መንእሰይ ሃገርካ ተድልያ ኢኻ

2014-11-17 18:14:07 Written by  ድራር መንታይ Published in Youth Corner Read 6832 times

መንእሰይ ክበሃል ብደርጃ ዕድመ ክጥመት እንከሎ፡ ነቲ ልዕሊ ህጻንነትን ኣብ ቅድመ ዓቕሚ ኣዳምን ዘሎ ግዜ ዘጠቓልል ህይወት ወዲሰብ እዩ።ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ድማ ናብ ምሉእ ስብእነት ንምብጻሕ ዝዳለወሉ፡ ወሳኒ ግዜ ናይ ወዲ ሰብ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዕድመ እዚ እኹል ተመኩሮ ከይወነነ ከሎ ብንጹህ ሓንጎል ስለዝጎዓዝ፡ ኩሉ እቲ ዝረኣዮን እቲ ዝሓስቦን ብሓንቲ ለይቲ ዝፍጸም ኮይኑ እዩ ዝስመዖ። ኣብ ከምዚ ዕድመ እዚ ከኣ ክፉእ ይኹን ጽቡቕ ንኽቕበል ድልው እዩ። ስለዚ መንእሰይ ትኩስ ወይ ውዑይ ሓይሊ እዩ። ኣብ ዓቕሚ ኣዳም ኣብ ዝበጽሓሉወይ ምላት ስብእነት ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን ድማ ነፍሱ ፈሊጡ ዘዋጽኦን ዘየዋጽኦን ዝመምየሉ ግዜ ማለት እዩ። ካብ ከባቢኡ ብዙሕ ክፈልጥ፡ ክመሃር፡ ክምኰርን ከስተውዕል ስለዝኽእል፣ ከምቲ ብንእስነቱ ከሎ ዝህንደዶ ዝነበረ ኣይከውንን።

መንእሰይ ብባህሪኡ ንብሉይ ብሓዲሽ ዝትክእ ከም ምዃኑ መጠን፣ ነቲ ናቱ መጻኢ ግዜ ዝቕይስ እውን ማለት እዩ። ንኣብነት ቀዳሞት ወለድና ንሓዳር እትኾነካ ባዕሎም እዮም ዝማጽኡልካ ዝነበሩ። ሎሚ ግና እቲ ሓዲሽ ወለዶ ባዕሉ ወይ ባዕላ ብዝሓረያ ወይ ብዝሓረየቶ እዩ ሓዳር ዝፍጸም ዘሎ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ክንርእዮ ከሎና ድማ ነታ ዝተወልደላ ሃገር ወይ መዳሕንቱ ዝተደፍነትላ ከምዝበሃል ንሃገረይ እንታይ ክገብረላ ኣሎኒ እሉ ዘይሓስብ መንእሰይ ውሑድ እዩ። ይኹን እምበር ተመኩሮ ዘለዎን ዘይብሉን መንእሰይ ሓደ ከምዘይኮነ ኩልና እንሰማማዓሉ ነጥቢ እዩ። ናይ ኣርባዕታት መንእሰይ ነቲ ናይ ሓምሳታት፡ እቲ ናይ ሓምሳታት ነቲ ናይ ሱሳታት፡ እቲ ናይ ሱሳታት ድማ ንናይ ሰብዓታት … ወዘተ እናኣውረሰ እዩ ክሳብ እዚ ዝሎናዮ በጺሕና ዝሎና። መንእሰይ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክመሃርን ክፈልጥን ድልው እንተዘይኮይኑ ግን፡ ነቲ እታ ሃገር እትጽበዮ ከማልእ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሃገረይ እንታይ ግደ ክጻወት፡ ንህዝበይከ እንታይ ክበርክተሉ ይኽእል? ዝብል ክምልስ ድሉው ዝኾነ መንእሰይ እዩ ድማ ንሃገሩን ህዝቡን ክሓሊ ዝኽእል። ሓደ ካብዚ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝግበኦ፣ መንእሰይ ንሃገሩ ክከላኸለላን ተማሂሩ ድማ ከገልግላን ዝብል እዩ።

