ኣየ እወ ክንደይ፡ ኣየ ከመይ ምቖዶ

እቲ ቃልሲ ብሓባር እንተንጸምዶ

እወ ብሓደ ከም እሱር ማእዶ።

                         ኣየ እወ ክንድይ እኳ ምቆዶ

                       እቲ ጎደና ሕውነት ብሓባር እንተንኸዶ

                       እቲ ዓቢ ንንእሽቶ እንተዝምዕዶ

                       ንመትከላዊ መገዲ መንእሰይ እንተ ዝጽዕዶ

                       ህዝብን ሃገርን ፍስሃ ምወረዶ።

ኩልና እንተንጾሮ ንመን ምኸበዶ

ምክብባር ብኢደይ ኣድካ ብጽምዶ

ናብራና ቅሳነት ምሰፈኖ ክብሪ ምወረዶ።

                       ለባም ሃገራዊ ተዋሒጡ ብስደት ማዕዶ

                      ዒብ ዘይሕጋዊ ንበዓልቤት ጓና ክፈርዶ

                       ንምስዋር ጋዝ ኣይድለን ኣሎና ጉድጉዶ።

ቪላ ፓላሶ ኣይመድለየን ከሎ ጽኑዕ ኣጉዶ፡

ሙሉእ ጸጋ ሃገር ወሰኽ ነየድልዮ ጾዶ

ተጻባእቲ ሃህ ምበሉ ምተሳዕሩ ብርፍዶ

እዋኑ ዩ ንጉዕዞ ሓርነት ሃየ ብሓባር ንኺዶ !!!

ብንፋስ ነሓሰ 2015                                                                                      ጸሃየ ቀለታ ሽወደን

ሓደ ዕማም ትሕዝ። ከምዚ ንሕና ኣብ ኤርትራ ዲክታቶር ኣወጊድና ኣብ ቦታኡ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ንቃለሶ ዘለና። ኣብዚ መስርሕ ሓደ ምዕራፍ ናይቲ ጉዕዞ ምስ ኣዐወትካ፡ ድሕሪኡ ናበይ ከም እትቕጽል ብጥንቃቐ ክትውስን ስለ ዝግበኣካ “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ክትሓትትን ክትምልስን ግቡእ እዩ። ምእንቲ ዓወታትካ ቀጻልን ተመላላእን ክኸውን። ምናልባት ኣብዚ መስርሕ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እንተተጋጊኻ’ውን እሩምን ኣዕዋትን መንገዲ ንምርካብን ካብ’ቲ ጌጋ ንምውጻእን “ሕጂኸ ናበይ?” ኢልካ ምሕታት ለባም ኣተሓሕዛ እዩ። እዚ ሕቶ ናይ ለባም ሕቶ ዝኸውን ግን ለባም መልሲ እንተረኺቡ ጥራይ እዩ። እቲ መላሲ ነቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ምስላ ትርጉም ዘይህብ ነቲ ዘየስረሐ መንገዲ ዝደግም እንተኾይኑ ግና፡ እቲ ሕቶ ወርትግ ይለዓል እቲ መልሲ እውን ከምኡ ብዘይ ናይ ዓይነት ለውጢ ይቕጽል። መዋጸኦ ከዓ ኣይርከብን።

ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ካብ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 1999 ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዘሎ ናይ ኣስታት 15 ዓመታት ተመኩሮና ዝምህረና ኣካይዳ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ምጽንሑ እዩ። ብዙሓ ኣብ ቀጻሊ ናይ ሓባር መድረኽ ክንመጽእ ዝገበርናዮም ፈተነታት ኣይተዓወቱን። እዚ ናይ ፈተነታት ዘይምዕዋት ክምህረና ዝግበኦ ግና ዘይተመርናሎም ብዙሓት እዮም። እቲ ቀንዲ ግና 2ይ ፈተነ ክንጅምር እንከልና ካብቲ 1ይ ፈተነ፡ 3ይ ፈተነ ክንጅምር እንከለና ካብቲ 2ይ ፈተነ፡ 4ይ ፈተነ ክንጅምር እንከና ካብቲ 3ይ ፈተነ ክንምሃር ዘይምጽናሕና ብብሩህ የርእየና። ንፉዓትን ኣርሒቕና እንርእይ ኮይና፡ ናይ ካልኦት ምስ ኩነታትና ዝመሳሰሉ ሃገራት ተመኩሮ ምጽናዕን ኣብ ግምት ምእታውን እንተተረፈናስ፡ ካብቲ ባዕልና ዝሓለፍናዮ መስርሕ ክንምኮር ዘይምኽኣልና ኣብ ዝርዝር ድኽመታትና ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ፡ ጸገማትካ፡ ዘይምክእኣል፡ ዘይምጽውዋር፡ ኣግላልነት፡ ንጉዳያት ካብ ውልቀሰብ ወይ ውልቀውድብ ፈሊኻ ዘይምርኣይ፡ ኣብ ክንዲ ዝያዳ ናብ ጽባሕ ምምዕዳው ናብ ትማሊ ምምላስ፡ ናይ ጉዳያት ቀዳምነታት ብግቡእ ዘይምስራዕ፡ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ከም መከፋፈሊ ምውሳድ፡ ኣብቲ እትደልዮ ሸቶ ንምብጻሕ ኣቋራጭ ምምራጽ … ወዘተ ቀንዲ ጸገማትና ምዃኖም ባዕላቶም ነጊሮምና እዮም። ኣብዚ ንምብጻሕ ብዙሕ ምርምርን ገምጋምን ዘድልዮ እውን ኣይነበረን። እቲ ዘሕዝን ነዞም ድኽመታትና ኣብ ክንዲ ነእርሞም ክሳብ ሕጂ ንደግሞም ምህላውና እዩ።

ንእትብህጎ ክቡር ነገር ክትረኽቦ ንዓኡ ዝምጥን ዋጋ ክትከፍለሉ ናይ ግድን እዩ። ብቕዓት ዝምዘን ድማ ጽቡቕ ብምብሃግ ዘይኮነስ፡ ነቲ እትብህጎ ዝምጥን ዋጋ ክትከፍል ብምኽኣልን ብዘይምኽእልን ጥራይ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ እንእውጆ ኩሉ ትምኒትናን ድሌትናን እንታይ ከም ዝኾነ ዘመልክት እዩ። ናይ ምምናይን ቃል ምእታውን ጸገም ዘለዎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ትካል ከዓ ኣይረኣናን። ኪኖቲ እንምነዮ ዘለና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ትግሃት ግና ብደረጃታት ዝቐርብ’ኳ እንተኾነ፡ ኣዝዩ ትሑት እዩ። ኣብዚ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ከም ዝህልወና ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ጸገምናስ በታ ዘላትካ ዓቕሚ ህዝብን ሃገርን ዝማእከሉ ነጻ መንገዲ ቅንዕና ዘይምሓዝ እዩ። እቲ መንገዲ ቅንዕና እንተንሕዝ እቲ ዓቕሚ እውን ምተፈጠረ። መንገዲ ቅንዕና ምሓዝ ንገዛእ ርእሱ ዓቕሚ እዩ። እቲ መንገዲ ቅንዕና እንተዘይተታሒዙ ግና፡ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና እቲ ዝርካቡ ዓቕሚ’ውን ንድማዕ ኣይውዕልን እዩ።

