ስምዕታ ንህዝቢ ኢትዮጵያ
2025-10-14 09:16:07 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 29 times“ታሪኽ ኢትዮጵያን ህዝባን፡ ተሪኽ ውግእ ሕድሕድ፡ ድኽነትን ጥሜትን’ዩ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ውግእ ኣካል ታሪኽ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝግለጸሉ ምኽንያት ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ወሰን ኢልካ ምጽብጻቡ ኣድላይ ኣይመስለናን። ገለ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ንምጥቃስ ግና ወስ ምባል ኣድላይ እዩ።
ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ኣብ 50ታት ምስ ግዳማውያን ሰብ ረብሓ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ተሻሪኹ፡ ብዝተኸተሎ ዓመጸኛ መንገዲ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ኣፍረሶ፡ ሳዕቤኑ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ግዳይ ገይርዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ናጽነቱተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ኢሉ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረ፡ ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ መሬት ኤርትራ ክሳብ 1991 ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ተኻይዱ። ዝወዓልዎ ከም ዝመስከርዎ፡ በቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ሰብኣውን ነገራውን ክሳራ ምስ ኣውረደ፡ ብዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ።
ኣብቲ በቲ ሓደ ወገን ጽንዓትን ሓርበኝነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንዓለም እውን ዘገረመ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞት፡ ምጉዳል ኣካል፡ ምምራኽን ብርሰት ንብረትን ዝወረደሉ መሪር ውግኣት ተኻይዱ እዩ። እቲ ጉድኣት ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ከይተወሰነ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራትን ድኽነትን ከኣ ዘይርሳዕ ተዘክሮ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ውግእ ዝሓዘና ኢትዮጵያውያን ኣደታት፡ ዝዘኽተሙ ህጻናት፡ ዝተሰዳን ዝተበተናን ስድራቤታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ከኣ ክሳብ ሎሚ እንዳ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በሰላኡ ኣሎ። ነቲ ዘጋጠመ ህልቂትን ዕንወትን ዘኪርካ “ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ?” ኢልካ ሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ ድማ ብሰንኪ “ጎባጥን ኣስፋሕፋሕን ፖሊሲ መንግስታት ኢትዮጵያ” ካብ ዝብል ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ብወገን ኤርትራ ከኣ ኣብ ቅኑዕ ውግእ “ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን” ዝተኸፍለ ርትዓዊ ዋጋ ምንባሩን ብተግባር ምርግጋጹን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ድሕሪቲ መሪርን ነዊሕን ውግእ፡ መስርሕ ልኡላውነት ኤርትራ ብኸመይ ከም ዝተረጋገጸ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾነ ፍትሓውነቱ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሰወረ ኣይኮነን። “እዚ ኣብ መወዳእታ ዝተበጽሐ መደምደምታ፡ ብዘይቲ ኣዕናዊ ውግእ ክብጻሕ ዝከኣልዶ ኣይነብረን’ዩ?” ኢሉ ከም ዝሓትት ከኣ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከይድገም እዩ ክመሃረሉ ዝግበኦ’በር፡ ነቲ ዝበለዐ በሊዑ ዘኸተመ ውግእ ክጥመልሶ ዝከኣል ኣይኮነን።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንዝተወሰነ ዓመታት ዝምድናዊ ህድኣት ዝነበሮ ርክብ ጀሚረን “ደጊም ውግእ የለን” ዝብል ተስፋ ተራእዩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዝተጀመረ ህድኣት ዕድመኡ ሓጺሩ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ህዝቢ ብዘይተጸበዮ፡ “ውግእ 1998-2000” ተኸፊቱ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ካብቲ ናይ 30 ዓመታት ዝገደደ ክሳራ ምውራዱ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ዘሕዝነ ነይሩ። ብሰንክ’ዚ ዳሕረዋይ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ፡ ዜጋታት ከምኡ እውን ዝተኸስረ ንብረትን ዝሓደረ ቅርሕንትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኩሉ ክረኤ ዝጸንሔን ዘሎን እዩ።
