ኣብ ባህልና ከም ሓደ ካብ መለለዪታትና ኮይኑ ዝቐርብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ እዩ። እዚ ንክልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ናይ ወዲ ተባዕታይ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ጎተናን ዓሊባበን ኣብ ዝብሉ ዝተወሰነ እዩ። እዚ ከም ሓደ ባህላዊ መለለዪ ኢለ ኣስፊረዮ ዘለኹ ንኣሰራርሓ ጸጉሪ ዝምልከት ዛዕባ፡ ከባቢ፡ ጾታ፡ ዕድመን ኣጋጣምን መሰረት ገይሩ ዝፈላለ ምዃኑ ድማ ከይጠቕስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ጋመ፡ ሳዱላ፡ ሽብላሎ፡ ኣልባሶ፡ ግልብጭን ድርምምን ዝብሉ ኣስማት ኣለዉዎ። ኣብ ካልእ ከባቢታትና ድማ ዝተፈልየ ኣስማት ከም ዝህልዎ እግምት። ብመንጽር ኣሰራርሓ ጸጉሪ ምስ ኣጋጣምታት ዘለዎ ዝምድና ግልብጭን ኣልባሶን ኣብ ናይ ሓጐስ ግዜ ክዝውተሩ እንከለዉ፡ ድርምም ድማ ኣደታትና ናይ ቀረባ ቤተሰብ ክሞተን እንከሎ ዝስረሐኦ ናይ ሓዘን መግለጺ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣደታት ብፍላይ ምስ ሞት በዓል ቤተን ጸጉረን ይላጽየኦ እሞ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኩሉ እዚ ዝጠቐስኩዎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ዝሕረማሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ሓንቲ ኣደ ተደርሚማ እንተርኢኻያ እሞ ድማ ምስኡ ጥራይ ክሳዳ እንተኾይና ሓዘንተኛ ንምዃና ካልእ ተወሳኺ መግለጺ ኣየድልየካን። ምናልባት ግና ዝርዝር ኩነታት ናይቲ ናብዚ ሓዘን ዘብቀዓ ንምፍላጥ ጥራይ ክትሓታ ትኽእል። ኣደታት ሓዘነን ንምግላጽ ንዝተወሰነ ግዜ እየን ዝድርመማ። ደሓር ከከም ቅርበት ናይቲ ዝሞተን ዘመድ፡ በዓል ቤት፡ ሓው፡ ሓብቲ ወይ ውላድ ተራእዩ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ብቐረበን ትይድበሳ። ካብቲ ናይ ምድባሰን ምልክት ሓደ ድማ ድርምመን ተፈቲሑ ጸጉሪ ርእሰን ብኻልእ ኣገባብ ምቑናኑ’ዩ። ኣብቲ ግዜ ምድባስ ከዓ “በሊ እዚ ናይ ሓዘንኪ ወሰን ይግበረልኪ” ይበሃላ’ሞ ንሳተን ድማ “ኣሜን” ኢለን ንደበስተን የመስግና። ሓዘን እንተደኣ ተደጋጊምወን ግና እቲ ድርምም እውን ብድርምሙ ይቕጽል።

ብመንጽር እዚ ኤርትራዊት ኣደ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ተተኻኻኢ ሓዘን ወትሩ ምስ ብድርምምታ እያ ትነብር ዘላ። ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብዝተፈላለዩ ግፍዕታት ቤተሰባ ይሞቱ ስለ ዝነበሩ፡ ክትርመም’ያ ጸኒሓ። ናጽነት ኮይኑ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ’ውን እንተኾነ ኣስማት ስዉኣት ምስ ተነግረ፡ ውላ”ኳ በቲ ሳላ መስዋእቶም ዝተረኽበ ዓወት ሓዘና ውሒጣ ተደዓዒሳ ክትቀርብ እንተፈተነት፡ ከስዐ ኣደ ስለ ዝኾና፡ ነቲደጋዊ ምልክት ገዲፍካ፡ ብውሽጣ ካብ ሓዘን ዓዲ ኣይወዓለትን። እቲ ንደገ ከይወጽእ ትዓግቶ ዝነበረት ንብዓታ ከዓ ንውሽጢ ካብ ምፍሳስ ኣየዕረፈን። ዋላ’ኳ “ከምኡ ደስ ስለ ዝበለኒ እየ” ዝብል ምኽንያታት እንተሃበት፡ ድርምማ ኣይተረፈን። ሓደ ተስፋ ግና ነይሩዋ። ሓዘናን ድርምማን ኣብኡ ከብቅዕ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይህዱእ ፖሊሲ ጉጀለ ህግደፍ ሓዘና ኣይተደረተን። ድርምማ ከዓ ኣይተፈትሐን። ናይ ግድን ኣብ ዘይነበረ ውግኣት ምስ ሱዳን፡ ምስ የመን፡ ምስ ጅቡቲ፡ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ብዝተሰወኡ፡ በዓል ቤታ፡ ውላዳ ኣሕዋታ ሓዘና ተድጊሱ፡ ድርምማ ድማ መሊሱ ጸኒዑ። ዋሕዚ ንብዓታ ኣይዛረየን። ኣቦ እውን ይሓዝን እዩ’ሞ ግና እቲ ሓዘን ኣብታ ናይ ልውሃት ኣብነት ዝኾነት ኣደ ከም ዝገድድ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ንሳ ባዕላ እታ ኤርትራዊት ኣደ እያ “ስለምንታይ ወትሩ ይድርመም?” ኢላ ክትሓትት ዝግበኣ። ናይዚ ሕቶኣ መልስን ናይቲ ዘይዛሪ ሓዘና ጠንቅን ምስ ፈለጠት ከዓ ንሳ እያ ነቲ ሕቶ ኣብ ምምላስ ኮነ ነቲ ጠንቂ ኣብ ምውጋድ መሪሕ ግደ ከተበርክት ዝግበኣ። እዚ ናይ ኣደታት “ወትሩ ድርምም” ናይ ሓዘንን እህህን ግዜ፡ ኣደታት ነንሕድሕደን ብዝደባበሰኦ’ሞ መሊሱ ብዝድገስ ኣገባብ ኣይኮነን ዝፍታሕ። እቲ ፍታሕስ ነቲ ጠንቂ “ወትሩ ድርምም” ንሓዋሩ ከምዘይምለስ ምውጋዱ እዩ። ወጽዓ ኣደታት ማለት ብሓፈሻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ኣዝዩ ዝኸበደን ድርብን እዩ። ኣብቲ ነዚ ከቢድ ወጽዓ ናብ መሰረቱ ዝደልደለ ራህዋ ንምቕያሩ ዝግበር ቃልሲኸ ማዕሪኡዶ ኣሎ እጃመን? ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ግና እቲ ክኸውን ዝግበኦ “እወ መሪሕ እየን” ዝብል እዩ። “ብተግባርከ ከምኡዶ ኣሎ?” ንዝብል ግና ኣፍካ መሊእካ እወ እትብሎ ኣይኮነን። ዝያዳ ብብሩህ ንምግላጹ ተሳትፎአን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ትሕቲ ግምትና እዩ።

ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ ኣውን ማሕበራት ካብ ዘቕርብዎ ስኽፍታታት ሓደ ሕጽረት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ብተግባር’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። እሞ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብቑጽረን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ምናልባት እውን እንትዘይበዚሑ፡ ወጽዓአን ድማ ዝመረረ እንዳሃለወን ሃብታም ተመኩሮ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ እንዳወነናን እዩ። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ይኸውን? እዚ ብዘይወዓል ሕደር ክምልስ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ተተሓሒዙ ዝመጸ ባህላዊ ተጽዕኖን ስፍሓት ቤተሰባዊ ሓላፍነትን፡ ኣደታትና ካብ ቃልሲ ንክርሕቃ ኣስተዋጸኦ ከም ዘለዎ ከይዘንጋዕካ፡ ብኩራተን ክሳብ ክንድዚ ምብጸሕሑ ግና ዋላ እንተገላበጥካዮ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣዋጃት፡ መግለጽታትን መጸዋዕታታትን ክቐርቡ እንከለዉ ቅድሚት ዝስራዕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንክሳተፋ ዝምሕጸን እዩ። ኣብ ከምዚ እየን እምበኣር ኤርትራውያን ኣደታት “ኣብዚ ቃልሲ መንዩ ዓዳማይ መንከ ተዓዳማይ?” ኢለን ክልዓላ ዝግበአን። ወየን ኣብቲ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ሰንሰለታዊ ናይ ናጽነትን መሰረታዊ መሰላትን ቃልሲ ኣብነታዊ ታሪኽ ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ቅንስትዮ፡ ሎሚ ብብኩራት ካብ ቃልሲ ክሕመያን ብተደጋጋሚ ሰብ ዝሰርሖ ሓዘን ምስ ድርምምን ምእሳር ፈትልን ኣሳንየን ክነብራን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን።

