ንዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡

2015-04-28 16:16:55 Written by  ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ Published in Community Center Read 4163 times

ንዝክር!  እወ፡ ንዘክር፡ኣብ ኣእዛንና  ካብ ናይ ነጎድጓድ መዳፍዕ  ዝብርትዕ ድምጺታት ከቃልሕ ከሎ። ኣውያት፡ ስቅያት፡ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ደጋጊምና ንሰምዖን ንምኮሮን ስለዘለና፡ ኣብ ሕልምን ጋህድን ምሳና ይነብር ኣሎ። እወ ብሓዘን ንዝክሮ። ዘይንቡር ሞት! ህልቂት! ናብ ምጽናት ገጹ ዝቐንዐ ዋሕዚ ስደት መንእስያት፡ እወ የብክየናን የቖጣዓናን። ንቡር መዓስ ኮይኑ!! እንተኾነ፡ ናብ ዝሓለፉ ተመኩሮታትና ምልስ ኢለና ክንመዝን እንከለና ግን ብዘይምግናን ረሳዕቲ ኢና። ነዚ ጨካን ፍጻሜታት`ዚ ንርሰዖ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ኣመና ረሳዕቲ ምዃና`ዩ።

ንዘክር፡ ላምፐዱሳን ነተን ክሳብ`ዛ ዕለት እዚኣ ንነጀው  ዘጋጥማ ዘለዋ ላምፐደሳታትን ጨካናት ናይ ህልቂት ፍጻሜታትን። ብተለቭዥን፡ ብኢንተርነት...ንከታተሎን ንስምዖን ኣለና። መዓስ ካብ ቀልብና ተሰዊሩ? ንዘክር`ውን ንሓተታን ትሕዝቶ መልእኽትን ``ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?`` እወ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣቦታትን ኣቡናት ንህይወቶም ከይሰስዑ  ንስቓይ ኤርትራውያን ብትብዓት ዘቃልዑ። ረሳዕቲ ብምዃና ግን ንርስዖ፣ ምርሳዕ ከም ባህሊ ኣታኣታቲናዮ!! ኩነታት ክንህር ንንህር፡ ቁርብ ዝሕል እንክብል`ከ፡ ንስወር።

እዚ ንሰማዒ ዘደንጹ ክንሰምዖን ከም ሓዱሽ ክጋሃድን ከሎ ግና ተመሊሰና ሓውና ሓብትና፡ ወይ ቤተ-ሰብና ወይ`ውን መሓዙትናን መተዓብይትናን፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሰህራ፡ ኣብ ምድረ-በዳ  ሲናይ፡ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኮይኖም  ናይ ስቓይ ደውል ክድውሉ ከለዉ .. እወ፡ ንሓዝን! ንበኪ!  ግን ንግዚኡ ሕ-ል-ፍ  ወይ ዝሕል እንተ ኢሉ..  ቀልጢፍና ንርሰዖ።

ስቕታ`ውን ኣሎ። እወ፡ ስቕታ ወዝቢ ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ፡ ብንሓፍነት ወይ እንታይ ገደሰኒ ስምዒታት ክደጋገም እንከሎ፡ ዘይንቡረ ከም ንቡረ ይውሰድ እሞ፡ መርገጽ ወይ ባህሊ ይኸውን። ኣብ ኤርትራ ብስቕታ ክሕለፍ ዘይግበኦ ግን ዝተሓልፈ ጸብጺብካ ኣይውዳእን`ዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እንርእዮ ዘለና ተረኽቦታት ከም ህዝቢ ውጽኢት ወይ እኩብ ድምር ናይ ነዊሕ እዋናት ስቕታና`ዩ። ስቕታ- ምስ ሃየንታ! ምስ ነውሪ! ክሳብ`ውን ምስ ገበን ይቑጸር`ዩ። ኣሕዋት ነፍስ ወከፍና ንነብስና ንክልኢት እሞ ንመርምር፡ እወ፡ ንስቕታ ከም ባህሊ ርዒምናዮ ኣለና !!!

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ፡ ውሁብ ኩነታት፡ ሃፈጽታን ሳዕቤንን ላምፐዱሳ እዩ ፈጢርዎ።  ሃለዋት  ፈሕፋሕ፡  ምጉጅጃል፡ ምንጽጻግን፡ ምቅንጻልን፣ ብሃለዋት ሓድነት፡ ብሓባር ምስራሕ ክትክእ`ሞ፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ መጠን ንናይ ሓባር ጸገማትና ተዛቲና ክንፈትሕን፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ኣብ ምርግጋእ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኩሉ ክንገብር ዘዓለመ`ዩ ነይሩ።  እሞ`ኸ ድሕሪ 20 ጥቅምቲ 2013 እንታይ ኣሳላሲልና? ዝተኻናወነን ዝተፈጸመ እወንታን ኣሎ። ብመጠን እዚ ዝወርደና ዘሎ ሃገራዊ ክሳራታት ክረአ ከሎ ግን ብዘይምግናን ኣብ`ቲ ደረጃ ናይ 2013 ኢና ዘለና።

