ገዲም ተጋዳላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ፡ ብ 27 መጋቢት (March 27) 2015 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ-ኣትላንታ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ብ 08 ሚያዝያ (April 08) 2015 ኣብ ዓዲ-ኳላ፡ ስድራቤቱ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብዎ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ንዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ምክትታል ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ ብኣካል ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእ፡ ከምኡ`ውን ስልኪ ብምድዋል ሞራላዊ ደገፍ ንዝገበርክሙሉን፡ ምስ ዓረፈ ድማ፡ ሓዘን ኣብ ዝተገብረሉ ቦታ ብኣካል ብምምልላስ፡ ስልኪ ብምድዋል፡ ኢመይል ብምልኣኽን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ብምጽሓፍን፡ ዘጸናናዕኩሙናን: ዕረፍቲ ተስፋማርያም ንዘቃላሕኩሙልና ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታን፡ ተኻፈልቲ ሓዘንና ንዝኾንኩም ብሙሉእኩምን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ መፋነዊ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት (Funeral Ceremony) ብኣካል ተረኺብኩም ሬሳ ወላዲናን ሓውናን ዘፋነኹም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን፡ ከምኡ`ውን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ናይ ኣመሪካ ዝመጻእኩም፡ መቓልስቱ፡ መማህርቱ፡ መታዓብይቱን ፈተውቱን፡ ንተስፋማርያም ክብሪ ብምሃብኩምን ንዓና ድማ ተኻፈልቲ ሓዘንና ስለዝኾንኩምን ደጊምና ልባዊ ምስጋናና እናቕረብና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል። ኣብ ሓመድ ድበ ናይ ተስፋማርያም ወልደማርያም ክፍሉ ዝተረኽብኩም ብምሉእኩም ምስጋናና እናቕረብና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እንዳበልና ሓዘንና ከምጽዓጸና ብኣኽብሮት ክንገልጽ ንፈቱ።