ህልዊ ጸገማት ህዝብና ምትንታንን ምስኡ ሓቢርካ ምቑዛምን መውጽእ ኣፍና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ከምኡ ክኸውን ከዓ ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ምእንትኡ፡ ናይ ዓወትና ወሳኒ ዓቕሚ ድማ ካብኡ ስለ ዝኾነ። ድሌት ህዝብና እንታይ ምዃኑ ንዓና እውን ኣይጠፍኣናን እዩ። ንሱ እውን ኣብ ልዕሊ እቲ ንፈልጦ ምዃና ዓው ኢሉ “ብዘያፈላላይ ብሓባር እንተተቓሊስኩ ኢኹም ተድሕኑኒ” ይብለና ኣሎ። ሎሚ ይኹን ጽባሕ ናይ ህልውናኡን ቀጻልነቱን ዋሕስ ህዝቢ ምዃኑ ዘይእውጅ ውድብ ወይ ሰልፊ የለን። እንተኾነ ህዝቢ ንሕና ከም ውሱን ፖለቲካዊ ትካል እንኣምኖ ክቕበል እምበር፡ ንሕና ከም ፖለቲካዊ ትካላት ናይ ህዝቢ ድሌትን ድምጽን ጽን ክንብልን ኣብ ኩሉ መደባትና ኣብ ግምት ከነእትዎ ከም ዝግበኣናን ዘለና ድልውነት ትሕቲ ግምት ምዃኑ ንክሕዶ ኣይመስለንን።

“ግዜ ወርቂ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ። መልእኽቱ ድማ ንግዜ ብግቡእ ምጥቃም መሰረታዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዘየድምዕ ጉዳይ ግዜኻ ምብኻን ናይ ድኽመት መግለጺ ምዃኑ’ውን ናይዚ ኣበሃህላ ካልእ ገጽ እዩ። ግዜ ክትቁጥብ ኢልካ ዘይተጸንዐን ኣቋራጭን መንገዲ ምምራጽ እዩ። ከምቲ “ተሃዊኸን የፍስሰኦ’ሞ ተመሊሰን ይኣርዮ” ዝበሃል ከዓ ዋጋ የኽፍለካ እዩ። ምስ ሓደ ኣካል ተሃላሊኽካ ህዉኽን መጽናዕቲ ዝጐደሎን መንገዲ መሪጽካ ሸበድበድ ምባል ዓብይ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምጉዳእ ድማ ዘተሓታትት እዩ። ኣብ ከምዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ፡ ናታ ናይ ምልማዕን ምጥፋእን ብጽሒት ስለ ዝህልዋ ግቡእ ግዜ ክወሃባ እዩ ዝግባእ። ነቲ ትሃርፎ ዓበይቲ ጉዳያት ጥራይ እንዳኣማዕደኻ ነቲ ናብኡ ዘብጽሕ ንኡሳን ተግባራት ምዝንጋዕ ኣብ ጌጋ ከም ዘውድቕ ምርዳእ የድሊ። ከይረኣኻዮ ዝሓልፍ ጌጋታትስ ደሓን “እዚ ጉዳይዚ ክዝለል ዘይግበኦ’ዩ” ተባሂሉ እንዳተነግረካ “ደሓን እዝስ ደሓር ንርእዮ” ብዝብል ኣጎልቢካዮ ምሕላፍ ግና ደሓር ንሱ እቲ ዝተዘለለ እዩ ዋጋ ዘኽፍለካ። ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መድረኽ ምብዛሕ ተሳተፍቲ’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ፡ ስለ ዝበዛሕካ ጥራይ ኣይኮንካን እትዕወት። እቲ ዝሓዝካዮ መንገዲ ብውሕዱ ኣብቲ ዝመረጽካዮ እዋን ንኹሉ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶታት ዝመለሰን ንክመጽእ ዝኽእል ምዕባለታት ብንቕሓት ኣብ ግምት ዘእተወን እንተኾይኑ ናይ ምዕዋትካ ምናልባት ልዑል እዩ። መንገድኻ በዚ ዝምራሕ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ውሑዳት እንተኾይንካ ጽባሕ ከም እትበዝሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ምርጫን ጉዕዞን ብእንጻሩ እንተኾይኑ ግና ናይ ሎሚ ብዝሕኻ ጽባሕ ከም ዝውሕድ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነጥብታት ርሑቕ ከይከድካ ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝርከብ ክነሱ ዘይተመሃርናሉ እዩ። ሕጂ እውን እቲ መዋጸኦ ኣቐዲምካ ምልስ ኢልካ ናይ ገዛእ ተመኩሮኻ ምርኣይ እምበር ካልእ መጻሕፍቲ ምግንጻልን ኣቋራጭ መንገዲ ምምራጽን ኣይኮነን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ምስቲ ኩሉ ጸገማት ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብ ኢድና ዘይወጸ ሓያል መሳርሒ ኣለና። “ሕጂ’ውን ክንገብር ንኽእል ኢና” ዝብል ኒሕን ሓቦን። እዚ ኒሕን ሓቦን’ዚ ንገዛእ ርእሱኳ ዓወት ተዘይኮነ ኣብ ቀጻልነት ቃልሲ ደራኺ ግደ ኣለዎ። እምበኣር ኩነታትና ሕጂ እውን እቲ ወትሩ እንሓቶ ግና ዘይተመለሰ ሕቶ “ሕጂኸ ናበይ?” ክንሓትት ከም እንግደድ ዘመላኽት እዩ። ስለዚ እዚ ሕቶ እንደጋና ከም ዘይሕተት ጌርና ክንምልሶ ናይ ግድን እዩ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፈስቲቫል ካስል 2015 “በቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸድናዮ እሞ ኣብ ዓወት ዘየብጽሓና ጐደና ምምልላስ ሕጂ'ውን ከም ትማሊ ኣየዕውተናን ኢዩ። ተመኵሮና ገምጊምና፡ ንኽዕንቅጹና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ወይ ብድሆታት ብሓድሽን ምትእምማን ዝፈጥርን ኣገባብ ክንምክቶም ከድልየና ኢዩ።” ዝበሎ። ሃገራዊ ባይቶ ንደሞካሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘርእዮ ዘሎ ምልክታት እውን ካብዚ ውጻኢ ዝንበብ ኣይመስልን።

13 ነሓሰ 2015

BAEDC Logo

እዚ መጠንቀቕታ እዚ መቀጸልታ ናይቲ ብዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ውድባትን መንግስታትን ዝውሃብ ዝጸንሔ ካይኑ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ኣሜርካ ትቕመጡ ተደናገጽቲ ህግደፍ ይምልከት። እዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲትኩም መሰል ናይ መስርሒ ፍቓድ፡ መንበሪ ፍቓድ፡ ዜግነት፡ መንግስታዊ ደገፍ (ሓገዝ ናይ መግቢ፡ ገንዘብ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ሕክምናዊ ኣግልግሎት (ሜዲካል))ወዘተ ብዋጋ እቶም አብ ዘይውዳእ ዘመናዊ ባርነት ተሞቒሖም ዕድመ ንእስነቶም ዝበሊ ዘሎ መንእሰያት፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም ኣብ ፍቐዶ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዝንከራተቱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብዋጋ እቶም አብ ፍቐዶ ኣጻምእ ሰሃራ፡ ባሕሪ ሜድተራንያንን ጎላጉል ሲናይን ዝሃልቑ ዘለዉ ኤርትራውያን ወዘተ. ዝረኸብክሞ ዕድልን ጸጋን ምዃኑ ሞጎት ዘየድልዮ ዘየማትእ ሓቒ እዩ።