ሎሚ ቕነ፡ ንምሉእ ዓለም፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ከኣ ፍሉይ ኣትኩሮ ሂቡ ዘነቓነቐ ህልቂት ስደተኛታት፡ ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራተ(UNHCR) ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ምዃኖም እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ካብ ሱርያ፡ ካብ ሓውሲ ሳህራ ሃገራት፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሶማልያን ድማይርከብዎም። ካብ እዚኣተን ኣዚያ ውሑድ  ዝህዝባ ኤርትራ ክንሳ፡ ፍርቂ ወይ ጥቓ ፍርቂ ዜጋታታ ናብ ስደትን ናብ ህልቂትን ክኣትዉ ከለዉ እንታይ የስምዕ?

ሃይማኖት ሰበብ ብምግባር ንሰብ ብኻራ ምሕራድ`ከ እንታይ ንምብጻሕ ዝሃቀነ ኮን ይኸውን? ብርግጽ፡ ካብ ምሕራድ ክርስቲያን፡ ሃይማኖት እስልምና ዝኸስቦ መኽሰብ የልቦን?  ሃይማኖት እስልማና፡ ካብ ከም`ዚ ዝበለ ፍጻሜ ዝኸስሮ እምበር ዝኸስቦ ቅንጣብ`ውን ትኹን የብሉን። እዞም ኣሸበርቲ ሓይልታት ግን ካብ ምብኣስ ምስልምናን ክርስቲያንን ዝኸስብዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸቢብ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዕለማ ዘንቀዶ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎዎም። ኤርትራ፡ ናይ ተኸተልቲ እምነታት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ብሓደ ተሳንዮም፡ ተጎራቢቶም፡ ተመሓዝዮም ንዝፍጠሩ ማሕበራዊ ጸገማቶም ድማ ብዘተ ፈቲሖም፡ ንኣዝዩ ነዊሕ ዘመናት  ብሓባር ዝጸንሕዋ ሃገር`ያ። እዚ ባህሊ`ዚ፡ ብዝማዕበለን ብዝደልደለን፡ ናብ ናይ ስኒት ባህሊ ከነማዕብሎ፡ ናይ ነፍስ ወከፍና ዘየማትእ ሓላፍነት`ዩ።

  • ኣሸበርቲ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይሃማኖታውን  ኢሰብኣውን ተግባራት ኣትሪርና ንቃወሞን ንኹንኖን፣
  • ንነጋዶ ሰብ፡ ካብ ስሰዐ ገንዘብን ሽፍትነትን ነቒሎም ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ኣስካሕካሒ ተግባራት፡ እንዳኾነና ኣፍቀርቲ ፍትሒ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን፡ ከካብ ዘለውዎ ለቒሞም ናብ ፍርድን ሕግን ከቕርብዎም ንጽውዕ።
  • ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወስደ ቅትለትን ሽበራን ጠጠው ክብልን፡ ንመሰል ስደተኛታትብምልኣት  ከኽብሩን ንጽውዕ።
  • ስርዓት-ኣስመራ፡ ክብርን ድሕነትን ዜጋታቱ  ዘየኽብርን ዘይሕለቕን ምዃኑ ብሩህ`ዩ። ስለዝኾነ፡  ብዝኾነ ዓይነት መዐቀኒ ንኤርትራን ህዝባን ክውክልን ብዛዕበኦም ክምድርን ርታዓውነት የብሉን።
  • ሱር ነገርን፡ ቀንዲ ጠንቅን ምኽንያት ናይ ስደት ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ከይተቐየረ፡ ስደትን ጥፍኣትን ቀጻሊ`ዩ።
  • ስለዚ፡ ኩላህና ደቂ`ዛ ሓላል መሬት ፍልልይና ኣወጊድና ከም ኤርትራውያን፡ ብስኒትን ብሓድ-ሕድ ምልዛብን ምክብባርን፡ ጉዳይ ምድሓን ህዝብናን ሃገርናን ኩሉ ዝክኣለና ክንገብር ብስም ኩሎም ሰማእታትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብዝጠፍኡ ዘሎዉ ግዳያት ዜጋታትና ንማሕጽን፡
  • ጻማ ስዉኣትና ከነረጋግጽ፡ ስደተኛታት ኣሕዋትና ካብ ምኽንያት ስደቶም ክሳብ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ዘጋጠሞም ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን ፍጻሜን፡ ግቡእ ፍትሒ ክረኽቡ ጻዕርታትና ይቐጽል!

ስዉኣትና ብግብርና ይደበሱ!

ጽንዓትን ደበስን ንቤተ-ሰብ ግዳያት ኣብ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕርን

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንፍትሒ

                                        

                                                                                  ሚያዝያ 26 2015

 

Last modified on Tuesday, 28 April 2015 18:20