መበል 54 ጽንብል ባሕቲ መስከረም

2015-09-04 21:05:37 Written by  ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2172 times

ChicagoSeptemberFestivitpic 3

ቸካጎ 8/29/2015 ዝ

ናብ ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጽንብል                                                                

መበል 54 ባሕቲ መስከረም ቸካጎን ከባቢኣን

ብመጀመርታ ነዚ በዓልዚ ከይተሓለሉ ግዜኦምን ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውፋይ ኣዳልዮም በዓል ሓደ መስከረም ብሓባር ንምብዓል ዘብቅዑና መንእሰያትን ተሓባበርቶን ደለይቲ ፍትሒ ቸካጎ ወሰን ዘይብሉ ምስጋናይ እንዳመሓላለፍኩ ካብዚ ተሳታፊ ምዉቕ ጨብጨባ ክወሃቦም ብኽብሪ እዕድም!!!

ሎሚ መበል 54 ዓመት ጽንብል ሓደ መስከረም ከነብዕል እንከሎና ስለምንታይ ነብዕሎ ከምዘሎናን ምምርማርን ክንመሃረሎም ዘሎና መዕራፋት ምንጻርን ኣገዳሲ ከይኑ ይስምዓኒ።ብመንጽር ውጽኢት ዝሓለፉ ምዕራፋት ኣብ ጉዕዞና እንታይ ኣመዝጊብና ኣሎና እንታይከ ተሪፉና ኢልና ክንመዝን ናይዚ መዓልቲዚ ቅንዲ ዛዕባታትና ክኸውን ዝግበኦ እዩ።

ኤርትራ ብ መግዛእቲታት ቱርኪ፡ ጥልያንን ኢትዮጵያን እንዳተሰጋገረት ድሕሪ ምምጻእ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ሃገርዊ መልክዕ እንድሓዘ ዝመጽአ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ቃልሲ ገንፊሉ ኣብ መስከረም 1፡ 1961 ዓ.ም ብመሪሕነት መሓመድ ኢድሪስ ዓወተ ዝተመርሐ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ተኣወጀ።ባሕቲ መስከረም ነቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ዝካየድ ዝነባረ ጸረመግዛእታዊ ተቓውሞ ናብ ህዝባዊ ብረታዊ ዓመጽ ዘሰጋገረት መዓልቲ እያ። ኣዋጅ ባሕቲ መስከረም ነቲ ካብ 1961ን ክሳብ እዚ ዕለትዚ ዝኸፈልናዮ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ መስዋእቲ ቀንዲ መነሃርያ ታሪኻዊት ዕለት እያ።

ባሕቲ መስከረም ዘወላዓቶ ሽግ ኣብ ጉዕዞ እንዳበርሀ ዝመጽአ ቀንዲ ዕላማታቱ ምቛም ልዑላዊት ኤርትር፡ ሰላምን ቅሳነትን ፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ናይ ምዝራብ መሰል፡ ናይ ምንቅስቓ ነጻነት፡ ናይ ምጽሓፍ ነጻነት፡ ምክባር መሰላት ወዲሰብ….ወዘተ ከምዝነበረ እቶም ነዚ ዘርከብናሉ ብስም ነጻነትን ሓርነትን ንፈልጦ ኢና።ሎሚ እዚ ዕላማታትዚ ብሓጺሩ ምእንቲ ዲሞክራሲ ከምዝነበረ ሩህ እዩ። ነዚ በዓልዚ ከነብዕሎ ከሎና ነቶም ኩሎም ምእንቲ መሰል ህዝቦምን ክብሪ ሃገሮምን ንሽግ ባሕቲ መስከረም ብምልዓል ክሳብ ሎሚ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኤርትራ እንዝክረሉን ዕለት እዩ። ነቲ ሓርበኛታት ኣሕዋትናን ወለድናን ክሳብዚ ጊዜዚ ወሊዖሞ ዝመጽኡ ሽግ ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ መብጽዓ እንኣትወሉ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ናይዚ ተጸዋዒ ምዃኑ ከስምረሉ ኣፍቅዱለይ።

ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነታ ካብ እተረጋግጽ 24 ዓመታት ኣሕሊፋ ኣላ።ሎሚ ኵነታት ህዝብናን ሃገርናን ክንመዝን እንኮሎና ብዘይካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃገርና ማዕቢላ ዝብሎ ኣብ ኣዚዩ ኣሰቃቕን ኣስጋእን ሃለዋት ክም እትርከብ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።ንብከቢድ መስዋእቲ ዝተርኽበ ነጻነት ሃገርና ዲክታቶራዊ እሰያስን ጃንዳኡን ብምጭዋይ   ንህዝብና ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ውጋእት ብምጽማድ ኣደዳ ሰፍ ዘይብል ቅዝፈትን ስደት ክኸውን ኣሳጢሕዎ እዩ።ሎሚ ካብ ጐሊሖም ዝረእዩ ሓያሎ ዕንወታት፡