ዘሎኩም ፖለቲካዊ አረኣእያ ብዘየገድስ፡ ንስኻትኩም ከምኡ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ባርባራዊ ገዛኢ አብ ልዕሊ ህዝቡ ኩለንተናዊ ጭካነ ዝፍጽም፡ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ትፈልጥዎን ትገልጽዎን። ነዚ ሓቂ ምርኩስ ጌርኩም ድማ ናብ ኢሚግረሽን ብቃለ ማሕላ ስተሰነየ ሰነድ ምስ ክታሙ አቕሪብኩም ሕጋዊ መሰል ናይ ዑቕባ ክትረኽቡ ክኢልኩም። ነዚ ማሕላ ረሲዕኩም ወይ ድማ ረጊጽኩም ነቲ ትማሊ ዕርቓኑ ዘውጻእክሞ ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ክንዲ ካብ ጽዩፍ ተግባሩን ምምሕዳሩን ክቑጠብ ብኹሉ ዓቕምኹምን ክእለትኩምን ክትዓግትዎ ትቃለሱ፡ ብኣንጻሩ፡ አብ ኩሉ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ምድላዋትን ኣዕናዊ መምርሒታትን አብ ጎድኑ ኮይንኩም ፍናን ክትህቡን ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ክተበርክቱን፡ ዓገብ! ብዋጋ እቶም ውጹዓት ዝረኸብኩሞ ሞሳ፡ ሕነ ምስጋናን ደገፍን ንውጹዓት፡ ተመሊስስኩም አንጻር እቶም ውጽዓት መሳርሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ክትኮኑ ምምራጽኩም ብሕጊ ተሓተትቲ ይገብረኩም።

ብሰሪ ተርእይዎ ዘለኹም፡ ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን ምድንጋጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ.፡ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ራህዋ ክረክብ አይክኣለን፡ ብተወሳኺ ነቲ ብኽንደይ ከርተት ናብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን አወስትራልያን ዘኣተወ ኤርትራዊ፡ ወረቐት ንኸይረክብን ዕድሉ ከምዝጸብብን ከምዝዕጾን አሉታዊ ጽልዋ ንውጹዓት ትኾኑ ስለዘለኹም፡ ካብዚ ነውራም ተግባራት ክትቑጠቡ ነጠንቕቕ።

ስጋብ ሕጂ ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ናይ 6 ሰባት ንጹር ሓበሬታ ብምእካብ ብብቪድዮታት፡ ስእልታት፡ ኣስማት ዝነብሩሉን ዝስርሑሉን ኣድራሻን ዓይነታት ስራሕን ብደቂቑ ብምስናድ ናብቲ ክነቕርበሎም ምሉእ ምትሕብባሮም ዘውሓሱና ሕጋውያን መንግስታውያን ትካላት ሰሜን ኣሜርካ ብኣዝዩ ዝተወደበ መንገዲ ጭብጢታትና ብምቕራብ ጥርዓን ኣቕሪብና ኣለና። እቶም 4 ተኣሲርናን ተገሪፍናን ብምባል ወረቀት ዝረኸቡ ክኾኑ ከለው፡ እቶም 2 ድማ ካብ መንግስቲ ኣሜርካ ሓገዝ እንዳረኸቡ ኣንጻር መንግስቲ ኣሜርካ ደው ዝበሉ እዮም። እቲ መርመራ ብዝቀልጠፈ እዋን ተካዩዱ ድማ ስጉምቲ ክውሰድ በዓል ሙሉእ ተስፋ ኢና። እዚ መደብ ቃልሲ እዎናዊን ዘየላቡን ኮዩኑ ስቅያት ህዝብና ዘዘናግዖ ዓንዳሪ ስርዓት ዕድመኡ ንምሕጻር ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም እንርከብ እዋናዊን ሓላፍነታውን ስጉምቲ ክንወስድ ኣሎና።

ሰላምን ፍትሒን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!!!
ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ
ነሓሰ 10, 2015

EMDHRLogo

ስለምንታይ እዮም ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ህይወቶም ኣብ ክቱር ሓደጋ ኣእትዮም ዓዶም ሓዲጎም ዝወጹ ዘለዉ? ጉዕዞ ናብ ሓርነት ህልቂት ዘኸትል ክነሱ የግዳስ ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ዓመት መጸ፡ ነዚ ጉዕዞ ዓይኖም ዓሚቶም ክኣትዉዎ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተፈላለዩ መርበብ ስለያን ሓለዋ ዶብን ብምስጋር፡ ዘየናሕሲ ጸሓይን ጽምኢን ሰሃራ ብምጽዋር፡ ዝውሕጥ ማዕበላት ባሕሪ ሜዲተራንያን ብትብዓት ብምግጣም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮፓ ምቁጽጻር ዶባት ብምጥሓስ፡ ካልእ ካብቲ ዝተበገስሉ ክሳብቲ ዑቕባ ዝረኽቡሉ ሃገራት ዝተፈላለዩ ፈተንቲ መሰናኽላት ብምስጋር እዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂሰባት ዝወርዶም ውርደትን፡ ግፍዒን ኣሽንኳይዶ ኣብልዕሌኻ ክወርድ ክትሰምዖውን ዘስካሕክሕ እዩ።
ካብዞም ዝሃድሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክንደይ ይዕወቱ ክንደይከ ኣይዕወቱን ዝገልጽ ንጹር ኣሃዛትየለን። እቲ ንሰምዖ ሓበሬታታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ጥራሕ እዩ። ገለ ተንተንቲ ንሓደ ክልተ ተዛማዲ ውሕስነት ዘለዎ ጉዕዞታት ክትንትኑ ንሰምዕ።

ውግእ፡ ዓጸቦ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ዜጋታት ዓዶም ገዲፎም ናብ ዑቕባ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ውሑስ ሃገራት ክሰደዱ ካብ ዝገብሩ ገለ ረቋሒታት እዮም። ኩነታት ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ ኮይኑ ንረኽቦ።ንሕና ኤርትራውያን እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ሃገርና ኣብ ውግእ የላን፡ ባህርያዊ ሓደጋውን ኣየጋጠማን ዘሎ፡ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራውያን'ውን ክሳብ ክንድኡ ኣስጋኢ ኣይኮነን። ናይ ባዕልና ቁስሊ እዩ ነታ ሃገር ዝሕምሳ ዘሎ። እቲ ስርዓት ንዓሰርተታት ዓመታት ነታ መሰረት ሕብረሰተስብ ዝኾነት ስድራቤት ፋሕብትን ብምባል ክብርታት ናይቲ ሕብረተሰብ ዘሪግዎ ይርከብ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንመንእሰያት ናይታ ሃገር ብጉልባባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባርነት ቆሪንዎም ኣሎ።

ዝኾነ ዝተቆርነ ወይ'ውን ምስ ባርያ ዝነጻጸር ኩነታት ዝርከብ ሰብ ነብሱ ሓራ ክገብር ካብቲ ኩነታት ክሃድም መሰል ኣለዎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ነብሶም ሓራ ክገብሩ እንታይ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣለዎም? ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እንጽበዮ እንተልዩ ነዞም ብጨቋኒ ስርዓትተደሪኾም ህይወቶም ንምድሓን ነዚ ናይ ሓርነት ጉዕዞ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝበለጸ ምድንጋጽን ሓለዋን ክገብረሎም ጥራሕ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሸለለ ተባሂሉ ዝሕለፍ ዘሎ መቅዘፍቲ ናይ ኣሽሓት ንጹህ ህይወት ዜጋታት በዚ መፈንጥራ ሞት ዝኾነ ጉዕዞ እዩ። ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ፡ በረኻ ሰሃራ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፡ ብዙሓት ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ይጠፍኡ ኣለዉ።

