ኣብ ምህናጽ ኤርትራ፡  መራሕትን መሃርትን፡ ቀየስትን ፈጸምትን፡ ተፋላሰፍትን ተማራመርትን፡ ተኻላኸልቲ ልኡላውነትን፣ ክኾኑ ዝግበኦም ኣሻሓት መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ደልሃመት ስደት ንዝወርዶም ዘሎ ቀጻሊ ቅዝፈታት ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

ኣብ ኤርትራ፡ ቅትለት፡ መዋጸኦ ዘይብሉ ጨካን ማእሰርቲ፡ ማሕዩር፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ብሓጺሩ፡ ስግር እቲ ጸላም ብርሃን ዘይራኣየሉ ህይወት፡ ቀንድን መሰረታውን ምንጪ ወሓዚ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ምሉእ ፈሊጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሳቕዩ ይኹን ተጸሚሙ ሕልፈት ዘይረኽበሉ ህይወትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ንዘጋጥምዎ ሓሳረ-መከራን ቅዝፈታትን፡ ተቐርቂሩ ኣብ መጻብቦ ይርከብ`ሎ። ሰብኣውነት ዝሓረሞም ነጋዶ ሰብ፡ ሓረድቲ፡ ገፋዕትን ዓመጽትን፡ ካብ`ታ መጀመርታ ድርኩኺት ገዝኦም ክሳብ ኣብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሰፍ ዘይብሉ ናይ ሰብን ናይ ባህርን ሓደጋታት ዋላ እናፈለጥዎ፣  ክመርጽዎ ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግፍዒታት፡ ብልክዕ፡ ብቐለምን ቃላትን ክግለጹ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ክፍተንን `ውን ኣይግባእን። እቲ ምንታይ? ንዓና ንኤርትራውያን ጠንቅታቶምን ሳዕቤናቶምን  ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩሃት ስለዝኾኑ።  እሞ እንታይ ንግበር?

ልክዕ`ዩ፡  ተኻፈልቲ ናይ`ቱ ኩሉ ስቓያቶምን ህልቀቶምን፡  ብጽሑፍ፡ ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣምሪርና ብምሕዛንን ብምንባዕን፡  ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድን፡  ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ንሓደ ሰሙን ዘይኮነስ፡ ቀጻሊ ናይ ውጽዓታቶም ድምጽን ምስክርን ክንከውን ሃገራውን ሞራላውን ግቡእና`ዩ።  እዚ ጥራሕ`ዩ ድማ ንወለዲ፡ ንኣሕዋት፡ ንኣሓትን፡ ንቤተ-ሰብን ንምሉእ ሃገርን ጽንዓት ይሃብኩም ኢልና  ጽንዓት ክንኮኖም ምስ እንኽእል ጥራሕ`ዩ ሞሳን ጽንዓትን ዝኾኖም።

ስለዚ፡ ኩለን ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ማሕበረ-ሰባት/ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት (ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ) መንእስያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሓደ ተበግሶ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈታትን ጽንታን፡ ብሓደ ንምምካት፡ ኩሉ ዓቕማታትና  መሰረታትናን ኣለዓዒልና፡  ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ኣድማዕን ህጹጽን ሰላማዊ ሰልፊ ንክንገብር ንጽውዕን ነማሕጽንን።

ጽንዓትን ደበሰን ንኹሎም ቤተ-ሰብ- ግድያት ኤርትራውያን!

ርግኣትን ሰላምን ንሃገርና ኤርትራ

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራያን ንፍትሒ

ሰሜን ኣሜሪካ፡ ግንቦት 2፡ 2015

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

ኣብ ትሕቲ ``ኤርትራዊ ስኒት ንምድሓን ሃገር`` ዝብል ቴማ ሰሚናር ኣቃኒዑ

                                                                                 04/26/2015

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ኤርትራ ካብ  ኣትያቶ ዘላ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ከነድሕን ሙሉእ ዓቕምታት ንከነወሃህድ፡ ቅድም ጠንቂታት ምንጽጻግን ምንጽጻልን ክንብድህ --

  • ንሃገራዊ ስኒትና ዘዐንቅፉ ጠንቅታት ምልላይ:
  • ናይ`ዞም ጠንቅታት እዚኣቶም ታሪኻውን ባህርያውን ኣመዓባብሎኦም ምርዳእን ምንጻርን፡
  • ነዞም ጠንቂታት እዚኣቶም በዲህና፡ ንተሳባቢሩ ዝርከብ ሃገራዊ ምትእስሳርና ናብ ንቡር ክንመልስ መደብ-ስራሕ ተሊምና ነፈጽም  ... ዝብሉ ነጥበ ትሕዝቶታት ኣልዒሉ ዘትዩ።

ኣብ ሰሚናር ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ነጥብታት-  (1) ኣውራጃዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ምጉጅጃላት፡  (2) ኣድህቦና ኣረዳዳእና ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት፡ ኣብ ተርእዮታትን ፍጻሜታትን ተሓጺሩ ይትርፍ ምህላዉ፡ (3) ናይ ሓበሬታ ኣዘረጋጋሓ (ብደረጃ ኮሎራዶ)  ድኽመት ምህላዉ፡ (4) ዕለት ኣኼባታት ጊዜያቱ ዘይቀያየርን ቀጻልን ዘይምዃኑ፡ (5) ናይ ተግባረ-ስራሕ ፕላን ዘይምህላው ... ናብ ሓደ ከምጻኣናን ከዕሰለናን ኣይከኣለን ... ዝብሉ ጉዳያት ብቀጻሊ ብዝዓመቖ ደረጃ ክዝትዮሎም ከፈጽሞምን ተሳማሚዑ ።

ቀንዲ ዝተጸቕጠሎም ነጥብታት፡

  • ስርዓት ኤርትራ ከየልገሰ፡ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣይፍታሕን`ዩ። ቀንዲ ኣትኩሮና ናብ`ዚ ዝቐንዐ ይኹን።
  • ቀንዲ ጻዕሪታትና-  ንምርግጋጽ ቅዋማዊት ኤርትራ ይኹን።
  • ጉዳይ መንእሰያት፡ ብግቡእ ይጸናዕ። ኣብ ቃልሲ ክሳትፎም ዝኽእል ባይታ ይፈጠር። እዚ ጉዳይ`ዚ ከም ፍሉይ ኣርእስቲ ተታሒዙ ይዘተየሉ።
  • ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ይውሰድ። ኣነ ዘይገበርኩዎ  .. .. መን? ... ኢልና ነፍስና ንሕተት።
  • ክንግልገለሉ ዝግባኣና ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መስኖታት ይጸንዑን ይፈተሹን
  • ኣብ ኮሎራዶ- ናብ  ሰብ-ስልጣናት መንግስቲ፡ ማሕበራዊ ትካላት፡ ኣብያተ-ጸሎታት፡ ንጸገማት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽሑፍ ጥርዓንና ነቕርብ።
  • ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዘሳልጣ ናይ ኣድሆ ሽማግለታት ይቑማ።
  • ናይ ዝተፋላለዩ ጉዳያት ዝጸናዓ፡ ናይ ምይይጥ ክበባት ይፈጠራ ።