ምሉኣት ስድራቤት

ምስግና ባህታ 

በሊሕ ናይ በላሕቲ ‘ሳርያም ናበይ ደኣ ከድካ

እንታይ ደአ ሃወኸካ ግዜኳ ዘይሃብካ

ንመን ደኣ ገዲፍካላ እታ ትፈትዋ ሃገርካ

ንመን ደኣ ሂብካዮ ነቲ ተፍቅሮ ህዝብኻ።

             ኣየ ሓንጎል፡ ኣየ ራእይ፡ ኣየ ትንተናታት

             ተውህቦስ ነይሩካ ናይ ጽሑፍ ድርሰታት

             እንታይ ደኣ ኾለፈካ ከይወዳእካ ገለጻታት

             ህዝብኻ ኮ ይጽብየካዩ ነይሩ ስለ ዘይረኸበ መልስታት።

እዝክር ኲሉ ናይ ግዜ  ሰብዓታት

 ማሕበር  ተመሃሮ ኣብ ምምስራት

ዝመራሕካዮ ዕዉት ቃልሲ ብብቕዓት

ዘዳለኻዮ ብሱል ትሕዝቶ መጽሔታት።

                          ዝቐጸለ ቃልሲ ናይ ጀብሃ ውሽጣዊ ስርርዓት

                          ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ኣብ ኲሉ ቤት ትምህርታት

                          ብዝንኣድ ፓለቲካዊ ብስለት ክልሰ-ሓሳባዊ ብቕዓት

                          ኣተኣሳሲርካዮ ኢኻ ምስ ናይ ጀብሃ ገስጋሲ መደብ-ዕዮታት።

ጻውዒት ሃገር ኣኺሉ ናብ ሜዳ ምስ ወጻእካ

ነቲ ክውንነት ውድብ ብወድዕነት መዚንካ

ብስምዒት ጥራይ ምቅላስ ጎዳኢ’ዩ ቢልካ

ብብስለትን ጥርናፈን ንለውጢ ምቅላስ  መኺርካ።

                                     ንስምረት ውድባት ዘበርከትካዮ ግዴታት

                                     ምስክር እዩ ዝጽሓፍካዮ ኲሉ ዓንቀጻት

                                      ዘቕረብካዮ ናይ ልዝብ ሃናጺ ርእይቶታት

                                     ዘይሕከኽ እዩ ካብ ናይ ታሪኽ መዝገባት።

ናይ ክፍሊ ዕዮ ዜና ፈጻሚ ኴንካ ብብቕዓት ተመሪጽካ

ብብሱል ጽሑፋት ንህዝብና ኣነቓቒሕካ

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ’ውን ምዕባሌ ኣበርኪትካ

ብሉጽ ዕዮ ፈጺምካ ኢኻ ታሪኽ’ዩ ምስክርካ።

                                ጒዕዞ ስምረት ፋሕ ኢሉ ምስ ኮነ ሕድሕድ ኲናት

                                 ሃገራዊ ሓይሊ ምድምሳስ ዝተገብረ ውዲታት

                                ንኲሉ ዘሕዘነ ሃገራዊ ውድቀታት

                                እንሆ ሕጂ ጎሊሁ ይርአ’ሎ ዘኸተሎ ሳዕቤናት።

   ጅግና ሰራዊት ሓርነት ዝበደሎ ዘይብሉ

   ተወሳኺ ቅንጸላታት ሰብ ራሳይ ኣውረዱሉ

   ዕልዋ ያኢ መፍትሒ ተባሂሉ

   ጅግና ብጻይካ  መልኣከ ዝተሰውኣሉ።

                                          እዚ ኮይኑ ምስ ኣምራሕካ ናብ ስደትካ

                                          ካብ ተፍቅሮ ህዝብኻ እተፈትዋ ሃገርካ

                                          ተፈሊኻ ከም ስደተኛ ምንባር ስቓይ ስለ ዝኾነካ

                                          ብዙሕ ኣይሰለጠካን ኣብ ዳሕራይ ግዜታትካ።

      በቲ ብሉጽ ሓንጎልካ ደሊብካ ዝያዳ ፍልጠት

      ክትመርሕን ክትምህርን ኣብ ዩኒቨርሲታት

      ከተመስክር ምዃንካ ናይ ኣፍሪቃ ኲርዓት

      ክትጽሕፍን ክትገጥምን ዝነበረ ባህግታት

      ከይፈጸምካ ምኻድካ’ዩ ዘሎና ጣዕሳታት።

                                         መደምደምታ  ምዕራፍ ናይ  ቃልሲ ህይወትካ

                                         ክትፍጽም ካብ ዝነበረካ ድሌት ተኾሊፍካ

                                         ካብ ኮነስ በል ስኽፍ ኣይበልካ

                                         ዘዂርዕ ታሪኽ ገዲፍካላ’ኻ ኤርትራ ሃገርካ።

      ሓንቲ መዓልቲ፡ ራኢኻ ኮነ ሕልምኻ

      ናይ ሓራን ብልጽግትን ኤርትራ ሃገርካ

