በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ”
Tuesday, 01 December 2015 17:35 Written by በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢበይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ ሞት ኣስታት 400 ኤርትራውያን ብስሩዕ መሪሕነቱ መሪጹ ስርሑ ዝጀመረ ንሓድነትን ሃገራዊ ረብሓን ኩላቶም ኤርትራውያን ንምውሓስ እጅግኡ ሰብሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል ‘ዩ።
ራእን ተልእኾን ምንቅስቃስ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞካስያዊ ለውጢ ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስነ- ሓሳብን ኣገባብ ቃልስን ፍልልይ ዘለዎም ፖለቲካውያን ፓርትታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላትን ፡ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ዝበዝሕ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ስጡም ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነዚ ኣብ ከርሲ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ዓማጽን ጨቋንን ስርዓት ሳቮያ ብምባል ንክጸርግዎ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለልካ ምስራሕ እዩ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምሰረት ክሳብ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ ኣሎ። ምድላው ንጉዳይ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ምእንጋድ እቲ ብኹቡር ኣቦና ነፍስሄር ዶር. ተወልደ ቫካሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ዑደት፡ ምድላው ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝጽዉዕ ባህላዊ ምዝንግዓት ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ 24 ግንቦት ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቶጎርባ : ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎ ፡ ምክያድ ናይ ዝኽሪ እግሪ ጉዕዞን ናይ ሽምዓ ሰልፍን ኣብ ግዜ መዓልቲ ሰማእታትን ሓዘነን፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስነ ሓሳብን ኣባላቱ ክብ የብሉ እዮም ዝበሎም ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት እዚ ማህበር ፡ ህግደፍን ሰዓብቶምን ንነዊህሕ ዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ከተማ ሪችመንድ : ሎሚ ዓመት እዚ ከተማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝኽልክሎም ገሩ ።
ሎሚ ዓመት ውን ምንቅስቃስና ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃሳት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻይደ ብናይ ንውዮርክ ደሞ ዝፍለጥ ብብዙሕነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ሰሩሑን ፡ ኣስታት 40 ካብ ኣባላቱን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብምስዳድ ውን ብቐጥታ ተሳቲፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ውን ንሳልሳይ ግዜ ህዝባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ሓድሽ መሪሕነት ብምምራጽ፡፡ ነዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳሽ ዓመት 2016፡ “ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነቲ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ዝዝይምን ዘሎ ህቡብ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ምሸት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ናይ ምንቕቓሕን ምዝንጋዕን ምሸት ብኹሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤትራውያን ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳንድያጎ፡ ላስቨጋስ፡ ስያትልን ዝመጹ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ እዮም።
በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ንሓድነትን ስጡም ቃልስን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2016 ኣብዚ ትርጉም ሓዘል ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ክሳተፍ ብልብን ኣክብሮትን ንዕድም። ብተሳትፎ ኩልና ዝረጋገጽ ሓርነት ቃጻልነቱ ዝተረገገጸ እዩ እሞ፡ ሓርነትና ንምውሓስ ሎሚ ሓድነትና ነረጋግጽ።
“ሓድነትና ዋሕስ ሓረንትና ‘ዩ”
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
እቲ ቀደም ህጻውንቲ ከለና እዛ ሓቂ አዝያ ክብርቲ እያ ኔራ። ጊዜ ቁልዕነት ሓቂ ዶ ይሕሸካ ወርቂ ተባሂልና እንክንሕተት ሓቂ ነበረት መልስና። አብ ገዛ ዝኾነ ጥፍአት እንክንፍጽም አቦታትና ቁልፊ አዴታትና ድማ ሞኾስ ሒዞም ቀዳመይቲ ሕቶ ዝሓቱና ዝነበሩ ሓቂ ተዛረብ ትብላ ቃል እያ ዝነበረት። ኩሉ ጊዜ ትደጋገም ዝነበረት አነ’ውን ዘይርስዓ ዘረባ አላ “ሓቂ መራር’ያ” ትብል። ከም ናተይ እምነት ሓቂ መራር ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት አብዛ ዓለምና ሓሰውቲ ስለ ዝበዝሑ እዩ እምበር ከም ሓቂ ዝጥዕም ዋላ ሓንቲ ነገር እኳ የልቦን። እንተ ሓሶት ግና ልክዕ ከም ጋንግሪን እያ ሓንሳብ ብጽፍሪ እግርኻ እንድሕሪ ጀሚራትካ ብቕጽበት እያ ናብ ጸጉሪ ርእስኻ ትድይብ። ሽዕኡ መንፈስካ ብሓሶት ይውረር ከይተረዳአካ ንስብ ዘይኮነስ ንነብስኻ’ውን ክትሕስዋ ትጅምር።