  • ኤርትራ ብዘይቅዋምን ብዘይትካልን ብዲክታቶር ኢሰያስን ጃንድኡን ብዘይ ሓጋግን ፈራድን ተቈጻጻርን እትመሓደር ሃገር እያ።
  • ህዝብና ብሰንኪ ስእነት ስራሕን ክብደት መነባሮን ብብዝሒ ይሰደድ ምህላዉን ሃገርና ካብተን ዝለዓለ ፐርካፒታ ስደተኛታት እተፍሪ ሃገር ምኻና ሎሚ ንኹሉ ብሩህ እዩ።
  • መንእሰያትና ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርያዊ ኣገልጉሎት ብምጽማዶም ካብ ዓቕሊ ጽበት ኣደዳ ስደትን ማእለያ ዘይብሉ ቅዝፈታትን ተሳጢሖም ምህላዎም ማንም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።    
  • ዲክታቶራዊ ስርዓት በሽሓት ዝቝጸሩ ፖሊትካዊ እሱራት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ይርከቡ።      ብዙሓት ካብዚኣኦም ኣደዳ ሕማማትን ሞትን ብምዃን ኣብ ብገዛእ ዝተቓለስሉን ዝተሰዉእለን ሃገር ክሳቐዩ ይርከቡ።
  • ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዝኾነ ሓላፍነት ዘሎዎ ወታሃደር ንማንም ብዘይገበን ወይ ክእስር ዘይክእል ገበን ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ንዘይተወሰነ ጊዜ ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ቍጽሪ የብሎምን።  
  • ጋዶ ሓረስቶትን ኮታ ኵሎም ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎም ኣብ ወትሃደራዊ መደበራት ባራዩ ወታደራዊ መኮንናት ኤርትራ ብምዃን ድኻታት ስድራቤታት   እቲ ክሰርሕ ዝኽእል ስለዝጐደሎም ብጥሜት ክሳቐዩ ይርከብ።      

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድርቂ ኣትዩ ዝናም ከም ዘይዘነበ ሎሚ ዓመት ኵላትና ሰሚዕና ኢና ።ሰብን ከብትን ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ኣስጋኢ ጥሜት ተሳጢሖም ይርከቡ ኣለዉ። ከባቢ ዘሎዋ ሃገራት ረድኤት ክደልያን ክሕግዝን ሬድኤት ክሓታን ሸበድበድ ክብላ ከለዋ ኣቶ ኢሰያስ ብረት ዘይተሸከሙ ደቂ 60ን 70ን ዝተረፍዎ ከይህልዉ ኣብ ግፋ ምክያድ ጥራሕ እዩ ተጸሚዱ ዘሎ። ብግምተይ ወላ ብዙሕ ህዝቢ እንተሃለቐ ንሕና ከም ኢትዮጵያ ኣንስደድን ኢና ብጥሜት ኣይንመውትን ኢና ከምዝብል ኣይትስሕትዎን ኢኹም። ዓለም ኣብ ኤርትራ ጥሜት ኣሎ እንተበሎቶ ንሕና ገንዘብ እዩ ዘድልየና እምበር ሓገዝኩም ኣይንደልን ኢና ከም ዝብሎም ቅድሚ ሕጅውን ሰሚዕኩሞ ኢኹም።    

