ንኽፍኣት እምበር ንጽቡቕ ዘይትምነ ገልቢጣ'ያ ትዛረብ

2015-08-20 08:26:02 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3291 times

ኣብ ዓለምና ከም እንዕዘቦ ኣብ ሓደ መንግስቲ ይኹን ሰልፊ ናይ መሪሕነት ምርጫ ክግበር ከሎ ነናቱ ዝግዘኣሉ ሕጊ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ግና ኩሉ ግዜ ሓዲሽ መሪሕነት ምስ ተመረጸ ናይ ምስርካብን፥ ከምኡ እውን ናይ ምውኽኻስን ግዜ ከምዘድልዮ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ ኢዩ።

ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን እንተኾነ ኣብ ነፍሲ ወክፍ ዝገብሮ ጉባኤታቱ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ምርጫ ንሓዳስ ባይቶ ኣብ ጉባኤታቱ ከምዝመርጾ ዳርጋ ሎሚስ ምስ ዕድመ ቃልስና ዝዳረግ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብዚ ናይ 2015 ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነ እንተልዩ እቲ ቅድሚ ሎሚ እታ ዝነበረት መሪሕነት ነታ ሓዳስ መሪሕነት ስልጣን ክተረክብ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ክወሃባ ዝብል ዝነበረ ኣብ ናይ 2015 ጉባኤ ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከተረክብ ከምዘለዋ ኢዩ ተወሲኑ። እዚ ከኣ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ኢዩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እውን ከምዚ ኣገባብ እዚ ንኽተኣታቶ ናይ ኩልና ባህጊ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ንጽቡቕ ብኽፍኣት ወይ ብኣሉታ ክትርጎም ኣይግባእን።

እንታይ ኢዩ እቲ ቀንዲ ግዜ ናይ ምርኽኻብ ምንዋሕ ዘድለየ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ናይ ግዜ ምንዋሕ መገላበጢ ዕድል ስለዝህብ ኢዩ። ኩሉ ግዜ ስራሓትካ ኣጻፊፍካን ንመጻኢ ዘድሊ ቀይስካን ምኻድ ብሃታሃታ እንተፈጽምካዩ ኣይብሱል ኣይጥረ ኮይኑ ከይሓልፍ ብማለት ኢዩ እምበር ካልእ ሽግር ወይ ዉጥረት ስለዘለዎ ኣይኮነን። ብዝኾነ ግን ደላይ ክፉእ ወይ እውን ነቲ ጽቡቕ ብኽፍኣት ክቕይር ወይ ትርጉሙ ክልውጥ እሞ ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ንኽፍጥር ኢሉ ካብ ዝገብሮ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

እስከ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ነታ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት 20-08-2015 ኣብ መርበብ ሓበረታ መስከረም ነት ኣርእስቲ ዘይብላ ዝተለጠፈት ጽሕፍቲ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምውድዳር ክተንብብዋ ሓደራ እብል። ኣንቢብኩም ድማ ሚዛንኩም ክተልዕሉ ይላቦ። እታ ተለጢፋ ዘላ ጽሕፍቲ ቃል ብቓላ ከምዚ ትብል፡ “ኣብ ሰዓቱ ንኣፍልጦኻ ሕጂ እውን እነሆ፥ ሓዲሽ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2015: ድሕሪ ሰሙናት ወረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ ንመንግስተኣብ ኣቦ መንበሮም ንሓደ ዓመት ምስ ከቢድ ወጥርታቱ ከም ኣቦ-መምበር ሰልፊ መርጮሞ ኣለዉ።’’

መጀመርያ እቲ ሓበረታ ዝሃበ ኮነ ኢሉ ንመስከረም ነት ዘደናገሮ ወይ እውን ባዕሉ መስከረም ነት ነቲ ዝተዋህቦ ሓበረታ ኣዘናቢዑ ዝጸሓፎ ኢዩ ዝመስል። ከመይሲ እታ ‘’ድሕሪ ሰሙናት ዉረድ ደይብ ሎሚ መዓልቲ‘’ እትብል ሓረግ መቃመሚ ናይ ክፉእ ሓሳባት እምበር ናይ ቅንዕና ሓሳብ ከምዘይኮነ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ። እዚ ከኣ ጉባኤ ብዕለት 30-07-2015 ተደምዲሙ ቡኡ ንብኡ ከኣ ናብ ፈስቲቫል ተኣትወ። ክሳብ እታ ሓዳስ መሪሕነት መዝነታ እትርከብ ከኣ እታ ዝነበረት መሪሕነት ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ነቲ ሰልፊ ክትመርሕ ስልጣን ብጉባኤ ተዋሂብዋ ኢዩ። ኣብ ዕለት 02-08-2015 ድማ በቶም ብኣካል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓዳስ ባይቶ ናይ ንኡስ ኣኼባ ተኻይዱ ንኹሉ ዝጥዕም ዕለተ ኣኼባ ድማ ዕለት 16-08-2015 ክኸውን ብስምምዕ ተወዲኡ። ከምታ ስምምዕ ከኣ ዕለት 16-08-2015 ካብ 33 ኣባላት መሪሕነት 2 ብብቑዕ ምኽንያት ዝቦኾሩ ኣኼባ ተኻዪዱ ንእቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ከኣ ብምሉእ ድምጺ ኣቦ-መንበር ክኸውን መሪጹ። እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ ካልእ ወጥርታት ኣይነበሮን።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፕረሲደንት ምስ ተመርጸ፡ ምኣስ ድዩ ስልጣኑ ዘረክብ? መስከረም.ነት ኣብ ክንዲ ክፋእ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ነገር እንተትምህር ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ምተጠቕመ ነይሩ!!!

ንእግረ መገድይ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ ናይ ዜና ማዕከናት ብዝተኻእለ መጠን ንበዓል ጉዳይ ተወኪሰን ንህዝብና ሓቂ ዝኾነ ሓበረታ ከስንቓ ይጥለባ። ምኽንያቱ ልዕሊ ዋንኡ ዝፈልጥ ቡዳ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን እሞ እቲ ስነምግባር ናይ ዜና ማዕከን ብግቡእ ምጥቃም ንኹልና ከርበሓና ይኽእል ኢዩ።

ብድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 20 August 2015 10:28