ሪፖርታጅ ብዓል ሓደ መስከረም

2015-09-04 21:09:09 Written by  ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1831 times

ቸካጎ ነሓሰ 29፡1015

ኣብ ከተማ ቸካጎ በጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ተኣኪብናሉ ኣብ ዝነበርናሉ ንጉዳይ ምቛም ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ተባሂላ ኣብ ቸካጎ ዝቖመት ሽማግለ ንጉዳይ ህዝባዊ በዓላት መሪሓ ክትውድብውን ተመዚዛ ብምንባራ ንጽንብል ባሕቲ መስከረም ብዝተወደበ መንገዲ ኣብ ከተማ ቸካጎ ብድምቀትን ሰፊሕ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘረጋገጸ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ChicagoSeptemberFestivitpic 1ሽማግለ ህቡብ ስነጥበባዊ ወዲ ትኳቦ ብምምጻእን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ብምርግጋጽን ኣደራሽ በዓል ካብ 200 ክሳብ 250 ዝኸውን ህዝቢ ሒዙ ካብ 9 ድ.ቀ ክሳብ 4፡00 ወጋሕታ   ድሙቕ ባህላዊ ጸወታ ሓዲሩ።

ብዓል ብኣቦ መንበር ሽማግለ ሓው ሓጋይቶ ብስም ደለቲ ፍትሒ ኣብ ቸካጎ ናይ መእተዊ ቃል ሂቡ ንጽንብል ባሕቲ መስከረም ከፊትዎ።ባሕቲ መስከረም ንነጻነት ሃገርናን ንሓርነት ህዝብናን ኢሉ ዝተወልዐ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ መልክዑ ንክሕዝ ሽግ ቃልሲ ዘልዓለት መዓልቲ ታሪኻዊት መዓልቲ ምዃና ኣብሪሁ።ሎሚ ባሕቲ መስከረም ከነብዕል ከሎና ነቶም ኵሎም ምንቲ መሰል ህዝብና መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታትና ዝተሰውእሉ ኣብ መዓርፍኡ ከነብጽሖ ደጊምና መብጽዓና እነሐድሰሉ መዓልቲ ምኻኑ ሓው ሓጋይቶ ኣዘኸኪሩ።

ChicagoSeptemberFestivitpic 2

ንክብሪ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ሰፊሕ መግለጺ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ብሓው ወልዱ ነጋሲ ብስም ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ተወህቡን ተነቢቡን።እቲ ጽሑፍ ብፉሉይ ንዘናዊ ምቅላሕ ብማለት ተሰዲዱ ነንበብቲ ቀሪቡ ኣሎ።

ናይ 2015 ዓ. ም በዓል ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈልዮ እንተልዩ ሰፊሕ ክፍሊ ህዝብና ካብ ፍርሒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተላቂቑ ብግሁድ ኣብ ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ መድረኽ ክሳተፍ ምጅማሩ ብብሩህ ይርአ ኔሩ።ቅድሚ ሕጂ ብስፍሓት ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኣኼባታት ዘይመጽእ ዝነበረ ክፍሊ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ በዓል ባሕቲ መስከረም ዓብላሊ ቍጽሪ ኔሩዎ።

ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልስና!!!!

Last modified on Friday, 04 September 2015 23:18