መንእሰይ ብሓፈሻኡ መን ምዃኑ ንነፍሱ ኣጸቢቑ ኣብ ዘይፈልጠላ ህሞት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሽግራት ብግቡእ ፈልዩ ዘለልዮን ዝፈልጦን እውን ኣይኮነን። ነዘን ክልተ ነጥብታት ክመልከን እንተዘይክኢሉ፡ ንሃገሩን ህዝቡን እንታይ ክገብር ከምዘለዎ እውን ክጻገምን ክሽገርን እዩ። መንእሰይ ብፍላይ ኣብ ነጻነትን ማዕርነትን ፍትሕን ዘለዎ እምነት ድሩትን፣ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ኣፍልጦኡ ኣዝዩ ትሑት ምስ ዝኸውን፡ ነታ ሃገር መንሽሮ እዩ ዝኾና። ናይ ነጻነትን ማዕርነትን ፍትሕን እምነት ዘይውንን እንተኾይኑ ምስቲ ካልእ ማዕረ ምዃኑን ንኹሉ እትምልከት ፍትሒ ዘይኣምንን ምዃኑ ይስሕቶ እሞ ኣብ ጸብለልትነት፡ ነፍሰ ምትሓት ወይ እውን ኣብ ምቁንጻብን ምንእኣስን፡ ኣብ ጸቢብነት የተኩር። ነቲ ቅድሚኡ ዝተሰርሐ እውን ከም ቁምነገር ኣይቆጽሮን። ካብዚ ዝነቐለ እውን ይኸውን ነቶም ካብኡ ብትውልዲ ይኹን ብተመኩሮ ዝበልጽዎ ኣኽብሮት ዘይብሉ። ንኹሉ ብኣሉታ እምበር ብእወንታ ጀሚሩ ነቲ ሃጓፋት ወይ እውን ግድላት ፍታሕ ንምምጻእ ኣይጽዕርን።

መንእሰይ ክበሃል ከሎ ኣፍቃር ሃገሩን ህዝቡን ክሳብ ህይወቱ ብጃ ዝህብን ምዃኑ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ስኑድ እዩ። ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን መንእሰይ እምበኣር ንመጻኢ ዕድል ሃገሩ ብሩህ ንምግባር ሓላፍነት ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ብዕምቈት ተረዲኡ ነታ ሃገሩ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸገማት ከላቕቓ ይኽእልዶ? ሓላፍነት ንኽስከምከ እንታይ የድልዮ? ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ብዘይካ እታ መዳሕንቱ ዝተደፍነትላ ሃገር ካልእ ሃገር የብሉን። ኣብ ዝኸደ ይኺድ ተመሊሱ ኣብ ሃገሩን ህዝቡን እዩ ዝምለስ። ተሰዲዱ ሽሕ ግዜ ይጥዓሞ ንሃገሩን ህዝቡን ግን ፈጺሙ ካብ ኣእምሮኡ ኣይሓክኽን እዩ። ኩሉ ግዜ ድማ ናብታ ሃገሩን ህዝቡን ቁልሕ ምስ በለን ምስ ሓሰበን ኣስተንተነን እዩ። ወሓይዝን፡ ጎቦታትን እምባታትን፡ ሩባታትን ፈለጋትን ሃገሩ፡ ባህልን ልምድን እንዳቦታቱ ወትሩ ክርኢ ዝደፋነቕ እዩ። ነዚ መዝነት እዚ ክስከም እምበኣር ግቡእ ትምህርቲ ክሰንቕ የድልዮ።

ናብ መንእሰያት ደቂ ሃገረይ ኢርትራ ንመለስ እሞ ከመይ ዝበለ መንአሰይ እዩ ዘሎና ዝብል ሓሳብ ኩልና ብንቕሓትን ብኣፍልጦን ተመራሚርና ክንበጽሖ ኣሎና። ቀዳማይ ናይ ዕድመ ምትሕውዋስ ኣሎ። ኣቦታት ክምስሉ "ወዲ ኣርብዓ ዘርባዕባዓ፡ ይብሉ። ኣብ ዝመንና ግና ዝወለዱን ዝዘመዱን ደቂ ኣርባዓን ልዕሊኡን፡ መንእስያት ካብ ዝብል ስም ክላቐቑ ዘይመርጹን፡ ነቲ ሓቀኛ ዕቤት መንእሰያት ዝዓናቕፉን ይርከቡ እዮም። እወ ንሳቶምእውን መብዛሕታኦም ግዜ ንእስነቶም ከም መንእሰያት ዘይጸገቡ፡ ዝተበደሉ ዕድመ ንእስነቶም ብምልኪ ዝተሰርቀ ስለ ዝዀነ፡ ነት ዕድመ'ቲ ክብህግዎን ኣባኡ ክነብሩን ኣገራሚ ኣይኰነን። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ማሕበራዊ ሽግራት የስዕብ ምኽንያቱ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና እዋን ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ጠቓምን ጎዳእን ባህልን ልምድን ሓዋዊስካ ናይ ምድምሳሱ ዝርኣየሉ ህሞት እና በጺሕና ዘሎና። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ማሕበራዊ ሽግራትን፡ መዓት ግድላትን እውን ኣሎና። ንኣብነት ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ሕማም፡ ከምኡ እውን ሕድሕድ ዘይምትእምማን ስለዘሎ፣ እቲ መንእሰይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ነንሓድሕዱ ክገራጮን ከፈላለን ኣብ ቅርሕንትታት ተዋሒጡ ኣብ ዘየድሊ ኣቕጣጫ ክምርሽ ይርከብ። ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ፡ ነታ ሃገር ብኹሉ መዳያታ፣ ሓድነታ ኣዕቁባ ክትብልጽግ ዝብል ክሓስበላ ይኽእልዶ? ኣነ ንበይነይ ብዘካይ ነዛ ሃገር ከድሕና ዝኽእል የሎን እናተባህለ እሞ ከኣ ብኣውራጃ ወይ ብብሄር እንተዘይተጠርነፍኩም ዝፍታሕ ሽግር የለን ብምባል ነዛ ሃገር የድሕንዶ?