መንእሰያት ነዚ ጉዕዞ ክጅምሩ ዓይኖም ዘይሓስዩሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ሕማቕ ብምዃኑ እዩ። ኣብተን ዘየተኣማምናን ኣረገውትንን ተደርብየን ዝነበራን ናይቶም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ጃላቡ ክድይቡ ከለዉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓደጋ ባሕሪ ዘንጊዖም ኣይኮኑን። ኣብ ማዕከናት ዜና ምዕራባውያን ሃገራት ብዛዕባ እዞም ስደተኛታት ክቃላሕ ከሎ፡ ናይተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን፡ ብስደተኛታት ዘዕለቕለቐ መቐበሊ ስደተኛታት ጥልያን፡ ኣብ ካለይ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ብዘይሕጊ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ዜናታት ብቀጻሊ ይቃላሕ። እቲ ቀንዲ ምንጪ ናይዚ ትራጀዲ ማለት እቲ ስርዓት ነዞም መንእሰያት ብዘይ ንሕስያ ዝገፍዖም ዘሎ ግና ግቡእ ኣቃልቦ ኣይረኸበን።
ድሕሪ እቲ ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበት ነጻነት፡ ኤርትራ ንኹሎም ዜጋታት ዝሓቁፍን ዝሕብሕብን ስርዓት ምሕደራ ክትሰጋገር እያ ዝብል እምነት እዩ ነይሩና። ብኡነት ናይ ብሓቂ ኤርትራናጽነታ ንምርካብ ዝሓለፈቶ ተሞክሮ ንኹሎም ኣፍሪቃውያን ዝኸውን ሽግ ተስፋ ክትውልዕ እያ ዝብል እምንቶ እዩ ነይሩና። ብኹሉ መምዘኒታት ከመይ ተጋጊና ዝገርም እዩ! እቲ መንግስቲ ንኹሉ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል ዝነበሮ ዕድላት ብምብኻን፡ ዜጋታቱ ኣብ ተስፋ ቁርጸትን ዝሓሸ ኣማራጺ ክደልዩን ነቲ ዝተሓምሸሸሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ድማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ይቕሰቡ ኣለዉ። እቶም ውሕስነት መጻኢ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያት ተስፋ ቆሪጾም፡ ሕልሞም በኒኑ፡ ቁመናኦም ተደዊኑ ይርከብ። ካብ መፋርቅ ተስዓታት ጀሚሩ፡ ኣብ መዛዘሚ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ንእስነቶምን ሓርነታቶምን ተሓዲጎም ኣብተስፋ ቁርጸት ይርከቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራውያን ካብታ ዝፈትውዋ ዓዶም ንምውጻእ ዘይከፍልዎ ነገር የለን።

መንግስቲ ነዞም መንእሰያት ንቡር ሕይወት ክመርሑ ነጻነቶም እንተዘይነፍጎም፡ እዚ ማለት ዝደለይዎ ክኾኑ ሕይወቶም ከመሓይሹ እንተዘይክልክሎም ነይሩ እቲ ስእሊ ዝተፈልየ ምኾነ ነይሩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኤርትራውያን ግዳያት ናይ ጨካን ኣተሓሕዛን ምብትታንን ኮይኖም ይርከቡ። ክብረት ዝተነፍጎ ህይወት ክነብሩ ተገዲዶም ይርከቡ። ሎሚ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምንባር ትርጉም ዘይብሉ ናብራ እዩ፡ ስለዚ ድማ ካብዚ ናብራ እዚ ከይትወጽእ ዘጎናድብ ከም ምልኣት ሕይወት ከይትረክብ ዝኽልክል ጌሮም ይቖጽርዎ። መንግስቲ ሕልሞም መንዚዑ ናይ ሓዋሩ ገባሮ ጌርዎም ይርከብ። መብዛሕቱ ሕልሚ ኣብ ንኡስ ዕድሜኻ ከምዝጅምር መንግስቲ ዝረስዖ ይመስል። ብተዛማዲ ኣዘራርባ፡ ኣብ ካልእ ሃገራት መንግስቲ፡ መንእሰያት ጠፈር ክበጽሑ ዘኽእሎም ሓይሊ ክድልቡ ይኹስኩሶም። እዞም ናይ ኤርትራ መንእሰያት ድማ ነዚ ሕልሚ እዚ ጋህዲ ክገብሩ እንተሃቀኑ እንታይ እዩ እቲ ኣበሳኦም?

መብዛሕተን ናይ ምዕራባውያን መራኸቢ ብዙሃን ዘምጽእኦ መደባት፡ ብኸመይ ተድሕኖም ወይ ትኸላኸለሎም ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ብኸመይ ናብ ኤውሮፓ ከይኣትዉ ትኽልክሎም ወይ ትነጽጎም ዝብል ምዃኑ ክትርኢ ከሎኻ ኣዝዩ የሕዝን። ማሕበረሰብ ዓለም ነዚኩነታት ብዕቱብ ክቅይር ክፍትን ክንደይ ተወሳኺ ሞት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን፡ ኣብበረኻ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያንን የድሊ ይኸውን? ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመከራን ፍርሂን ይሳቀዩ፡ ጽባሕ እንታይ የጋጥሞም'ውን ፍጹም ኣይፈልጡን። ሕሉፍ ሕይወቶም ብመንግስቲ ተሰሪቁ፡ መጻኢኦም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ነታ ብኣጋ ዘይትርከብ ሓርነት ከናድዩ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣብ ምሉእ ምሕረት ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ይወድቁ።

ማሕበረሰብ ዓለም ናይቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉኤርትራውያን ዘስካሕክሕ ኩነታት ይፈልጡ ዶ? ኣብተን ተዓቝቦሙለን ዘለዉ ሃገራት ተቐባልነት የብሎምን፡ ብዙሕ ግዜ'ውን ይጋፍዑን ግዳያት ናይ ተበለጽቲ ይኾኑን። እቲ ብ UNHCR ዝምራሕ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ መደባት ንኤርትራውያን ኣይሰርሓሎምን ኣሎ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለናን። ስለዝኾነ እዩ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ዝግደዱ ዘለዉ።ይገርም እዩ እተን ዑቅባ ይህባ ዝበሃላ ሃገራት እየን ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝገበሩ ጌሮም ኣብ ኣፍደገአን ምስበጽሑ ከይቅበልኦም ኣፍደግአን ዝርግጣ። ስለዚ እዮም ድማ ኤርትራውያን ብዘይ ሕጊ ዶብ ሶሊኾም ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘለዉ። ሕሉፍ ሕይወቶም ባኺኑ፡ ተፈናቂሎም ስለዝኾኑ እዚ ክገብሩ ዋላ ሓንቲ ዘሰክፎም የለን።

ነዚ ጸገም ብኸመይ ክንገጥሞ ኣሎና? ነቶም ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብቁምነገር ክሰርሑ ዝፍትኑ፡ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ፖሊሲ ኣማራጺታት ኣለዎም።

- መጀመርያ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንናይ ናይ ሕይወት ኣድሕን ስራሓት ክቅጽል።
- ካልኣይ፡ ብሓደራ UNHCR መሰረት፡ ኤርትራውያንብውዕል ስደተኛታት 1951 ሓለዋ ክግበረሎም መሰል ኣለዎም።
- ሳልሳይ፡ ንኹሎም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ የመን ኣብ ኣሰቃቂ ኩነታት ዝነብሩ ኤ 2015ርትራውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም።
- ኣብ መወዳእታ፡ ናይዚ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምኽንያት ኣብ ምንጩ ክፍወስ። እዚ ማለት ጭቆና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ደው ክብል፡ ኤርትራውያን ድማ ብሕግን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ምሕደራን ክመሓደሩ እዩ።

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
Advocacy Unit
10 ነሓሰ 2015

Sesadu 1

ጽላል ስዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያን ምዕባለን ኤርትራ ብምኽንያት መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራን አገዳሲ ሕዝባዊ ሰሚናርDan Conel ምስ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል ከምኡ እውን ምሽታዊ ትልሂትን ምስ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣዳልዩልኩም ሰለዘሎ ንኩሉኹም ደለይቲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኤርትራ ብኽብሪ ይዕድም፡፤