ካብ ብሓሶት ትድብሰኒስ ብሓቂ እንተርዳእካኒ ይሕሸኒ ዝብል ምስላ ፈረንጂ አንቢበ። ነዛ ምስላ አዝየ ፈትየያ፤ ምኽንያቱ ሓሶት ንበሃሊአ ዘይኮነስ ንሰማዒአ’ውን መርዚ ስለዝኾነት ። አብ ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ሚዛንካ፡ ሚዛን ቤተሰብካ፡ ሚዛን ፈተውትኻን ብጾትካን ተፉኩስ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ አገዳሲ እዩ። ካብ ህንጡይነት ዝተላዕለ ዝናፈስ ዘይተረጋገጸ ወረታት አብ እዝንኻ ምስ ዝበጽሕ፤ ከምዚ ዝብል ዘይጥሉል ወረ ሰሚዔ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግና ነቲ ዝረኸብካዮ ቤላ ቤለው ወረ ከም ጭቡጥ ወሲድካ፤ ናትካ ቀመማት ሓዊስካ ይፈልጥ እየ ንኽትብል ሓሶት ወረ ምብታን ዋላ’ኳ ፋይል ቤት ፍርዲ እንተዘይኽፈተ፤ ርእሱ ዝኸአለ ገበን እዩ።
ከምቲ ተኽልንኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ዝበሎ ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ እዩ ዝፎኩስ። ንሓደ ሰብ ፍተዎ ጽልአዮ ሓሲኻ እንተሕመምካዮ፡ እንተሞትካዮ፡ እንተአጸለምካዮ፡ እንተኽፋእካዮ ጊዜያዊ እምበር እታ ሓቂ ዊዒላ ሓዲራ ምውጻአ አይተርፋን እዩ። ሓሳዊ ሰብ ኩሉ ጊዜ እኩባት ሓሰውቲ ከናዲ እዩ ዝውዕል፤ ምክንያቱ ንሓሶት ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን መሸጢ ዕዳጋ ስለዘይትረኽበላ። እግረ መንገድይ ነዞም ደለይቲ ፍትሒ ኢና፤ ንስለ ሓቅን ርትዕን ኢና ንቃለስ እንብል ሰባት ምሕጽንታ አሎኒ። ንምንታይ ኢና ስርዓት ኢሰያስ ሓሳዊ ወስላት መደናገሪ ስርዓት እዩ እንዳበልና ንባዕልና አብዘይተደልየ ሓሶትን ቤላ ቤለውን ጊዜና ነጥፍእ ዘለና። ብሓሶት ኢሰያስ ሰለስተ ጊዜ ተቐቲሉስ ተንሲኡ። ሃገርና ካብ ዓማጺ አሕዲግና ከነማሓድር ዘይከአልናስ፤ ነዛ ዓለምና ካብ ክርስቶስ መንጢልና ከነመሓድራን ዕምሪ ደቂ ሰባት ክንውስንን ንመጣጠር ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ። እንድሕር አብ ውሽጢ ዓዲ ከምቲ ዝድለ ውዳበ ዘይገበርና ኮይና ውዳቤና ከነሓይል ጭቡጥ ሓበሬታ ንረኽበሉ ባይታ ክንፈጥር እምበር፤ ብዘይ መርትዖ ዘይተረጋገጸ ወረ ምዝርጋሕ እንታይ ፋይዳ ይርከቦ እንትርፎ ፉኽሰትን ሓሳርን። ንምንታይ ኢና እቲ ዝዓበየ ፍልጥት ካብ ዘይምፍላጥ ከም ዝብገስ እንርስዖ።
ግደፎ ኢሰያስ ሞይቱ ዝብል ስብራ ወረ ዘርጊሕካ፤ ብዓብይኡ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ እንድሕር መጺኻ እውን አገናዕ ዝብል ደምበ ተቓውሞ አይኮነን እኮ ዘለና። እዚ ዘለናዮ ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ ምስ እትመጾም ከማን፤ ብኢዱ ክንሕዞ ምስ ቀረብና ኮነ ኢልካ ኢኻ ቀቲልካዮ ኢሎም እውን ክሳላበጡ ዝኽእሉ አፈ ጮለታት ዝመልእዎ ደምበ እዩ። ስለዚ ህድእ ኢልና አስተውዒልና ምኻድ ከድልየና እዩ። እንተዘየሎ አንባቢ ዘይብሉ ኩልና ኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ሰማዒ ዘይብሉ ኩላትና ተዛረብቲ ንኸውን አለና። ነቲ ንሕንጥጦ ጹሑፋት ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕና ንነብስና ክልተ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊምና እንተነንብቦ ክንደይ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። እንተዘየልቦ መን’ዩ ጋዜጠኛ አየናይ’ዩ ጸሓፊ እንታዋ’ዩ ተንታኒ ፖለቲካን ቃልስን እኮ ንምፍላጡ ሓርቢቱና። ክሽነ፡ ሳሎንን መደቀሲ ክፍልን መደበር ቴሌቪዥን ኮይነን፤ ምንም ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ተንተንቲ ፖለቲካ ተቐይሮም ንውድባትን ውልቀሰባትን ከናሽው ዓንገረር ክብሉ አእዛንና ጸሚምና። እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓለምና አክንዲ ብጉቡእ እንጥቀመሉ እንዳ ስዋ ቀይርናዮ።
አብዛ ሓጻር ጊዜ ጥራይ ኢሰያስ አብ ጀርመን ባደን ባደን ይሕከም አሎ፤ አብ ኮማ አትዩ፤ አእምሮኡ ስሒቱ፤ ፊሊጶስ ብሕማም ምኽንያት ኢሰያስ ካብ ስልጣን ከምዝተአለየ መግለጺ ሂቡ ንግዚኡ ሃገር ይመርሕ አሎ፤ ብወዲ ካሳ፡ ማንኪ፡ ክሻን ፊሊጶስን እትምራሕ ሽማግለ ቆይማ ንስልጣን ኢሰያስ ተረኪባቶ አላ፤ መስፍን ሓጎስ ሃገር ከመሓድር ተጸዊዑ፤ እዞም ሰብ ጽገና ገዲፎምና ክኸዱ ምሽብሻባት ይገብሩ አለው፤ ጀነራላት ነንሓድሕዶም ዒሉ መጥረጢኻ ሓሉ ዝዓይነቱ ነብሰ ሓለዋ ይገብሩ አለው፤ አብዚ ጠጠው ከብሎ እምበር ክንደይ ኢልካ ክውዳእ ሓሶት ሎም ዘመን ይሰውረና እዩ ዘብል። ሕጂ’ውን ይውዓል ይሕደር ኢሰያስ ምኻዱ አይተርፎን እዩ። መን ምስ ነበረ እሞ ንሱ ንዘንተ እለት ክነብር። ዓሰርተ ጊዜ ኣብ ሃገርና ንህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ዝሕግሕግ ሱር በተኽ ለውጢ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ካብ ዘይዓቕምና ቱልቱላ ንነፍሕ፤ ንሕና ንነብስና ካብ ሓሶትን ሰክታርያን ፖለቲካን ካልኦት ጎዳእቲ ባህርያትን ነጻ ዘውጽእ ሱር በተኽ ለውጢ እንተንጋብዛ ዶ አይምሓሸን። ሽዑ አፍና መሊእና ደረት አፍ ልብና ነፊሕና ናይ ፍትሒ ናይ ሰላም ናይ ዲሞክራስን ናይ ሓቅን ተቓለስቲ ኢና እንብል።
ሕጂ’ውን ዝዕወት እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ’ዩ !!!
ሰለሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን ብዓውታን ብጥምረትን ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡-
-
ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ንምቛም፣
-
ህዝቢ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ`ዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብሓባርን ጥምረትን ዋና ኮይኑ ዝዕጠቐሉ ናይ ቃልሲ መርሖ ንምስልሳል፣
ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ።
ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ክሳተፉ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ኩለን ከተማታት/ስተይትስ ሰሜን ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳን፡ ነታ ብዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክትቀዉም ዘለዋ ሓይሊ ዕማም ከነቑማን ውዓል ሕዳር ዘይባሃሎ ውራይ ጌርና ክንወስዶ ነማሕጽን።
ዕለት ኣኼባ፡ ሕዳር (November) 29, 2015
ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኮሎራዶ
ሰዓት፡ 4 ድሕሪ ቀትሪ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ
ኣብ ናይ 100 ዓመታትጉዕዞ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራዝነበረተረኽቦታትን ፍጻሜታትን፥ካብ ኣቦሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና፡ ደቅና ክሳብ ደቂ ደቅና ከም ታሪኽ እንተዝሕበር፥ነፍሲወከፍ ዝተሳተፈ ዝረኣየ ዝሰምዔ እንተዝነግር ወይ እንተዝጽሕፍ ንስፍሓቱን ጻዕቂ ብዝሑን ፡ ልክዕ ዳርጋ 100 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተፈጸም የለን።
ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝንቶ ማለት``ንጉስ ሰሎሙን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤ ይደጋገም ደኣ ኣምበር ሓዲሽ ኣይኮነን``ኢሉ ይብሃል። ምናልባት እዚ ኣባሃህላ ብጽሞና እንተ ኣስተብሂልናሉ ናብ ክትኣምኖ ዝመርሕ ግብራዊ ትርኢ ወይ ትረክብ።ኣብ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል በዘይካ እዚ ዝተራቐቐሓዲሽ ናይ ተክኖሎጂ (ዲጂታል) ዓለም ተነቃፊ ጽንዓቱን ኣገልግሎቱን ዝተወሰነ ጊዜ ዝኾኑ ብልሓታት ፍልስፍናታት ፈጠራታትን እንተዘኮይኖም፡ በቶም ናይ ቅድሚ 2000ዓመታት ዝተሰርሑን ዝተፈጥሩን ጹኑዓትን ብኣገራሚ ብልሓትን ክእለትን ዝተስረሑ ዝወረስናዮ ምዕባሌ ዝጸንሓና ኢና ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘሎና።
ከም ኣብነት መስተንክርዝኾነብልሓት ፍላስፍናንፈጠራታትን ናይ ግብጻውያን፡ ግሪኻውያንሮማውያን...ወዘተ ምስ እንዝክር፡ ናይ ሎሚ ዘሎ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብጉልበት ክሰርሕን ክፈጥርንኣይከኣለን። እንታይደኣ በቲፍልስፍና ናይ በዓል ሶክራተስፈጠራ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለይ፥ማርኮኒ፡ ምሕደራታት ግብጻውያን ፎርዖናት ናይ ግሪኻውያን፡ ናይ ሮማውያን ናይ ንጉሳውን ቤተ ክህነትን ... ወዘተ ኣብ መጨረስታ ከኣ ናይ ለኒን ማርክስ ... ወዘተ ከማዕብል ወይ ከመሓይሽ ዝግበሮ ብሩህ ግብራዊ ምስክር እዩ።
ኮይኑ ግና ከምቲ እንነብሮ ዘሎና መዋእል፥ብሰንኪ ፖሊቲካውን ምጣኔሃብታውን ሕብረተሰባውን ዘይምዕሩይ ሂወት፥እቲ ብልሓቶም ወይ ፈጠራኦም ንሕና ናይ ሎሚ ደቂ ሰባት ወነንቲ ሓይሊ ስልጣን ኮና፡ነቲ ዝነበረ ፈጠረታት ናብ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ክንጥቀምሉ ህርድግ ንብል ኣሎና። ዋላ እኳ እቶም ዘለዉና ኪኢላታት ጸሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ደረፍቲ፡ መራሕቲ ገዛእቲ ምስ ኣታሓሳስቦኦምን ጥቅሞምን ኣዛሚዶም ነቲ ተረኽቦ ቁንጭል ቁንጭል ኣቢሎም ብረቀቕቲ ሜላታት ክትንክፍዎንከተግብርዎን እንተፈተኑ፡ ኣኸቲሎም እውን ክሳብ ብሓይሊ ብዓመጽ ከተግብርዎ፡ ወይ እውን ብዘሎዎም ትሕዝቶን ስልጣንን ጠውዮም ብኻልእ ከም ዝተፈጸመ ኣቅሪቦም፡`ኢደይ ሕጹብ ከም ፒላጦስ..`ክብሉ እንተፈተኑ ሓቅን ነቲ ተረኽቦን ዝተፈጸመሉ እቲ ቦታ መሬት እምኒ ገረብ ዋላ ክዛረብን ክጽሕፍን ዘይክእል ይምሰል፡ ወዲ ሰብ ብዘይተጸበዮ ብገለ ክዛረብ ወይ ክሕበር ከመልክት ክሳብ ክምስክር ይከኣል ስለ ዝኾነ ... ታሪኽ ግን ብፍጹም ኣይምሕርን እዩ።
ብተወሳኺ ከኣ ... `በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን`ዝብል ለባምን ብሩህንብሱልንምዕዶ ኣቦታትና ክንዝክር ንገደድ። ምኽንያቱ ህልዊ መሪር ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ኣሰካፊ ብዝሒ ዋሕዚ ዕሸላት መንስእሰያትንህይወቶም ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገና ክጠፍእእንዳረኤና ከም ዘይናትና ክንሰግሮ ወይ እውን ንዓና ከም ዘይምልከት ንስኻትኩም(ተቋወምቲ ዉድባት መራሕቲ..ወዘተ) ንሶም (ተቋወምቲ ዉድባት ማሕበራት) ኢልና ... ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ... ክንብል እንታይ ይበሃል?
ንሕና መን ኢና፥ብመን ኢና ንዛረብ ዘሎና ንዝክር ኣሎናዶ?ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ምዃና ንዝክሮዶ ኣሎና?ወይ እታ ሃገር ብመንዲያ ሃገር ትብሃል ?በይኖም ብዘይብኣና ወይ ንሕና ብዘይብኦም እታ ሃገር ክትህሉ፡ ክትስመ ትኽእል ዲያ? ከም ልሙድ ዝረኤን ዝስማዕን ክትምልከት ከሎኻ ሎሚ ህዝብና ጽምእት ናይ ለውጢ ስለ ዘሎዎ ዝመጸ ወይ ዝረአሓዲሽ ወረ ወይ ተርእዮ ፍጻሜ ብታህዋኽከይተመራመረ ይኽተሎ፡ ወይ ቅልጡፍ ሚዛን ወይ ፍርዲ ክህብ ይርኤ ይርከብ።
እዚ ኩሉ ስለምታይ ይጥቀስ ኣሎ ይበሃል ይኸውን፥ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምጥቃስሱ ድማሃለዋት ህዝብናን ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራንኣብመሪርንሓደገኛኩነታትተሳጥሖም ዘለዉ ብሓባር ኰና ክነድሕኖም ዘይምህቃንናሓደ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክልተ በላሕቲ ህሞት ፡ ምጀመርታ ንክብርን ድሕነትን ነብስና፥ድሓር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ካብቲ ተወዲቡ ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ከይተወደብ ዝዛረብ ዘማርር ዝኸስስን ዝፈርድን ዝጽበን ዘሎ ዳርጋ 99% ህዝብና ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ምንቃል ከኣ እምበኣርደቂስናተንሲኢናብምሕሳብ መልሱ ናበይ ወይ ካብ መን ምዃኑንምሃብኣዝዩ ዝሕርብት ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብሃየ እስኪ ብሓባር ብጽሞና ንሕሰበሉ ንማኸር ንዛተ። እቲ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ቃልሲወይ እውን ተመክሮ ሰውራ ዓቢ ዩኒቨርሲት ስለዝኾነ ኣበይ ተጋጊና ስለ ምንታይከተጋጊና ብኸመይ ፈቲሕናዮ እንታይ ከሲርና እንታይ ከሲብና ስለምንታይ ዝብሉ ብህድኣት ብጽሞና ብምክእኣልንምክብባርንብጎደና ልዝብንዘተንንሲኒት ነዕብያ መድሕን ሃገርናን ህዝብናን ክብርናን ልዕላውነትናን፡ እዋናዊ ትጽቢትን፡ ድሌትን፡ መልእኽትን፡ ዉጹዕ ጽኑዕ ህዝብና ምእንቲ ክዕወትን ክሰምረልናን ብቅንዕና ንጋደል። ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ ኤርትራዊ ሓወይ ሕብተይ ኣንዓሹ እቲ ሕቶ ንዓና እዩ ዝሓተና ተመሊሹ...ከመይ ንዝብል ኩሉ ናትና፡ ካብና፡ ብኣና፡ ንዓና፡ ስለ ዝኾነ ነብስና ክንሓትት ክንልውጥ እምነ ኩናዕ ናይ ዕላማና ይኹን።
ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ !!! በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!
ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ።
ንኩነታት ተቐዳዲምካ ምምዛንን ቅድመ-ፍርዲ ምሃብን ዝኸፈአን ዓንቃፍን እዩ። ብፍላይ ከኣ ካብ ናትካ መዐቀንን ግንዛበን ጥራይ ምምርኳስ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኩነታት ኣብ ክንዲ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መርትዖታት ቀሪብካ ገምጋም ምሃብ ብባዕላውን ውልቃውን ሚዛናት ምሃብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ እወንታውን ኣሉታውን ደዋዊስካ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ብናይ ትማሊ ብምዕቃን ሚዛን ትህቦ እሞ ናብ ቅኑዕ ዲዩ ወይ ናብ ግጉይ ፍርዲ ከብጸሓካ ኣብ ዘይትርደኣሉ ደረጃ ትበጽሕ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምና ወይ ንሓቂ ጓሲና ብታህዋኽ እንህቦ ፍርዲ ይኹን ሚዛን ሃስያ ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ብዛዕባ ኩነታት ኣቐዲምና ክንዛረብን ነቲ ኩነታት ከምድላይና ገርና ክንገልጾ ከሎናን ኣብቲ ዝመጽእ ኩነታት እንታይ ኣሎ እንታይከ ክህሉ ይኽእል ኢልና ክነመዛዝን ናይ ግድን ይኸውን። ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ነቲ ናትና ዝመሳሰል ይኹን ሓዲሽ ነገር እንተልዩ ኣቐዲምና ክንመሚ ድማ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎን ሓዲሽ ምዕባለን ካብቲ ከባቢና ወጻኢ ዝተራእየ እንተሎን ኣመዛዚና ነቲ ዘሎ ወይ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበሃል ሚዛናት ወይ ፍርዲ ክንህብ ብዙሕ ዘጸግም ኣይከውንን።
እቲ እንህቦ ሚዛናት ይኹን ገምጋም ሃናጺ ወይ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሃናጺ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ጠቓምን ሓጋዝን ዝኾነ መደብ ምስ ዝህልው እዩ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ሽግራት ከጋጥሙ እንከለዉ መብዛሕትኡ እዋን በቲ ኣብ መጀመርታ ዝረአ ውልቃዊ ስምዒት እዩ ዝጥመት ወይ ዝግምገም። ኣብ ከምዚ እዋን ነቲ ኣብ ኣእምሮና ንቐርጾ ስእሊ ናይቲ ክነቕርቦ እንደልዮ ፍታሕ ኣብ ክሊ ከባቢና ተሓጺሩ እዩ ዝውሰን። እዚ ከኣ ዓይንና ኣብ ክንዲ እንተላይ ንዝረሓቐ ምጥማት በቲ ኣብ ጥቓና ንዘሎ ጉዳያት ጥራሕ ንኽነድህብ ንውሰን ወይ ተሓጺርና ንተርፍ። ስለዚ ውልቃዊ ህይወትና ድሒሩ ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ኩነታት ምትእስሳሩ ዘይተርፍ ስለዝኾነ ካብቲ ዘሎና ስምዒትን ተረድኦን ነቒልና ክንትንትን ከሎና ንዝሰፍሐ ኩነታት ኣብ ምግላጽ ንጽገም።
ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሽግራት ኩሉ ግዜ ባህርያዊ ኣይኮነን። ማለት ኣብ ምዕባለ ብማሕበራዊ ዝተሃንጸ ወይ ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኪኖ ጽባሕ ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዝምልከት፡ ቄናን ፍርዲ ንህብ እሞ ኣብ ንስምዒትና ዝገዝኡ ነጥብታት ጥራይ ብምድሃብ ነቲ ክኸውን ዝግበኦ እወንታዊ ጉዳያት ንዝንግዖ። ስለዚ ውልቃዊ ድሌታትናን ስምዒታትናን ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ነዚ ዝሕግዝ ቅኑዕ ቅርጻን ክወሃሃድ ስለዘይክእል ኣብ ምናልባታት ኣቲና ነቲ ሰናይ ገዲፍና ናብቲ ኣሉታዊ ገጹ ጥራሕ ክንሓስብ ንደፋፋእ። ስለዚ ካብዚ ኣካይዳዚ ክንወጽእ ይግበኣና። ካብዚ ክንወጽእ እንተዘይክኢልና ግና ምዕቡል ኣተሓሳስባን እወንታዊ ውጽኢትን ክንስእን እዩ ዘገድደና።
ብመሰረቱ ኣብ ባዕላዊ ዝኾነ ባህጊ ወይ ግምት እንህቦ ሚዛን ናብቲ ጭብጣዊ ዝኾነ ነገራት ወይ ጉዳያት ዝመርኰስ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ካብ ናትካ እምነት፡ ርእይቶን ወይ እውን ውልቃዊ ምርጫኻ ተላዒልካ እትወስዶ ምርጫ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ውልቃዊ ትዕዝብቲ ዘይፍለ ብምዃኑ ቅኑዕ እዩ ወይ ግጉይ እዩ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ወድዓዊ ዝኾነ ግና ኣብ ባዕላዊ ስምዒት ጥራይ ዘይሕጸር ሚዛን ኮይኑ፡ መግለጺ ናይቲ ጭቡጥ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ ናብ ከብለካ ዝኽእል መረጋገጽን መርትዖታትን ዝውከስ ብምዃኑ እቲ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ እዩ ወይ ኣይኮነን ንኽትብል የኽእለካ።
ኩሉ ግዜ ካብናይ ገዛእ ነፍስና ተመኲሮ ጥራይ ምስ እንነቅል፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ጭብጣዊ መረጋገጺ ክተቕርብ ስለዘይትኽእል ናይቲ ዘንቀድካዮን ዝሓሰብካዮን ውጽኢት እዚ እዩ ውጽኢቱ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምናዮ ባዕላዊን ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኰሰ ፍርዲ ክንፈርድ ምስ እንጅምር ምናልባት ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበናዮን ዝመዘንናዮን ዘይከኸውን ስለ ዝኽእል ነቲ ንጽበዮ ውጽኢት ኣቐዲምና ብኣሉታዊ ትንቢት ክንቅድሞ የብልናን።
ንኩነታት ቀዲምና ክንትንትን እንተ ኮይና፡ መርትዖታት ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን ከምኡ እውን ካብ ኣሉታዊ ሚዛናት ዝያዳ ንእወንታዊ ትጽቢት ዘንጸባርቕ ክኸውን ድማ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ብዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመኩሮ ጥራሕ ተመርኲስካ ንመጻኢ ብኣሉታ ምግምጋሙ ነቲ ጸጽቡቑ ጸቒጥካ ከም ምሕላፍ እዩ ዘስምዕ። እቲ ካብ ሕጂ ክንከዶ ዝግበኣና መስርሕ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኩለን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ ናይ ዘተ መኣዲ ዝግበር እውን ዝዓበየ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ ህሞት ዝካየድ ምይይጥ ወይ ዘተ እቶም ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ነጥብታት ብምትንታን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እንተ ቅድሚ ሎሚ ተፈቲኑ እንዲዩ እሞ ነቲ ዝተፈተነ ገዲፍካ ካልእ ሃሰውሰው ምባል እንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደ ፈተነታት ብሃታሃታ እምበር ብመጽናዕትን ተመኲሮኣዊ ዳህሳስን ዝተሰነየ ኣይነበረን። ከከይተበገሰ ኣብ ክኹለፍ ዝጸነሓሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ስንኩፍ ኣበጋግሳኡ እዩ። ንብሕጂ እውን እቲ ቅኑዕ መንገዲ፡ ንጉዳያት ግዜ ሂብካ፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ጉዳይና ጉዳይ ብዙሓት ምዃኑ ተቐቢልካ ብዝካየድ መጽናዕቲ እምበር፡ መጽናዕትን ወኸሳን ዘይብሉ ብህዉኽ ኣካይዳ ምኻድ ኣብ ቅኑዕ ባይታ ኣየርግጸናን እዩ።
