ደምዳሚ ኣዋጅ ጽላል ኤርትራውያን ሓይልታት ንለውጢ / ኖርወይ.

2014-10-31 05:31:03 Written by  2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ Published in Community Center Read 4695 times

ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቕምቲ 2014 ን2 ጉባኤኡ ብሓደ ወገን፣

1.    ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቅ ናብ ዝበኣሰ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ከምዘሎ፣

2.   እቶም ኣብ ሃገሮም ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሃገሮም ራሕሪሖም ንስደት ኣብ ዝውሕዙሉ ዘለዉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

3.   ከም ሳዕቤኑውን ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ወጺኦምውን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ኢሰብኣውያን ግፍዕታት ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

4.   ኮታስ ናይ ምንባርን ምቕጻልን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ይካየድ ምህላዉ

5.   ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስነ ስርዓት ቐብሪ ስዉእ ሃገራዊ ተቃላሳይ ኣቦና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ኣብ ዝካየደሉ ዕለት ይካየድ ምህላዉ ገምጊሙ::

ብኻልእ ወገን ድማ እውን ጉባኤ

1.    ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዲያስጶራ ጥራሕ ከይተደረተ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ሃገራውነትን ሓልፍነታውን ብብዝኾነ ጥቁው መልክዕ ብዝሓዘ ኣገባብ ተቀልቂሉ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉ፣

2.    እቲ ዓሚ ኣብ 23 ጥሪ 2013 መስዋእቲ ጅግና ሲዒድ ዓሊ ወዲ ዓሊን ማእሰርቲ ዓበይቲ ሃገራውያን ተቃለስትን ዘስዓበ ብጠለብ ትግባረ ቅዋም ሃገርን ምፍታሕ ሃገራውያን ፖለቲካውያን እሱራትን ዝጀመረ ናይ ለውጢ ጻውዕት፣ ብቅሉዕ ዝኾነ ብናይ ሃይማኖታት መራሕትን ዝተፈላለዩ ኣድባራትን ጽሑፋዊ ሰነዳትን ናይ ሰራዊት እምቢታ ዘይተደልየ ምኽታትን ተሰንዩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ተደረዐ መጺኡ ንስርዓት ህግዲፍ ኣብ ፍጹም ሸቀልቀል ኣብጺሕዎ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ይካየድ ምህላዉን ገምጊሙ:: 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝተበገሰ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ሎሚ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ በርገን ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ተጋብኦ ምስዞም ዝስዕቡ ኣዋጃት ወጺኡ:: 

ሀ. ኣብ ትሕቲ ጽላል ዘጽለላ ኩለን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት መሓውራት ህግዲፍ ኣብ ኖርወይ ንምብትታኽን

   ምምሓውን ዝያዳ በርቲዐንን ሓቢረንን ክሰርሓ::

ለ. ነቲ ለውጢ እንዳ ደለየ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኣብ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ንጉዳይ ሃገሩ ከም ጉዳይ

    እንዳማቱ ገይሩ ብምርኣይ ኢዱ ኣጣሚሩ ተዓዛባይ ኮይኑ ንዘሎ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኣበራቢርካ

    ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ኣበርክቶ ከምዘውፊ ንምግባር ኣባላት ጽላል ዝኾና ኩለን ማሕበራት ብሓባርን

    ብተናጸልን ዝያዳ ክነጥፋሉ::

ሐ. ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝብን፣ ሰራዊትን፣ ሃይማኖታውያን መራሕትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ

   ምንቅስቃስ ብዘሎና ዓቅሚ ክነሕይሎ::

መ. ኣብ ዝተፈላለየ መስመራት ቃልሲ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን፣ ውድባትን፣ምንቅስቃሳትን፣

    በርገሳውያንን ማሕበራትን እውን ኣኣብ ዝርከባሉ ሃገር ኣብ ምውህሃድ ናይ ቃልሲ ዕማማተን ዘተኮረ

    ሓያል ከባቢያዊ  ውደባታት ብምክያድን ነንሕድሕዱ ዝደጋገፍ ቃልሲ ብምክያድ ዕምሪ ገባቲ ስርዓት

    ኤርትራ ኣብ ምሕጻር ዓይነታዊ ታራ ዝጻወታሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ምስ ካብ ኖርወይ ወጻኢ

   ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይልታት ደለይቲ ለውጢ እውን ሓቢሩ ንኽሰርሕ:: 

 

   ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

   ዘለዓለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስዉኣትና

 

   2ይ ጉባኤ ጽላል ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኖርወይ

   25 ጥቅምቲ 2014፣

   ከተማ በርገን

Last modified on Friday, 31 October 2014 06:44