ኣብ`ዚ ሰሚናር`ዚ፡ ካብ መንእሰያት፡ ዓበይትን ደቂ ኣንስትዮን ዝጠቓለለት፡ ብጉዳይ መንእስያት ትዝትን ትጥርንፍን፡ ማሕበራዊ ናይ መራኸቢ መሳለጥያታት እተጽንዕን፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዋ ወለንታዊት ሽማግለ ወጺኣ።

ሰሚናር፡ ንቕድሚት ብዝሰፍሐን ዝዓሞቕን ዘትዩ መደብ ስራሕ ከውጽእ፡ ኣብ ግንቦት 31 2015 እንደገና ኣኼባ ክገብር ተሳማሚዑ።

ንዝክር!  እወ፡ ንዘክር፡ኣብ ኣእዛንና  ካብ ናይ ነጎድጓድ መዳፍዕ  ዝብርትዕ ድምጺታት ከቃልሕ ከሎ። ኣውያት፡ ስቅያት፡ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ደጋጊምና ንሰምዖን ንምኮሮን ስለዘለና፡ ኣብ ሕልምን ጋህድን ምሳና ይነብር ኣሎ። እወ ብሓዘን ንዝክሮ። ዘይንቡር ሞት! ህልቂት! ናብ ምጽናት ገጹ ዝቐንዐ ዋሕዚ ስደት መንእስያት፡ እወ የብክየናን የቖጣዓናን። ንቡር መዓስ ኮይኑ!! እንተኾነ፡ ናብ ዝሓለፉ ተመኩሮታትና ምልስ ኢለና ክንመዝን እንከለና ግን ብዘይምግናን ረሳዕቲ ኢና። ነዚ ጨካን ፍጻሜታት`ዚ ንርሰዖ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኣመና ረሳዕቲ ምዃና`ዩ።

ንዘክር፡ ላምፐዱሳን ነተን ክሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ ንነጀው  ዘጋጥማ ዘለዋ ላምፐደሳታትን ጨካናት ናይ ህልቂት ፍጻሜታትን። ብተለቭዥን፡ ብኢንተርነት...ንከታተሎን ንስምዖን ኣለና። መዓስ ካብ ቀልብና ተሰዊሩ? ንዘክር`ውን ንሓተታን ትሕዝቶ መልእኽትን ``ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?`` እወ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣቦታትን ኣቡናት ንህይወቶም ከይሰስዑ  ንስቓይ ኤርትራውያን ብትብዓት ዘቃልዑ። ረሳዕቲ ብምዃና ግን ንርስዖ፣ ምርሳዕ ከም ባህሊ ኣታኣታቲናዮ!! ኩነታት ክንህር ንንህር፡ ቁርብ ዝሕል እንክብል`ከ፡ ንስወር።

እዚ ንሰማዒ ዘደንጹ ክንሰምዖን ከም ሓዱሽ ክጋሃድን ከሎ ግና ተመሊሰና ሓውና ሓብትና፡ ወይ ቤተ-ሰብና ወይ`ውን መሓዙትናን መተዓብይትናን፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሰህራ፡ ኣብ ምድረ-በዳ  ሲናይ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም  ናይ ስቓይ ደውል ክድውሉ ከለዉ .. እወ፡ ንሓዝን! ንበኪ!  ግን ንግዚኡ ሕ-ል-ፍ  ወይ ዝሕል እንተ ኢሉ..  ቀልጢፍና ንርሰዖ።

ስቕታ`ውን ኣሎ። እወ፡ ስቕታ ወዝቢ ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ፡ ብንሓፍነት ወይ እንታይ ገደሰኒ ስምዒታት ክደጋገም እንከሎ፡ ዘይንቡረ ከም ንቡረ ይውሰድ እሞ፡ መርገጽ ወይ ባህሊ ይኸውን። ኣብ ኤርትራ ብስቕታ ክሕለፍ ዘይግበኦ ግን ዝተሓልፈ ጸብጺብካ ኣይውዳእን`ዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንርእዮ ዘለና ተረኽቦታት ከም ህዝቢ ውጽኢት ወይ እኩብ ድምር ናይ ነዊሕ እዋናት ስቕታና`ዩ። ስቕታ- ምስ ሃየንታ! ምስ ነውሪ! ክሳብ`ውን ምስ ገበን ይቑጸር`ዩ። ኣሕዋት ነፍስ ወከፍና ንነብስና ንክልኢት እሞ ንመርምር፡ እወ፡ ንስቕታ ከም ባህሊ ርዒምናዮ ኣለና !!!

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ውሁብ ኩነታት፡ ሃፈጽታን ሳዕቤንን ላምፐዱሳ እዩ ፈጢርዎ።  ሃለዋት  ፈሕፋሕ፡  ምጉጅጃል፡ ምንጽጻግን፡ ምቅንጻልን፣ ብሃለዋት ሓድነት፡ ብሓባር ምስራሕ ክትክእ`ሞ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ መጠን ንናይ ሓባር ጸገማትና ተዛቲና ክንፈትሕን፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ኣብ ምርግጋእ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩሉ ክንገብር ዘዓለመ`ዩ ነይሩ።  እሞ`ኸ ድሕሪ 20 ጥቅምቲ 2013 እንታይ ኣሳላሲልና? ዝተኻናወነን ዝተፈጸመ እወንታን ኣሎ። ብመጠን እዚ ዝወርደና ዘሎ ሃገራዊ ክሳራታት ክረአ ከሎ ግን ብዘይምግናን ኣብ`ቲ ደረጃ ናይ 2013 ኢና ዘለና።

ሎሚ ቕነ፡ ንምሉእ ዓለም፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ከኣ ፍሉይ ኣትኩሮ ሂቡ ዘነቓነቐ ህልቂት ስደተኛታት፡ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራተ(UNHCR) ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ምዃኖም እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ካብ ሱርያ፡ ካብ ሓውሲ ሳህራ ሃገራት፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያን ድማይርከብዎም። ካብ እዚኣተን ኣዚያ ውሑድ  ዝህዝባ ኤርትራ ክንሳ፡ ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዜጋታታ ናብ ስደትን ናብ ህልቂትን ክኣትዉ ከለዉ እንታይ የስምዕ?