 

ዳን ኮነል ናይዚ ዝኽሪ መ ዓልቲ ጋሻና ኮይኑ ብዛዕባ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ሰለምንታይ ይስደዱ፣ ኣብ ስደቶም እንታይ ይጓነፎም ብዝብል ብፊልም ኣሰንዩ መደረ ክቅርብ ኢዩ።

 

ኣብቲ ናይ ባህላዊ መደብ ድማ መንእሰያት ዘለዓዕል ባህላውን ስነ-ጥበባውን መዘናግዕታት ክህልወና ኢዩ።

 

መደብ ባሕቲ መስከረም 2015

1. ሰሚናር ምስ ፕሮፈሶር ዳን ኮነል

2. ስነ- ጥበባዊ መደብ/ ብመንእስያት ደለይቲ ፍትሒ

ዕለት ፣   ቀዳም 12 መስከረም 2015

ግዜ፣   ካብ 18.00-0300

ቦታ ተንስታ ኣዳራሽ

ብዳሓን ምጹ

ኣዳለውቲ ባሕቲ መስከረም 2015

ጽላል ስዊደናዊ - ኤርትራዊ ንደሞክራስያን ምዕባለን ኤርትራ/ ሰሳዱ

Sesadu 1

ዝኸበርኩም ዝኸበርክንን ሓርበኛታት ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ስቶኮሆልም
ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ሎሚ ዕለት 01/ ነሓሰ/ 2015 ብደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ተኣኻኪብና ኣለና።

ሰላማዊ ሰልፍና ከም ወትሩ ብሽዊደናዊ ኤርትራዊ ጽላል ንደምክራስያዊ ምዕባለ (ሰሳዱ) ዝተወደበ እዩ። ሰሳዱ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ኣብ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ንምውህሃድ ሽማግለ መዚዙ። ሰሳዱ ንፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝጥርንፍ ጽላል ምዃኑ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ።  ስለዚ ሰላማዊ ሰልፍና ንምድማቕን ንምዕዋትን፦ ንኩሉ  ማሕበራት ኣባል ጽላል ሰሳዱ፣ ንኣወሃሃድቱን፣ ግዜኹምን ጉልቡትኩምን ገንዘብኩምን ወፊኹም ካብ ቐረባን ርሑቕን ንዝመጻእኩም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣  ንኩሉ‘ቲ ዘበርከትኩሞ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ፣ ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ዕዙዝ ምስጋናና ብምቕራብ፡ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም ንብል። ንቕዱስ ተበግሶኹምን ዘርኣኹምዎ ጻዕርን ከኣ ኣኽብሮትና እናገለጽና፣ ከነመስግነኩም  ሓበን ይስምዓና።

Stockholm Rally 1

ናይ ሎሚ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍና ካብ ዝሓለፉ ግዜ ዝፈልዮን ዝያዳ ዕዙዝ ዝገብሮን፣ ድሕሪ‘ቲ ኣብ ጀነቫ ዝተጋበአ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራን ደገፍቱን ዘቃለዐ ዓቢ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ይካየድ ብምህላዉ፣ ፍሉይ ክብደት ይህቦ።  እዚ ተራእዩ  ዘሎ ምቹእ ኣህጉራዊ ምዕባሌ፣ ንመንፈስን ሞራልን ቓልሲ ደለይቲ ፍትሒ ዝድርዕ እዩ። ይኹን’ምበር ኪንዮው ኣህጉራዊ ምዕባሌ ክንስጉም፣ ወይ ብማዕሪኡ ክንከይድ ዕዮ ገዛና ብቕኑዕ ኣገባብ ክንፍጽም ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና መድረኽ ተጋሂዱ ኣሎ። እዚ ሓዲሽ ኩነታት ኩልና ብግቡእ ከም እንግንዘቦ ጥርጣሬ የልብልናን። ግን’ከ ኣብ ሰፊሕ ዝርዝር ከይኣተና ኣብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ብሓጺሩ ንምግላጽ ከኣ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓና፡-   

Stockholm Rally 2      

ክቡራት መራሕቲ ሃይማኖታት!!
ክቡራትን ኩቡራንን ተሳተፍቲ!!

ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ንልዕልና ሕጊ ረጊጹ: ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ይግህስ ኣሎ። ህዝብና: ዋላ እቲ ዝሰርሕ ዝረኽቦ ትሑት ደሞዝ: ምስ ናይ ናብራ ክብሪ ስለ ዘይመጣጠን፣ ናይ ማይን መብራህትን ጸገማት ደሚርካ፣ ኣብ መዓልታዊ ናብርኡ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸገም ሕልና ንዘለዎ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ህግደፍ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንዜጋታት ናይ ምንቕስቓስን ናይ ምዝራብ ናጽነቶምን ገፊፉ፣ ብጸጥታዊ ኣገባብ ርእሶም ኣድኒኖም ከምዝኸዱ ይገብር ኣሎ። መንእሰያት ይኹኑ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ናይ መጻኢ ብሩህ ዕድል ስለዘየርኣዮም ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ጃምላዊ ህልቒትን ዘይሰብኣዊ ተግባርን፣ ይትረፍ ንኤርትራውያን ንኩሉ ዓለም ግሉጽ ስለዝኾነ በተን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ይዝረበሉ ኣሎ። ጠንቒ ናይ‘ዚ ኩሉ ሽግር ስርዓት ህግደፍን እዮ። ሕጋዊ ተሓታትነቱ ከኣ ክስከሙ ከምዝግባእ ዘከራኽር ኣርእስቲ ኣይኮነን። ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራሕ እዩ።

Stockholm Rally 3

ስርዓት ኤርትራ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገም ንምሽፋን፣ ብኣመሪካን መሻርኽታን ዝብለን ሃገራትን ዝተኣልመ ውዲት እዩ ብምባል ክውንጅለን ይፍትን ምህላዉ ኩላህና ንከታተሎ ዘሎና ጉዳይ ኢዩ። ንኹሉ ውሽጣዊ ጸገማቱ ከኣ ምስ ውሳኔ ዶብ የትኣሳስሮ። ብጸቢብ ኣትሓሳስባን ውልቓዊ ረብሓን ይኹን ብሕሱር ፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ጎስጓሳቱ ዝተታለሉ ደገፍቲ ህግደፍ ከኣ፣ ብዕለት 22/06/2015 ኣብ ጀነቫ ከይዶም ኣንጻር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ኩልና ተዓዚብናዮ ኢና። እቲ ዘገርም ከኣ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቖመት ኮሚሽን ናይ ፖለቲካ ጸግዒ ከምዘለዋ ክገልጹ ፈቲኖም።  ንኣባላት ኮሚሽን ከፈራርሑ፣ ኣማባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ካብ ዲፕሎማስያዊ ቛንቛ ወጻኢ ብዝኾነ ንኮሚሽን ዝዝልፍ ዘይእሩም ቃላት ስለዘውጽኤ መጠንቐቕታ ተዋሂቡዎ ’ዩ። እዚ ከኣ ብፕሮቶኮል ዓይኒ ክርአ ከሎ፡ ኣዚዩ ዘሕፍር ተግባር እዩ።