  • ሎሚ ኤርትራ መደበር ብልሽውናን ናይ ደቂ ሰባት ንግዲ ዝካየደላ ሃገር ምዃና ካብ ክሉ ኤርትራዊ ዝተኸወለ ኣይመስለንን።ኣብ ዝካየድ ናይ መንግስቲ ቤት ጽሕፈታት ገንዘብ (ጉቦ) ከይከፈልካ ከተስልጥ ጸገም እዩ። ህዝቢ ኣደዳ ኮሚኒስታዊ ዲክታቶርያውነት ስርዓት እሰይስ ተሳጢሑ ምህላዉ ምስጢር ኣይኮነን።        
  • ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ደርግ ወይውን ሃይለስልሴ ተሳኢኑ ዘይፈልጥ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ቴሌፎንን ማይን ኣብ ኣስመራን መላእ ኤርትራ ጸገም እዩ። እዚ ንምንታይ ኩሉ ውጻእታቱ ዲክታቶር እሰያስ ኣብ ውግእ ወይ ድማ ንናይ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተቓውሞ ጥራሕ ንምድጋፍ ስለዘውዕሎ እዩ።    
  • ንኩሎም ነጋዶን ወነንቲ ቤት ዕዮን ንከይሰርሑ ብናቱ ዘተቀረጸ ኣቝሑት ጌሩ ስለዝወዳደሮም ገንዘቦም ሒዞም ካብ ኤርትራ ብምውጻእ ኣብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ኬንያን ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ   ይሰርሕሉ ኣለዉ።ኤርትራ ከኣ ስራሕ ኣልቦ ኰይና ኣላ። ኤርትራ ካብ ኮሙኒስታዊ ዲክታቶርይዊ ስርዓት እሰያስ ድኽነትን ስደትን እተዘኮይኑ ዝረኸበቶ የለን።    
  • ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓሽ ናይ መጐዓዝያ ጽርግያታት ዝነበራ ሃገር እያ ።እዚ ድማ ጥልያን ንመጐዓዚ ወትሃደራቱ ኢሉ ዝሰርሖ ስለዝነበራ እዩ።ሎሚ እቲ ቅጥራን ዝነበረ ጽርግያታት ቕጥራን ምዃኑ ከተለልዮ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ። ካልእ ይትረፍ ሎሚ ጽርግያታት ከተማ ኣስመራ ጐዳጕዲ ዝመልኦ ኰይነ ይርከብ።  
  • ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት እሕዋትናን ኣዲኤታትናን ወሊደን ዘዘዕበዮኦም ቈልዑ ዓቅመ ኣዳም ከይኣኽሉ ካብ ኢደን ሳዋ ብምውሳድ ኣደዳ ናይዚ ስርዓትዚ ብልሽውና ክዀኑ ጸኒሖም እዮምን ኣለዉን።
  • ኮሙኒስታዊ ዲክታቶርይዊ ስርዓት ኤርትራ ናይ ሃይማኖታት ነጻነት ስለዘየፍቅድ ንቡዙሓት ኣመንቲ ቤተክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን ኣበይ ኣለዉ ዘይብሃሉን እዮም።ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከይተረፈ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝኩም ተረኺብኩም ብማለት ዝኣሰሮምን ዘሳቐዮምን ዉሑዳት እይኰኑን።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ክንርኢ ከሎና እቲ ሓፋሽ ህዝብና ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ነጻነቱ ብዲክታቶር እሰያን ጃንድኡን ተጨውዩ ከም እተሰርቐ ኢና ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ነዚ ከምጽእ ከምዘይተቕለሰ ንማንም ርዱእ እዩ። ሓፋሽ ህዝብና ብእምነት እቲ ኩሉ ጸጋታት ነጻነት ክጽበ ጸኒሑ ሓንቲ ግን ኣይረኸበን።ምናልባት ኩሉ እሰያስ ን ጉጅልኡን እዩ ኣምጺእዎ ንብል ንኸውን ግን እቲ ዝበዝሕን ዝመረረን እቴ ስርዓት ይኸውን እዩ፣እቶም ኣብቲ ሰውራ ዝተሳተፉውን ገለ እጃምና ከምዘለና ክንዝንግዕ የብልናን።ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል “ምእንቲ እዛ መጎጎ ትሕለፍ እዛ ኣንጭዋ ነጻነትናሞ ንርከብ” ዝብል ኣብሃህላ ኣብዚ ካብዘብጽሓና እዩ።ሓደ ሓው ከምዝበሎ ንሕና መንእሰያት ናይቲ ሰዓትቲ ገስገስቲ ኣድሓርሓርቲ ዝብል ቋንቍኛ ኔሩና እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ጊዜቲ ገለ ናይ ትምህርቲ ዓቕሚ ዝነበርና ክንግስግስ ኮሚኒዝም ኣብ ሃገርና ከነተኣታቱ እንሓልሞ ዝነበርናን ድቃስ ስኢና እንሓድረሉን ዝነበርና ኣተሓሳስባ ኔሩ እዩ። ሎሚ ኮሙኒዝም ማለት ድክተቶርነት ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዲክተቶርነት ኣብ ምንጋስ ግደ ኔሩና እዩ። እዚ ድማ ነዚ ሓድሽ ወለዶ መማሪ ክኾኖን ክጥንቀቕሉን ይግባእ።

ሎሚ በዓል ሓደ መስከረም ከነብዕል ከሎና ናይ ዝሓለፈ ጥራሕ ዘርዚርናን ኣምጕስናን ነቒፍናን ክንሓልፍ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘይተወድአ ዕማም ከመይ ንርእዮን መደባት ኣውጺእና ነሰላስሎን ናይዚ ወሎዶዚ እጃም ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ተቓወምትን ደገፍትን ዝብል ኣከፋፍላ ብሓደ ሸነኽ በቲ ካልእ ድማ ኣብ ዝተፈናጨለን ቀዳምነታቱ ዘይውገነ ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሓይልታትን ተገዛዚዑ ንርእዮ።ኣብዚ ጊዜዚ ስርዓት እሰያስን ጉጅለኡን ንኤርትራ ኣብ ዕንወት ይመርሓ ከምዘሎ ወላ በእቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ዝበሃሉውን ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ።ምናልባት እቲ ዝዓበይ ፍልልያትና ኣብ መን ይቐይሮን ብከመይ ይቀየርን ዝብል እዩ።