እቲ ቃልሲ ነዊሑ፡ ኣቲ ኣሰላልፋ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘተባብዕ ዘይምዃኑ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ከይተግሃ ዝዓግቱ ምኽንያታት ኮይኖም ይቐርቡ እዮም። እዞም ጸገማት የለዉን ኢልካ ምክርኻር ኣይከኣልን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እተን ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ዝኽእል ገይረን ነጻነት ዘውሓሳ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ በዚ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ክበኹራ ቅቡል ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከዓ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዘይጥጡሕ ናይ ቃልሲ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ዓቕመን ትሕቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዘይኮነ ንብኩራተን ካብ ቃልሲ ቅቡል ምኽንያት ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። እምበርከ ነቲ ዝርካቡ ዕድልከ ተጠቒመናሉ ድየን። ብሓጹሩኸ እቲ ዝያዳ ተደራራቢ ወጽዓ ዘለዉ ኣካልዶ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክስለፍ ዝግበኦ።

22 ሰነ 2015

          ብቀዳምነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትና ስለ ዝኮነት ነቶም ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ካብ ገዛውቶም ውጺኦም  መስዋእትነት ከፊሎም ዝተረፉ ክብሪን ምስጋናን ይብጻሓዮም። እንተዀነ ኣብቲ ናይ ኩሉና ዓዲ ኮይኖም ፣ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስደትን ስቓይን ሞትን ብማዕዶ እናተዓዘቡ ከምዘይቀስኑ ገይሩዎም ኣሎ ። ጉጂለ ህግደፍ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ድምጸን ኣርሒቐን ገይሸን ኣሎዋ። ስለዚ ኩሉና ነዚ ተመንዚዑና ዘሎ ክብሪ ክንመልስ ንወደብ! እዚ ድሕሪ ምባል ኣብ ኣርእስተይ ክምለስ።

          ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሓት መርበባት ህግደፍ ከምቲ ልሙድ ናይ 03 ናይ ምድንጋር ባህርያተን ንጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ወርሒ ክምለስ ምዃኑ ኣማኻሪ ናይቲ መራሕ ጉጂለ ንገለ ናይ ወጻእተኛታት ወከልቲ ከምእተማጸዓሎም ይገልጻ ኣለዋ ። እንተኮነ እዚ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ተነጺሎ ዘናግፎ ኣይኮነን ። ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጻወቶ ገበጣ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ከኣ ተሳዒሩ እንከሎ ተዓዋቲ ዝኮነሉ እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዘዋጽኦ ኣይኮነንን።  

          ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ብሰንኪ ዓንዳሪ ምሕደራ ጉጂለ ህግደፍ ዝተኣታተዎ ስእነት ልዕልና ሕጊን ብልሽውናን ፣ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝፈጠሮ ገይሮም ዝገልጽዎ ፎኮስቲ ሕልና ኣይተሳእኑን ።ሃገራዊ ኣግልግሎት ሓደ ካብቶም መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክነብር ፣ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እንተሰለጦ ንደቡብ ገጹ እውን ክግልገለሉ ዝሰኣሎ ውጥን ምዃኑ ሕጂ እናተነጸረ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋጅ እዩ ።

          ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ክእወጅ እንከሎ ፣ ባይቶ ኤርትራ ተካቲዒሉ ኣጽዲቁዎ ዘይኮነ ፣ መራሕ ህግደፍ ክትግበር ከም ሓሳብ ድሕሪ ምቅራቡ ፤ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ባይታ ናይቲ ኣዋጅ ከይተረዱኡ ይርሓሰና ዝበሉዎ ምዃኑ እዩ ዝንገር ። ከም ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝትግበር ኮይኑ ፤ እቶም ዜጋታት እቲ ግቡእ ኣዋርሒ ምስ ወድኡ ኣብ ዘዝመረጽዎ መደባት ስራሕ ዝዋፈሩሉ ፍጻሜ እዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ግን ነቲ መንእሰይ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኣርሕቅካ ንናቱ ረብሓን ጥቅምን ከምዝይቓለስን ብዘይ ዶምዝ ዘገልግል(ሓውሲ ባርያ) ኮይኑ ክነበር ዝዓለመ እዩ ።

          ኣብ ሊበራል ዲምክራሲ ዜጋታት ብውሑስ ዝኮነ ሕግታት ርእሰ -ማሎም ፣ ከዋፍሩን ሽቅለት ክፈጥሩን እንከለዉ እቶም መንግስታት ከኣ ኩነታት ሰርሓተኛታትን ሕግን ጸጥታን ግብሪን ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ይህሉዎም ። ድኻን ሃብታምን ከም ማይን ዓሳን እቲ ሓደ ብዘይ ህሉውና ናይቲ ካልእ ክነበር ዘይክኣል እዩ ። ብዘይ መክሰብ ከኣ ወፍሪ ርእሰ ማል ዝብሃል የለን ።ኣብ መዋእል መግዛእቲ ህግደፍ ፣ እቲ ድኻ ብቅድሙ ኣይጽንሖን ፣ እቲ ቁሩብ ርእሰ-ማል ዝነበሮ ከኣ ብዝተፈለለየ ምክንያታት እናፈጠሩ ከም ዝደኺ ገይሮሞ  እዮም ። ሕጂ ተታሕዝካ ፈፎው ኮይኑ ። መንግስቲ ኩነታት ኢንቨስትመንት ከጠዓዕም  እምበር መንግስቲ ስራሕ ኣይፈጥርን ። ዝኮነ ሰርሓተኛ ጥዑይ ዶሞዝ ዘይክፍለሉ ብትግሃት ክሰርሒ ኣብ ታሪኽ ድቂ ሰባት ኣይተርኣየን ። ጉጂለ ህግደፍ ቁጠባዊ ፖሊሲ የብሉን ። ስልዚ ከኣ እዩ እቲ መራሕ ጉጂለ ኩሉ ኣብዘን 24 ዓመታት ዝፈተኖ ህግደፋዊ ቲዮሪ ከምዝፈሸለ ዝገለጾ ።

          ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅለ ነቶም ምስ ኩሉ እቲ ዝጋጥሞም ኢሰብኣውነት ኣብ ሃገር ምኽልኽል ተጸሚዶም ዘለዉ ተጋደልቲ ከፈኑዎም እንተ ኮይኑ ፣ ስራሕ ክፍጥረሎም ኣሎዎ ። እንተኮነ በቲ ኣብ ኩሉ መደያቱ ፈሺሉ ዘሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲታቱን ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብሕ/ ሃገራት ተኣዊጁ ዘሎ እገዳን ተነጽሎን ብተኣምር ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ታኼላ ክውጽእ ኣይኮነን ። እቲ ዘዋጽኦን ዝቀለለን ኣብ ውሱን ግዜ ስልጣን ነቲ ዘጋፎዖን ዝብደሎን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከረኽብ ኣለዎ ።  

          ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ደረጃ FAILED STATE ስለ ዝበጽሔ ብሓደ ኣንፈት ናይ ሀገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ምምላሱ ክድሕን ፍጹም ኣይክእልን እዩ። እቶም ተረርቲ ልቢ ደገፍቲ ናይቲ ጉጂለ ክሳብ ሕጂ ዓይኖም እናረኣየ እዝኖም እናሰምዔ ክድግፍዎ ዝርኸቡ ምስቲ ጉጂለ መበቆላዊ ዝምድናታት ካብ ግዜ ቓልሲ ተጸኒዑ ዝተወደበ ህወት ስለ ዘለዎም እዩ

          ናይ ሓደ ዝፈሸለ ስርዓት ከም መምዘኒ ወይ መዔቐኒ ዝውሰዱ ትንተናታት ዝተፈላለዩ ይኹኑ ደኣ እምበር እቶም መሰረታውያን እዞም ዝስዒቡ ተርእዮታት እዮም ፡

  • መንግስቲ ንህዝቢ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ከማልእ ምስ ዘይክእል
  • ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጭቆና ክጻወሮ ስለ ዘይክእል ብብዝሒ ክስደድ እንከሎ ።
  • መንግስቲ ካብ ጎረቤቱን ማሕበረሰብ ዓለም ተነጽሎ ምስ ዘጋጥሞ ፣
  • ልዑላዊ መሬቱ ክከላክል ምስ ዘይክእል
  • ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሓደ ውልቀ መላኪ ምስ ዝውነን
  • ኹናት ከም መፍቲሒ ሽግራቱ ምስ ዝጥቀም
  • ኤትኒካውን ሃይማኖታውን ግርጪታት ምስ ዘሳውር ፣
  • ጉቦን ምጥፍፋእን ፤ ስርቅን ክትለትን ምስ ዝነግስ

ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር ምዃና ነዚ ኩሉ ሽግራት ክፍውስ ዝክእል መበገሲ ዝኸውን ገዚፍ ወፍሪ ናይ ፋይናንስን ዓቅሚ ሰብን  ከድሊያ እዩ ። ህግደፍ ክዕኑን ከብርስን እምበር ክሃንጽ ዘይተዓደለ ጉጂለ ጥፍኣት እዩ።

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !

ክብሮም ግረነት

          

ዲክታቶር ኢሳይያስ ናብ ሳዑዲ ዓረብ ገይሹስ፡ ናብቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝሳተፉ ወተሃደራት ክሰድድ እሞ ዓስቢ ሚልዮናት ዶላራት ክወሃቦ እዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ቁሩብ ሰልዲ ለጊስሉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 5 ዓመታት ዝትግበር ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ ክትህቦ እያ ፡ ዝተወሰና ሃገራት ኤውሮጳ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ኢሳይያስ ዝርእዮ ዓይኒ ክርእየኦ ጀሚረን ኣለዋ .. ወዘተ ዝብሉ ንጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ዘለዎ መዋጥር ከም ዘውጽእዎ ኣምሲልካ ዝውረዩ ወረታት ክንሰምዕ ወሪሕና። ርግጽ እዞም ዝውረየሎም ዘሎ ተረኽቦታት ሓሶት ዘይኮኑስ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እውን ክበሃሉ ዝቐነዩ እዮም። እቲ ጉዳይ “እሞ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሕዱር ሕማም በዞም ዝጠቐስናዮም ምዕባለታት ዝፍወስ ድዩ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል እዩ።

ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነቲ ዝሰሓግ ዘሎ ህግደፍ ህይወት ዝሰኹዓሉ ኣምሲልካ ዝቐርብ ወረታት ቀለም ከይነቐጸ እንከሎ፡ እነሆ እቲ ጉጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ፈጺሙ ናብ ዝብል ዝመጣጠር፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸንዐ ሰፊሕ ጸብጻብ ብወግዒ ተገሊጹስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ቦታ ይረክብን ቀልቢ ብዙሓት ይስሕብን ኣሎ። እሞ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣየናይ ምዕባለ እዩ እቲ ገዛእን ሓያልን፡ እቲ ንህግደፍ ትንፋስ ዝሰኩዕ ዝመስል ወረታት ወይስ እቲ ንገበናቱ ዘቃልዕ ብጥንቃቐን ብተሳትፎ ኤርትራውያን ግዳያት ዝተኻየደ መጽናዕቲ? ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ንዘይኤርትራዊ ኣካላት ውሱን ግዜ ምውሳድን ምምዝዛንን የድልዮም ይኸውን። ንዓና ንኤርትራውያን ግና ቅድሚ እዚ ብዛዕብኡ ንዛረበሉ ዘለና መጽናዕቲ ምውጻኡ ጉዳይና ኮይኑ ስለ ዝጸንሐን ዘሎን ሓድሽ ኣይኮነናን። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ንማተኣሉ ጉዳይ’ውን የብልናን። ንጹር ሓጺርን መልሱ ከዓ “ኩሉ እቲ ምዕባለ ደሚርካ ክረኣይ እንከሎ ነቲ ስርዓት ሓድሽ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘይኮነስ ንጉዕዘኡ ናብ መቓብር ዘቀላጥፍን ኣበስኡ ዘቃልዕን እዩ” ዝብል እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ነቲ ውሱን ወካዕካዕ ደገፍቲ ህግደፍ ንምግላጽ “ደጊፎም ተሳዕስዕዎስ ዘሎ ይመስሎ” ዝበልናዮ።

እቲ ወሳኒ እቲ ናይ ደገ ወዘኽዘኽ ዘይኮነስ እቲ ውሽጣዊ ክውንነት እዩ። እዚ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝሰርሕ ስነ-መጐት ዘይኮነስ እንተላይ ንዓና ነቶም ንጉጀለ ህግደፍ ኣወጊድና ብዝሓሸ ስርዓትን ኣተሓሳስባን ክንትክእ እንቃለስ ዘለና ደለይቲ ለውጢ እውን ዝገዝእ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ኣብቲ ናይቲ ኮሚሽን መጽናዕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ገበናት ኣይወጸን። ንሱ እዩ እምበኣር ናይ ውሽጣዊ እንታይነቱ መርኣያ። ኣብዚ ውሽጣዊ መግለጺኡ ዝኾነ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ዘምጸኦ ለውጢ ክሳብ ዘየለ ከዓ ከቶ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከንቆልቁል እንተዘይኮይኑ ከይክሓውን እዩ። እቲ ብደገ ዝግበረልካ ደገፍን ዝወሃበካ ጽቡቕ ምስልን ግደ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ሃብትኻ ተዝውስኹኻ ኣብ ርእሲ ልብኻ ኸዓ ተዝምዕዱኻ፡” ዝበሃል። በቲ ሓደ ወገን ከዓ ዘይወሳንነት ግዳማዊ ጽልዋ ንምግላጽ “ልቢ ማዕዳ ምሸት ናብ ዋንኡ” ከም ዝበሃል ኣይንረስዕ።

እዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንዓና ንኤርትራውያን ኣሉታዊ ኣካል ህይወትና ኮይኑ ዝጸንሐ እምበር፡ ሓደሽ ኣይኮነን ኢለ ኣለኹ። ጸገምን ወጽዓን ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ተሓቢኡ ኣብ ክንዲ ዝነብር ብኸምዚ ኣብ ቅርዓት ዓለም ምውጽኡ ግና ቀሊል ኣይኮነን። ምናልባት ነዓና ምስቲ ውሱን ዓቕምናን ልሕሉሕ ናይ ሕድሕድ ዝምድናናን ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ከነቕርቦ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ጻዕርን ምሓተተና። ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝግምቶ ተሓቢኡ ክነብር ግና ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከዓ ንደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ክብሎም ዝደሊ፡ እዚ ብግዳማዊ ተርእዮታት ንጉጅለ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ፡ ናብ ራህዋ ዘይወስድ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ጉጅለ ዘናውሕ ጥራይ ምዃኑ ክርድእዎ ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝቕየር እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ምስ ተወገደ ኣብ ክንድኡ ብሓድሽ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ስርዓት ክመጽእ እንከሎ ጥራይን ጥራይን እዩ። እቲ ቃልሲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ነቲ ናይ ወጽዓ ባይታን ኣተሓሳስባን ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። እቲ ወጻዒ ምስ ተወገደ እውን እቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕጻልን ሓድሽ ወጻዒ ናይ ምፍራይን ዕድል ከም ዝህልዎ ክንስሕት ኣይግበኣናን። ስለዚ ቃልስና ኣንጻር ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ክንፈልጦ ዝግበኣና፡ ድሕሪ ሕጂ ብድሌት ጉጅለ ህግደፍ ዝውሰድ እሞ ድማ ንራህዋ ህዝብና ዘርብሕ ለውጢ ክመጽእ ከምዘይክእል ብሩህ እዩ። ህግደፍ ዝኣልሞ ማእለማ ንዕኡ ዝጥዕሞ ጥራይ እዩ። ምርጭኡን ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን ከዓ በበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ተጻራሪ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምኡ’ዩ ናይ ህግደፍ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ “ንግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክገብረሉ እየ። ናብቲ ብኣዋጅ ዝገለጽኩዎ ናይ 18 ኣዋርሕ ናይ ትምህርትን ኣገልግሎትን ግዜ ክመልሶ እየ” ዝብሉ መብጸዓታት ካብ ዘቃልሕ ሕያሎ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ውሱናት ናብ ኤርትራ ዝገሹ ወጻእተኛታት ዝወሃቦም መምለስ እግሪ ሸፈጥ እዩ። እዚ እውን ስለ ዝተባህለ ክትግበርዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ዘይምቕራብ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ህግደፍ ከምኡ ተዝገብርከ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ኣዕሚቑ ዝተተኽለን ጸፋር ጸገማት መተፈትሐዶ? እዚ ግዱድ ውትህድርናኮ ሓደ ካብ መርኣያታት ወጻዒ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ እምበር ናይቲ ጸገም ሱርን መሰረትን ኣይኮነን። ማለት እቲ ናይቲ ወጽዓ ሱርን ጉንድን ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ ሓደ ጨንፈር ሰሊዕካ ምድርባይ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። ናይ መልክዕ እምበር ናይ ፍረ ለውጢ ዘየብሉ ጠጥዒ ከጨብጭብ ስለ ዝኽእል። ምናልባት ነዚ ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ጠጠው ተዘብሎ እውን ካልእ መልክዕ ወጽዓ ሒዙ መቐረበ እምበር ምስ ህዝቢስ ኣይዕረቕን ንምባል ዝኣክል’ዩ።

