
ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኔትዎርክ ደቂንስትዮ ኤርትራን ጀርመን ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ጥርናፈ ደቂኣንስትዮ ዝቃለሳ ወልቀ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምትሕብባር፡ ንሸሞንተ መጋቢት ዕለት 12.03.2016 ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ክነብዕልስለ ዝኾንና፡ ንዅሉ ደላዪ ፍትሕን ማርነትን ንዕድም ኣለና። ኣብዚ ንመሰልና ኣሎና ባዕልና! ኢልና ነዳልዎ ዘለና በዓል 8 መጋቢት ብዛዕባ፡-
- ንዓና ንደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተጠርኒፍና ብግቡእ ንኸይንቃለስ ዝዕንቅፉና ዘለው እንታይ’ዮም?
- ሰፊሕን ድልዱልን ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራኸ ብኸመይ ክንምስርት ንኽእል?
ዝብሉ ነጥብታት ክንመያየጥን ክንካታዕን ምዃንና ንሕብር።
በዓል ንገብረሉ ቦታ
Saalbau Nied Heinrich – Stahl – Str. 3
65934 Frankfurt - Nied
ዕለት፡ 12.03,2016
ሰዓት፡ 15፡00-22፡00
ብደሓን ምጽኡ
ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016
ውሩይ ስነ ጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮቢ እንታይ ይብል
Friday, 29 January 2016 12:41 Written by ብመሓመድ ብርሃን ብላታ
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሓምሳታት ጀሚሩ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቁኑዕ ሃገራዊ መልክዑ እንዳሓዘ ኣብዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንምብጻሕ ብከዕውትዎ ዝኽእሉ ዝተፋላለዩ ምስ ሓቀኛ ክውንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ጸለውቲ እዮም ዝበሃሉ ንመሰረታዊ እምነቱ ከም መበገሲኡ ወሲዱ ናይ ቃልሲ ሜላታትን ኣገባባትን እንዳተኸተለ ሓርነታዊ ቃልሱ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ኣካል ናይዚ ሓድሽ ትንሳኤ’ዚ ኮይኖም ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዘበርከቱ ኤርትራዊያን ስነጥበባውያን ከም ዝነበሩን ክሳብ ሕጂ ውን ከይተሓለሉ ሃገራዊ ጉቡኦም ዝፍጽሙ ስለ ዘሎዉ ሃገር ዝኾርዓሎምን ዝሕበነሎምን ኮይኖም፡ መትኒ ናይ ሰውራውን ሃገራውን ቃልሲ እዮም ክበሃል ይከኣል።

በያን ነጋሽ ሳባ መምህር ፍሰሃየ ሰመረ ሃብተማርያም ከዲጃ ዓሊ መሓመድኑር ደክቶራ ኣስያ ዓብደልቃድር ስዒድ ኣስገደት ምሕረተኣብ
ኣብ ታሪኽ ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንርኢ እንተ ዂና መብዝሕተኦም ኣብ ዝተፋላለያ መዚቃዊ ባንድታት ዝነበሩ ስነጥበባውያን እቲ ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾኦም ካብ ናይ ወገናውን ዓልየታውን ሃይማኖታውን ብሓፈሽኡ ካብ ድሑር ዝምባሌታትን ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ንሓቀኛ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕድምን ዘረጋግጽን ክኸውን ከሎ፡ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ህላውነት መግዛእታዊ ስርዓት ኣሕጺርካ ናብ ፍጹም ዓወት ንምብጻሕ ዝዕላምኡ እዩ ነይሩ። ስነጠበባውያን እምበኣር ኣብ ታሪኽ ዝተናውሐ ሃገራዊ ቃልስና ኣብ ኩሉ’ቲ ዝተኻየደ መስርሕቃልሲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዓቢ ግደ ዘበርከቱ ምንባሮም፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ከም ዝርከቡ ኣየጠራጥርን።
መብዝሕተኦም ስነጥበባውያን ኣብ ዓሚቕ ሃገራዊ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ብዝውንንዎ ባህላውን ልምዳውን ክእለቶም ንዕኡ ዘንጽባርቕ ኮይኑ ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ስለ ዝነበረ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ደርፍታት ተቐባልነቱ ክብዝበለ ኮይኑ ህዝባዊ ናህሪ ንደገፍ ሰውራ ኣዝዩ ስለ ዝዓበየ ንመግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን ደርግምስ’ቲ ኩሉ ብዳዔኡ ኣርዒዱ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ገይርዎ ኣዩ።
እቶም ህቡባት ስነ ጥበባውያን ንሃገራዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾኦም ናብ ህዝቢ ከማሓላልፉሉ ከሎዉ ከም ልብወለድ ከምዛንታ ከም ፍቕሪ ኣምሲሎም ዝተፋላለየ ሜላታት እንዳተጠቐሙ ዝደርፍዎ ዝነበሩ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡስ ንኽርድኦ ጸገም ስለዘይነበሮ ውጽኢት ኣበርክቶኦም ከኣ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካብ ክልቲኡ ጾታ መንእሰይ ሃገራዊ ጉቡኦም ንምፍጻም፡ ናብ ሰውራ ብብዝሒ ተሰሊፎም እዮም።
እዚ ምውሓዝ ናይ መንእሰያት ንህላውነት መግዛእታዊ ስርዓት ኣስጋእን ሓደገኛን ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ደገፉ ኣነጺሩ ናብ ሰውራኡ መታን ከይጽንበር ተባሂሉ ኣቐዲሙ ንዘውጽኦ ተንኮለኛ ስትራትጅኡ ክፈሽሎ ስለ ዝጀመረ ናይ መኣዝኑ ምስሓት ምልክት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ምፍርራሕን ማእሰርትን ብመቕተልትን ውን ከይተረፈ ወላ እንተፈተነ ነቲ ደገፍን ናይ መንእሰያት ናህሪ ምውሓዝን ክዓግቶ ኣይከኣለን።
ካብዞም ዝተጠቕሱ ሓቅታት ብምብጋስ እምበኣር፡ ህቡብ ድምጻዊ ሑሴን ዓሊ፡ ሓደ ካብኣቶም ክኸውን ከሎ፡ ድሕረባይትኡ ኸ፡ ከመይ ይመስል ንዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ እንተ ደኣ ኮይነ ብዘሎኒ ናይ ነዊሕ ኣፍልጦን፡ከምኡ ውን ሓበሬታታት ምእካብን ኣብኦም ተሞርኲሰ፡ ብሕጽር ዝበለ ከገልጾም ክፍትን እየ።
ድምጻዊ ሑሴን ዓሊ፡ ኣብ ሰምሃር ከተማ ጊንዳዕ ተወሊዱ ናይ መጀመርታ ካብ ህጻኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ከኸይድ ምስ ጀመረ፡ምስ`ቲትምህርቱ ካብ ህጻንነቱ ጎድኒ ንጎድኑ፡ እቲ ናይ ምዚቃ ናይ ምስማዕን ምስትምቓርን እቲ ወኒ ካብ ሽዑ ክጅምሮ ከሎ፡ እንዳዓበየ ውን እቲ ሙዚቃዊ ስምዒቱ እንዳ እማዕበሎ እዩ ከይዱ።
ካብ ጊንዳዕ ናብ ባርካ ምስ ተጓዕዘ ኣብ መንጎ ከረንን ኣቑርዳትን ትርከብ ንእስ ዝበለት ዓዳርደ እትባሃል ብሓውሲ ከተማ ትፍለጥ፡ ኣብኣ ንኽነብር ምስ ከደ ከይደንጎየ ውን ኣብኡ ትምህርቱ እንዳቐጸለ ከሎ፡ እቲ ናይ መዚቃ ሓቀኛ ድልየቱ ውን ከይተፈልዮ መጓዕዝቱ ኮይኑ እንዳዓበየ ምኻዱ ምልክት ናይ ሙዚቃዊ ዝምባሌኡን ወናምነቱንእዩ ዘረጋግጾ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ኣብ ዓዳርደ እንዳተማሃረ ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝለዓለ ትምህርቱ ናብ ከተማ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኣብኡ ምስ ኣኮታቱንሶም፡ ውሩይ ስነ ጥበባዊ ኣልኣሚንዓብደለጢፍን፡መሓመድ ዓሊ ሓልን፡ ክነብር ከሎ፡ወላኳ ኣብ መጀመርታ እቶም ኣኮታቱ ነቲ ጀሚሩዎ ዝነበረ ናይ ምዚቃ ወኑ ገዲፉ ኣብ መኣዲ ትምህርቱ ጥራሕ ከተኩር መጻኢ ሂወቱ ካብ ሙዚቃ ርሒቑ ክሰርዕ ከምዘሎዎ ዝብል ርእይቶ ሒዞም ደጋጊሞም ከዕግብዎ ወላ እንተ ፈተኑ ንኹሉ’ቲ ጻዕርታቶም ስለ ዘይተዋሕጠሉ ክቕበሎ ኣይደለየን ኣይከኣለን ውን፡ በንጻሩ ነቲ ዛጊት ጀሚሩዎ ዝነበረ ወኑ ኣጸቢቑ ከማዕብሎን ክራቐቐሉን ከም ቀንዲ ሞዩኡ ወሲዱ ጉዕዞ ሂወቱ ክሰርዕን ከቕጽሎን ከሎ ኣብ ናይወኒ ድልየቱ ዝተሞርኮሰ ኸኣ ብኣግኡ ምስቶም ገዳይም ስነጥበባዊያን ተሰሪዑስ ኣባል ናይ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ክኸውን በቒዑ እዩ፣
ኣብ ናይ መጀመርታ ኣብ መድረኽ ደይቡ በቲ ወናም ድምጹ ክደርፍ ምስ ጀመረ፡ ኣብቶም ተዓዘብቲ ዓቢ ኣድንቖትን ምትብባዕን ክረአ ከሎ፡ኣብ ሰፈሕ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዝነኣድ ተቐባልነት ምርካቡ ነቲ ሞዩኡ ብዝያዳ ከማዕብሎን ኣብ ምዚቃ ክባላሓትን ምስ ሃገር ዝተኣሳሰሩ ዜማታትን ደርፍታትን ከዳሉ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ኣብቲ ዝካይድ ዝነበረ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ኣድማዕን ኣወንታውን ግደኡ ክጻወት ከም ዘሎዎ ብሓላፍነት ስለ ዝወሰዶ ኣብ ናቱ ዝና ዝተሞርኮሰ እቲ ሰውራዊ ተልእኾኡ ብቀልጡፍ ናብ ኩሉ ኽዝርጋሕከሎ ሓደ ካብቶም ከዋኽብቲ ስነ ጥበባውያን ምዃኑ ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ። እቶም ንሑሴን መሓመድ ዓሊ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከም ክኢላ ደራፋይ ኣጸቢቑ ከፍልጦ ዝኸኣለ ቀንዲ ረቛሒ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣብ ጊንዳዕ ከሎ ትግረን ዓረብን፡ ናብ ባርካ ምስ ከደ ውን ትግረን ዓረብን ይመሃርን ማዓልትዊ ዝዛረበሎም ስለ ዝነበሩ፡ ከም ቋንቅኡ ኣጸቢቑ ከማዕብሎም ክመልኮምን ክኢሉ ኡዩ፡፡