ድራር መንታይ
ዎርክሾፕ ቃልብቃሉ ሓደ ኣቚሑት ዝስረሓሉ፡ ዝዕረየሉ ወይ ዝጽገነሉ ህንጻ ወይ ክፍሊ ማለት እዩ። በቲ ካልእ ትርጉሙ ድማ ውሱን ቁጽሪ ሰባት ወይ ጉጅለ ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ወይ ፍጻመ ጽዑቕ ክትዕ ወይ ምይይጥ ዘካይድሉ መድረኽ እዩ። እዚ ብፍላይ ብናይ ተመክሮታት ምልውዋጥ ኣቢልካ ፍታሕ ንናይ ገለ ግድላት ወይ ሽግራት ዝርከበሉ ወይ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ኣጋጣሚ ማለት እዩ። ዎርክሾፕ ዕላማ ኣለዎ። ማለት ብዛዕባ እንታይ ተጽንዕ ወይ እንታይ ክትመሃረሉ ትኽእል ብከመይከ ምስ ካለኦት ኣብ ሓባራዊ ተረድኦታት በጺሕካ ናይ ሓባር ሽግራት ተፈትሓሉን ሃናጺ ሓሳብ እትረኽበሉን ኣብ ግምት ዘእቱ ስለዝኾነ።
ኣብዚ ዎርክሾፕ ዝካፈሉ ኣካላት ማለት ብዝሒ ተሳተፍቲ ምውሳን ከከምቲ ዓይነት ኣርእስትን ውጥንን ዝኸይድ እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ሽግር ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለመ እንተኾይኑ፡ ካብ ዓሰርተ ሰባት ዘይበዝሕ ቊጽሪ ክሳተፎ ዝሓሸ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ፈትፊትካ ንምግላጹን ህዱእ ክትዓት ንምክያድን ግዜ ከይወስድካ ንምርድዳእ እውን ቀሊል ይኸውን። ትምህርቲ ንምቕሳም እንተኾይኑ ልዕሊ ዓሰርተ ማለት ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ክኽውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ ልዕሊ ሓምሳ ሰብ እንተኾይኑ እቲ ክትዕ ላዛ ዘለዎ ኣይከውንን፥ ግዜ እውን ኣይቁጥበልካን እዩ። እንተ ደኣ ተሳተፍቲ ኣዝዮም በዚሖም ናብቲ ቁምነገር ከይኣቶኻ እቲ ግዜ ይባኽን ማለት እዩ። ኣብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ሓደ ሰብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ስዓት ክዛረብ እንተኾይኑ እቲ ግዜ ኣይኣኽለካን እዩ።
ስለዚ እዩ ዎርክሾፕ ኩሉ ግዜ ብውሑዳት ሰባት ክካየድ ዝምረጽ። ካልእ ጉዳይ እውን ነቲ ቁጠባ ማለት ናይ ተሳተፍቲ መደቅስን መግብን ክራይ ኣዳራሽን ካልእ መሳለጥታትን ኩሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ስለዚ ነቶም ዝዕደሙ ተሳተፍቲ ዝምልከት እቲ ዓዳሚ እዩ ዝውስን፡ እዚ ከኣ ብመጠን እቲ ትሕዝትኡን፥ ነቲ ተደልዩ ዘሎ ኣርእስቲ ንምህብታሙን ዝምጥን ቁጽሪ ሰባት ይውስን። ንግዜ ኣብ ዝምልከት ዎርክሾፕ መብዛሕትኡ እዋን ካብ ክልተ መዓልቲ እንተ በዝሐ ከኣ ንሰሙን እምበር ካብኡ ንላዕሊ ኣይቅጽልን እዩ።
ዎርክሾፕ እምበኣር ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምኡ እውን መብርሂ ዘድልዮ ጉዳያት ንምብራህ ክእለትን ሜላን ዝሓወሰ ኮይኑ ናብ ናይ ግዝኣተ-ሕጊ፥ ዲሞክራሲ፥ ኣብዝሓ ባህልታት፥ መሰል ደቂሰባት ወይ እውን ጉዳይ መሬት፥ ቋንቋ፥ __ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣርእስትታት ኣልዒሉ ካብ ተመክሮታት ኣዋህሊሉ ምስቲ ዘሎ ሽግራት ዝመሳሰል ኮይኑ ናይ ፍታሕ ኣንፈት ንኽርከብ ዝጋባእ እዩ።
እዚ ካብ 13-11-2015 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ዝከያድ ዘሎ ዎክሾፕ እምበኣር ነዚ ዝዓለመ እዩ፡፡ ከምቲ ኣብቲ ዕላማኡ ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ናብ ምይይጥ ዝወርድ ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ተዘዚሩ ኣሎ። ነዚ ንምግባር ከኣ እቶም ዕዱማት ብኸመይ መጺኦም መንከ ዓዲምዎም ብዙሕ ዘገድስ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተኣኪቦም ተመያይጦም ካብቶም ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ትምህርቲ ክቐስሙን ንዘሎ ሽግራት ከኣ ብከመይ ክፍታሕ ይክኣል ክላዘቡን እምበር ብግዲ ኣብዚ ዎርክሾ ንዘይነበሩ ኣካላት ኣመንጊጎም እዚ ጥራይ እዩ እቲ ፍታሕ ክብሉ ኣይኮኑን። እንታይደኣ እቲ ዝብጻሕ ፍታሕ ናብቶም ዘይተሳተፉ ግና ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ይዝርጋሕ እሞ ድሕሪኡ ኣብኡ ርእይቶ ዘለዎ ርእይትኡ ምስ ወሰኸሉ፡ ዝያዳ ተሳተፍቲ ብዝሓወሰ ናይ ሓባር ኮንፈረንስ ዝያዳ ምህብታሙን ምስፍሑን ይከኣል።
እዚ ዎርክሾፕ ውሑዳት ውድባትን ማሕበራትን ጥራሕ ዲየን ዝካፈለኦ ዘለዋ። ስለምንታይከ እተን ካልኦት ዝይተዓደማ? ኢልካ ምሽቓል ብዙሕ ዘድሊ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እዘን ተዓዲመን ዘለዋ ኣካላት ብዛዕባ እቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ከፍጠር ዝኽእልን ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎን ኩነታት ብግቡእ ዳህሲሰን እንተ ተመያይጠን እሞ ኣብ ገለ እወንታውን ጭቡጥን ዝኾነ ሓሳብ እንተበጺሐን ረብሓኡ ኣብተን ዝተሳተፋ ኣካላት ተደሪቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። እቲ ዝተበጽሐ ጭቡጥን እወንታውን ሓሳብ ነቲ ዘሎ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ግደ ክህልዎ ከምዝኽል ምስተራእየ፡ ምስቲ ኣብቲ ዎርክሾፕ ዘይተኻፈለ ኣካላት ከኣ ተመሊሱ ይዝረበሉ። ሽዑ ከኣ እቲ ካብ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዝካፈለኦ ኮንፈረንስ ወዲብካ ኣብ ሓደ ሓባራውን ውዱእን ኩሉ ዝሰማማዓሉን ናይ ፍታሕ ሓሳብ ይብጻሕ። ብድሕር’ዚ እቲ ሓባራዊ ተረዶን ሓባራዊ ስምዒትን ይዕምብብ እሞ እቲ ሎሚ በዂሩ ዘሎ ምትእምማን ምስኡ ይረጋገጽ። ተኣማሚንካ ናብ ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ክትኣቱ ከኣ የተባብዕን ዕድል ይኸፍትን። ስለዚ ዎርክሾፕ ኩሉ ግዜ ነቲ ድሒሩ ዝመጽእ ባይታ ናይ ስኒትን ምርድዳእን ዝምድምድ እምበር ጐስዩ ዝሓልፍ ኣይኮነን።
ድራር መንታይ
14 ሕዳር 2015
