ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ምስ ኣባላት ዞባ ኣወስትራሊያ ኣኼባ ኣሰላሲሉ

2025-12-14 12:11:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰድህኤ Published in EPDP News Read 203 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025፡ ጥምሮ ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ ብዝሰርዖ ምስ  ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኣወስትራሊያ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መቐጸልታ ናይቲ ብ6 ታሕሳስ 2025 ብምኽንያት ናይ ግዜ ፍልልይ  ምስ ካብ ኣወስትራልያ ወጻኢ ዘለዉ ኣባላት ዘሰላሰሎ እዩ።

 ኣብዚ ኣኼባ ኣቦመንበር፡ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኩሉ ሰልፋዊ መዳያት ዝተገብረ ምንቅስቓሳት፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ዝተራእዩ ምዕባለታትን ምስ ግደ ሰዲህኤ ብምትሕሓዝ  ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ኣብ መጻኢ ዓመት 2026 ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም ድማ ኣሚቱ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ ኣብቲ መብርሂኡ፡  ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ካብ ዝተዓሙ፡ ዓቕሚ ሰልፊ ናይ ምሕያልን ዝሓሸ መንገዲ ንምኽታልን ኣብ ነፍሲ ቤት ጸሕፈትን መዳይን ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ብደቂቑ ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መጻኢና ዝሓሸ ንክኸውን ዝሕግዝ ሓሳብ ንምውህላል መጽናኦቲ ዘካይዳ ሽማግለታት ተመዚዘን ኣብ መስሕ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ  ኣብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዝተኻየደ ስረሓት ንኢዱ፡  ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ገንዘባዊ ዓቕሚ  ንምሕያል ዝገበሮ ዘለዋ ተወፋይነት ብፍላይ ኣመጒሱ። ኣብ ቀጻሊ ዓመት ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣብ ዘዝተመዘሉ መዳይ ዝያዳ ኣድማዒ ውጽኢት ንከመዝግብ ኣተባቢዑ። ኣብዛ ትውዳእ ዘላ ዓመት ምንቅስቓስ ሰልፊ ንምልላይን ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቐነዐ ወፈራ ኢትዮጵያ ንምቅላዕን ኣብ ሓያሎ ማሕበራዊ መድያታት መግለጺ ክህብ ከም ዝጸንሐ ከኣ ጠቒሱ።

ኣተሓሒዙ ድማ ምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ኣብ ዘተባብዕ ደረጃ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ፡ ጽላል ንምስፋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት’ውን ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ   ውጽኢት እንተዘየመዝገበ፡ ዝተመሃርናሉ እምበር ዝኸሰርናሉ ግዜ ከምዘይነበረ  ሓቢሩ።  ኣብ መጻኢ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ጀሚርዎ ዘሎ 3ይ ጉባአ  ንምምስራት ሰፊሕ ጽላል ዘሕይል ውሳነ ክውስን ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ።

ህልዊ ኣህጉራውን ዞባውን ምዕባለታት ኣብ ዘልዓለሉ ዛዕባ ኣቦመንበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓለምና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዝረኣዩ ዘለዉ ቅልውላዋትን ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግታትን ጠቒሱ። ኣብዚ ከባቢና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ሱዳን ዝረኣዩ ዘለዉ ኣሰከፍቲ ምዕባለታት ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ወስታ ምኹኑይ ንክመስል ብዝሕግዝ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካለኦትን ንረብሓ ህዝብናን ሰላም ሃገርናን ዘዕንቅፍ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ድሕር’ቲ ዓሚቕ መብርሂ ኣቦመንበርን ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን፡ ተሳተፍቲ  ኣብዚ መወዳእታ 2025ን ድሮ 2026ን ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምፍጣሩ ንኢዶም፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ድማ ቀጻሊ ንክኸውን ዘለዎም ተስፋ ኣንጸባሪቖም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ መግለጺ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ከኣ ተወሳኺ ሓሳብ ብምሃብ፡ ሕቶታት ብምሕታትን ንዝያዳ ኣድማዕነት ይሕግዙ ዝበልዎም ርኢቶታትን ለበዋታትን ብምቕራብን ነቲ ኣኼባ ኣህብቲመምዎ።

ኣቦመንበር ኣብ መወድእታ ኣኼባ ክዛዝም እንከሎ፡ ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝነኣድ ምጽንሑ ደጊሙ ብምንጽብራቕ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎዝተፈላለዩ ገጻት ዘለዉዎ ብደሆታት ኣብ ምምካት ኣበርክቶኦም ከሕይሉ ብምጽዋዕ ኣኼባ ደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 14 December 2025 13:15