ናብ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኸኣ፡ ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ዝጥቀሙሉ ቋንቅኡ ትግርኛ ስለዝኾነ፡ሑሴን ቤት ትምህርቱ ምስ ጀመረ፡ ንቋንቋ ትግርኛ ኣጸቢቑ ክመሃሮን ብዕምቀት ክፈልጦን ውን ኣዝዩ ሓጊዙዎ እዩ።
በዚ ዝተገልጸ ኸኣ ሑሴን መሓመድ ዓሊ ሰለስቲኡ ቋንቋታት ማለት ትግርኛ ትግረ ዓረብ የማልእ ስለ ዝነበረ እዩ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ዜማታቱን ደርፍታቱን ባዕሉ ከውጽንበቲ ደጋጊምካ ሰሚዕካዮ ዘይምኖ ጥዑም ድምጹ ኣሰኒዩ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ብነብሰ ምትእምማን ክደርፍከሎ ብዘይቋርጽ ጨብጨባን ትደገም ዝብል ናይ ተዓዘብቲ ድምጺ ምንባሩ ብኡ ኣቢሉ ውን ቁልጡፍ ተቐባልነቱ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብዳረጃ ማእከላይ ምብራቕ ይኹን ዓለም ኣዝዮም ዝንእዱ ሰማዕቲ ክረክብ ምኽኣሉ ናይ ብቕዓቱ መለለይን መረጋገጽን ህያው ዝኾነ ምስክርእዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሰብዓታት ማለት እቲ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ናህሪ ምስ ዕብየትን ምዝርጋሕን ናይ ሰውራ ኤርትራ ብዝይዳ ውን ኣብ ከተማ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት ርኡይ ዝርጋሔ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሓድሽ ኩነታት’ዚ ንመብዝሕተኦም ስነጥበባውያን ምስ’ቲ ዝጸንሖምሰውራዊ ዝምባሌ ንኸማዕብሉዎን ብዝተፋላለየ ኣገባባት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሐይልን ዘደልድልን ክደርፉብፍላይ ንመንእሰይ ብስርርዕ ይኹን ናብ ሰውራ ተሰሊፎም ሃገራውን ሰውራውን ጊዲኦም ከበርክቱ ኣጽቢቑ ኣተባቢዑዎም እዩ።
ሑሴን መሓመድ ዓሊ ምስ’ ዝጸንሖ ልዑል ስምዒትን ናይ ደርፊ ህቡብነትን ከምቶም ብዙሕት ስነጥበባውያን ኩሉ ገዲፎም ናብ ሜዳ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ተቓላሳይ ህዝብን ኮይኖም ብዝሓየለ ከቃለሱ ዝብል ቆራጽ ውሳኔኦም ምስ ወሰዱ፡ ብዙሓት ፍሉጣት ስነጥበባውያን ናብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክጽምበሩ ከሎዉ ሓደ ካብኣቶም ሑሴን መሓመድ ዓሊ እዩ ነይሩ።
ኣነ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ኮይነ ኣብ ባርካን ከባቢኡን ስለ ዝነበርኩ ነቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘ ድምጾም ክሰምዕ ከሎኹ ኣዝየ ይምሰጥ ሰለ ዝነበርኩ ሓደ ግዜ ተስፋ ይገብር ብዓይነይ ክርእዮም ብኣካል ክረኽቦም ዝብል ዝነበረኒ ትምነተይ ተጋሂዱስ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ሰብዓን ሓሙሽተን ናብ ሜዳ ክወጹ ከሎዉ ንሑሴንን ካልኦትን ካብ ዝተቐበሉዎም ኣነ ሓደ ኮይነ ብሓፈሽኡ ኩነታት ናይ ሜዳን ተመኩሮታትን ዘሎ ሓድሽ ምዕባሌታትን ብሰፊሑ ምስ ገለጽኩሎም እቲ ሓባራዊ ቃልሲ ሓቢርና ጉዕዞና ክንቅጽሎ ምኽኣልና ንዓይ ፍሉይ ተዘኩሮታት ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይክወለንን።
ሑሴን ምስ ናይ ብሩህ ተስፋ ፍሽኽትኡ፡ ሃገራዊ ምምኽኻር ውሕስነት ሓድነት፡ስሌማን ሑሴን ኣብጎድንኻ
ሕጂ ውን ሑሴን መሓመድ ዓሊ ነዚ መድረኽ ኣበጊሱዎ ዘሎ ሃገራዊ ምምኽኻር ዝብል ሰውራውን ሃገራውን ጭርሖ ኩሉ ደላይ ለውጢ ብሰውራዊ መንፈስ ርእዩ ተቐቢሉ፡ ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጻላልዩዋ ዘሎ ከቢድ ድነ ንምቕንጣጡ፡ ኩሉ’ቲ ወሪዱዋ ዘሎ ግፍዕታት’ነቶምጠንቅታቱ ካብ ስሩ ኣሊኻ ሕግን ማሕበራዊ ፍትሕን ሃልዩ ብቑዋም እትመሓደር ሃገር ንምውናን ዝዕላምኡ ዝኣመተ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉና ደለይቲ ለውጢ ብንውንኖም ዓቕምናን ተሞኩሮናን ንኸነዕውቶ ክንቃለስ ከም ዝግበእእንዳበለ ደጋጊሙ ከዘኻኽር ከሎ፡ ብወገኑ ውን ነቶም ብዙሓት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዘሎዉ ምኩራት ስነጥበባውያን፡ ምስኦም ኣድላይ ርኽክባት ገይሩ ብሓደ ተጠርኒፎም ነዚ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ከዐውትዎ ምእንቲ ኣብ ሃገራዊ ሕልንኡ ዝተሞርኮሰ ክጽዕር ከምዝኾነ ክሕብርን ክረጋግጽን ከሎ፡ ናይ ብሓቂ ነዚ ተበግሶኡን መርገጹን ተወፋይነቱን ዕውት መታን ክኸውን ንሕና ውን ብወገና፡ ንሃገር ኣብ ቀዳምነት ሰሪዕና ካብቶም ዝሓለፉ ዘየዐውቱና ኣብ ተመኩርና ዝተማርኮሰ ተማሂርና ምእንቲ ሃገር ሕድገታት ጌርና ብሓድሽ መንፈስ ክንብገስ ጉቡእና ኡዩ ክብል ከሎኹ፡ነዚ መድረኽ ይኹን ሑሴን ኣበጊሱዎ ዘሎ ሃገራዊ ጸዋዒት መርሓባን ክንብል ከሎና ክእለዩ ክእረሙ ኣሎዎም እንብሎም እንተሃልም ውን ብቀጥታዊ ተሳትፎናን ጻዕርታትናን ክነዕውቶም ከም ንኽእል ኣይጠራጠርን እንዳበልኩ፡ ብወገነይ ዓቢ እምነትን ድልውነተይን እንብረሉ።
ዘልኣልማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ፡
መሓመድ ብርሃን ብላታ፡
ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ግዱሳት ኤርትራውያንን ንሓገዝ እቶም ኣብ ሱዳን ከሰላ ሓያል ኩነታት ኣየር ወሲኽካ፡ ብብዙሕ ጸገማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣካለ ጽጉማን ንምሕጋዝ ዝውዕል 1,100 ዩሮ ኣወፍዮም። እዞም ኣብ ቱቢንገንን፤ ሮትሊንገንን፤ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ዝነብሩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኤርትራውያን ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ዘበርከቱ ዓመተ 2016 ካብ ዝኣቱ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ እዩ።
ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኩነታት ጽጉማን ኣካላት ኣብ መደበር ውጉኣት ሱዳን ከሰላ ከም ጉዳዮም ወሲዶም ንዘበርከቱ፡ ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሓገዝ ምእካብ ዕማም ዕዉት ንክኸውን፡ ብኣካልን ብተለፎንን ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበረት ሓውቲ ትርሓስ ኣማኑኤል ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ነዞም ጽጉማን ኣሕዋትና ናይ ምሕጋዝ ተግባር ቀጻሊ ንክኸውንን ካልኦት እውን ክሳተፍዎን እቲ ማሕበር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ግርም እባ!! ንረገጽቲ ፍትሕን ሕግን እንዳ ኣገልግልካስ፡ ንነብስኻ ሕጊ ምድላይ
Friday, 29 January 2016 10:23 Written by EPDP Information Officeብረቡዕ ዕለት 27 ጥሪ 2016 ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ከምኡ እውን ሆላንዳውያን ብሓባር ኣብቲ ፕሮፈሶር ምርያም ዝተባህለት ሆላንዳዊት ብሓደ ኣባል ናይቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝምራሕ ማሕበር መንእሰይ YPFDJ ተኸሲሳ ዝቀረበትሉ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ነይሮም። ዕላማ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኤርትራውያንን ሆላንዳውያንን ድማ፡ ንተኸሳሲት ፕሮፈሶር ምርያም ሞራላዊ ደገፎም ንምግላጽን፡ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝነበራን ብዘለዋን ምድግጋፍ ንምድንጋጽን እዮም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ። ፕሮፈሶር ምርያም ንኤርትራውያን ስደተኛታት እትጣበቕ መምህር ኣብ ዩንቨርስቲ ቲልብሩኽ እያ። ፕሮፈሶር ምርያም ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽትቀርብ ዝገበር ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ኣባል ካብ መጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ንዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ተጠቒሙ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብምትላል፤ ንኣገልግሎት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት የካይዶ ንዝነበረ ስራሓት፡ ብጋዜጣን ብቴለቪዝዮንን ስለዘቃልዐት እዩ።