ዝኾነ ይኹን ሕብረትሰብ ኣብ ክሊ ቤተሰቡ ይኹን ወጻኢ ሽግራትን ጸገማትን ከጋጥምዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ሽግራት ናብ ግርጭት ከብጸሑ ወይ ከየብጽሑ ይኽእሉ። ኣብቶም ሰባት ዘሎ ኣተሓሳስባ እቲ ተረኽቦ እንተስ ናብ ግርጭት ክበጽሕ ወይ ዘይክበጽሕ ዝውስን እዩ። ብመሰረቱ ክረአ እንከሎ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት እዩ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ግርጭት ይኹን ፍልልያት እንተስ ዘዕሙቖ ወይ ዘደቅሶ። ኣብዚ ነቲ መንቀሊ ናይቲ ግርጭት ካብ ኩሉ ዝምባሌታትን ድሑር ኣተሓስስባን ካብ ውልቃዊ ረብሓን ናጻ ኮይኑ ኣዕሚቑ ክፈልጦን ክርደኦን ምስ ዝበቅዕ እዩ ሰላም ዝርከብ። ባዕላውነትን ኣነ ጥራይ እየ ፈላጥ በሃልነት ግና ጉዳያት ኣብ ምህዳእ ምስሕሓባት ሓገዝቲ ኣይኮኑን።
ህዝቢ ኤርትራ፥ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ነዛ ክብርቲ ሃገሩ ክረክብ ከንደይ ዘይደመየን፥ ዘይነደየን። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ መስርሕ በብግዚኡ ካብ ውልቀሰባት ተብጊሱ ብዝፍጠር ሽግራት፡ ፍልልያትን ዘይምስምመዓትን ዘምጽኦ ምጥርጣራት ይሽገር ነይሩን ኣሎን። ምኽንያቱ ክሳብ ሎሚ እቲ መርትዖታት ወይ መረጋገጺታት በቲ ልምዳዊ ተርድኦና ስለዝጽለዉ ንዕኦም ወጊና በቲ ናትና ሓሳብ ክንከይድ ኣብ ምፍታን ዝፍጠር ጸገማት ስለ ዝህሉ።
ንሓሳብ ብሓሳብ ኣብ ክንዲ ምምካት ኣብ ዘየድልን ዘይነበረን ኣቲኻ፡ ነቲ ንስኻ እትደልዮ ዝያዳ ሚዛንን ክብደትን ክህልዎ ኣብ ናይ ኣውራጃዶ ናይ ሃይማኖትዶ ወይ’ውን ናይ ቀቢላ ምስምስ ትኣቱ እሞ ጉዳያት ካብ ዓቐኖም ንላዕሊ ይምጠጡ። እዚ ከኣ ናይ ሰባት መሰረታዊ ናይ ሓሳብ መንቀሊ ኣብ ምብላሕ ግደ ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ። ከመይሲ ነቲ ሃገራውን ትሕተ ሃገራውን ኣተሓሳስባ ፈላሊኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ነቶም ናይ ትሕተ ሃገራዊነት ሓሳባት ምስቲ ሃገራውነት ትደዋውሶ እሞ ናብ ክዕረቕ ዘይክእል ቅርሕንትን ፍልልያትን የእትወካ።
ንጉዳያት ብግቡእ ክንመዝን እንተንኽእል፡ ነቲ ዘጋጥም ፍልልያት ይኹን ዘይምትእምማን ጠንቂ ዝኾኑ ጉዳያት ገላሊህና መፈለጥናዮም’ሞ ፍታሕ ክርከብ ምተኻእለ። ኣቦታትና እኮ ሓቂ ስለዝዛረቡን ጉዳያት ስለ ዘይሓብኡን ኣዮም ክሳብ ናይ ቅትለት ገበናት ብሰላማዊ መንገዲ ዘደቓቕሱ ዝነበሩ። ምስ እዚ እውን ፍትሒ እትብል ቃል ኩሉ ግዜ የተግብርዋን የኽብርዋን ነይሮም። ዋላ እቲ በዳሊ ብስጋ ሓዎም ወይ እውን ወዲ ርባኦም ይኹን ነታ ፍትሕስ ፈጺሞም ኣድልዎ ብዘይብሉ ኢዮም ዘተግብርዋ ነይሮም። ተሓቢእካ ምዝራብ ይኹን ዓባቢጥካ ምኻድ ባህርኦምን ልምዶምን ኣይነበረን። ቅኑዕ ዘይኮነ ዘረባ ክዝረብ ከሎ ሓደ ብድድ ኢሉ ‘’ ኣይፋልካን ኣቶ እገለ ወይ ወይዘሮ እገሊት ፥ ኣይከምኣን እያ’’ ብምባል እዮም ነቲ ብጌጋ ዝተዛረበ ዝእርም እምበር ከምዚ ናይ ሎሚ ኣልዕል ኣቢሎም ንሰብ ኣይዝንጥሉ፡ ኣየካፍኡን ኣይጻረፉን።
ኣቦታትና ጭብጢ ይኹን ምስክርነት ዘይብሉ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ክዛረቡሉ ፈጺሙ ነውሪ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሊሶም’ዮም ነቲ በሃሊኡ ዝገንሕዎ ዝነበሩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ነዚ ጽቡቕ ስነ-ስርዓት ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ኣየስተማቐርዎን። በኣንጻሩ ነቲ ዝነበረ ዝድምስስን ኣብ ክንድኡ ዘመን ኣምጸኦ ጠባያት ብምኽታል ስልጣኔ ያኢ ኮይኑ ንታሪኽ ኣቦታትካን ኣዴታትካን ምንእኣስን ምጽራፍን እዮም ቀሲሞም። ሓደ ካብቲ ሽግርና እምበኣር እቲ ዝነበረና ሰናይ ስነምግባርን ስነ-ስርዓትን እናኣጥፋእናዮ ብምምጻእና እቲ ሓድሕድካ ምድምማጽን፥ ምክብባርን እውን ምስኡ እናተሓኸኸ ስለዝመጸ በብዓይነቱ ኣብ ሕድሕዱ ዘይናበብ ሕብረትሰብ ኰይንና ኣሎና።
እቲ ካልኣይ ክፍወስ ዝግበኦ ሕማም ከኣ ኮነ ኢልካ ንሰብ ንምጥቃንን ንምጽላምን ንዘይተባህለ ከምዝተባህለን ንዘይተገብረ ከምተገብረን ጌርካ ምውራይን ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መንቀሊ ግርጭትን ፍልልያትን ኮይኑ ኣብ ናይ ሰላም መኣዲ ከይንኣቱ ዓጊቱና ኣሎ። ገሊኡ ጉዳያት ሃገርን ሃይማኖትን፥ ሃይማኖትን ህዝብን፥ መንግስትን ሃይማኖትን ኣተኣሳሲርና ክንጎዓዝ ሕዂ ስለእንብል ነቲ ውጹዕ ዜጋ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ወጽዓኡን በደሉን ነድህብ ምስ ሃይማኖቱን፥ ቀቢሉኡን ኣተኣሳሲርና ናብ ዘየድሊ ፍታሕ ዘይርከቦ ህውተታ ንኣቱ። ንኣብነት ሓደ ኣመሓዳሪ እስላማይ እንተኾይኑ እቲ እተወጸዐ ክርስትያን እንተኾይኑ እዚ ብዓይኒ ፍትሒ ደኣ እምበር ንመላእ እስላም ከም ጨቋኒ ገርካ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምኡ ኣውን በቲ ሓደ ሸነኹ ማለት እቲ ኣመሓዳሪ ክርስትያን እንተኾይኑ እቲ እተወጸዐ ከኣ እስላማይ እንተኾይኑ፥ ብስም መላእ ክርስትያን ከምዘይኮነ ክነስተብህለሉ ይግበኣና።
ካልእ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ድማ ገሊኡ ኣብ ውሽጥኻ ሓቢእካ ብኣፍካ ካልእ ምዝራብ እውን ሓደ ካብቲ ግዙፍ ጠንቂ ናይ ክፍትሑ ዘለዎም ግጉያት ኣተሓሳስባታት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንረብሓ ኩሉ ንህዝብናን ሃገርናን ዝጠቅም ብሓባር ኮይና ክንሓስብ ዘይምኻኣልና እዩ። ኣብ ክንዲ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ነቲ ድኽመታትና ብመገዲ ጸቢብ ስምዒታት ኣቢልና ክንዕወት ዝብል ሓሳብ የጥቀዓና። እዚ ከኣ ብግዲኡ ነቲ ክጸንዕ ዝግበኦ ዝምድናናን ምትእስሳርናን የላሕልሖ እሞ ኣብ ደረጃ ዘይምትእምማንን ሕነ ምፍዳይን ኣብጺሑ ብዛዕባ ቅኑዕን ቀጻልን ፍታሕ ንኸይንሓስብ ይገትኣና። ካብዚ ሓሊፉ ብቦታ ድዩ ብእምነት ንዝልለይ መግለጹ ብዙሕነታዊ መልክዕና ክኸውን ዝግበኦ ፍልልይ ውልቃዊ መጣቐሚ ክትገብሮ ምፍታን ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንምርሕሓቕ ዘራጉድ ኮይኑ እቲ ሽግር ምስቲ ቅርጻ ናይ ሃገርነት ክወሃሃድ ወይ ክሓብር ብዘይምኽኣሉ እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ድማ እቲ ናይ ፍርሕን ጥርጠራን ናብቲ ነዛ ሃገር መን በሓታ ዝብል ዝይሃናጺ ውድድር ዘምርሕ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣብ መንጎ ዓሌታት ድዩ እምነታት ዝካየድ ቃልሲ ነቲ ዘመናዊ ቅርጻ መንግስቲ ስሒቱ ናይ ጸቢብነት ኣዕናዊ ኣፍደገ ይኸፍት። ነናብ ዓሌትካን እምነትካን ምድላው ይረአ እሞ፡ እቲ ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ ንጽቡቕ ምስልና ዝገልጽ ብዙሕነትና ይድወን። ስለዚ ንዘለና ኣብ ቦታዊ ኣቀማምጣ፡ ኣብ እምነትን ተመኩሮን ዝሰረተ ፍልልያትና ብግቡእ ከነመሓደር ዘይምብቃዕና፡ ሓደ ካብ መንቀልታት ጸገማትና ምዃኑ ተኣሚና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ክንምለስ ይግበኣና። ነቲ ናይ ሃባርና ናይ ውሱናት ንገብሮ ኣይግበኣናን።
