ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ቅዝፈት ላምፐዱሳ ብልዑል ኣገባብ ዘኪሮማ ኣምስዮም

2014-10-04 06:25:38 Written by  EPDP Information Office Published in Community Center Read 56876 times

ማሕበር ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተማ ዮተቦርግን ከባቢኣን ን1ይ ዓመት ዝኽሪ ቅዝፈት ላሞፖዱዛ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ ሰዓት 20.00 ኣብ ባካ ሽርካ ተኣኺቦም ብምዕሩግ ኣገባብ ኣኽቢሮማ ኣምስዮም። እቲ ዝኽሪ ብብዝሒ መንእሰያት ዝዓብለሎ ተሳታፍነት  ኮይኑ ብክቲኤን ሰንደቅ ዕላማ ህዝብናን ናይ ሃገር ሽወደን ዝተሸፈነ ጠረበዛ ብሽምዓ ዝኽሪ ላምፐዱሳ ተጻሒፉ ልክዕ ሰዓት 17.00 ብዝክሪ ስዉኣት ተኸፊቱ። ብምቅጻል መራሕ መደብ ነዛ መራር ቀዛፉት ለይቲ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013 እቶም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ሓደጋ ዝተረኽበ 367 ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝቀዘፈት ኮይና ውጻእ መዓት ዝኾኑ ከኣ 155 ከም ዘሎዉ ጠቀሰ። ስደት እቲ ግናይ መሪር ከቢድን ይኹን እምበር ንገዛእቲ ባዕዲ ንመለኽትን እምቢ ብምባል መሰረታዊ ናይ ተቋውሞ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ናይ ላምፐዱዛ ተረኽቦ ግና ፍሉይ ዝገብሮ ንሙሉእ ዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን ክሳብ ካብ ከብዲ ኣዴኡ ዘይወጸ ዕሸል ምርካቡ እዩ። እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ  ንሃገራውያን ኤርትራውያን ኪሒዱ ክሳብ ሎሚ ሬሳታቶም ንቡር ከይረከቡ ኣብ ጋህሲ ኢጣልያ ምህላዎም ኮይኑ እቲ እንኮ ጠንቅን ቀንዲ ተሓታትን ናይዚ ኩሉ ንሱ እዩ ብምባል ዛዘመ። ቀጺሉ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣገደስቲ ነጥብታት ሓዘል ዓሚቅን መግለጺ ጠንቅን ኣሰር ቅዝፈት ላምፐዱዛ ንዓና ደለይቲ ፍትሒ እንታይ ክምህረና እንታይ ከም ዝሓተናን ብብሩህ ብዝርዝር ኣቀሚጡ ብስኒት ብሓባር ክንገብሮ ዘሎና ተንኪፉ ዛዘመ። ብድሕሬኡ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ በብተራ ጠቀምቲ ምኽርን ንሕድሕድ ምትብባዕን ሓዘል ሓጸሪቲ መደረታት ሂቦም። ንዝኽሪ እዛ መራር ለይቲ ከኣ ኩሉ ተሳታፋይ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ሽምዓ ዝተጻሕፈ ላምፐዱዛ ዝብል በብሓደ ብምውላዕ ክቡር ዝኽሪ ብመዝሙር ተሰንዩ ኩሉ ተወልዔ። ሲዒቡ ብዋዕሮታት ኣሕዋትና ደቂ ኣንስትዮ ዝተዳለወ ሕብስትን ሻህን ቡንን ብምእንጋድ ናይቲ ዝኽሪ ምሸት ተፈጸመ።

Last modified on Saturday, 04 October 2014 20:39