ቤት ፍርዲ፡ ብጠበቓታት ክልቲኡ ሸነኻት ከሳስን ተኸሳስን ንዝቐረበሉ ቃል ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ ፍርዲ ንዕለት 10 ለካቲት 2016 ንኽብየን ብቖ`ጸራ ኣማሓላሊፍዎ ምህላዉ ድማ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ከሳሲ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናይ ምትርጓም ስራሕ መባረሪኡ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ነቶም ኣብቲ ስራሕ ዘዋፍርዎ ዝነበሩ ዝምልከት እኳ እንተኾነ፡ ንሱ ግን እቲ ፕሮፈሶር ምርያም ብጋዜጣን ቴለቪዝዮንን ብዛዕብኡ ዘቕረበቶ መግለጺ፣ ጠንቂ ናይ ካብ ስራሕ መስጐጒኡ ምኽንያት ገይሩ፤ ኣብ ልዕሊኣ ክሲ መስሪቱ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብYPFDJ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ማሕበርዚ ኣብ ወጻኢ ዓይንን እዝንን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ፊን ክምዘበሎ ንዜጋታት ዝኣስርን ዘጥፍእን ዘሎ ስርዓት ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብተን ንመነባበሪኦም ዝረኽብወን ሓገዝ ከይተረፈ 2% ንኽኸፍሉ ዝላዓለ ጐስጓሳት ዘካይድ ማሕበር እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅዋምን ሕጋጋትን ንዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ከተናውሕ እንዳጸዓርካስ፡ ንነብስኻ ተጠቓሚ ህዝብታት ተቓሊሶም ናይ ዘረጋገጽዎ ሕግን ፍትሕን ክትከውን ምፍታን ድማ ስጊጢርነት ኣባላት ምልኪ እዩ።
ዜናዊ ጸብጻብ፡ ሻዱሻይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ ንኹነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳኡ ክሰርዖ ንሓድነት ኣፍሪቃ ተላብዩ
Thursday, 28 January 2016 11:56 Written by ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ)
ብሓልዮት ማእከል ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ (Centre for Citizens Participation in the African Union) ዝተጋብአ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 21-23 ጥሪ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ: ኣዲስ ኣበባ "ዓመት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ: ብፍላይ ድማ ኣብ መሰላት ደቀንስትዮ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተጋቢኡ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝረከብዎ ተጣበቕቲ መሰላት ክሳተፉ ኣተሓባቢሩ።
እቲ ዋዕላ ብሰፊሕ ኣብ ኩነታት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍሪቃ ዘትዩ። እቲ ቀንዲ ኣተኩሮ ድማ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ንዘመዝገበቶ ዓወታትን፡ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ዝብል እዩ። ገለ ካብቶም ብግብሪ ዝተመዝገቡ ዓወታት ድማ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቻርተር ንሰብኣውን ህዝብታትን መሰል፡ ምቛምን ትግባረን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ፖሊሲ ጥዕናን፡ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቤትፍርዲ ፍትሒን ይርከብዎም። ንምሕደራ ብዝምልከት ድማ ኣፍሪቃዊ ህንጻ ምሕደራን ምስኡ ዝተሓሓዙ ትካላትን ሕጋዊ መጋበርያታትን፡ ከም ኣብነት ፓርላማ ፓን-ኣፍሪካ፡ ቻርተር ኣፍሪቃ ንዲሞክራስን፡ ምርጫን፡ ጽቡቕ ምሕደራን ብሓድነት ኣፍሪቃ ዝተበጽሑ ርኡያት ምዕባለታት እዮም። የግዳስ ነዞም ስምምዓት ፈልከት ከይበልካ ኣብ ምትግባሮም ሕጽረታት ከምዘሎ ኣገንዚቦም። ገለ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ዝተሰማምዕሉ ውዕላት ከተግብርዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ኣብ ፕሮጀክት ኣፍሪቃ ዘለዎም ተገራጫዊ መርገጺ ዘብርህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ገኒኑ ዝርአ ጉድለት ምሕደራን ዘይተሓታትነት ክህሉ ዓቢ ተራ ይጻወት።
ከም ኣብነት ድማ፡ ንኹነታት ኤርትራን ብሩንዲን ተጋባእቲ ብፍሉይ ተዘራሪቦሙሉ። ብኤምዲሰመን ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሕብረት ሲቪላውያን ምንቅስቓሳት ዝተደገፈ ንህሉው ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝድህስስ ጎድናዊ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ። "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣይተሰማዕናን" ብዝብል ቴማ ክልተ ኣስተምህሮታት ተዋሂቦም። ነቲ ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝድህስስን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኣብቲ ዞባን ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋን ብዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ ቀሪቡ። ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምዝማድ ድማ ሓድነት ኣፍሪቃ ዋላሓንቲ ደገፍ ከምዘይገበረ ዘነጽር ትዕዝብቱ ኣቅሪቡ። እቲ ካልኣይ ኣስተምህሮ፡ ጓለንስተይቲ መንእሰይ ኣብዚ ቀረባ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ናብ ስደት ዘምርሐት እዩ ቀሪቡ። እታ መንእሰይ ነቲ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣብ ህይወታ ዘጓነፋ ሕማቕ ተሞክሮ ብምዝንታው ንልቢ ተጋባእቲ ተንኪፋ። ከም ጓል ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ዝነበረ ሕጂ ኣብዘይተፈልጠ ማሕዩር ዝማስን ዘሎ መጠን ድማ፡ እቲ ስርዓት ንኹሎም ቤተሰቡ ብሕሱም ብምክልባት፡ ኩሉ ንብረቶም ብምርሳይ ክነብርሉ ኣብዘይክእሉ ደርጃ ከም ዝደርበይዎም ገሊጻ። ንሳ ካብቲ ዲግሪ ንምሓዝ ትመሃረሉ ዝነበረት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝተሰጕጕት ሓቢራ።
ኣብ ዛዛሚ መግለጺ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣፍሪቃ ዝኣመሞ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘተ ክተሓዝ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ክቕበሎ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ኣብቲ ዝመጽእ ኣኼባ ኮምሽን ኣፍሪቃ ኮሚሽን ንሰባዊን ህዝባውን መሰላት (African Commission on Human and Peoples Rights – ACHPR) ናብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ክመሓላልፎ ዝብሉ እማመታት ኣጽዲቑ። እቲ ኮንፈረንስ ብተወሳኺ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ሲቪካዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ምትሕብባርንን ደገፍን ክገብሩሎም ኣተባቢዑ። ምስኡ ብዝተሓሓዝ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ንተሳተፍቲ ሲቪካዊያን ማሕበራት ኣፍልጦ ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክዓቢ ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ፡ ምስ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብምውህሃድ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መንግስቶም ኣፍልጦን ተገዳስነት ክዓቢ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክገብሩ ተማሕጺኑ።
ጉጅለ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ኣቶ በሺር ይስሓቅ ዓብደላ፡ ዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ፡ ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ፡ ወይዘሮ ከድጃ ከሊፋ ማሕሙድ፡ ስደተኛ መንእሰይን፡ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመቀልን እዮም።
ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ
24 ጥሪ - 2016
ነፍስሄር የማነ ባርያ ‘’ እቲ ዝደልዮ እንተዝኾነለይ’’ ዝበላ ደርፊ ብጣዕሚ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዋ ደርፊ እያ። ከምቲ ንደልዮ ወይ ከምቲ ንምነዮ እንተዝኾነልና እዛ ዓለም ኣብ ምንታይ ኮን መበጸሐት? ምኽንያቱ ከምቲ ዝምነዮ እንተዝኾነለይ እንታይ ዓይነት ምንዮት ኮን ይኸውን? እቲ ትምኒተይ ንዓይ ጥራሕ ዲዩ ወይ ንኹሉ ዝሓወሰ ዝብል ሕቶ ከልዕል ስለዝኽእል። ብዝኾነ ግን ብጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ኩልና ምንዮት ዝመሳሰል ክኸውን ይምነ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ምስቲ ኩሉ ባህርያዊ ጸጋታተን ኣካላዊ ምግዱራት (ልሙሳት) ኮይነን እነሆ ድሕሪ መግዛእታዊ ዘበን እውን ከይተረፈ ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ድኹም ምምሕዳራዊ ባይታ እየን ዝርከባ ዘለዋ። እዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ብገዛእቲ ዝተፈጥረ ይኹን ብስንኪ ደረጃ ትምህርቲ ለጠቕ ምባሉ ካብቲ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግርጭታትን ቊርቊሳትን ኣይተላቐቓን ዘለዋ። እዚ ግርጭታት እዝን ንዓኡ ንምፍታሕ ዓቕሚ ዘይምህላውን ዘምጽኦ ጸገማት ካብቲ ዝነበረ ድሕረት ክወጻ ኣይከኣላን። እዚ ካብቲ ድሕረተን ዘይምውጻእ ከኣ ነቲ ፍልስፍና ናይ ብዙሕነት ዘዐንብብ ምዕብልና ዓንቃፊ ተራ ከምዘህልዎ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ብወገኑ ንመላእ ህዝቢ ዝሓስብን ንሽግራት ህዝቢ ዘለልን ብኡ መሰረት ከኣ ዝሓልን ኣብ ክንዲ ዝፍጠር፡ ንህዝቢ ዝድህኽን ዝውጽዕን እዩ ዘበቊል። በዚ ምኽንያት እቲ ምህናጽ ሃገርን ህዝብን ዝብል ብምህሳዩ ዳርጋ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ጌና ኣብ ማሕበራዊ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላው ተሸሚመን የሳቕየን ኣሎ።