ድራር መንታይ
12 ሕዳር 2015
ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኣኤርትራ ዝጸወዖን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዘለዉ ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ብ7 ሕዳር 2015 ብኤለክትሮኒካዊ መንገዲ ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባ ዝመረሐ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ናይቲ ቤት ጽሕፈት ሓላፍን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቐዲሙ ሰፊሕን ኣገዳስን መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ቀንዲ ዕላምኡ ዓመታዊ መደብ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ምስ ተሳተፍቲ ኣኺኣብ ምልላይን ግደ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትግባሩ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ንምንጻር ዝነበረ ኣኼባ፡ ሓው ተስፋይ ኣቐዲሙ መሰረታዊ መትከላት ሰልፊ ኣብሪሁ።
ሓው ተስፋይ ኣብዚ መግለጺኡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ዝወሰኖም ኣገደስቲ ፖሊሲታት ኣብሪሁ፡ ኣተሓሒዙ ድማ እዞም ጉባአ ዝሓንጸጾም ፖልሲታት፡ በቲ ልሙድ ተሳትፎን ተወፋይነትን ኣባላት ሰልፊ ተተግቢሮም ኣብ ፍረ ከም ዝበጽሑ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ቀጺሉ ድማ እቲ ናይ ዓወት ወሳኒ ናይቲ ሰልፊ ኣባል ምዃኑ ምስ ገለጸ፡ እዚ ቤት ጽሕፈት እቲ እንታይ ዓይነት ዓቕሚ ከም እንውንን ኣብ ምውሳን ዓብይ ግደ ስለ ዘለዎ ኣገዳነት ናይቲ ኣኼባ ቀሊል ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ኣብቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ብምእታው ድማ ሓው ተስፋይ፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ኣብ መዳያት፡ ምምሕዳር፡ ምልመልን ምንቕቓሕን፡ ስርርዕን ምስፋሕ ኣባልነትን፡ ሓድነት ሓይልታት ደለይቲ ፍትሒ ብዛዕባ ምዕኳኽ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይን ምድላው ንመጻኢ ግዜን ሓፈሻዊ ጉዳያትን ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ብዝምልከት ብምምሕዳራ ናይቲ ቤ/ጽ ተተሊሙ ብዛዕባ ዘሎ ስረሓት ዝምልከት ዓሚቕ ዝርዝራዊ መብርሂ።
ድሕሪቲ ንጹር መግለጺ ናይ ሓው ተስፋይ መድረኽ ንሕቶ፡ ርኢቶን ለበዋትን ክፉት ምስ ኮነ ድማ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት ቀሪቦም መትከላትን ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሃን ናይ ሰልፊ መሰረት ብምግባር ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎም። እቶም ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ብመሰረቱ ከምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ኣኼባ ምውዳቡ ንኢዶም ኣብቲ ሓው ተስፋይ ዝሃቦ መብርሂ ዕጉባት ምዃኖም ድማ ኣብሪሆም። ዋላ’ኳ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ናይቲ ኣኼባ ቀንዲ ኣጀንዳ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ዘተኮረ እንተነበረ፡ እዚ ኣኼባ ጠቐምትን ተዛመድትን ሰልፋዊ ጉዳያት’ውን ይለዓሉ ነይሮም። ምድልዳል ሰልፋዊ ሓድነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ኣድላይነት ምእዙዝነት በብደረጃኡ ንስወጹ ፖሊሲታትን ውሳነታትን፡ ወሳኒ ብጽሒት ተሳትፎ ኣባላት ኣብ ምሕያል ሰልፊ፡ ካብቶ ሰፊሕ መብርሂ ዝተዋህብሎም ጉዳያት ኮይኖም፡ ኣብ ዝርዝራዊ ኣፈጻጽማ ዓመታዊ መደባት ቤ/ጽ ውደባዊ ጉዳያት ዘተኮሩ ዝርዝር ጉዳያት እውን ተላዒሎም ደቂቕ መብርሂ ተዋሂብዎም። ኣብዚ ሰልፋዊ ሓልዮትን ግሉጽነትዝ ዝተንጸባረቐሉ ኣኼባ፡ ኣብ መጻኢ ስረሓት ዝሕግዙ ግንዛበታት ከም ተንጸባሪቐ ድማ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ እምነት ነይሩ። ነቲ ኣኼባ ዘመሓደረት ሓውቲ ኣድያም ከኣ ኣበርክቶኣ ዝነኣድ ነይሩ።
8 ሕዳር 2015
መንግስቲ ኣስመራ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ሎምስ ነቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ዘተስፍዎ ዝነበረ ገዲፉ ናብ ሕጋዊ ከትሪ ወይ ሽፍትነት ቀይርዎ ይርከብ። ኣብዚ ስዓት እዚ ወግሐ ጸብሐ ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ጅሆ ሒዙ ይኹን ኣታሊሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣእትዩ ይረግጾን ይድህኮን እምበር ንራህዋኡን ቅሳነቱንሲ ሓሲቡሉ’ኳ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ሎሚ ምህርትና ንዝመጽእ ዓመት ብዝያዳ ክብ ክብል፡ ህዝቢ እውን ናብርኡ ከመሓየሽ’ዩ እናበለ፥ እታ ዓመት ግዚኣ ኣእኪላ ሓዳስ ዓመት ደበኽ ምስ በለት ከኣ ዘውጻእናዮ ውጥን ብግብሪ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣየምጸአን እናበለ ከታልልን ክቕሽሽን እነሆ ዓመታት ኣቚጺሩ። ሎሚ እውን ከም ኣመሉ ብሓዲሽ መልክዕ ናይ ገንዘብ ምቕያር ዝብል ኣዋጅ ኣውጽኡ ኣሎ።
ነቲ ባዕሉ ዝረመሶ ቊጠባ ሃገር፡ እነሆ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዝብ ብልሽውና ዝመልኦ ኮይኑ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ዘስዓቦ ከቢድ ሕጽረት ኣብ ሸርፊ እውን ክብን ለጠቅን ከምዝብል ገይርዎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ናቱ ቁጠባዊ ትካላት እውን ከምቲ ዝድለ ከፍሪ ኣይከኣለን። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ፈጢርዎ ዘሎ ቊጠባዊ ማዕቀብ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ወፍሪ ርእሰማል ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ብምእታው፥ ንብሕታውያን ሰብ ገንዘብ ከምመጠን ገንዘቦም ኣብ ወፍሪ ከይኣትዉ ዓጊቱ ዓዲ ስለዘውዓሎ እዩ። ወረ ሎምስ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ነቲ ንግዲ ይኹን ንኻልእ ኣገልግሎት ዝወሃብ ፍቓድ ክሳብ ምኽልካል በጺሑ ኣሎ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ እቲ ገንዘብ ኤርትራ ክዋፈር ይኹን ላዕልን ታሕትን እናበለ ኣብ ዕዳጋታት ይንቀሳቐ ስስለዘየሎ ኣብ ኢድ ውሑዳት ተገቢቱ ከምዝተርፍ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ኢየን ሃገራት ነቲ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዘሎ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ባጤራ ምቕያር ኣዋጅ ዘውጽኣ፥ ሓንቲ ካብአን ድማ እናሃለ ኤርትራ ኮይና ኣላ።