ድሕሪ መሪር ውግእ፡ ባድመን ክሳራኡን፡ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነትን ተሳትፎን ብዝነበሮ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣቢሉ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሳጊሩ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን በብግዜኡ ዝተኸተሙ ስምምዓትን ዓለምለኻዊ ሕግታትን መሰረት ብምግባር፡ ናብ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ዶብ ተበጺሑ። ድሕሪዚ ድማ ደጊም ናብ ውግእ ኣይክንኣቱን ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት እንደጋና ተመሊሱ።
እንተኾነ እንደጋና ንህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከቢድ ዋጋ ናብ ዝኸፈለ “ውግእ ትግራይ” ተኣትዩ። እነሆ ሎሚ ድማ ዝሓለፉ ውግኣት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ዝደሊ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ሓደጋ የድበድብን ኣሎ። እዚ ሓድሽ ናይ ውግእ ንፋስ ዝነፍስ ዘሎ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ውግኣት “መዓስ እዩ ሰላማዊ መዕለቢ ዝረክብ፡ ካብዚ ወዲቐ ዘለኹ ቁጠባዊ ድኽነትከ ብኸመይ እየ ዝገላገል?” ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዩ። ናይቲ ናብ ኤርትራ ከቕንዕ ዝድለ ዘሎ ውግእ ምኽንያት፡ “ብዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ተፈቲኑስ ዘይተዓወተ” ፡ ከም’ቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝበሃል፡ ክለዓል ዘይነብሮ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት ኣይከኣልን።
ስለዚ እዩ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ፡ “ስለምንታይ ዘይከኣል ክነሱ፡ ከምዝከኣል ኣምሲልካ ብምቕራብ ህልቂትን ዕንወትን ይዕደም?” ኣገልግሎት ወደብከ ውግእ ብዘየኸትል ስልጡን ኣገባብ ክረጋገጽዶ ኣይካኣልንዩ? ዝብሉ ሕቶታት ክሓትትን መልሲ ክረኽበሎምን ናይ ግድን ዝኸውን። ብሓይሊ ወደብ ምውናን ኣይከኣልን ንብል ዘለና፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝበዝሕን ኢትዮጵያ ንቁጠባዊ ዕቤታ መተሓላለፊ ወደብ ከም ዘድልያን ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ድማ “ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድልየካ ናይ እንዳማትካ ብሓይሊ ምውናን ከምዘይከኣል” ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዝኽኻር’ዩ።
እዚ ክንብል እንከለና፡ “የድለየና እዩ” ብዝብል ብደዐ “ልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘጋጩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ቅቡል ከምዘይኮ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቕልበሉ ንምትንባህ እዩ። መስራቲትን ፈራሚት ቻርተራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ናይ ዝኾነት ሃገር ዜጋ እዚ ይጠፍኦ እዩ ኢልካ ምግማት’ውን ዘጸግም’ዩ። ኢትዮጵያውያን ከምቲ “ሓወልቲ ኣህኒጾም እምየ ምነሊክ” ዝብልዎም፡ ስለምንታይ’ዮም ዳግማዊ ምነሊክ ብዝኸተምዎ ስምምዓት ኣብ ምምእዛዝ ዘዕጠጥዩ ክሓስብሉ ይግበኦም።
ከምቲ ቀድማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ሓደ ናይ ፓርላማ መድረኽ ጉዳይ ምውናን ወደብ ምስተላዕለ፡ “ዓሰብ ናትና እዩ ዘብል ኩነታት እንተልዩ ምርኣይ ይከኣል። መንግስቲ ይትካእ’ዩ ሃገር ግና ኣይቅየርን። ዳግማዊ ሃጸይ ምነሊክ ዝፈረምዎ ውዕላት ሎሚ እውን እንግዘኣሉ እዩ። መንግስቱ ዝፈረሞ’ውን ንቕየደሉ ኣለና። ንሕና ንዝፈረምናዮ ከኣ መጻኢ ተቐቢሉ ክቕጽሎ ዝግባእ’ዩ። እቶም ስምምዓት ዓለምለኻዊ ውዕላት እውን እዮም። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክምስረት እንከሎ ኣብቲ ቻርተሩ ፈረምቲ ኢና። ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን መስራቲት ኣባል ሃገር’ውን ኢና። ኣብቲ ቻርተር ዘለዉ ዓንቀጻት ነኽብር ኢና። ነዞም ዓንቀጻት ኣኽቢርካ ኣብ መዳይ ሕጋዊ መጎተ ክንድቲ ዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኢና።…….ካብ’ቲ ሕግን ውዕላትን ወጻኢ ምኻድ ግና ኣይከኣልን።” ዝበሎ እቲ ጉዕዞ ዘዝሓለፈ ቀዲድካ ብምድርባይ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ተመኩሮኡ መዚኑ፡ “እንተዘይተዋጋእና” ንዝብሉ ገሲጹ፡ ኣንጻር ውግእ ምጽሕታርን ሳዕቤናቱን ንክስለፍ ስምዕናታ ነቕርበሉ።