ኤርትራ ሃገርና እውን ኣካል ናይዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ምዃና መጠን ብርክት ዝበሉ ገዛእቲ እናተበራረዩ ዘሳቕይዋን ዘጋፍዕዋን ሃገር ኢያ ነይራ። ካብቲ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ውርሻ እውን ናጻ ኣይኮነትን። ስለዚ መጻኢት ኤርትራ ከምቲ ካብ ክትበቊል ጀሚራ ዘጓንፋ ዝነበረ ስቓይን መከራን ተናጊፋ፥ ህዝባ እውን ነቲ ሕሉፍ ከርፋሕ ግዜ ስዒሩ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዘለዎ ሃዋህው ክነብር ኣይከኣለን ዘሎ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ኤርትራ፡ ብተግባርን ብዘይተጒላባነትን ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ወጺኣ ህዝባ ናብ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ከድህብ ይግባእ። እዚ ምስ ዝፍጸም ከኣ ኤርትራ ምስቲ ተስፋ ዝህብ ብሩህ መጻኢ ከተላግበና ወይ ከተሰጋግረና ኣለዋ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ከምቲ ሓርጭን ጥረ እኽልን ሓዋዊስካ ብሑቕ ዘይርከብ፥ ከምኡ ከኣ ህዝብና ነቲ ኣሉታውን ንምዕብልና ዝዕንቅፍ ድሑር ኣተሓሳስባን፡ ሓዋዊሱ ክኸይድ እንተደኣ ኮይኑ፡ ለውጢ ይኹን ምዕብልና ከምዘይርከብ ርዱእ እዩ።
ነቲ ኣሉታዊ ተመኲሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ምድሃብ ማለት ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ግጉይን ኣሉታውን ሳዕቤን ዘነበሮ ተመኲሮ ደጊምካ ኣይትድገም ወይ ከይድግም ምጽዓት ማለት እዩ። ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ምውጻእ ማለት ናብ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዘብጽሕ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ምውናን እውን ማለት እዩ። እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ከኣ ዕልማናዊት፡ ብቅዋምን ህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን፥ ብመሰረቱ ህዝቢ ብዝሳተፈሉ ፖልሲታትን ምምሕዳር ማለት እዩ። እዚ ክኸውን ከሎ ሓደን ዝውጽዕ ሓደን ዝውጻዓሉ ዘይኮነስ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉን፥ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ዝሕለወሉን ውሕስነት ምርካብ እዩ። ኣብዝን ኣብ ካልእን ሓባራዊ መትከላትን ጸኒዒናን ኣሚንናን ምስ እንጎዓዝ ነቲ መጠረስታ ክንበጽሖ እንደሊ ናይ ሰላም ባይታ ክምድምደልና ይኽእል።
ኤርትራ ሃገርና እምበኣር ነዚ ኩሉ መስገደል ሰጊራ ኩሉ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ሃገሩ ክሃንጽን ምዕቡል ሕብረተሰብ ክምስርትን ክጽዕር ክሎ እዩ ቅሳነትን ዕቤትን ዝርከብ። ካብዚ ነቒልና እታ እንምነያ ሃገር ነቲ ኩሉ ዓንቃጺ ኲርኳሓት ናብ ልሙጽ ቀይራ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እዩ። መጻኢ ወለዶ ኣብ ክንዲ ኣብ ህውከትን ሓድሕድ ምትፍናንን ዝጽመድ፡ ኣብ ናይ ምትሕብባርን ኩሎም ዜጋታት ጾሞም ዘይሓድሩሉ፥ መጽለሊ ዘይስእኑሉ፥ ሓሚሞም መፈወሲ ዘይስእኑሉ መድረኽ ንምኽፋት ዝዓለመ ሕልናን መንፈስን ከሕድሩ ምግባር ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ካብዚ ቀጺሉ ብፍላይ ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ድኽነት ኣብ ዘየድሊ ሽግራት ካብ ምእታው ዘድሕና ንኹሉ ሕብረተሰብ ከምዚ ናይ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ድሕነት (social security) ብተግባር ክሰርሓሉ ካብ ብሕጂ ክርዳእ ከምዘለዎ ምጽዓር።
ናብዚ ንምብጻሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና።? ዝብል ሕቶ ምምላስ ከድሊ እዩ። ንሱ ድማ ነዚ ኣብ ሃገርና መሰል ህዝቢ ገፊፉ ዝጭቊን ዘሎ ስርዓት ምልጋስ ቀዳማይ ዕማም እዩ። ቀጺሉ ክምልስ ዘለዎ ሕቶ ድማ ድሕሪ እዚ ስርዓት ምውዳቕ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ክትከውን እያ ዝብል እዩ። ነዘን ሕቶታት እዚአን ብቕንዕና ክንምልስን ናብቲ ዝድለ ለውጢ ንምብጻሕንከ ኩልና ዜጋታት ኤርትራ ድልዋት ዲና? ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ዘሎ እቲ ምንጻር ትምኒት።
እቲ ትምኒት ብመጠን እቲ ኣተሓሳስባኻ፡ ግብራዊ ስራሓትካን ናይ ሕልናኻ ቅሩብነትን እዩ ዝውሰን። ናይ ኩልና ድሌትን ምንዮትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዘለዎ ሽግራት፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማውን ቅሱንን ናብራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ነንሓድሑ ከኣ ብምክብባርን ሃገሩ ክትምዕብለሉን ክትስልጥነሉን ብዘኽእላ ጐደና ክምርሽ ከድሊ እዩ። ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ነቒልካ ተበግስካ እትምነዮ ግን ናብ ደልሃመትን ጽልሙት ተስፋን እዩ ዝመርሓካ። ስለዚ እቲ ካብ ቅኑዕ ሓሳብን ንኹሉ ዝእክብን ዘርብሕን ሕልና ዘነቅል ትምኒት እዩ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የጓንፎም ካብ ዘሎ ፖለቲካው፡ ማሕበራው፥ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላዋት ብቐሊሉ ክፍታሕ ይከኣል እሞ፡ ሃገርና ኣብ ክንዲ ናብ ጥፍኣት፡ ናብ ጎደና ልምዓት፡ ብልጽግናን ማዕርነትን ገጻ ትገስግስ።
ድራር መንታይ
Source- Fithi Magzine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2015/1108FM5-06MT.pdf
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝተደለየሉ ምኽንያት ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ተጎጃጂካን ፡ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ብምዃንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተጻዒንዎ ዘሎ ምልክን፡ ሕሰምን ኣደራዕን ከልግስ ስለዘይተኻእለን፡ ዘይከኣል ምኻኑን ዝሓለፉ ተሞክሮታት ስለዝምህሩና ኢዮም። ብዘይተሳትፎ ናይ ህዝቢ፡ ዝረጋገጽ ለውጢ ከምዘየለ ኢዩ እቲ ተሞክሮ ዝምህረና። ብዘይተሳትፎን ወሳኒ ተራን ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እንደገና ንክጥለም ብዙሕ ዕድላት ከምዘሎ እቲ ሕሉፍና ዝምህረና። እዚ ሕጂ ኤርትራ ንኢሻቶ ሰሜን-ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሃገርን ህዝብን ዝበታትን ዘሎ ጉጅለ መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ፡ ትማሊ ትማሊ ዲሞክራሲ እንዳበለን እንዳዘመረን ኢዩ ንህዝቢ ኣዳህሊሉ፡ ሕጂ ሕፍረቱ ቀንጢጡ እምባገነን ኮይኑ ናይ ህዝቢ ስልጣን መንዘዑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጊላኡ፡ ኤርትራ ከምሃገር ከኣ ውሽሙኡ ገይርዋ ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ መላኺ ስርዓት ንምእላዩን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ብወገን ህዝቢ ዝጥለብ ሓድነትን ስራሕን ብተግባር ክንሰርሓሉ ብዘይ ምኽኣልና ኣደራዕ ናይ ህዝብና ከነናግፍ ኣይበቓዕናን። ብኢድ-ኣዙር ምልኪ ህግደፍ ንክቕጽል ተሓባበርቱ ካብ ምዃን ነጻ ኣይኮናን። ሃገርን ህዝብን ኣብ ሐደጋ ተሳጢሖም እንከሎው ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ከልግስ ዘብቅዕ፡ ንህዝቢ ንቃልሲ ዘዕስል፡ ንጹርን ትኩርን ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክንውንን ብግብሪ ክንሰርሓሉን ኣይበቓዕናን። ደንበ ተቓውሞ ኣብ ካልኣ ውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ተጸሚዱ ክሰሓሓብን ክዋጠጥን ክቡርን ነዊሕን ጊዜኡ ኣባኺኑ ኢዩ። ከምውጺኢት ናይ’ዚ ከኣ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ህዝብና ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛባይ ኮይኑ። ኣብ ክንዲ ኣተኩረና