እቲ ኣዋጅ ብሕጋዊ ሸፈጥ ኣሳቢቡ ‘’ሕጋዊ ምልክታ’’ ብዝብል ናይ ባጤራ ምቕያር ናይ ነፍሲ ወከፍ ጁባ ክጉሕጉሕን ንዘሎ ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ከእቱን ናይ ከትሪ ወይ ሽፍትነት ተግባር ተተሓሒዝዎ ከም ዘሎ እዩ ዝእምት። ልክዕ እዩ ባጤራ ንምቕያር ዝነበረ፡ ዘሎን ንመጻኢ’ውን ዝህሉን እዩ። እቲ ዓብይ ሕቶ እምበኣር ስለምንታይ እዩ ባጤራ ንምቅያር ተደልዩ? ዝብል እዩ። ደሓር ከኣ ባጤራ ብሓዲሽ ይተካእ ኣይተካእ ኣብ ቁጠባዊ ትንሳአ እታ ሃገር እንታይ ዓይነት ኣስተዋጽኦ ክህልዎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ እውን ኣድላዪ እዩ። እቲ ዘሎ ጉድለት ኣተሓሕዛ ገንዘብ ቅኑዕ ምሕደራ ብምፍጣር እምበር ብምቕያር ባጤራ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ገንዘብ ኤርትራስ ናበይ ምስወጸ እዩ ናይ ዋሕዲ ገንዘብ ጸገማት ክፈጥር ዝኽእል? ዝብል እውን ንገዛእ ርእሱ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ። ካልእ እውን ምኽንያት ናይ ገንዘብ ምቕያር ክኸውን ዝኽእል እቲ ቁጽሪ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ብሓደጋ ሓዊ፥ ማይ፥ ከሚካላዊ ቀመማት ተጠቒዑ ምስ ዝጐድልን፡ ከምኡ እውን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ መሬት ደፊኑ ዝሓዞ ዝተበላሸወ ገንዘብ ምስ ዝህሉ እዩ። እዚ ኩሉ ግና ኣብ ኤርትራ ኣይተራእየን እሞ እቲ ናይ ምቕያር ገንዘብ ንኻልእ ጉዳይ ዝውዕል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ኣዛራቢ ዝኸውን፥ እቲ ኣተገባብራ መስርሕ ምቕያር ባጠራ ዝወስዶ ግዜን ዝኽተሎ ኣገባብን ክምዘን ከሎ ንምምንዛዕ እምበር ንረብሓ ህዝቢ ክውዕል ዝብል ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ከም ድላዩ ከይነግድ ቁጠባዊ ማሕንቖ ገይሩ ኣጊድዎ ዘሎ ከይኣኽሎ እንደገና ድማ ነተን ዘለዋኦ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ክጭብጠን ይደናደን ኣሎ።
እቲ ናይ ምቕያር ባጠራ ናይ ግዜ ገደብ ከኣ ኣብ ሽዱሽተ ሳምንታት ጥራሕ ክውዳእ እዩ ተሓንጺጹ ዘሎ። እቲ ኣውራ ብጉርሕን ሽርሕን ዘቕቢቡ ዘሎ መደብ ከኣ ነዘን ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ ክልተ ከፊልወን ምህላዉ እዩ። ቀዳማይ ክፋል ክልተ ሰሙን ካልኣይ ክፋል ድማ ኣርባዕተ ሰሙን ተባሂለን ኣለዋ። በታ ቀዳመይቲ ክንጅምር ማለት ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ዝኾነ ይኹን መጠን ገንዘብ ኣብ ባንክ ሕሳብ ከእቱ ይኽእል ይብል። ኣብተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ሳምንታት ከኣ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ዘይበዝሕ ናብ ባንክ ሕሳብ ከእትዉ ወይ ክቕይር ይፍቀድ ይብል። ኣብዚ እነሀልካ ናይ ከትሪ ወፍሪ ብሕጋዊ ምልክታ ኣመሳሚስካስ ገንዘብ ሰብ ኣብ ጁባኻ ምምላእ።
መጀመርያ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ሽድሽተ ሳምንታት ስለምንታይ ሓጺሩ ዝብል ኣተሓታቲ እዩ። ነዚ ዘራጉድ ከኣ እቲ ነተን ሽድሽተ ሳምንታት ኣብ ክልተ ምኽፋለን ንገዛእ ርእሱ መግለጺ መደብ ናይ ዝምታ ምዃኑ ዝእምት እዩ። ምኽንያቱ ኣብተን ክልተ ሳምንታት ከይውደኣ ተባሂሉ ሰብ ብሃታሃታ ዘለዎ ገንዘብ ናብ ባንክ ንኸእቱ ክቀዳደም ዝተወሰነ እዩ። ብድሕሪኡ እቲ ዝኸፍአ ከኣ ኣብ ውሽጢ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ሳምንታት ካብ ኣብ ባንክ ዘሎ ቅሙጥ ገንዘቡ 20,000 ጥራሕ ክቕይር ወይ ከእቱ ዝብል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ብዙሕ ሰብ ክኸስርዶ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ እዚ ንቁልቁል ዝኣፉ “ኩሉ ሰብ ገንዘቡ ኣብ ባንክ ከእቱ ይግባእ” ዝብል ኢልካ ምእዋጅዶ ኣይምሓሸን።
እቲ ዘገርም ኣብ ኤርትራ ተረኺቡ ዘሎ ዝቕበባ ካበይ ዝነቐለ ኮን’ዩ? ዝቕበባ መለትከ እንታይ ማለት እዩ? ዝቕበባ ማለት ናይ ዋጋታት ምንሃርን ናይ ገንዘብ ቀረብ ኣዝዩ ምብዛሕን እዩ። እዚ ከኣ ኮነ ኢልካ በቲ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ‘’ ዝቕበባ ኩሉ ግዜ እምነት ዝጐደሎን ኮነ ኢልካ ዝግበር መሳርሒን ናይቶም ወጻኢታቶም ከጕድሉ ዘይደልዩ ፖለቲከኛታት እዩ።’’ እቲ ዋጋታት ናይ ምንሃር ባዕሉ እቲ ስርዓት ዝመሃዞ እዩ። መንግስትን ብሕታውያን ኣቕረብትን ደረቶም ብሕጊ ዝግለጽ ንጹር ነይሩ እንተዝኾኑ እዚ ኩሉ ሽግር ኣይምመጸን።
ስለዚ እቲ ስርዓት “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ናጻ ቊጠባዊ ፖሊሲ ንኸይህሉ ንኹሉ ዓትዒቱ እንድሕሪ ሒዝዎ ደኣ ንህዝቢ ዝኸውን እንታይ ክርከብ። ‘’ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ’’ዶ ኣይኮነን። ሕጋዊ ኣገባብ ዘይብሉ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ ነቲ ምንሃር ዋጋታት ብቐጻሊ ከም ዝዓርግ ገይርዎ እዩ። ንኣብነት ሓዋላ ይኹን ናይ ነገራት ቀረብ ብኮንትራባንዳ ክኸይድ ካብ ኣፍቀደ፥ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ እዩ ዘመልክት። ስለዚ እቲ መንግስቲ ብህዝቢ ስለዘይተመርጸን ዝቆጻጸሮ ቅዋም ሰለዘይብሉን እሞ ድማ ህዝቢ ነቲ ናይቲ መንግስቲ ብሃውሪ ቀረብ ገንዘብ ናይ ምጉዳል ይኹን ምውሳኽ ስልጣን ክዓግቶ ዘይምኻኣሉ ዘምጽኦ መዘዝ’ዩ። ከምኡ እውን እቲ ቊጠባ ኣብ ኢድ እቲ ስርዓት ተገቢቱ ስለ ዘሎ ንመናውሒ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ክብል ኣብ ክሊ ትሕዝትኡ ክነብር ኣይከኣለን። እዚ ከኣ እቲ ናይ ስለያ መሓውራቱ ንምድልዳልን ንናይ ስልጣኑ መከላኽልን ዝጥቀመሉ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ብምዃኑ ድማ ነቲ መንግስቲ ኣብ ኣዝዩ ናይ ሸርፊ ይኹን ሕጽረት ናይ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ ወይ ክሳራ ከጋጥሞ ናይ ግድን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ድራር ማንታይ