ግደ ሓቂ ንምዝራብ እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ብህይወት የለን። ኣፍ ኣውጺኡ “የለኹን” ክብል ግና ኣይንጽበዮን ኢና። ዘየለኻ ክንስኻ “ኣለኹ’ እምበር” ምባል ክዓ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ዲክታቶራት ባህሪ እዩ። እቲ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ናይቶም ንዘየለ ኣሎ ኢሎም ዝከራኸሩ ኤርትራውያን ደገፍቱን ደጋጊፎም ከሳዕሶዎን ንእስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ብሂጎም መሳርሒ ክገብርዎ ዝደልዩ ሓይልታትን እዩ። ኣብዚ ሓደ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ድኽመት ምናልባት እውን ሞት ብኡብኡ ናይ ተቓወምቲ ብርታዐ ክኸውን ከም ዘይክእል። ናይ ጸላኢኻ ድኽመት ውሱን ፍናን ዝህብ እምበር፡ ቀንዲ ብርታዐኻን ሓይልኻን ብናትካ ጸዓት ጥራይ ዝመጽእ እዩ። እዚ ቁምነገር ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብግቡእ ከነስተማቕርዎን ክሓስብሉን ዝግበኦም መሰረታዊ ሓቂ እዩ።

15 ሰነ 2015

ብብዝሒ ተሳትፎ ናይ መንእሰያትን ተቓዉሞ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ውልቀሳብትን ደቂ ኣንስትዮን ዓበይትን ነኣሽቱን ቆልዑትውን ከይተረፉ ዝተኻፈልዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጉንበት 23, 2015 ኣብ ርእሲ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ነቲ ኣብ ሃገርና ብኹሉ መዳያት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ከሙኡውን መንእሰያት ካብ ሃገሮም ነፊጾም ኣብ ስደት ከምርሑ ከለዉ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድረበዳታት ሲናይን ዝጋንፎም ዘሎ ናይ ሞትን ክፋል ኣካልቶም ተቐንጢቡ ናብ ዕዳጋ ዝወርደሉን ዘሎ ህሞት ይኣክል ንምባልን ንህዝቢ ዓለም ንምቕላሕን መንግስታት ዓለም ንኤርትራዊ ሰደተኛ መሰሉ ከዕቁባሉን ንምምሕጻን ኢዩ ነይሩ።   

DemoinWashingtonDC 1            

ሰልፈኛታት ኣብ ቀጽሪ ዋይት ሃውስ ብምስላፍ ብነድሪ ንህዝቢ ኣመሪካን ንፕረሲደነት ኦባማን ኣብ ሀገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ህጊዲፍ ከም ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት፡ ብዘይ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ምእሳርን፡ መጭወይቲን፡ ናይ ምእካብን ናይ ሓሳባትካ ምግላጽ መሰል ምእጋድን ህዝብን መንግስትን ኣመሪካ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ ጸዊዑ።

 DemoinWashingtonDC 2

ካብዚ ብምቕጻል ሰልፈኛታት ካብ ዋይት ሃውስ ነቒሎም   ብየማን ጸጋምን ብፖሊስ ብኽብሪ ተዓጂቦም ብሕምብርቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰንጢቖም ብጎደና ፐንሲልቫኒያ ተጋዒዞም ናብ ካፒቶል ሂል መረሹ (ጎደና ፐንሲልቫኒያ ኣብ ኣመሪካ ሓዲሽ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ ካብ ካፒቶል ሂል ናብ ዋይት ሃውስ ብእግሩ ዝጋዓዘላ ውርይቲ ጎደና ኢያ) ሰልፈኛታት ብመጉልሕ ድምጺ "ይኣክል በቃ፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ምስ ህግዲፍ ንውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን፡ ይኣክል ንባርነት ንስመር ንሓርነት፡ ስቕያት መንእሰያትና የብቅዕ፡ ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ፡ ንሰብ ዘይብሉ ፈጣሪ ኣለዎ። ስልጣን ንህዝቢ ይረከብ፡ ብምባል እናጨደሩ መረሹ። ኣብ ቀስሪ ካፒቶል ሂል ምስ በጽሑ ድማ ነቲ ናብ ናይ ኮንግረስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት፡ ናብ ስተይ ደፓርትመንት፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተዳለወን ዝተላእከን ደብዳቤ ተነቢቡ።

ኣብ መጠርሽታ ሰልፈኛታት ንዳርጋ ክልተ ማይል ብምጉዓዝ ኣብ ጉደና ኤልን ሽዱሽተን ደበኽ በሉ፡ እዚ ቦታዚ ብስም ኤርትራዊ ሲቪክ ማሕበር ዝፍለጥ ናይ ህጊዲፍ ናይ ምዝመዛን፡ ዘይሕጋዊ ናይ ገንዘብ ምጥፍፋእን ንህዝቢ ኤርትራ ጎዛዚኻ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶር ተቖሪኑ ንኽነብር ሸቕጥን እከይ ማእለማታትን ዝፍጸመሉ ቦታ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ገለ ተባዓት ኤርትራውያን ነዚ ዘይሕጋዊ ትካልዚ ከሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ስለ ዘለዉ ነቶም ተሓባበርቲ ህግዲፍ ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝብኹም ደው በሉ፡ ምስ ዲክታቶር ምውጋን ሃገራውነት ኣይኮነን ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቦም ትምህርታዊ ኣብነት ብምቕራብ ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ኣኸተመ።

DemoinWashingtonDC 3 

ንጽባሒቱ ድማ ነቲ ብኣዳለውቲ ሰልማዊ ሰልፊ ዝተመደበ ኮንፈረንስ ካብ ሰዓት ሾሞንተን ፈረቓን ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ካስብ ፍርቂ ለይቲ ቀጸለ። "ሓድነት ምስ ብዝሑነት ንሃገር ድሕነት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መጀመርያ ኣቶ ጎይትኦም፡ ኣቶ ኑረዲን፡ ወ/ሮ ፍረወይኒ ቀዳማይ ፓነል ዲስካሽን ከቅርቡ ከለው፡ ናይ ክልቲኦም ሓሳብ ተመሳሳሊን ተደጋጋፍን ክከውን ከሎ ጥቅሚ ማሕበረኮማትን ህዝባዊ ምንቅስቃስን ክገልጹ ከለው፡ ሓፍቲ ፍረወይኒ ግን ባይቶ ስለዘሎ ካልእ ማሕበራት ከምዘየድልን ኩሉ ህዝቢ ኣብኡ ኽኣቱ ከምዘልዎ ሓቢራ። ሲዒቦም ዝቀረቡ ዶር. ገብረ፡ ኣቶ ስሄል፡ ኣቶ ሓሰን፡ ብወገኖም ሓድነትን ስምረት ኤርትራዊያን ኣድላይነቱን ህጹጽነቱን ኣስፊሖም ገሊጾም። ሃገር ኣብ ሓደጋ ምህላዋን ህዝቢ ይጸንት ስለ ዘሎ ናይ ኩሉ ሓይልታት ሓድነት ናይ ሓሳባትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕን እዋኑ ምዃኑ፡ ገሊጾም።

ኣሜሪካዊ ጆን ስታፈርን መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ጌርካ ምዕቡል ዲፕሎማሲያዊ ስራህ ተሳላስልን ትረክብን ንህዝብካ ትጣበቅን ኣስተምህሮ ሂቡ፡ ከምኡ እውን መንእሰይ ሜሮን ዝገብሮ ዘሎ ብሃገር ደረጃ ዝውክል ስራሓት ኣብሪሁ።