      ክርኢ’ዩ እቲ ውጹዕ፡ ብዱል ህዝብኻ

      ምኻድ ካብ መረጽካስ፡ ዕረፍ ብሰላምካ።

           ካብ ብጻይካ ምስግና ባህታ 

ጸጋይ ነጋሽ

ዓዲ-ዃላ ሰሚዓዶ መርድእ ዕረፍትኻ

ከተማኣ፡ ስግር ማይ-ላፎኣ ውዒላቶ`ዶ ቀብርኻ፣

ደንጎሎ (ማይጻዕዳ)፡ በጺሕዎም`ዶ መኣውይቲ ስንብታኻ።

ምድሪ-ፈላሲ፡ ደቂ-ቦኽሪ ዓይላ-ጉንደት

ቆሓይን፡ እንዳዝማች- ዑቕቢት

ማይ-ጻዕዳ-መራጉዝ፡ ተኸላ፡ ውዒሎም`ዶ ብኽተት።

ወለዶ ዓጽመ-ስጋኻ ዘሳፈሐ ከም ሮማዲ

ንኣካለ-ጉዛይ፡ ንሓማሴን፡ ዝጠርነፈ ስምዲ፡

ኣብ ሓመድ-ድበኻ ዝውዕሉስ ማእለያ ዘይብሎም ህዝቢ።

ሰሚዐን`ዶ ሳንጀርጆ፡ ሳንታ-ፋሚልያ

ኣርከባ`ዶ ኣብ ሓመድ-ድበኻ፡ ብጉያ-ጉያ፣

ቆልዓ ምህረይ ወልደማርያም፡ እቶም በዓል ቅያ።

ኣለኒ ዛንታ፡ ብሰፊሑ ዝዝንቶ

ጸኒሑኒ ታሪኽ፡ ምሁራዊ ኣበርክቶ፡

ናይ ወላዲኻ ፍልጠት፡ ዓሚቝ ትሕዝቶ።

ወሪሲካ`ኻ፡ ሰሚድካዮ፡ ቅኒት ወላዲኻ

ነቢበዮ፡ ``ስነ-ቅኔኣዊ ድፍንቕ`` ግጥምኻ

ኣጽኒዕካዮ ይበል ውርሻ! ` ት ውልቀ-ነጻነት ባህልኻ።

ኣንታ ሓወይ! ኣይተሃውኽካን`ዶ?

ነይሩካ እንድዩ ብዙሕ እትውርቖ እትስንዶ፣

ህይወት ከም ጽላሎት ከም`ትሓልፍ

ዘንጊዕካዮ እመስለኒ፡ ከም`ትብል ኩልፍ?

ተጸብየካ ነይረ ክትጽሕፍ ዘይተኸለሰ ታሪኽ

ስለዝፈልጥ ብርዕኻ፡ ንሓቂ ዘይትሓንኽ፡

 ቃልዕ ክኸውን `ቲ ዝነበረ ብድሆታት

ውድብ ኣፍሪሱ፡ ዘምረሐ ናብ ስደታት፡

ኔርካ `ውን ኣብ መብዛሕትኡ ርኽክባት ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ.

ውዒልካ፡ ተኻራኺርካ፡ ሰሚዐ፣

ኣብ ገድሊ ህዝቢ ኣንቢበዮ ነቲ ላህመቱ

ምህላዉ ግን ኣይስሕትን፡ ዝፈርዘመ ክስተቱ።

ተስፋማርያም፡ እወ፡ ተሃዊኽካ

የርክበሉ እንዳበልካ፣

ሒዝካ ግምሪ-ፍልጠት ዘይተበርበረ፡

እንታይ ክዓብሰልና፡ ምስኻ እንተተቐብረ?

ምስ ወያነ-ሓርነት ትግራይ፡ ከምኡ`ውን ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.

ንሃገር ወኪልካ፡ ዘቲኻ ዝፈረምካዮ ስድቢ፣

ኣይሰነድካዮን ከይትኸውን ተሰኪፈ-

                       ኣብ`ታ መጽሓፍካ `` ህያው ደብሪ .....``?

ስነ-ጽሑፋዊ ብቕዓትካ፡ ነባሪ ኣሰር

ሃንዳሲ፡ ናይ ምሕሳብ ብቕዓትካ ተኣምር!

ውስጠ-ሃንደበትካ `ውን፡ ተረዲአዮ

ኣብ`ታ ``ርእሰ-ዘተ፤ ምስ ጽሞና```  ግጥምኻ በጺሐዮ- ... ...

... ... ናበይ ደኣ ኢኻ ብድድ እትብል`ከ?

                                           ብሓደ ኣፊቱ!

                                                       ወፍ ከይበልካ?!

ብጻድቃን ኢለካ!

                ብርዒ ኣልዒለ`ንደ`የ፣

                                     ኣይፋልካ!!

ኰፍ`ሞ በል።

               ምህረይ ጽሞና፤ መዓልካ!!

ግጥሚ`ዶ፡ ቅኔ ከፍልሓልካ!!

ስንብታይ`ያ እዚኣ ኣይተስተዋሕዳ

ኣብ ዘይትምለሰሉ መገሻኻ፡ ይጽናሓካ ጻዕዳ።

                ሓውካ፡ ጸጋይ ነጋሽ

                                   04/08/2015

ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ብዓወቱ ሓጎሱ ከይወደአን፡ ብመስዋእቲ ደቁ ሓዚኑ ከይተደበሰን፡ መብጽዓ ስውኣት ተጠሊሙ፡ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ብሕጊ-ኣልቦ ውልቀ ምሕደራ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን መዳርግቲ ኣብ ዘይርከቦ ጭቆናን መግዛእትን ወዲቓ ትርከብ። እዚ ሕጊ-ኣልቦ ውልቀ-ምሕደራ’ዚ፡ ጸጋታት ሃገር ተጠቂሙ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣደልዲሉን ናይ ስለያ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩን፡ ስድራ-ቤታት ኣብ ምብትታንን ሃገር ኣብ ምዕናውን ኣብ ቀጻሊ ተግባር ተጸሚዱ ይርከብ።

ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ደርብዩ፡ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንልዕሊ 23 ዓመታት ክትመሓደር ምግባር፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ብግፍዒ ምእሳርን ምሕቃቕን፡ ዓያዪ ዓቕሚ ሰብና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብምቑራን ተስፋ ቆሪጾም ንኣደዳ ሕሱም ስደት ከምዝቃልዑ ምግባር፡ ነጋዶን ክኢላታትን ኣሰናቢዱ ሃገር ገዲፎም እንዳማቶም ሃገር ንኸማዕብሉ ምድፍፋእ፡ ጸጋታት ህዝብን ሃገርን እናመንዘዐ ኣብ ወጻኢ-ሃገር ባንክታት ብመሻርኽቱ ውልቀ-ሰባት ስም ከምዝቕመጥ ምግባር ወዘተ እዚ ኩሉ ገለ ኣብነታት መግለጺ ናይቲ ኣዕናውን በታንን ኣካይድኡ ኢዩ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ እንሰምዖ ዘሎና “ምፍራስ ኣባይቲ” በብ ዓዱ (ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ጸሎት፡ዳዕሮቃውሎስ፡ዓዲ ቀይሕ ደቀምሓረ፡ሰንዓፈ፡ወዘተ..) ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ጸይቂ ኣካይድኡ ኢዩ። እቲ ዘስደምም ከኣ፡ ብልዕልና ሕጊ ዘይኣምን ክነሱ፡ ንኩሉ’ቲ ኣቀዲሙ ዝፈጸሞ ይኹን ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ መመኽነይታ፡ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ዝብል ጉልባብ ኢዩ። ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኮሓል ከምዝበሃል።

ተቐማጦ ዓዲ ቐይሕ ዘርኣይዎ ተቓውሞን መኸተን ከኣ፡ ሓደ መግለጺ ናይቲ ዝተገፍዐ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኢዩ። ብዘርኣይዎ ተባዕ መኸተ ከኣ ጀጋኑ ብኣኹም ተሓቢና ክንብሎም ንፈቱ። ንስድራ ቤት ምዉታት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ንብለ። ይኹን’በር እዚ ኮነ ኢሉ ሃገር ኣብ ምዕናውን ህዝቢ ኣብ ምብራስን ተጸሚዱ ዝርከብ ስርዓት ብዝተበታተነን ዝተጎጃጀልን ቃልሲ ምምካቱ ዘይከኣል ምዃኑ ብሩህ ኢዩ።

ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት ዘረጋግጽን፡ ዲሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ዘውሕስን ፓለቲካዊ ሃዋሁዉ ንምፍጣር ዝሕግዝ ኩሉ ዝሳተፎ መሰጋገሪ መንግስቲ/ስርዓት ኣብ ሃገርና ክሳዕ ዝምስረት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና፡ ፖለቲካዊ ፍልልያቱ ንጊዚኡ ኣወንዚፉ ጸጋታቱን
ዓቕምታቱን ኣወሃሂዱ ኣትሪሩ ክቃልስ የድሊ።ስለዚ ዋሕስ ዓወትና ስምረትና ካብ ኮነ፡ ንኣድማዒ ተቓውሞ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታና ነቕርብ።

ዓወት ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማኣታትና
ኤ.ኣ.ሲ.ማ ቦርድ
ቦስተን፡፡

HAILEMELEKOT BITEW HAILE: JANUARY 15, 1953 – FEBRUARY 15, 2015

ዝኸበርኩም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን እትርከቡ ቤተሰብን፡ ፈተውትን፡ ናይ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ኣብያተ-ክርስቲያናትን፡ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮምን ንኹሉቲ ፍቑር ሓውናን ኣቦናን ሃይለመልኮት ቢቶው ካብ ዚሓመመሉ ግዜ  ክሳብ ዓሪፉ ሓመድ ኣዳም ዚለበሰላ እዋን፡ ዝገብርኩሞ ዘይስልኪ ጸሎት፡  ዘርኣኽሞ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ፡ ዚለገስኩሞ ደረት ዘይብሉ ደገፍ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። 