ኣብ ፍትሑ ክንጥምት ከሎና ኣብ ምልጋስ እዚ ስርዓትዚ ናይ ሓባር ረብሓ ከምዘሎና ምርዳእ የድልየና።ደገፍቲ ዝጸናሕና ዲና ተቓወምቲ ዝጽናሕና ብጉዳይ ሃገርና ዝመጽአ ህዝብናን ሃገርና ከም እነፍቅር ክንስሕቶ የብልናን። እንተኰነ ግን ኣብ ብኸመይ ሃገርና ነዐርያ ፍልልይ ይህልወና ይኸውን እዩ።ኣብዚ ሰዓትዚ ኣብ ብሓባር ከበግስ ዝኽእል ሰዓት(ground zero) ዝኣኸለ ይመስል።ከም ቀንድን መበገስን ብምክብባር ኣብ መንጎ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ሰፊ ዘተን ብምጅማር ሓደ ረብሓ ሓደ ዕላማ ከምዘሎናን ኣብ ዓሌት፡ኣውራጀ፣ ሃይማኖትን ካልእ ፍልልያትን ናይ ዘይምትእምማን ምልክት ዝመስል ነገራት ሰጊርና ደቂ ሓደ ሃገርን ሓደ ረብሓ ከምዞና ምስጢር ልቦናታትና ንፈትሽ። እቲ ዝዓበየ ምፍንጫል ኣብ ውሽጢ ህዝብና ኢዚ እዩ.ነዚ ኣንተሰጊርናዮ እቲ ዝተረፈ ቀሊል እዩ።ገሌና ደገፍቲ ገሌና ተቓወምቲ ተመሊስና ነቲ ዝሓለፍናዮ ብባሕቲ መከረም ዝተጀመረ ንመልከት ኣብኡ ክንስለፍ ከሎና ጌሌና ተቕወምቲ ጌሌና ኣንድነት ኢና ኔርና። እቲ ዝሓለፈ ፍልልይ እኳ ይገፍሕ ግን ተፈቲሑ ። እዚውን ክንሰግሮ እንኽእል ፍልልይ እዩ።

ኣብ መጨርሻ ነዚ ዝሰፍሐ ተሳታፊ ባሕቲ መስከረም ዝኾነ መንእሰይ ክብሎ ዝደሊ መጻኢ ዕድል ህዝብና ኣብ ኩላትና ዝምርኮስ እኳ እንተኾነ ብፍላይ መንእሰይ 70% ሕብረተሰብና ብምኻኑን ብኻልእ ሸነኽ ድማ ሞተረ ለውጢ ብምኻኑ ናይዚ መድረኽዚ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ ክሳድኩም ከምዘሎ ከዘኻኽርም እፈቱ።መንእሰያት ዝተፈላለይ ረብሓታት የብሎምን፣ስለዝኾነ ድማ ሓድነቶም ከደልድሉ ኣብዚ መድረኣኽዚ ኣገዳሲ እዩ።ገለ መንእሰያት ዋላኳ ብዙሕ ሽግራት በቲ ስርዓት ተጓኒፍዎም ኣብዚ ይምጽኡ ናይ ምሕረት ወረቐት ብምፍራም ኣገልቲ ናይቲ ስርዓት ክዀኑ ይርእዩ ኣለዉ።ነዚኦም ብምርዳእን ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ናይ ምውጽኦም ሓልፍነት ክትሽከሙ እላቦወኩም። ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ገልገለ ኩርንዓት ናይ መንእሰያት ናይ መንእሰያትን ናይ ዓበይትን ዝብል ኣከፋፍላ ናይ ቃልሲ ክርአ ስለንርኢ ንቃልሲ መዳኸሚ ድኣምበር ክሕግዝ ዝኽእል ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም ኔው ክትብልዎ ክላበኩም ኣፍቅዱለይ።እዚ በዓልዚ ክንገብር ከሎና ንምምስራት ማሕበር ደለይቲ ንፍትሒ ቸካጎ ብምኻኑ ተጻዊትናን ሳዕሲዕናን ክንከይድ ዘይኮነ ነቲ ቅንዲ ተልእኾ ንኸርሳዕ ኣበርቲዕና ክንቃለሰሉ ሓደራ እብለኩም።

ዘለእለማዊዝኽሪ ንስዉእትና!!!

ዓወት ንህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልስና!!!!!

ዓወት ንህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልስና!!!!!

Last modified on Friday, 04 September 2015 23:20