ቀዳምነታትና ብምስራዕ ምስ መድረኽ ዝጠልቦ ሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ክንዲ እነካይድ ኣብ መጻኢ ብህዝቢ ክፍትሑ ዝኽእሉ ካልኣዊ ዝኾኑ ዕላማታትን ጓል-ነገርን ወርቃዊ ግዜ የሕሊፍና። ከምውጽኢቱ ከኣ፡ መሪሕነት ህግደፍ ጸይቅን ኣዕናውን ተግባራቱ ንክፍጽም እኹል ዕድል ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ወጥሪ ኩነታትን ኣብ ገሃንመ-ጸልማት የእትይዋ ይርከብ። ንዕላማታት መስዋእቲ ተጋድሎ ህዝብና ዝጠልም መደብ ሰሪዑ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታትና ብሕሱም ዝድህኽ ዘሎ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ ብህጹጽ ከልግስ ኣለዎ። ስለዝኾነ ኩሉ ዓቕምታት ደለይቲ ፍትሒ ንስርዓት ህግደፍ ምስዓርን ህልውና ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘኽእል መቃለሲ መስርሕ ክኽተል ኣለዎ። ስለዚ ነቲ ናይ ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብሓቢር ካበቶም ዘሰማምዑኻ ዓበይቲ ሓባራዊ ዕላማታት ምስራሕ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ (ኣማርጺ) ናይ ሽግርና መፍትሒ ስለዝኾነ፡ ዝተጠርነፈ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ የድሊ።
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ (Grassroots Movement) ክበሃል እንከሎ ካብ ታሕቲ (እትነብረሉ ቦታ) ናብ ላዕሊ ዘቕነዐ ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ብነጻ ተበግሶ ናይ ዜጋታት ዝቖመ፡ ንኹሎም ዜጋታት ብቑሉዑን ብማዕረ ዘሳትፍን ህዝባዊ ዲሞክራሲያውን ምጥራናፍ`ዩ። ዕምሪ ምልካዊ ጭኮና ንምሕጻር ዓቕሚ ህዝቢ ብምውህሃድ ምልኪ ህግደፍ ኣልጊሱ ህዝብና ዝቆጻጸሮ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ከኣ ይሰርሕ። እቲ ዝዓበየ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘዝርክብዎ ቦታታት/ከተማታት ተጠርኒፎም ንህዝቢ ካብ ጽልዋ ህግደፍ ሓራ ብምውጻእ ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝሳተፉ ብምግባር መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘይብሉ ዕርቃኑ ምውጻእ ኢዩ። መሰረት ናይ ለውጢ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዘዝርከቡሉ ዓዲ/ከተማ ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ዕላማን መደብ-ስራሕን ኣነጺሮም ተጠርኒፎምን ተወሃሂዶምን ብተግባር እተማክሎም ሽማግለ መሪጾም ክሰርሑ ምስ ዝበቕዑ ኢዩ። እዘን በዚ ኣገባብ ዝወጻ ናይ ቦታታትን፡ ዞባታትን ዓለም-ለኻዊ መሪሕነትን፡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ብህዝቢ ዝወጻ ስለዝኾና፡ ተሓታትነተን ነቲ ዝወከለኦ ህዝቢ ይኾና። እዚ ማለት ከኣ፡ ናይ ሓንቲ ከተማ ህዝባዊ ሽማግለ ተሓታትነታ ነቲ ኣብ’ቲ ከተማ ሓላፍነት ዝሃበ ህዝቢ ይኸውን። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ከኣ ነቲ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝወከልዎ ሽማግለ ኣብ ዞባዊ ጥርናፈ ከምዝጥርነፍ ምግባር’ዩ። ናይ ዞባ መሪሕነት ከኣ ተሓታትነታ ነተን በብከተምኡ ዝተወከላ ሽምግለታት ኮይኑ ብትሕዝተኡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ’ቲ ዞባ ይኸውን። ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመረጹ ንዞባ ዝውክሉ ሽማግለታት ከኣ ተጠርኒፎም ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ንናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እተማእክል ኣህጉራዊ መሪሕነት (ዓለምለኻዊት) የቑሙ።
ኣብ መንጎ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ቃልስን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ድልድል ናይ ቃልሲ ንክግበር ዝቐለለ ስለዝኸውን ኣብ ውሽጢ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሳያዊ ለውጢ ንክትግበርን ንክዕወትን ምቹእ ኩነታት (Opportunity) የስዕብ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ (ኣብ ዲያስፖራ) በዚ መንገዲ’ዚ ዝረጋገጽ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጥርናፈን ሓድነታዊ ቃልስን፡ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ሞራልን ጽልዋን ክፈጥር ይኽእል። ብክፉት ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ መስርሕ ዝቐውም ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ (መሪሕነት)፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ዕላዊ ወኪል (ልኡኽ- ኣገልጋሊ) ናይ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎን ዝፍጠርን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ብምትሕብባር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ይነጥፍ። ነቲ ብሕሱም ምልካዊ ጭኮና ተዓፊኑ ዝድሃኽ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽን ትንፋስን ኮይኑ፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ይጣበቕ። ዓለም-ለኻዊ መሪሕነት ተሓታትነታ ከኣ ንኹሉ ብከተማታትን ዞባታትን ዝተጠርነፉ ደለይቲ ፍትሒ ማለት’ዩ። ነቲ ንህዝቢ ኣብ ሓደ ዝጠርነፎ መድረኻዊ ዕላማን ስትራተጂን መደብ-ስራሕን ዓቕሚ ህዝቢ ኣወሃሂዳ ምልኪ ህግደፍ ክሰዓርን ናብ ውሑስ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክረጋገጽ ትሰርሕ። ምስኣ ብውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ድልድል ብምፍጣር ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ንምልጋስን ህዝቢ ዝቆጻጸሮ ዘተኣማምን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ይቃለስ።
በዚ ኣብ ላዕቲ ዝተጠቕሰ ዓይነት ኣጠራንፋ፡ ህዝቢ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ይመርሖን ይቆጻጸሮን ማለት’ዩ። ዝተወከላ ሽማግለታት ተልእኾኣን እንተዘይፈጺመን ከኣ እቲ ዝወከለን ህዝቢ ሓላፍነት ክህብን ከሕድግን ስልጣን ይህሉዎ። እዚ መስርሕ ምልዕዓል`ዚ፡ ነቲ ብከቢድ መስዋእቲን መውጋእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ብምዕቃብ፣ ሓርነትን ክብርን ዜጋታትና ንምጉንጻፍ ተሳትፎ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ስትራተጂ እዩ። ንኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ መዋጥር ከነውጽእን፡ ናብ ዝኸፍኣ ሓደገኛ ኩነታት ከይትኣቱ ህዝብን ሃገርን ንከነድሕን፡ ነዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ተሳትፎን ሓርነታዊ ቃልስን ጥራሕ ኢና ከነልግሶ እንኽእል። ለውጢ ስለ ለውጢ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ፡ ንረብሓ ህዝቢ ዘውሕስ ለውጢ ክኸውን ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ክኽፈትን ዲሞክራስያዊ ትካላት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ክቦቕላን ክዕንብባን ክንሰርሓሉን የድሊ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ተዓዛባይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቀንዲ ተዋሳኣይን ናይ ቃልሲ ቀላሳይን ክኸውን ም ስዝበቅዕ ጥራሕ’ዪ ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣን ከረጋገጽ ዝኽእል። ኣብ ምልጋስ ጉጅለ ህግደፍ ብዝተፋላለየ ምኽኒያታት ካብ ቃልሲ በዂሩን ዛሕቲሉን ንዝጸንሐ ዝበዝሐ ክፍሊ ህዝብና ኣበራቢሩ፡ ንዓቕምታትን ጸጋታትናን ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን ሓይሊ ህዝቢ ንክፈጥር እምበር ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ወይ ንምሽራኽ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ ምልኪ ንምልጋስን ውሑስዲ ሞክራስያዊ ምስግጋር ንክረጋገጽን ህዝቢ ክጥርነፍን ሓቢሩ ክቃለስን የድሊ። ከም’ቲ ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ብጉጅለ ህግደፍ ባህጊ ህዝብና ዝተጨውየ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ’ውን ብዲሞክራሲ ዝዝምሩ ምልካውያን ከይጥለም፡ ህዝቢ ናይ ቃልሱ ሰራሕን፡ መራሕን፡ ወሳንን ምስ ዝኸውን ጥራሕ’ዩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ዝከኣል። ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ከይጥለም፡ ዋና ሃገሩን መጻኢ ዕድሉን ንክኸውን መሰሉ ንሃገራዊ ረብሕኡን ብንቕሓት ክምክት ክኽእል ምዕጣቑን ምድላዉን ኩሉትና ብርቱዕ ጻዕርታት ከነካይድን ብግብሪ ከንሰርሕን የድልየና።