ሃይማኖት ሰበብ ብምግባር ንሰብ ብኻራ ምሕራድ`ከ እንታይ ንምብጻሕ ዝሃቀነ ኮን ይኸውን? ብርግጽ፡ ካብ ምሕራድ ክርስቲያን፡ ሃይማኖት እስልምና ዝኸስቦ መኽሰብ የልቦን?  ሃይማኖት እስልማና፡ ካብ ከም`ዚ ዝበለ ፍጻሜ ዝኸስሮ እምበር ዝኸስቦ ቅንጣብ`ውን ትኹን የብሉን። እዞም ኣሸበርቲ ሓይልታት ግን ካብ ምብኣስ ምስልምናን ክርስቲያንን ዝኸስብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸቢብ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዕለማ ዘንቀዶ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎዎም። ኤርትራ፡ ናይ ተኸተልቲ እምነታት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ብሓደ ተሳንዮም፡ ተጎራቢቶም፡ ተመሓዝዮም ንዝፍጠሩ ማሕበራዊ ጸገማቶም ድማ ብዘተ ፈቲሖም፡ ንኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት  ብሓባር ዝጸንሕዋ ሃገር`ያ። እዚ ባህሊ`ዚ፡ ብዝማዕበለን ብዝደልደለን፡ ናብ ናይ ስኒት ባህሊ ከነማዕብሎ፡ ናይ ነፍስ ወከፍና ዘየማትእ ሓላፍነት`ዩ።

  • ኣሸበርቲ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይሃማኖታውን  ኢሰብኣውን ተግባራት ኣትሪርና ንቃወሞን ንኹንኖን፣
  • ንነጋዶ ሰብ፡ ካብ ስሰዐ ገንዘብን ሽፍትነትን ነቒሎም ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣስካሕካሒ ተግባራት፡ እንዳኾነና ኣፍቀርቲ ፍትሒ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን፡ ከካብ ዘለውዎ ለቒሞም ናብ ፍርድን ሕግን ከቕርብዎም ንጽውዕ።
  • ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወስደ ቅትለትን ሽበራን ጠጠው ክብልን፡ ንመሰል ስደተኛታትብምልኣት  ከኽብሩን ንጽውዕ።
  • ስርዓት-ኣስመራ፡ ክብርን ድሕነትን ዜጋታቱ  ዘየኽብርን ዘይሕለቕን ምዃኑ ብሩህ`ዩ። ስለዝኾነ፡  ብዝኾነ ዓይነት መዐቀኒ ንኤርትራን ህዝባን ክውክልን ብዛዕበኦም ክምድርን ርታዓውነት የብሉን።
  • ሱር ነገርን፡ ቀንዲ ጠንቅን ምኽንያት ናይ ስደት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ከይተቐየረ፡ ስደትን ጥፍኣትን ቀጻሊ`ዩ።
  • ስለዚ፡ ኩላህና ደቂ`ዛ ሓላል መሬት ፍልልይና ኣወጊድና ከም ኤርትራውያን፡ ብስኒትን ብሓድ-ሕድ ምልዛብን ምክብባርን፡ ጉዳይ ምድሓን ህዝብናን ሃገርናን ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ብስም ኩሎም ሰማእታትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብዝጠፍኡ ዘሎዉ ግዳያት ዜጋታትና ንማሕጽን፡
  • ጻማ ስዉኣትና ከነረጋግጽ፡ ስደተኛታት ኣሕዋትና ካብ ምኽንያት ስደቶም ክሳብ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዘጋጠሞም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ፍጻሜን፡ ግቡእ ፍትሒ ክረኽቡ ጻዕርታትና ይቐጽል!

ስዉኣትና ብግብርና ይደበሱ!

ጽንዓትን ደበስን ንቤተ-ሰብ ግዳያት ኣብ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕርን

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

                                        

                                                                                  ሚያዝያ 26 2015

 

 

Saturday the 25th 2015, Eritreans and Ethiopians held a candle vigil night in Oakland (Lake Merritt) to remember the 350 Eritreans who perished in the Mediterranean Sea on April 15, for Ethiopians and Eritreans who were brutally massacred by ISIS in Libya,  and those Africans who fell victim to xenophobic attacks in South Africa.

People gathered in the Candle Vigil expressed their deep shock and sadness over these recent events that left us horrified not only as Africans, but as human beings in this world.

Some of the participants delivered their messages and outlined the universal right of every human being to be treated with dignity on our planet, regardless of their background and wished love and understanding among all.

At last participants prayed may the victim souls rest in peace and may their families find the strength to deal with the loss of a loved one under such inhumane circumstances.

Candle Vigil Organizing Committee – Oakland
(The same committee that organized the same event in October 2013 after the Lampedusa Tragedy,
http://asmarino.com/…/1874-eritreans-in-oakland-ca-held-can…)

ናይ ሽምዓ መብራህቲ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን አፍሪቃውያንን ግዳያት

ቀዳም 25 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነበርቲ ኦክላንድ ቤይ ኤርያ አብ ለይክ ሜሪት አብ ዝርከብ ፓርክ ነቶም 350 አብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝሃለቑ፡ ነቶም ብአኽራሪ ጉጅለ ዳዒሽ ተሓሪዶምን ተረሺኖምን ዝተቐትሉን ነቶም ብጽልኢ ወጻእተኛታት አብ ደቡብ ተጨፍጨኢፎም ዝተቐትሉ ንምዝካር ናይ ሽምዓ መብራህቲ አካይዶም።

እቶም አብቲ ቦታ ዝተአከቡ ተሳተፍቲ ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ህልቂት ዓሙቕ ቁጥዔን ሕርቃንን ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም። ከም አፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮነስ ከም ፍጡራት ደቂ ሰባት ድማ ነቲ አስካሕካሒ ተረኽቦ ኮኒኖሞ።

ሓደ ሓደ ተሳተፍቲ ነቲ እኩብ ህዝቢ መልእኽቶም አብ ዘመሓላለፉሉ እዋን ዓለምለኻዊ መሰል ደቂ ሰባት ብዘይ አፋላላይ ክኽበር ተላብዮም፡ ሰላም ፍቕርን አብ ሙሉእ ዓለም ንኽሰፍን ድማ ተመንዮም።

አብ መዛዘሚ ኩሎም ተሳተፍቲ ንግዳያት ናይ ዘልአለማዊ ዕረፍቲ ክረኽቡ፡ ስድራን መቕርብን ግዳያት ድማ ጽንዓት ንኽረኽቡ ናይ ሓባር ጸሎት አካይዶም።

አዳላዊት ኮሚቴ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ - ኦክላንድ

እዛ ኮሚቴ አብ እዋን ላምፔዱሳ ተመሳሳሊ መደብ ምድላዋ ይዝከር (http://asmarino.com/…/1874-eritreans-in-oakland-ca-held-can…)

  

ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ብ April 25, 2015፡ ንዝኽሪ ግዳያት መዲትራንያን ባሕርን ግብረሽበራዊ ቅትለት ናይ ንነብሱ ብ ISIS ዝፈልጣ ግብረሽበራዊ ጉጅለን ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ-ስርዓት፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቃል።


ደቕና! ረኸብቲ መከራ!