ብኣካል ተረኺብኩም ይኹን ብስልኪ  ብጽሑፍተሳተፍቲ ናይ ሓዘና ምዃንኩም ብምግላጽ ዘጸናናዕኩምና፡ ምስጋናና ወሰን የብሉን።

የቐንየልና! ሕሰም ኣይትርከቡ::

ስድራቤት ኣቶ ሃይለመለኮት ቢቶው ሃይለ

 

We would like to sincerely thank our dear family, friends, all of the churches, and our community for your constant prayers, love, and support. There are no words that can express our gratitude for all that you have done. May God Bless You.

With Much Love,

Hailemelekot’s  Family



 ሐዳስ  ዓመት ናይ ሰላም ኩንልና ናይ ቅሳነት

 ናይ ፍትሒ ኩንልና ናይ ሓድነት

 ይ ኣክል በለና ናብራ ስደት

                                   ነዚ መሪር ስቃይ ዋሕዚ ናይ ስደትና

                                   ነዚ ሕሱም ህልቂት ብርሰት ናይ ህዝብና

                                   መዕገቲ ረኪቡ ስላም ክነግሰና

                                   ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላክ ይእለየልና

                                   ነዚ ጨካን ስርዓት ኣምላክ ይእለየልና

                                   ሰቃይ በዚሑ ጸምያ ሃገርና

                                   ብሒም ዘዝበለ ኣብ ጉድጋድ ዓፈና

                                   ነፍሲ ወከፍ ስድራስ ዝርንዛሕ ነቢዕና         

                                   ክሳብ ማኣስ ኢና ከነብር ከምዚልና

እዞም ኣረመናውያን ሕልናኦም ዝሸጡ

መራሕቲ ናይ ህግደፍ ዓበይቲ ወጣጡ

ኣብ ኩርሲ ኮፍ ኢሎም ንህዝቦ ዘጽንቱ

ብናይ ሐፋሻ ገንዘብ ከብዶም ዝተመጡ

 ብሕሰም ናይ ህዝቦም እፎይታ ዝረከቡ

ሸይቦም  ከለዉ ጽጉሮ ዘጽልሙ

ኣብ ምንዝርና ዝሓድሩ ከም ናይ ሓክሊ ድሙ

ኣብ ኣጋዱ ሰንበል ብዳንሲ ዝተሸለሙ

ግዜ  ይ ኣክል’ዩ ዘሎ ናበይ ከይትሃድሙ

                               ሃገርና በሪሳ ቆላ ምስ ከበሳ

                               ህዝባን እንስሳን ብሐደ በሪሳ

                               ሸቃ ላይ ጠፊኡ በዓል ሞደሻ ኣፈራዛ

                               ተማሃራይ ወጺኡ እቲ በዓል ቦርሳ

                               ሐረስታይ ከተረፈ እቲ ንእሹቶይ ጋሳ

                              ኣብ ክንዲ ህንጸትሲ መቓብር ናይ ሬሳ

ገረብ ከይንተክል ንዓኪመጽለሊ

መሬት ክይንግድብ ከይነፍሪ እክሊ

ገሌና ኣብ እስርቤት ኣብ ጉድጋድ ንበሊ

ገሌና ከም ጫማ ጉልበትና ይበሊ

ገሌና ትሑዛት ከም እስርቲ በቅሊ

ገሌና ንስደት እንጀራ ክንደሊ

ኣብ ዘይናትና ባሕሪ  ድማ ረጊፍና ከም ቆጽሊ

ህዝቢ ተዓፊኑ መሰል ሐቢምዎ

ውሉድ ካብ ውለዱ ብሓይሊ ፈልይዎ

ካብዚ ንክሃድም ባሕሪ ውሒጥዎ

ንሬሳ ውላዱ ንቡር ከሊእዎ

                   እዚ ናኢስዎስ ብደዐ ወሲክዎ

                 ነቲ ቅዋም ሃገር መይቱ’ዩ ኢሉዎ

                 ነዚ ብሊሕ ህዝብ ደንቆሮ ጌርዎ

ንናይ ባዕሉ ድካም ክኮኖ መሸፈኒ

ብ ኣሜርካ ይጅምር ይሰግር ናብ ወያኒ

ንሶም’ዮም   ወራር ጀሚሮም ዘተዓናቀፉኒ

እምበር ምትግባሩ መኣስ ጠፊኡኒ

ሕጂ ብዝሞተ ቅዋም ኣይትሕተቱኒ

ኽነዽፈልኩም ‘የ ንዓይ ብዝሕሸኒ

                ኣንታ እምበር’ ዶ ጥዑዩ እቲ ኣእምሮካ

                ገና እይፈለጥካያን ንነብስካ

                ሓላማይ’ዶ ሲዪንካ የእኪልካ ዝብለካ

                ክንዲ ስቅ ኢልካ ትጽብ ግዜካ

                ንቅዋም ክትቀብርስ ኣብ ሚድያ ወጽእካ
                ቅዋምስ ኣይሞተን ንስካ ኢካ መትካ
 

                መርድ ንዓኣቶም’ዩ ነቶም ደገፍትካ

 

ብፍረወይኒ  ገርግሽ 

ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት 2015 እንኣትወሉ ዘሎና ፣ እቲ ቀንዲ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ክዕውትና ዝክእል መንእሰያትና ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ክውደቡ እንተ በቂዖም ጥራሕ እዩ። ምክንያቱ ከይተወደበ ዝተዓወተ ምንቅስቓስ የለን ። ውደባ ክብሃል እንከሎ ግን ኣብ ልዑላዊ ራኢ ሕመረት ዝገበርን ብቁጠባዊ ዓቅሚ ዝተሃንጸን ሓጺናዊ ዲሲፕሊን ክውንን እንከሎካ ጥራሕ እዩ ። ሃገራዊ ዕማም ናይዚ ውደባ እዚ ንጉጂለ ህግደፍ ኣወጊድካ ፍትሕን ማዕርነትን ዝነገሳ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ምህናጽ እዩ ።ውደባ ብኣውራጃ ፣ ውደባ ብሃይማኖት፣ ወደባ ብብሔር ፣ ውደባ ንጥቅምን ረብሓን ኩሉ ናይ ትሕቲ ሃገራውነት ንዝተቀበለ ዜጋ ጥራሕ እዩ ።

EPDP Information Office

The 20 November issue of Le Matin, a daily French newspaper in Switzerland, carried a small item on Abba/Father Mussie Zerai entitled “Miraculous: This Priest Saves Lives from a distance by his mobile phone”, in which the writer believed the Eritrean priest is a yet little known hero who is viewed by some people as a potential future candidate for Nobel Prize for Peace.

A quick translation of the item goes like this:

Aba-Mussie2“His name may, for sure, mean nothing to you (the reader). Yet, this Eritrean priest who lives in Erlinsbach (Swiss Canton of Solothurn), and viewed by some people as a future Nobel Peace Prize winner, is a hero. Since 2003, through repeatedly sending his mobile telephone number to  all directions, he has saved thousands of lives of migrants lost between Africa and Italy by informing coast guards about their situation. These contributions give him the legitimacy to have enjoined recently at law court to Europe to come out of its ‘logic of militarized fortress’”. 

Fr/Abba Mussie Zerai is currently assigned to Switzerland by the Eritrean Catholic Church in Asmara to serve the community of believers by a hectic shuttle in visiting 13 urban centres in Switzerland. On top of this, he is always on the phone communicating with Eritrean refugees in distress – both at sea, those in North Africa and others facing acute problems while inside Europe.

A googled piece also reads as follows him:

“Father Mussie Zerai has been working with refugees and emigrants to Europe since 1995. Though not an ordained priest by then, he dedicated his life to helping the refugees entering Europe by boat from North Africa. He uses satellite phone, which makes his contacts with the refugees easier; as he can access them directly in the middle of the Mediterranean Sea as they make dangerous attempts of crossing into Europe.
In desperation, many emigrants attempt to cross the Mediterranean in rickety wooden boats or inflatables. Many of the refugees run away from the Libyan detention centres, known as Kufra, where they undergo a lot of torture. Unfortunately many of the victims who contacted Fr. Mussie lost their lives while in detention centres”.