ክሳብ ዕለት’ ሎሚ፡ ካብ ሓቢርካ ሽግር ሃገርካን ህዝብን ምፍታሕ ዝሓሸ ካልእ ኣምራጺ ኣየተረኽበን። ካልእ ዝሓሸ መተካእታ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ፡ ዝተጠርነፈ ጉጅለ ይኹን ሓይሊ ኣብ መድረኽ ህዝቢ ርእይቶኡ ከምጽኦ ኣገዳስን ሓላፍነታውን ይኸውን። እቲ ዝበዝሐ ኣካል ናይ ህዝብና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ተዓዛባይ ከምዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ ስትራተጂ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛባይ ክኸውን ዝመረጸ ዝበዝሐ ህዝብና፡ ጎስጓስ ብምክያድን ብምልዕዓልን ዋንነት ናይ ቃልስን ለውጥን ተሰሚዕዎ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ከልዕል ምግባር ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ፍሽለት ናይ ደምበ-ተቓውሞና ከኣ፡ ነዚ ወሳኒ ሓይሊ’ዚ ከዕግብን ዘይምኽኣልን ጓስይዎ ክሓልፍ ምፍታንን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ብዘይገለ ደገፍ ናይ ህዝቢ ጠጠው ክብል ስለዘይክእል፡ ተደናገጽትን ደገፍትን ናይ’ቲ ስርዓት ብውሑሉል መንገዲ የዕጊብካ ኣካል ናይ’ቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኢዩ።
ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ከምከተማዊ ጥርናፊን ከምኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን መጠን ኣብ ሕዳር 2013 ንህዝቢ ዘሎዎ ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ምዃነን ህዝቢ ዘትዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ንነፍሲ-ወከፍና ዘሎ ዋና ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።
1. ንሕና ከምህዝቢ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ከምዘይበጽሓካ ኣማዕዲኻ ምርኣይ።
2. ንሕና ከምህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ብውድባት ዝምራሕን ዝቕለስን ዘይስሙር ተቓውሞን፡ ዘየድመዓን ዘይድምዕን ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብኡኡ ጥራሕ ምቅላስ።
3. ንሕና ከምህዝቢ፡ ነቲ ዘሎ ኣደራዕን ምብትታን ምጽናትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ሃገርን ህዝብን ንምድሓን፡ ኣብ እንነበረሉ ቦታታት ጥርናፈ ድሕሪ ምርግጋጽ ብዞባውን ኣህጉራን ብስሙር ህዝባዊ ሓድነታዊ ቃልሲ ቅልጡፍን ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ምቅላስ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ብህዝባዊ ምትእስሳር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣካይድካ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ኢዩ። እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከምኣካል ናይ ህዝቢ መጠን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣባላተን ብምስታፍ ምቅላስ ማለት ምዃኑ ንጹር ክኽውን የድሊ።
ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡ እቲ ብምሉእ ድምጺ ዝተደገፈ ከኣ እቲ ሳልሳይ ምርጫ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ንመከራን ኣደራዕን ህዝብና ንምንጋፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ነቲ ሓባራዊ ማእከላዊ ዕላማ፡ ማለት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምልኪ ብፍትሒ ክትካእ ዝተወደበን ዘይተወደበን ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ጸረ ጉጅለ መራሕቲ ህግደፍ ዝመርሕዎ መላኺ ስርዓት ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ምክያድ እዩ። ንዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ ዜጋን ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ክነግስ ዝደሊ ከምውልቀሰብ ጥራሕ ንነብሱ ብምውካል ኣብ ሓደ መኣዲ ሓቢሩ ስሙር ቃልሲ ከካይድ ክኽእል ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ንምኽፋትን ንምክያድን ዝዓለመ ይኸውን።
ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደር ወይ ዝሻሞ ምትእስሳር ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ መሰረታዊ ዕላማ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእን ምርግጋጽን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ በብቅደም ተኸተል ህዝቢ ከሰላስሎም ዘሎዎም ሓባራዊ ፕሮጀክታት ኣሎው። እቲ ቀዲሙ ዝስራዕ ፕርጀክት ከኣ ነቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከይንስጋገር ዓንቂጹና ዘሎ ስርዓት ብስሙር ህዝባዊ ተቓውሞ ምእላይ ኢዩ። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ካብ ሕጂ ክንሰርሓሉ ዘሎና ከኣ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋግጋጽ ህዝቢ ነቲ ለውጢ ከምዝመርሖን ከምዝቕልሶን ብምግባር ዘተኣማምን ነባሪ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ዜጋታት ንምርግጋጽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ የድሊ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ብዙሕ ርእትዮታት ዘሎዎ ኣህዛብ ጠርኒፉ ስለዝጉዓዝ፡ ኣብ ዓበይቲ ውሱናት ዘሰማማዕዎ ጉዳያት ወይ ዕላማታት ጥራሕ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መዋጽኦ ናይ ሽግርና ክኸውን ክበቅዕ፡ ብሓባራዊ ዕላማ፡ ብሓባራዊ ስትራተጂ፡ ብሓባራዊ ናይ ዓወት-ጎደና፡ ህዝቢ ብምትእስሳር (ብምጥርናፍ)፡ ብናይ ሓባር ህዝባዊ መሪሕነት ተማእኪልካ፡ ግብራዊ ሓባራዊ ስራሕ ብምክያድ ዘላቒ (ነባሪ) ሃገራውን ህዝባውን ፍታሕ ምርግጋጽ ኢዩ። ብርእይቶ ናይ ወከልቲ ኢንዲያናፖሊስ ከባቢኣን ንናይ ዞባ ንድፊ ሽማግለ ዝቐረበ ርእይቶ፡ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መለለዪ ስም ስለዘድልዮ ህዝባዊ ምትእሳሳር ኤርትራውያን ንፍትሒ (Eritrean People’s Network for Justice - EPNJ) ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡ።
እዚ ካብ ከተማታት ጀሚርካ፡ ብዞባታት ይኹን ብኣህጉር ደረጃ፡ ናይ ሓባር ስም መለለዪ ምህላው ኣገዳሲ ጌርና ንርእዮ። እቲ ዝውስን ግን ብኣገባቡ (መስርሕ) ህዝቢ ምዃኑ ከኣ ነስምረሉ። ብከተማታት ደረጃ ዝሰላሰል ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ናቱ ነጻነት ሃልይዎ፡ ብዕግበቱ ነቲ ናይ ሓባር ስም ምስ ዝቕበሎ ክጥቀመሉ ይኽእል። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ግን ፡ወከልቲ ዞባታት ኣብ ዝግበርዎ ጉባኤ ዝጸድቕ ጉዳይ ምዃኑ ብካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ዝውሰን ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግን ስም ዘይኮነ፡ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ስትራተጂን፡ ብዘዐውት መንገዲ ሒዝካ፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብግብሪ ክሰርሕ ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ኢዩ። ዕላማ ወይ ዘረባ ብዘይግብሪ ግን ኣብ ዓዲ ዘብጽሕ መንገዲ ዓወት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘዝርከበሉ ቦታታት፡ ህዝባዊ ምትእስሳር ብምክያድ ሕዝቢ ተጠርኒፉ ብሓባር ኣብ መደብ ስራሓት ተጸሚዱ ብግብሪ ክሰርሕ፡ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ህዝቢ ኣብ ዘዝነበረሉ ቦታታት ክጥረንፍን እውን ትጽውዕ።

Source: Fithi Magazine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2016/0201FITHI6-05MT.pdf
ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክዕወት ንጹር ሓባራዊ ዕላማን ስትራተጂን (Goals & Strategy) የድሊ። ነቲ ናይ ሓባር ዕላማን ስትራተጂን ንምዕዋት ከኣ ንኹሎ ዘሳትፍ፡ ዓቕሚ ህዝቢ ብግቡእ ዝወደበ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ናይ ዓወት-ጎደና (Roadmap) ክሕንጽጽን ክኽተልን የድሊ። ነዚ ናይ ዓወት ጎደና ተኸቲልካ መደብ ስርሓት ብግቡእ ንክስርሑ ዝከታተል ህዝባዊ ባይቶን ስራሓት ከምዝፍጸም እትገብር ካብ ውሽጢ ባይቶ እትወጽእ ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) የድሊ። እቲ ክሳብ ዕለት ሎሚ ደምበ-ተቓውሞ ክፈትሖ ዘይበቕዐ ሕቶ መሪሕነት ክፍታሕ ኣሎዎ።
