×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 21
JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

እዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ ንዝኽሪ ጃምላዊ ህልቂት ዖና  ብ 2004 ከምኡ'ውን ብ2005 ኣብ መርበብ ንሓርነት. ኦርግ  ተሓቲሙ ዝነበረ እዩ። ሕጂ ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡  ነቲ  ኣብ ሓደ መዓልቲ ብስርዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብና ዝተፈጸመ  ኣስካሕካሒ ጃምላዊ ቅትለትን፡ ምንዳድ ዓድታትን ንምዝካርን፡ ምረት መግዛእቲ ብምስትብሃል ኩሉ ግዜ ተደላይነት  ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዝኽኻርን፡ ደጊምና ከንውጽኦ መሪጽና።

ሰናይ ንባብ!

  Oakland, CA-- On November 8th, 2014, Mrs. Elsa Chryum, Founder and Director of Human Rights Concern 

Eritrea (HRC-E) discussed the recent decision of the United Nations Human Rights Council 

 

ኤርትራዊ  ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ  ለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣሜሪካ

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቕምቲ 2014 ን2 ጉባኤኡ ብሓደ ወገን፣

1.    ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቅ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ፣

2.   እቶም ኣብ ሃገሮም ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

3.   ከም ሳዕቤኑውን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦምውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

4.   ኮታስ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

5.   ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስነ ስርዓት ቐብሪ ስዉእ ሃገራዊ ተቃላሳይ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ይካየድ ምህላዉ ገምጊሙ::

ብኻልእ ወገን ድማ እውን ጉባኤ

1.    ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዲያስጶራ ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ሃገራውነትን ሓልፍነታውን ብብዝኾነ ጥቁው መልክዕ ብዝሓዘ ኣገባብ ተቀልቂሉ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

2.    እቲ ዓሚ ኣብ 23 ጥሪ 2013 መስዋእቲ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ወዲ ዓሊን ማእሰርቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ተቃለስትን ዘስዓበ ብጠለብ ትግባረ ቅዋም ሃገርን ምፍታሕ ሃገራውያን ፖለቲካውያን እሱራትን ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጻውዕት፣ ብቅሉዕ ዝኾነ ብናይ ሃይማኖታት መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ጽሑፋዊ ሰነዳትን ናይ ሰራዊት እምቢታ ዘይተደልየ ምኽታትን ተሰንዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ተደረዐ መጺኡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣብ ፍጹም ሸቀልቀል ኣብጺሕዎ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ገምጊሙ:: 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተበገሰ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ በርገን ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ተጋብኦ ምስዞም ዝስዕቡ ኣዋጃት ወጺኡ:: 

ሀ. ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽለላ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት መሓውራት ህግዲፍ ኣብ ኖርወይ ንምብትታኽን

   ምምሓውን ዝያዳ በርቲዐንን ሓቢረንን ክሰርሓ::

ለ. ነቲ ለውጢ እንዳ ደለየ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ንጉዳይ ሃገሩ ከም ጉዳይ

    እንዳማቱ ገይሩ ብምርኣይ ኢዱ ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ኮይኑ ንዘሎ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካ

    ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዘውፊ ንምግባር ኣባላት ጽላል ዝኾና ኩለን ማሕበራት ብሓባርን

    ብተናጸልን ዝያዳ ክነጥፋሉ::

ሐ. ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝብን፣ ሰራዊትን፣ ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ

   ምንቅስቃስ ብዘሎና ዓቅሚ ክነሕይሎ::

መ. ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ቃልሲ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን፣ ውድባትን፣ምንቅስቃሳትን፣

    በርገሳውያንን ማሕበራትን እውን ኣኣብ ዝርከባሉ ሃገር ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማተን ዘተኮረ

    ሓያል ከባቢያዊ  ውደባታት ብምክያድን ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ ገባቲ ስርዓት

    ኤርትራ ኣብ ምሕጻር ዓይነታዊ ታራ ዝጻወታሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ምስ ካብ ኖርወይ ወጻኢ

   ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ እውን ሓቢሩ ንኽሰርሕ:: 

 

   ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

   ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና

 

   2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ

   25 ጥቅምቲ 2014፣

   ከተማ በርገን

ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ዝኽሪ ቅዝፈት ላሞፖዱዛ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኣብ ባካ ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት  ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ናይ ሃገር ሽወደን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 17.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መራሕ መደብ ነዛ መራር ቀዛፉት ለይቲ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 እቶም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ሓደጋ ዝተረኽበ 367 ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝቀዘፈት ኮይና ውጻእ መዓት ዝኾኑ ከኣ 155 ከም ዘሎዉ ጠቀሰ። ስደት እቲ ግናይ መሪር ከቢድን ይኹን እምበር ንገዛእቲ ባዕዲ ንመለኽትን እምቢ ብምባል መሰረታዊ ናይ ተቋውሞ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ናይ ላምፐዱዛ ተረኽቦ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ንሙሉእ ዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን ክሳብ ካብ ከብዲ ኣዴኡ ዘይወጸ ዕሸል ምርካቡ እዩ። እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ  ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኪሒዱ ክሳብ ሎሚ ሬሳታቶም ንቡር ከይረከቡ ኣብ ጋህሲ ኢጣልያ ምህላዎም ኮይኑ እቲ እንኮ ጠንቅን ቀንዲ ተሓታትን ናይዚ ኩሉ ንሱ እዩ ብምባል ዛዘመ። ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣገደስቲ ነጥብታት ሓዘል ዓሚቅን መግለጺ ጠንቅን ኣሰር ቅዝፈት ላምፐዱዛ ንዓና ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ክምህረና እንታይ ከም ዝሓተናን ብብሩህ ብዝርዝር ኣቀሚጡ ብስኒት ብሓባር ክንገብሮ ዘሎና ተንኪፉ ዛዘመ። ብድሕሬኡ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ በብተራ ጠቀምቲ ምኽርን ንሕድሕድ ምትብባዕን ሓዘል ሓጸሪቲ መደረታት ሂቦም። ንዝኽሪ እዛ መራር ለይቲ ከኣ ኩሉ ተሳታፋይ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሽምዓ ዝተጻሕፈ ላምፐዱዛ ዝብል በብሓደ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።

ሓደ መስከረም  ሱር  ተክሊ ቃልስና፣
ምስታ ታሪኻዊት ኣውሊዕ  ባንደራና፣
ኣብ ጎቦታት ኣዳል ክብገስ ቃልስና፣

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓልንለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣሜሪካ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ`ቲ ንፍትሒ፡ ንራህዋ፡ ንሰላምን ዕብየትን ሃገራዊ ክብርን ኢሉ ዝኸፈሎ  ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ መስዋእትን ስንክልናን፡ ተጠሊሙ። ኩሉ ዝነበረ ብሩህ ባህግታቱ ጸልሚቱ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ካብ ዘጋጥሙ ኣዝዮም መረርቲ ሽግራት ከሕልፍ ተሸሚሙ ይርከብ። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ`ቶም ኣቐዲሙ ዘሕለፎም ባዕዳውያን መግዛእትታት ሕሰመ-መከራ ዝሓሰመን ዝመረርን ሃለዋት የሕልፍ ኣሎ።