ስለዚ፡ መንእሰይ ሃገርና ነቲ ‘ኩልና እምበር ንበይነይ ዝገብሮ የብለይን’’ ዝብል ጭርሖ ክዕጠቕ ይግባእ። ንበይነይ ዝገበሮ የብለይን ማለት ድማ ንኹሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ፍልልያቱን ሕብሩን ሃይማኖቱን ብሄራቱን ኣውርጃታቱን ተጠርኒፉ ሓንቲ ዝኾርዓላ ሃገር ምፍጣር ማለት እዩ። ከምዚ ምስ ዝገበር ድማ እዩ እቲ መንእሰይ ነቲ ህዝብና ዝብህጎን ዝጽውዖን መልሲ ክህበሉ ዝኽእል። ካብዚ ብዝተረፈ ንጽባሕ እዛ ሃገር እዚኣ ሰላምን ውህደትን ሕውነትን ስኒትን ዝሰፈና ክትከውን እንተኾይኑ ብመገዲ ምፍልላይ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ እቲ መንእሰይ ንገዛእ ርእሱ ንለወጢ ቅሩብ ክኸውንን ነቲ ለውጢ ድማ ብመንጽር ሓባራውን ኣሳታፍነትን ክርእዮ ይግባእ። እዚ ከኣ ኩሉ መንእሰይ ካብ ናይ ከፋፋሊ ወይ ፈላላዪ ፖለቲካ ጸጊዕነት ነጻ ኮይኑ ነቲ ማሕበራዊ ምፍንጫላት ዘዕሙቝን ዘባልሕን ኩነታት ወጊድ ክብልን ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ክኽተል የድሊ። ናብዚ ንምብጻሕ ድማ መንእሰይ ንኹሉ ክጥርንፍን ብዘይኣፈላላይ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ዕላማ ክውንን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እዚ በበይንኻ ኰንካ ሑሕ ምባል ናይ ጽልኢ ለበዳ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።

ስለዚ፡ መንእሰይ ብፖለቲካዊ ውደባ ይኹን ብበርጌሳዊ ማህበር ይወደብ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲያዊ መስመር ዝዕኵዅ ወይ ዘህስስ ወይ እውን ዝዕወት ወይ ዝፈሽል፣ ዲዩ ኣመዛዚኑ ክርዳእ ኣለዎ። ከምኡ እውን እቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ኣተሓስስባ ዝተጠርነፈን ዝተሓቛቘፈን ሕብረተሰብ ክፈጥር ይኽእልዶ ኣይክእልን ዝመዝንን ዝግምግምን ከኸውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ዲሞክራሲያዊ ባህልን ኣተሓሳስባን ዝጠናኸረሉ እንኮ መገዲ ኣብቲ ባህሪ ናይ ንሱ ዝተወደበሉ ፖለቲካዊ ሰልፊ ይኹን በርጌሳዊ ማሕበር ዝመርኮስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሕብረተሰብ መቓቒልካ ናብ ትደልዮ ዓወት ከምዘየብጽሕ እውን ብኣግኡ ከስተብህለሉ ኣለዎ። እቲ ዓወት ዝበሃል ዘሎ ድማ ንፍልልያት ካብ ምግፍሑ ንምጽባቡ ብምውሳእ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምፍጣር ማለት ኣዩ። ዎ! ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እዛ ሃገርካ ኤርትራ ትደልየካ ኣላ ክበሃል ከሎ ካባኻ እንታይ ትጽበ ኣላ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ክትበቅዕ ኣሎካ። ንሱ ድማ ነቲ እታ ሃገርካ ትደልዮ ብመገዲ ምፍልላይን፡ ምግርጫውን ድዩ ወይስ ብቕኑዕን ንኹሉ ዝጥርንፍ ኣገባብ ፈሊኻ ምግንዛብ እዩ።

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 17 November 2014 19:53