ደቕና! ረኸብቲ ጋዶ! ረኸብቲ መግደራ!


ደቅና! ሰብ-ቃላይ-ዳግማይ ሰቲሞ!


መናእሰይ ካብ ምድሪ ዓደቦኹም ዘንፍጸኩም ዘበርግገኩም ዘሎ፥ ኣብ ኢድ ኣረሜናውያን ክትወድቁ፤ ክጋናዘይልኩም ዕድል ዝህብ ዘሎ፣ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ዘሎ መን ኢዩ? ሰበቡን ተግባራት ገባሪኡን እንርእዮ ዘሎና ኢዩ።እዚ ግን ንሓዋሩ ኣይኰነ። ኤርትራዊያን ብሕብረት ከም ጥንትና ተሓቛቚፍና ክሳዕ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ። ሓቢርና ክንዝቲ፣ ዝጐድኣናን ዝጠቕመናን ክንፈልጥ፣ዘባእስና መሰረታዊ ነገር ከም ዘየሎ ከነለሊ ምስ ከኣልና ኢዩ።ፍቕሪ ናይ ኣሕዋት ዘይደልዩ በቲ ዓቢ ምድዋኦም ሰለ ዝሸርዉናን፥ ሓድሕድና ስለ ዘጋራጪውናን እንሆ ሓደ ኣካል ንምዃን ግዜ ወሲዱልና ይርከብ። ግዜ ክንዲ ዝወሰደልና ድማ እንሆና ንጠፍእ፣ደቕና ይብርግጉ፣ቀለብ ዓሳ ይዀኑ፣ማዕበል ሑጻ ይደፍኖም፣ብኢድ ኣረማያን ይቕተሉ፡ ኣብ መዓሙቝ ባሕር ይሰጥሙ ኣለዉ።እንታይ’ኮን ኢና ኰይና፡ ቑሩብ ዘይነስተውዕል፣ቑሩብ ፊኒሕኒሕ ዘይንብል።ብኣንጻሩ፡ክንዲ ንፋቐር ንጻላእ፣ክንዲ ንሓብር ንበታተን፡ክንዲ ንከባበር ንነኣእስ፣ክንዲ ንቀራረብ ንረሓሓቕ። እዚ ዓይነት ተርእዮ ወለድና ዘውረሱና ኣይከነን። ጐራሓትን ሕሱማትን ኣንቀላዊጦም ካብ ደገ ዝጐተቱልና ኢዩ።ነቲ ዘስምረና ገዲፍና ነቲ ዘባእሰናን ዝበታትነናን ንመርጽ፣ንምብትታን ንፈጥን።ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ሻቢቡና ዘሎ።ነፍስና ወኪልና እንተ-ንቀራረብ ኩሉ ሽግርና ዓይኒ ንርእአ፡ ንፈናተይ፡ዝርግርግ ይኣትወና፣ደቕና በብሓደ ይነፍጹ፣ገበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ክንጻወት ንፍትን ኣሎና። ኣብዚ ኵሉ ሕሰምን መከራን ዘእትወና ዘሎ፣ከም ኣቦታትና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብሉ ሓራናት ስለ ዝሰኣንና ኢዩ።


ዛንታ ጀጋኑ ሃገርና ምስ እንፍትሽ፣ምስ ዝተፈላለየ ሽግራትን፣ ጸላእትን ወትሩ ብሕብረት ምስ ተሓናነቑ ኢዮም። ኣብ ጽንኩር ግዜ፡ ኣዋጅ ጀጋኑና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል’ዩ። እንታይ ማለቶም’ዩ ? ጀጋኑና ሓድሓደ ግዜ ንቕድሚት ዝሰጥሉን ደው ዝብልሉን ደረት ወይ ቀይሕ መስመር ኣለዎም። እቶም ጀጋኑ ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን ዝብል ቃል እንተ-ኣስሚዖም፣ብጸላኢኦም፣ክድፍኡ ጸኒሖም ናይ ግድን ጠጠው ዝብልሉ ኢዩ። ንሱ ከኣ “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል ድምጺ ምስ ኣቃልሑ ዝፍጸም ኢዩ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ምስ ተባህለ ሓቢሮም ምስ ጸላኢኦም ኣትኪሎም ክሳዕ መወዳእታ ዝተሓናነቕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። ምኽኒያቱ ክኒዮ’ዚ ዓዲ የለን ስለ ዝተባህለ። ኣቦታትና በዚ እምነት’ዚ ነታ ሃገርን ንታሪኻን ዓቂቦሞ። በዚ ታሪኽ’ዚ ነዛ ምድሪ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ኣናጊፎማ።ሎሚ ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ጀጋኑ ጌና ኣይረኸብናን። ደቕና ኽጠፍኡ ከለዉ ስቕ፣ ፍትሒ ክጠፍእ ከሎ ስቕ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ክገሃስ ከሎ ስቕ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ሓራናት ኣይተረኽቡን። ጠፊኦም ማለት ግን ኣይኰነን፤ስለ ዘይተበራበሩ ኢዩ።


ሎሚ ነታ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ጸላኢ ኣባሪሮም ነጻ ዝገበርዋ፡ምድሪ ዓደበኹም ገዲፍኹም፡ ነፊጽኩም ኽትጠፍኡ ዝደፍኣኩም ዘሎ ኵነት እንታይ’ዩ!። ብርግጽ ሓቢርና ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ስለ ዘይበልና ኢዩ።


እወ፡ገለ ብዱዓት ጸጊቦም ክብልኹም ንሰምዕ ኢና። “ ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝተባህለ።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ዘይለዓቱ ኢዩ። እንታይ ዘጽግብ ምስ ረኸብኩም’ሞ!።


እቲ ምኽኒያት’ስ ካልእ ኢዩ። ዓው ኢልኩም ክትዛረብዎ ዘይከኣልኩም፣ ”ዓው ኢልካ ዘይብከይ ሞት ሕጹይ” ዝዀይንኩም ነገር’ስ ኣሎ። እቶም ጸጊቦም’ዮም ዝብልኹም፣ ወያ ጽጋብኩም ጽጋቦም ትኹን እንተበልናዮም መርገም ከይኮኖም፣ኣሕዋትና’ዮም። ውዒልና ሓዲርና ጡብ ኣዴና ኤርትራ ዝዓርቀና ኣሕዋት ኢና።


