘገድስ ጠቕምን ደገፍን ንምርካብ ምዃኑ ንትራምፕ እውን ኣይጠፍኦን እዩ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂውን ካብ ዕጽዋ ዓዲ ሃሎ ዝወጸ፡ ሳላ ምምጻእ ትራምፕ ናብ ስለጣን እዩ።

እዚ ኣብተን ናይ ጉጅለኡ ልሳናት ተኸዊሉ፡ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሕባእ ኢሳያስ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሓንቲ ተባዕ ጋዜጠኛ ተለቪዥን ኣልጀዚራ፡ “ኣብ ኤርትራ መዓስ ኢዩ ምርጫ ዝካየድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ብዛዕባ ምንታይ ይሕተት ከም ዝነበረ ጠፊእዎ ዘይኮነስ፡ ንምህዳም ብስንባደን ቁጠዐን “እንታይ ምርጭኡ?” ብዝብል ተገልቢጡ ንሕቶኣ  ብሕቶ ክምልሶ ፈቲኑ። ብዘይነግፈረግ “ኣብ ሃገርኩም ኣብ መጻኢ ዝግበር ምርጫ ማለተይ እየ”፡  ምስ በለቶ ከኣ፡ ብስምዒት “ድሕሪ 30፣ 40 ዓመታት ምናልባ’ውን  ካብኡ ንላዕሊ” ኢሉ ብምጉጣጥ  ዝሃቦ መልሲ ዲክታተርነቱን ተሓታትነቱን ተቓሊዑ መስሓቕ ሰብ ካብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት ሓደ ምንባሩ ዝዝከር ዘሎ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ 75 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህግሓኤ፡ 75 ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ውጻእን ብፍሉይ ኣበርክተኦም ዝተሓርዩ፡ “ዘይምልከቶም” ክነሱ፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝብል ስም ዝተዋህቦም፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ዝነበርዎ፡ 150 ዝኣባላቱ “ሃገራዊ ባይቶ” ተባሂሉ ዝተሰየመን ንኢስያስ ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ዝብል መዓርግ ዘልበሶን መሪሕነታዊ ኣካል ነይሩ። እንተኾነ እዚ ኣካልዚ ብምርጫ ህዝቢ ንዝምስረት ባይቶ ዝትክእ  ዘይኮነ፡ ግዝያዊ መንግስቲ እዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኢስያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ነዚ ኣካልዚ እውን ብመንጽር ምብሓት ስልጣን ዘስገኦም ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም ዕድመ ኣይረኸበን። ሎሚ ናይዚ ኣካል ምንባር ዛንታ ኮይኑ፡ ቦታኡ ቅድም ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ድሕሪኡ ብውልቀ መላኺ ተባሒቱ ዙሎ እዩ።

ኤርትራን ህዝባን ክሳብ ክንደይ ብምርጫ ዝተመስረተ መንግስቲ ዝተሓረሞምን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝጸምኦን ኮይኖም ከም ዘለዉ፡ ኤርትራውያን ባዕልና እንርደኦን ንቃለሰሉ ዘለናን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለዩ ጉዳይ ዲሞክራስን ኣገዳስነት ምርጫን ዘገድሶም ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ናጻ ወገናት’ውን “ኤርትራ ብውትህድርና ብዝተዓብለለ ኣዝዩ ጨቋኒ ኣካል እትምራሕ፡ ካብ 1993 ጀሚሩ ንይምሰል’ውን ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ምርጫ ዘየካየደት፡ ብዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ  ፍጹማዊ ስልጣን ዝተባሕተላ ሃገር እያ። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝጭቆንን ማእሰርትን መጭወይትን ዘይተፈልዮን ህዝባ ድማ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ  ብ1993 ብረፈረንደም ወግዓዊ ልኡላዊት ሃገሩ ዘውሓሰ እዩ” ኢሎም ክገልጽዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ኢሳያስ “እንታይ ምርጭኡ እዩ?” ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡ ክሕጭጭን ካብቲ ዝፈርሖ ኣጀንዳ ክሃድምን ስለ ዝደለየ እንተዘይኮይኑ፡  ትርጉሙ ጠፊእዎ ኣይኮነን። ወረ ንከምስልሲ ኣብቲ ኣብ ናቕፋ ካብ 10 ክሳብ 16 ለካቲት 1994 ዝተቓነዐ 3ይ ውድባዊ ጉባአ ህግሓኤ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ገጽ 22፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት “ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባትን፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ብዙሕነትን ምጽውዋርን ዝተሰረተ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ”  ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። ሎሚ እዞም ኣብቲ ቻርተር ተጸባቢቖም ሰፊሮም ዘለዉ፡ መርኣያ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝምስረት መንግስቲ ዝኾኑ ቃላት፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ህግደፍ፡ ኣብ መዝገበ-ቃላቱ እውን ዝርከቡ ኣይመስለናን። ምኽንያቱ ብዓብይኡ እቲ ናይዞም ኩሎም  መሰረት ክኸውን ዝነበሮ  ናይ 1997 ሕገ መንግስቲ፡ “ሞይቱ እዩ” ተባሂሉ መርድኡ ካብ ዝንገር ዓመታት ሓሊፉ ስለ ዝኾነ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ኣንጻረይ ተዛሪብካን ፈጺምካን” ኢሉ ጥራይ ዘይኮነስ “ሓሲብካ” ኢሉ ዝኣስር ዘሎ ጉጅለ ናይቶም ኣብ ቻርተሩ ዘስፈሮም ቃላት ተኣማኒ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።