ብርእይቶይ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ብደረጃ ከተማታትን ዞባን ዝጥርነፍ ዘሎ ህዝቢ (ህዝባዊ ምንቅስቓስ ወይ ምትእስሳር) ካብ ንድፍታቱ ብምብጋስ ነዚ ዝስዕብ
ከኣ መበገሲ ንህዝባዊ ክትዕ የቕርብ።
- ኣብ ኩለን ክፍሊ-ዓለማት/ዞባታት (ኣውሮጳ፡ ሰሜን-ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤስያን፡ ኣወስትራልያን) ህዝቢ በብዘሎዎ ቦታታት
ኣኼባታት ብምክያድ ክጋባእ። - ብወከልቲ ከተማታት ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ከምዝቐውም ይግበር
- ካብ ዝተዳለው ንድፊ ሰነዳት ብምምሕያሽ ይኹን መተካእታ ብምድላው ንጹር ዕላማ መደብ ስራሕን የወጽእ። ቅጥዒ ኣውሳስና ካብ 75% ክሳብ 100% ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕላማታት ከምናይሓባር፡ 50% ክሳብ 74.99% ዝተደገፉ ከኣ በብግዚኡ ብመድረኽ ልዝብ ንክፍትሑ ጻዕሪ ይካየደሎም። ትሕቲ 50% ዝተደገፉ ከኣ ተወንዚፎም ክጸንሑ ዝብል ዘሳርሕ ቅጥዒ ኮይኑ ይስመዓኒ።
- እቲ ዝተጋበኣ ህዝቢ ከኣ ቦታዊ/ከተማዊ ህዝባዊ ሽማግለ (Local Council) ይመርጽ።
- ኩለን ከተማታት ብመጠን ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ መሰረት ዞባዊ ወከልቲ ይመርጻ።
- ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ብካብ ከተማታት ዝተላእኩ ወከልቲ ይቐውም
- ዞባዊ ናይ ወከልቲ ህዝባዊ ጉባኤ የካይድ
- ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ በተን ናይተን ከተማታት ሰነዳት ምርኩስ ብምግባር ብዞባ ደረጃ ብሓባር ዘስርሕ ዕላማን፡ ስትራተጂን፡ ናይ ዓወት-ጎደናን መደብ ስራሕን ብዝተሰማማዓሉ ቅጥዒ ኣጸዳድቓ መሰረት የጽድቕ። ብርእይቶይ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቅጥዒ እውን ንዞባ የስርሕ ኢዩ ይብል።
- ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ዞባዊት ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) (Regional Council/Executive) ይመርጽ
- ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ብመሰረት ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ ወከልቲ ዞባ ኣብ ኣህጉር ይመርጹ (Regional Representatives)
* ኣብ ኣውሮጳ ድሕሪ ከተማታት ብሃገር ደረጃ ዝጥርንፍ ንኡስ-ዞባ ከምዘድሊ ምርድኡ ኣገዳሲ ይኸውን።
- ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ፡ ብወከልቲ ዞባታት ከምዝቐውም ይግበር
- ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ብመሰረት ዞባታት ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ ብወከልቲ ዞባታት ይቐውም።
- ኣብ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ጉባኤ ከኣ ዕላማን፡ ስትራተጂን፡ ናይ ዓወት ጎደናን፡ መደብ ስራሕን ካብ ናይ ዞባታት ሰነዳት ብምብጋስ ይስነዱን ይጸድቁን።
- ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ-መንበርን ኣፈ-ባይቶን ድሕሪ ምምራጽ ዘድልያ ቤት-ጽሕፈታት ድሕሪ ምውሳን ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) ይመርጽ።
- ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ናይ ገንዘብን ናይ ስራሕ ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻር ነጻ ሽማግለ ይመርጽ።ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ንውሽጣዊ ምሕደራ ብዝመልከት ፖሊሲን መምርሕን እተዳሉ ኮሚቴ ብምውጻእ ተጽድቕ።
- ከምእውን ኣብ መንጎ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶን ኣካያዲት ሽማግለ ዝህሉ ርኽክባትን ዝምድናታት ዘነጽር ሰነድ ብምድላው ተጽድቕ።
- መደብ ስራሓት ከኣ በብቕዓት ናይ ዜጋታት ተመቓሪሖም ነቲ ናይ ሓባር ናይ ዓወት ስትራተጂ ንከዐውቱ ስራሓት በተን ክፍልታት ኣብ’ቲ ቤትጽሕፈት ኣቦ-መንበር ይሰላሰሉ።

- ናይ ረድኤት ትካል ምቛም ከኣ ንማሕበራዊ ጸገማት (ጉዳይ ስደተኛታት) ንምፍታሕ ንሃገር ድሕሪ ህግደፍ ንምህናጽ ከምሓውሲ ነጻ ትካል ክቐውም ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ክውሃቦ ዝበሃል ዘሎ ገንዘብ ነቲ ትካል ክውሃብ መመልክዓልና ነይሩ።
GoitomEmam – This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Source: Fithi Magazine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2016/0201FITHI6-05MT.pdf
ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓዲሽ ዓመት ክኣቱ ከሎ ዝሐለፈ ግላውን፡ ማሕበራውን ሃገራውን ጉድያት ብምግምጋም፡ ኣብ’ቲ ሓዲሽ ዓመት ከማልኦ ዝድለዮ ባህግታት ክህሉው ባህርያዊ ኢዩ። እቶም ድሌታት ንክረጋገጹ ከኣ ብቀዳምነት ኣብ ሓንጎልካ ክትስእሎምን ብኸመይ ከምእተዐውቶምን ክትሓስበሎም የድሊ። ትጽቢትናን መደባትናን ኣብ ዓመተ-2016 ዝብል ኣርእስቲ ከይገፍሓና ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልከት ጥራሕ ከተኩር ኢየ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ግቡእ ግምገማ ከኣ ነቶም ኣወንታዊ ስርሓት ከተማዕበሎም፡ ንኣሉታዊ ተሞክሮታትን ንክትእርም ይሕግዘካ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ድሕሪ ምግምጋምን ሕጂ ዘሎኻዮ ወድዓዊ ኩነታት ግቡእ መረዳእታ ምስ እትውንን ከኣ መንቀሊኻን መበገሲኻን ን2016 ትፈልጥ። ሓደ ጥሪ 2016 ከም ንቕሎ መበገሲ፡ 31 ታሕሳስ 2016 ከም ዓመታዊ ምህርትና እንግምግመሉ ዕለተ-መነሃርያ ለውጢ ጌርና ንውስዶ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምልጋስን፡ ምልኪ ብፍትሒ ኣብ ምትካእ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ ዘተኮረ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ እንቃለስ ዓመተ 2016 እንብህጎ ናይ ለውጢ ምህርቲ ክንሓፍስ ክንበቅዕ ብደረጃ ውልቀ ይኹን ብሓባር እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ክንፈልጥን ክንሰማማዕን ክንዓግበሉን፡ መደባት ኣውጺእና ክንሰርሓሉን የድልየና። ኣብ ውሽጢ 24 ናይ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸትሉ ዓመታት እቲ ዘድሊ ለውጢ ክረጋገጽ ዘይምብቅዑ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓቢርካ ሽግርካ ንምፍታሕ ዘይምቅላስ ምዃኑ ዳርጋ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ።
እቲ ብተናጽል ቃልሲ፡ ከምዘይድምዕ ሕሉፍ ሃብታም ተሞክሮና ምሂርና ክኸውን ተስፋ እገብር። ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ምስ እንርኢ ዝሓለፈ ኣካይዳና ኣብ ዓወት ከምዘይብጽሓና ዝተረዳእና ንመስል። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ዝብል ሓቢሮም ክላዘቡ ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ተበግሶታት፡ ክወስዱ ንርኢ። ከም ኣብነት ክውስድ ዝከእል፣
- እቲ በብከተምኡ ዝተበገሰ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካን ኣውሮጳን ናይ ህዝቢ ጥርናፈ
- ኤርትራውያን ምሁራት ብድምጽና (Our Voice) ዝፍለጡ ይኹን ምሁራት ከም በዓል ዶ/ር ኣርኣያ ደበሳይ ዝኣመሰሉ ነቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዘሐይልን ሓቢርካ ንምቅላስ ዝሕግዝ ሓሳባት ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣብ 2015 ምውጸኦም።
- ኤርትራውያን ህሉዊ ሽግርና ክንፈትሕ “ንጋባእ” ዝብል ከም ኣማራጺ ፍታሕ ዘቕርቡ ኤርትራውያን ምስማዕናን ምህላዎምን።
- እቲ ተሞክሮ ናይ ዝሓለፈ ተበግሶታት ናይ ሃገራዊ ባይቶ ብቡዙሓት ከምዘይሰርሐ ተኣሚኒሉ፡ ብፖለቲካዊ ውድባት ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምድህሳስ ይርከባ ምህላወን።
- ብ “መድረኽ ንዘተ” ዝተጸውዐ ናይ ኬንያ ናይ ወከልቲ ውድባት ናይ ምምኽኻር ኣኼባ (ዋዕላ)፡ ውድባት ብዝተሓተ ሓቢረን ንክሰርሓ ዝዕድም ስምምዕ ምዃኑ ብምስትብሃል።
- መርበብ ኣሰና ንናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝገብረሉ ዘሎ ቆላሕታን ኣበርክቶን።
- እቲ ኣብ 2015 ኣብ ጀኔቫን ኒውዮርክን ዝተኻየደ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታት ውጽኢት ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ ብምዕዛብ ወዘተ....