ከምኡ እንተበሉ’ውን ካብ ልቦም ዝመጸ ኣይኰነን። ከምቲ ዝስሞዓና ይስምዖም ኢዩ። ፈጺሙ ጠፊእዎም ክበሃል ኣይከኣልን፤እንታይ’ደኣ ብመውረርያ ትሑዛት ኢዮም፤ገጽ-ርኣይነት ስለ ዝሓየሎም’ዩ ኢዩ።እዛ ሓላፊት ዓለም ነባሪት ስለ ዝመሰለቶም፣ብልሳነን-ቅብጥር ዝበልዎ ኢዩ። ልቦም ግን ይዕዘቦም ኣሎ። ”ኣፍ ክዛረብ ልቢ ይንዕቕ” ከም ዝተባህለ። ሓቂ ተዛሪብካ ምሙዋት ዓቢ ክብሪ ምዃኑ ተረሲዑ። ምሕረቱ ይልኣኸልና። ኣብ ርእሲ ኵልና ዝደየበ፡ ግዜ ዝበልዐ ስኽራን ቀልጢፉ ካብ ሰብነትና ይውጸኣልና። ካብዚ ሓሊፉ ግን መን ኢዩ እናረኣየ እናሰምዐ ኣብ ሓዊ ክትጥበስን፣ብኻራ ከም ጤል ክሕረድን፣ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትሰጥምን ዝመርጽ?። ከመይ’ሉ ከምኡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰብ ይመጽእ። ሕጂ’ውን እቲ ጸገም ዝፍታሓልና ”ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን “ ኢልና ምስ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ።
ዋይ! ዋይ! ዋይ! ስለ መከረኛታት ‘ደቅና!


ንዓኻትኹም ዘይከውን እዋን መጺኡኩም።እዚ እዋን’ዚ ከምቲ ቀደም ዝሓለፈ ክፉእ ዘመን ዘይሓልፍ ኣይም’ሰ’ለና። ግድን ክሓልፍ’ዩ። እቲ ዘይሓልፍስ ሕማቕ ታሪኽ ጥራይ ኢዩ።
እዚ ባሕሪ’ዚ ናይ ኣቦሓጎታትኩም ስጋ ዝለመደ ኢዩ። ናይ ሰቲሞ ጥፍኣት’ኮ ነዚ ኢዩ ዘዘኻክረና።እቲ ምድግጋሙ ግን እንታይ ንበሎ!! ንሕና ዲና ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፣ወይስ ኣምላኽ’ዩ ካባና ርሒቑ። መን’ዩ ቅድም ዝረሒቐ? ስለ ሓቂ ግን፡ንሕና ባዕላትና ኢና ክንርሓቕ ዝጀመርና ባዕላትና ምዃንና ዘይከሓድ’ኢዩ። ፈጠርትና ለኒንን ማኦን ምስ ገበርና። ሕጂ’ውን እቶም ንህልዊ ኣምላኽ እንኣምን፣እቶም ዓለም ሓላፊት ምዃና እንኣምን፣መከራና ክውድኣልና ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንንገሮ፣ንሱ ከድሕነና ኢዩ። እታ ጀጋኑ ምውላድ ዝለመደት ማሕጸን ኣዴና ኤርትራ’ውን ጀጋኑ ክትፈሪ ክትነብር እያ።እትመክን ኣይምሰሎም።


እዚ ጥፍኣት’ዚ ጠጠው’ዶ ነብሎ ወይስ ጨሪስና ክሳዕ ንጸንት ከምኡ’ሉ ይቐጽል።ኣዚዩ ከሻቕለና ዝግብኦ ነገር ኢዩ። ብርግጽ ደቂ ሃገር ሓድሕድና ስኒት ሓሪሙና፡ ጌና ክንጻላላእን ክንረሓሓቕን ብዓይኒ ትዕቢትን ጽልእን ቅርሕንትን ቀጻሊ ክንጣማመት እንተዄንና ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ካልእ ጥፍኣት ምዕዳም ኢዩ።ስለዚ ሃየ ኣሕዋት ልቢ ነዕቢ!ንሰላምን ፍቕርን ሓቢርና ንወጥጥ!!


ዝፈሰሰ ደም ኣሕዋትና ከም ደም ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ቀሪቡ ክጠርዓልና ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ።
ዅልና ደቂ ሃገር ምስትውዓልን ልቦናን ይፍጠረልና።


ዝተቐያየሙ ኣሕዋት ዝተዓረቕሉ፣


ዝተጻልኡ-ዝፋቐርሉ፣


ዝተፈላለዩ ሓደ ዝዝኾንሉ፡


ብፍቕርን ብሓደ ሓሳብን ዝኸድሉ፣ብሓደ ቅልጽምን ዝምክትሉ፣


ሓቢርና ንዓድና ብሰላም ክንነብራ እንኽእለሉ ።እዋን ይምጸኣና።


ሃየ ምዕሻው ይኣክለና፣ምብትታን ይኣክለና፣ ኣብ ሕቝፊ ኣዴና ኤርትራ ንተሓቛቘፍ። ኵልና ነጻ ኴይና ንሕሰብ።እቲ ጉዳይ ናይ ኵልና ኢዩ፡ሓቢርና ንምከር።ንመፍቶ ወዲ መን’ከ ኢዩ፥ደርጒሕና ንዛራረብ።ዕጥቂ ኣቦታትና ኣይነዝልቕ ሓደራ።

ከምኡ እንተ ዘይገይርና ጥፍኣትናን ብርሰትናን ቀልጢፉ ክመጸና ብፍቓድና ንዕድሞ ከም ዘለና ኣይንስሓቶ!!


እታ ሃገር ብደም ናይ ክሎም ሃገራውያን ዝመጸት ምኳና’ውን ኣይንረስዓዮ፤ እቲ ቀንዲ ሰበብ ነዚ ምርሳዕና ኢዩ።


ንቤተሰብ ረኸብቲ መከራ ጽንዓት ይሃቦም!


መንግስተ ሰማያት ንሰማእታት ደቅና!

 

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass Roots Movement) ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ኣሓትና፥ የሕዋትናን ደቅናን ዘጋጠመ ናይ ባሕሪ ህልቂትን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝተፈጸመ ብ ISIS ናይ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣሰቃቒ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንመወትቲ መንግስተ ሰማይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ድማ ብፍላይ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

     ንግዳያት ናይ’ዚ ተደራራቢ ሓደጋታት’ዚ ንምዝካርን፡ ሓዘንና ንምግላጽን፡ ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነ-ስርዓት መደብ ኣዳልዩ ኣሎ።

     ናይ ሽምዓ ምብራህ ስነ-ስርዓት ዝግበረሉ ቦታ፡ 720 Hambrick Rd, Stone Mountain, GA 30083

                                ዕለት፡ ንቐዳም April 25, 2015

                                                       ሳዓት፡ 4፡00pm

ወገናትና ንምዝካር ዝተወሰነ ሳዓታት ካብ ግዜና ንሰውእ።

ኣዳላዊት ሽማግለ።

ዶክተር ባይሩ ስዩም ብዝሓደሮ ናይ ካንሰር ሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ሚያዝያ 19, 2015 ዓሪፉ። እቲ ኣብ ምምህርና ዓለም ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዝልለ ዶክተር ባይሩ ስዩም ሕልንኡ ከየዕረበ ነቲ ዝወረዶ ሃንደበታዊ ሕማም ክጻወሮን ክብድሆን ድሕሪ ምጽናሕ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ብደቁን ቤተሰቡን ፈተውቱን ተኸቢቡ ከሎ ብሰላም ዓሪፉ።  