ዶር. ኣልጋነሽ ኣብ ሲናይ ብነጋዶ ደቂ ሰብ ብኤርትራውያን ከይተረፈ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ካብ ኢድ በደዊን ማእሰርቲ ዘውጽኣቶም መንእሰያትን፣ ነቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ትገብሮ ዘላ ኣግልግሎት ናይ ህጻናት ወለዲ ዘይብሎምን ምእላይን ብስእላዊ ሰነድ ዝተሰነየ መግለጽታት ኣቅሪባ። ኣማኒኤል እያሱን ናይ ፓነል ዲስካሽን ኣቕረብትን ኣድላይነት ናይ ህዝባዊ ማዕበልን ፍልልያቱ ምስ ውድባዊ ቃልስታትን ኣብሪሆም። ውድባት ንቀጻሊ ኣብ ናይ ስልጣን ውድድር ዝኣትዋ ክኾና ከለዋ፡ ህዝባዊ ማዕበል ግን ዋና ስልጣን ህዝቢ ኮይኑ ንዝመረጾ ዘደይብን ዘውርድን ድኣ እንበር ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከም ዘይኣቱን ኣብሪሆም። ስለዚ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ ማዕበል እዚ ክዓስልን ንከዔውቶ ክጽዕርን እዋናዊ ህጹጽ ጻዊዒት ሃገር ምድሓን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ሃገር ማለት ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኤርትራ ድማ ብዘይ ደቃ ሃገር ክትበሃል ስለዘይትኽል መንእሰይና ከነድሕን ኩሉ ሰብ እጃሙ ከበርኽት ከም ዘለዎ ኣብሪሆም።

 DemoinWashingtonDC 4

ካልኦት እውን ዝተፈላለየ ትምህርታትን መደረታትን ዘስምዑ ኔይሮም፡ ብሓፈሽኡ ኣዝዩ ሃብታም ዝኮነ ንሃገር ንምድሓን ዘምርሐ ኣስተምህሮታት ድሕሪ ምሃብ ኮንፈረንስ ተዛዚሙ።

 

ንጀነቭ ንምኻድ ቀዲምካ ተመዝገብ
ኣብ ምድሓን ነፍስኻ እንታይ ትንገባገብ

     ዓለም እንዳጸዓሩ ሽግርካ ክገልጹ
     ዋና ከንደሓርሕር ኣዝዩ ዘደንጹ

ሓጋዚ ረኺብና መዲድና ንሓብእ
ኣጋልጽ ነብሎም ናይ ሃገርና ኣዛብእ

     እንታይ ይዓብስ ፤ ብከብዲ ጉሪምሪም
     ኣብ ጀነቭ  ምኻድዩ  ጸላኢ ክትሃርም

ብመንእሰይ ሃገር ትትክዝ ትጉሂ
ከድካ ብኸየሎም ካብ ምውዓል እንዳሻሂ

     ንቓሕ ተበራበር ጸላኢኻ ኣለሊ
     ተዓጺፍካ ኣይትውዓል ከም ወኻርያ ኣውሊ

ኣብ ሕጊ ዘለዎ ሃገር ተቐሚጥካ
ሽግርካ ክትገልጽ እንታይ ኣፍርሃካ

     ድሕሪ ምዕናው ሃገር እንታይ ክመጸካ
     ስዒቡ ዝመጽእ ምሕካኽ ዜግነትካ

ኣዴታት ሃገርና ጸሎሎ ለቢሰን
ሓሪሩ መዓንጣ ከብደን ተሓሚሰን

     ደቀን ተዋሒጦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ
     ገሊኦም ጠፊኦም ኣብ ሰሃራ ምድሪ

ኣብ ሰሃራ ሲናይ  ደሞም ዝተኸዖ
ዘስካሕክሕ ዘሕዝን ብእዝኒ ኽትሰምዖ

     በለጽ ተዓጢቖም ቀደም  ዝሃደሙ
     ዕላማ ዘይብሎም እዮም  ብቐደሙ
     ጠወርቲ ናይ ህግዲፍ ህዝቦም ዝጠለሙ

ነቲ ጅግና ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ዘዕጠቖም
ካብ ሜዳ ምስ ወጹ ሂቦሞ ሕቖኦም

     ካብዚ ዝገደደ  ኣብ ህግደፍ ተዓስቡ
     ኣንጻር ዕላምኦም ነገር ኣሳበቡ

ሃገር ነጻ ኰይና ብጉያ ንዓዲ
ገንዘቦም ነጊፎም ተዓጽዩ መንገዲ

     ቁሊሕ ምሊሕ ኰይኑ ገንዘቦም ከሲሮም
     ህዝቦም ከይኽሕሱ ሕማቕ ኒሕ ኰሊሶም

ዓው ኣሎም ከይበኽዩ ሞት ሕጹይ ኰይንዎም
ብውሽጦም ሓሪሮም ጣዕሳ ሓኒቕዎም

     ፓልቶክ ተክኖሎጂ ኣገዳሲ ነይሩ
     ኵሉ እቲ ዝዝረብ እንተተግቢሩ

ምልፍላፍ በዚሑ ብታኒካ ፓልቶክ
ፈጺሙ ዘይሃርም ጥራይ ድምጺ ቶግቶግ

     ሓቂ ይመስለካ ብለይቲ ክፍከር
     ተግባር ዘይሕወሶ ነይብሉ ቁምነገር

ሾሞንተ ኣውቶቡስ ይመልኣ ብለይቲ
ንግሆ ምስ ተንሳእካ ዘይትርከብ ሓንቲ

     ተግባር ዘየሰኒ ኵሉ ሕልሚ ደርሆ
     ብዘይ ምንቅስቓስ ኣይመጽእን  መርሆ

ኣብ ዕላማ ኣልቦ ዘይምባል ዕንክሊል
ሽግር ናይ ሃገርና ግዳ  ዘይነቃልል

     ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ እንዳበልና ዘብዘብ
     ብዋጋ መሰልና ኣይንሕሰቦ ገንዘብ

ሓቦ ጸዓት ንግበር ኣብ ጀነቭ ንሰለፍ
ንመውቃዕቲ ህግዲፍ ከመይልካ ክሕለፍ

     እስከ ሕሰብሉ መዓልቲ ኣኺሉ
     ሽግር ናይ ሃገርና ማዕረ እያ ንዅሉ።

ካብዚ ዝተረፈ ይሕተት ብታሪኽ
ንህዝቡ ኣሕሲሩ ንሂግደፍ ዘምልኽ

     ዓወት ዘይተርፍዩ ውዒሉ ሓዲሩ
     ነዚ ንምዕዋት ትገብሩ ግበሩ

ባሳት ተኻሪና ጥራየን እንተኸዳ
ፖለቲካል ንድየት ንዋታዊ ዕዳ

     ንዅሉ ገዲፍና ኣብ ጀነቭ ምርኻብ
     ክንሰምዖ ኣሎና ናይ ህዝብና ጸብጻብ
     ነዚ ርኹስ ሂግደፍ ነልግበሉ ደናብ

Solomon 3አብ ካልአይ ክፋል ጹሑፈይ ሓቢረዮ ከምዝነበርኩ መሰረታውያን ዕንቅፋታት አብ ጉዕዞ ንሓርነት ቀጺለ ኣሕጽር አቢለ ከቕርብ ክፍትን።

1. ቃልሲ ዝጠልቦ ተመጣጣኒ ፍልጠትን ንቕሓት ዘይምህላዉ

         ንምንታይ ቃልሲ ኣድለየ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ከይመለስካ አካል ናይ ቃልስን ተቓላሳይን ክትከውን ፈጺሙ አይከአልን። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ’ዩ እምበአር ሓደ ውልቀ ሰብ ተቓላሳይ ቅድሚ ሙዃኑ እኹል አፍልጦን ንቕሓትን ናይቲ ቃልሲ ክህልዎ ዝግባእ። ንቕሓትን አፍልጦን ናይቲ ተጸንቢርዎ ዘሎ ጉዕዞ ዘይፈልጥ ተቓላሳይ፤ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ እቶቱ ንላዕሊ ዘርዕኡ ወይ ጉድአቱ ይበዝሕ። ደቂ ሰባት አብቲ ዝሳተፍዎ ቃልሲ ዕምቆት ኣፍልጥኦም ክፈላለ ንቡር ኮይኑ አብቲ መሰረታዊ ሕመረት ቃልሲ ግና ሚዛናውን መሰረታውን መረዳእታ ክህልዎም አገዳሲ እዩ።

         እዚ አብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ተቓሊሱ ዘረጋገጾ ናጽነት ሙሉእ ንምግባሩን ሓርነት ህዝቢ ንምርግጋጽን ዝግበር ቃልሲ እዩ። እዚ ሓርነት እዚ ሕቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልስ ስለዝኾነ ካልእ ጓል መንገዲ ዘድልዮ አይኮነን። የግዳስ ሰባት ብዝጥዕሞም መንገድን ውዳቤን ንኽቃለሱ ዘፍቅድን ዝኽልክልን አካል ወይ ባእታ ስጋብ ዘይሃለወ ዝመስሎም ናይ ምግባር ምሉእ መሰል አለዎም። እቲ ዝገብርዎ ውዳቤ ኮነ ቃልሲ ግና ንህዝብን ሃገርን ዝሃስይን ዘዕንውን ክኸውን አይግባእን። ሰባት ናብ ቃልሲ ብዝተፈላለዩ ስሚዒታትን ብዘይቡቑዕ መረዳእታን ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ተረዲኡና ንቕሓቶምን አፍልጦኦምን ዘበርኽሉ ባይታ ክንፈጥረሎም ቃልሲ የገድደና።

          ካብዚ ተበጊስና ኩነታት ንቕሓትን ፍልጠትን ደምበ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን አብ ከመይ ኩነታት አሎ ክንግምግም አገዳሲ ይኸውን። ህዝብና አብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓሙቕ አፍልጦ የብሉን እንድሕር ተባሂሉ፤ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ንምፍዋሱ ክንሰርሕን ክንጽዕርን እምበር ነቲ ዝተዋህበ ርእይቶ ከም ንህዝቢ ምንእአስ ጌርካ ክውሰድ የብሉን። አብ ፖለቲካ ትንታኔታት ክወሃብ እንከሎ ነቲ ዝተዋህበ ትንታኔ ግምገማ ክትገብረሉ ሓጋዚ ኮይኑ፤ አክንዲ ርእይቶኻ ምፍሳስ ግና ነቲ ዝተዋህበ ትንታኔ ክትቶዃኽቦን ዘይተባህለ ትርጉም ሂብካ ኣብ ሰባት ቅርሕንቲ ምጽሕታርን ክኹነን አለዎ። ቃልሲ ብንቕሓትን እኹል አፍልጦ ዘይብሎም፤ ብስሚዒት ተደሪኾም ዝተጸምበሩ ሰባት ክዕብለል እንከሎ ማእዝኑ ብቐሊሉ የጥፍእ ወይ’ውን መፍቶ ናይቶም ርእሰ ምትአምማን ዘይብሎም ብዘይ ብቕዓትን ክእለትን ስሚዒት ሰባት እንዳመዝመዙ ናብ ቅድሚት ዝወጣወጡ ተበለጽቲ ይኸውን።

           ደምበ ደለይቲ ለውጢ ንቕሓትን ፍልጠትን አለዎ ኢልካ አፍካ መሊእካ ክትዛረብ አዝዩ ከቢድ እዩ። እቶም ብሰንኪ መወዳእታ አልቦ ሃገራዊ ጊልያነት ስርዓት ህግደፍ ሃገር ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝወጹ እሞ አካል ናይዚ ቃልሲ ኮይኖም ዘለው መንእሰያት አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኩቱር ጽልኢ እዩ ዘለዎም እምበር፤ ንምንታይ እዮም ዝቃለሱ ዘለው ኩላቶም ብርግጽ ይፈልጥዎ እዮም ክትብል አዝዩ አጸጋሚ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኸአለ ድማ እዞም መንእሰያት አብ ውትህድርናን ድፈዓትን ንነዊሕ እዋን ብዘይ ዕድል ትምህርትን ንቕሓትን ጅሆ ተታሒዞም ስለ ዝጸንሑ እዩ። ናይዚ ሓደ አብነት ንምጥቃስ ገለ ማሕበራት ክብገሳ ከለዋ ሚዛናዊ ገምጋም ከይወሰዱ አብ ናይ ቋሕ ሰም ሰዓታት ይዓስልወን፤ ብተመሳሳሊ ገለ ጸገማት ምስ ዘጋጥም እውን ከምኡ አብ ሰዓታት ረጥሪጦመን ክዕዘሩ ይረአዩ። ካልእ አብነት ንምጥቃስ እኹል ንቕሓትን ፍልጠትን እንተዝህሉ ኔሩ እዚ ደምበ’ዚ ገዚፍ ጸላኢ አቐሚጡ አብ ሓድሕዳዊ ግርጭት አይምተጸምደን። ዝኮነ ይኹን ሽግራት ምስ ዝኽሰቱ ብዓንዲ ሕግን ራእይ ማሕበርን ተወኪስካ ሽግራትካ ክትፈትሕ ምስተኻእለ። በንጻሩ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ንአፈታትሓ ግርጭት ምንም ቦታ ዘይህብ ብንቕሓት ዘይኮነስ ብስሚዒታዊ አካይዳ ዝተዓብለለ ደምበ እዩ። ካብ መራሕቲ ውድባት ኮነ ማሕበራት ብዛዕባ ካልእ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ፍልጠት ይትረፍ ብዛዕባ ዓንዲ ሕጊ ማሕበሮም ኮነ ብዛዕባ እቲ ናብ ዓወት ከብጽሖም ዘርቀቕዎ ራእይ ማሕበር ብዕምቆት ዝፈልጡ እቶም አዝዮም ውሑዳት መራሕቲ እዮም።

           ካብ ከምዚ ዓይነት መሪሕነት እንታይ ዓይነት አባላት ክህልው ኢልካ ምግማቱ አየጸግምን። መብዛሕትኦም ካብቶም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን አንጻር ውልቀ ምልኪ ዝተቓለሱ ገዳይም ሓርበኛታት ነቲ ቃልሲ ዋላ’ኳ ስኖም ነኺሶም ይቕጽልዎ እንተሃለው፤ ነቲ ዝቃለሱሉ ዘለው ፍትሕን ዲሞክራስን መሰረታውያን ሞቖምያታቱ አኾምሲዖም ዝወሓጥዎ እዮም ኢልካ ክትዛረብ ዝከአል አይኮነን። ደንበ ደለይቲ ለውጢ ብንቕሓትን ፍልጠትን ስለዘይዓበየ እዩ ድማ ቁጽሪ ሰባት ዋላ እንተወሰኸ ኣድማዒ ክኸውን ፈጺሙ ዘይከአለ። ደምበ ደለይቲ ለውጢ ከምቲ ቀዳሞት ዝበልዎ “ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን” ውጽኢት ክርከቦ እንተኾይኑ ክነቅሕን ክውቀርን ዘለዎ፤ እንተዘየሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ምዃኑ ተሪፉ ደምበ ተጻረፍትን ተቛዮቕትን ኮይኑ ብሕጂ’ውን ንዓመታት ክቕጽል እዩ። ከምቲ አባላት ኤምዲሰመ (EMDHR) ብድሆ አንጻር አተሓሳስባና ኢሎም ጀሚሮሞ ዝነበሩ፤ ሕጂ’ውን ብዘይ ወዓል ሕደር ደምበ ደለይቲ ለውጢ አብ አተሓሳስብኡ ኮነ አካይድኡ ዳግመ ግምት ክገብርን ነዚ ዘሎ ትሑት ደረጃ ንቕሓትን አፍልጦን ፍትሕን ዲሞክራስን ብጹዑቕ ፖለቲካዊ አስተምህሮን ስልጠናን ክስዕሮ አለዎ። ሰባት ከየንቃሕካን ናይ ቃልሲ አፍልጥኦም ከየማዕበልካን እትሃንጾ ቃልሲ ከም አብ ሑጻ ዝተሃንጸ ገዛ ምዃኑ ካብ ተሞክሮና ክንመሃር ይግባእ።                

2. ሕጽረት ለባማት ዓበይቲ ዓድን ብቕዓት ዘለዎም መራሕትን

         ሰብ ዝቃለስ ነቲ ግጉይ ስርዓተ ምሕደራ ክቕይር፡ ልዕልና ሕጊ ከንግስን ብኡኡ አቢሉ መነባብሮ ሓፋሽ ህዝቢ ንክቕይርን ከመሓይሽን እዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ አብ ሸትኡ ንምብጻሕ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ነብስኻ አንጺህካ ውልቃዊ ዝና ኮነ ሕልምታት ንጎድኒ ገዲፍካ ውፉይ ቅድሚ ነብሱ ንሕብረተሰቡ ዝሰርዕ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ክትከውን ይግባእ። አንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንዓሰርተታት ዓመታት ቃልሲ ዘካየዱ ኤርትራውያን ዋላ’ኳ በቲ ስርዓት ኩሉ መዳያዊ ናይ ምንጻልን ምግላልን ውዲታትን ሽርሕታትን ከምዝተኻየደሎም ኩልና ንፈልጦ እንተኾነ፤ ነዚ ኩሉ ተንኮላት ህግደፍ ብብልሕን ብቕዓትን በዲሆም አብ ከባቢኦም ከም መራሕቲ ኤርትራዊ ናይ ዲሞክራስያዊ ራእይ ወይ ከም ዓበይቲ ዓዲ ክኾኑ ዝበቕዑ አለውና ክትብል አዝዩ አጸጋሚ እዩ።

           ንምንታይ ዝብል ሕቶ ምስ ዝቐርብ፤ መብዛሕትኦም እዞም ተቓለስቲ ጊዜኦም ንሕብረተሰቦም ኣብ ምንቃሕን ምልዋጥን ወይ’ውን አገልገልቲ ኤርትራዊ ፍቕርን ሓድነትን ኮይኖም ዘይኮነስ፤ አብ ነንሓድሕዶም ክወዳደሩን ክተሃላለኹን እዮም ጊዜኦም አዕሪቦሞ። ንአብነት ምጥቃስ አብ ፈለማ አብ ምሕዝነት ቀጺሉ አብ ኪዳን (ኤዲኪ) ዲሒሩ አብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፍሕፋሔ አዝዩ አህላኽን ዓቕሚ ተቓለስቲ ዘዳኸመ ክንሱ፤ በቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ኤርትራ ምንም ተፈላጥነት ዘይብሉ ምንባሩ ክጥቀስ ይከአል። እዚ አብ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻባት ዝጠፍእ ፍልጠትን ጉልበትን ብቐጥታ አብ ሕብረተሰብና ተዋፊሩ እንተዝነብር ሓያል ጽልዋ ክፈጥር ተኽእሎ ምስ ሃለዎ። ብመንጽሩ አብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ባይታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተዋስኤ ተቓላሳይ ህይወቱ ኮነ ተሞክርኡ አብ ምትህልላኽን ምውድዳርን እምበር፤ አብ ከባቢኡ ይትረፍ አብቲ ዝዋስአሉ ደምበ’ውን ከም ዓብይ ዓዲ ወይ አብነታዊ ዜጋ ክኸውን ዘለዎ ዕድል አዝዩ ጸቢብ እዩ። ሳዕቤን ናይዚ ከይኮነ አይተርፍን ነዞም ገዳይም ተቓለስቲ እግሪ እግሮም ሲዒቡ ዝቃለስ ዘሎ ወለዶ’ውን ነቲ ቅርሕንቲ፡ አጉል ረብሓ ዘይርከቦ ናይ በለጽኩኻባ በለጽካኒባ ውድድር ወሪሱ አብ ዕንክሊል ሓሸውየ አትዩ ዝርከብ። አብ መንጎ እቲ አብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተመስረት ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን(EYSC) ድሒሩ ዝተመስረተ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገርን (EYSNS) ዝተፈጥረ “ራዛ ናይ አብኡ ሓዛ” ዝዓይነቱ ዘይምቅዳው ካብቶም ቀዳሞት ዝፍለይ አይኮነን።  

           ሓያል መራሒ ውጽኢት ናይ ሓያል ሕብረተሰብ ክኸውን እንከሎ በንጻሩ ድኹም መራሒ’ውን ውጺኢት ናይ ድኹም ህብረተሰብ እዩ ዝብል ሙጉት ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፤ እዚ ዝከይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ሉሉያት መራሕቲ ክፈጥር ፈጺሙ አይከአለን። ብሓጺሩ መራሒ ማለት ካብ ሕማቓት እቲ ዝሓሸ ሰብ ወይ’ውን ካብ ንፉዓት ድማ እቲ ዝበርትዔ ሰብ ማለት እዩ። ካብዚ ተበጊስካ ይሕመቕ ይጸብቕ መራሒ ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። የግዳስ ከምቲ ኩልና ንዕዘቦ ዘለና መራሕቲ ውድባትን ማህበራትን እምበር መራሕቲ ቃልሲ ክንፈጥር አይበቓዕናን። ብግስ ንዝበለ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ንዘለዎ ሰብ ኩርሲ ኢሰያስ ወሰዳ ኢልና ንጭነቕ። አብዚ ቃልሲ እቲ ቀንዲ ጸገም ውዒልና ሓዲርና እኮ መራሒ ብመራሒ ተተኪኡ ብሰብ ክንመሓደር ምዃንና ዝረሳዕናዮ እንታይ ደአ አብ ጃፓን ዝተሰርሓ ሮቦት ንኽመርሓና ንጽበይ ዘለና ኢና ንመስል። መን ደአ ይብሉዎ እዚ? አስላማይ ከመይ ጌሩ ይመርሓና? ኣበይ እዩኸ ዓዱ? ካባና ዲዩ ዋላስ አይፋሉ? እንዳበልካ ከመይ ተዳኽሞ እምበር ከመይ ካብ ዝነበሮ ናብ ዝሓሸ መራሒ ትቕይሮ ዝብል ባህሊ ፈጺሙ አይጸንሓናን። እዚ ድማ ሳዕቤን ናይቲ መርዛም ጠንቂ ክቱር ህርፋን በትረስልጣን ክትጭብጥ ምድላይ እዩ።

           ንክትመርሕ ምምናይ ወይ ምድላይ ምንም ነውሪ የብሉን፤ ሃገር ንኩሉ ወዲ ሃገር ሃይማኖቱ፡ ብሄሩ ኮነ አውራጅኡ ብዘየገድስ ብማዕረ ስለእትብጽሖ። እቲ ጸገም ግና ንክትመርሕ ዘኽእለካ ብቕዓትከ አለካ ዲዩ? ዋላስ ከምዛ ንርእያ ዘለና ብዘይ ብቕዓት ብዘይ አኻእሎ፤ አብ ቃልሲ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዞባዊ ሰራዊት ክሳድ ሓዝ ብታሕቲ ታሕቲ ወዲብካ መጺኻ ብሰበብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ማሕበራትን ውድባትን ምጭዋይ እዩ። ዕድመ ንህግደፍ ህዝብና ሎሚ ነቒሑ’ዩ ከምኡ ዝዓይነቱ ናይ ምርጫ ድራማ ከእንግድ ሸውሃት የብሉን። ካብኡ ብዘይፍለ እቶም ብቕዓቶም ከየመስከሩ ብሑጓ ቃልሲ ሓፋሽ ንክመርሑ ሓያል ጎስጓስ ዝተገብረሎም ሰባት እውን ከምቲ ዝድለ አይሰጎሙን። ቀደሙ አባ ጓይላ ወይ አቦ ዳስ እምበር መራሒ ህዝባዊ ቃልሲ ብኸምኡ ክትፈጥር ዘይከአል። እኩብ ድምር ናይዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ሕጽረት መሪሕነትን ተመራሕነትን ድማ ቃልስና አይንላዕሊ አይንታሕቲ ሰንፈላል ኮይኑ ንረኽቦ።

           እምበአርከስ ብሰንኪ ክስምዑ ንጌጋ ብትብዓት ክእርሙ ንዝተጋገየ ክገንሑን፤ ካብ ተሞክርኦም ተበጊሶም ማዕዳን ምኽርን ክልግሱን ግርጭታት ክፈትሑን ዝኽእሉ ዓበይቲ ዓዲ ዘይምህላዎም እዚ ቃልሲ ንቕድሚት ፊሒት ክብል አይከአለን። እቲ አዝዩ ዘሕዝን እዞም ገዳይም ሓርበኛታት፤ እዚ ሓድሽ ወለዶ በቲ ንሶም ዝሓለፍዎ ክሓልፍ እንዳረአዩ አክንዲ ፍታሕ ከናድዩ ዝጽዕቱ፤ ንህዝባዊ ቃልሲ ብዓይኒ ውድቦምን አብ ሰማይ ዘሎ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣንን ስለ ዝጥምትዎ መዳመቕትን አቦ ጓይላ ፍልልያትን ክኾኑ ክትርእዮም አዝዩ የሕዝን። ብዛዕባ ሕጽረት መራሕትን ዘይምህላው ዓበይቲ ዓድን ብዙሕ ክበሃል ይከአል’ኳ እንተኾነ ንምሕጻሩ ዝአክል ናብቲ ካልእ ዕንቅፋት ጉዕዞ ቃልሲ ክኸይድ። (ይቕጽል)

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ - ካሊፎርንያ

Upsala New Newspaper 4th Jun 2015

Rezenepic

ደገፍ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ይቐየር፡ ንደለይቲ ፍትሒ መታን ከርብሕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ንኤውርጳ ንምብጻሕ ዝፈተኑ ማእለያ ቁጽሪ ዘይብሎም መርከብ ዝተጸዓኑ ንደላሎን ንዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ዘይተመጣጠነን ዘይምዕሩይን ክቡር ዋጋ ከፊሎም ብዘይንቡር ዝተጓዕዙ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ስኢኖም።

ዝዓበየ ቁጽሪ'ዞም ስደተኛታት ክንበር ካብ ዘይከኣል ከቢድ መነባብሮ ሂወትን ኣብ ኤርትራ ንስደት ዘምርሑ'ዮም። ኣብኡ ብምሕሱም ምልከት ዘመሓድር መንግስቲ፡ ብዲክታቶሪያዊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሓርነታዊ ተጋድሎ ዝተቃለሰ ዝምራሕ'ዩ።

ነጻነት፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን፡ ደሞክራስን ኣይመጽኤን እንታይ ደኣ፡ ብኣንጻሩ'ዩ

መንእሰይ ኤርትራ፡ ገደብ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዝተገደዱ፡ ንመዓልቲ ትሕቲ $ 2 (ትሕቲ ክልተ ዶላር)፡ ንመናበሪኦም ይኽፈሎም። ድሕሪ ነጻነት ዝተነድፈን፡ዝጸደቐን ቅዋም ኣይተተግበረን። ወታሃደራውያን መራሕቲ፡ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ተኣሲሮም። ሓሳብካ ምግላጽን፡ ነጻ ጋዜጣን ዘይብላ ሃገር ከኣ'ያ።

ሽወደን-ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ክስን ፍርድን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ። ምልካዊ ስርዓት ንተጻረርቱን ነቐፍቱን ኣሲርሉ ዘሎ ቦታ ዘስካሕክሕን፡ ዘይሰብኣዊ ብጨካን ኣተሓሕዛ፡ እሱራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብሉ ብቀረባ ዓይኒ መሰኻኽር ዝገልጹ፡ መን ኣበይ ተኣሲሩ፡ ህሉዉን ምዉቱን ዓለም ዘይትፈልጠሉ'ዩ።

ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሽማግለ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ብኩነታት ኤርትራ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብዕለት 16 መጋቢት 2015 ጸብጻባ ኣቕሪባ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሰብኣዊ መሰል ክትምርምር ዝመዘዛ ሽማግለ ኤርትራ ንኸይትኣቱ ስለ ዝተኸልከለት፡ ንኣስታት 500 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት መሰኻክር ኣዘራሪባ።

እቶም መርማሪት ሽማግለ ዘዛረበቶም ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ንመጻኢ ተስፋ ከም ዘይብሎም ዝገለጹ'ዮም። መጻኢ ዕድሎም፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ፡ ሞያ፡ መርዓን መውስቦን፡ እምነቶም ኣብ ኣገደስቲ ውሳኔታቶም ምርጫ ከም ዘይብሎም፡ መረዳእታ ዘይርከበሉ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ግፍዒ፡ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተነፍጎምን ናይ'ዚ ግዳይ ተምክሮታት ዘለዎም ብዙሓት'ዮም።

ዕላውን ዘይዕላውን፡ ኣብ ልዕልን ትሕቲ መሬት ማእሰርቲ ኣሎ። ኣብ'ዚ ማእሰርትታት ከኣ ብርቱዕ መቅጻዕትን ስቓይን ኣለዎ። ይኹን'ምበር ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ተግባራት ገበናት ዝፈጸመ ተሓታቲ ንፍርዲ ዝቐረበ የለን።

እቶም ዝተሰደዱ ሰባት ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት ይነብሩ ኣለዉ። ገገለ ካብኣቶም ኣብ ሽወደን ይነብሩ። ክፋል'ዞም ስደተኛታት ብምኽንያት ዶባዊ ግርጭት ኤርትራ-ኢትዮጵያ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዝወጹ እዮም። ሎሚ ከኣ ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ይወጹ ኣለዉ። ኣብ 2000 ዓ.ም ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ደረጃ ወዲቑ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ይርከብ። ኣብ'ዚ ፋሕ'ሉ ዘሎ ህዝቢ፡ ንመሪርን ሓደገኛ ጉዳይ ኤርትራ መታን ክውዳእ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉ ዝተፈላልዩ ምትእኽኻባትን ውዳበታትን ኣሎ።

ካብ'ዚ ውዳበታት ሓደ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መጽሔት ሓርነት ወርሒ ግንቦት ዝወጸ ሕታም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመደቦ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዘጽኦ ቕሬታ፡ ደገፍ ኢውሮጳዊ ሕብረት ንመሐየሊ መላኺ ስርዓት፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዲሞክራስን ዓቓፊ'ዩ በሃልቲ እዮም።

ካልኦት ሓይልታት ምስ ርእይቶን ሓሳብ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ይሰማምዑ

ንመጀመሪያ ግዜ ኣይኮነን ሎሚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ዝሰልዕ ዘሎ። ድሕሪ ዶባዊ ግርጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 ኤውሮጳዊ ሕብረት ምኽንያት ረኺቦም ሓባርዊ ስራሕ መደብ ዕብየት ምስ ኤርትራ ክደፍእሉ ጀሚሮም።

ብተመሳሳሊ 2009 ንዝተሰልዐ ሓገዝ ቅድሚ ኣብ ውሳኔ ምብጽሑ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዛ ሰባት ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘሎ ጽሒፉ፡ እዚ ኩነታት እንተደኣ ተማሓይሹ ጥራሕ'ዩ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ክረጋገጽ ዝኽእል ዝብል እምነት ነይሩ።

ብዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ላዕለዎ ሰበ ስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ወኪል ጉዳያት ወጻኢ፡ፖለቲካዊ ጸጥታን ሓላፊት ዝዀነት ወ/ሮ ፈደሪካ ሞርጋኒ ሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ስርዓት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንክመሓየሽ ዝግበር ጸቕጢ'ዩ ክትብል ኣብ'ቲ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰደደቶ መልእክቲ ጠቒሳ። ግን ዝዀነ ምምሕያሽ ዛጊት ኣይተራእየን።

ኣብ 2015 ዓ.ም ንርከብ። ካብ ምልኪ ብምህዳም ነበርቲ ህዝቢ ኤርትራ ቁጽሮም ካብ ግዜ ንግዜ እንዳወሓደ መጺኡ ኣሎ። ንሕና ልክዕ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ሓገዝ ጠጠው ከብል ኣለዎ ንብል። ምኽንያቱ ከኣ ንሰብኣዊ ክብሪ መሰል ዝሕለወሉ ምምሕያሽ ዝመርሕ ወይ ዘምጽእ ብዘይምዃኑ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባላት መንግስታት፡ ረዲኤታዊ ማሕበራት ንደሞክራስን ሰብኣዊ ክብርን መሰላትን ንዝሰርሑ ብዝበለጸ ክሕገዙ ከም ዘለዎም እኹል ፍልጠት ኣለዎም። ንሕና ከም ሰ.ዲ.ህ.ኤ እዚ ኣፍልጦ'ዚ ግድን ክስርሓሉ ዘለዎን ንኤርትራ ከኣ ዘዋጽእ እዩ።

ብዝሒ ትምህርታዊ ወፍሪ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ፡ ሞያዊ ስልጠና ወይ'ውን መሰረታዊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፡ ነቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ምብራቓዊ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ምሕጋዝ ካብ'ቲ ብዙሕ ሓደ ኣገባብ'ዩ። ከም መረዳእታ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ብድሩት ምንጪ ንመሰረታዊ ፍልጠትን ትምህርትን ክቐስሙ ዝቃለሱ ንዘለዉ ህጻናት፡ ኣብ ከም'ዚ ዝብለ ኩነታት ንዝርከቡ ወይ ንዝነብሩ ሰባት ምሕጋዝ፡ ድሕሪ ምውዳቕ መላኺ ስርዓት ተሳትፎ ኣብ ህንጻት መጻኢ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እግሪ ንምትካል ክሕይል ግድነት ክዳለዉን ክድልድሉን ይግባእ።

ብምኽንያት መጠን ዘይብሉ ሰብኣዊ በደላት ኣብ ኤርትራ፡ ንብዙሕ ዓመታት ሓገዛት ጠጠው ዘበላ ሃገራት ሓያሎ'የን። ነዚ ዓይነት መደብ ከኣ ሰፊሕ ደገፍ ዝግብኦ'ዩ።

ትጽቢታትና፡ ሽወደን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኤርትራ ንዝወሃብ ሓገዝ፡ ክትጸልዎን ክትሰርሓሉን ከም'ቲ ልዕሊ ኢሉ ዝተጠቕሰ ኣገባብ፡ ምምሕያሻት ዝተኸተለ መስመር መልሲ ዝርከበሉን፡ ብቀሊሉ ብተግባር መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘዘውትሮ ቀጻሊ ግፍዒ ጭቆና ዘፋዅስ ክኸውን ይኽእል።

ዮሬል ሴቭቦሪ ሉንድግሬን... ኣባል እምነት ምድግጋፍ

ረዘነ ተስፋጽዮ                   ኣባል ባይቶ ሽወደን ነበር

ካር ሊንድበሪ                   ኣባል ምምሕዳር ወረዳ ኡፕሳላ

ቦ ንይሉንድ                     ዶ/ር ኤች ኣር ቲኦሎ

ሲግበርት ኣክሰልሶን         ፕሮፌሶር ኢ ኤም