ሚኒስተራት ጉጅለ 7፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም

2024-04-20 08:06:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 202 times

ወጻኢ ሚኒስተራት ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘየቋርጽ ወጥርታት ከም ዘተሓሳስቦም፡ ገሊጾም። እቶም ሚኒስተራት ድሕሪ ምዝዛም ኣኼባኦም ብ19 ማዝያ 2024 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት ውሕስነት መግብን የጋጥም ከም ዘሎ ብምርዳእ ሻቕለቶም ገሊጾም።

እቶም ሚኒስተራት ነቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሓደሮም ስግኣት ዘንጸባረቑ ኣብ ኢጣልያ ካፕሪ ኣብ ዝተባህለት ደሴት ዘካየድዎ ኣኼባ ክፍጽሙ እንከለዉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም። እዞም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባር ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስ ከም ዝነኣድዎ ከኣ እቲ መገልጺኦም ኣስፊሩ።

ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሲቪል  ዜጋታት ሓለዋን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ልዝብ፡ ዕርቂ፡ ብሄራዊ ዘተ፡ ናይ መሰጋጋሪ ፍትሕን ኣብ ግዜ ውግእ ገበን ዝፍጽሙ ከም ዝሕተቱ ምግባርን ክበራታዕ ጸዊዖም። ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባብታት ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት እውን ኩሎም ወገናት ብዝሳተፍሉ ልዝብ ሰላምን ዕርቅን ንምውራድ ተመሳሳሊ ትብዓት ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ክህሉ እቶም ሚኒስተራት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ብሰንኪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ውግኣት፡ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት፡ መሊሶም ከም ዝሓውዩን እግሪ ከም ዝተኽሉን ንምግባር፡ ናይ ዕጡቓት ዕጥቆም ኣውሪዶም፡ ነናብቲ ዝመጽዎ ንምፍናውን ብቐጻሊ ንምጥያስን ካብቲ ዝርከብ በጀት ቀልጢፎም ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ምግባር ከም ዘድሊ በቲ መግለጺኦም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ ኣኼባ ዝተሳተፉ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓን፡ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኮይኖም፡ ኣብ ርእስቲ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ሊቢያን ኮንጎን እውን ከም ዘሻቕሎም ኣስፊሮም። 

Last modified on Saturday, 20 April 2024 10:11