ናይ ምብጻሕን ቀብርን ሓበሬታ/VISITATION AND BURIAL INFORMATION

መዓልቲ/DATE፡ ሓሙስ ሚያዝያ/Thursday April 23, 2015

ናይ ጸሎትን ፍትሓትን ቤተክርስትያን/CHURCH SERVICES

ቅዱስ የውሃንስ ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን

St. John’s Evangelical Lutheran Church

274 Concord Avenue (Concord is one block west of Ossington and South of Bloor St.)

Toronto, Ontario, Canada

ግዜ/TIME: 12:00 PM

ናይ ቀብሪ ቦታ/CEMETERY

Winchester Cemetery (East of Sumach street, North of Carlton Street)

200 Winchester Street, Toronto, Ontario, Canada

TIME/ግዜ፡ 2:00 PM

ናይ ድሕሪ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ቦታ/After burial

(ካብ ሰዓት 4:00 PM ጀሚሩ ቤተሰብ ኣብዚ ዝስዕብ ቦታ ክቕመጡ እዮም)

847 Dovercout Rd. Owel club (Veteran Hall), Toronto, Ontario, Canada

3 blocks North of Bloor Street)

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ንመንእሰያት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ናይ ምኽርን ለበዋን ቃል።


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን!

ዝኸበርክን ኣሓትን!

ዮሃና ንሰሚናርኩም!!


ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ’ሎም ተኣኪቦም ክትርኢ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘሐጕስን ተስፋ ዝህብን ጉዳይ ኢዩ። እዚ ሰሚናር’ዚ ንባዕሉ ናይ ተስፋን ሓይልን ብርታዔን ነጸብራቕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ዝተኣከቡ ኣሕዋት ዝገብርዎን ዝኾንዎን ስለ ዘይስእኑ። ኣሕዋት ከምዚ’ሎም ምስ ተኣከቡ ጥራሕ’ዮም ድማ፡ ሓድሕዶም ሓሳብ ዝለዋወጡን፡ ብሉጽ ሓሳብ ዘመንጪዉን፥ሓድሕዶም ዝሰሓሓሉን ዝበላልሑን። ከምዚ’ሎም ከይተጋብኡን፡ ርእሲ ንርእሲ ከይተወሃሃቡን ኣብ ጭቡጥ ቑምነገር ክብጽሑ ኣይክኣሎምን። ምስ ተኣከቡ ግን፥ እቲ ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጐዳኢ ነገራትን ጐርብታትን ክገሃደሎም ይኽእል። ወይ’ውን ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ጠቓሚ ነገራት ቀልጢፎም ክበጽሕዎን ክጥቀምሉን ይኽእሉ። ስለዚ ሓቢርካ ምትእኽኻብን ምዝታይን ልክዕ ከምቲ ክልተ ካራታት ሓድሕድም ተጋጪዩም ዝተማምሁን ዝበላልሑን፡ልክዕ ከምኡ ማለት ኢዩ።


ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሓድሕድካ ዘይምርኽኻብን ምፍንታትን፡ ነቲ ዝኸፍአ ኣዕናዊ ነገራት ዝዕድም ኰይኑ ይርከብ። ሓድነትካን ስምረትካን ዘይደልዩ ሰንካማት ሰባትን ወገናትን፣ መታን ኣሕዋት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምትእኽኻብን ውህደትን ኸይበጽሑን ከየፍርዩን፡ ተቓዳዲሞም ነቲ ሰናይ ተበግሶኦም ክዘርጉሎምን፡ ክቘጽይዎን ፡ዘይመልክዑ ከልብስዎን ዘይፍትንዎ የለን። ሓድሕድካ ዘናቝት መዝረጋታትን እኩይ ብልሓትን ተጠቒሞም ክበታትኑኹምን ክበታትዑኹምን ከም ዝጽዕሩ ክትስሕትዎ ዘይግባእ ነገር ኢዩ። ጌና በቲ ዓቢ መስአ-ሰይጣን ገይሮም ክምስእዩኹምን ኽሸርዉኹምን ምዃኖም ቀልጢፍኩም ቆብ ኣብልዎ። ነዚ ምስጢር’ዚ እንተ ዘይፈሊጥኩምን ተንዛሕሊልኩምን፡ነቲ ዕርፊ ሓድነት ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ብቑዓት ከይኮንኩም ትተርፉ። ኣብቲ ኵሉ ከይበጻሕኩም ድማ ጪብጦ-ሑጻ ከም እትዀኑ ተገንዘብዎ።


ኣሕዋት ተኣኪቦምን ሓቢሮምን፡ ንዅሉ መሽጐራጉር ጸላኢ እንተ ዘይኣለልዮሞን ዘይፈንጺገሞን፣ወትሩ ጥበብ ጸላኢኦም ከየለለዩ፥ በቢዝመሰሎምን ዝተሰመዖምን፡ከከም ዝተሓርጐትዎን ዝተጸለውዎን፡ በቢዝመረጽዎ ጐደናታት ይጐዓዙ፣ይዕንድሩ፣ልቢ ንልቢ ከይተረኻኸቡ ይነብሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡እቲ ሓደ ዝሓሰቦ ሰናይ ነገር ነቲ ካልእ ኣይጥዕሞን፡ኣይምቅሮን። ብዘይ ኣፍልጦን ቅኑዕ ምኽንያትን ይጻረሮን ይዕንቅፎን። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ዘይለዓቱ፡ዓይኑ ዓሚቱ፡ ምስ ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣሳቢቡ ንሓድነትን ህላዌ ሃገርን ዝፈታተን ሰባብ ድምጺ-ኣባይ እናቃልሐን እናደበለን ኣብ ቀጻሊ ዕንክሊል ይነብር። ነዚ ኵነት’ዚ ኢና ከኣ መ ር ገ ም ኢልና እንጽውዖ።


ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘሎኹምን፡ ካልኦት ዘይተኣከቡ መናእሰያትን፥እዚ ግዜ’ዚ ሓድሕድኩም ደሃይ እትፈላለጥሉን፡ እትደላለይሉን፡ እትቀራረብሉን፡ንዝተበላሸወ እተዐርይሉን፥ዝፈረሰ እትሃንጽሉን፡ንዝዓሸወ ናብ ልቡ እትመልስሉን፡ ቅያታት እትሰርሕሉን ወርቃዊ እዋን ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስወጠኩም ይግብኦ። ወያ ምድሪ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት መልክዓን ቃናኣን ተለዊጡ፡መፍቶ ጸላእታ ክትከውን ዘይትፈቕዱ፡ ሓራናት ዘርኢ ስለ ዘለኹማ፤ካብ ሕሰማ ከተናግፍዋ ግድነታዊ ዕማምኩም ይኸውን።