ኣምሰሉነት ህግደፍ እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ 10 ምዕራፋት፡ 68 ዓንቀጻትን ብዙሓት ንኡሳን ዓንቀጻትን ዝሓቖፈ ኣብ ዓሰርተ ገጻት ዝሰፈረ፡  ነቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝተነድፈ ሰነድ “ሕጊ ምርጫ” እውን ኣዳልዩ ነይሩ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል፡ ሎሚ  እዚ ሰነድ እውን “ነዴኺ ማይ ውረድላ” ኮይኑ  እዩ።  ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስ ብህዝቢ ዝምረጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግና ክሳብ ዓወት ቀጻሊ እዩ። ከምቲ “ኣዴኻሲ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂሲ ምስ ኩሉቲ ጥልመቱን ክሕደቱን “ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘሕፍር እዩ። ማዕረቶም ሕጽረታቱን ብቕዓቱን ብዘየገድስ ብምርጫ ናብ ስልጣን ዝደየቡ ፕረሲደንታት ክስራዕ ከኣ ሃየንታ እዩ።

ኣብቲ ኢሳያስ ካብ ምርጫ ክሃድም ዘባኸኖ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ግዜ፡ ርሑቕ ከይከድና፡  ኣብ ጐረቤትና  ኢትዮጵያ’ኳ ምስ ኩሉቲ ዘመዝግቦ ዝነበረ ሕጽረታትን ዘጋጠሞ ዕንቅፋታትን ኣብቲ ኢስያስ ምርጫ ካብ ምክያድ ክሃድመሉ ዝጸንሐ ግዜ “ውግኣትን እገዳታትን” እናሃለዉ፡ 6 ዙር ምርጫ ተኻይዱ ናብ 7ይ ዙርያ ገጾም የመዓድዉ ኣለዉ።

ምስቲ  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ እሞ ኢስያስ ተጓይዩ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፈሉ፡ ብሓያልን ናጻን ውድድር ዝሓለፈ ምርጫ ኣሜሪካ  ከነወዳድሮ እንከለና ከኣ፡ ንሱ ኣብታ ሓንሳብ ብስም ዋና ጻሓፍነት ህግሓኤን ኣቦመንበርነት ባይቶን ዝተወጠሓ መንበር ተጣቢቑ እንከሎ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2025 ዓሰርተ ምርጫታት ብምክያድ፡ ካብ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ክሳብ ሮናልድ ትራምፕ 7 ፕረሲደንትታት ሰላማውን ዲሞክራስያውን ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ኣካይዶም።

“ዘይቐንእ ኣይወለድ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳያስ ነዚ ተዓዚቡ ዋላ ንምልክት ንሕናውን “ምርጫ ከነካይድ  ኣለና” ክብል መተገበኦ። እንተኾነ ኣተኩሮኡ ኣብ ናይ ካለኦት ስራሕ ምውርዛይ እምበር፡ እትኽእሎ ሰሪሕካ ኣብነት ኣብ ምዃን ስለ ዘይኮነ፡  እንጽበዮ  ኣይኮነን።

Last modified on Saturday, 09 November 2024 15:14