Stockholm Rally 4

እቲ ቐንዲ ዝሰሓትዎ ሕጋዊ ኣገባብ ግና፣ እታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ካብ ግዳያት ብዝረኸበቶ፡ ቀዳማይ ኢድ ምስክርነት ብመረጋገጺ ኣሰንያ እያ ጸብጻባ ኣቕሪባ። ንሳቶም ዘይቕቡል ምኽንያት ኣብ ክንዲ ምቕራብ፣ እታ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ክትምርምር ከተጻሪ ከም ዝኸልከልዋ ዓለም ብምሉኡ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኣንጻር ኣህጉራዊ ውሳኔ ዝወሰዱዎ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ንሳዕቤኑ ብከመይ ከምዝገጥሙዎ ኣይመለሹን። ኣህጉራዊ ውሳኔ ከኣ ብሰላማዊ ሰልፊ፣ ብጸርፍን ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ከምዘይቕየር ንካልኣይ ግዜ ዘይተማህርሉ ኣገባብ እዩ። ኮሚሽን ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ክትፍጽም ድሮ ሕጋዊ ስልጣና ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ኣሎ። ስራሕ ኮሚሽን ምጽራይ ገበናት ኣብ ኤርትራ ኣብ 2016 ናበይ የምርሕ ሓቢርና ንርእዮ ጉዳይ እዩ።

Stockholm Rally 5

ስልጣንን ዕማማን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብሕጊ ተነጺሩ ሰፊሩ ካብዘሎ ኣገደስቲ ነጥብታት ንምጥቃስ፣ እዛ ኮሚሽን‘ዚኣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ገበናት ይኹን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ’ዶ ኣይተፈጸመን ምጽራይ፣ ቤት ማእሰርቲ ክትበጽሕ እሱራት ከተዘራርብ፣ ናይ እሱራት ሰብኣዊ ኣትሓሕዛ ክትምርምር፣ እሱራት ምስ ስድራ ቤቶም ናይ ምርኻብ መሰል ከተረጋግጽ፣ ናይ ጠበቓን ነበሰ ምክልኻልን መሰል ይፍቐድ ዲዩ ኣይፍቐድን ክትምርምር፣  እሱራት ንጹሃት ዲዮም ገበነኛታት ንምርግጋጽ ተኸሲሶም ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ መሰሎም ከቢሩ’ዶ ተነፊጉ፡ መርሚራ ጸብጻባ ምቕራብ እዩ ቐንዲ መዝነታ። ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነዚ ኩሉ ሕጋዊ ኣገባብ ተሓሲሞም፣ ንጉድለቶም ንምሽፋን ክብሉ ከኣ ዘይቕቡል ምኽንያታት  እናቕረቡ ህዝቢ ንምትላል ሕሱር ፖሮፖጋንዳ ክዝርግሑ ዝስምዑ ዘለዉ።

Stockholm Rally 6

እዚ ኣህጉራዊ ውሳኔን ውጽኢቱን ንደምበ ተቓዉሞ ሓጋዚ እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ኣህጉራዊ ምዕባሌ ተመሊሱ ፍሉይ ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመና ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ። ምኽንያቱ ነዚ ምዕባሌ’ዚ ብከመይ ንጥቀመሉ? ዕዮ ገዛና ክንፍጽም እቲ ኩነታት ከኣ ንረብሓና ክንቕይሮ ብከመይ ኣገባብ ዝብሉ ክንሰርሕ ይግባእ ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት የልዕል ኢዩ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኻዊ ኣህጉራዊ ምዕባሌ፡ ከም ደምበ ተቛዉሞ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሕድሕዱ ክመናጨት ዝውዕልን፡ ኣብ ካልኣዊ ግርጭታት ተሸኺሉ ኣብ ከንቶ ነገራት ግዝይኡ ዝባኽንን፡ ዓቕምታቱ ብሓባር ጸሚዱ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣበርቲዑ ክቃለስ  ዕዙዝ ተዳላይነት ኣለዎ።

Stockholm Rally 7

ክቡራትን ክቡራንን!!

ሰላማዊ ሰልፍና፣ ዕማማቱን ኣገባቡን ብናይ ግዜ ሰሌዳን ኮሚቴን ተሰሪዑ ስለዘሎ ኩልና ከነኽብሮ ንምሕጸነኩም። ካብ መደብ ወጻኢ ብዘይኣፍልጦ ኣላይ መድረኽ፣ ወይ ንዝምልከቶ ኮሚቴ ከይሓተትካ፣ ዝኾነ ሰብ ብኢደ ዋኒኑ ማይክሮፎን ምሓዝ ይኹን ካልእ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዘይፍቐድ እናሓበርና ከተኽብርዎ ንምሕጸነኩም። ዝኾነ ሰብ ንመደብ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ይጠቕም’ዩ ዝብሎ ኣገባብ ምስ ኣላይ መድረኽ ክዛረበሉ ነትሓሳስብ።  ከም ደለይቲ ፍትሒ መለልይና ስነ-ስርዓትን ሓላፍነታዊ ባህርያትን ስለዝኾነ፣ ብስምዒት ተደሪኽና ካብ ስነ-ምግባር ወጻኢ ንክብሪ ሰባት ዝትንክፍ ጸርፍን ሕማቕ ቓላትን ስለዘይፍቐድ፣ ካብ ከምዚ ባህርያት ክንቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስበኩም። ብውልቐሰባት ዝርኣዩ ጉድለታት ከኣ፣ ተኸባቢርና ነንሕድሕና ክንትኣራረም ፍቱሕ ልቢ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ።

የቐንየልና !!
ውድቐት ንዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ!!
ዓወትና ናይ ግድን እዩ!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!
           
ኣዳላዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ ስቶክሆልም 2015
 01/08/ 2015.
                

እዚ ጸብጻብ'ዚ፡ ጽሟቕ ናይቲ ዝሰፍሐን፡ "ወግዓዊ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ 13 ሕመረት ገጻት ዝቐረበን፡ ካልእ ተወሳኺ ጥብቆታት (annexes) ዝሓዘ 17 ገጻት ድማ ዘለዎ፡ ብዝርዝር ተሰኒዱ ዘሎ ጸብጻብ ስራሕ'ዩ። እቲ ዝርዝር ጸብጻብ ስራሕ፡ ብምሉኡ ንምንባቡ ግዜ ዝወስድ ስለ ዝflነ፡ እዚ ጽሟቕ ጸብጻብ'ዚ፡ ንቐንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ንምብራህ ዝዓለመ'ዩ።


እቲ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ ኣብ ጀነቫ ዝተገብረ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብብዙሕ መዐቀንታት ኣዝዩ ዕዉት ከም ዝነበረ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ መዚና። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽፈት ከም ዝካየድ ምግባር ዝብል'ዩ ነይሩ። ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክመጽእ ናይ ዝግብኦ ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ፡ ብኣዝዩ ዝለዓለ መጠን  ከም ዝኸውን ንምግባር ሽማግለ ኣበርቲዓ ሰሪሓ። ነዚ ብዝምከት፡ እቲ ዕላማ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ ውጽኢት ተዓዊቱ'ዩ። ኣብ ጀነቫ ድማ ንወለዶታት  ክዝከር ዝነብር ፍሉይ ታሪኽ ተመዝጊቡ።


ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን ህግደፍን ይካየድ  ኣብ ዘሎ ረጽሚ፡ ሓይሊ ሚዛን ናበይ ገጹ ከም ዝዛዘወ፡ ኣብ ጀነቫ ብንጹር ተራእዩ። ህግደፍ፡ ከም "መንግስቲ"፡ ምስ ኩሉ መንግስታዊ፣ ዲፕሎማስያውን ካልእን ጸጋጋቱ፡ ክውድቦ ዘይከኣለ ብዝሒ ህዝቢ፡ ውሑድ ዓቕምን ትሕዝቶን ብዘለዎም ምዑታት ደለይቲ ፍትሒ (ደቂ ህዝቢ) ብርኡይ ተዓብሊሉ። ዓለም ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ብግፍዒታት ህግደፍ ኣማሪሩን ኣስካሕኪሑን ከም ዘሎ ብጭቡጥ ርእያ። እቲ ጉዳይ ድሕሪ ደጊም፡ ከምቲ ህግደፍ ክመስል ዝደልይዎ፡ "ናይ ውሑዳት ኮረይቲ" ጉዳይ ከም ዘይኮነ፡ ጀነቫ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣረጋጊጻትሎም።


ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ እምበኣር፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ ዓቐን ተዓዊቱ ኢዩ። ማዕረ እዚ ድማ፡ ኣብቲ ተሞክሮ ዝተራእየ ናይ ሓድነት ስጥመት ወሃ ዘብል'ዩ ዝነበረ። ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ እዚ ጉዳይíዚ ጸባ ሰትያ'ያ። ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ውን ተመሳሳሊ ዕግበት ከም ዘለዎም ትመዝን።


ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዘዐወተ፡ ሓደን ቀንድን ሽማግለ ዝመዘነቶ ናይ ዓወት ረቛሒ፡ እቲ መስርሕ ምድላው ኣሳታፊ ምንባሩ'ዩ። ዳርጋ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ በብዝኽእሎ ዘበርከተሉን፡ እኹል ናይ ዋንነትን ተሳታፍነትን ዕግበት ድማ ዘሕደረሉን መስርሕ'ዩ ነይሩ። ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ብወግዒ ቅድሚ ምቛማ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብሕውስዋስ ቅኑዕ ርዲኢትን ግጉይ ስምዒትን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይዕግበታት፡ ብሓላፍነታዊ መገዲ ፈዊሳ፡ ናይ ሓባር ናይ ዋንነት መንፈስ ከም ዝዓኩኽ ጌራ ብምስራሓ፡ ነቲ ዝተጎናጸፍናዮ ዓወት ውሑስ ጌርዎ። እቲ ቅድሚ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምምራጻ፡ ብፍላይ ኣብ ፓልቶካት ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይዕግበታት ከይተፈወሰ እቲ መስርሕ ቀጺሉ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ከምቲ ዝረኸብናዮ ዓወት ምረኸብና ኔርና ምባል ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢርዎ ዘሎ ሓድነታዊ ምንቕቓሕ ኣዝዩ ዘተባብዕን ተራእዩ ዘይፈልጥን ምዃኑ ሽማግለ መዚና።


ኣብቲ ዝተኻየደ ምድላዋት፡ ዝተፈላለያ ምትእኽኻባት፣ ጥርናፈታትን ውድባትን ዝገበርኦ ዝተፈላለየ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኮይኑ (ክምስገን ድማ ይግብኦ)፡ እቲ ቀንዲ ዘዐወተ ረቛሒ ግን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ መስርሕ ምድላው ክፍጠር ዝተኻእለ ሰፊሕ ናይ ዋንነትን ተሳታፍነትን ዕግበት'ዩ። እዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ንዅሎም ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣበርክቶ ዝገበሩ ወገናት ብልቢ ተመስግን።


ከም ዝfኾነ መስርሕ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ መዳያት ኣወዳድብኡ ርኡያት ድኽመታት ነይሮሞ'ዮም። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሎጂስቲክስ (ቀረብ ማይን እኽልን)፡ ከምኡ ውን ካልእ ግብራዊ ናይ ስራሕ ምድላዋት ጸገማት ከም ዝነበረ ሽማግለ መዚና። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ፡ ሽማግለ ዘለዋ ቅኑዕ ትዕዝብቲ፡ "ኣብቲ ጎልጎል ተዓዊትና ኢና፤ እብቲ ኣደራሽ ግን ንኣጋይሽና ከምቲ ዝድለ ኣየሐጎስናዮምን" ዝብል'ዩ። እዚ ከም ቀንዲ ጉድለት ተራእዩ፡ ሽማግለ ነብሳ ነቒፋ ንህዝቢ ይቕረታ ትሓተሉ ጉዳይ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ነቲ ድኽመት ዘንቀሉ ጠንቅታት፡ ኣብቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ተገሊጾም ስለ ዘለው፡ ኩሉ፡ ቅኑዕ መረዳእታ ክህልዎ ዝደሊ ግዱስ ኤርትራዊ፡ ነቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ብዓቕሊ ከንብቦ ሽማግለ ትምሕጸን።


ሽማግለ ብኣጣቓላሊ፡ ኣብ ህዝቢ ብዝተወጽአ ወፈያ መሰረት፡ 23414,10 (ዕስራን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተው ኣርባዕተን ዓሰርተ ሳንቲምን) ናይ ስዊዘርላንድ ፍራንክ ኣታዊ ረኺባ። ኣብዚ 18097,74 (ዓሰርተው ሸሞንተ ሽሕን ተስዓን ሸውዓተን ሰብዓን ኣርባዕተን ሳንቲምን) ወጻኢ ጌራ። ኣብ ኢድ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘሎ ተረፍ ገንዘብ 5253,60 ስዊስ ፍራንክን 20 ዩሮን እዩ። ኣብ ኢድ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘይበጽሐ፡ ብሓው ኣሰፋው ገብረኪዳን ብፐይፓል ዝተዋአ፡ 1803.02 ፓውንድ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ምስ ሓው ኣሰፋው ኣሎ። ወጻኢ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ 4560 ስዊስ ፍራንክ፡ ብዝምልከቶም ኣባላት ጀነቫ ንሽማግለ ብዝተገብረላ ሕድገት ካብ ወጻኢ ድሒኑ። ከመይነት ናይቲ ተጌሩ ዘሎ ወጻእታት፡ እታ ንኣወሃሃዲት ሽማግለ ዘቖመት ሓይሊ ዕማም ዝቖመት ካልእ ተቖጻጻሪት ሽማግለ መርሚራቶን ርእያቶን። ብጀካ ኣብቲ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ተገሊጹ ገለ ሕጽረታ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ግቡእ መዓላ ከም ዝወዓለ ኣረጋጊጻ።


ኩሉ ድላይ ፍትሒ፡ ነቲ ዝነበረ ዓወታትን ድኽመታትን፡ ብኽፉት ናይ ምርድዳእ መንፈስን፡ ሓላፍነታዊ ሃገራዊ ስምዒትን ክንግንዘቦ፡ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ደጊማ ትምሕጸን። ብርግጽ፡ ድኽመታት  ከም ዝነበረ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ዝተረኽበ ዓወት ግን ብዝተዓጻጸፈ ዓቐን ካብኡ ዝበረኸ  ምንባሩ ሽማግለ ከተስምረሉ ትፈቱ።


ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተፈጢሩ ዘሎ ውዕውዕ ናይ ሓድነት ምንቕቓሕ፡ ክኽሰበሉ ብዝብል ሓሳብ ብዙሕ ርእይቶታት ይውሕዝ  ከም ዘሎ ፍሉጥ'ዩ። ኣብዚ መዳይ'ዚ ሽማግለ ንባዕላ የስርሕ ትብሎ ለበዋታት ካብ ምሃብ ሓሊፋ፡ ኪንኡ ዝኸይድ ስራሕ ክትሰርሕ ብቕዓትን መዝነትን  ከም ዘይብላ እንዳገለጸት፡ ንዅሉ ዘሎ ተበጕሶታት ኣብ ሓደ ረፍዲ፡ ኣብ ሓደ ጥርናፈ ኣምጺኣ፡ ሓድነት ኢልካ ምእዋጅ ግብራዊ ከም ዘይኮነ ግን ተስምረሉ። ኣብ ክንድኡ ክግበር ኣለዎ ኢላ ትኣምነሉ፡ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውዕውዕ ሓድነታዊ ምንቕቓሕ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምስግጋሩ ይሕግዙ'ዮም ኣብ ዝበሃሉ፡ ዘገምታውያን ስጉምታት (incremental steps) ምድሃብ ከም ዝሓይሽ'ዩ። ከም ኣብነት፡ ክልተ ኣገደስቲ ስጉምታት ወይ መደባት ምጥቃስ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ርኡይ ናይ ደንበ ተቓውሞ ሃጓፋት፡ ብናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምትሕብባር፡ ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ክኢላታት ጉጅለ (panel of experts) ክምስረት ትጽውዕ። እቲ ቀዳማይ፡ ንዲፕሎማሲ፣ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ኣህጉራዊ ሕግን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ህግደፍ ተዓቝብሉ ኣብ ዘሎ መሕብኢ በዓትታት ሓደ፡ ንዕኡ ዘፍርስ፡ ቅርጡው ናይ ባህልን ስነ-ጥበብን ስራሓት ዘማእዝን ጉጅለ ክኢላታት'ዩ። ሽማግለ፡ ንግዚኡ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ክልተ ውሱናት፡ ተተግበርቲ ኢላ ዝኣመነትለን እማመታት፡ ነብሳ ሓጺራ፡ ጸብጻባ እዚ ትዓጹ። ስዒቡ ዝህሉ ስራሕ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምዃኑ ድማ ተስምረሉ።
ነዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ምድላው ክሕለፍ ዝግብኦ ዝነበረ መስርሓት፡ ምድንጓይ ስለ ዝፈጠረ፡ በዚ ውን ሽማግለ ንህዝቢ ይቕረታ ትሓትት።


ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 2015
30 ሓምለ 2015

Sesadu 1

ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግድፍ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም-ስዊደን

ጽላል ስዊደናዊ/ ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ መሓዙት ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን፣ ትሕቲ ጭርሖ፣"ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ሃገረ ስዊደን ደው ይበል" ቃልስና ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ድማ ብናህሪ ይቕጽል ብዝብል ንክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም።

ዕለት> ቀዳም ዕለት 1 ነሓሰ 2015

ግዜ፣ ካብ ሰዓት 11.00 ክሳብ 20.00

ቦታ፣ ፎልከትስሁስ/ ኤግበግ[ርድ የርቫፈልተት

ኣዳላዊት ኮሚተ/ ኤርትራዊ ኮም/SESADU ምስ ማሓዙቶም

ሕማቕ ገረብዩ ዓብላኺ ናይ ትኪ

ሕማቕ ውላድ ድማ ስድራኡ የብኪ

እቲ ስሱዕ ስርዓት ንሃገር የድኪ

       ክንደይ ተዘሪቡ ክንደይ ተጻሒፉ

       እዚ ዕባራ ጉርሒ እንተድኣተሪፉ

       ህግዲፍ ክድፋእዩ ቁልቁል ኣፉ

ተግባራዊ ስራሕና ኣይኹን ቑንጣሮ

ብምሉእ ሕልናን ሎሚ ንጀምሮ

       ንዝሓለፈ ክረምቲ ቤት ኣይስራሕን  

       ሕጂውን እንተዀነ ንህዝቢና ነድሕን

ተስፋ ብዘይ ምቕራጽ ብሓያል መኸተ

ትንሳኤ የድልዮ ንዝሞተ

መንእሰያትና ከነብሎም ታተ

       ተቓሊሱ ተዋዲቑ ደንበ ተቓውሞ

       ንሞያ ቃልሶም ብኽብሪ ንርዓሞ

ክንደይ ተዋሪዱ ክንደይ ተጻጢሑ

ክምስገን ይግባእ ኣብዚ ብምብጻሑ

       ብጸላኢ እንተኾነ ክንደይ ስም ወጺእዎ

       ብኽንደይ ትዕግስቲ ኣብዚ ኣብጺሕዎ

ንብዓል ሞሳ ብተግባር ኣልብሶ

ንበዓል ነጐዳ ብሓዊ ደብሶ

ተሓጓሚ ከሎስ ተሓዚ ይቕንዞ

       ዓለም ጀሚረሞ ኣብዛ ሎሚ ቅነ

       ሕጂ ድኣሞ እንታዩ ክምኽነ

       ደጋፊ ናይ ህግዲፍ ክንደይ ከይሳነ

ሰብ ቤት እምበር ኣይኰናን ጓና

ካብ ንፉዕ ጠበቓ ሕማቕ ዋና

ተዓጡቕና ንሓዞ ንጉዳይና

       መንእሰይ ኣይትፍራህ ኣይትገራህ

       ቀንዲ ናትካዩ ካብ ሕጂ ዝስራሕ

       ኵሉ ርኢኻዮ እቲ ዝተበጽሔ

       ወትሩ ጸልማት ኢዩ እንተዘይወግሔ

ኣብዚ በጺሕካ ከይትብል ዕውንውን

ዘይሃገርካ ሃገር ነይኸውን

       እንዳ ህግዲፍ ከድካ ኣይትበል ግልጽ ምልጽ

       ከልቢ ጥራይ እዩ ትፋኡ ዘልምጽ

ኣብ ዝገፍዓካ ጓይላ ኣይትሳዕስዕ

ብድሕሪት ዝተረፉ ብጾት ከይትርስዕ                                                                                                          

       ብሃለዋት ሃገር ክዝረብ እንተዀኑ

       ምህናጽ የልቦን እንትርፎ ዝዓኑ

ጅግና ህዝቢ ዘምጸኦ ነጻነት

መሰል ኣልቦ እንትርፎ ባርነት

       ተባዕ ህዝቢ ንደቁ ዘዕጠቐ

       ንኣፉ ገዲፉ ንሰውራ ዘስነቐ

     ይገርመና ናይ ሎሚ ሕመቐ

መንእሰይ ብኣውያት ወለዲ ብብኽያት

ኣብ ድፋዕ ምብላእዩ የብሉን ምኽንያት

       ነጻነት ዘምጸኤት እዛ ጅግና ዋዕሮ

       ሃጢማ ጠፊኣ ጉድጓድ ዒራዒሮ

እቶም ጀጋኑ ኣሕዋትና ተጋደልቲ

ማህሚኖም ተሪፎም ኣብ ማእሰርቲ

       ኣብ ጐረበት ሃገራት ሰዲዱ ስለላ

       ክንደይ ጀጋኑና ጠፊኦም ብቕንጸላ

ሓዘን እምበር ነይርከብ ዝብሰር

ዝምሃር ነየለ ኣንትርፎ ዝእሰር

       ህዝባዊ ማዕበል እንተተላዒሉ  

       ዝመጸ እንተ መጸ ዝንቕንቖ ብሉ

ካብዛ ሎሚ መዓልቲ ኣይንዓሹ

ሕቶ ሰማእታትና መዓስ ተመሊሹ

ክብሪን መሰልን ህዝብና ተጣሒሹ

       ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

       ዓወት ንህዝባዊ ማዕበልና

10-07-2015

      Sesadu 1           

ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግድፍ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም-ስዊደን

ጽላል ስዊደናዊ/ ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ መሓዙት ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን፣ ትሕቲ ጭርሖ፣"ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ሃገረ ስዊደን ደው ይበል" ቃልስና ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ድማ ብናህሪ ይቕጽል ብዝብል ንክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም።

ዕለት> ቀዳም ዕለት 1 ነሓሰ 2015

ግዜ፣ ካብ ሰዓት 11.00 ክሳብ 20.00

ቦታ፣ ፎልከትስሁስ/ ኤግበግ[ርድ የርቫፈልተት

ኣዳላዊት ኮሚተ/ ኤርትራዊ ኮም/SESADU ምስ ማሓዙቶም