መንእሰያት ብሓባር ተላዒልኩም፥ህዝብኹም ኣተሓባቢርኩም፡ብሓደ ድምጽን ብሓደ ኢድን ንሃገርኩም ኤርትራ ካብ ዝተጎርበሰትሉ ህጕም፣ ካብ ዝተዋሕጠትሉ ሰልሚ ዘቚቝኩም እተውጽእዋን፡ ብኽልተ ኣእጋራ ደው እተብልዋን ንስኻትኩም ኢኹም። እቲ እዋን በሲሉ ይጽበየኩም ኣሎ፣ብብስለት ግጠምዎ! ህልዊ ኵነታት ሃገርኩም ኣጸቢቑ ከሕስበኩምን ሓቕየኩምን ይግባእ።

እታ ዓዲ ምዑታት ጀጋኑ ዝነበረት፣እታ ንመላእ ዓለም ዘስተንከረት ንእሽቶ ሃገር፡ነቲ ዝተደወነ መልክዓ ሃየ! ኣብርህዎ። ሃየ! ተስፋ ኣይትኽልእዋ።


እዞም ሎሚ ተጋቢእኩሞ ዘሎኹም ብቐጻሊ ምስቶም ዘይመጹ ኣሕዋትኩም ደቂ ኤረ ብሕብረት ክትለዓሉን፡ንመላእ ህዝብኹም እናተሓባበርኩምን፡ ኣብ ምሉእ ተጋብኦ በጺሕኩም ቁምነገር ክትገብሩን፡ትጽቢት ህዝብኹም መልሲ ክትረኽብሉን፡ኣብ ዝባንኩም ዝተለጠጥኩሞ ሓላፍነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ክስቘረኩም የድሊ።ከምቲ ዝድለ ብስፍሓት ተጋቢእኩም ንዅሉ ምስ ፈተሽኩሞ፡ እቲ ሓቂ ኳዕ ኢሉ ክበርሃልኩም ኢዩ። ሽዑ ከኣ’ዩ ኣተሓሳስባ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ሓጺርን ስምዒታውን ዝኸውን፡ ብሱልን ሰፊሕን ዓሚቝን ሓላፍነታውን ክኸውን ዝበቕዕ። ሽዑ’ዩ ዛዕባ ታሪኻዊ ኣቃዉማን ኣመጻጽኣን ምትእስሳራትን ናይ ሕብረተሰብና ኣጸቢቑ ርዱእ ዝዀነልኩም። ሽዑ ጸላእቲ ሰርሲሮም ዝኣትውሉ ቀዳዳት ኵሉ ክትለኩዎን ክትልኵትዎን ኢኹም።


ኣውራጃን ሃይማኖትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝጸንሐ፡ ርዱእን ቅቡልን ትሕዝቶ ዘለዎን፡ ንዘመናት ብሰላም ዘነባበረናን ዘካየደናን ናትና ሃብቲ ምዃኑ፡ነቶም ከይፈለጥዎ ዝጸንሑ ኣጸቢቑ ክበርሃሎም ኢዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ነዚታት ጠማዚዞም ክጥቀምሉ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ኢዮም። ሽዑ ነቲ ኵሉ ጸላኢ ዝዘርኦ፡ኣእሻዅን፡ሓድሕድካ ምጽልላእን፡ምንእኣስን ፡ ዕቢትን፡ ኣፈላላይን፥ ካብ ሱሩ በርቍቕኩም ክትድርብይዎ ኢኹም። ሽዑ ንምኽሪ ኣሕዋት ዘነኣእስን ብትዕቢት ዝፍኽነንን ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ብጥቡእ ልቢ ክትረዳድኡን፡ ትወሓሓጡን ክትቀባበሉን ኢኹም። ሽዑ’ዩ ከኣ ካበ’ዬናይ ባህልን ልምድን ስርዓትን ውግዕን ከም ዝመጻእኩም ብግህዶ ኳዕ ኢሉ ዝበርሃልኩም ። ሽዑ ኢኹም ከኣ ሓቢርኩም እትውጥጡን፣ንጸላእትኹም እትብድህዎምን፣ንተንኰለኛታትን ሕሱማትን፡ብቐሊሉ እተለልይዎምን፡ሓኒቕኩም እትሕዝዎምን። ብድሕሪ’ዚ ብቕዓት ወኒንኩም በቲ ሓቀኛ ጐደና ሰላም ጓዒዝኩም ንዓድኹም፡ ብሰናይ ድሌትኩም ክትሃንጽዋ ኢኹም። ሽዑ ሃገር ናይ ኵሉ ወዲ ሃገር ደኣ,ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት መልዕሎን ሓለፋን፡ ናይ ብሕቲ ሰውሒን ከም ዘይኰነት ብግልጺ ከተመስክርዎ ኢኹም። ሽዑ ሓቢርኩም ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝኩም ንቕድሚት ክትደፍኡ ኢኹም። ከምቶም ዝሓለፉ ኣቦታትኩምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን፡ ብሕብረትን ብምትሕልላይን ንቕድሚት እናደፍእኩምን፡ ዳግማይ ከይተዓሸዉኩምን ከይተገራህኩምን ክትዓብዩ ኢኹም። ንኽብሪ ሃገርኩም ክትከላኸሉላን፣በጃኣ ክትሓልፉላን፣ ክትሃንጽዋን ሰናይ ዕማምኩም ክኸውን ኢዩ። ክብሪ ሃገርኩምን ታሪኽ ህዝብኹምን ከተሐድስዎን ክትዅልዕዎን ኢኹም። ከም’ቶም ዝሓለፉ ወለድኹምንምን ዓበይቲ ኣሕዋትኩምን ኣሰሮም ተኸቲልኩም፡ ብርሱን መንፈስን ፍቕሪ ዓድኹምን ፍቕሪ ህዝብኹምን ዝተቃጸጸልኩም ክትኮኑ ኢኹም።ምእንቲ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ክብርቲ ሂይወትኩም ክትኸፍሉ ዝቘረጽኩም ዝተቐረብኩምን ዜጋታት ኰይንኩም ክትርከቡ ኢኹም።።

ናትና እትብልዋ ሃገር ወኒንኩም፡ንባህግታት ህዝብኹም ሂይወት ክትዘርእሉን፡ጸባ ከተስትይዎን ምዃንኩም እሙን ነገር ኢዩ!!


ጽንዓትን ቅልጽምን ይሃብኩም!!


ዕዉት ሰሚናር ይኹነልኩም!!


የቐንየለይ!!

“ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ ማዓልቲ ሰሚናር፡ ብ ኣቦ ወንበር ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grass roots movement) ዝቐረበ ቓል።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡-

          ናብ’ዚ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተዳለወ ናይ ሓደ ማዓልቲ ህዝባዊ ሰሚናር እንኳዕ ዳሓን መጻእኩም ክብል ይደሊ። ማእከል ዛዕባ ናይ ሰሚናርና ሓድነት ኮይኑ፡ ቴምኡ ድማ፡ “ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተኸባቢርና” ዝብል ኢዩ።

          ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ክህሉ፡ ዝነበረን ዘሎን ዝቕጽልን ኢዩ። እቲ ዋና ነገር፡ ንፍልልያት ከመይ ተተኣናግን ተማሓድርን ኢዩ። ንፍልልያቶም ከም ጸጋ ተቐቢሎም፡ ተኸባቢሮምን ተኣማሚኖምን ዝነብሩ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት፡ ማሕበራት፡ ሃገራት ይኹኑ ህዝብታት፡ ካብቶም ንፍልልያቶም ምምሕዳር ተሳኢንዎም ድሌታቶም ብዓመጽን ሸፈጥን ከርውዩ ዝህቅኑ ኣካላት ዝሓሸ ሰላማዊ ህይወትን ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮን ክውኑ ንዕዘብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብምእማንን ብምርዳእን ኢና እምባኣር ነዚ ናይ ሎሚ ማዓልቲ ሰሚናር ክንውጥንን ከነዳሉን ዝወሰንና።

          ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋሁ ከምዝርከብ እትረፍ ንዓና ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ብሰለስተ ውልቀነጻነቶም ዝተሓለወ ግን ድማ ተማላላእቲ ዝኾኑ ኣካላይ ናይ መንግስቲ፡ ማለት ብሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካል ዘይቆመ፥ ብኣቕዋም (constitution) ዘይምራሕ፥ ናብ ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ዘምርሕ ዝተነጸረ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘይብሉ፥ ዳርጋ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝበተኸን ኣዝዩ ዝተጸልእን ዝተነጸለን፥ ባህላዊ ክብርታትና ዘበርዓነን ማሕበራዊ ምትእስሳራትና ዝበታተኸን ፍንፉን ስርዓት ምዃኑ፡ እንዳራኣየ ከምዘይ ራኣየ፡ እንዳ ሰምዐ ድማ ከስቅጥ ንዝደለየ እንተዘይ ኮይኑ፡ ብሩህ ከምጻሓይ ቀትሪ ኢዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩንም፡-

          ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ደረት ኣልቦ ኩለ-መዳያዊ በደላትን ኣመልኪቱ ክዝረብ እንከሎ፡ ባህ ዘይብሎ ወይ’ውን ክሰምዕ ዘይደሊ ባእታ ክህሉ ከምዝኽእል ዝሳሓት ኣይኮነን። ልክዕ’ዩ፡ ሰባት ንዝኣመንሉ ክንእዱን ክውድሱን፡ ቅኑዕ ኮይኑ ንዘይተራእዮም ድማ ክነቕፉን ክእርሙን ውልቃዊ ነጻነቶም እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ ዝኽተሎ ዓማጺ ባህርን ኣካይዳን፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ምንቃፍን ምንኣድን ዘይኮስ፡ ኣብ መንጎ በዳልን ተበዳልን፥ ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ ከምቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቀሺ ደስሞንድ ቱቱ ዝበሎ፡ በደል እንዳተፈጸመ ዕሽሽ ምባል ምስቲ በዳሊ ምውጋን ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ’ዚ እዋንዚ፡ እቲ ነፈርቲ ደርጊ ዓዱ ዘጋጸላሉ ህዝቢ፡ ኣባይቱ ብዶዘራት ህግደፍ ክፈርስ ይውዕል ኣሎ። ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ማያት መዲትራንያን ይጠፍእ ኣሎ። ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማሕቡስ ተለዊጣ፡ እቶም ስቓይ ማርያም ግቢን ኣለም በቃኝን ንኸብቅዕ ንእስነቶም ኣብ ገድሊ ዝተወደአ ጀጋኑ፡ ኣብ ኣጻምእ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ይበልዩ ኣለው። እታ ንስለ ሓርነት ዝመኸነት ጅግና፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ክትልምን ትውዕል ኣላ። ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ማዓልታዊ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ሓደገኛ ስደት የምርሕ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ማእለያ የብሉን። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ድማ፡ መጻኢ ዕድልና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ኢዩ።

          እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ፡ ነታ ንህላዌኡ’ውን ፈታኒት ኣብ ዝኾነት መጻብቦ ተቐርቂሩ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ናይ ዘይምትእምማንን ባህሊ ይዓኩኹ ምህላዉ እዩ። እዚ ኻኣ ሓደገኛ ኢዩ። ትርጉምን ኣድላይነትን ናይ ሓድነት ልዕሊ ሰብና እኳ እንተዘይበልና ከም ዓለምና ግን ንፈልጦ ኢና። ምፍላጥ በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን፡ ብተግባር ምስናይ የድሊ። ንሓድሕድና ክንተኣማመን እንተዘይክኢልና ተጎዳእቲ ንሕና ኢና። ኣብ ሕድሕድ ምትእምማንን ምክብባርን ዝተሰረተ ድልዱል ሓድነት ከነረጋጽ እንተኺእና ድማ ፈለማ ተጠቀምቲ ንሕና ኢና። ስለዚ ንኻልእ ኢልና ዘይኮነስ፡ ፈለማ ንነብስና ንኽጥዐመና ምእንቲ፡ ሕድሕድና ንከባበር፡ እሂን ምሂን ንበሃሃል፡ ሓባራዊ ጸገማትና ሓቢርና ነለሊ፡ ሓቢርና ድማ መፍትሒ ሓሳብ ነናድን ጸገማትና ንፍታሕን። እዚ ናይ ሎሚ ሰሚናር ንኸምዚ ዝበለ ስጉምት፡ ጽቡቕ ጅማሮ ክኸውን ተስፋ ንገብር።

          ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ሰሚናር’ዚ ንምድላው ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኩሉም ብልቢ የመስግን። ዶ/ር ርእሶም ኣብ መንጎና ተረኺቡ ምሁራዊ ማዕዳን ኣስተምህሮን ንደቅናን ናዓናን ንኽገብር ዘርኣዮ ድልዉነትን ተገዳስነትን ብስም ነብርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን የመስግን። ካብ ፍሎሪዳን ቻርለትን ናብ’ዚ ሰሚናር’ዚ ንኽትሳተፋ ኣብ መንጎና ተረኺብኩም ዘለኹም የሕዋት ኣድናቖተይን እንዳገለጽኩ ብልቢ ከመስግነኩም ይደሊ። ዕውት ሰሚናር ይግበረልና።

          ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩሙኒ ብልቢ የመስግን።

         የቐንየለይ።

ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ`ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን: ዕረፍቲ ተስፋማርያም ንዘቃላሕኩሙልና ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩም ብሙሉእኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ`ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት