“ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ቃል ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ኣብ ንዝኽሪ ግዳያት መዲትራንያን ባሕርን ግብረሽበራዊ ጉጅለን ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ

2015-04-27 05:33:01 Written by  Atlanta Community Published in Community Center Read 4147 times

ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ብ April 25, 2015፡ ንዝኽሪ ግዳያት መዲትራንያን ባሕርን ግብረሽበራዊ ቅትለት ናይ ንነብሱ ብ ISIS ዝፈልጣ ግብረሽበራዊ ጉጅለን ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምውላዕ ስነ-ስርዓት፡ ብ ኣቦና ኣቶ ፍቕረማርያም ማሓሪ ዝቐረበ ቃል።


ደቕና! ረኸብቲ መከራ!


ደቕና! ረኸብቲ ጋዶ! ረኸብቲ መግደራ!


ደቅና! ሰብ-ቃላይ-ዳግማይ ሰቲሞ!


መናእሰይ ካብ ምድሪ ዓደቦኹም ዘንፍጸኩም ዘበርግገኩም ዘሎ፥ ኣብ ኢድ ኣረሜናውያን ክትወድቁ፤ ክጋናዘይልኩም ዕድል ዝህብ ዘሎ፣ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ዘሎ መን ኢዩ? ሰበቡን ተግባራት ገባሪኡን እንርእዮ ዘሎና ኢዩ።እዚ ግን ንሓዋሩ ኣይኰነ። ኤርትራዊያን ብሕብረት ከም ጥንትና ተሓቛቚፍና ክሳዕ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ። ሓቢርና ክንዝቲ፣ ዝጐድኣናን ዝጠቕመናን ክንፈልጥ፣ዘባእስና መሰረታዊ ነገር ከም ዘየሎ ከነለሊ ምስ ከኣልና ኢዩ።ፍቕሪ ናይ ኣሕዋት ዘይደልዩ በቲ ዓቢ ምድዋኦም ሰለ ዝሸርዉናን፥ ሓድሕድና ስለ ዘጋራጪውናን እንሆ ሓደ ኣካል ንምዃን ግዜ ወሲዱልና ይርከብ። ግዜ ክንዲ ዝወሰደልና ድማ እንሆና ንጠፍእ፣ደቕና ይብርግጉ፣ቀለብ ዓሳ ይዀኑ፣ማዕበል ሑጻ ይደፍኖም፣ብኢድ ኣረማያን ይቕተሉ፡ ኣብ መዓሙቝ ባሕር ይሰጥሙ ኣለዉ።እንታይ’ኮን ኢና ኰይና፡ ቑሩብ ዘይነስተውዕል፣ቑሩብ ፊኒሕኒሕ ዘይንብል።ብኣንጻሩ፡ክንዲ ንፋቐር ንጻላእ፣ክንዲ ንሓብር ንበታተን፡ክንዲ ንከባበር ንነኣእስ፣ክንዲ ንቀራረብ ንረሓሓቕ። እዚ ዓይነት ተርእዮ ወለድና ዘውረሱና ኣይከነን። ጐራሓትን ሕሱማትን ኣንቀላዊጦም ካብ ደገ ዝጐተቱልና ኢዩ።ነቲ ዘስምረና ገዲፍና ነቲ ዘባእሰናን ዝበታትነናን ንመርጽ፣ንምብትታን ንፈጥን።ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኢዩ ሻቢቡና ዘሎ።ነፍስና ወኪልና እንተ-ንቀራረብ ኩሉ ሽግርና ዓይኒ ንርእአ፡ ንፈናተይ፡ዝርግርግ ይኣትወና፣ደቕና በብሓደ ይነፍጹ፣ገበጣ ክሳዕ ዝውዳእ ክንጻወት ንፍትን ኣሎና። ኣብዚ ኵሉ ሕሰምን መከራን ዘእትወና ዘሎ፣ከም ኣቦታትና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብሉ ሓራናት ስለ ዝሰኣንና ኢዩ።


ዛንታ ጀጋኑ ሃገርና ምስ እንፍትሽ፣ምስ ዝተፈላለየ ሽግራትን፣ ጸላእትን ወትሩ ብሕብረት ምስ ተሓናነቑ ኢዮም። ኣብ ጽንኩር ግዜ፡ ኣዋጅ ጀጋኑና “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል’ዩ። እንታይ ማለቶም’ዩ ? ጀጋኑና ሓድሓደ ግዜ ንቕድሚት ዝሰጥሉን ደው ዝብልሉን ደረት ወይ ቀይሕ መስመር ኣለዎም። እቶም ጀጋኑ ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን ዝብል ቃል እንተ-ኣስሚዖም፣ብጸላኢኦም፣ክድፍኡ ጸኒሖም ናይ ግድን ጠጠው ዝብልሉ ኢዩ። ንሱ ከኣ “ካብዚ ንንዮው ዓዲ የለን” ዝብል ድምጺ ምስ ኣቃልሑ ዝፍጸም ኢዩ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ምስ ተባህለ ሓቢሮም ምስ ጸላኢኦም ኣትኪሎም ክሳዕ መወዳእታ ዝተሓናነቕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። ምኽኒያቱ ክኒዮ’ዚ ዓዲ የለን ስለ ዝተባህለ። ኣቦታትና በዚ እምነት’ዚ ነታ ሃገርን ንታሪኻን ዓቂቦሞ። በዚ ታሪኽ’ዚ ነዛ ምድሪ ካብ ኢድ ዓመጽቲ ኣናጊፎማ።ሎሚ ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ጀጋኑ ጌና ኣይረኸብናን። ደቕና ኽጠፍኡ ከለዉ ስቕ፣ ፍትሒ ክጠፍእ ከሎ ስቕ፣ ክብሪ ደቂ ሰባት ክገሃስ ከሎ ስቕ። ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ዝብሉ ሓራናት ኣይተረኽቡን። ጠፊኦም ማለት ግን ኣይኰነን፤ስለ ዘይተበራበሩ ኢዩ።


ሎሚ ነታ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ጸላኢ ኣባሪሮም ነጻ ዝገበርዋ፡ምድሪ ዓደበኹም ገዲፍኹም፡ ነፊጽኩም ኽትጠፍኡ ዝደፍኣኩም ዘሎ ኵነት እንታይ’ዩ!። ብርግጽ ሓቢርና ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን ስለ ዘይበልና ኢዩ።


እወ፡ገለ ብዱዓት ጸጊቦም ክብልኹም ንሰምዕ ኢና። “ ዓሻ ሰበይቲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝተባህለ።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ኣብ ዘይለዓቱ ኢዩ። እንታይ ዘጽግብ ምስ ረኸብኩም’ሞ!።


እቲ ምኽኒያት’ስ ካልእ ኢዩ። ዓው ኢልኩም ክትዛረብዎ ዘይከኣልኩም፣ ”ዓው ኢልካ ዘይብከይ ሞት ሕጹይ” ዝዀይንኩም ነገር’ስ ኣሎ። እቶም ጸጊቦም’ዮም ዝብልኹም፣ ወያ ጽጋብኩም ጽጋቦም ትኹን እንተበልናዮም መርገም ከይኮኖም፣ኣሕዋትና’ዮም። ውዒልና ሓዲርና ጡብ ኣዴና ኤርትራ ዝዓርቀና ኣሕዋት ኢና።


ከምኡ እንተበሉ’ውን ካብ ልቦም ዝመጸ ኣይኰነን። ከምቲ ዝስሞዓና ይስምዖም ኢዩ። ፈጺሙ ጠፊእዎም ክበሃል ኣይከኣልን፤እንታይ’ደኣ ብመውረርያ ትሑዛት ኢዮም፤ገጽ-ርኣይነት ስለ ዝሓየሎም’ዩ ኢዩ።እዛ ሓላፊት ዓለም ነባሪት ስለ ዝመሰለቶም፣ብልሳነን-ቅብጥር ዝበልዎ ኢዩ። ልቦም ግን ይዕዘቦም ኣሎ። ”ኣፍ ክዛረብ ልቢ ይንዕቕ” ከም ዝተባህለ። ሓቂ ተዛሪብካ ምሙዋት ዓቢ ክብሪ ምዃኑ ተረሲዑ። ምሕረቱ ይልኣኸልና። ኣብ ርእሲ ኵልና ዝደየበ፡ ግዜ ዝበልዐ ስኽራን ቀልጢፉ ካብ ሰብነትና ይውጸኣልና። ካብዚ ሓሊፉ ግን መን ኢዩ እናረኣየ እናሰምዐ ኣብ ሓዊ ክትጥበስን፣ብኻራ ከም ጤል ክሕረድን፣ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ክትሰጥምን ዝመርጽ?። ከመይ’ሉ ከምኡ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰብ ይመጽእ። ሕጂ’ውን እቲ ጸገም ዝፍታሓልና ”ካብዚ ንንዮ ዓዲ የለን “ ኢልና ምስ እንትንስእ ጥራሕ ኢዩ።
ዋይ! ዋይ! ዋይ! ስለ መከረኛታት ‘ደቅና!


ንዓኻትኹም ዘይከውን እዋን መጺኡኩም።እዚ እዋን’ዚ ከምቲ ቀደም ዝሓለፈ ክፉእ ዘመን ዘይሓልፍ ኣይም’ሰ’ለና። ግድን ክሓልፍ’ዩ። እቲ ዘይሓልፍስ ሕማቕ ታሪኽ ጥራይ ኢዩ።
እዚ ባሕሪ’ዚ ናይ ኣቦሓጎታትኩም ስጋ ዝለመደ ኢዩ። ናይ ሰቲሞ ጥፍኣት’ኮ ነዚ ኢዩ ዘዘኻክረና።እቲ ምድግጋሙ ግን እንታይ ንበሎ!! ንሕና ዲና ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፣ወይስ ኣምላኽ’ዩ ካባና ርሒቑ። መን’ዩ ቅድም ዝረሒቐ? ስለ ሓቂ ግን፡ንሕና ባዕላትና ኢና ክንርሓቕ ዝጀመርና ባዕላትና ምዃንና ዘይከሓድ’ኢዩ። ፈጠርትና ለኒንን ማኦን ምስ ገበርና። ሕጂ’ውን እቶም ንህልዊ ኣምላኽ እንኣምን፣እቶም ዓለም ሓላፊት ምዃና እንኣምን፣መከራና ክውድኣልና ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንንገሮ፣ንሱ ከድሕነና ኢዩ። እታ ጀጋኑ ምውላድ ዝለመደት ማሕጸን ኣዴና ኤርትራ’ውን ጀጋኑ ክትፈሪ ክትነብር እያ።እትመክን ኣይምሰሎም።


እዚ ጥፍኣት’ዚ ጠጠው’ዶ ነብሎ ወይስ ጨሪስና ክሳዕ ንጸንት ከምኡ’ሉ ይቐጽል።ኣዚዩ ከሻቕለና ዝግብኦ ነገር ኢዩ። ብርግጽ ደቂ ሃገር ሓድሕድና ስኒት ሓሪሙና፡ ጌና ክንጻላላእን ክንረሓሓቕን ብዓይኒ ትዕቢትን ጽልእን ቅርሕንትን ቀጻሊ ክንጣማመት እንተዄንና ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ካልእ ጥፍኣት ምዕዳም ኢዩ።ስለዚ ሃየ ኣሕዋት ልቢ ነዕቢ!ንሰላምን ፍቕርን ሓቢርና ንወጥጥ!!


ዝፈሰሰ ደም ኣሕዋትና ከም ደም ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ቀሪቡ ክጠርዓልና ሰላም ከምጽኣልና ኢዩ።
ዅልና ደቂ ሃገር ምስትውዓልን ልቦናን ይፍጠረልና።


ዝተቐያየሙ ኣሕዋት ዝተዓረቕሉ፣


ዝተጻልኡ-ዝፋቐርሉ፣


ዝተፈላለዩ ሓደ ዝዝኾንሉ፡


ብፍቕርን ብሓደ ሓሳብን ዝኸድሉ፣ብሓደ ቅልጽምን ዝምክትሉ፣


ሓቢርና ንዓድና ብሰላም ክንነብራ እንኽእለሉ ።እዋን ይምጸኣና።


ሃየ ምዕሻው ይኣክለና፣ምብትታን ይኣክለና፣ ኣብ ሕቝፊ ኣዴና ኤርትራ ንተሓቛቘፍ። ኵልና ነጻ ኴይና ንሕሰብ።እቲ ጉዳይ ናይ ኵልና ኢዩ፡ሓቢርና ንምከር።ንመፍቶ ወዲ መን’ከ ኢዩ፥ደርጒሕና ንዛራረብ።ዕጥቂ ኣቦታትና ኣይነዝልቕ ሓደራ።

ከምኡ እንተ ዘይገይርና ጥፍኣትናን ብርሰትናን ቀልጢፉ ክመጸና ብፍቓድና ንዕድሞ ከም ዘለና ኣይንስሓቶ!!


እታ ሃገር ብደም ናይ ክሎም ሃገራውያን ዝመጸት ምኳና’ውን ኣይንረስዓዮ፤ እቲ ቀንዲ ሰበብ ነዚ ምርሳዕና ኢዩ።


ንቤተሰብ ረኸብቲ መከራ ጽንዓት ይሃቦም!


መንግስተ ሰማያት ንሰማእታት ደቅና!

Last modified on Monday, 27 April 2015 07:53