ብርእይቶይ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሱ ናይ 2015 ዓበይቲ ፍጻሜታት ምርኩስ ብምግባርን ሕጂ ህሉዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ደምበ ተቓውሞናን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ነዚ ዝስዕብ ኣብ ዓመተ 2016 ክግበሩ ዘሎዎም ስርሓት ሓሳባትን ህዝቢ ክዘራረበሎም ተቕርብ።
- ናይ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ከም ዓቢ ፕሮጀክት ምርኣዩን ምሓዙን
- እቲ ፕሮጀክት ከኣ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክኸውን ምግባሩን ንክኸውን ምጽዓርን
- እቲ ናይ ሓባር ፕሮጀክት እዞም ዝስዕብ ክህሉዎ፡
- ናይ ሓባር ዕላማ
- ናይ ሓባር ስትራተጂ
- ናይ ሓባር ናይ ዓወት-ጎደና
- ናይ ሓባር ህዝባዊ ባይቶን ኣካያዲት ሽማግለን (ፈጻሚት ኣካል)
- ናይ ሓባር መደብ ስራሕ
IV. እዚ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክውን ንምግባር ክሰርሑ ዘሎዎም ስርሓት ምንጻርን ምስምማዕን
- እቶም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝቐርቡ ኣማራጺታት ምልላዮምን ምርደኦምን
- ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ጥርናፈን (Grassroots Movement)
- ህዝቢ ኤርትራ ክጋባእ ኣሎዎ ወይ “ንጋባእ”ዝብል ኣረኣእያን ኣማራጺ ዝቐርብ ሓሳባት
- ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤኡ ኣካይዱ ጌጋታቱ ኣሪሙ ክቕጽል ዝብል ኣረኣእያን፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብቂዑ’ዩ ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ካብ ውሽጡ ዝነቕሉ ኣረኣእያታት
- ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ወይ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከይተጠርነፉ ዝጸንሑ ውድባትን ኣረእያታትን
- ነዚ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተን ኣርባዕተን ዘሎወን ኣረኣእያታት ኣብ ሓደ ንምጥርናፉ ናይ መድረኽ ንዘተ ተበግሶ ናይ ምምኽኻር መራሕቲ ውድባት ስምምዓትን ኣብ ኬንያ
- ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣማራጺታት ይኹን ዝሐሸ ሓቢርካ እትቃለሰሉ ኣማራጺ ምምራጽ
- ኣብ ተግባራዊ ሸነኻቱ፡ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምስ’ቲ ንጋባእ ዝብል ኣረኣእያ ሰለዘይፈላለ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይካ ኣብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል። እዚ ከኣ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዘይወስድ ጉዳይ ምዃኑ ጥራሕ ይርኢ። ሓጋዚ ክኸውን ካሳብ ዕለት ኣኼባ፡ እቶም ንጋባእ ዝብሉ ዘሎው ሃገራውያን፡ ካብ’ታ ዝቕመጡላ ዘሎ ከተማ ተበጊሶም ብተግባር ኣብነት ኮይኖም ክሰርሕሉ ይላበዎም። እሱ ኸኣ ህዝቢ በብዘሎዎ ተጋቢኡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንክሕይል ምግባሩ ኢዩ።
- ብመሰረት ተበጊሱ ዘሎ ምምኽኻር ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት እቲ ዘይተነጸረ ቀጻልነት ኣተሃላልዋ ሃገራዊ ባይቶን፡ ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝነበራ ውድባትን ኣብ ሓደ ኣማራጺ ስምምዕ ንክብጻሕ ምጽዓር።
- ብርእይቶይ፡ እቲ ንፖለቲካዊ ውድባት ማሕበራትን ዝጥርንፍ ሓባራዊ ስምምዕ ነቲ መትከል ናይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
ብምድጋፍ ንዑኡ ንክሕይልን ንክሰፍሕን ብሓሳብ ደጊፉ ንህዝቢ ክእውጅን ብግብሪ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክሰርሕን ምስ ዝበቅዕ ደምበ-ተቓውሞ ብናይ ሓባር ዕላማ፡ ስትራተጂ፡ ናይ ቃልሲ ጎደና፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ብምጥራይ ናብ ቀንዲ ዕላማታት ኣብ ምዕዋት ኣድማዒ ውጽኢት ይህሉዎ።
እዚ ዝተጠቕሰ ከም መስርሕ ናብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል ክኸውን እንከሎ፡ ብርእይቶይ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቐንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ፍታሕ ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። እቲ ዝሐለፈ ተሞክሮና ዝምህረና ከኣ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ለውጢ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ኢዩ። ብተወሳኺ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ዋላ ሰሚሩ ብሓደ መሪሕነት ተጠርኒፉ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝገብሮ ነገር የብሉን። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይነን ብግብሪ ክሰርሓ የድሊ። መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብዝሐ ሰልፍታት ዝሓቖፈት ስለዝኾነት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ራኢኣን ከስፍሓን ካብ ህዝቢ ክውድባን ህዝቢ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ምስ ዝጥርነፍ ንረብሓኣን ኢዩ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ነቲ ሓባራዊ ፕሮጀክት ንምዕዋት ዘድሊ ሓባራዊ ትካል ስለዝኾነ ኩሎም ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ረብሓ ዘሎዎም ሓይልታትን ውልቀ-ሰባትን ክሳተፍዎን ከዐውትዎን ክቃለሱ የድልዮም ጥራሕ ዘይኮነ ሓላፍነታዊ ኢዩ።

ንለውጢ ብሓባር ንምስራሕ፡ ብዛዕባ እቲ ሽግር ናይ ሓባር ተረድኦ ክህሉወካ የድሊ። ብዛዕባ ህሉዊ ሽግር ናይ ኤርትራን ህዝባን ሓደ ዓይነት ተረድኦ ስለዘይንውንን ከኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ውደባታት ከም ፍታሕ ንወስዶ። ብጀካ እቶም ደገፍቲ ናይ’ቲ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ እቶም ለውጢ ንምምጻእ እንብህግ ኣረዳድኣና ኣብ’ቲ ዘሎ ስርዓት ዝተፈላለየ ኢዩ።
- እቲ ዘሎ ስርዓት ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ኢዩ ኢልካ ትሕስብ እንተኾንካ፡ ሃይማኖታዊ ውድብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
- ናይ ሓደ ብሄር ዕብለላ ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ ናይ ብሄር ውደባ ተካይድ።
- ናይ ንኡስ ብርጅዋ ዓብላልነት ኢልካ እንተሓሲብካ ናይ ሸቃላይ ዓኻይን ናይ ደርቢ ቃልሲ ትመርጽ።
- ናይ ዓበይቲ ወይ ናይ ኣረግቶት (ገዳይም) ድሑር ኣተሓሳስባ ኢዩ እቲ ሽግር ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ፡ ናይ መንእሰያት ፖለቲካዊ ውደባ ተካይድ።
- ናይ ሓደ ኣውራጃ ዓብላልነት ኢዩ ኢልካ ትኣምን እንተኾንካ ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
- እቲ ሽግር ንኹሉ ኤርትራዊ ዝትንክፍ ኢልካ ትሓስብ እንተኾንካ ከኣ ሃገራዊ (ሕብረ-ብሄራዊ) ምጥርናፍ ከም ዝሓሸ ውደባ ትርኢ ወዘተ....
ኣብ ኤርትራዊ ክውንነት እዞም ዝተጠቕሱ ጥረናፈታት ህሉዋት ስለዝኾኑ፡ ንሓቢርካ ምቅላስን ሓርነታዊ ቃልስና ከም ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክንሰርሕ ኣይበቓዕናን ጥራሕ ዘይኮነ ኣወዳድባና ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሕ፡ ንህዝብና ከኣ ካብ ውድባት ዘርሕቕ ኣወዳድባ ምዃኑ ኢዩ። ህዝብና ዘይስዕቦን ዘይጻወሮን ኣወዳድባ ሒዝካ ህዝቢ ዘይሰዓበኒ ምባል ትርጉም ዘሎዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝኾነ ዜጋ ዝደለዮ ዓይነት ውደባ ከካይድ መባእታዊ መሰሉ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣወዳድብ ንህዝብና ምስ ህግደፍ ክመሳሰል ዝደፋፍእ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ምርድኡ ኣገዳሲ ይኸውን።
ብርእይቶይ እዚ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ብውሑዳት ሃገራውያን መለኽቲ ዝዝወር፡ ንዝኾነ ዓይነት ወገን፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ዘይውክልን ዘይግደስን ስርዓት ኢዩ። እቲ ዘገድሶ ስልጣን ጥራሕ ኢዩ። እዚ ማለት ግን፡ መለኽቲ ንዕድመ ስልጣኖም ንከናውሑ ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ ወገን ከም መሳርሒ ኣይጥቀሙሉን ማለት ኣይኮነን። መላኺ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ተጠቒሙ ህዝቢ ንህዝቢ ክፈላልን ንከይተኣማመን ንከይላዘብን ከምዝሰርሕ ኩላትና ክንርደኦ ዝግበኣና ኢዩ። እቲ ብዝያዳ ዘተሓሳስብን ክሳብ ዕለት ሎሚ ከኣ ዘይነቓሕናሎ ግን ደምበ ተቓውሞ እዞም ዝተጠቕሱ መሳርሕታት እዚኣቶም ክጥቀመሎም እንከሎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ንኹሎም ዜጋታት ዝትንክፍ ሃገራዊ ሽግር ስለዝኾነ ከኣ ሃገራዊ ሓባራዊ ፍታሕ ብሓባራዊ ፕሮጀክት ፍታሕ የድልዮ። ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ ወይ ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ወይ ዓመጽ ከም ሃገራዊ ዓመጽ ወሲድና እተን ኣዒንትና ሃገራዊ መረጼን ተጠቒመን ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ፍታሕን ከነናዲ የድልየና።
ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብሰንኪ ምልኪ ምህላው ኢልና ንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቲ ፍታሕ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእ ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ፍትሒ ንምርግጋጽ ከኣ ብቅዋም እትመሓደር ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ፍታሕ እንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭቆና (ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወዘተ,,,,) ይፍትሑ ኣሎው ማለት’ዶ ኣይኮኑን? ናይ ውልቀ-ሰብ መሰል ምስ ዝረጋገጽ፡ ናይ እኩባት መሰል እውን ይረጋገጽ ኣሎ ማለት’ዶ ኣይኮነን? ሰለዚ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ በብቦትኡ ዝካየድ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኣብ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ከዐስል ዝኽእል ናይ ቃልሲ መስርሕ ምዃኑ ከነስተብህል ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ዓይነት ጥርናፈ ከኣ ምስ’ቲ ኣብ ሃገረ ኤርትራ እንብህጎ ኣወዳዳባ ህዝቢ (ዓዲ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ ሃገር) ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ስለዝኾነ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኢዩ።
Goitom Emam
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
